ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት
ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት ከተማ ቦለኛ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ተኣኻኺቦም ከም ሃገራውያን ሓድነቶም ዘሐይሉሉ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተባዓት ተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ንናጽነት፣ ሞራላውን ፋይናንሳውን ደገፍ
ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት
ከተማ ቦለኛ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ተኣኻኺቦም ከም ሃገራውያን ሓድነቶም ዘሐይሉሉ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተባዓት ተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ንናጽነት፣ ሞራላውን ፋይናንሳውን ደገፍ ዝገብሩሉ ባይታ ከፊታ ብዝገበርቶ ታሪኻዊ እንግዶት ውዕለታ ብኣውንታ ክዝከር ዘለዎ እዩ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ንቦለኛ ን23 ዓመታት ረሲዑዋ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ከካይዶ ዝሽባሸበሉ ዘሎ ዳንኬራ ግን ካብዚ ቅዱስ መንፈስ’ዚ ዝተፈልየ ዕላማ ዘለዎ ፕሮፖጋንዳዊ ውዲት እዩ።
ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ፣ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ፣ “ኣንታ መዓስ እዩ ዝኸደልና” እናተባህለ ብወለድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክርገም ዝውዕልን ዝሓደርን ዘሎ፣ ኣእላፍ መንእሰያት ብእግሮም እናድመጹ ዝርሕርሑዎ ዘለዉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ቦለኛ መድረኽ ድራማ ከፊቱ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሕሰምን ጸበባን ህዝቢ ኤርትራ “ኣይንታይናን” ዝበሉዎ፣ ዒብ ኣልቦ ተበለጽቲ መጋበርያታቱን መሓዮታትን ካብ መላእ ዓለም ለቒሙ ዕዱማት ተዋሳእቲ ብምግባር፣ ናይ ካሜራ ሽጣራ ወሲኹ “ርኤኹም ኣብ ወጻኢ ምሉእ ደገፍ ኣለኒ” ብምባል ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምረት ኣብ ዓጽሙ በጺሑዎ ለውጢ ሃረር ዝብል ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ንሳልስቲ ተስፋ ንምቝራጽ ዝፍትኖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ እዩ።
እቲ ካልኣይ ፕሮፖጋንዳዊ ዕላማ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ፣ ገሊኦም እንተስ ንኢሳይያስ ካብ ሃገረ ኤርትራ ምፍላይ ኣጸጊሙዎም ስምዒታዊ ደገፍ ክገብሩሉ ዝጸንሑ፣ ገሊኦም ከኣ በብውልቃዊ ግዝያዊ ምኽንያታት ምስ ሕልናኦም እናተማትኡ፣ ሓደ መዓልቲ ቅዋም ክትግብር እዩ እናበሉ ነብሶም ከደዓዕሱን ሕድገት ክገብሩሉን ዝጸንሑ ‘ሞ፣ ሕልናዊ ሓቕያኦም ምጽዋር ስለዝሰኣኑዎ፣ ካብ መቝረንቲ ናይቲ ስርዓት ብብዝሒ መሊቖም ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍ ዝነፍጉዎ ዘለዉ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማ፣ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ጸረ ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን ምዃኑ ናይ ልቡ ኣንቲጉ ዝበሎ ወልደፍደፍ ንምሕካም ኣብ መበል 23 ዓመት ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝጀመሮ ጽውጽዋይ “ንድፊ ቅዋም” ኣብ ቦለኛ ደጊሙ፣ ነግፈረግ ኣቢሉ ከማትኦምን፣ ገንዝቦም ጨቐም ከብልን እንተኾነሉ ዝኣለሞ ፈተነ እዩ።
