ግደ ሓቂ – ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን
ግደ ሓቂ ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን “ዓጋመ!” “ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን” “ዓጋመ!” “ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!” “ዓጋመ!” “እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!” ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ
ግደ ሓቂ
ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን
“ዓጋመ!”
“ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን”
“ዓጋመ!”
“ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!”
“ዓጋመ!”
“እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!”
ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ ጢጥ ተወንቀፈ። ዘሕዝን’ዩ እዛ ንእሽቶይ ፍጻሜ ብደረጃ ግዙፍ ታሪኽ’ውን ደጊማ ተፈጺማ። ዘገርም እዩ ካብ መቍለብ በለስ ኣይተማሃርናን። ካብ’ቲ ኵናት ባድመ ድማ ኣይተመሃርናን። እቲ ዘይተማሃርናዮ ንሰብ ዘይምሕሳር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘይምብዳዕ እዩ።
ኣደይ ለባምን ትኵርቲ ተዛራቢትን እያ ነቢራ። ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ’ቲ እግሪ ኣባ ሻውል፡ ገለ ቈልዑት በለስ በሊዖም ከይከፈሉ ናብ ኵሉ ኩርናዓት ሃደሙ። እቲ በዓል በለስ መቍልቡ ኣልዒሉ ንዝስዕቦ ስኢኑ ግን ቀዚዙ ተረፈ። ንሱ እንክጓየ ነተን ኣብ ዘንብል ዝተረፋ ክሰርቁ ዝጽበዩ ዝነበሩ ካልኦት ቈልዑት እውን ኣስተብሂሉሎም ነበረ’ሞ ኣምሪሩ ጥራሕ ተራገመ። ኣደይ ናብ’ቲ በዓል በለስ ቀሪባ፡ “ስማዕኒ’ዚ ወደይ፡ እቲ ዝገበሩኻ ጽቡቕ ኣይኮነን። ቈልዑት ኴይኖም እዮም። ንስኻ ነቲ ምርጋምካ ኣቋርጽ ኣነ ድማ ገንዘብካ እኸፍለካ ኢላ ዓሰርተ ሳንቲም ሃበቶ። እቲ በዓል በለስ ከኣ ሽዑ ንሽዑ መርገሙ ኣቋሪጹ ክምርቕ ጀመረ። ክሳብ ገዛ ንበጽሕ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ተግባር ካብ ምዝራብን ምሕዛንን ኣየቋረጸትን። “ኣይግብርን! ኣይግብርን! እዚ ኵሉ እሾዅ ተወጊኡ፡ ክሳዱ ክሳብ ዝስበር ኣብ ርእሱ ዘንቢል ምሉእ ተሰኪሙ ነቲ ምሉእ ዓቐበት ዓርበ ሮቡዕ ደይቡ’ስ ጽጉባት ደቂ ጽጉባት ክሰርቁዎ ኣይግብርን!” ኢላ ጎሃየት። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ኢላ ድማ መሰለት። ዝኾነት ዝፈጸምናያ ሕማቕ ተግባር፡ ዝኾነት ካብ ኣፍና ዝወጸት ሕማቕ ቃል ንቕድሚት ሓሊፋ ጸኒሓ ሕኔኣ ከምእትፈዲ ከኣ በለትኒ። ከም’ዚ ዝኣመሰለት ኣደ ስለዝነበረትኒ ዕድለኛ’ዬ።
