Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጨፍላቒ ጥበባት

ካብ ደብረ (መቀጸልታ ጸሊም ታሪኽ)  መግዛእቲ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ካብ ካልእ መግዛእታት ዝፈልዮም እንተሎ ፍሉይ ምስሉይ ጨፍላቂ ጥበባት ምጥቃሞም እዩ። ከይተፈለጥካ፡ መሲልካ፡ ብኸመይ ጨፍሊቕካ ትገዝእ ዝሕግዝ ሜላ ማለት እዩ። ቅልል ብዝበለ ወኻርያስ ቆርበት በጊዕ ተኸዲና ናብ ኣባጊዕ በጊዕ

ካብ ደብረ

(መቀጸልታ ጸሊም ታሪኽ) 

መግዛእቲ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ካብ ካልእ መግዛእታት ዝፈልዮም እንተሎ ፍሉይ ምስሉይ ጨፍላቂ ጥበባት ምጥቃሞም እዩ። ከይተፈለጥካ፡ መሲልካ፡ ብኸመይ ጨፍሊቕካ ትገዝእ ዝሕግዝ ሜላ ማለት እዩ። ቅልል ብዝበለ ወኻርያስ ቆርበት በጊዕ ተኸዲና ናብ ኣባጊዕ በጊዕ መሲላ ከም ምሕዋስ እዩ።  እዚኤን ጥበባት በሓደ ለይቲ ዝተቀድሓ ዘይኮናስ ገሊኤን ብናይ ዝተናወሐ ተሞክሮ ዝማዕበላ፡ ጊሊኤን ካብ ዲክታቶርያል ኮሚኒስት ሃገራት ዝተቀድሓ፡ ገሊኤን ከኣ ካብ መጽሃፍቲ ዝተወረሳ ጥበባት እየን። ካብ ብዙሕ እዘን ዝስዕባ ውሑዳት ክንዘራረበለን የቅርበን ኣለኹ።

  1. ብኢስይያስ ዝዝወር ውድብ ምፍጣር
  2. ምድስካል፡ ምእሳር፡ ምጥፋእ፡ ምብራር
  3. ሓድነት ህዝቢ ምዝራግ፡ ማናቆት ሕንፍሽፍሽ ምምሕዳር (ምሕደራ ጉራማይለ)
  4. ንዘገልገለካን ዝእዘዘካን ሞሳእ ምኽላእ፡ ምድሃኽ ንዘሽቀዓካ ምትብባዕ
  5. ምንጓጽ ሃይማኖት
  6. ፖሊሲ ጆርጅ ኦርወል ምትግባር
  7. ወዘተ

