Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግደ ሓቂ – ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን

ግደ ሓቂ ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን “ዓጋመ!” “ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን” “ዓጋመ!” “ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!” “ዓጋመ!” “እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!” ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ

ግደ ሓቂ

ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን

“ዓጋመ!”

“ካብ ዓጋመ ዘይተወልደስ ኣይጭዋን”

“ዓጋመ!”

“ጎይታኻ! ቀደም ጎይታኻ፡ ሕዚ ጎይታኻ። እቲ ስሬኻ ኣውሊቑ መዓኰር መዓኰርካ ዝሻሙጠካ ዝንሄ ተንቤናይ ዓጋመ’ዶይ’ኮነን!”

“ዓጋመ!”

“እሾኽ ዓጋም’ውጋኣያ’ኖኻ ኣንታ ጥልቁይ ንኖኡ ኣጽሩፉ ንኖይ ዘጽርፍ!”

ንመጠረስትኡ እቲ ‘ዓጋመ’ ነዲሩ መቝለብ በለሱ ኣልዓለ። እቲ ጸራፊ ጢጥ ተወንቀፈ። ዘሕዝን’ዩ እዛ ንእሽቶይ ፍጻሜ ብደረጃ ግዙፍ ታሪኽ’ውን ደጊማ ተፈጺማ። ዘገርም እዩ ካብ መቍለብ በለስ ኣይተማሃርናን። ካብ’ቲ ኵናት ባድመ ድማ ኣይተመሃርናን። እቲ ዘይተማሃርናዮ ንሰብ ዘይምሕሳር፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዘይምብዳዕ እዩ።

ኣደይ ለባምን ትኵርቲ ተዛራቢትን እያ ነቢራ። ሓንቲ መዓልቲ፡ ኣብ’ቲ እግሪ ኣባ ሻውል፡ ገለ ቈልዑት በለስ በሊዖም ከይከፈሉ ናብ ኵሉ ኩርናዓት ሃደሙ። እቲ በዓል በለስ መቍልቡ ኣልዒሉ ንዝስዕቦ ስኢኑ ግን ቀዚዙ ተረፈ። ንሱ እንክጓየ ነተን ኣብ ዘንብል ዝተረፋ ክሰርቁ ዝጽበዩ ዝነበሩ ካልኦት ቈልዑት እውን ኣስተብሂሉሎም ነበረ’ሞ ኣምሪሩ ጥራሕ ተራገመ። ኣደይ ናብ’ቲ በዓል በለስ ቀሪባ፡ “ስማዕኒ’ዚ ወደይ፡ እቲ ዝገበሩኻ ጽቡቕ ኣይኮነን። ቈልዑት ኴይኖም እዮም። ንስኻ ነቲ ምርጋምካ ኣቋርጽ ኣነ ድማ ገንዘብካ እኸፍለካ ኢላ ዓሰርተ ሳንቲም ሃበቶ። እቲ በዓል በለስ ከኣ ሽዑ ንሽዑ መርገሙ ኣቋሪጹ ክምርቕ ጀመረ። ክሳብ ገዛ ንበጽሕ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ተግባር ካብ ምዝራብን ምሕዛንን ኣየቋረጸትን። “ኣይግብርን! ኣይግብርን! እዚ ኵሉ እሾዅ ተወጊኡ፡ ክሳዱ ክሳብ ዝስበር ኣብ ርእሱ ዘንቢል ምሉእ ተሰኪሙ ነቲ ምሉእ ዓቐበት ዓርበ ሮቡዕ ደይቡ’ስ ጽጉባት ደቂ ጽጉባት ክሰርቁዎ ኣይግብርን!” ኢላ ጎሃየት። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ኢላ ድማ መሰለት። ዝኾነት ዝፈጸምናያ ሕማቕ ተግባር፡ ዝኾነት ካብ ኣፍና ዝወጸት ሕማቕ ቃል ንቕድሚት ሓሊፋ ጸኒሓ ሕኔኣ ከምእትፈዲ ከኣ በለትኒ። ከም’ዚ ዝኣመሰለት ኣደ ስለዝነበረትኒ ዕድለኛ’ዬ።

