Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት

ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት ከተማ ቦለኛ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ተኣኻኺቦም ከም ሃገራውያን ሓድነቶም ዘሐይሉሉ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተባዓት ተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ንናጽነት፣ ሞራላውን ፋይናንሳውን ደገፍ

ፈስቲቫል ቦለኛ፣ ንኢሳይያስ ንግደት፣ ንኤርትራውያን ንድየት

ከተማ ቦለኛ፣ ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቓልሲ፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ተኣኻኺቦም ከም ሃገራውያን ሓድነቶም ዘሐይሉሉ፣ ብዓቢኡ ድማ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብተባዓት ተጋደልቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ቃልሲ ጥምጥም ንናጽነት፣ ሞራላውን ፋይናንሳውን ደገፍ ዝገብሩሉ ባይታ ከፊታ ብዝገበርቶ ታሪኻዊ እንግዶት ውዕለታ ብኣውንታ ክዝከር ዘለዎ እዩ። እቲ ድሕሪ ናጽነት ንቦለኛ ን23 ዓመታት ረሲዑዋ ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ መጀመርያ ወርሒ ሓምለ ከካይዶ ዝሽባሸበሉ ዘሎ ዳንኬራ ግን ካብዚ ቅዱስ መንፈስ’ዚ ዝተፈልየ ዕላማ ዘለዎ ፕሮፖጋንዳዊ ውዲት እዩ።

ቀዳማይ ዕላማ ናይቲ፣ ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑ፣ “ኣንታ መዓስ እዩ ዝኸደልና” እናተባህለ ብወለድን መራሕቲ ሃይማኖትን ክርገም ዝውዕልን ዝሓደርን ዘሎ፣ ኣእላፍ መንእሰያት ብእግሮም እናድመጹ ዝርሕርሑዎ ዘለዉ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ቦለኛ መድረኽ ድራማ ከፊቱ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ሕሰምን ጸበባን  ህዝቢ ኤርትራ “ኣይንታይናን” ዝበሉዎ፣ ዒብ ኣልቦ ተበለጽቲ መጋበርያታቱን መሓዮታትን ካብ መላእ ዓለም ለቒሙ ዕዱማት ተዋሳእቲ ብምግባር፣ ናይ ካሜራ ሽጣራ ወሲኹ “ርኤኹም ኣብ ወጻኢ ምሉእ ደገፍ ኣለኒ” ብምባል ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምረት ኣብ ዓጽሙ በጺሑዎ ለውጢ ሃረር ዝብል ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ንሳልስቲ ተስፋ ንምቝራጽ ዝፍትኖ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ዘመተ እዩ።

እቲ ካልኣይ ፕሮፖጋንዳዊ ዕላማ፣ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ፣ ገሊኦም እንተስ ንኢሳይያስ ካብ ሃገረ ኤርትራ ምፍላይ ኣጸጊሙዎም ስምዒታዊ ደገፍ ክገብሩሉ ዝጸንሑ፣ ገሊኦም ከኣ በብውልቃዊ ግዝያዊ ምኽንያታት ምስ ሕልናኦም እናተማትኡ፣ ሓደ መዓልቲ ቅዋም ክትግብር እዩ እናበሉ ነብሶም ከደዓዕሱን ሕድገት ክገብሩሉን ዝጸንሑ ‘ሞ፣ ሕልናዊ ሓቕያኦም ምጽዋር ስለዝሰኣኑዎ፣ ካብ መቝረንቲ ናይቲ ስርዓት ብብዝሒ መሊቖም ሞራላውን ገንዘባውን ደገፍ ዝነፍጉዎ ዘለዉ፣ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማ፣ ነቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ቴለቭዥን ቀሪቡ ጸረ ሕግን ቅዋማዊ ስርዓትን ምዃኑ ናይ ልቡ ኣንቲጉ ዝበሎ ወልደፍደፍ ንምሕካም ኣብ መበል 23 ዓመት ናጽነት ኣብ ኣስመራ ዝጀመሮ ጽውጽዋይ “ንድፊ ቅዋም” ኣብ ቦለኛ ደጊሙ፣ ነግፈረግ ኣቢሉ ከማትኦምን፣ ገንዝቦም ጨቐም ከብልን እንተኾነሉ ዝኣለሞ ፈተነ እዩ።