ዕላማ ገድሊ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ማሕበራዊን  ቁጠባዊን ዓወታት ንህዝቢ ኤርትራ ምጉንጻፍ ‘ዩ ነይሩ።  እቲ ዕላማ ኪኖ መሬታዊ ናጽነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ህዝቢ ላዕላዋይ ኢድ ሃሊዎ፡ ዝተፈላለያ ራእይ ዘለወን ውድባት ዝሳተፍኦ ዲሞክራሲያዊ መንግስቲ ኣቑምካ፡ ህዝቢ ብዝመረጾ መራሒ ክመሓደር እዩ ነይሩ። እምነት ገድሊ ድሕሪ ልዕላውነት ሃገር፡ ኤርትራ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ፡ ሰላም፡ ዝዓሰላ ብልጽቲ ሃገር ክትከውን ‘ዩ ነይሩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ፡ ዝተሃላለኸን መሪርን ፖለቲካዊን ጎነጻዊን (ወተሃደራዊ) ቃልሲ ኣካይዱ ማእለያ ዘይብሉ መስዋእትነት ከፊሉ፡ መዳርግቲ ዘይብሉ ጀግንነት ሰሪሑ፡ ብመሰል ርእሰ ውሳነ መሬታዊ ናጽነት ኣረጋጊጹ። ኤርትራ ከም ሃገር መሰላ ኣኽቢራ ኣብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ግቡእ መንበራ ሓዘት። ኣብ ናይ ዓለም ካርታ ተሳእለት። ቀዳማይ ባህጊ መዛዘሚ ረኺቡ። ኪኖ መሬታዊ ናጽነት ግን ኣይቀጸለን። ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብህጊን እምነትን ስዋእትን ከኣ ብፍሉይ ተጠሊሙ። ኤርትራ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ራህዋ፡ ሰላም፡ ድዓሰላ ብልጽቲ ሃገር ናይ ምዃን ባህጊ፡ ፍሉይ ጥቕሚ ብዘለዎም ኣባላት ናይ ሓንቲ ሚስጢራዊት ጉጅለ ተጠሊሙ። ካብ ስቃይ ህዝቢ ተጠቃሚ መን እዩ? እንታይ ‘ዩ ከ እቲ ጥቅሚ? ስለምንታይ ካብ ስቃይ ህዝቢ ጥቅሚ ተደልዩ? ኢሳይያስን ጉጅልኡን ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም ዊንቶኦም ከስምሩ ንህዝቢ መደዳ ሕስረትን መከራን ዳረጉዎ። እቲ ምካንያት ምናልባሽ ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ሰሪ ዘይብቑዕ ክዕለት ምሕደርኦምን፡ ነፍሰ ምትሓትን፡ ናብ ጸቢብ-ውልቃውነት ተቀይሮም። ነዚ ድኽመት ንምሽፋን ብምድንጋር፡ ብምትላል፡ ብሕንፍሽፍሽ ዝተበላሸወ ነገር ንምሽፋን ዘይገብርዎ ነገር የብሎምን። ንጥልመት ክሳብ ምቅታልን ሃላዋት ምጥፋእን ድሕር ኣይብሉን። ንሸፈጥ፡ ንኻልኦት ብዘይወዓልዎ ምጽላም፡ ንዝበልጹኻ ኣትሕትካ ምርኣይ ምንእኣስ ከም ሜላ ዝተታሓዘ ጥበብ እዩ። ክዕምጽ፡ ክሰርቕ ዝደለየ ብጋህዲ ኣይሰርሕን ‘ዩ። እንታይ ደኣ ብሚስጢር ‘ዩ ድዓይ። ካብ ዓመጽን ስርቕን ከኣ ራህዋ የለን።

ብኢሳይያስ ትምእከል ሚስጢራዊት ጉጅለ ከምዘላ ግልጽ ኮይን ‘ሎ።  እዚኣ ጉጅለ መቀጸልታ ብተመሳሳሊ ኣብ ጊዜ ገድሊ ቖይማ ዝነበረት ሚስጢራዊት ሰልፍ ‘ያ። ሓንቲ ጉጅለ ፈሪሳ ካልእ ጉጅለ ተተኪኣ። ግጡም ሽጣራ። ኣባላት እዛ ጉጅለ ብሚኒስተር ማዕረግ ዘይተሾሙ፡ ነገር ግን ሊዕሊ ሚኒስተራት ስልጣን ዘለዎም፡ ከም በዓል የማነ መንኪ ካብ ቤት ጽሕፈት ህግደፍ፡ ከም በዓል የማነ ቻርሊ ካብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም። እዞም ሰባት ካብ ሚኒስተራት ንላዕሊ ርእሰ ተኣማንነት ኣለዎም። ንሶም ዝበለጸ ሊዕሊ ሚኒስተራት ይስሙዑ።

ባህግን ሓደራ ህዝቢ፡ ተጋደልትን ስዋኣትን ተቀቢሉ ድኣተወ ግንባር በታ ጉጅለ ተጨውዩ ዊንታ ኣባላት እታ ጉጅለ ናብ ደማልእ መሳርሒ ተቀይሩ። ኣብቲ  ውሽጣዊ እቲ ግንባር ካልእ ውሽጣዊ  ሚስጥራዊት ሰልፊ ‘ላ። እኽብካብ ውሑዳት ውልቀ መለክቲ  ድልየቶም ዝዕንድሩሉ ሰልፊ። ህዝባዊ ግንባር (ህግደፍ) ኣብ ጫንቃኡ ጸሪዎ ድኣተወ ህዝቢ ዋና ናይ መንግስቲ ምዃን፡ ንዝደለዮ ክሰቅል ንዘይደለዮ ከውርድ ድነበሮ ባህጊ ኮሊፉ ሓላዊ ጥቕሚ እዛ ብኢሳይያስ ትዝወር ጉጅለ ኮነ።  ኩሉ ተጋዳላይ ሓቀኛ እሙን ውፉይ ነይሩ ክንብል ኣይንኽእልን። ዉሑዳት ይኹኑ ‘ምበር ብውልቃዊ ምኽንያት ወይ ብግፋ ዝተጋደለ የለን ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብ ጊዜ ውግእ ብድሕሪት ኮይኖም ድዕዘቡ ወይ ከም ድሓመሙ ተመሲሎም ድእለዩ ኣይሰኣኑን ‘ዮም። ሂወቱ ንሓደጋ ጥይት ከየቃለዐ ንኻልኦት ኣብ ክንድኡ እንዳቅተለ ዝመጸ ‘ም ይህሉ ‘ዩ። ‘ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ጥሉል’ ከም ዝበሃል ብሽም እቶም ንህዝቦም ዝተወፈዩን  በጃ ኮይኖም ዝሓለፉን ጀጋኑ፡ ጀጋኑ ተባሂሎም ከምዛ ንናጽነት ዝደመዩላ ናጽነት ሒዞም ድኣተዉ ኣይሳኣኑን ‘ዮም። ገሊኦም ‘ውን ብጥበብ ሚስጢራዊት ሰልፊ ተኣልዮም ሂወቶም ዓቂቦም ዝመጹ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ቀጻልነቶም ንምርግጋጽ ኣብ ሓንቲ እከይ ጉጅለ እንተተጠርነፉ ብዙሕ ዘገርም ኣይኮነን።