ነዚ ዘረባኣ’ዚ ክሳብ ሕዚ እሓስበሉ። እሕልዎ ከኣ። ብዙሓት ትግራዎት ኣዕሩዅቲ ድማ ነቢሮሙኒ። ሕዚ’ውን ኣሎዉኒ። ሕማቕ ኢሎሙንን ገቢሮሙንን ድማ ኣይፈልጡን። ነቲ ዘረባ ኣደይ ዘኪረ ድማ ሓንቲ መዓልቲ ከም’ዚ ሓሰብኩ። እቲ ብቈልዑትና ‘ዓጋመ’ ኢልና ክንጻረፍ፡ እቲ ቈልዓ ኢሳያስ እውን ኣብኡ ነቢሩ እዩ። እቲ ጸርፊ ሓያሎ ዝብልሑ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ኵናተ መልሓስ እዩ። ኤርትራ ናብ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ኣምር ኣማዕቢላቶ፣ ድኻ፡ ለማኒ፡ ረሳሕ፡ ተንኮለኛ፡ ጠላም፡ ደንቖሮ … ዝኣመሰሉ ንውርምናታት የጠቓልል። ንኤርትራዊ፡ ‘ዓጋመ’፡ ስጋ ዝለበሰ ‘ክፍኣት’ እዩ። እዚ ኵሉ ግን እቲ ኤርትራዊ’ውን ዝኾኖ እዩ። እዚ፡ እቲ ኤርትራዊ ንነፍሱ ኣብ መስትያት ርእዩ ናብ ካልኦት ዘንጸባረቖ ምስሊ እዩ። እቲ ቈልዓ ኢሳያስ ድማ ነዚ ኵሉ ጸርፍታት’ዚ ሰሚዑዎን፡ እቲ ጸርፍታት ድማ ከምዘይሓልፍ ወጊኡዎን እዩ ኢለ እግምት። ኢሳያስ ብዛዕባ ተወልዶኣዊ መበቈሉ ግርም ዝፈልጥን፡ ብመበቈሉ ከኣ ስኾርዕን እዩ እንትምንታይ ስድራ ቤቱ መበቈሎም ዝፈልጡን ብኡኡ ዝኾርዑን እዮም። ኣነ ክሳብ ሸውዓተ ቀመ ወለዶይ እፈልጥ። ወዲ መን ኢኻ? ተስፋይ’ከ ወዲ መን? … እንዳተመሃርኩ እዬ ዓብየ። ኵሉ ኤርትራዊ ብዛዕባ መወለዱ እንዳተማህረ እዩ ዝዓብዩ። ኢሳያስ ግን፡ ከምቲ ኣብ መወለድን መበቍል ዓድን ካልኦት ዘሎዎ ተገዳስነት፣ ክሳብ ዓሰርተው ኣርባዕተ ሓረግ መወለዱ ከም ዝፈልጥ እስምዓኒ። ኢሳያስ ብዛዕባ ሓደ ሰብ ክሕበር ክደሊ እንከሎ እታ ፈለማ ዚሓታ ሕቶ ‘ኣበይ’ዩ ዓዱ?” እያ። ከምቲ ንስነ ኣእምሮኡ ንፈልጦ ከኣ፡ ጽሉል ቂመኛ እዩ፡ ሓንቲ መዓልቲ መን ምዃነይ ከርእየን እዬ! እንዳበለ ከም ዝዓበየ እኣምን። እንሆ ድማ ሕዚ የሰራስረና፡ የሰራጥየና፡ ይኣሰረና ይቐትለና፡ ካብ ዓድና የሳጉጎና ኣሎ። ነታ ክልተ ሜትሮ መቓብርን ንቡር ስነስርዓት ቀብርን እኳ ኣብ ገዛእ መሬትና ነፊጉና። እቲ ሽዑ ብቍልዕነቱ ኣደይ ዓሰርተ ሳንቲም ሂባ ከይተደዓዕሶ እኳ ዕድልና ሓሚቑ ኣይተራኸቡን።  ኣደ የማነ ገብረኣብ እውን ትግራወይቲ እየን። እቲ ኵሉ ኣዲኡ ክጽረፋ ንየማነ ኣይግድሶን ነቢሩ ክበሃል ኣይከኣልን። በዓል ክሻ ከኣ … ።

እዚ ተሞክሮ’ዚ ንስነ ኣእምሮኣዊ/ማሕበራዊ/ ውልቃዊ ቅርጻ ጠባይን ፖለቲካዊ ኣረኣእያን ኣሰራርሓን ኢሳያስ ንበይኑ ወሲኑ ክብል ኣይክእልን። እቲ ደረጃ ጽልኡን ጭከናኡን ንዕቀቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣዝዩ ዘንገፍግፍ ኴይኑ ስለምንታይ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ወትሩ ምስ ሓሰብኩን ምስ ተጨነቕኩን እዬ። ነቲ ኣብ ላዕለኢ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ቶሎ ክነጽጎ ኣይከኣልኩን። ኢድ ሸናሒት ጸናሒት ንከንቱ ኣይተባህለን።

 

