Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት (ቴለፎንን ኢመይልን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ)

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት  ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዓበይቲ መስዋእትታት ደቁ ተቃሊሱ ዝጨበጦ ሃገራዊ ናጽነትን ልእላውነትን ኣብዚ እዋንዚ አብ አዚዩ አስጋእን አጨናቅን ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ምህላው ምስጢር አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቶም

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት 

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዓበይቲ መስዋእትታት ደቁ ተቃሊሱ ዝጨበጦ ሃገራዊ ናጽነትን ልእላውነትን ኣብዚ እዋንዚ አብ አዚዩ አስጋእን አጨናቅን ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ምህላው ምስጢር አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቶም ድሕሪ ናጽነት ምርግጋጽ ዝተጸበዮም ዓበይቲ ትጽቢታት ብመርሕነት ህግደፍ ማህሚኖም፣ ሃገር ኣብ ድኽነት ተሳጢሑ ህዝቢ ብጥምየትን ሕማምን ስእነትን ክሳቀይ፣ ደቁ ድማ ናብ ፎቆዶ ወጻኢ ሃገራት ክስደዱን ገሊኦም ድማ ኣብ ምድረበዳን ባሕርታትን ተዋሒጦም ክጠፍኡን ኣብ ዝርከቡሉ ዘሎው እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ስቅያት ህዝብና ሓላፍነት  ዘሎና ምዃኑ ብምእማን ነዚ ጻዊዒት ክንዝርግሕ ተበግሶ ወሲድና ንርከብ።

ጻዊዒት ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ፣ አብዞም ዝስዕቡ ሹዱሽተ ነጥብታት ዝተመስረተ ኢዩ፣

1. ሓድነት ህዝብን ርእሰ ናጻነት ሃገር ኤርትራን ንምሕላው ተበግሶታት ምውሳድ፣

2. ንመሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ኤርትራ ምክልኻልን ፍትሓዊ ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ንክረጋገጽ ምስራሕን ምጽዓርን፣

3. ሃገራዊ መንነት ኤርትራዊ ዜጋ ንምድልዳል አብ ኩሉ መዳያት አበርትዕካ ምስራሕ፣

4. ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ድኽነት ጥምየት ሕማም ስደት ንምድሓኑ ተበግሶታት ምውሳድ፣

5. ቁጠባዊ ምዕበሌ ሃገር ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ትሳታፍነት ንክረጋገጽ ምስራሕ፣

6. ኤርትራ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ክትከውንን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ነባሪ ሰላም ንክህሉውን አበርቲዕካ ምጽዓር።

ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዝርከቡ 6 ነጥብታት ተሞርኩይሱ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ መስሪቱ ይርከብ። እዚ ኮሚቴ ኣረአእዩኡ አብ ምጽፋፍን መምርሒ ዝኾኖ ፖለቲካዊ መደብ ስራሕ ኣብ ምስራዕን ይርከብ። ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርታዕ ድማ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ቀጻሊ ዓሚቅ ውሽጣዊ መጽናዕታት ምክይድን ክፉት ናይ ህዝቢ አኼባታት ምድላውን ገለ ካብቶም ናይ ዝመጽእ መደባቱ ኢዩም።

መሰራታዊ ዕማም ተበግሶ ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ መተካእታ ናይተን ዘሎዋ ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ማሕበራትን ንሙዃን ዝዓለመ ኣረአእያ ዘሎዎ ዘይኮነስ ቀንዲ ዕላሙኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍሹል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝምክት መተካእታ ዝኸውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን እማሜን መደባትን መምርሕን ብቀጻሊ ኣብ ህዝቢ ምቅራብ ኢዩ።

ነዞም ሸቶታት ንምውቃዕን ምዕዋትን ድማ ምስታፍን ምጥርናፍን ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ ብዘይ አፈላላይ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዝርከብ ርክባቱ ንክስፍሕ ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዘሎዎ ዕማም ምዃኑ አመዝጊቡ።

ካቫሊረ ዶተረ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)

ምስ ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ

Email   :   tebegso@hotmail.com

Mobile :   +39.3274260505   –  Contact Hrs 18.00 / 20.00  –

aseye.asena@gmail.com

Review overview
92 COMMENTS
  • zecarias October 19, 2013

    እዚ ተጀሚጉ ክጉህር እንበር ዝቅህም ክኸውን የብሉን ሎሚ ህዝቢ ነድሕን ሀገር ነድሕን ብቀጻሊ ውን ዐበይቲ መደባት ሰሪዑ ክንቃሳቓስ ይግቧእ

  • belay nega October 19, 2013

    “ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት”

    አብ ኤርትራ ውድባት በዚሔን ስለ ዘለዋስ
    ውድባት እተፍርስ ላምፕዱዛ እትበህል ውድብ ንመስርት ድዩ ነገሩ?

    • haki October 19, 2013

      Dehan adika metsaweti gorebabiti hagerat miskonet kisukoreka eyu

      • ERITRAWIT October 19, 2013

        haki,
        metsaweti General,conerel, Rashaida,Bedowen kab nkown kndey koynu alo???????

        • haki October 20, 2013

          esu dea likie endiyu , kabue halifu gin eti hilfet eyu zezaribena zelo ember. metsaweti hgdef dea by default koynu endiyu

      • belay nega October 19, 2013

        “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ”

        መጻወቲ በዓል “ዝሓለፈሉ ትንፋስ ሰብ አሕለፈ” ካብ እንኽውን 13 ዓመትና

  • sirak October 19, 2013

    U dame knock your head, U are singing the same song for 15 years. Weakup sleepy.

