Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጨፍላቒ ጥበባት

ካብ ደብረ (መቀጸልታ ጸሊም ታሪኽ)  መግዛእቲ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ካብ ካልእ መግዛእታት ዝፈልዮም እንተሎ ፍሉይ ምስሉይ ጨፍላቂ ጥበባት ምጥቃሞም እዩ። ከይተፈለጥካ፡ መሲልካ፡ ብኸመይ ጨፍሊቕካ ትገዝእ ዝሕግዝ ሜላ ማለት እዩ። ቅልል ብዝበለ ወኻርያስ ቆርበት በጊዕ ተኸዲና ናብ ኣባጊዕ በጊዕ

ካብ ደብረ

(መቀጸልታ ጸሊም ታሪኽ) 

መግዛእቲ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ካብ ካልእ መግዛእታት ዝፈልዮም እንተሎ ፍሉይ ምስሉይ ጨፍላቂ ጥበባት ምጥቃሞም እዩ። ከይተፈለጥካ፡ መሲልካ፡ ብኸመይ ጨፍሊቕካ ትገዝእ ዝሕግዝ ሜላ ማለት እዩ። ቅልል ብዝበለ ወኻርያስ ቆርበት በጊዕ ተኸዲና ናብ ኣባጊዕ በጊዕ መሲላ ከም ምሕዋስ እዩ።  እዚኤን ጥበባት በሓደ ለይቲ ዝተቀድሓ ዘይኮናስ ገሊኤን ብናይ ዝተናወሐ ተሞክሮ ዝማዕበላ፡ ጊሊኤን ካብ ዲክታቶርያል ኮሚኒስት ሃገራት ዝተቀድሓ፡ ገሊኤን ከኣ ካብ መጽሃፍቲ ዝተወረሳ ጥበባት እየን። ካብ ብዙሕ እዘን ዝስዕባ ውሑዳት ክንዘራረበለን የቅርበን ኣለኹ።

  1. ብኢስይያስ ዝዝወር ውድብ ምፍጣር
  2. ምድስካል፡ ምእሳር፡ ምጥፋእ፡ ምብራር
  3. ሓድነት ህዝቢ ምዝራግ፡ ማናቆት ሕንፍሽፍሽ ምምሕዳር (ምሕደራ ጉራማይለ)
  4. ንዘገልገለካን ዝእዘዘካን ሞሳእ ምኽላእ፡ ምድሃኽ ንዘሽቀዓካ ምትብባዕ
  5. ምንጓጽ ሃይማኖት
  6. ፖሊሲ ጆርጅ ኦርወል ምትግባር
  7. ወዘተ

ዕላማ ገድሊ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ማሕበራዊን  ቁጠባዊን ዓወታት ንህዝቢ ኤርትራ ምጉንጻፍ ‘ዩ ነይሩ።  እቲ ዕላማ ኪኖ መሬታዊ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ላዕላዋይ ኢድ ሃሊዎ፡ ዝተፈላለያ ራእይ ዘለወን ውድባት ዝሳተፍኦ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣቑምካ፡ ህዝቢ ብዝመረጾ መራሒ ክመሓደር እዩ ነይሩ። እምነት ገድሊ ድሕሪ ልዕላውነት ሃገር፡ ኤርትራ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ፡ ሰላም፡ ዝዓሰላ ብልጽቲ ሃገር ክትከውን ‘ዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ፡ ዝተሃላለኸን መሪርን ፖለቲካዊን ጎነጻዊን (ወተሃደራዊ) ቃልሲ ኣካይዱ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትነት ከፊሉ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጀግንነት ሰሪሑ፡ ብመሰል ርእሰ ውሳነ መሬታዊ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ኤርትራ ከም ሃገር መሰላ ኣኽቢራ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ግቡእ መንበራ ሓዘት። ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ተሳእለት። ቀዳማይ ባህጊ መዛዘሚ ረኺቡ። ኪኖ መሬታዊ ናጽነት ግን ኣይቀጸለን። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብህጊን እምነትን ስዋእትን ከኣ ብፍሉይ ተጠሊሙ። ኤርትራ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ፡ ሰላም፡ ድዓሰላ ብልጽቲ ሃገር ናይ ምዃን ባህጊ፡ ፍሉይ ጥቕሚ ብዘለዎም ኣባላት ናይ ሓንቲ ሚስጢራዊት ጉጅለ ተጠሊሙ። ካብ ስቃይ ህዝቢ ተጠቃሚ መን እዩ? እንታይ ‘ዩ ከ እቲ ጥቅሚ? ስለምንታይ ካብ ስቃይ ህዝቢ ጥቅሚ ተደልዩ? ኢሳይያስን ጉጅልኡን ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም ዊንቶኦም ከስምሩ ንህዝቢ መደዳ ሕስረትን መከራን ዳረጉዎ። እቲ ምካንያት ምናልባሽ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ሰሪ ዘይብቑዕ ክዕለት ምሕደርኦምን፡ ነፍሰ ምትሓትን፡ ናብ ጸቢብ-ውልቃውነት ተቀይሮም። ነዚ ድኽመት ንምሽፋን ብምድንጋር፡ ብምትላል፡ ብሕንፍሽፍሽ ዝተበላሸወ ነገር ንምሽፋን ዘይገብርዎ ነገር የብሎምን። ንጥልመት ክሳብ ምቅታልን ሃላዋት ምጥፋእን ድሕር ኣይብሉን። ንሸፈጥ፡ ንኻልኦት ብዘይወዓልዎ ምጽላም፡ ንዝበልጹኻ ኣትሕትካ ምርኣይ ምንእኣስ ከም ሜላ ዝተታሓዘ ጥበብ እዩ። ክዕምጽ፡ ክሰርቕ ዝደለየ ብጋህዲ ኣይሰርሕን ‘ዩ። እንታይ ደኣ ብሚስጢር ‘ዩ ድዓይ። ካብ ዓመጽን ስርቕን ከኣ ራህዋ የለን።