ኵሎም ተግባራቱን ዘረባታቱን ከምዘረጋግጽዎ፡ ኢሳያስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣፍቂሩዎ ኣይፈልጥን እኳ’ድኣ  ካብ ልቡ ይጸልኦ። ክብትኖን ከጽንቶን ከኣ’ዩ ተበጊሱ ዘሎ። ኢሳያስ፡ ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ንሰላሳ ዓመታት ተቓሊሰ! ኢሉ ይምካሕ’ዩ። እንተኾነ፡ ቀሪብና እንተተዓዘብና፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከም መሳርሒ ናብ ዝዓበየ ስልጣን ኢትዮጵያ ንኽጥቀመሉ ከም ዝተጋደለ ንርዳእ። እቲ ንተጋዳላይ ክጋደል ዝገበረ ቀንዲ ደራኺ ፍቕሪ ህዝቡ እዩ። ኢሳያስ ግን ብዛዕባ ፍቕሪ ህዝቡ ሓንቲ ቃል እኳ ኣተንቢሁ ኣይፈልጥን። ንህዝቢ ብቓለ ሓይሊ እንተዘይኴይኑ ብቓለ ፍቕሪ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። ‘ህዝቢ’፡ ‘ኤርትራ’፡ ‘መሬት ዓደቦና’ ኢሉ ይጠቅስ እዩ። ‘ፍቑር ህዝበይ’፡ ‘ፍቕርቲ ሃገረይ’ ዝብላ ሓረጋት ግን ካብ ኣፉ ክወጻ ፍጹም ሰሚዐ ኣይፈልጥን። ነዚ ድማ ብቑዕ ምኽንያት ኣሎዎ። ኢሳያስ፡ እንትርፎ ንነፍሱ ንዘፍቅሮን፡ ንዝድነቐሉን፡ ንዝንእዶን፡ ንዝሓልየሉን ንዝኣምኖን  የብሉን። ኢሳያስ እቲ ፍጹም ናርሲስት እዩ። ካብ ናርሲስትነት ዘይፍለ መንታ ጠባይ ከኣ ቅንኢ እዩ። ቅንኢ ኣብ ዝሃለወሉ ቦታ ከኣ ጽልኢ ኣሎ። ስለ’ዚ፡ ኢሳያስ፡ ካብኡ ንላዕሊ ንዝተፈቕረ ይቐንኣሉ፡ ይጸልኦ፡ የጸልሞ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝተደነቐ የናእሶ፡ ይቐትሎ። ካብኡ ንላዕሊ ንዝሓለየ ይጥርጥሮ፡ የካፍኦ፡ ይቕንጽሎ። ኢሳያስ፡ ንዝኾነ ኣብ ሓቅነት ተሞርኵኡ ዝምክቶ ኣይፈቱን። ካብኡ ንላዕሊ ዝኾነ ኴይኑ ስለዝስምዖ ከም ዕቁር መወዳድርቱ ወሲዱ  ይቕንጽሎ። ኢሳያስ እቲ ንበይኑ ፍጹም ሓሳባትን ስልጣንን እዩ። ኢሳያስ ልዕሊ ሕማቕን ጽቡቕን ዝኸደ ክሊኒካዊ ጽሉል/ፕሲሾፓት/ እዩ። ግን ከኣ እንታይ ከምዝደሊ ዝፈልጥ ጽሉል። ናብ’ቲ ዝደልዮ ንምብጻሕ ከኣ ዝኾነ ክገብር ድሉው ዝኾነ ጽሉል። ኢሳያስ ናብ ስልጣነ ኣማልኽቲ ዝመጣጠር ዕቡድ እዩ።