ነዚ ዘረባኣ’ዚ ክሳብ ሕዚ እሓስበሉ። እሕልዎ ከኣ። ብዙሓት ትግራዎት ኣዕሩዅቲ ድማ ነቢሮሙኒ። ሕዚ’ውን ኣሎዉኒ። ሕማቕ ኢሎሙንን ገቢሮሙንን ድማ ኣይፈልጡን። ነቲ ዘረባ ኣደይ ዘኪረ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ከም’ዚ ሓሰብኩ። እቲ ብቈልዑትና ‘ዓጋመ’ ኢልና ክንጻረፍ፡ እቲ ቈልዓ ኢሳያስ እውን ኣብኡ ነቢሩ እዩ። እቲ ጸርፊ ሓያሎ ዝብልሑ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ኵናተ መልሓስ እዩ። ኤርትራ ናብ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ኣምር ኣማዕቢላቶ፣ ድኻ፡ ለማኒ፡ ረሳሕ፡ ተንኮለኛ፡ ጠላም፡ ደንቖሮ … ዝኣመሰሉ ንውርምናታት የጠቓልል። ንኤርትራዊ፡ ‘ዓጋመ’፡ ስጋ ዝለበሰ ‘ክፍኣት’ እዩ። እዚ ኵሉ ግን እቲ ኤርትራዊ’ውን ዝኾኖ እዩ። እዚ፡ እቲ ኤርትራዊ ንነፍሱ ኣብ መስትያት ርእዩ ናብ ካልኦት ዘንጸባረቖ ምስሊ እዩ። እቲ ቈልዓ ኢሳያስ ድማ ነዚ ኵሉ ጸርፍታት’ዚ ሰሚዑዎን፡ እቲ ጸርፍታት ድማ ከምዘይሓልፍ ወጊኡዎን እዩ ኢለ እግምት። ኢሳያስ ብዛዕባ ተወልዶኣዊ መበቈሉ ግርም ዝፈልጥን፡ ብመበቈሉ ከኣ ስኾርዕን እዩ እንትምንታይ ስድራ ቤቱ መበቈሎም ዝፈልጡን ብኡኡ ዝኾርዑን እዮም። ኣነ ክሳብ ሸውዓተ ቀመ ወለዶይ እፈልጥ። ወዲ መን ኢኻ? ተስፋይ’ከ ወዲ መን? … እንዳተመሃርኩ እዬ ዓብየ። ኵሉ ኤርትራዊ ብዛዕባ መወለዱ እንዳተማህረ እዩ ዝዓብዩ። ኢሳያስ ግን፡ ከምቲ ኣብ መወለድን መበቍል ዓድን ካልኦት ዘሎዎ ተገዳስነት፣ ክሳብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሓረግ መወለዱ ከም ዝፈልጥ እስምዓኒ። ኢሳያስ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክሕበር ክደሊ እንከሎ እታ ፈለማ ዚሓታ ሕቶ ‘ኣበይ’ዩ ዓዱ?” እያ። ከምቲ ንስነ ኣእምሮኡ ንፈልጦ ከኣ፡ ጽሉል ቂመኛ እዩ፡ ሓንቲ መዓልቲ መን ምዃነይ ከርእየን እዬ! እንዳበለ ከም ዝዓበየ እኣምን። እንሆ ድማ ሕዚ የሰራስረና፡ የሰራጥየና፡ ይኣሰረና ይቐትለና፡ ካብ ዓድና የሳጉጎና ኣሎ። ነታ ክልተ ሜትሮ መቓብርን ንቡር ስነስርዓት ቀብርን እኳ ኣብ ገዛእ መሬትና ነፊጉና። እቲ ሽዑ ብቍልዕነቱ ኣደይ ዓሰርተ ሳንቲም ሂባ ከይተደዓዕሶ እኳ ዕድልና ሓሚቑ ኣይተራኸቡን። ኣደ የማነ ገብረኣብ እውን ትግራወይቲ እየን። እቲ ኵሉ ኣዲኡ ክጽረፋ ንየማነ ኣይግድሶን ነቢሩ ክበሃል ኣይከኣልን። በዓል ክሻ ከኣ … ።
እዚ ተሞክሮ’ዚ ንስነ ኣእምሮኣዊ/ማሕበራዊ/ ውልቃዊ ቅርጻ ጠባይን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኢሳያስ ንበይኑ ወሲኑ ክብል ኣይክእልን። እቲ ደረጃ ጽልኡን ጭከናኡን ንዕቀቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣዝዩ ዘንገፍግፍ ኴይኑ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ወትሩ ምስ ሓሰብኩን ምስ ተጨነቕኩን እዬ። ነቲ ኣብ ላዕለኢ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ቶሎ ክነጽጎ ኣይከኣልኩን። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ንከንቱ ኣይተባህለን።
ኵሎም ተግባራቱን ዘረባታቱን ከምዘረጋግጽዎ፡ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍቂሩዎ ኣይፈልጥን እኳ’ድኣ ካብ ልቡ ይጸልኦ። ክብትኖን ከጽንቶን ከኣ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ኢሳያስ፡ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሰ! ኢሉ ይምካሕ’ዩ። እንተኾነ፡ ቀሪብና እንተተዓዘብና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም መሳርሒ ናብ ዝዓበየ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኽጥቀመሉ ከም ዝተጋደለ ንርዳእ። እቲ ንተጋዳላይ ክጋደል ዝገበረ ቀንዲ ደራኺ ፍቕሪ ህዝቡ እዩ። ኢሳያስ ግን ብዛዕባ ፍቕሪ ህዝቡ ሓንቲ ቃል እኳ ኣተንቢሁ ኣይፈልጥን። ንህዝቢ ብቓለ ሓይሊ እንተዘይኴይኑ ብቓለ ፍቕሪ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ‘ህዝቢ’፡ ‘ኤርትራ’፡ ‘መሬት ዓደቦና’ ኢሉ ይጠቅስ እዩ። ‘ፍቑር ህዝበይ’፡ ‘ፍቕርቲ ሃገረይ’ ዝብላ ሓረጋት ግን ካብ ኣፉ ክወጻ ፍጹም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ነዚ ድማ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎዎ። ኢሳያስ፡ እንትርፎ ንነፍሱ ንዘፍቅሮን፡ ንዝድነቐሉን፡ ንዝንእዶን፡ ንዝሓልየሉን ንዝኣምኖን የብሉን። ኢሳያስ እቲ ፍጹም ናርሲስት እዩ። ካብ ናርሲስትነት ዘይፍለ መንታ ጠባይ ከኣ ቅንኢ እዩ። ቅንኢ ኣብ ዝሃለወሉ ቦታ ከኣ ጽልኢ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ኢሳያስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንዝተፈቕረ ይቐንኣሉ፡ ይጸልኦ፡ የጸልሞ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝተደነቐ የናእሶ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝሓለየ ይጥርጥሮ፡ የካፍኦ፡ ይቕንጽሎ። ኢሳያስ፡ ንዝኾነ ኣብ ሓቅነት ተሞርኵኡ ዝምክቶ ኣይፈቱን። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ኴይኑ ስለዝስምዖ ከም ዕቁር መወዳድርቱ ወሲዱ ይቕንጽሎ። ኢሳያስ እቲ ንበይኑ ፍጹም ሓሳባትን ስልጣንን እዩ። ኢሳያስ ልዕሊ ሕማቕን ጽቡቕን ዝኸደ ክሊኒካዊ ጽሉል/ፕሲሾፓት/ እዩ። ግን ከኣ እንታይ ከምዝደሊ ዝፈልጥ ጽሉል። ናብ’ቲ ዝደልዮ ንምብጻሕ ከኣ ዝኾነ ክገብር ድሉው ዝኾነ ጽሉል። ኢሳያስ ናብ ስልጣነ ኣማልኽቲ ዝመጣጠር ዕቡድ እዩ።
ኣብቲ ደርጊ ዝወደቐሉ እዋን፡ ኢሳያስ፡ ስሙን ግብሩን፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ’ውን ግኑንን ተፈታውን ነቢሩ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ እዚ ውሒጣ”ስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክነግስ ዝኽእል ክንሱ’ስ ከመይ ገቢሩ በታ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ዓጊቡ ቢለ እሓስብ ነቢረ። ክልተ ነገራት እዮም ዓንቂፈሞ። ነቲ ምስ ኢትዮጵያ በገለ ዓይነት ፖለቲካዊ ዝምድና (ፈደራስዮን፣ ኮንፈደራስዮም …) ተሓባቢርካ ምስራሕን ምንባርን ዝብል ካልኣይ ምርጫ ኣብ መደብ ምንቅቓሕ ናይ’ቲ መሳርሒኡ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን ህግሓኤን ከም ገለ ገቢሩ ከእትዎ ኣይጎርሐን። ነቲ ንዓመታት ብምሉእ ነጻነት ኤርትራ ዘስከሮ መሳርሒኡ ከኣ ከም መኪና ብሃንደበት ንድሕሪት ክጠውዮ ኣይከኣለን። ሽሕ’ኳ ንህዝብን ውድብን ኤርትራ ናብ መኪና ሰሪሑዎ እንተነበረ፣ እታ መኪና ገና ብሰባት ዝተሰርሐት ስለዝነበረት ንድሕሪት ንኽመልሳ ጊዜ የድልዮ ነበረ። ንነፍሱ ጊዜ ክህብ እውን ፈቲኑ እዩ (ሃገራዊ ውከሳ … ) ። ህወሓት ግን፡ ቀልጢፉ ጎሪሑ መኪናኡ ድሮ ንድሕሪት ጠውዩ ጸኒሑ ንኢሳያስ መኪናኡ ጠውዩ ናብታ ዓባይ ኢትዮጵያ ከቕንዓ ጊዜ ኣይሃቦሮን። ስለ’ዚ፡ ንህዝቢ ከይተወከሰ ብዝቐልጠፈ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ኣሚኑ ኣተግበረ። ስለ’ዚ ኣብራያም ያየ ኣእወየ። ህወሓት ብውሳኔኡ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ እዩ ቀቲሉ። ሓደ፣ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ኣሚኑ ስለዘተግበረ ዲሞክራስያውነቱ ኣረጋጊጹ። ዊዒላ ሓዲራ ኤርትራ ናበይ ከይትጠፍኣና ዝብል ሓሳብ ግን ኣብ ድሕረ ኣእምሮኡ ግድን ነቢሩ’ዩ። ካልኣይ፣ ነቲ ሃንጎሊማ መዋዳድርቱ ኣልጊሱ ንኢትዮጵያ ንበይኑ ኣባሕትዩ ገዝአ። ብሸነኹ ኢሳያስ ካብ ድሕሪት ካብ ኤርትራ ብመገዲ ወያነ፡ ንኢትዮጵያ ክቈጻጸር ከም ዝኽእል ኣሚኑ ነቢሩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ስለዝሰርሖምስ ያኢ ክእዝዞም መሲሉዎ ነቢሩ ይኸውን። ንሳቶም ግን ኣብ መቐመጭዑ ዕንጸይቲ ኣእትዮሙሉ። ብገለ ሸነኻቱ ኮሚካዊ ዳግማዊ ራስ ወልደሚካኤል ይመስል። ኢሳያስ ተቐይሙ፡ ተቈጢዑ ነታ ሓንቲ ዝፈልጣ መልሲ ተጠቕመ። ኵናት! ኣብ’ቲ ኵናት ከኣ ካልኣይቲ ዕንጸይቲ ደርገሙሉ። ኢሳያስ ኣብ ኣነነቱ ብርቱዕ ተረኽበ። እቲ ዝለዓለ ፈላጥ ተዓሽዩ፣ እቲ ዘይሰዓር ዓንተር ተሳዒሩ ኣነነቱ ዓሸውሸው በለ። ድሕሪ ውግእ ናብ ቤት ፍርዲ ከደ። ኣብ ቤት ፍርዲ ከኣ ሰዓረ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስዓሩ ከኣ መረጋገጺ ከንቱነት ናይቲ ዘካየዶ ውግእን፣ ጭብጢ ዕሽነቱን ድንቍርናኡን ኴይኑ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተዘይዕር ከምዝምፈተወ ብዓሰርተ ኣጻብዕተይ ምፈረምኩ። እቲ ብውሽጡ መራሕ ኢትዮጵያን፡ ብኡኡ ኣቢሉ ከኣ ተጋዳላይን መራሕን ኣፍሪቓን፡ ሓደ ካብ’ቶም ምሉእ ዓለም እትዛረበሎም ኣደነቕቲ መራሕቲ ዓለምን ናይ ምዃን ሕልሙ ተሓማሺሹ ከኣ ኣብታ ዕንጭቍሊት ኤርትራ ተኾርመየ። ቍሸታዊ ዲክታቶር ዕንጭቝሊት ኤርትራ ድማ ኾነ። ዕጽዕጸ ፍሽለቱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ምስኪናይ ህዝቢ ኣውረዶ። ንህዝቢ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ኣብ ልዕለይ ዘንበረቶ ታሪኻዊ ዕማም ከተፈጽም ኣይበቓዕካን! ኢሉ ጨፍጨፎ፡ ኣሰሮ፡ ኣድከዮ፡ በታተኖ። ኣብ’ታ ንእሽቶይ ኣስቃጥላ ኤርትራ ተዓሺጉ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከኣ፣ ኣለኹ፡ ርኣዩኒ፡ ስምዑኒ! ንምባል በዘሎ የማነ ጸጋሙ ኵናታት ጻሕተረ። ተገዳስነት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ንምስሓብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ፈቐዶኡ ኣቈምን ኣዋፈረን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነታ ብቐደሙ ድኻ ኤርትራ ክሳብ ዓጽመ ኣንጉዓ መጸያ። ዓለም ግን ኣይተገደሰትሉን። ኢሳያስ፡ ህይወቱ እኩብ ድምር ፍሽለታትን ዝመሎቑ ዕድላትን ኴይናቶ ናብ ጽሉል ኣረሜናዊ ቀታሊ ተሰጋገረ። እንሓንሳብ ክድንግጸሉ’ዶ ክጸልኦ ምውሳን ይሽግረኒ እዩ።