ብኢሳይያስ ትምእከል ሚስጢራዊት ጉጅለ ከምዘላ ግልጽ ኮይን ‘ሎ።  እዚኣ ጉጅለ መቀጸልታ ብተመሳሳሊ ኣብ ጊዜ ገድሊ ቖይማ ዝነበረት ሚስጢራዊት ሰልፍ ‘ያ። ሓንቲ ጉጅለ ፈሪሳ ካልእ ጉጅለ ተተኪኣ። ግጡም ሽጣራ። ኣባላት እዛ ጉጅለ ብሚኒስተር ማዕረግ ዘይተሾሙ፡ ነገር ግን ሊዕሊ ሚኒስተራት ስልጣን ዘለዎም፡ ከም በዓል የማነ መንኪ ካብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፡ ከም በዓል የማነ ቻርሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። እዞም ሰባት ካብ ሚኒስተራት ንላዕሊ ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎም። ንሶም ዝበለጸ ሊዕሊ ሚኒስተራት ይስሙዑ።

ባህግን ሓደራ ህዝቢ፡ ተጋደልትን ስዋኣትን ተቀቢሉ ድኣተወ ግንባር በታ ጉጅለ ተጨውዩ ዊንታ ኣባላት እታ ጉጅለ ናብ ደማልእ መሳርሒ ተቀይሩ። ኣብቲ  ውሽጣዊ እቲ ግንባር ካልእ ውሽጣዊ  ሚስጥራዊት ሰልፊ ‘ላ። እኽብካብ ውሑዳት ውልቀ መለክቲ  ድልየቶም ዝዕንድሩሉ ሰልፊ። ህዝባዊ ግንባር (ህግደፍ) ኣብ ጫንቃኡ ጸሪዎ ድኣተወ ህዝቢ ዋና ናይ መንግስቲ ምዃን፡ ንዝደለዮ ክሰቅል ንዘይደለዮ ከውርድ ድነበሮ ባህጊ ኮሊፉ ሓላዊ ጥቕሚ እዛ ብኢሳይያስ ትዝወር ጉጅለ ኮነ።  ኩሉ ተጋዳላይ ሓቀኛ እሙን ውፉይ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን። ዉሑዳት ይኹኑ ‘ምበር ብውልቃዊ ምኽንያት ወይ ብግፋ ዝተጋደለ የለን ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብ ጊዜ ውግእ ብድሕሪት ኮይኖም ድዕዘቡ ወይ ከም ድሓመሙ ተመሲሎም ድእለዩ ኣይሰኣኑን ‘ዮም። ሂወቱ ንሓደጋ ጥይት ከየቃለዐ ንኻልኦት ኣብ ክንድኡ እንዳቅተለ ዝመጸ ‘ም ይህሉ ‘ዩ። ‘ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ጥሉል’ ከም ዝበሃል ብሽም እቶም ንህዝቦም ዝተወፈዩን  በጃ ኮይኖም ዝሓለፉን ጀጋኑ፡ ጀጋኑ ተባሂሎም ከምዛ ንናጽነት ዝደመዩላ ናጽነት ሒዞም ድኣተዉ ኣይሳኣኑን ‘ዮም። ገሊኦም ‘ውን ብጥበብ ሚስጢራዊት ሰልፊ ተኣልዮም ሂወቶም ዓቂቦም ዝመጹ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ቀጻልነቶም ንምርግጋጽ ኣብ ሓንቲ እከይ ጉጅለ እንተተጠርነፉ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።

እዛ ሚስጢራዊት ጉጅለ እዚኣ ሚስጢራዊ ስርሓት ንኽትነጥፍ ዝተማህዘት መጨፍለቒ ጥበብ ኢሳይያስ ‘ያ። ሰብ ብናይ ገርሂ ልቢ ዘሕደሮ እምነት ሸርሺራን ኣዳህሊላን እከይ ንጥፈታታ ኣተግቢራን ትነጥፍ ‘ላ። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ኸኣ ሎሚ ህዝቢ ኣብ ስቅያት ይነብር ኣሎ።

“ንጋገ ኣሎና፡ ኣሰራርሓና ንኣርም፡ ነመሓይሽ፡ ዝተጋደልናሉ ዕላማ ንስሕት ኣሎና” ንዝበሉ ምድስካል፡ ምእሳር፡ ምብራር ኢሉም ንምጥፋኦም እዩ ብኢሳይያስን ጉጅሉኡን ዝተጠጀኣሎም ተንኮል። ደድተቃወመን ቢሒም ዝበለን ዋላ ዝተጠርጠረ “ደም ተሓጎም!”  ኮይኑ መልሱ።  ትማሊ ትማሊ የሕዋትካ ሓመድ ከዲንካ መጺካ፡ ሎሚ ሕድሮም ንተግብሮ ንዝበለ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፈቀዶ ሃሩር ኣብ ብዚንጎታትን ዝተሰርሑን ኮንተይነራትን፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጹ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉንካ ምሕቃቅ ኢሳይያሳዊ ጥበብ ኮይኑ። ካልእ ቢሒም ከይብል መምሃሪ ኮይኖም። እንታይ ኮይኖም ተኣሲሮም፡ ደስኪሎም፡ ካብ ስራሕ ተባሪሮም፡ ኢሉ ዝሓተተ የለን። ኣብነት ጂ 15 ቁዋም ክትግበር ብምጥላቦም ጥራይ፡ ኣብ ጊዜ ገድሊ ይኹን ኣብ ጊዜ ውግእ ኢትዮ – ኤርትራ ከምዛ ኣበርክቶ ዘይነበሮም፡ ዝነበሮም ተወፋይነት ኩሉ ተጠሊሙ ብ’ተሳዓርነት’ ‘ተንበርኻኽነት’ ጸሊሙ፡ ብጅምላ ናብ ማእሰርቲ ተዳጎኑ። ብባዶ ሰለስተ ብዝተናፈሰ ወረ ህዝቢ ‘ኣበይ ድኣ ነይሮም’ ብዝብል መታለሊን መሐመሊን ሓረግ ስለተዓሸወ ኣብ እዋኑ ዝሓተተሎም ኣይተረኽበን። መንግስቲ ኣይጋገን እዩ ብዘስምዕ ቃና፡ ይጋገ ከምዘሎ እንዳተፈልጠ ብእንታይ ገደሰኒ ትም ተመርጸ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ፍልልይ “ሃገር ናይ ሓባር፡ እምነት ናይ ውልቂ” ብዝብል ናይ ሓባር መረዳእታ ኣስላሙ ክርስትያኑ ተኸባቢሩ፡ ነንሕድሕዱ ተረዳዲኡን ተሰማሚዑን ባህሉን መንነቱን ሓልዩ ናይ ካልእ ከይነዓቀን ክየነኣኣሰን ዝነብር ጭዋ ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ጭውነት እዚ ግን ብገዛእቱ ኣይፍተወሉን። ነናቶም መፈላለይን መጎጃጀሊን ባህሊ ከተኣታትዉ ‘ዮም ዝፍትኑ። ጃንዳ ኢስይያስ ‘ኳ ተጋዳላይ ገባር፡ ዋርሳይ ይከኣሎ ብዝብል መፈላለይ ነዚ ሓደ ስሙር ህዝቢ ጎጃጂሉ ይሕምሶ ‘ሎ።

ሓድነት ሓይሊ፡ ተሪር መንደቅ መከላኸሊ ሰብእነት እዩ። ሓደ ዓይነት ድልየት ሃሊይካ ሓድነት እንተዘይብልካ ከም ሓደ ካንቸሎ ብዃና ዝተነድቀ ገዛ ማለት ‘ዩ። ድልየት ብዘይ ሓድነት ዘርሞ ዘርሞ ኮይኑ እዩ ዝተረፍ። ነዚኣ ከም ኣጻብዕቲ ኢዶም ኣጸቢቆም ዝፈልጡ ውልቀ መለኽቲ ሓድነት ትበሃል ከይትመጾም ኣቀዲሞም ‘ዮም ዝከላኸሉ። ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም እዮም ህዝቢ ሓድነት ክፈጥሩሎም ይኽእሉ ‘ዮም ኢሎም ዝኣመኑሎም ባይታ ኩሉ ዓጽዮሞ። ኣብ ጊዜ ዘመን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ‘ኳ ዘይተኸልከለ፡ ኣብ ጊዜ ኢሳይያስ፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራት ብኣጋ እየን ተኸልኪለን። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪታት ዝሰርሑ ዜጋታት መንበሪ ገዛ ብማሕበር ንምስራሕ ቆይመን ዝነበራ ማሕበራት፡ ከይነጥፋ ተኸልኪለን። ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መስሪቶማ ዝነበረት ማሕበር ብትእዛዝ ኢሳይያስ ተዓጽያ። እቲ ምኽንያት ብሩህ እዩ፡ ኣብ ማሕበር እሂን ሚሂን ስለዘሎ፡ እዚ እሂን ሚሂን ናብ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ከይሰግር ተፈሪሁ ብኣጋ ዝተወሰደ ጥንቓቀ እዩ። ሕልሚ ውልቀ ሚልኪ ጽባሕ ናጽነት ብወግዒ ከምዝተጀመረ መርኣያ እዩ።

እዋኑ መንደቅ ገዛኻ ትጠራጠረሉ እዋን ‘ዩ። ወረ ዘመላልሱ ብብዝሒ ዝተዘርእሉ እዋን ኢና ዘለና። ሰብ ነንሕድሕዱ ከምዝጠራጠርን ዝሰላለን ጌርካ፡ ጥርናፈ ከይህሉ ምግባር ሓደ ዝተሰርሓሉ መስመር ‘ዩ።  ምጥርጣር ኣብ ነንሕድሕድካ ምትእምማን የጥፍእ። ምትእምማን ኣብ ዘይብሉ ከኣ ሓድነት ይዝረግ። ሓድነት እንተተዘሪጉ ኣብ መንጎ ሰባት ምትፍናን እዩ ዝረአ። ምትፍናን ብዓሌት፡ ሃይማኖት ቛንቋ፡ ስራሕ ወዘተ።  ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓዲ ብገዛውቲ ዝጀመረ ምትፍናን ብጎደቦ ዓድታት ኢሉም ብደረጃ ኣውራጃ ተዘርዩ ‘ሎ። እቲ ባእሲ ወዲ ገዛውቲ ምስ ካልእ ገዛውቲ፡ ወዲ ዓዲ ምስ ጎደቦ ዓዲ፡ ሓደ ሃይማኖት ምስ ካልእ ሓይማኖት…………። ድሕሪ ምትፍናን ባእሲ እዩ ዝስዕብ። ነንሕድሕድካ ንምኑቋት ዝተማህዘ ጥበብ ‘ዩ። እዚ እዩ ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ዝተረኣየ። ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፡ የሕዋት ነንሕድሕዶም ብቁዓት ደያኑ ኣብ ዘይብሉ ኣብያተ ፍርዲ ክናቆቱን ኛኽ ክብሉን ይውዕሉ ‘ለዉ።  ሰብ ሓሪሱ፡ ነጊዱ ከየፍሪ ጊዚኡ ኣብ ዘርሞ ዘርሞ ከሕልፎ ተፈሪዱ።

ሕጽረታት መሰረታዊ ነገራት (መግቢ፡ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ነዳዲ፡ ወዘተ) ፈጢርካ ሕንፍሽፍሽ ምምሕዳር ካልእ ዝተሰርሓሉ ንጥፈት ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ኣዘራርባ ማይ ከሎ ማይ ይኸልኡኻ፡ ኤለክትሪክ ከሎ ኤለክትሪክ ይኸልኡኻ፡ ስራሕ ከሎ ከይትሰርሕ ይገብሩኻ። ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ሰብ ቀሲኑ ናብርኡ ከይገብር፡ ብሕንፍሽፍሽ ኣእምርኡ ጂሖ ሒዞም፡ ከም ረቦት ዘዊሮሞ። ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ከይፈለየ፡ ሰብ ደድሕሪ ቦጥ ክጎይ ይውዕል ኣሎ። ቆልዑ ኣክንዲ መጽናዕቶም ዋላ ብሕልሞም “ቦጥ መጺኣ፡ ኤለክትሪክ መጺኣ” ክብሉ ክዝምሩ ይስምዑ ‘ለዉ።

ፍሬ ኣልቦ ማእቶት፡ ተዓሊም ንዓበይቲ ካልእ መበሳበሲ ዜጋታት ‘ዩ። ክረምታዊ ማእቶት ብዝብል ብተማሃሮ ዝተጀመረ ማእቶት ኣብ ኣቦታትን ኣዴታትን ተራ በጺሑ ‘ሎ። ህዝባዊ ሰራዊት ብዝብል ዓበይቲ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ብኣልማማ ንኽዕለሙ ይግደዱ ‘ለዉ። ሰብ በቲ ሓደ ናብርኡ ተዘሪጉ፡ በቲ ኻልእ ብሕንፍሽፍሽ ጂሆ ተታሒዙ ከሎ ኣብ ዘይኣምነሉ ብማእቶትን ተዓሊምን ይንከላበት ‘ሎ። እቲ ማእቶት ፍሬ እንተዝህልዎ፡ እቲ ተዓሊም ንጹር እንተዝኸውን ነይሩ፡ ሰብ ብተስፋን ብሞራልን ምሰዓቦ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተረኣየ ቁም ነገር የለን። እቲ ዕላማ፡ ህዝቢ ካብዚ፡ ናብቲ እንዳበለ ከምዝንከላበት ምግባር ‘ዩ። ከምዚ ዓይነት ጨካኝ፡ ዕዉር ምሕደራ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን።

ንዝተመደብካሉ ስራሕ ተኣማኒ ምዃንን ንዝተወሃበካ ስልጣን ብግቡእ ምትግባርን፡ ኤርትራዊ ዝፍለጥሉ ሓደ ሞራላዊን ሃይማኖታዊ ባህሪ ‘ዩ። እምነት ምጉዳል ነውሪ እዩ። እዋኑ ኣብ ኤርትራ ነዚ ባህሪ ብግምጣሉ ንርኢ ‘ሎና። ጽቡቅ ዝሰርሐ ክቅጻዕን ክደሃክን እምነት ዘጉደለ ክተባባዕ፡ ሓላፍነቱ ብጉቡእ ዝወጸ ክሕየር ዘሽቀዐ ክምጎስ፡ ዘገልገለ ክድርበ ድሓሰወን ዘልገመን ክሕቆፍ ሪኢና። ንዝተጠጀኣሉ ተንኮል ዘይነቕሐ እሙን ሓቀኛ ኣገልጋሊ፡ ኩነታት ቅኑዕ ብዝብሎ መንገዲ ስለሓሰበ ‘ሞ፡ “ጽባሕ ኩሉ ክሓልፍ ‘ዩ” ኢሉ ልቢ የዕብዩ ስለዝተጸመመ፡ ከም ዓሻ ተጸዊዑ። ዝግብኦ ሞሳ፡ ኣማዕድዩ ከምዝርእያ ተፈሪዱ። ክፉት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተኣማንነት ዘገልገሉ ካብ ምፍናው ሰራዊት ተኸልኪሎም። ወጻኢ ሃገር ተማሂሮም ዝተመለሱ ግቡእ ምዕባለ ናይ ስራሕ ቦታን ደመወዝን ተኸልኪሎም። ድሕሬኻ ዝተቆጸሩ ልዕሌኻ ይኽፈሉ። ኤርትራ ንስኻ ብዝገበርካዮ ስራሕ ንሶም ዝምጎሱላ፡ ንሶም ብዝገበርዎ ጌጋ ንስኻ ትሕተተላ ሃገር ኮይና። ኤርትራ ዜጋታታ ሰሪሖም ዘይከብሩላ፡ ተዛሪቦም ደይየስሙዑላ መሕፈሪት ውላዳ ኮይና ‘ላ።

ሃይማኖት ውልቃዊ ኣምልኾ ‘ዩ። ሃገር ከኣ ዝተፈላለየ ኣምልኾ ዘለዎም ኣህዛብ ዝነብሩላ ናይ ሓባር መሬት ‘ያ። ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ሃይማኖት ብኣዝዩ ጨቛኒ ኣተሓሕዛ ‘ዩ ተታሒዙ። ከም ግቡእ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ ግቡእ ኣይኮነን። ትካላት ሃይማኖት ከኣ ካብ መስመር እምነተን ወጺአን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ክሳተፋ የብለንን። መንግስትም እንተኾነ ኣንጻር ዝኾነ እምነት ክኸይድ የብሉን። ሰብ ንዘኣመኖ ከምልኽ መሰሉ፡ ቅዋም ብዘኣወጆ ክኸይድ ከኣ ግዴትኡ ‘ዩ። ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ግን ካብቲ ክኸውን ዝነበሮ መስመር ወጺኦም ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዶም የትዮም ባዕሎም ከማሓድርዎ ፈቲኖም። ንዝተቃወሙ ትካላት ሃይማኖት ዓጽዮመን፡ ንሰዓብተን ከኣ ኣንከላቢቶሞም፡ ኣሲሮሞምን ንኣደዳ ስደት ዳሪጎሞምን። ትካላት ሃይማኖት ነንሕድሕደን ከምዝተፋነናን ዝነዓዓቃን ገይሮመን። ቢኢደ ዋነኖም ሕጋዊ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ኣውሪዶምን ሓይሮምን ደይሕጋዊ ጳጳስ ሸይሞምን ተኪኦሞምን። ገንዘብ መባእ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ናብ ካዝናኦም የእትዮሞ።