እዛ ሚስጢራዊት ጉጅለ እዚኣ ሚስጢራዊ ስርሓት ንኽትነጥፍ ዝተማህዘት መጨፍለቒ ጥበብ ኢሳይያስ ‘ያ። ሰብ ብናይ ገርሂ ልቢ ዘሕደሮ እምነት ሸርሺራን ኣዳህሊላን እከይ ንጥፈታታ ኣተግቢራን ትነጥፍ ‘ላ። ስለዝኾነ ድማ እነሆ ኸኣ ሎሚ ህዝቢ ኣብ ስቅያት ይነብር ኣሎ።

“ንጋገ ኣሎና፡ ኣሰራርሓና ንኣርም፡ ነመሓይሽ፡ ዝተጋደልናሉ ዕላማ ንስሕት ኣሎና” ንዝበሉ ምድስካል፡ ምእሳር፡ ምብራር ኢሉም ንምጥፋኦም እዩ ብኢሳይያስን ጉጅሉኡን ዝተጠጀኣሎም ተንኮል። ደድተቃወመን ቢሒም ዝበለን ዋላ ዝተጠርጠረ “ደም ተሓጎም!”  ኮይኑ መልሱ።  ትማሊ ትማሊ የሕዋትካ ሓመድ ከዲንካ መጺካ፡ ሎሚ ሕድሮም ንተግብሮ ንዝበለ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ፈቀዶ ሃሩር ኣብ ብዚንጎታትን ዝተሰርሑን ኮንተይነራትን፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝተሃንጹ ኣብያተ ማእሰርቲ ዳጉንካ ምሕቃቅ ኢሳይያሳዊ ጥበብ ኮይኑ። ካልእ ቢሒም ከይብል መምሃሪ ኮይኖም። እንታይ ኮይኖም ተኣሲሮም፡ ደስኪሎም፡ ካብ ስራሕ ተባሪሮም፡ ኢሉ ዝሓተተ የለን። ኣብነት ጂ 15 ቁዋም ክትግበር ብምጥላቦም ጥራይ፡ ኣብ ጊዜ ገድሊ ይኹን ኣብ ጊዜ ውግእ ኢትዮ – ኤርትራ ከምዛ ኣበርክቶ ዘይነበሮም፡ ዝነበሮም ተወፋይነት ኩሉ ተጠሊሙ ብ’ተሳዓርነት’ ‘ተንበርኻኽነት’ ጸሊሙ፡ ብጅምላ ናብ ማእሰርቲ ተዳጎኑ። ብባዶ ሰለስተ ብዝተናፈሰ ወረ ህዝቢ ‘ኣበይ ድኣ ነይሮም’ ብዝብል መታለሊን መሐመሊን ሓረግ ስለተዓሸወ ኣብ እዋኑ ዝሓተተሎም ኣይተረኽበን። መንግስቲ ኣይጋገን እዩ ብዘስምዕ ቃና፡ ይጋገ ከምዘሎ እንዳተፈልጠ ብእንታይ ገደሰኒ ትም ተመርጸ።

ህዝቢ ኤርትራ ብዘይ ፍልልይ “ሃገር ናይ ሓባር፡ እምነት ናይ ውልቂ” ብዝብል ናይ ሓባር መረዳእታ ኣስላሙ ክርስትያኑ ተኸባቢሩ፡ ነንሕድሕዱ ተረዳዲኡን ተሰማሚዑን ባህሉን መንነቱን ሓልዩ ናይ ካልእ ከይነዓቀን ክየነኣኣሰን ዝነብር ጭዋ ህዝቢ ‘ዩ። እዚ ጭውነት እዚ ግን ብገዛእቱ ኣይፍተወሉን። ነናቶም መፈላለይን መጎጃጀሊን ባህሊ ከተኣታትዉ ‘ዮም ዝፍትኑ። ጃንዳ ኢስይያስ ‘ኳ ተጋዳላይ ገባር፡ ዋርሳይ ይከኣሎ ብዝብል መፈላለይ ነዚ ሓደ ስሙር ህዝቢ ጎጃጂሉ ይሕምሶ ‘ሎ።

ሓድነት ሓይሊ፡ ተሪር መንደቅ መከላኸሊ ሰብእነት እዩ። ሓደ ዓይነት ድልየት ሃሊይካ ሓድነት እንተዘይብልካ ከም ሓደ ካንቸሎ ብዃና ዝተነድቀ ገዛ ማለት ‘ዩ። ድልየት ብዘይ ሓድነት ዘርሞ ዘርሞ ኮይኑ እዩ ዝተረፍ። ነዚኣ ከም ኣጻብዕቲ ኢዶም ኣጸቢቆም ዝፈልጡ ውልቀ መለኽቲ ሓድነት ትበሃል ከይትመጾም ኣቀዲሞም ‘ዮም ዝከላኸሉ። ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ጽባሕ ናጽነት ጀሚሮም እዮም ህዝቢ ሓድነት ክፈጥሩሎም ይኽእሉ ‘ዮም ኢሎም ዝኣመኑሎም ባይታ ኩሉ ዓጽዮሞ። ኣብ ጊዜ ዘመን መግዛእቲ ኢትዮጵያ ‘ኳ ዘይተኸልከለ፡ ኣብ ጊዜ ኢሳይያስ፡ ማሕበራዊ ንጥፈታት ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራት ብኣጋ እየን ተኸልኪለን። ኣብነት ንምጥቃስ፡ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኣብ ሚኒስትሪታት ዝሰርሑ ዜጋታት መንበሪ ገዛ ብማሕበር ንምስራሕ ቆይመን ዝነበራ ማሕበራት፡ ከይነጥፋ ተኸልኪለን። ተመሃሮ ቤት ትምህርቲ ሰውራ መስሪቶማ ዝነበረት ማሕበር ብትእዛዝ ኢሳይያስ ተዓጽያ። እቲ ምኽንያት ብሩህ እዩ፡ ኣብ ማሕበር እሂን ሚሂን ስለዘሎ፡ እዚ እሂን ሚሂን ናብ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ከይሰግር ተፈሪሁ ብኣጋ ዝተወሰደ ጥንቓቀ እዩ። ሕልሚ ውልቀ ሚልኪ ጽባሕ ናጽነት ብወግዒ ከምዝተጀመረ መርኣያ እዩ።

እዋኑ መንደቅ ገዛኻ ትጠራጠረሉ እዋን ‘ዩ። ወረ ዘመላልሱ ብብዝሒ ዝተዘርእሉ እዋን ኢና ዘለና። ሰብ ነንሕድሕዱ ከምዝጠራጠርን ዝሰላለን ጌርካ፡ ጥርናፈ ከይህሉ ምግባር ሓደ ዝተሰርሓሉ መስመር ‘ዩ።  ምጥርጣር ኣብ ነንሕድሕድካ ምትእምማን የጥፍእ። ምትእምማን ኣብ ዘይብሉ ከኣ ሓድነት ይዝረግ። ሓድነት እንተተዘሪጉ ኣብ መንጎ ሰባት ምትፍናን እዩ ዝረአ። ምትፍናን ብዓሌት፡ ሃይማኖት ቛንቋ፡ ስራሕ ወዘተ።  ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓዲ ብገዛውቲ ዝጀመረ ምትፍናን ብጎደቦ ዓድታት ኢሉም ብደረጃ ኣውራጃ ተዘርዩ ‘ሎ። እቲ ባእሲ ወዲ ገዛውቲ ምስ ካልእ ገዛውቲ፡ ወዲ ዓዲ ምስ ጎደቦ ዓዲ፡ ሓደ ሃይማኖት ምስ ካልእ ሓይማኖት…………። ድሕሪ ምትፍናን ባእሲ እዩ ዝስዕብ። ነንሕድሕድካ ንምኑቋት ዝተማህዘ ጥበብ ‘ዩ። እዚ እዩ ኣብ ኤርትራ ብግብሪ ዝተረኣየ። ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ፡ የሕዋት ነንሕድሕዶም ብቁዓት ደያኑ ኣብ ዘይብሉ ኣብያተ ፍርዲ ክናቆቱን ኛኽ ክብሉን ይውዕሉ ‘ለዉ።  ሰብ ሓሪሱ፡ ነጊዱ ከየፍሪ ጊዚኡ ኣብ ዘርሞ ዘርሞ ከሕልፎ ተፈሪዱ።