ካብኡ ንላዕሊ ዝጸልኦምን ዘደንግጹንን ግን እቶም ነቲ ሰብኣይ ከይተረድኡ ሆ ዝብልሉ ደናቑርን፣ እቶም ተፈዲኡዎም ክነሱ ገና ዘገልግሉዎ ድኹማትን ነፍሰ ኣሕሰርትን (masochists) እዮም። ኢሳያስ መን’ዩ? ናበይ ገጹ’ኸ ይጎዓዝ ኣሎ? ንምርዳእ ክንዲ ሓንጎል ደርሆ እትኣክል ሓንጎል፡ ክንዲ ጣፍ እትኣክል ሓቦ፡ ክንዲ ስርናይ እትኣክል ሕልና ጥራሕ ትኣክል። እቲ ሰብ፣ ሓንጎሉን ጠባዩን ሜላታቱን ሓያሎ ሻዕ ኣርእዩና’ስ፡ ሕጅ’ስ ብቕጽበት ክንርድኦምን ክንምክቶምን እዩ ዝግብኣና ዝነበረ። እቲ ብሜላት ኢሳያስ ምትላልና ድማ ርቐት ኢሳያስ ዘይኮነስ ድኽመት ኣእምሮና እዩ ዝእምት።
እስከ ነቶም ገና ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ንዝኾነ ንኢሳያስ ዝተቓወመ ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝጻረፉ ንመልከት። እቲ ኣምር ‘ዓጋመ’፡ ካብ ዓይኒ ኤርትራውያ ንምልእቲ ትግራይ የጠቓልል። እሞስ ንጎይትኦም’ውን ይጸርፍዎ’ዶ ኣየለዉን? እዚ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ክስራሕ ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዝሰርሕ ግርግቢጠ ግርንቢጣት እዩ። ኢሳያስ’ከ ነዚ ግርንቢጣዊ ምስትንዓቕ መቦቈሉ’ዚ ከመይ ይጾሮ? ንኢሳያስ ዝኾነ ንጊዜኡ ዘገልግሎ ሜላ ቅቡል እዩ። ንእኖኡ ምጽራፍ ንእሽቶይ ናብ ሸቶኡ ዝደፍእ እንተዄንዩ፡ ንኖኡ ዝጸርፍ ንሱ ቀዳማይ ም’ኾነ። ዓቀይቶቱ ‘ዓጋመ’ ቢሎም እንተተጻረፉ ከኣ ንዕኡ፡ ንጊዜኡ፡ ዝያዳ ኤርትራዊ የምስሎ። ነቶም ተጻረፍቲ ከኣ ዝያዳ ኤርትራውያን የምስሎም። ካብ ኵሉ ድማ ‘ዓጋመ’ ኢሉ ዘየሎ መፈራርሒ ጸላኢ ይፈጥር።
ኣብ ሓንቲ ተራ መዓልቲ ሓደ ተራ ሰብ ገለ ዓሰርተ ሽሕ ርእሰቃላትን ኣርባዕተ ሽሕ ዓንቀጻትን ከምዝጥቀም ሊቃውንቲ ስነዘረባ ይግምቱ። ካብዚኦም ከኣ፡ በሕጊ ሰዋስው ከም ፍትወቱ ኣገማጢሉን ሓዋዊሱን፡ ክሳብ ሽዱሽተን ፈረቓን ቢልዮን ናይ ሓሙሽተ ቃላት ፍጹምሓሳባት ክሰርሕ ይኽእል። ‘ተድኣ ንሓንቲ ፍጹምሓሳብ ክብል ሓሙሽተ ክልኢት ወሲድሉ፡ ነቶም ኵሎም ክሰርሖም ዝኽእል ፍጹምሓሳባት ክብል ሓደ ሚልዮን ዓመታት ምወሰደሉ። ሓደ ሰብ፡ ክሳብ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሕ፡ ክሳብ ሓሙሳ ሚልዮን ቃላት ብከናፍሩ ይሓልፉ። ንዓቕመ ሄዋን ዝበጽሐት ሰበይቲ ድማ ድሮ ሚእትን ሓሙሳን ሚልዮን ቃላት ተዛሪባ ኣላ። ኢሳያስ ግን ንምሉእ ቋንቋ ሰዓብቱ ናብ ሓንቲ ቃል ከምዝጽሞቕ ገቢሩ ኣሎ። ‘ዓጋመ!’ እሞ ንሱ ንዓርሱ ‘ዓጋመ’ ክነሱ! ኢሳያስ ኣይምትሃታዊን’ዶ! ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ‘ዓጋመ’ ናይ ኵሉ ክምለስ ዘይከኣል ሕቶታት መልሲ፣ ናይ ኵሉ ክሕተት ዘይከኣል ሓተታ፡ ሓተታ፣ ናይ ኵሉ ክግለጽ ዘይከኣል ተርእዮ መግለጺ ኴይና። ብሓንቲ ቃል ዝቈመት ምልእቲ ቋንቋ። ‘ዓጋመ’ ትኣምራታዊት ምህዞ ኢሳያስ እያ። ምናልባት ሲ.ኣይ.አይ. ጥራሕ’ያ እንተተወዳደረታ።
ኢሳያስ ግን ሓደ ወይ ክልተ ሽግራት ኣሎዎ። ቀዳማይ፣ እዞም ምህዞታት እዚኣቶም ቈንቝኖም እዮም። ብዙሕ ሰብ ከኣ ካብ ቃላዊ ጽበቶም ወጺኡ ንተአርእዮታት ብጭብጥታትን ሰነመጎትን ኣወሃሂዱ ደጊሙ ክትንትንን ክረዳዳእን በቒዑ እዩ። ካልኣይ፣ እቲ ቀደም፡ ብቋንቋ ሓንቲ ቃል (ዓማ! ኣብ ግብሪ! …) ዝዋስኡ ዝነበሩ ዓቀይቶቱ ኣቐዲሞም ብምሉእ ቋንቋ ሓሳባቶም ክገልጹ ዝነበሩ’ሞ ድሓር ቋንቋኦም ዝተሓድጎም ነበሩ’ሞ ንቑሕን ዘይንቑሕን ዝካሬ ናይ ምሉእ ቋንቋ ነቢሩዎም። ይውሓድ ይብዛሕ ከኣ ምሁራት ነበሩ። እዞም ናይ ሕዚ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ተዛረብቲ ግን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ዝዓበዩ እዮም ነቲ ንቡር ምሉእ ቋንቋ ኣይፈልጥዎን፡ ኣይሰምዕዎን፡ ኣይተማሃርዎን፡ ኣየንበብሉን፡ ኣይደረስሉን፡ ኣይዘመሩሉን፡ ኣይቐነዩሉን። ነቲ ምሉእ ቋንቋ ኣይዝክርዎን። እቲ ምሉእ ቋንቋ ናብ ሓደ ክልተ ናይ ጽልእን ምትላልን ቃላት ተጸሚቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃላት እዮም ዓብዮም። ቃል ኢሳያስ ጥራሕ ደጕሖም እዮም ዓብዮም። ኣብተን ብሕትቱዋት ሒደት ቃላት ከም ድላዮም ክገላበጡ እቲ ብቕዓት የብሎምን። እቶም ቃላት ፈለማ እንክመሃዙ፡ ካብ ዓይኒ ፕሮፓጋንዳ ተራእዩ፡ ኣገረምቲ ነቢሮም። ዳግማይ ምምሃዞም ግን ናብ ተራ ጥራጥ ቀዪሩዎም። ጻልጣ ድምጽን ክፉእ ሽቶን! ንመጠረስትኡ ከኣ ነቶም ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝተጻረፉ መዓኮር መዓኮር ክጅልጦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እታ ኩርማጅ ኣብ መንደቕ ገዝኡ ተሰቒላ ኣላ። አረ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ’ስ ካብ’ቲ መንደቕ ዝወረደት ትመስል።
ዳንኤል ተስፋይ
ጀርመን
08.11.2013
mahari November 10, 2013
hiiiiiiiiiiiiiiiiiii zikeberka hawina tesifay stihufika walahatini tihizito yebilun emoka abzi ewan hager ab hadega kola abkindi filitekan temokirekan akafilika ahiwatka tenikih kemzi oanet nay histanat steweta aygidini eseyas agame ekun eritrawi aykonene eti guday hizimi ebidel alo nedihino ab kalai haliwesa keyatena hizibi nimidihan ejamina nebrkit sesenyu nikulu delay fitihi
ካብ ክንዬ ዓለም November 10, 2013
It’s as much educational as it it entertaining. The derogatory word is also used by “Amharu” against both Eritreans and Tegarus. Amharu don’t clearly see any difference between Tegaru and Eritreans (Tigrna as well as nontigrina).
Your piece begins with anecdote of your childhood. I presume that your argument reflects only the attitudes of Asmarinos (who used to buy Beles nay Sanya ) of the old time. I wonder if such derogatory word as “Agame” is also used by the current generation of Eritreans both in the city or Asmara as well as out side the capital. Lhaga (accent) is the main identifying marker for an Asmarino to call one “Agame”. People at the border share the same accent with some part of Tigray and thse Eritreans may have apparently felt bad about it.