እቲ ሳልሳይ ዒላማ ፣ ነቲ ጥረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጸብጺቡ ነጺሉዎ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ’ቲ ዓሚ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕዝፈት፣ መዝገባት ሓተቲ ዑቕባ ሃገራቶም ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝምለኣሉ ምኽንያት መልሲ ኣብ ርእሲ ምርካቦም፣ ጭካኔን ክሕደትን ናይቲ ስርዓት ኣጸቢቖም ኣስተብሂሎም መሊሶም ክዒቦሞ ንዘለዉ መንግስታት “መሲሉኩም ደኣምበር ህዝቢ ኣብ ጎነይ ኣሎ” ኢሉ ብምስማስ ካብ ገሊኦም ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎኡ እንተተቓለለሉ ከንቀላውጥ፣ ነቶም ዝቐበጾም ከኣ ቁሩብ ሕርቃን እንተረኸበሎም ህልኹ ከርዊ ዝገብሮ ዘሎ እዩ።
ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነዚ ኤንፍዩዥን ስልጣን ክኾነኒ እዩ ኢሉ ምሂዙዎ ዘሎ ፈንጠዝያ ቦለኛ፣ ከም ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ቆጺሩ፣ ዝተፈላለየ ሜላታት ምድንጋር ተበላሒቱ ሰድያታቱ ክመልእ ሸበድበድ ምባሉ፣ ክሳብ ክንደይ ተዳሂሉ ሕልናኡ ዓሪቡ ውድቀቱ ኣብ ቀልቀል ተራእዩዎ ከምዘሎ ዝምስክር እዩ። እንተኾነ፣ እዚ ፖለቲካዊ ርእሰማሉ ጸንቂቑ፣ ኣብ ቁልቁለት ጥፍኣት ሸለውለው ዝብል ዘሎ ስርዓት፣ ፈንጠዝያኡ ኣብ ቦለኛ ይግበር ኣብ ኣስመራ ካብ ውድቀት ከድሕኖ ኣይኮነን።
እቲ ጠንቂ ስደትን ምብትታንን ኤርትራውያን ምዃኑ ንምሕባእ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ዕለት ንዝሃለቑ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱዛ ከም ኣፍሪቃውያን ዝኸሓዶም፣ ሬሳኦም ዓዲ ከይኣቱ ከልኪሉ ወለዶም ሓዘኖም ከይዓጽዉ ዝኾነነ ኣረሚናዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ የዋጽኣኒ ‘ዩ ኢሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማን ተዋስኦን ምግባሩ ናቱ ጉዳይ እዩ፣ ይውዓሎ። እቲ ኪኖ ፍቕሪ ስልጣን ክቱር ጽልኢ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ደጋጊሙ ዘመስከረ፣ ህልቂት ኤርትራውያን ከምዘይዓጦ ብተግባሩ ኣርእዩ ብቓሉ ዝደገመልና ስርዓት፣ ሕጂ ‘ውን በዚ ትማሊ 28 ሰነ ኣብ ምእከል ኣስመራ፣ ሽምዓ ወሊዑ ህልቂት መበል 20 ዓመት ቱትሲ ሩዋንዳ ዘኪሩ፣ በንጻሩ ጽባሕ ሓምለ ኣዒንቲ ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝሃለቑ ኣማኢት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይነትዐ ኣብ ቦለኛ ኣብ ልዕሊ ሬሳታቶም ክስዕስዕ ምህቃኑ፣ ነቲ ድሮ ተገንዚብናዮ ዘለና ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምንብርካኽን ምጽናትን ውጥኑ ዳግም ዘግህድ እዩ። ነዚ ‘ውን፣ ጉዳዩ እዩ ይውዓሎ። እቲ ከገድሰና ዘለዎ ናትና ውጥን፣ ናትና ጉዳይ እዩ። ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን እንታይ ንሓስብ ኣለና፣ ውዕሎና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።
እዚ ሕቶ’ዚ ንደለይቲ ፍትሕን ደገፍትን ፈላሊኻ ዝምልከት ‘ውን ኣይኮነን፣ ሕቶ ሃገራውያን ኤርትራውያን እዩ። ሃገርና ክትዓኑ ከላ፣ ህዝብና ክጸንት ከሎ፣ ኣበየናይ መስመር ከምዘለና ህዝብን ታሪኽን ይዕዘበና ምህላዉ ተገንዚብና፣ ፈለማ ነብስና ደሓር ከኣ ህዝብና ንምድሓን መትከል ክንሓሪ፣ ኣብ ጎድኒ ሓቅን ህዝብን ደው ክንብል ይግብኣና።
እዚ ሎሚ ቅነ ኣቦታትና መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘቕረብሉልና፣ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል እዋናውን ቅኑዕን ሕቶ ንኹላትና ዝምልከት እዩ። ነዚ ረዚን ሕቶ ብቐሊሉ ክንምልሶ ግን፣ ፈለማ፣ “ሕልናና ኣበይ ኣሎ” ዝብል ሕቶ ንነብስና ከነቐድመላ ኣለና።
