Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጳጳሳት ኤርትራ!

ጳጳሳት ኤርትራ!   ኣቱም ጓሶት ህዝቢ ኣብ ሃገር ዘለኹም ትማል ነቢብናዮ ረዚን መልእኽትኹም ዓለም ሰሚዓቶ ናይ ፍትሒ ዶጒዓኹም ለካ መራሕትናስ ብህይወት ኣለኹም ቁጥዐ ድያብሎስ ከይትንኪ ክብርኹም መንፈስ ናይ ፈጣሪ ይግበሮ ድርዕኹም!   ተባዓት ጳጳሳት *ኣብሊስ ዘየርዓዶም   *ሰይጣን ካብ ሽግር መከራ ክትድሕን’ዛ ዓዶም ናብ ሰላምን ራህዋን ከቕንዑ መገዶም ንህዝብን

ጳጳሳት ኤርትራ!
 
ኣቱም ጓሶት ህዝቢ ኣብ ሃገር ዘለኹም
ትማል ነቢብናዮ ረዚን መልእኽትኹም
ዓለም ሰሚዓቶ ናይ ፍትሒ ዶጒዓኹም
ለካ መራሕትናስ ብህይወት ኣለኹም
ቁጥዐ ድያብሎስ ከይትንኪ ክብርኹም
መንፈስ ናይ ፈጣሪ ይግበሮ ድርዕኹም!
 
ተባዓት ጳጳሳት *ኣብሊስ ዘየርዓዶም   *ሰይጣን
ካብ ሽግር መከራ ክትድሕን’ዛ ዓዶም
ናብ ሰላምን ራህዋን ከቕንዑ መገዶም
ንህዝብን መንግስትን ብጥበብ ምዒዶም!
 
መዘና ዘይብሎም በሕቲ ኣቡናት
ጉዕዞና መዚኖም ብኹሉ ወገናት
ኣላጋጭ ከብቅዕ መመኽነይታ ኲናት
ይኣክል ንኽብሉ ናይ ተዋህዶ ካህናት
ሓቂ ክምስክሩ መሻይኽ ኢማማት
ግዜ ከይወሰደ ኪወግሕ’ዚ ጸልማት
ይጽውዑ ኣለዉ ከይኮነ ክራማት!
 
እዚ ኹሉ ጥበብ እዚ ኹሉ ብልሒ
ንህዝብን ሃገርን ዚኸውን መምርሒ
ኣብዛ ሃገር ከሎ ዓቐን ኣልቦ *ሰውሒ   *ልሙዕ ሳዕሪ ዘሎዎ ቦታ
ሰኣን ደሞክራሲ ሰኣን ግቡእ ፍትሒ
ህዝብና ደንቊሩ ብራዕዲ ብፍርሒ
ከንቱ ይጠፍእ ኣሎ ብርጉም *ደማሒ!   *መላኺ
 
ሓቂ ብምግላጻ ስለ ዝመረሮም
ብጉልባብ’ዛ ሃገር ምኽንያት ፈጢሮም
ኣፎም ንኽዓብሱ ጳጳሳት ደፊሮም
ወያነን ሲ ኣይ ኤን ልምድቲ መዝሙሮም
ብዘይሮ ሰለስተ ወይጦት ኣዋፊሮም
መላኽን ሰዓብቱን ክነብሑ ጀሚሮም!
 
ኣቦና ኣቡነ መንግስትኣብ ተስፋማርያም ካብ ከተማ ኣስመራ
*ስብሓቱ ይብጻሕኩም ናይ ህዝቢ ኤርትራ!     *ምስጋናኡ
ኣቦና ኣቡነ ቶማስ ዑስማን ካብ ከተማ ባረንቱ
ልዑል ፈጣሪና ይሃብኩም ምሕረቱ!
 
ኣቦና ኣቡነ ኪዳነ የዕብዮ ካብ ከተማ ከረን
ብሌን ኣዒንትኹም ንሓቂ መስኪረን
ከም ኣዒንቲ ንስሪ ትኩራት ይግበረን!
ኣቦና ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ካብ ከተማ ሰገነይቲ
ኣቤት ኢልኩሙሉ ናይ ህዝቢ መቕዘፍቲ
ፈጣሪ ይሃብኩም ናይ መንፈስ ዕረፍቲ!
 
ከምቲ ናይ ትማሊ ህዝቢ ኣታሊሎም
ንጹህ ክሕይሩ ብሓሶት ወንጂሎም
መላኽን ሰዓብቱን ኢዶም ወስ ተቢሎም
ህዝቢ ነቒሑ’ዩ ፈሊጡዎ ግብሮም
ሓንሳብ ንሓዋሩ ሓመድ ንኽቀብሮም
ይጽበዮም ኣሎ ኣብ *ዙይን ክጸሮም!         *ናይ ሬሳ ዓራት
 
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          
 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 16-06-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
8 COMMENTS
  • tekle peter June 16, 2014

    Eritrean people and eritrea government on the right track our future is bright whatever our enemies said we never ever back.eritrea to eritresns only.

    • ERITRAWIT June 17, 2014

      tekle peter,
      Are you serious which people are you talking about? if the Eritrean people and the Government in the right track no body will leave their own Country by thousands. by the way were are you now? still out side even the independent was 1991??????
      Ask the Government if you can build a house?
      if you can do farming?
      if you can be a business man?
      the answer is big No.
      so I will say they are Kebden Hokon!!!!!

  • no silent June 17, 2014

    Mesinas Great Job as usual

  • Bilen June 17, 2014

    well said !!! Mesinas

  • johns June 17, 2014

    The same too you dear Messinas you are the hero same our papas well justified God bless you and we are proud of you bro how wonderfull you describe allways on time with new vocablary new word our teacher our guidance our light you are everything for the poeple of justice seeker in Eritrea and eritreans

  • Medber June 17, 2014

    Good job Messinas.

  • ERITRAWIT June 17, 2014

    Mesinas hawey hzbna ksemo be radio te-tmahalalef tebuk nerew eza hayal melktka. nay behakey Jeganue dekey egzabher Awet kereba eya!!!!!!!!!

  • Abraham June 17, 2014

    Great deeds Catholic bishops
    Phsycological
    Philosophical
    Mentaly
    Historical
    is great

    Abraham

Post a Reply to ERITRAWIT Cancel Reply