ሕጽረታት መሰረታዊ ነገራት (መግቢ፡ ማይ፡ ኤለክትሪክ፡ ነዳዲ፡ ወዘተ) ፈጢርካ ሕንፍሽፍሽ ምምሕዳር ካልእ ዝተሰርሓሉ ንጥፈት ‘ዩ። ቅልል ብዝበለ ኣዘራርባ ማይ ከሎ ማይ ይኸልኡኻ፡ ኤለክትሪክ ከሎ ኤለክትሪክ ይኸልኡኻ፡ ስራሕ ከሎ ከይትሰርሕ ይገብሩኻ። ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ሰብ ቀሲኑ ናብርኡ ከይገብር፡ ብሕንፍሽፍሽ ኣእምርኡ ጂሖ ሒዞም፡ ከም ረቦት ዘዊሮሞ። ካብ ዝነኣሰ ክሳብ ዝዓበየ ከይፈለየ፡ ሰብ ደድሕሪ ቦጥ ክጎይ ይውዕል ኣሎ። ቆልዑ ኣክንዲ መጽናዕቶም ዋላ ብሕልሞም “ቦጥ መጺኣ፡ ኤለክትሪክ መጺኣ” ክብሉ ክዝምሩ ይስምዑ ‘ለዉ።

ፍሬ ኣልቦ ማእቶት፡ ተዓሊም ንዓበይቲ ካልእ መበሳበሲ ዜጋታት ‘ዩ። ክረምታዊ ማእቶት ብዝብል ብተማሃሮ ዝተጀመረ ማእቶት ኣብ ኣቦታትን ኣዴታትን ተራ በጺሑ ‘ሎ። ህዝባዊ ሰራዊት ብዝብል ዓበይቲ ልዕሊ ኣርብዓ ዓመት ብኣልማማ ንኽዕለሙ ይግደዱ ‘ለዉ። ሰብ በቲ ሓደ ናብርኡ ተዘሪጉ፡ በቲ ኻልእ ብሕንፍሽፍሽ ጂሆ ተታሒዙ ከሎ ኣብ ዘይኣምነሉ ብማእቶትን ተዓሊምን ይንከላበት ‘ሎ። እቲ ማእቶት ፍሬ እንተዝህልዎ፡ እቲ ተዓሊም ንጹር እንተዝኸውን ነይሩ፡ ሰብ ብተስፋን ብሞራልን ምሰዓቦ ነይሩ። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዝተረኣየ ቁም ነገር የለን። እቲ ዕላማ፡ ህዝቢ ካብዚ፡ ናብቲ እንዳበለ ከምዝንከላበት ምግባር ‘ዩ። ከምዚ ዓይነት ጨካኝ፡ ዕዉር ምሕደራ ሕንፍሽፍሽ ኣብ ዓለም ኣይተራእየን።