እቲ ሳልሳይ ዒላማ ፣ ነቲ ጥረ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ጸብጺቡ ነጺሉዎ ዘሎ ማሕበረሰብ ዓለም፣ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ’ቲ ዓሚ ኣብ ላምፐዱዛ ዘጋጠመ ጃምላዊ ቕዝፈት፣ መዝገባት ሓተቲ ዑቕባ ሃገራቶም ቁጽሪ ኤርትራውያን ዝምለኣሉ ምኽንያት መልሲ ኣብ ርእሲ ምርካቦም፣ ጭካኔን ክሕደትን ናይቲ ስርዓት ኣጸቢቖም ኣስተብሂሎም መሊሶም ክዒቦሞ ንዘለዉ መንግስታት “መሲሉኩም ደኣምበር ህዝቢ ኣብ ጎነይ ኣሎ” ኢሉ ብምስማስ ካብ ገሊኦም ዲፕሎማስያዊ ተነጽሎኡ እንተተቓለለሉ ከንቀላውጥ፣ ነቶም ዝቐበጾም ከኣ ቁሩብ ሕርቃን እንተረኸበሎም ህልኹ ከርዊ ዝገብሮ ዘሎ እዩ።

ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ነዚ ኤንፍዩዥን ስልጣን ክኾነኒ እዩ ኢሉ ምሂዙዎ ዘሎ ፈንጠዝያ ቦለኛ፣ ከም ናይ መወዳእታ ኣጋጣሚ ቆጺሩ፣ ዝተፈላለየ ሜላታት ምድንጋር ተበላሒቱ ሰድያታቱ ክመልእ ሸበድበድ ምባሉ፣ ክሳብ ክንደይ ተዳሂሉ ሕልናኡ ዓሪቡ ውድቀቱ ኣብ ቀልቀል ተራእዩዎ ከምዘሎ ዝምስክር እዩ። እንተኾነ፣ እዚ ፖለቲካዊ ርእሰማሉ ጸንቂቑ፣ ኣብ ቁልቁለት ጥፍኣት ሸለውለው ዝብል ዘሎ ስርዓት፣ ፈንጠዝያኡ ኣብ ቦለኛ ይግበር ኣብ ኣስመራ ካብ ውድቀት ከድሕኖ ኣይኮነን።

እቲ ጠንቂ ስደትን ምብትታንን ኤርትራውያን ምዃኑ ንምሕባእ፣ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣብ ሓደ ዕለት ንዝሃለቑ ልዕሊ 350 ኤርትራውያን ግዳያት ላምፐዱዛ ከም ኣፍሪቃውያን ዝኸሓዶም፣ ሬሳኦም ዓዲ ከይኣቱ ከልኪሉ ወለዶም ሓዘኖም ከይዓጽዉ ዝኾነነ ኣረሚናዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ የዋጽኣኒ ‘ዩ ኢሉ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራማን ተዋስኦን ምግባሩ ናቱ ጉዳይ እዩ፣ ይውዓሎ። እቲ ኪኖ ፍቕሪ ስልጣን ክቱር ጽልኢ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ደጋጊሙ ዘመስከረ፣ ህልቂት ኤርትራውያን ከምዘይዓጦ ብተግባሩ ኣርእዩ ብቓሉ ዝደገመልና ስርዓት፣ ሕጂ ‘ውን በዚ ትማሊ 28 ሰነ ኣብ ምእከል ኣስመራ፣ ሽምዓ ወሊዑ ህልቂት መበል 20 ዓመት ቱትሲ ሩዋንዳ ዘኪሩ፣ በንጻሩ ጽባሕ ሓምለ ኣዒንቲ ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝሃለቑ ኣማኢት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይነትዐ ኣብ ቦለኛ ኣብ ልዕሊ ሬሳታቶም ክስዕስዕ ምህቃኑ፣ ነቲ ድሮ ተገንዚብናዮ ዘለና ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምንብርካኽን ምጽናትን ውጥኑ ዳግም ዘግህድ እዩ። ነዚ ‘ውን፣ ጉዳዩ እዩ ይውዓሎ። እቲ ከገድሰና ዘለዎ ናትና ውጥን፣ ናትና ጉዳይ እዩ። ሃገርናን ህዝብናን ንምድሓን እንታይ ንሓስብ ኣለና፣ ውዕሎና እንታይ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እዩ።