Semere November 10, 2013
Mr. Daniel
Very deep analysis! Thank you so much. It is high time we start respecting or brothers and sisters from Tigrai. It has been said several times in this page, but some fail to understand. The humiliation they suffered in Eritrea is beyond any limit. We can’t reverse history, now it is backfiring on us. One of classmates in Comboni College was from Tigrai, nobody ever called him by name except “ዓጋመ”. I believe we inflicted on him incurable self-hatred. ዝሃረመ እንተረስዐ ዝተሃርመ ነይርስዕ::
delayifethi November 10, 2013
The Author’s point is nonsense and it is not timely. what we need now is information & discussion how to fight against HIGDEF. What else DIA is not acting or working for Tigray. As a power greed person, He is working to enlongate his power. In othe rwords dictators dictator their people just to remain in power.but not b/c ther is animosity with the people. E.g HITLER, Mousolini, Mao, Fidel Castro, Albeshir, Meles Zenawi, Mubarek, Ghadafi, Isias, Mugabe. By the way In Eritrea or Ethiopia for centuries people have been immigrated to and from for different reasons. And there are ten thousands housholds who have immigrated from Ethiopia , and Tigray. And nobody care whether this house or that house origin is from Tigray, Dembia , Agew or the like. Only for political purposes or only the weak people use the word Agame in order to associate with some a group against another group or person. Even the leaders in Ethiopia who have Eritrean origin use the word ” Eritrea” or he/she is an Eritrean , to attack somebody else. Suppose even some woyane leaders ( i.e who have Eritrean blood ) use Eritrea to attack some one else.
MightyEmbasoyra November 10, 2013
From this article, we should raise the main question – why were we calling the whole population of Tigray as Agame?
My answer to that was because most of the Tigray people who were migrated to Eritrea (not just Asmara, mind you) is to find jobs (like what we Eritreans are doing now by the way). Most of these were low skilled (just like us now by the way). So, for any person who is doing low level skilled in another country, I can find you names any where in the world.
Take a look Eritrean working in the middles east, I am sure they called them Abid (Barya) – this is not in a good way. In other parts of the world is not that different as well.
So, if Eritrea has to continue under isayas like this, the name will be reversed very soon. Even in Ethiopia, people will start calling “why don’t you call Eritrean?” – to do the lowest job. God forbid.
So, Daniel’s theory make sense to me – isayas, monkey, kisha, etc are now they are getting even. I guess we should apologize and if they can forgive us.
eritrean November 10, 2013
Isaias is Hamasienay. If he weren’t he wouldn’t have expelled all the agame out of Eritrea. Neither would he have blown up the agame in Tigray. You Daniel are the agame!
eritrean November 10, 2013
One more thing, your mother must have been a saint. Other mothers would have aborted an ugly child inside and out such as yourself.
Tes November 10, 2013
Eritrean,
Shame on you. May be you are agame too. No confident Eritrean call him/herself Eritrean. 60 alata.just shut up.
eritrean November 12, 2013
LOL
tekeste November 10, 2013
You words shows how ignorant you are. Educate yourself before making such non sense comment. A typical brainless pfdj supporter.
daniel s. tesfai November 11, 2013
ንሳኻ፡ እንታይ’ዩ ስምካ’ሞ? እወ፡ ከም’ቲ ዝበልካዮ ኣደይ መልኣኽ እያ ነቢራ። ብፍቕሪ ተወሊደ ኣብ ፍቕርን ጽቡቕ ስነምግባርን ዝዓበኹ ወዲ ሓላል እዬ። ኣዴኻ ግን ስለምንታይ ክትወልደካ ተገዲዳ ክፈልጥ ም’ደለኹ። ምናልባት ናይ መስደድ ጥንሲ ሰልዲ ዘይነበራ ጭንቕቲ ትነብር። ንስኻ ድማ ምዕባይካ ስኢና ድማ ናብ ጽርግያ ዝደርበየትካ ትመስል። ባህልኻን ቋንቋኻን ኣተሓሳስባኻን ናይ ኣብ ጽርግያ ዝዓበየ ዕዋላ እዩ። ክንዲ ሓንጎል ደርሆ ትኣክል ሓንጎል እንተትነብረካ ነቲ ዝተጻሕፈ ክትርድኦ ምኸኣልኻ። ክንዲ ሑጻ እትኣክል ሕልና እንተተህልወካ’ውን እቲ ሕዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ ዘሎ መዓት ምተሰማዓካ። ክንዲ ጣፍ ትኣኽል ትብዓት እንተትህልወካ ከኣ ንርእይቶኻ ገጽካን ስምካን ኣሳጢሕካ ብትብዓት ም’በልካዮ። ንስኻ ግን፡ ምስኪናይ፡ እዚ ኵሉ የብልካን። ንስኻ፡ ገጹን ስሙን ከዊሉ ተሓቢኡ ዝጽሕጽሕ ጃጃዊ ኢኻ። ንስኻ፡ ስምን ገጽን ዘይብሉ፡ ኢሳያስ ዝሰርሖ መንነተኣልቦ ፋንቶም ኢኻ። ንስኻ ኣይህሉውን። ‘ኤርትራዊ’ ኢልካ ድማ ንነፍስኻ ሰሚኻያ! ከምቲ ሕዚ ኤርትራ ሓሲራቶ ዘላ ግን ነቲ ስም’ውን እሓድገልካ። ሓደ ብኤርትራውነቱ ዘይጠራጠር ሓቐኛ ኤርትራዊ፡ ኣነ ኤርትራዊ’ዬ! ኢሉ ክእውጅ ኣየድልዮን እዩ።