ነዚ ታሪኽን መክልዕን ኤርትራ ደዊኑ፣ ብጋህዲ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” እናበለ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ከንበርክኽን ከጽንትን ጸደፍደፍ ዝብል ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ናይ ምጽዳፉ ዘየላቡ ሞያ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክዕመም ዘለዎ ዝዓበየ ዕማም እዩ። እንተኾነ፣ ነዞም ኣብ ወጻኢ እንርከብ፣ ድሕነት ሃገርናን ህዝብናን እንብህግ ኤርትራውያን ባዕሉ ንእሽቶ እጃም ሒዙልና ናብ ቦለኛ ቀሪቡልና ‘ሎ። እቶም ብኣካል ናብ ቦለኛ ተጓዒዝና እምቢታናን ኩነኔናን ኣስሚዕና ንህዝብና ሞራላዊ ደገፍ ክንህብ እንኽእል ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ባይታ ተረኺብና፣ ንውዕለት ቦለኛ በቲ ሓቀኛ መልክዑ ክንገልጾ፣ ንቅለት ኢሳይያስ ከነቃልዖ ግቡእን ሓላፍነትን ኣለና። እቶም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሳንዱቕ ሬሳ ግዳያት ላምፐዱዛ ሓንቲ ወንበር ኣቐሚጡ ከሕጥኣኩም ዝፍትን ዘሎ ኤርትራውያን ከኣ፣ ኣብ ክንዲ ናይ ሓጥያት ግዳያት፣ እንተሓመቕኩም “ኣይፋል” ኢልኩም ኣብ ገዛኹም ብምውዓል፣ ንድምጺ ናይቶም ሰብ ሕልና ሰሚዕኩም ብንጽህናኹም ክትቀስኑ ይግባእ።
ከም ቀደም ልብኹም ኣብ ፍሪጅ ኣቐሚጥኩም፣ ሳምቡእኩም ጥራይ ሒዝኩም፣ ቦለኛ እንተወሪድኩም ግን፣ ኣባና ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ‘ኳ ኣይክትበጽሑን ኢኹም። እቶም ሰብኣዊ ትራጀዲ ግዳያት ላምፐዱዛ ምስ ጭካኔ ኢሳይያስ ኣዛሚዶም፣ ብውጥን ሸብዳዕዳዕን ዳንኬራን ቦለኛ ድሮ ባስተንትኖ ክጽሕፉን ክዛረቡን ጀሚሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኢጣልያ ጥራይ ብዕሽነትኩም ተገሪሞም ብብርዖም ክሳሃሉኩም ኢዮም። ንግዚኡ ሳንቡእኩም ኣይፍለጣን ይኸውን፣ ንጽብሒቱ ልብኹም ኣብ ሰፈራ ምስ ተመልሰት ግን ዘይወጽእ ጣዕሳ ክሓድረኩም እዩ። ስለዚ፣ ካባኻትኩም እንጽበዮ ህዝቢ ምድሓን ኣይኮነን። ሕልናኹም ኣቕሲንኩም ፈለማ ነብስኹም ከተድሕኑ፣ ቅኑዕ መስመር ክትሓርዩ እዩ።
እወ ንኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ፈንጠዝያ ቦለኛ ንግደት፣ ነቲ ህልቂት ላምፐዱዛን ውርደት ሲናይን በሰላ ልቢ ኮይኑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንድየት እዩ ‘ሞ፣ ካብ ኣብ ንግደት ሓጢኣን፣ ንድየት ውጹዕ ህዝብኹም ኣብ ምፍዋስ፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ውዓሉ። ኣምላኽ ይሓግዝኩም።
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ
ኣማኑኤል ኢያሱ
30 ሰነ 2014
Justice has come finally June 30, 2014
Wow
simba June 30, 2014
Well, this past weeks the so called oppositions and their “writers” were desperate due to the 40th anniversary festival…It is very sad to capitalize on those victims for their own greedy agendas. Most of these writers such as Amanuel Eyasu and the like seems to suffer from the mental illness called “Iseya-phobia”. This festival has nothing to do with belittling the dignity of those victims and their families. It is business as usual which we had done it in the past in our “gedli life”. None of these shouters had stopped their daily activities such as wedding, holiday celebrations etc etc because our victims. So, wedi eyasu this is going to pass as all your attempts aimed to cause problems to our peace loving people. We will prevail against all odds.