እዚ ሕቶ’ዚ ንደለይቲ ፍትሕን ደገፍትን ፈላሊኻ ዝምልከት ‘ውን ኣይኮነን፣ ሕቶ ሃገራውያን ኤርትራውያን እዩ። ሃገርና ክትዓኑ ከላ፣ ህዝብና ክጸንት ከሎ፣ ኣበየናይ መስመር ከምዘለና ህዝብን ታሪኽን ይዕዘበና ምህላዉ ተገንዚብና፣ ፈለማ ነብስና ደሓር ከኣ ህዝብና ንምድሓን መትከል ክንሓሪ፣ ኣብ ጎድኒ ሓቅን ህዝብን ደው ክንብል ይግብኣና።

እዚ ሎሚ ቅነ ኣቦታትና መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዘቕረብሉልና፣ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ዝብል እዋናውን ቅኑዕን ሕቶ ንኹላትና ዝምልከት እዩ። ነዚ ረዚን ሕቶ ብቐሊሉ ክንምልሶ ግን፣ ፈለማ፣ “ሕልናና ኣበይ ኣሎ” ዝብል ሕቶ ንነብስና ከነቐድመላ ኣለና።

ነዚ ታሪኽን መክልዕን ኤርትራ ደዊኑ፣ ብጋህዲ “ድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ” እናበለ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ከንበርክኽን ከጽንትን ጸደፍደፍ ዝብል ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ናይ ምጽዳፉ ዘየላቡ ሞያ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ክዕመም ዘለዎ ዝዓበየ ዕማም እዩ። እንተኾነ፣ ነዞም ኣብ ወጻኢ እንርከብ፣ ድሕነት ሃገርናን ህዝብናን እንብህግ ኤርትራውያን ባዕሉ ንእሽቶ እጃም ሒዙልና ናብ ቦለኛ ቀሪቡልና ‘ሎ። እቶም ብኣካል ናብ ቦለኛ ተጓዒዝና እምቢታናን ኩነኔናን ኣስሚዕና ንህዝብና ሞራላዊ ደገፍ ክንህብ እንኽእል ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ባይታ ተረኺብና፣ ንውዕለት ቦለኛ በቲ ሓቀኛ መልክዑ ክንገልጾ፣ ንቅለት ኢሳይያስ ከነቃልዖ ግቡእን ሓላፍነትን ኣለና። እቶም ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሳንዱቕ ሬሳ ግዳያት ላምፐዱዛ ሓንቲ ወንበር ኣቐሚጡ ከሕጥኣኩም ዝፍትን ዘሎ ኤርትራውያን ከኣ፣ ኣብ ክንዲ ናይ ሓጥያት ግዳያት፣ እንተሓመቕኩም “ኣይፋል” ኢልኩም ኣብ ገዛኹም ብምውዓል፣ ንድምጺ ናይቶም ሰብ ሕልና ሰሚዕኩም ብንጽህናኹም ክትቀስኑ ይግባእ።

ከም ቀደም ልብኹም ኣብ ፍሪጅ ኣቐሚጥኩም፣ ሳምቡእኩም ጥራይ ሒዝኩም፣ ቦለኛ እንተወሪድኩም ግን፣ ኣባና ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ‘ኳ ኣይክትበጽሑን ኢኹም። እቶም ሰብኣዊ ትራጀዲ ግዳያት ላምፐዱዛ ምስ ጭካኔ ኢሳይያስ ኣዛሚዶም፣ ብውጥን ሸብዳዕዳዕን ዳንኬራን ቦለኛ ድሮ ባስተንትኖ ክጽሕፉን ክዛረቡን ጀሚሮም ዘለዉ ጋዜጠኛታት ኢጣልያ ጥራይ ብዕሽነትኩም ተገሪሞም ብብርዖም ክሳሃሉኩም ኢዮም። ንግዚኡ ሳንቡእኩም ኣይፍለጣን ይኸውን፣ ንጽብሒቱ ልብኹም ኣብ ሰፈራ ምስ ተመልሰት ግን ዘይወጽእ ጣዕሳ ክሓድረኩም እዩ። ስለዚ፣ ካባኻትኩም እንጽበዮ ህዝቢ ምድሓን ኣይኮነን። ሕልናኹም ኣቕሲንኩም ፈለማ ነብስኹም ከተድሕኑ፣ ቅኑዕ መስመር ክትሓርዩ እዩ።