ፖሊሲ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሉኡን፡ ፍጹም ቅዳሕ ፈጠራ ፖሊሲ ስርዓት ጆርጅ ኦርወል፡ ኣብ ኣኒማል ፋርም ዝብል ብተኪኤ ተስፋይ ሕርሻ እንስሳ ብዝብል ናብ ትግሪኛ ዝተተርጎመት መጽሓፍ ዘሎ ‘ዩ ዝመስል። ኣብታ መጽሓፍ ዘለዉ ገጸ-ባሕርያት ምስ ገጸ-ባሕርያት ኢሳይያስን ጉጁሉኡን ይመሳሰል። ገጸ-ባህርያት ስኖውቦል ንገጸ-ባህርያት እሙናት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ይውክል። ገጸ-ባህርያት ናፖሊዮን ንገጸ-ባህርያት ኢሳይያስ፡ ገዘ-ባህርያት ስከለር ንገጸ-ባህርያት የማነ መንኪን መሰልቱን ይውክል። ክሊቲኦም ውልቀ-መለክቲ ዝዛረብዎን ኣብ ተግባር ዝፍጽምዎን ነንበይኑ ምዃኑ፡ ተቓውሞ ክመጾም ምዃኑ ፈሊጦም ቅድሚ ኩነት ዝገብርዎ ምድላዋት፡ ዘፈራርህሉን ዝድህሉሉን መንገዲ ምምስሳሉ ሓደ ይገብሮም። እቶም ተለኣኣኽቲ በዓል የማነ መንኪ ንኢሳይያስ፡ ስከለር ንናፖሊዮን ሓደ ዓይነት ሜላ እዮም ዝጥቀሙ። ስከለር ዝተቀየረ ሕጊ ንእንሳታት ክነግር ከሎ፡ ተመሳሲሉ ህድእ ኢሉ ብዘእምን መንገዲ የረድኦም። የማነ መንክም ከምኡ እዩ ዝገብር። ንኣብነት ብዘይካ ፕረሲደንት ምርጫ ምግባር፡ ቁዋም ይትግበር ከምዘሎ ንድያስፖራ ክሰብኽ ቀንዩ ነይሩ።

ኢሳይያስ ንናፖሊዮን ይበልጾ ‘ዩ። ናፖሊዮን ዝተጠቀመለን ፖሊሲታት ኣማሒሹ ቀይርወን። ኣብነት ንምቅራብ ናፖሊዮን ኣብ ተግባር ውዒሉ ንዝነበረ ቁዋም መለቀብታ ወሲኹ ኣማሕሺዎ። ኢሳይያስ ግን ኣብ ግብሪ ንዘይወዓለ ቁዋም ‘ዩ ሰሪዝዎ። ኣብ ባይታ ዘይተፈተነ ቅዋም ሞይቱ ኢሊዎ። ናፖሊዮን ካብቲ ሕርሻ እንስሳ ኣባል ዝኾነት ከልቢ ዝተወልዱ ኮራኩር ሓቢኡ ብኽንክን የዕብዩ ሓለውቱን ትእዛዛቱ ዘፈጽሙን ሰራዊት ጌርዎም። ኢሳይያስ ግን ዜጋታት ኤርትራ ዘይኮኑ ደምሂት ፈጢሩ፡ ተኸናኺኑን ዓሊሙን፡ ሓለውቱ ጌርዎም።

ኢሳይያስ ፖሊሲታት ጆርጅ ኦርወል እንተዘይቀድሕ ኔይሩ፡ ምናልባሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራህዋን ቅሳነትን ምሃለወ። ህዝቢ ኤርትራ ኣይቀሰነን። ካልእ ክንብል እንተዘይተኻእለ ጆርጅ ኦርወል መቃብርካ ኣይቅሰን ክንብል ግን መሰልና እዩ።

እቲ ጸሊም ታሪኽ ጎሊሑ ዝወጽእ፡ ኣብቶም ብኣጋ ነቂሖም መአረምታ ክግበር ዝጠለቡ ‘ሞ ሓቂቆም ዝተረፉ ጀጋኑ ዝተገብረ ግፍዒ ‘ዩ። ህዝቢ ስለዘይነቅሐን ኒሳይያስ ስለዝኣመንን ተታሊሉ ክሓተሎም ኣይከኣለን። ነዚ ዘወሃህድ ዝተወደበ ኣካልም ኣይነበረን። ሬስኦም ኣብ ፈቀዶ ስንጭሮ ተድርብዩ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ብዙሓት እዮም። እዚ ከኣ ነቲ ወጽዓ ዕጽፊ ይገብሮ። ሱቅ ምባል ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። እንተወሓደ እቲ ጽባሕ ተራና ሓልዩ ዝመጻና ክፋእ ንቃወሞ።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ደብረ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Biniam Kidane January 26, 2015

    If a metal is overworked and fatigued it gives way, similarly, if a dictator like the one we have back home is isolated from outside and weakened from within he will certainly escape leaving a political or other vacuum in the country in the long run.
    My worries today is how do we mend the crack and fill the vacuum? Please anyone take the opportunity to draw a scenario for that episode if you have time! Philosophers like my brother Simoen G. do not change bad governments but are able to create an ideal if not realistic scenarios for the future. All justice and peace loving people get frustrated by the slow pace of change while endless punishments are meted out against our people. However, the true test of character is not how much we know how to do, but how we behave when we don’t know what to do.

    • tamrat tamrat January 27, 2015

      Eritrea despite the fact that what hgdf has done to it has survived very well. Imagine the war with ethiopia extended for t1 or 2 yars or erupted one again in the last 14 yeas. Imagine eritrea has no significant number of diaspora. Etc.

      Eritreans diaspora is both a blessing and cursing. Despite all the sanctions and the misguided priority of hgdef in both political and social life of eritreans the diaspora has managed in avoiding catastrophe.

      • tamrat tamrat January 27, 2015

        And the curse I will give an example. Imagine an old car with an over used radiator. If this radiator doesn’t get cold water every few killo meters then the motor gets chocked off and in the worrest scenario the car gets burned down to ashes. But the owner knows his car and how ever the inconvenience and the irritation is built in him he puts the cod water at the exact right time.