rahwa July 1, 2014
simba, you are an alien. so it is business as usual in eseyas’s delusional mind, you psychopath? the death of 400 Eritreans in one minute is business as usual to a lunatic like you not to other Eritreans who are still mourning their loss. you should be ashamed of yourself. eseyas is the reason our brothers and sisters are dying and our people is suffering. organizing a festival when they are not properly buried and while their families are in limbo is the last straw. we Eritreans always prevail against all odds. you and your master will soon find more about that. you and your master are not Eritreans b/s you intend to dance while we Eritreans are mourning.
Sorobeti July 1, 2014
Simba
This is not a cause of a writer here and there, it is the cause of all Eritrean people who are suffering under the rule of the worst dictatorship in the planet. All Eritrean people are victims of the mafia regime. The problem is with people like you that for subnational feelings are supporting a regime that is destroying our country and people.
Mightyembasoyra July 1, 2014
Simba,
I think you are living in old times. EPLF is not equal to HGDF.
Do you know what the problem is with HGDF? The heart is not pumping blood, and don’t expect the brain can function as it it supposed to be.
Reading to your statement, you don’t seem to show any sadness to the misery of our people? Against all odds? Come on, that expired long time ago.
Wedi Erey July 2, 2014
Simba; you know it is the contrary of what you are saying. It is not “Iseya-phobia” or whatever you might like to Call it. It is a deep hatred of dictatorship of the PFDJ and its heartless ‘supporters’ like you. Simba; you don’t own the slightest sence of conscience, when you support the actions of a regime that has destroyed a People and its country. At a time when the Eritrean peopele is suffering from political repression, social and economic hardship never seen before, you chose to stand by the regime that caused all these sufferings. For me, and undoubtedly for all justice and rule of law-seeking Citizens, it is hard to believe that you really are an Eritrean. Because a real Eritrean knows how the Independent nation of Eritrea was brought about and would never accept the proud and brave Eritrean people to be ruled by power-sick dictators like Isayas and his PFDJ.
haben June 30, 2014
NibAt Hargex! Indeed, it is shameful to use the Lampedusa victims for political agenda. Please leave them to rest in peace. Why are you afraid so much by the festival? I am not going for my own reasons, but who am I to stop anyone do what they wish. You need to be civil to attract people to what you believe in. Threatening language and throwing tantrums is not going to earn you respect or get you anywhere. Respect people’s choice no matter what. If you have the ability, be civil in convincing people and throw your own festival if you wish and see how many people will turn up. You have no right to tell people what to do and what not to. If anything, your language will pit people off.