እወ ንኣረሜናዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ፈንጠዝያ ቦለኛ ንግደት፣ ነቲ ህልቂት ላምፐዱዛን ውርደት ሲናይን በሰላ ልቢ ኮይኑዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንድየት እዩ ‘ሞ፣ ካብ ኣብ ንግደት ሓጢኣን፣ ንድየት ውጹዕ ህዝብኹም ኣብ ምፍዋስ፣ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን ውዓሉ። ኣምላኽ ይሓግዝኩም።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑኤል ኢያሱ

30 ሰነ 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • MightyEmbasoyra July 2, 2014

    How about if we ask our religious people to pray very hard to curse these Bologna goers. Show us if your praying work. Curse these damn people.
    Just a thought.

    • Justice has come finally July 2, 2014

      I don’t think God is emotional !

  • ERITREAN UNCLE July 2, 2014

    “ክክንዳኻ ኢና እላበሉ፣ክክንዳኻ ኢና እላበሉ
    ህዝቢ ኤሪትራ __________እላታለሉ !!!

    ሓዝዎም ሓዝዎም ንህግደፍ፣______ነዞም ለፍረጠጡ
    ባጤራታቶም ኣፍሲሶም___ constitution ክሸጡ
    ጓይላ ንኽገብሩ________________ቦሎኛ ክቐብጡ
    እኒ እኖይ ቅዱሳን ቐላል፣ኣይተ ብላታ ልዓበደ ኣብ ዕቤቱ
    ተሎ ኢልና ኣግኒናዮም __________ብዙሕ ከየምለጡ !!!

    ንገሩዋቶም ምዓድዋቶም ___ከም ልወርዶም ምዓት
    ዶሽካታት Twitter_ ኣብ ርእሶም ከም ልግዓት
    ብናይ ድያስፖራውያን ላይ Comments መንፍዓት
    ኣዮኹም፣እሱራት ኤርትራ ___ናይ ሲናይ ውጹዓት
    ይመጽእ ኣሎ __ላይ Facebook መጅሙዓት
    ብጫውጫው ክግምጥሎ____ነዚ ፈሽኳል ስርዓት
    ከም ዕርዲ ያሪኮ ብመለኸት ጭቁናት__ ድሩዓት !!!!

    ኣይተጽቅጢ ፣______እምባሕ በሊ ቦሎኛ ተዛረቢ
    ታቤላ ውፉያት ___________ናይ ሓርነት ዓርቢ
    ኣደይ ቅዱሳን____ ንሕፍረት ክትውንዘፎ ከም ጋቢ
    ኣቦይ ብላታ ብሕንከት _____ ምብላዕ ክሳዕ ዝኣቢ
    ጓይላ ህግደፍ ___”ቁጽሪ ሓደ” መሰል ህዝብና ሰላቢ !!!

    ኤርትራዊት ኣደ_______ እኽለ ማይ ዝሓረማ
    ዋርሳይ ጓል ኣንስተይቲ ፣__ኮሮኔል ህግደፍ ዘሕሰማ
    በደዊን ዝደፈሮ ሰብኣይ ______ሕስረት ዝጥዓማ
    ተሓጎሱ፣_ህግደፍ ጓይላ ኣይገብርንዩ ኣብ ቦሎኛ ሮማ
    በዚ ዝሰምበደ ኢሳያስ ክግልበጥ እዩ ክገድፎ ከተማ
    ኣይጠራጠርን YOUTUBE ተኻታተሉ ክዛዘም ዓወትና !!!

    ጭርሖታት፣

    ቦሎኛ ዘይዘመተ _____ብደዉ ከም ዝሞተ
    ርኤይዎ ጅግና ታቤላ፣ ንጓይላ ህግደፍ ከንኩላ
    ብጥይት FACEBOOK ኣበሎም ሕንኩኽ፣ብጥይት TWITTER ኣምሰሎም ዓተር
    ናይ ጓይላ ምፍጭርጫር ንቓልሲ ታቤላ ኣየንበርክኾን ዩ !!!

  • Mathewos July 3, 2014

    Big NO to Bologna and dry the coffers of the coward but petty tyrant in Asmara that is the higdef mendef.