        By the same talken every eritrean when his or her boiling point reaches leaves the country and cool her self with what ever hope the new days brings about.

  • fthawi January 27, 2015

    እሞ ኩሉ ሽጣራ እሰያስ ካብ ፈለጥናዮ ጹቡቅ ሕጂ እንታይ እገበር መፍትሒ ሽግርና ከመይ እዩ ክከውን ዶስ እሰያስ እዚ ገበረ እንዳልና ኢና ክነብር ብሐጺሩ አብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ፖሎቲካዊ መዳይ እኩን ናይ ህዝብና ስቅታ ምርጫ ወሲድዎ ዘሎ ገምጋም ጌርካ መፍትሒ እንታይ እዩ አቶ ደብረ ሐንቲ ክምሕጽነካ ግን ሐድነት ኢልካ ከይትምልሰለይ 30 ዓመት ሰሚዔዮ እየ ብፍላይ ካብዞም ውድባት ኢና በሃልቲ ብአፎም ሐድነት ክብሉ እውዕሎ ከም ሙጉሊ አንጭዋ ወርሒ ወርሒ እቦቅሉ ነብሶም ነጻ ዘይኮኑ ንህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ከምጽሉ ዘይሕሰብ እዩ ገለ ዳአ ዘይንፈልጦ ተሎ ንገረና ለባም ኢካ ትመስል ። አነሞ ውድባት ከምዘለዋ አይአምነሉን እየ በየናይ ሕጊ ናይ ሰልፊ ዝተመስረታ ስለዚ ሕጋውነት የብለንን ንሕና ኤርትራዊያን ዘድልየና ሐደ ግንባር ንፈጥር ሰሌክት ጌርና ካብ ኩለን አውራጃታትን ብሄራት ብድሕሪኡ አብታ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ በቲ ናይ ሰልፊ ሕጊ ውድባት ንበለን ሰልፍታት እወጻ ድሕሪቲ መሳጋገሪ መንግስቲ ምትካልና እዚ ወዳሐንካ።

  • wediHagher January 27, 2015

    “አነሞ ውድባት ከምዘለዋ አይአምነሉን እየ በየናይ ሕጊ ናይ ሰልፊ ዝተመስረታ ስለዚ ሕጋውነት የብለንን ንሕና ኤርትራዊያን ዘድልየና ሐደ ግንባር ንፈጥር ሰሌክት ጌርና ካብ ኩለን አውራጃታትን ብሄራት ብድሕሪኡ አብታ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ በቲ ናይ ሰልፊ ሕጊ ውድባት ንበለን ሰልፍታት እወጻ ድሕሪቲ መሳጋገሪ መንግስቲ ምትካልና እዚ ወዳሐንካ።”

    fthawi

    – አነሞ ውድባት ከምዘለዋ አይአምነሉን እየ በየናይ ሕጊ ናይ ሰልፊ ዝተመስረታ ስለዚ ሕጋውነት የብለንን
    Which law you are talking about ?, if the country has no constitution, it has no legal framework for political parties. The reality may look bad, but it’s something you cannot avoid.

    – ንሕና ኤርትራዊያን ዘድልየና ሐደ ግንባር ንፈጥር ሰሌክት ጌርና ካብ ኩለን አውራጃታትን ብሄራት ብድሕሪኡ አብታ ዲሞክራስያዊት ኤርትራ በቲ ናይ ሰልፊ ሕጊ ውድባት ንበለን ሰልፍታት እወጻ;
    If we could do that, we would not suffer for two long decades under the horrible tyranny of Higdef. Brother, instead of dreaming about things that cannot be put in practice, it’s better if we deal with existing reality. It’s true that, there are too many political groups that are good for nothing, but we cannot deny that they have also followers. In the end, what matters most are the issues they claim to stand for, and constituencies they represent. Anyone who is ready to take these issues and finds a solution to them, will win the trust of the people. Eventually, those who fail to show results will leave the arena for others.

  • fthawi January 27, 2015

    Wedihagher
    እንታይ ድዩ መስለካ ኩቡር ሐዊ አነ ነቦይ እጸልእ አቦይ ነቡኡ ሕጅለይ እመጽእ እንድዩ ኮይንና እቲ ክውንነት አብ ባይታ ዘሎ ዐቅልካ እዩ ዘጽበልካ ናትና ነገር እዚኩሉ ጅግንነት ንብላሽ አታ ወዱ መሬት ክንደይ ወዲ ገርሂ ልባ እስካ ጽናሕ አነ ክሐልፍ እንዳለት ነሞት ትቃዳዲማ ሐሊፋ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ውሑስ ንምግባር ሕጂ ግን ሐሽላክ ንሐሽላክ ተሪፋ በዚ ትከድኩም መርዓት ተጠፍአኩም በዚ ትኮድኩም መርዓዊ እጠፍአኩም ኮይኑ እዚ ዘለናዮ ጊዜ ።:

    • AHMED SALEH !!! January 27, 2015

      Fithawi , ajokha
      Do not let them win on you . We succeeded in our first question
      which was for independence but they hijacked the second question
      which is political reform for justice , equality and liberty .
      Time to raise the forgotten important issues to close unfinished
      requirements vowed for the principle paid by Eritreans blood .
      We resist to surrender on hopelessness .

    • WediHagher January 27, 2015

      “እስካ ጽናሕ አነ ክሐልፍ እንዳለት ነሞት ትቃዳዲማ ሐሊፋ መጻኢ ዕድል ኤርትራ ውሑስ ንምግባር ”

      fthawi

      Brother, the generation that sacrificed it’s life and young age, is not of much use to Iseyas and his regime. They have used them to serve the dictator’s devilish purpose. That said, we should admit that we too made mistakes for which the new generation is paying heavily. The brutality of the regime has no parallel in modern African history.
      The solution is simple, but difficult to implement: We all should work hard to remove the regime, if possible putting our energies together, else each group in it’s own way, without wasting time on side issues that can divide us.

