Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት (ቴለፎንን ኢመይልን ኣብ ታሕቲ ተወከሱ)

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት  ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዓበይቲ መስዋእትታት ደቁ ተቃሊሱ ዝጨበጦ ሃገራዊ ናጽነትን ልእላውነትን ኣብዚ እዋንዚ አብ አዚዩ አስጋእን አጨናቅን ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ምህላው ምስጢር አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቶም

ጻውዒት ንምምስራት ሰፊሕ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት 

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ብዓበይቲ መስዋእትታት ደቁ ተቃሊሱ ዝጨበጦ ሃገራዊ ናጽነትን ልእላውነትን ኣብዚ እዋንዚ አብ አዚዩ አስጋእን አጨናቅን ኩነታት ወዲቁ ይርከብ ምህላው ምስጢር አይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ እቶም ድሕሪ ናጽነት ምርግጋጽ ዝተጸበዮም ዓበይቲ ትጽቢታት ብመርሕነት ህግደፍ ማህሚኖም፣ ሃገር ኣብ ድኽነት ተሳጢሑ ህዝቢ ብጥምየትን ሕማምን ስእነትን ክሳቀይ፣ ደቁ ድማ ናብ ፎቆዶ ወጻኢ ሃገራት ክስደዱን ገሊኦም ድማ ኣብ ምድረበዳን ባሕርታትን ተዋሒጦም ክጠፍኡን ኣብ ዝርከቡሉ ዘሎው እዋን፣ ኣብ ወጻኢ ንርከብ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብ ቅድሚ ስቅያት ህዝብና ሓላፍነት  ዘሎና ምዃኑ ብምእማን ነዚ ጻዊዒት ክንዝርግሕ ተበግሶ ወሲድና ንርከብ።

ጻዊዒት ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ፣ አብዞም ዝስዕቡ ሹዱሽተ ነጥብታት ዝተመስረተ ኢዩ፣

1. ሓድነት ህዝብን ርእሰ ናጻነት ሃገር ኤርትራን ንምሕላው ተበግሶታት ምውሳድ፣

2. ንመሰረታዊ መሰላት ዜጋታት ኤርትራ ምክልኻልን ፍትሓዊ ዝኾነ ሕገ መንግስቲ ንክረጋገጽ ምስራሕን ምጽዓርን፣

3. ሃገራዊ መንነት ኤርትራዊ ዜጋ ንምድልዳል አብ ኩሉ መዳያት አበርትዕካ ምስራሕ፣

4. ህዝቢ ኤርትራ ካብ’ቲ ወሪዱዎ ዘሎ ከቢድ ድኽነት ጥምየት ሕማም ስደት ንምድሓኑ ተበግሶታት ምውሳድ፣

5. ቁጠባዊ ምዕበሌ ሃገር ኤርትራ ንምህናጽ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ትሳታፍነት ንክረጋገጽ ምስራሕ፣

6. ኤርትራ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ክትከውንን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ድማ ነባሪ ሰላም ንክህሉውን አበርቲዕካ ምጽዓር።

ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ ብመሰረት ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዝርከቡ 6 ነጥብታት ተሞርኩይሱ ሓባራዊ ናይ ስራሕ ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ መስሪቱ ይርከብ። እዚ ኮሚቴ ኣረአእዩኡ አብ ምጽፋፍን መምርሒ ዝኾኖ ፖለቲካዊ መደብ ስራሕ ኣብ ምስራዕን ይርከብ። ንፍትሓውን ሓርነታውን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርታዕ ድማ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ቀጻሊ ዓሚቅ ውሽጣዊ መጽናዕታት ምክይድን ክፉት ናይ ህዝቢ አኼባታት ምድላውን ገለ ካብቶም ናይ ዝመጽእ መደባቱ ኢዩም።

መሰራታዊ ዕማም ተበግሶ ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ጥርናፈ መተካእታ ናይተን ዘሎዋ ኤርትራውያን ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ማሕበራትን ንሙዃን ዝዓለመ ኣረአእያ ዘሎዎ ዘይኮነስ ቀንዲ ዕላሙኡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍሹል ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝምክት መተካእታ ዝኸውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን እማሜን መደባትን መምርሕን ብቀጻሊ ኣብ ህዝቢ ምቅራብ ኢዩ።