  • Ghezai October 19, 2013

    My lost bro belay
    Misala alo n kemzi niska MRAH way TEMERAH

  • ERITRAWIT October 19, 2013

    Abona Wedi bakaro,
    I can see light the and of the tunnel!!!!

  • salma a. October 19, 2013

    i am proud of my brothers who have taken the initiative to do something about our ordeal. i am pretty confident about this initiative because they are serious about our unity and from their statement, i can tell they have their priorities right and their sense of urgency is timely. i understand those commentators who are pessimistic. but we are not supposed to put all the blame of past initiatives on this one. because those failures were done by other Eritreans not these ones. also let’s be brave enough to ask ourselves, are we grown up enough to rise to the occasion? can we come together, hand in hand and bring down eseyas and his regime down so that we can have a constitutional government? as a people we have already done something miraculous: achieved independence. now it is up to us to regain that what our martyrs have fallen for.

    • Zaul October 19, 2013

      Salma

      I agree with every word that you have written. Let’s go Eritrea! Never kneel down to PFDJ! It was the people’s revolution that brought independence and it is us the people that will bring democracy.

  • ተወልደመድኅን October 19, 2013

    ግርም ስራሕ ኣቦይ ካቫለረ……..ክሳብ ሎሚ ደኣ ኣበይ ጸኒሆም ምስ ክንድዚ ኒሕን ሽመትን።ኣዚ ሎሚ ዘሎናዮ ኩነታት’ኮ ውጺኢት ናይቲ ንዒስራ ኦኣመት እንተስ ሰኣን ምክሪ እንተስ ሰኣን ለባም ደድህሪ ኢሳያስ ክንጎይ ዝመጸ ሳዕቤን ኢዩ።ኣዚ ናይ ላምፐዱዛ’ውን ፈለማ ድንገት ኣይኮነን።ዝኮነ ኮይኑ እዛ ንነብረላ ዓዲ ጢልያን ቀደም ብዘመን ክራክሲ ከከም ሰብካን ስልጣንካን መዝሕቕ ኢዩ ኔሩ።ሽዑ ከኣ ሲልቪዮ ቦርልስኮኒ እግሪ ተከለ።ንኩሉ መመኦኣልቱ ኣለዎ ከምዝበሃል፡መዓልቱ ዝኣከለ ክራክሲ ምስ ሶሻሊስታዊ ሰልፉ ክወድቕ ጀሚሩ።ክራክሲ ካብ ኢጣልያ ሃዲሙ ኣብ ቱንዚያ ምስተዓቖበ ከኣ፡ኣቲ ሳል ኡ እግሪ ተኪሉ ቢልየነር ዘበለ ካቫለሪ ሲልቪዮ ቦርልስኮኒ ናብ ፖለቲካ ኣትዩ ፎርሳ ኢጣልያ ዝበሃል ምንቅስቃስ መስሪቱ።ስለዚ ክቡር ካቨሊረ ንስኹም ከኣ ኦኣርኩኹም ውልቀ መላኪ ኢሳያስ ንዕርበቱ ይከይድ ምህላው ተራእዩኩም ወይ ዓሪቡ ኮይኑ ዲኹም ቅልቅል ትብሉ ዘለኹም።ደሃን ህዝቢ ኤርትራ ዝረብሃሉ ጥራሕ ይኩን’ምበር ደድሕሬኹም ንስዕብ።ብዓንተቦ ከኣ እታ ኤርትራውነት ብጢልያን ዝተወሃብናያ ሽም’ያ ስለዚ ነታ ኤርትራ ትብል ቃል ኣደማምጻኣ ይኹን ኣተህህዛኣ ከኣ ዝያዳና ንስኹም ትፈልጡዋ።ስለዚ ቀጽሉ ንሕና ከኣ ሰኦኣብናኩም።

    • haki October 19, 2013

      Teweldemedhin let us forget all the negatives back. lets start from the scratch by using our positives. my people , please lets hold our finger back. kemzilna kinebir kab wirdet nab wirdet nikeyid allena.

  • wedi Forto October 19, 2013

    It is really a hopeful sign that finally is doing something about the sorry state that we are in. Time to remove the dictator and his thugs by all means necessary.
    This is the first step.

    I am in! I will email you in private.

  • abdu October 19, 2013

    Mr. Belay; what you doing is acting like childish. If you r one of concerned Eritrean ; then I think you should contribute your thought to the rest of the freedom fighters how to shorten the dictator’s roll in the face of of the whole entire world; Otherwise; in just bad comment to commenter that make you like a clueless kid who jumps all over. First of all ; calling names to the commenter make u immature. Second; if you have any better political view ; reform ; programs; agenda; plan or enhance tell us we will follow you. Rather than that please let people work to save our people in this critical moment from crocodile.

  • haki October 19, 2013

    I cant wait to set my little input to such heroic mission towards saving our home. Thanks for all , but My people please stand alone , we have the capacity to do everything if we trust each other like our martyrs trusted us to build the people and the nation.
    Wedi Vaccaro , let God bless you for rising such a vital issue in a very mature time.
    let us start and I am sure we can do it if we have tolerance towards different ideas, confidence and rely up on our own resources.

Post a Reply to Raul Cancel Reply