ኣብቲ ደርጊ ዝወደቐሉ እዋን፡ ኢሳያስ፡ ስሙን ግብሩን፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ’ውን ግኑንን ተፈታውን ነቢሩ እዩ። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ እዚ ውሒጣ”ስ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ክነግስ ዝኽእል ክንሱ’ስ ከመይ ገቢሩ በታ ዕንጭቝሊት ኤርትራ ዓጊቡ ቢለ እሓስብ ነቢረ። ክልተ ነገራት እዮም ዓንቂፈሞ። ነቲ ምስ ኢትዮጵያ በገለ ዓይነት ፖለቲካዊ ዝምድና (ፈደራስዮን፣ ኮንፈደራስዮም …) ተሓባቢርካ ምስራሕን ምንባርን ዝብል ካልኣይ ምርጫ ኣብ መደብ ምንቅቓሕ ናይ’ቲ  መሳርሒኡ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን ህግሓኤን ከም ገለ ገቢሩ ከእትዎ ኣይጎርሐን። ነቲ ንዓመታት ብምሉእ ነጻነት ኤርትራ ዘስከሮ መሳርሒኡ ከኣ ከም መኪና ብሃንደበት ንድሕሪት ክጠውዮ ኣይከኣለን። ሽሕ’ኳ ንህዝብን ውድብን ኤርትራ ናብ መኪና ሰሪሑዎ እንተነበረ፣ እታ መኪና ገና ብሰባት ዝተሰርሐት ስለዝነበረት ንድሕሪት ንኽመልሳ ጊዜ የድልዮ ነበረ። ንነፍሱ ጊዜ ክህብ እውን ፈቲኑ እዩ (ሃገራዊ ውከሳ … ) ። ህወሓት ግን፡ ቀልጢፉ ጎሪሑ መኪናኡ ድሮ ንድሕሪት ጠውዩ ጸኒሑ ንኢሳያስ መኪናኡ ጠውዩ ናብታ ዓባይ ኢትዮጵያ ከቕንዓ ጊዜ ኣይሃቦሮን። ስለ’ዚ፡ ንህዝቢ ከይተወከሰ ብዝቐልጠፈ ኣብ ነጻነት ኤርትራ ኣሚኑ ኣተግበረ። ስለ’ዚ ኣብራያም ያየ ኣእወየ። ህወሓት ብውሳኔኡ ብሓንቲ እምኒ ክልተ ኣዕዋፍ እዩ ቀቲሉ። ሓደ፣ ኣብ መሰል ርእሰ ውሳኔ ኤርትራ ኣሚኑ ስለዘተግበረ ዲሞክራስያውነቱ ኣረጋጊጹ። ዊዒላ ሓዲራ ኤርትራ ናበይ ከይትጠፍኣና ዝብል ሓሳብ ግን ኣብ ድሕረ ኣእምሮኡ ግድን ነቢሩ’ዩ። ካልኣይ፣ ነቲ ሃንጎሊማ መዋዳድርቱ ኣልጊሱ ንኢትዮጵያ ንበይኑ ኣባሕትዩ ገዝአ። ብሸነኹ ኢሳያስ ካብ ድሕሪት ካብ ኤርትራ ብመገዲ ወያነ፡ ንኢትዮጵያ ክቈጻጸር ከም ዝኽእል ኣሚኑ ነቢሩ ክኸውን ዝኽእል። ንሱ ስለዝሰርሖምስ ያኢ ክእዝዞም መሲሉዎ ነቢሩ ይኸውን። ንሳቶም ግን ኣብ መቐመጭዑ ዕንጸይቲ ኣእትዮሙሉ። ብገለ ሸነኻቱ ኮሚካዊ ዳግማዊ ራስ ወልደሚካኤል ይመስል። ኢሳያስ ተቐይሙ፡ ተቈጢዑ ነታ ሓንቲ ዝፈልጣ መልሲ ተጠቕመ። ኵናት! ኣብ’ቲ ኵናት ከኣ ካልኣይቲ ዕንጸይቲ ደርገሙሉ። ኢሳያስ ኣብ ኣነነቱ ብርቱዕ ተረኽበ። እቲ ዝለዓለ ፈላጥ ተዓሽዩ፣ እቲ ዘይሰዓር ዓንተር ተሳዒሩ ኣነነቱ ዓሸውሸው በለ። ድሕሪ ውግእ ናብ ቤት ፍርዲ ከደ። ኣብ ቤት ፍርዲ ከኣ ሰዓረ። እቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስዓሩ ከኣ መረጋገጺ ከንቱነት ናይቲ ዘካየዶ ውግእን፣ ጭብጢ ዕሽነቱን ድንቍርናኡን ኴይኑ ኣብ ቤት ፍርዲ እንተዘይዕር ከምዝምፈተወ ብዓሰርተ ኣጻብዕተይ ምፈረምኩ። እቲ ብውሽጡ መራሕ ኢትዮጵያን፡ ብኡኡ ኣቢሉ ከኣ ተጋዳላይን መራሕን ኣፍሪቓን፡ ሓደ ካብ’ቶም ምሉእ ዓለም እትዛረበሎም ኣደነቕቲ መራሕቲ ዓለምን ናይ ምዃን ሕልሙ ተሓማሺሹ ከኣ ኣብታ ዕንጭቍሊት ኤርትራ ተኾርመየ።  ቍሸታዊ  ዲክታቶር ዕንጭቝሊት ኤርትራ ድማ ኾነ። ዕጽዕጸ ፍሽለቱ ከኣ ኣብ ልዕሊ ምስኪናይ ህዝቢ ኣውረዶ። ንህዝቢ፡ ነቲ ጽሕፍቶ ኣብ ልዕለይ ዘንበረቶ ታሪኻዊ ዕማም ከተፈጽም ኣይበቓዕካን! ኢሉ ጨፍጨፎ፡ ኣሰሮ፡ ኣድከዮ፡ በታተኖ። ኣብ’ታ ንእሽቶይ ኣስቃጥላ ኤርትራ ተዓሺጉ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከኣ፣ ኣለኹ፡ ርኣዩኒ፡ ስምዑኒ! ንምባል በዘሎ የማነ ጸጋሙ ኵናታት ጻሕተረ። ተገዳስነት ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ኣሜሪካ፡ ንምስሓብ ኣሸበርቲ ጉጅለታት ኣብ ፈቐዶኡ ኣቈምን ኣዋፈረን። ነዚ ንምትግባር ከኣ ነታ ብቐደሙ ድኻ ኤርትራ ክሳብ ዓጽመ ኣንጉዓ መጸያ። ዓለም ግን ኣይተገደሰትሉን። ኢሳያስ፡ ህይወቱ እኩብ ድምር ፍሽለታትን ዝመሎቑ ዕድላትን ኴይናቶ ናብ ጽሉል ኣረሜናዊ ቀታሊ ተሰጋገረ። እንሓንሳብ ክድንግጸሉ’ዶ ክጸልኦ ምውሳን ይሽግረኒ እዩ።

ካብኡ ንላዕሊ ዝጸልኦምን ዘደንግጹንን ግን እቶም ነቲ ሰብኣይ ከይተረድኡ ሆ ዝብልሉ ደናቑርን፣ እቶም ተፈዲኡዎም ክነሱ ገና ዘገልግሉዎ ድኹማትን ነፍሰ ኣሕሰርትን (masochists) እዮም። ኢሳያስ መን’ዩ? ናበይ ገጹ’ኸ ይጎዓዝ ኣሎ? ንምርዳእ ክንዲ ሓንጎል ደርሆ እትኣክል ሓንጎል፡ ክንዲ ጣፍ እትኣክል ሓቦ፡ ክንዲ ስርናይ እትኣክል ሕልና ጥራሕ ትኣክል። እቲ ሰብ፣ ሓንጎሉን ጠባዩን ሜላታቱን ሓያሎ ሻዕ ኣርእዩና’ስ፡ ሕጅ’ስ ብቕጽበት ክንርድኦምን ክንምክቶምን እዩ ዝግብኣና ዝነበረ። እቲ ብሜላት ኢሳያስ ምትላልና ድማ ርቐት ኢሳያስ ዘይኮነስ ድኽመት ኣእምሮና እዩ ዝእምት።