    • ERITRAWIT January 28, 2015

      Fithawi,
      Hakeka aleka aytegagekan abey eu keydew etey nay kedem Eritrawnet eu zeble. Isaias bzey gahdey weshtey weshtey serehlew eu.
      B awraja, Haymanot N welahade ko ztekeme zeyblew. Nseb betey natew gerew m-nsale shem mkfa…..
      Ajoka gen alekew eu zble zelo Eritrawi alena!!!!!

  • Zeray January 27, 2015

    Folks Issayas has been forthcoming, he did not hide his emotions, words or deeds it is those who follow him who analyze and over-analyze and justify his evil deeds. What is more, there are those who think ultra-nationalism equate to freedom and become a die-hard nationalists even at the cost of loosing their brothers and sisters and becoming slaves of a failed system themselves. Let’s get it in our heads, Issayas will not change, it is the people who need to wake up and change.

    We need the constitution to be our guide line. With the constitution that was ratified in May 1997 Eritreans can be united. The constitution was the only voice of the people that had a broad representation of all and can be used as our document for change. Recreating other philosophies is not necessary when we have a document that was the voice of Eritreans.

    • AHMED SALEH !!! January 27, 2015

      ” One person Issayas won’t change rather the people are who need to wake up and change ” .
      Brother Zeray ; Obviously , it is true . That is our weakness to put fingers on others
      Hiring from holding responsibility on matters which concern us as a nation . They bent
      the country excessively and if we can’t stop them God forbid it might end paralyzed for unspecified long period .
      It is sad to find ourselves surrounded with selfish and arrogant blind followers while
      their fellows suffer and die .

      • AHMED SALEH !!! January 27, 2015

        Pls, read as hiding from ……

    • WediHagher January 27, 2015

      “We need the constitution to be our guide line. With the constitution that was ratified in May 1997 Eritreans can be united. The constitution was the only voice of the people that had a broad representation of all and can be used as our document for change.”

      Zeray

      It’s true the constitution is a strategic document that can solve many of the issues that are dividing the opposition camp. However, to make it acceptable to all, it has to be modified, possibly with the participation of the very people who drafted it, after taking into consideration views and interest of all those who were purposely denied chance to be part of the drafting process. As for it’s ratification, I have strong doubts that the Parliament of the time was representative or even legally elected. A rubber stamp Parliament hand picked by the dictator cannot be legal.

  • Semhar January 27, 2015

    1. ሚንስተር ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ ሚንስተር ዞባዊ ምምሕዳር
    2. ሚንስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ ምኒስተር ንግድን ኢንዱስትርን
    3. ሚንስተር ፔጥሮስ ሰሎሙን ሚንስተር ሃብቲ ባሕሪ
    4. ጀነራል ዑቑበ ኣብረሃ
    5.ሜ/ጀነራል ብርሃነ ገብረዝገኣቢሄር
    6. ኣባል ባይቶ ኣስተር ፍስሓጼን
    7.ኣማሓዳሪ መስፍን ሓጎስ
    ሕጂ ኣይኮኑን ሞይቶም ።
ስንኩላን ኪርሸኑ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ፣
ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይሞኖትን ኣብ እርጋኖም ኪሕየሩ፣
ጥራይ ናባይ ኣይትምጻእ እናልካ፣ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምጽማምን ምጽቓጥን ናይ ሞት ሞት እዩ።
ሕድሪ ስውኣት ተጠሊሙ ሓደ ሰብ ንኤርትራ ከም ንብረት ናይ እንዳዓሎብኡ ፊን ከምዝበሎ ኪገላብጣ ከሎ መን ኢኻ? ካባናን ካብቶም እታ ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑኸ እንታይ ሓለፋ ዚገብርካዮ ኣሎ? ኢሎም ኪምግቱ ትብዓትን ሕልናን ምስ ኣጥፍኡ ሽዓኡ እዮም ሞይቶም።
    The tyrant Isayas used these cronies to destroy our land and our people. They eliminated our revolutionaries at the time of our struggle for independence and after independence the eliminated our disabled veterans, they destroyed our culture, our religion, our laws, our provinces and our flag.

    • ERITRAWIT January 28, 2015

      Semhar,
      Kabzom 7 ztekeskwom 4,000,000 seb do aynbezehen? Etom ztekenselew Snkulan yehwatna dekey hzbey dekey hager do aykonen? Shew da kulatna wesena ageb zeybelna? Nay Eritrea abezey kunetat M bsah nay kulena dkmeten eu. selayna alelena kolena kolele nble zelena natna ygeded.

  • Semhar January 27, 2015

    ሃገርና ሪኢና ክይንስእና!!!!!!!ERitrea
    The mad dog, tyrant dictator Isayas wedi Berad, ፔጥሮስ ሰሎሙን : ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ : ሃይለ ወልደትንሳኤ : ዑቑበ ኣብረሃ:ብርሃነ ገብረዝገኣቢሄር :ኣስተር ፍስሓጼን :መስፍን ሓጎስ:and many others are not different from their master DIABLO Isayas. These killers; crocodiles with their master DIABLOS Isayas destroy our people, our culture, our religion, our laws and our land. The tyrant Isayas used these cronies to destroy our land and our people. They eliminated our revolutionaries at the time of our struggle for independence and after independence the eliminated our disabled veterans, they destroyed our culture, our religion, our laws, our provinces and our liberation flag (Semayawit Banderana.)
    ሕጂ ኣይኮኑን ሞይቶም ።
ስንኩላን ኪርሸኑ ኢድካ ኣጣሚርካ ምርኣይ፣
ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይሞኖትን ኣብ እርጋኖም ኪሕየሩ፣
ጥራይ ናባይ ኣይትምጻእ እናልካ፣ ርኢኻ ከምዘይረኣኻ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ምጽማምን ምጽቓጥን ናይ ሞት ሞት እዩ።
ሕድሪ ስውኣት ተጠሊሙ ሓደ ሰብ ንኤርትራ ከም ንብረት ናይ እንዳዓሎብኡ ፊን ከምዝበሎ ኪገላብጣ ከሎ መን ኢኻ? ካባናን ካብቶም እታ ክብርቲ ህይወቶም ዝወፈዩ ጀጋኑኸ እንታይ ሓለፋ ዚገብርካዮ ኣሎ? ኢሎም ኪምግቱ ትብዓትን ሕልናን ምስ ኣጥፍኡ ሽዓኡ እዮም ሞይቶም።

    This is the time for all Eritreans unite and save our culture, our land and our people before it’s to late!