ንዝተመደብካሉ ስራሕ ተኣማኒ ምዃንን ንዝተወሃበካ ስልጣን ብግቡእ ምትግባርን፡ ኤርትራዊ ዝፍለጥሉ ሓደ ሞራላዊን ሃይማኖታዊ ባህሪ ‘ዩ። እምነት ምጉዳል ነውሪ እዩ። እዋኑ ኣብ ኤርትራ ነዚ ባህሪ ብግምጣሉ ንርኢ ‘ሎና። ጽቡቅ ዝሰርሐ ክቅጻዕን ክደሃክን እምነት ዘጉደለ ክተባባዕ፡ ሓላፍነቱ ብጉቡእ ዝወጸ ክሕየር ዘሽቀዐ ክምጎስ፡ ዘገልገለ ክድርበ ድሓሰወን ዘልገመን ክሕቆፍ ሪኢና። ንዝተጠጀኣሉ ተንኮል ዘይነቕሐ እሙን ሓቀኛ ኣገልጋሊ፡ ኩነታት ቅኑዕ ብዝብሎ መንገዲ ስለሓሰበ ‘ሞ፡ “ጽባሕ ኩሉ ክሓልፍ ‘ዩ” ኢሉ ልቢ የዕብዩ ስለዝተጸመመ፡ ከም ዓሻ ተጸዊዑ። ዝግብኦ ሞሳ፡ ኣማዕድዩ ከምዝርእያ ተፈሪዱ። ክፉት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብተኣማንነት ዘገልገሉ ካብ ምፍናው ሰራዊት ተኸልኪሎም። ወጻኢ ሃገር ተማሂሮም ዝተመለሱ ግቡእ ምዕባለ ናይ ስራሕ ቦታን ደመወዝን ተኸልኪሎም። ድሕሬኻ ዝተቆጸሩ ልዕሌኻ ይኽፈሉ። ኤርትራ ንስኻ ብዝገበርካዮ ስራሕ ንሶም ዝምጎሱላ፡ ንሶም ብዝገበርዎ ጌጋ ንስኻ ትሕተተላ ሃገር ኮይና። ኤርትራ ዜጋታታ ሰሪሖም ዘይከብሩላ፡ ተዛሪቦም ደይየስሙዑላ መሕፈሪት ውላዳ ኮይና ‘ላ።

ሃይማኖት ውልቃዊ ኣምልኾ ‘ዩ። ሃገር ከኣ ዝተፈላለየ ኣምልኾ ዘለዎም ኣህዛብ ዝነብሩላ ናይ ሓባር መሬት ‘ያ። ኣብ ኤርትራ ጉዳይ ሃይማኖት ብኣዝዩ ጨቛኒ ኣተሓሕዛ ‘ዩ ተታሒዙ። ከም ግቡእ መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ ግቡእ ኣይኮነን። ትካላት ሃይማኖት ከኣ ካብ መስመር እምነተን ወጺአን ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ክሳተፋ የብለንን። መንግስትም እንተኾነ ኣንጻር ዝኾነ እምነት ክኸይድ የብሉን። ሰብ ንዘኣመኖ ከምልኽ መሰሉ፡ ቅዋም ብዘኣወጆ ክኸይድ ከኣ ግዴትኡ ‘ዩ። ኢሳይያስን ጉጅሉኡን ግን ካብቲ ክኸውን ዝነበሮ መስመር ወጺኦም ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዶም የትዮም ባዕሎም ከማሓድርዎ ፈቲኖም። ንዝተቃወሙ ትካላት ሃይማኖት ዓጽዮመን፡ ንሰዓብተን ከኣ ኣንከላቢቶሞም፡ ኣሲሮሞምን ንኣደዳ ስደት ዳሪጎሞምን። ትካላት ሃይማኖት ነንሕድሕደን ከምዝተፋነናን ዝነዓዓቃን ገይሮመን። ቢኢደ ዋነኖም ሕጋዊ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ኣውሪዶምን ሓይሮምን ደይሕጋዊ ጳጳስ ሸይሞምን ተኪኦሞምን። ገንዘብ መባእ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ናብ ካዝናኦም የእትዮሞ።