 

 

 

 

እስከ ነቶም ገና ኣብ ጎኑ ተሰሊፎም ንዝኾነ ንኢሳያስ ዝተቓወመ  ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝጻረፉ ንመልከት። እቲ ኣምር ‘ዓጋመ’፡ ካብ ዓይኒ ኤርትራውያ ንምልእቲ ትግራይ የጠቓልል። እሞስ ንጎይትኦም’ውን ይጸርፍዎ’ዶ ኣየለዉን?  እዚ ኣብ ኤርትራ ጥራሕ ክስራሕ ዝኽእል፡ ኣብ ኤርትራውያን ጥራሕ ዝሰርሕ ግርግቢጠ ግርንቢጣት እዩ። ኢሳያስ’ከ ነዚ ግርንቢጣዊ ምስትንዓቕ መቦቈሉ’ዚ ከመይ ይጾሮ? ንኢሳያስ ዝኾነ ንጊዜኡ ዘገልግሎ ሜላ ቅቡል እዩ። ንእኖኡ ምጽራፍ ንእሽቶይ ናብ ሸቶኡ ዝደፍእ እንተዄንዩ፡ ንኖኡ ዝጸርፍ ንሱ ቀዳማይ ም’ኾነ። ዓቀይቶቱ ‘ዓጋመ’ ቢሎም እንተተጻረፉ ከኣ ንዕኡ፡ ንጊዜኡ፡ ዝያዳ ኤርትራዊ የምስሎ። ነቶም ተጻረፍቲ ከኣ ዝያዳ ኤርትራውያን የምስሎም። ካብ ኵሉ ድማ ‘ዓጋመ’ ኢሉ ዘየሎ መፈራርሒ ጸላኢ ይፈጥር።

ኣብ ሓንቲ ተራ መዓልቲ ሓደ ተራ ሰብ ገለ ዓሰርተ ሽሕ ርእሰቃላትን ኣርባዕተ ሽሕ ዓንቀጻትን ከምዝጥቀም ሊቃውንቲ ስነዘረባ ይግምቱ። ካብዚኦም ከኣ፡ በሕጊ ሰዋስው ከም ፍትወቱ ኣገማጢሉን ሓዋዊሱን፡ ክሳብ ሽዱሽተን ፈረቓን ቢልዮን ናይ ሓሙሽተ ቃላት ፍጹምሓሳባት ክሰርሕ ይኽእል። ‘ተድኣ ንሓንቲ ፍጹምሓሳብ ክብል ሓሙሽተ ክልኢት ወሲድሉ፡ ነቶም ኵሎም ክሰርሖም ዝኽእል ፍጹምሓሳባት ክብል ሓደ ሚልዮን ዓመታት ምወሰደሉ። ሓደ ሰብ፡ ክሳብ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሕ፡ ክሳብ ሓሙሳ ሚልዮን ቃላት ብከናፍሩ ይሓልፉ። ንዓቕመ ሄዋን ዝበጽሐት ሰበይቲ ድማ ድሮ ሚእትን ሓሙሳን ሚልዮን ቃላት ተዛሪባ ኣላ። ኢሳያስ ግን ንምሉእ ቋንቋ ሰዓብቱ ናብ ሓንቲ ቃል ከምዝጽሞቕ ገቢሩ ኣሎ። ‘ዓጋመ!’ እሞ ንሱ ንዓርሱ ‘ዓጋመ’ ክነሱ! ኢሳያስ ኣይምትሃታዊን’ዶ!  ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ‘ዓጋመ’ ናይ ኵሉ ክምለስ ዘይከኣል ሕቶታት መልሲ፣ ናይ ኵሉ ክሕተት ዘይከኣል ሓተታ፡ ሓተታ፣ ናይ ኵሉ ክግለጽ ዘይከኣል ተርእዮ መግለጺ ኴይና። ብሓንቲ ቃል ዝቈመት ምልእቲ ቋንቋ። ‘ዓጋመ’ ትኣምራታዊት ምህዞ ኢሳያስ እያ። ምናልባት ሲ.ኣይ.አይ. ጥራሕ’ያ እንተተወዳደረታ።