Tes July 1, 2014
haben
do you have a boyfriend? I don’t think so? You are so desperate to hook with another loser like you in Bologna.Get a life than commenting in thing you have no clue. We have values and culture we inherited from our ancestors and we Eritrean showed obedience to those codes for ages. Now you and your boss in Eritrea have no self respect try to teach us it is ok to dance over our dead brothers and sisters. How low can you and Simba get is your business but to come here and trying to justify evil work tops your stupidity. May be it is not you but your parent to blame. If you are the offspring of those who are papagallo family “Nihna Nusu” type then it doesn’t surprise me a bit. It is simply daughter like father or mother. Miss fit of Eritrean society who migrate from Eritrea long ago to middle east and Europe who accidentally get life outside Eritrea. They have lower IQ sub-humane without intelligence and repeat what is said by their boss. Dirbayat deki derbayat!!!1
Sorobeti July 1, 2014
Haben
to fight against beasts that are working day and night to extinct our people is more civil, human, and noble.
Dan July 1, 2014
Haben denkoro ata ksab meas ekom kitalelu bisaias loms kurub eba libi gberu herds of sheeps
ERITRAWIT July 1, 2014
Amanule hawna, N tereretey Libey ketesmo-om aykalen eu. kabzey zelenawo hzebey Eritrea kunetat krdom tezeykelew ezeo-om skab mewedata msew kemzkonew mreda kedleyena eu. mkbasom zhashe eu Kwegeh eu Mengestu Haylemariam keman keydew shew yerakbena n mzgbom ena zela!!!!!!!!
hitiblo July 1, 2014
Haki zeybla meakor may setia titert kimzi nay amaniel eyu ab ethiopia zimetu zeybkeyom nay laparudaza kab weledom nilali kibkeyomsi aygermekum do
haben July 1, 2014
Tes,
Please go back and read what you have written and tell me if it is written by anyone who values culture and civility. You do not give a hoot about our dead brothers and sisters. You are trying to use anything and everything to promote an agenda filled with hatred. I do not need permission from you or anyone else to wherever I want. I had no plans to go, but you and your likes have given me a reason to have a second thought.
Tes July 1, 2014
Haben Ghelie, Hunghugu!
If you come to Bologna, you will learn the hard lesson. You are well come and will see who will out triumphant. we are ready this time to clear zombies Hgdef…tsenawit