ፖሊሲ ስርዓት ኢሳይያስን ጉጅሉኡን፡ ፍጹም ቅዳሕ ፈጠራ ፖሊሲ ስርዓት ጆርጅ ኦርወል፡ ኣብ ኣኒማል ፋርም ዝብል ብተኪኤ ተስፋይ ሕርሻ እንስሳ ብዝብል ናብ ትግሪኛ ዝተተርጎመት መጽሓፍ ዘሎ ‘ዩ ዝመስል። ኣብታ መጽሓፍ ዘለዉ ገጸ-ባሕርያት ምስ ገጸ-ባሕርያት ኢሳይያስን ጉጁሉኡን ይመሳሰል። ገጸ-ባህርያት ስኖውቦል ንገጸ-ባህርያት እሙናት ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ይውክል። ገጸ-ባህርያት ናፖሊዮን ንገጸ-ባህርያት ኢሳይያስ፡ ገዘ-ባህርያት ስከለር ንገጸ-ባህርያት የማነ መንኪን መሰልቱን ይውክል። ክሊቲኦም ውልቀ-መለክቲ ዝዛረብዎን ኣብ ተግባር ዝፍጽምዎን ነንበይኑ ምዃኑ፡ ተቓውሞ ክመጾም ምዃኑ ፈሊጦም ቅድሚ ኩነት ዝገብርዎ ምድላዋት፡ ዘፈራርህሉን ዝድህሉሉን መንገዲ ምምስሳሉ ሓደ ይገብሮም። እቶም ተለኣኣኽቲ በዓል የማነ መንኪ ንኢሳይያስ፡ ስከለር ንናፖሊዮን ሓደ ዓይነት ሜላ እዮም ዝጥቀሙ። ስከለር ዝተቀየረ ሕጊ ንእንሳታት ክነግር ከሎ፡ ተመሳሲሉ ህድእ ኢሉ ብዘእምን መንገዲ የረድኦም። የማነ መንክም ከምኡ እዩ ዝገብር። ንኣብነት ብዘይካ ፕረሲደንት ምርጫ ምግባር፡ ቁዋም ይትግበር ከምዘሎ ንድያስፖራ ክሰብኽ ቀንዩ ነይሩ።

ኢሳይያስ ንናፖሊዮን ይበልጾ ‘ዩ። ናፖሊዮን ዝተጠቀመለን ፖሊሲታት ኣማሒሹ ቀይርወን። ኣብነት ንምቅራብ ናፖሊዮን ኣብ ተግባር ውዒሉ ንዝነበረ ቁዋም መለቀብታ ወሲኹ ኣማሕሺዎ። ኢሳይያስ ግን ኣብ ግብሪ ንዘይወዓለ ቁዋም ‘ዩ ሰሪዝዎ። ኣብ ባይታ ዘይተፈተነ ቅዋም ሞይቱ ኢሊዎ። ናፖሊዮን ካብቲ ሕርሻ እንስሳ ኣባል ዝኾነት ከልቢ ዝተወልዱ ኮራኩር ሓቢኡ ብኽንክን የዕብዩ ሓለውቱን ትእዛዛቱ ዘፈጽሙን ሰራዊት ጌርዎም። ኢሳይያስ ግን ዜጋታት ኤርትራ ዘይኮኑ ደምሂት ፈጢሩ፡ ተኸናኺኑን ዓሊሙን፡ ሓለውቱ ጌርዎም።

ኢሳይያስ ፖሊሲታት ጆርጅ ኦርወል እንተዘይቀድሕ ኔይሩ፡ ምናልባሽ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራህዋን ቅሳነትን ምሃለወ። ህዝቢ ኤርትራ ኣይቀሰነን። ካልእ ክንብል እንተዘይተኻእለ ጆርጅ ኦርወል መቃብርካ ኣይቅሰን ክንብል ግን መሰልና እዩ።

እቲ ጸሊም ታሪኽ ጎሊሑ ዝወጽእ፡ ኣብቶም ብኣጋ ነቂሖም መአረምታ ክግበር ዝጠለቡ ‘ሞ ሓቂቆም ዝተረፉ ጀጋኑ ዝተገብረ ግፍዒ ‘ዩ። ህዝቢ ስለዘይነቅሐን ኒሳይያስ ስለዝኣመንን ተታሊሉ ክሓተሎም ኣይከኣለን። ነዚ ዘወሃህድ ዝተወደበ ኣካልም ኣይነበረን። ሬስኦም ኣብ ፈቀዶ ስንጭሮ ተድርብዩ ንቡር ቀብሪ ዘይረኸቡ ብዙሓት እዮም። እዚ ከኣ ነቲ ወጽዓ ዕጽፊ ይገብሮ። ሱቅ ምባል ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። እንተወሓደ እቲ ጽባሕ ተራና ሓልዩ ዝመጻና ክፋእ ንቃወሞ።

 

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ

ደብረ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
21 COMMENTS
  • Truly Truly i say to you January 28, 2015