ነዞም ሸቶታት ንምውቃዕን ምዕዋትን ድማ ምስታፍን ምጥርናፍን ናይ ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራ ወሳኒ ምዃኑ ብምእማን ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ ብዘይ አፈላላይ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ስደት ዝርከብ ርክባቱ ንክስፍሕ ኣበርቲዑ ክሰርሓሉ ዘሎዎ ዕማም ምዃኑ አመዝጊቡ።

ካቫሊረ ዶተረ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ)

ምስ ግዝያዊት አሰናዳኢት ኮሚቴ

Email   :   tebegso@hotmail.com

Mobile :   +39.3274260505   –  Contact Hrs 18.00 / 20.00  –

aseye.asena@gmail.com

Review overview
92 COMMENTS
  • Hailom Tewolde October 19, 2013

    Dear brother Wedi Vacaro!

    One needs only three things to achieve a goal:
    1) the right concept
    2) the right team
    3) perseveverance /Steadfastness

    We have the best climate in Eritrea and the criterias 1) to 3) are to be taken as given! It can not be worse than the situation we Eritreans all find ourselves now. See you at the latest NEW YEAR in Asmera !

    Just start and go ahead!

  • Musha October 19, 2013

    ጻዊኢት -ንምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምተኽኻብ ንፍትሓዊ ስራዓት።
    ዝኸበርኩም ወዲ ቪካሮ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳምንታት ዝተዛረብኩሞ ንብዙሓት ኣብ ልቦም ክመልስ ዝግሀበረ ኣብ ክንዲ ምስ ህግደፍ ምስ ህዝቦም ጎኒ ንጎኒ ኾይኖም ክቃለሱ ዝገበረ መደረኹም ፡ በዛ “ምምስራት ሰፊሕ ኤርትራዊ ሃገራዊ ምተእኽኻብ ንፍትሓዊ ስርዓት” ዘረእስታ ጽሕፍትኹም ኣይግድን። ንኹሉ ኤርትራዊ ሕቁፉ ዝቃለስ ዘሎ ሃኤባደለ ተመስሪቱ ኸሎ ኣብ ክንዲ ናባኡ ተጸንቢርና ነበርቶዖ ካለእ ጉጅለታት ምፍጣር ኣይግድን ። ሕሰቡሉ እሞ ንስኹምን ብጾትኩምን ንድሮ ተመስሪቱ ዘሎ ንኹሉ ኣኤሪትራዊ ዘእክብን ዝውክልን ዘክብን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተውዲብኩም እንተተቃለስኩም ናዓኹምን ንህዝብን ዘሕጉስ ምኾነ።

  • tesfay October 19, 2013

    bzkone senay tebegso eyu atum tekachichu zelekum weilekum tsbah ngho ab net zitsehafkumo zikesekum yelen hlnakum gin balu kikesekum eyu