ኢሳያስ ግን ሓደ ወይ ክልተ ሽግራት ኣሎዎ። ቀዳማይ፣ እዞም ምህዞታት እዚኣቶም ቈንቝኖም እዮም። ብዙሕ ሰብ ከኣ ካብ ቃላዊ ጽበቶም ወጺኡ ንተአርእዮታት ብጭብጥታትን ሰነመጎትን ኣወሃሂዱ ደጊሙ ክትንትንን ክረዳዳእን በቒዑ እዩ። ካልኣይ፣ እቲ ቀደም፡ ብቋንቋ ሓንቲ ቃል (ዓማ! ኣብ ግብሪ! …) ዝዋስኡ ዝነበሩ ዓቀይቶቱ ኣቐዲሞም ብምሉእ ቋንቋ ሓሳባቶም ክገልጹ ዝነበሩ’ሞ ድሓር ቋንቋኦም ዝተሓድጎም ነበሩ’ሞ ንቑሕን ዘይንቑሕን ዝካሬ ናይ ምሉእ ቋንቋ ነቢሩዎም። ይውሓድ ይብዛሕ ከኣ ምሁራት ነበሩ። እዞም ናይ ሕዚ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ተዛረብቲ ግን ኣብ ትሕቲ ናይ ሓንቲ ቃል ቋንቋ ዝዓበዩ እዮም ነቲ ንቡር ምሉእ ቋንቋ ኣይፈልጥዎን፡ ኣይሰምዕዎን፡ ኣይተማሃርዎን፡ ኣየንበብሉን፡ ኣይደረስሉን፡ ኣይዘመሩሉን፡ ኣይቐነዩሉን። ነቲ ምሉእ ቋንቋ ኣይዝክርዎን። እቲ ምሉእ ቋንቋ ናብ ሓደ ክልተ ናይ ጽልእን ምትላልን ቃላት ተጸሚቑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ቃላት እዮም ዓብዮም። ቃል ኢሳያስ ጥራሕ ደጕሖም እዮም ዓብዮም። ኣብተን ብሕትቱዋት ሒደት ቃላት ከም ድላዮም ክገላበጡ እቲ ብቕዓት የብሎምን። እቶም ቃላት ፈለማ እንክመሃዙ፡ ካብ ዓይኒ ፕሮፓጋንዳ ተራእዩ፡ ኣገረምቲ ነቢሮም። ዳግማይ ምምሃዞም ግን ናብ ተራ ጥራጥ ቀዪሩዎም። ጻልጣ ድምጽን ክፉእ ሽቶን! ንመጠረስትኡ ከኣ ነቶም ‘ዓጋመ’ ኢሎም ዝተጻረፉ መዓኮር መዓኮር ክጅልጦም ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። እታ ኩርማጅ ኣብ መንደቕ ገዝኡ ተሰቒላ ኣላ። አረ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚራ’ስ ካብ’ቲ መንደቕ ዝወረደት ትመስል።

ዳንኤል ተስፋይ

ጀርመን

08.11.2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
97 COMMENTS
  • Asghedom Woldeghiorghis November 12, 2013

    Pleas can you remove such agly article from web site, you have seen most of the people they don’t like it. Except few ignorant people of Asmara. Eritreans like to insult people. For Amhara Adgi, for oromo Galla, for Arabs mokunut, for tigrians Agame.
    No one likes Issayas and his collaborators, but to put as Agame and he is rivenging for the treatment that Agame got in Asmara is completly wrong and insulting people which are not conserned in the eritrean cause.
    Your website was important for all the people including ethiopians, but now it is becoming like meskerem .com.
    what happen to you to keep this articl so long.?
    Isayas is eritrean and keep him for you, but don’t srorow you weaknes to Agame. Sometimes it is necessary to addmit your weaknes and correct it, but I think to correct Asmarinos is very difficult, they where always kayers.
    Pleas cancell this stupied sudanize face from your website

  • Belay Zeleke Kebede November 13, 2013

    T

  • Belay Zeleke Kebede November 13, 2013

    You are absolutely right Asgedom.You know why that happens? The reason is because very many Eritreans consider themselves as the most intelligent, most hard working, most respected people on earth simply because of their Eritreans etc. Sometimes very difficult to comprehend.I remember once the Eritrean president, Isayas Afeworki himself said “I do not understand why some countries classify Eritrea with the poor or underdeveloped countries in the World?”This was said in a televised press conference some years ago. I am sorry for I have not recorded the whole content of the interview, so I might have made slight mistake in the composition but basically that was the essence of the address he made.Isayas,the one whom Daniel calls an Agame. This is stupid. However, that Eritreans see themselves above and beyond what they actually are is not a surprising issue.Every body knows that most Eritreans are unreasonably filled up with a high sense of Eritrianism.The fact that they like and commit to their nation Eritrea ortheir feeling of nationality is good and very important as well because it will help to rebuild and develop their country when they get the opportunity But what has to be criticized and condemned very bitterly is the feeling that they are supper and try to undermine others.That is not good because that may have far reaching consequences. Learn the English adage “PRIDE GOES BEFORE A FALL”. Look the above article written by Daniel Tesfy,for example.In his writting, he is not insulting Isayas alone but in essence he is undermining the Tigrians calling them the”Agames” because according to him,if his (Daniel’s) mother would have met Isayas, she would have given him ten cents similarly to what she did to the other Agame whose Beles was robbed by some boys. Now, I do not know what Daniel”s job in Germany is, being an immigrant?If I would know what I would have told Daniel, up to the teeth, and show him that people do any job, even trash job, when they are financially handicapped in order to subsist.Please, you Eritreans have to learn from the Ethiopians. We Ethiopian embrace and have high regard to any body, irrespective of his/her origin of birth, who resolutely stands for our economic, political and social betterment or well being.We don’t even reckon where he/she originally from. To what end?Similarly we hate and condemn the tyrant Ethiopians. So you Eritreans, who are obsessed with Eritrean arrogance, have to fight back this attitude so that you can win popularity and have as many friends and supporters as you can to your just cause.This is very very important.