    ምኽንያቱ ብናተይ እመነት እቶም ብሕማም ተመኽንዩ ዝሞቱ፣ ንኣብነት ዓሊ ሰኢድ ኣብደላ፣ ሳልህ መኪ፣ ጄነራል ገረዝግሔር ውጩ)፣ ወዲ ሊቀ፣ ነቶም ብሃደጋ መኪና ከምዝሞቱ ዝተነገረሎም፣ ንጄኔራል ሃንጁማ፣ ቫይናክ ደሱ ካልእ ይትረፍ እቶም ዝደስከሉን ዝተኣሰሩን ንኣብነት ሞስጠፋ ኑር ሁሴን ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ነበር ንኣሕመድ ሼክ ዓሊ ወሲካ ብናተይ ዕምነት ንሓደጋ ዝተቃልኡሉ ምኽንያት፣ ዋላ ይደንጉዩ ይገለጸሎም፣ ዝተጋደልናሉ ዕላማ ንስሕት ኣሎና ምባል ስለዝጀመሩ እዩ በሓላይ እዬ። ብፍላይ ከምቲ ዝተገልጸ ገረዝግሔር (ውጩ )ኮነ ተኽለ ማንጁስ ብዙሕ ትምሕርቲ ስልዘየብሎም ናይ ኢሳያስ ረቂቅ ተንኮል ቀልጢፉ ዋላ ክርድኦም እንተዘይከኣለ፣ ግናስ ካብ ተጋደልቲ ኤርትራ ንላእሊ ንደማሂት ሃለፋ ነጻነትን እምነትን ኢሳያስ ከሕድረሎም ምስእዘቡ ግን ነገር ክበርሃሎም ኣይኽእልን እዩ ኢልካ ክሕሰብ ዝከኣል ኣይመስለንን። ብተወሳኺ ነቲ ጅግንነቶምን ንሃገሮም ዘለዎም ፍቅርን ኣይኮነን ፈታዊ ጸላኢም ስለዝፈልጥ፣ ብናተይ እምነት ነዞም ሰባት ቅድሚ ምሟቶም ንሽሞም ዘካፍኡ ሰባት ተቃወምቲ ደይኮኑ ናይ 03 ኣባላት ውይ ከኣ ደማሂት ክኾኑ ኣለዎም። ምኽንያቱ ዋላ ንቅሃት ኣይሓልዎም ጀጋኑ ናይጦር ኣዘዝቲን ብነጻነት ኤርትራ ኣዝዮም ከምዝኣምኑ ስለዝፈልጡ ጥራይ ደይኮነ ቅድሚ ሕጂ በቲ ዝትገበረ ውግኣት ብጅግነንቶም ኣዝዮም ዝተቆጥኡ ደማሂት ወይ ሃስዮምሎም ወይ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስጉምቲ ብሜላ ብሕማምን ብሃደጋን የጥፍእዎም ከምዘለዉ ኮይኑ እዩ ዝስመኣኒ። ስለዚ ቅድሚ ምውቃስና ክልተ ግዜ ክንሃስብ ግድን እዩ። ናታቶም ኣማውታም ከምዜጋታትና ስለዘገድሰናን ስለለዘሕመናን፡ ስለምንታይ ክልተ ዓመት ብዘይሞልዕ ግዘ ልእሊ 26 ኣበይቲ ሰበስልጣናት ከምዝሞቱ ምክንያቱ ክንፈልጥን ክንመራመርን ግድን እዩ፤ ኣብክንዲ ድክመቶም ምጽብጻብ። ብወገነይ ካልእ ይትረፍ እቶም ዝተረፉ ብሎሚ ተቀይሮም ምስ ሕዝቢ ክውግኑ ተመሪጾም፣ ሃንጎፋይ ኢልና ዘይንቅበለሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን።

  • Tes January 28, 2015

    Debre,

    It is really very good article with great substance. It highlight every tricks and all the evil deeds of Eseyas and his junta or his secret party. His skill of manipulation and deceitfulness has no parallel in modern history. He still has enough followers dispute all section of our society, families, regions, religions, old and young, men and women have been negatively affected by his twisted policies and no one has been spared from his horrendous crimes. Even those who were executors at one point of his evil policies have been caught in the cross fire and were/are equal victims of his tricks. At the end of his article Debre states that ሱቅ ምባል ሃስያ ኣውሪዱ እዩ። እንተወሓደ እቲ ጽባሕ ተራና ሓልዩ ዝመጻና ክፋእ ንቃወሞ. What a wise man! We should not wait until Eseyas’s killing square knock our door. Lets start from our own house and free ourselves and our closest ones. We are his tools to carry out his our own distraction by being observers, doing or saying nothing when crime been committed in front of us. We have to be counted, stand up for our-self and others when we encounter injustice.

    Keep the good work bro Debre.

POST A COMMENT