  • Almaz Gaul Asmera October 19, 2013

    ኣቶ ተወልደ ምስ ብጾትካ ግርም ጅማሮ። ዓበይቲ ለባማትን ምሁራትን ሙዃንኩም ከይዘንጋዕኩ እዘን ዝስዕባ ወስ ከብል፣ ኣብ ርእሲ ልብኹም። ፍሉጣት ሕማማት ሕብረተሰብናን እዞም ብናይ ዴሳዊ (ኮሚኒዝም) ተቐሪጾም ዝዓበዩ ውድባት ከኣ ዘባልሕዎን ቁስሊ ኮይኑ ኣይንቕድሚት ኣይ ንድሕሪት ኣብ ደውታን ቁዝማን ዘእተወና ብምኻኑ ፍሉ ኣድህቦ ግበርሉ። 1. ኣውራጃዊ ምትእኽኻብ። 2. ሃይማኖታዊ ምትእኽኻብ። 3. ቅንዕና ምጥፋእን በለጽን(ምልፍላፍ እምበር ክንዲ ፍረ ኣድሪ ቲኸውን ግብሪ ኣልቦ ምዃን)።
    ስለዚ እዚ ምትእኽኻብኩም ነቶም ነባራት ተቓወምቲ (ሕማሞም ብዘየገድስ ባዕሉ እቲ መድረኽ ከጽርዮም ስለዝኾነ) ኪረኽብሞን ናብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ከተብልዎም ቅድሚ ኹሉ ዝስራዕ መደብ ስራሕ ይኹን። እንተዘይኮይኑ ንሕጊ-ግደፍ ገዲፎም ምሳኹም ሕልኮ ኪገጥሙ እዮም። ዕዮ ከብኩርኹም እዮም። እዚ ነቲ ስማዊ ሃገራዊ ባይቶውን ዝምልከት እዩ።
    ካልኣይ ምኽሪ ካብ ጓል መገዲ ተጠንቐቑ። ሕዝብን ሃገርን ካብ ካልኣይ ሶማል ምድሓን እንተኾይኑ፣ እቲ መቑጸሪ ዘይብሉ ፍልስፍና ዓዲ ምስ እተና ኣብ ቅድሚ ሕዝብና ኮይንና ንወድኣዮ።
    ሳልሳይ ቅሉዕ መድረኽ ይሃልኹም። ካብ ጋዜጠኛታት ዝስወር ኣኼባ ኣይሃልኹም። ዝሕባእ ሕማም የብልናን። ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ እዩ። መንዩ ምንያ ኾለል ኮይኑ ዓዲ ንኸይንኣቱ ዝዕንቅፈና፣ መንዩ ቁምነገረኛ ፈራዲ ባዕሉ ሕዝቢ እዩ። ካብ ሕዝቢ ዝኽወል ኣኼባ ኣይሃሉ።
    ራብዓይ ንፉዓት መራሕቲ መድረኽ ምረጹ። ኣጀንደኦም ብግቡእ ዝፈልጡን ንጓል መገዲ ከሎ ጌና ኣለልዮም ዝዓጽዉ በላሕትን ክእለት ዘረባ ዘሎዎምን ኪኾኑ ይግባእ።
    እዚ ወዳሓንኩም። ኣምላኽ/ኣላህ የሰንኹም። መከራና መወዳእታ ይግበረሉ።

  • rezen October 19, 2013

    Welcome ካቫሊረ ዶተረ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ),

    For sure you are aware that there are thirty (30) opposition groups and fifty-one (51) civil association in existance. Do you really believe your 52nd association would do the trick?. I wish you the very best, honestly. But to be truthful, I would not share the sentiment described in the above commentary i.e. to >>> “See you at the latest NEW YEAR in Asmera !” !!!!

  • H.K October 19, 2013

    Dear Tewolde and your team,
    I would like to congratulate you all. It is a good bigining.
    What we were missing was the initiative of clean hands without old wounds and you and your team are the right ones!!

    Please go ahead and we will follow you!!!

    God Bless Eritrea and its honest people.

  • marsa October 19, 2013

    thankyou brother tewelde wedi vacaro you are doing great job most Eritreans are with you,I my self i am ready to do every thing i can to help my people,
    please our peaple are looking the the right concept,the right team[brother hailom has said it already]we are ready for change all we need is the right people to lead us and orgnise us.
    [lomi ewin kemtimali tarik kinserih ena]

  • danny October 19, 2013

    It nice to see you brothers and sisters. I am on ur side krep it up. We are with u. Just let us save the country. May be onr day we can miss the land forever so we have good time now. So let us unit.

  • HAILE MENGISTEAB ,ISRAEL October 19, 2013

    great wedi vacaro

  • Semere October 19, 2013

    Wedi Vacaro

    I am pleased about your initiative. I am convinced that you are searching the best solution for our nation and its humiliated population. You are a respected citizen with long range plans. Allow to add some comments:
    1. The Eritrean regime is rotten and fragmented from its foundations. It is only a question of planning its exit. The Lampedusa tragedy is important not because of the number of victims, because more have died in big numbers; but Lampedusa opened the eyes of the International community for it happened outside our territory, in Europe. Italy is trying to cover up its failures and negligence. Hence we need to continue advocating and involving the big powers about the Eritrean tragedy when the issue is still in fresh memory. The world is starting to ask only now: “why are the Eritreans leaving their country in thousands, even to the point of risking their lives?”
    2. Making as springboard the Lampedusa tragedy we have to hold accountable the Eritrean regime for all the atrocities it committed in the last 40 years against our people.
    3. Be open to everybody. But be careful; Isayas and his cronies will do everything to dismantle your plans. Some comments in this page smell HGDEF.
    Otherwise it is a noble mission and I am sure God will assist you.

Post a Reply to Raul Cancel Reply