    • daniel s. tesfai November 13, 2013

      ብዛዕባ ዓጋመነትን ኢሳያስን
      ናብ ኵሎም ቈንጨልትን፡ ጎነይትን፡ ኣለይትን ሓሳብትን፣ ኣመኽነይቲ ኢሳያስን፣ ሓብጎል ጨቓዊትን
      ሰላም።
      እቲ ኵሉ ብዛዕባ ‘ዓጋመነትን ኢሳያስን’ ዘርእስቱ ጽሑፍ ዝቐረበ ህዉኽን መርዛውን መልስታትኩም ብዙሕ ኣስሒቑኒ። እቲ ንመልስታትኩም ዝደረኸ ድኹምን ዘይቅዱስን ሕልናኹም ግን ኣጕህዩኒ። ንኵሉ’ቲ ዝጸሓፍኩሞ ቀልቀላዊ ጋዕገልጠምን መሰረት ኣልቦ ምጽላምን ክምልሰሉ ጊዜን ድልዬትን የብለይን። ነቲ ከም’ዚ ንኽትምልሱ ዘለዓዓለኩም ዓቕለ ጽበት ግን ግድን እምልሰሉ ንስለ ጥቕምኹም።
      ብዙሓት ነቲ ጽሑፍ ከም ዓልዬታቲ (racist) ክገልጽዎ ተሃንጥዮም። እቲ ጽሑፍ ግን ጸረ-ዓልዬታዊ እዩ። ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣብ ኤርትራ ዝማዕበለ፣ ንኤርትራውያን ከም ፍሉያት፣ ልዑላት ፍጥረት ዘቕርብ ብድዐ ተጋሩ ኤርትራውያን (ተዛረብቲ ትግርይና ከበሳ ኤርትራ ማለተይ’ዩ) ዘጋልጽን ዚግስጽን ንሕማቕ ሳዕቤናቱ ከኣ ዘጕልሕን እዩ። ኣብ’ቲ ጽሑፍ፡ “ … እቲ ጸርፊ [ዓጋመ]ሓያሎ ዝብልሑ ኣዕጽምቲ ዝሰብር ኵናተ መልሓስ እዩ። ኤርትራ ናብ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ኣምር ኣማዕቢላቶ፣ ድኻ፡ ለማኒ፡ ረሳሕ፡ ተንኮለኛ፡ ጠላም፡ ደንቖሮ … ዝኣመሰሉ ንውርምናታት የጠቓልል። ንኤርትራዊ፡ ‘ዓጋመ’፡ ስጋ ዝለበሰ ‘ክፍኣት’ እዩ። እዚ ኵሉ ግን እቲ ኤርትራዊ’ውን ዝኾኖ እዩ። እዚ፡ እቲ ኤርትራዊ ንነፍሱ ኣብ መስትያት ርእዩ ናብ ካልኦት ዘንጸባረቖ ምስሊ እዩ። ” እዝ’ስ ከመይ ዓልዬታዊ የብለኒ። ኣነ ነቲ ኣብ ብዙሓት ተጋሩ ኤርትራውያን (ንህዝቢ መታሕታት ኤርትራ ኣይምልከትን እቲ ብድዐ ኣይነበሮምን) ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን ኣስተናዓቒ፡ ኣፋሕሻዊ ብሔራዊ ብዱዕ ኣተሓሳስባ እዩ፣ መስጣ ድማ ኣሎዎ እንዳበልኩ’ስ ከመይ ገቢረ እዬ ዓልዬታዊ ዝኸውን! ሓደ ሓሳብ ካብ”ዚ ንላዕሊ ተነጺሩ ክቐርብ ኣይክእልን። እሞ እዚ ንጹር ጸረ-ዓልዬታዊ ርእይቶ’ዚ ከመይ ገቢሩ ናብ ዓልዬታዊ ይቕየር? ነዚ ደናቍርን ኣመኽነይቲ ኢሳያስን ጥራሕ እዮም ዝኽእልዎ።
      ኣብ’ቲ ጽሑፍ ኢሳያስ ኤርትራዊ ኣይኮነን ዝብል ሓንቲ’ኳ የሎን። ወላዲኡ፡ ኣይተ ኣፈወርቂ ግን ትግራዋይ ትግራይ በዓል ተንቤን እዮም። እዚ ሓቂ እዩ። ኢሳያስ ግን ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየ ኤርትራዊ እዩ። እቲ ኤርትራ ንኵሎም ተጋሩ ‘ዓጋመ’ ኢላ እንክተስተናዕቕ፡ እዝ’ስ ኣብ ምቕራጽ ስነ ኣእምሮኡን ፖለቲካዊ ርእይቶኡን’ዶ ተንኪፉዎ ይነብር ዝብል ሕቶ ኣልዒለ ከኣ ከኣ ክምልሶ ፈቲነ። ሓደ ርትዓዊ ሰብ ነቲ መልሰይ ብጭብጥን ስነሞገታዊ ትንተናን ክቕበሎን ክነጽጎን ይኽእል። ዘይተጻሕፈ ኣንቢብካ ንኢሳያስ ኣይኤርትራውን ኢልካዮ ምባል ግን ህዉኽ ዝብእ’ስ ቀርኒ ነኸሰ እዩ። ኪሲንጀር መበቈሉ ጀርመናዊ ኣይሁድ እዩ። ኣዚ መበቈሉ’ዚ ነቲ ሰብን ንናይ ወጻኢ ፖሊሲታት ኣሜሪካ ተንኪፉዎ’ዶ ይኸውን ዝበለ ሕቶ ኣንተኣልዓልኩስ ኪሲንጀር ኣሜሪካዊ ኣይኮነን ከም ዝበልኩ ድዩ ክውሰድ! ኣይርላንዳዊ መበቈል ቤተ ሰብ ከነዲን ፖለቲካዊ ኣቋሞምን ኢሉ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ሰብኣይስ ያኢ ንንዳ ከነዲ ኣሜሪካውያን ኣይኮንኩምን እዩ ኢሉዎም! ንኢስያስ እቃወሞ። ብዙሕ ናይ መቃወሚ ምኽንያትት ስለዘሎ ከኣ ኤርትራዊ ኣይኮነን ኢለ ክዋወሞ ኣየድልየንን።
      ገለ ናይ ኪኖ መረብና ተጋሩ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበረን ገና’ውን ዘሎን ብድዐን ንዕቀትን ተጋሩ ኤርትራ (ተዛረብቲ ትግርይና ከበሳ ኤርትራ ማለተይ’ዩ) ክሰምዑን ክፈልጡን ዘይደልዩ ድርቁሳት ዓምጸጽቲ ሓቂ ክሳብ እቲ ጽሑፍ ካብ ወብ ሳይት ከልግስ ኣተሓሳሲቦም። ነቲ ናጽነት ናጻ ምግላጽ ሓሳባት ኣበይ ቀቢረሞ ኣይፈልጥን። እቲ ድንጉር ርእይቶኦም እኳ ቦታ ረኺቡ!
      ኣሕዋት፣ ዓልዬታዊ ኣይኮንኩን። ኪር! ኪ! ኪር! እቲ ዘስሓቐኒ ዘሎ ነነፍሰይ ከም ዓሌታዊ ጠርጢረያ ኣይፈልጥን ንጸረ-ዓሌትነት ከኣ ከም ውሁብ እዬ ክወስዶ ጸኒሐ። ደናቍርን ኣመኽነይትን ግን ዓልዬታዊ ኣይኮንኩን ኢለ ነፍሰይ ክከላኸል ገይሮሙኒ። ኣማን ብኣማን ድንጕርና ብርቱዕ ሓይሊ እዩ! ጸሪፍካና ኢልኩም ኣይትቀየሙኒ። ገሊጸኩም ጥራሕ’ዬ። ትኵራት፡ ርትዓውያን፡ ተመራመርቲ ኢለ ገሊጸኩም እንተዝነብር እዚ ጸርፊ ምኾነ።
      ሓውኹም ዳንኤል

