ጌም ኦቨር
ጌም ኦቨር ወድ ዓድ ካብ ስደት ዕለት 30 ሓምሌ 2018 ሓደ ኢድ ኲና ንህግደፍ ንበሎ ጌም ኦቨር ጌም ኦቨር ንበሎ ዶባትና ክኽበር ጌም ኦቨር ንበሎ ቅዋምና ክትግበር ጌም ኦቨር ንበሎ ነዚ በዓል ኣበር ********** ምሕንጻጽ ዶብ ክብል ልብና ዘሕበጠ ንብዙሕ ዓመታት ህዝቢ ዘዕለበጠ ኣፍ እንዳ
ጌም ኦቨር
ወድ ዓድ ካብ ስደት
ዕለት 30 ሓምሌ 2018
ሓደ ኢድ ኲና ንህግደፍ ንበሎ ጌም ኦቨር
ጌም ኦቨር ንበሎ ዶባትና ክኽበር
ጌም ኦቨር ንበሎ ቅዋምና ክትግበር
ጌም ኦቨር ንበሎ ነዚ በዓል ኣበር
**********
ምሕንጻጽ ዶብ ክብል ልብና ዘሕበጠ
ንብዙሕ ዓመታት ህዝቢ ዘዕለበጠ
ኣፍ እንዳ ዓበሰ ብማሕዩርን ብጥይትን እንዳ ዘበጠ
እንቋዕ ተቃልዐ ኣርቲፊሻል ቆርበቱ ተቀንጠጠ
**********
ሃየ ንበራበር ይትረፈና ድቃስ
ክነፍስ ጀሚሩ ናይ ምቕያር ንፋስ
ብዙሕ ኣይንፍተዋ ሓንቲ ኢያ ትንፋስ
ሓቢርና ንእለዮ ነዚ ሰንካም ፈስፋስ
**********
ወዮ ዝተሓብአ ምስጢሩ ተቃሊዑ
ተደሚርና ምስ በለና ኣዳዕዲዑ
ሃገርና ከሸይጥ ክልውጥ ሰላሊዑ
ብዙሓት ፈሊጦምዎ ነይሮም ብኣግኡ ብሽዑ
**********
ኣበይ’ሞ ከብል ንህዝብና ኣሽኪዑ
ንኽንደይ የዋሃትን ሃሱሳትን ኣዘንጊዑ
ወዮ ንዓመታት ዝተሓብአ ቁስሉ ነቲዑ
ክሕባእ ይፍትን ኣሎ ምትፍናን ወሊዑ
**********
ንጌም ኦቨር ፈቲኑ ክገብሮ መሸቀጢ
ምስጢሩ ጓሕጒሑ ኣውጺእዎ ካብ ከርሲ ካብ ውሽጢ
እነሆ ኮይንዎ ሓያል መቀጥቀጢ
ናይ ዕርበቱ ዋዜማ ናይ ኣርቲፊሻል ክብረቱ መቀንጠጢ
**********
ጌም ኦቨር ንበሎ ሕጂ’ዩ ሰዓቱ
ናብ ልብኹም ተመለሱ ኩሉኹም ሰዓብቱ
ብናቱ ገበን ከትኽሰሱ ምስኡ ከይትጉተቱ
እንሆ ወዮ ንሕና ንሱ ንሱ ንሕና ዝበልኩምዎ ፋልሶ ኾይንኑ ከንቱ።
* * * * * * * * * *
ኣንቲ ኤረይ ኩሕሎ
ራህዋኺ ቀሪቡ’ሎ
ጠላማይ ክዕሎ
AHMED SALEH !!! August 30, 2018
Ayte Misghina
Eritrea is not Axum . Get the picture.
memhir September 2, 2018
Ahmed
What are you talking about regarding this “Ayte Misghina”?
AHMED SALEH !!! September 2, 2018
My response was for deleted comment .
Haregot September 2, 2018
And what was the deleted comment?
Eri September 26, 2018
Medemer malet 1+1 = 2 eyu