ብጣዕሚ ዓይነ ሕፍረት ዘይብልካ ምዃንካ ድማ ተዓዚበ። ሓደ ሓቀኛ ኤርትራዊ በቲ እንግልዝኛኻ ክጽሕፍ ም’ሓፈረ። ንስኻ ግን ብእንግልዝኛ ጽሒፍካ ምሁር ክትመስል ያኢ እዩ ዝኸውን እቲ ዕላማኻ። እንግሊዝኛኻ ካብ ምንባብ ግን፡ ንዓኻ ጥራሕ፡ በቲ እትፈልጦ ቋንቋ- ሓንቲ- ቃል ክትዋሳእ አፍቅደልካ ኣሎኹ።
Hazhaz November 11, 2013
እንተ ተረዲእዎስ ወሓለ መልሲ እዩ።
“‘ኤርትራዊ’ ኢልካ ድማ ንነፍስኻ ሰሚኻያ! ከምቲ ሕዚ ኤርትራ ሓሲራቶ ዘላ ግን ነቲ ስም’ውን እሓድገልካ። “
eritrean November 12, 2013
You are a big rat, not worth talking to.
filmon November 10, 2013
Very deep analysis,,,,,well said , when we are being humilated (HABESH)By the Sudanese and other arab people I remember the wise saying,,,,ID SHENAHIT TSENAHIT
tom November 10, 2013
essyase is agame ,so do you thank yemane brya RIP is hife agame had a problem of hatrd all i now about yemane is love .
samson November 10, 2013
You mentioned that Yemane Monekey’s mother is agame too. I have a great respect for all Tigrians, but his mom is not from tigray. If any women who sells Sewa and Mess are from tigray they yes, you are right. Please do not write boldly as if you know, something that you don’t know at all. Even Issayase’s grand mom, “Adey medhin Berad” she is not from Tigray.She is from Tsilima. Ask elder people from that area. but because she use to sell Mess the agame name was taged to her.
TESFALIDET November 10, 2013
Samson please don’t be dishonest. If you have the highest respect for all tigrai people why are you ashamed to call isayas heritage is from tigrai. DO not take my words for granted. Read ” THE HISTORICAL DICTIONARY OF ERITREA” .It is sanctioned by Isayas himself. In the dictinary it says his grand mother came some where from tigrai inderta. it does not say Agame. His father afewrki abreham was the brather of dejazmach solomon abreha from tembien. His father was a government employee at the minestry of agreculture and he lived in mekele till the day of independence. DON’T LAY READ THE DICTIONARY.
Kombishtato November 10, 2013
The greatest honour and complement one give anybody these days is to call him or her Agame! The people that we, the Asmarinos, normally call “Agame” are the Tigriniya speakers south of the Mereb river, including some Eritreans who have a similar Tigrayan accent by geographic proximity to the border location or to the Eritreans who grew up in Tigray. Though, as many of you may have noticed, the Tigrinya accent with in Eritrea is becoming almost one, because of the Ghedli experience and Hagerawi agelglot influence as well as the media centralization in Asmara. In addition, even the old local accents in northern Tigray such as Shire, Adwa, Rama and Adigrat are dying out. This is simply because languages are living materials and they evolve with the expansion of governance, media tech, trade, economics, art and culture.
Historically the area called “Agame” was only a name of a district around Adigrat, it the ignorant Asmarinos who lumped everything as the Amharas still call us Tigrinya and Tigre speakers “Agamie”.
Thanks to Shaebia and Ghedli in general, the worst place to be born and grow up has become Eritrea. It is land, we, the Eritreans are treated as Hgedf slaves in Eritrea and as Arab Abeeds any where in the Arab world. As the people we call Agames grow and master the entire Horn of Africa, it is, we, Eritreans who have become slaves in the Arab world, even if we burn our own languages to look Arabs and the shame of Africa, as we drift everywhere in search refuge all over Africa and the Arab world, and die in the sea wantonly in hundreds.
These days, there is one place to be ashamed of being associated with in Africa and that is Eritrea.