  • Semhar January 28, 2015

    Time is now for the Eritrean people to get reed of the tyrant dictator Isayas Afeworki and his blind followers PFDJ.
    The time is now to ask…
    “WHERE IS my BROTHER?”
    “WHERE IS my SISTER?”
    “WHERE IS my Mother?”
    “WHERE IS my Father?”
    “WHERE IS my village, my ADI?”
    “WHERE IS my county, my WOREDA?”
    “WHERE IS my province, my AWRAGIA?”
    “WHERE IS my country, my ERITREA?”
    “WHERE IS our Liberation flag, our martyrs’ flag, our fathers’ flag?”
    “WHERE IS my freedom?”
    “WHERE IS my liberty?”
    “WHERE IS my equality?”
    “WHERE IS my justice?”
    Let us continue to push our cause for freedom, liberty, equality and justice.

  • Semhar January 28, 2015

    ብዕራይ ናብ ዘበለ የብል ዕርፊ ኣጽንዕ ኢዩ’ሞ: ኣጆኹም ደቀይን ደቂ-ደቀይን ጀጋኑ መንእሰያትና።
ኩላትና ብሓበራ ኢደይ-ኢድካ ኢልና ነዚ መንነትና ዘዋረደን ንኤርትራ ዘብርስ ዘሎን ኣረሜን፣ ናብቲ ቀዳሞት ኣያታቱ በዓል ሳዳምን ቃዛፊን ዝኣተዉዋ ናይ ዘለኣለም መዓልብኡ ጋህሲ ንደርብዮ። ኣብ ታሪኽ ከም ዝረኣናዮን ዝሰማዕናዮን ውልቀ-ምልካውያን መራሕቲ ብዘይካ ብክፉእ ብጽቡቕ ኣማውታ እግዚኣብሄር ክሞቱ ኣይተራእዩን። ሞት ገበነኛ ኢሰያስ እውን ከም ኣማውታ ኣያታቱ ነዊሕ ዝጸንሕ ኣይኮነን። እዚ ዓመት’ዚ ጸላኢና ዓንዩ ህዝብና ነናብ ገዝኡ ዝኣትወሉ ዓመት ከም ዝኸውን ሙሉእ ዘይጉዱል እምነት ኣሎኒ።
    ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
    ዕድመን ጥዕናን ንደቂ ኤርትራ
    ዓወትንህዝቢኤርትራ።

  • Truly Truly i say to you January 28, 2015

    ሰመሃር ብሃደ ወገን እቲ ካብ ኣንጸርጽሮት እተዛረብካዮ ይርድኣኒ እዩ። ይኹን እንበር ነቶ ም ዝጠቀስካዮም ሰበስልጣናት ብዙህ ምኩናን ግቡእ ኣይመስለንን። ምክንያቱ ቅድም ቀዳድም ንኤርትራ ሓራ ንምውጻእ ኣቢ ተራ ዝነበሮም ሰባት እዮም። ድሕሪ ነጻነትም ግደ ሃቂ ንምዝራብ ንሳቶም ኣብ ስልጣን ከለው ሕዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ ውርደትን ሕስረትን ኣጋጢምዎ ነሩ፣ ከምዚ ሎሚ ከፊእዎ ነሩ ክበሃል ኣይከኣልን እዩ። ምስቲ ኩሉ ድኽመቶም ከምቲ ኣጀማምርኦም ኤርትራም ክትሕነጽ ጀሚራ ምንባራ፣ ንኣብነት ገዛ ኮርያ ተባሂሉ ዝጽዋእ ኣብ ኣስመራን ባጽእን ንዝተሃንጹ ኣባይቲ ምጥቃስ ባእሉ ሃደ ምስክር እዩ። ብሰብኣዊ መሰላትም ተኾይኑ ኣብ ነጻ ጋዜጣታት ህዝቢ ዝተፈላለየ ሃሳባቱ ይገልጽ ከምዝነበረ ምዝካር ኣገዳስነት ዘለዎ ይመስለኒ።። ካብዚ ሃሊፉ ዝወሰደ ግዜ ይውሰደሎም ከምቲ ናይዚ ጽሑፍ ኣቅራቢ ክቡር ሓውና ደብረ ብልክእ ከምዘቀመጦ
    “ንጋገ ኣሎና፡ ኣሰራርሓና ንኣርም፡ ነመሓይሽ፡ ዝተጋደልናሉ ዕላማ ንስሕት ኣሎና” ኢሎም ኣይኖም ምንቛህ ምስጀመሩ ግን ኢሳያስ እናቀደመ ምድስካል፡ ምእሳር፡ ምብራር ኢሉም ምጥፋእ ኣስኢቡሎም። ካልእ ይትረፍ ኣይኮነን ነዞም ቅድሚ ኣሰረትው ሰለስተ ዓመት ነቲ ስርዓት ብምቅዋሞም ንዝተፈላለየ ውድቀት ዝተዳረጉ ሰባት ይትረፍ፣ ነቶም ክሳብ ትማሊ ክሳብ ዕለት ሞቶም ናይቲ ስርዓት ባሕርይ ብግቡእ ከይተገለጸሎም ብተንኮል ኢሳያስ ንዝሞቱ ዝደስከሉን ዝተኣሰሩን ሰባት ምውቃስ ግቡእን ልቦናን ኣይመስለንን።

POST A COMMENT