ጓል ሃገረይ
ጓል ሃገረይ ጓል ሃገረይ ኣንቲ ጓል ሕዮባ፣ ጓል ሃገረይ ኣንቲ ጓል ሕዮባ፣ ዘይድፈር ዘይጽዓድ ኮኾባ፣ ቅናት ሰማይ ዝመስል ሕዛባ፣ ስሩዕ ዝመኣዳ ሰማያዊ መሶባ፣ ኣምላኽ ሰማይ ባዕሉ ዘወቀባ፣ እኖታትኪ ሰብ መስተር ወለባ፣ ዘይጽግመን
ጓል ሃገረይ
ጓል ሃገረይ ኣንቲ ጓል ሕዮባ፣
ጓል ሃገረይ ኣንቲ ጓል ሕዮባ፣
ዘይድፈር ዘይጽዓድ ኮኾባ፣
ቅናት ሰማይ ዝመስል ሕዛባ፣
ስሩዕ ዝመኣዳ ሰማያዊ መሶባ፣
ኣምላኽ ሰማይ ባዕሉ ዘወቀባ፣
እኖታትኪ ሰብ መስተር ወለባ፣
ዘይጽግመን በፍራስ ክጋልባ፣
ብዘይ ዓወት ጸሓይ ዘየዕርባ፣
ታሪኽ ዝሰነዳ ዘመዝገባ፣
ሃገርኪ´ንደሞ ኮይና ዝንግባባ፣
ብሃልሃልታ ሓዊ ተለብሊባ፣
በቲ ሓደ ጎድና ተሰሊባ፣
በቲ ሓደ ጎድና ተሸልቢባ፣
ኣሰንዮ ወፈራ ጀነባ፣
ኪዲ ምበር ኪዲ ብዓጀባ፣
ከይትመጽእ ታ ናይ ጥፍኣት ጃልባ፣
ህግደፍ ያ ሓሶት ዝጉልባባ፣
ከይትድርቢ ናይ ፋሕ ፋሕ ዘረባ፣
ምኽርኺ ሃብዮም ብለዘባ፣
ስመሩ በልዮም ሓምራና ክንሓልባ፣
ስመርለይ ሓምራና ክንሓልባ፣
ከነድሕና ካብ ጋና ዓጸባ፣
ካብ ናይ ጥፍኣት ሰርቢ ካብ ጸበባ።
ሳንዱ ኩሕለይቲ ሽንሽን መሳርዓ፣
ሳንዱ ወዛም ጥምሮ መዛርዓ፣
ተሃራሪት ሰዊት ጾመርብዓ፣
ተፈታዊት ከም ሰዊት ሳዕስዓ፣
ስቕ ዘይትብል ኣደራዕ ሰሚዓ፣
መዳርግቲ ይብሉን ናየደታትኪ ወጽዓ፣
ባርነት ከቢዱ ኣለዋ ይነብዓ፣
ተጸጊዐን ዝርንዝሕ ይነብዓ፣
ተዘጊሔን ስምኪ ክጽውዓ፣
ካባኺ ሓሊፈን ናብ መንሞ ይጥርዓ፣
ኣሎኹ በልየን ኣንቲ ሰላሊዓ፣
ኣቤት ምባል ዝለመድኪ ሽዓ።
ኣንቲ ጓል ኣኤርትራ ጓል ፈለማ፣
ኣንቲ ጓል ዓደቦ መጀመርያ ሔማ፣
ኣልቢስክዮ ነርኪ ንህዝብና ግርማ፣
ኩሉ ዝመስከሮ ዓለም ብዓለማ፣
መሲሉና ኤርትራና ዝሓወ ሕማማ፣
ንሃገርና ግና ሰራም ብዓል ደማ፣
እቲ ብንጋሆኡ ዝጠለማ፣
እቲ ዝወፈረ ክሕምሳ ከባድማ፣
እቲ ዝመጸየ ዓጽሚ ደማ፣
እቲ ዝቐበረ ናይ ሃገር ቅዋማ፣
የብርሶሎ ህዝብና ብ ኣልማማ፣
ዘክሪ ዕላማኺ ሃገራዊ ዕላማ።