      • ካብ ክንዬ ዓለም November 13, 2013

        Well said ! Semere. I read your book and found it to be very interesting by the way. Are you by chance writing another book. I would love to read more of your books.

        • daniel s. tesfai November 16, 2013

          i have written another book, “Debdabietat Seytan.” if you are interested to read, send me your postal adr. and i will send you a copy.you contact me thru the FB or my email adr, which is: dantesfai@gmai.com.

      • MightyEmbasoyra November 14, 2013

        Ato Daniel,
        Some of them misunderstood your article and some of them don’t have the patience to read the whole article and some of them have hard time to understand it. However, that shouldn’t be your problem.
        Keep up with the great work!

      • luna November 17, 2013

        Daniel Tesfai: GEDEI HAQUII

        When I read your article I laughed as if someone tickled me. I admire the work you do. The way you write is from a deeper perspective based on reality. Many of us are not familiar with or unwilling to accept other view points. I believe it will help us further explore issues in our national reality with a different angle. The world wide web is a stage where exchange of ideas happen. That is the best thing which has happened.

        Individuals look through their own prism of experiences giving different interpretation to the same topic under discussion. There are many who make comments for the sake of commenting without adding any extra point to what is being discussed. Their point is if so and so wrote and stated his point of view why not me!
        That must not be the motive why one wants to write an article or place a comment.
        In their limited awareness they might be uncomfortable to see someone present truth upfront to a wide audience against their own held belief. Truth and knowledge are powerful tools and some among us are afraid of them. Today, this has become an Eritrean predicament! Very soon, we have to decide where each of us stand in search of democracy and freedom. The journey is an uphill climb and perseverance is needed.

        Some comments, at times are unrelated to topics under discussion. At other times, the grammatical structure is so bad and broken making it hard to figure out what the message is all about.

        Keep up the good job and help us to be better enlightened and thanks.

        • daniel s. tesfai November 21, 2013

          thanks luna. that is the best compliment i got. and god knows sometimes i need it.

  • daniel s. tesfai November 13, 2013

    Asghedom W/gioeghis and Belay Zeleke Kebede – you two have totally misunderstood or wanted to misundetstand the content and message of the article. pls read again.

  • sembelawi November 27, 2013

    ክንዳኻ ዘይ ኣኽላስ ብኣኻ ይወዓላ !! ጉዳይኩም ዘይትገብሩ፣ መዋእሉ ተቓሊሱ !! ካብኡ ንላዕሊ ኤርትራዊ ክትከውን ኣይትፈትን፣ ስርሓላ ንሃገርካ !!

1 4 5 6

POST A COMMENT