B. Michael July 1, 2014
ዝዓበኅን ኣሕዋተይ ዝነኣስክን ደቀይ ደቂ አሪትራ
ንኣኃትክን ብፍላይ ዘመልክቶ ለበዋ ካብ ሓደ ዚምልከትክን ኣጋጣሚ ፈልፈለ፡ ሒዶት ዓመት ኣብዚ ክፍላት ስካንዲናቪያ፡ ሓደ ሓላፊ ቦታ ዘሎዎ፡ “አሪትራዊያን፡ እተን አሪትራዊያት ዶ ክብለክን፡ “ኣብ ዓለም እተን ዝጸበቓ ኢየን” ይብለኒ፡ ኣነ ብባህረይ ንከምዚ ንጠባ ዘረባ መሓለውታ እንተ ዘይብለይ፡ ሥዓስ፡ “ጽቡቓት ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣለዋ” እብሎ፡ “እወ!” የሳኒየለይ ንሱ፡ “ናትና እውን ከምኡ ኢየን” ናትና ዝብለን እተን ጸዓይ ጾግረን፡ ዓይኒ ድሙዶ ክብሎ እቲ ዓይነን … መልክዐን ምስ ሕብረን ነኪር፡ ቅርጺ-ኣካላተን፡ ጾግረን ዘልዘል ኪሰጥሓ፡ ‘ምስኡታት ኪዛረባ” ኣይሓፍራን፡ ንውር ቃላት እቲ ንወዲ ተብዕታይ እዙእ ዚመስለና ንኣታተን ፍቑድ ኢዩ ማዕረ፡ አግዚቢዮኒስም ዚብሉዎ ነገር ኣየፍርሀንን፡ ዝኆነ ኆይኑ፡ ነገር መልክዕን ጸባቐን አሪትራውያት ብኡ ኣይዓጸወን ሰብኣይ፡ ነቲ ዘይምጡን ውዳሰ ደቀደይ አሪትራ ዝበልኩዎ፡ ብዓንዳፍን ኣሉታዊ ሕንፈጻን ኪቕጽለለይ ፈተነ፡ ግን ዕድል ኣይሃብኩዎን፡ እዚ ኣካል በይኑ ነጠባ ተዛራብ ኣይኮነን፡ ኣብዚ ወገናት ቀሊል መናጠር ኣካል ይርከብ ኢዩ
እዚ ላዕላይ ዘይዕዱም ዕላል ንምንታይ ኣምጻእኩዎ፡ እወ! ናብ ፈስቲቫል ቦሎኛ ክወስደክን እየ፡ ብኣካል ክትስርዓ ኣይኮነን፡ አንተ ተሰራዕክን ከኣ ንሃገርን ህዝቢን አሪትራ እምበር ኣይንርፍራፍ ሣዕቢያን፡ ንመሰልክን ደኣ ክትቃለሳ፡ መስልክን ደኣ ክትሕሉዋ፡ ነቶም ሓዋርያት ምንዘራ ደስ ከትብላ ኣየድልየክንን ክብለክን እየ፡ መሰልክን ደኣ ኣውጃ ማዕረነትክን፡ ኣልባሶ ዲዩ ድዕባሎ ምቑናን ኣየድልየክንን፡ ከም ዘለኅንኦ ጽሩያት ጽቡቓት ደኣ ኩና፡ ደስ ኪብሎም፡ ናብ ገደሎም ኪኀቱኅን አንዳ ሣዕቢያ ኣይተፍቅዳ፡ ናየዳታትክን ደኣ ሓዛ፡ ደቂ-አረይ፡ መልክዕክን ብኣምሰሉን ከንቱን ስልማት ኣይጽበቕን ኢዩ፡ በሃላይ እየ፡ መንፈሳዊን ልባዊን መልክዕ ደኣ ምረጻልና፡ ከመይ ንሱ ኢዩ በዚ ሕርቡት ዛንታ ሎሚና ዘድለየና፡ እዚ ስብከት መልክዕ ኣይኮነን፡ ነቲ ቃልሲ ህዝቢ አሪትራ፡ ዕሊ ትውፊት ህዝቢን ዝማዕረገ ኣተና ሃገርና ዚላዘብ ሓሳብን መደብን ኢዩ፡ ሰብና ኪሓምም ክንሓምም፡ ሰብና ኪዕወት ክንዕወት ምስኡ፡ እምበር ገለና ፈስቲቫል ደስታ ገለና ፈስቲቫል ቃንዛን ሓዘንን ክንከውን ሃገርና ኣይትከስትን ክብለክን እደሊ፡ ዘይመስል፡ ዘትቕበላኦ ርእይቶ ኣወግና እሞ ነቲ ዚብላዕ መንጽር ሓዛለይ፡ ሓደራ ክብለክን
አሪትራና ብሰላም ምስ ናጽነታን መሰላን ትንበር!
ERITREAN UNCLE July 1, 2014
Respected Amanuel Iyasu,
“እዚ ሕቶ’ዚ ንደለይቲ ፍትሕን ደገፍትን ፈላሊኻ ዝምልከት ‘ውን ኣይኮነን፣ ሕቶ ሃገራውያን ኤርትራውያን እዩ። ሃገርና ክትዓኑ ከላ፣ ህዝብና ክጸንት ከሎ፣ ኣበየናይ መስመር ከምዘለና ህዝብን ታሪኽን ይዕዘበና ምህላዉ ተገንዚብና፣ ፈለማ ነብስና ደሓር ከኣ ህዝብና ንምድሓን መትከል ክንሓሪ፣ ኣብ ጎድኒ ሓቅን ህዝብን ደው ክንብል ይግብኣና።”
Indeed very true ,we need our own agenda !!!
haben July 1, 2014
Tes,
Thanks to you, I have now bought my tickets. I despise bullies and a threatening language. I never bow down to intimidation. Ab bologna yerakbena. Make my day.
Tes July 2, 2014
Haben Asha,
HGDEF is giving ticket. You don’t need to buy but this shows how soulless you are. I hope you will be the victim of the storm from our deleyti Fithi. You idiot ghal dirbayat! You warship Gayla that is why you don’t act like a lady but a whore!!!!