  • B. Michael July 4, 2014

    ነተን አሪትራዊያት ብሓዲስ
    ዝቐደመ ለበዋይ አኁል ንጹር እንተ በልኩዎ (ዋላክዋ ገለ ገጋ ቃላትን ሓረግን እንተሎዎ) እኁል ኢዩ ምበልኩዎ
    ግን ካልኦት ከመይ ከም ዘንብቡዎ እወ ከም ዚእምሩዎ ኣጠራጠረኒ፡ ከዐርዮ ብሓዲስ ክምልከቶ ተገደድኩ፡ እሞ ብሓዲስ ዝብሎ፡ ኣተን ደቂ አረና ምስ ደቂኅን፡ እቶም ዝነኣሱ አተን ዝነኣሳ፡ ሕልፊ ተበደልክን፡ እሞ ነቲ ሱር-መሰረቱ ከም ዘይነበረ ዝተበርቆቐ ስርዓት ደርጊ ዶ ደጊም ነላግበሉ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ኪነው ፍሉጥ ዶብ አሪትራ ዚሰርሕ ወይ ዚጽይቕ ወያነ ዶ ከነላግበሉ፡ ነዚ ነውራም “መንግስቲ” አምበር፡ ንሣዕቢያ ምእንቲ ርእሲኅንን ደቂኅንን ክትቃአሳ ዝዕማምክን ኣብ ፈስቲቫል ከመይ ተርክባ ክብል እሓትት
    መልሲኅን ክግምቶ፡ እንተ ዘየርክብና እውን ነዚ ቀሳቢ ድሑር ገዛኢ ጉጅለ ከመይ ኢና ንኅእሎ ግዲ ትብላ፡ ሓይሊ ኣለክን፡ ሓይሊኅን ብቱን ጥራይ ኣይኁን፡ ስመራ እሞ ኣስምራ፡ ነዚ ርኁስ ጸላኢ ህዝቢ ኣባርራ፡ ኣብ ማሕበሩ ኣይትተሓወሳ፡ ሰኣን ንእሥቶ ነጽታ ብህዝቢ አሪትራ ዚጻወቱ፡ ሒዶት መዕበያ ዝበደሎም ኣካላት ኪብለጹ ዕድል ኣይትሃባ
    ፈሪህክን ኣይትሕደራ፡ ኣብ ፈስቲቫል ምሕዋስክን ዓቢ ረብሓ ሣዕቢያ ኢዩ፡ ንሱ ይፈልጥ ንሕና እውን ኣይጠፍኣናን፡ ፈንፋኒኡ ቀታሊኡ፡ ሣዕቢያ ስርዓት መሳሰይቲ ድህለት ኢዩ፡ እዚኣ እንተ ዘይገርክን፡ ኣብዚኣ እንተ ዘይሳዕሳክን ዚብለክን መንዛሪ ጋንታ ሣዕቢያ ፎእ በላ፡ ቀሰብን ወኒ ንግዕዙይ ዕላማኡ፡ ንኣኃትክን ንኩልና ተቃወምቱ ቀታሊና ኢዩ
    ከመይ ከይተሓጎስናሉ፡ ክሳድ ሒዙ፡ ኣብ ዘይዓዱ፡ ናብ አሪትራ ዓዲና ዓዲኅን ኣይታትዋን ኢኅን፡ ምሳና ኣይሳዕሳዕክንን ኪብለክን ክሳዕ መኣስ ክትፈርሃ ኢኅን፡ ምስ ሓይሊኅን ከለኅን፡ ወሪዱና! ትብላ ሓቃትክን፡ ሓይሊስ ነብረክን፡ ኣለክን፡ ስምረት ደኣ ጎደለክን
    ሎሚ ፈስቲቫል ቦሎኛ ምእንቲ ሥርሑ፡ ጽባሕ ግዋይላ ምእንቲ ሠፈጡ፡ ከምኡ በቲ ኣምሰሉ ሥራፍን ፍንፉንን ፖሊቲካኡ ኪብለጽ ኢዩ እሞ ዕድል ኣይትሃባ፡ ስለ ኣደታት! ናጽነትክን፡ ክብረትክን፡ ዘይቅሱብ ባህጊኅን ሓልዋልና፡ ንሱ ኪኣኅለና ኢዩ፡ ወደሓንክን!

Post a Reply to Mathewos Cancel Reply