Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ

ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ  መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ `` ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ ``። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ 

ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ  መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ “ ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ “። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ  ኲናት ኢትዮ ኤርትራ  ጉዳይ ቅዋም ንመጀመርታ ግዜ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክጥቀስ ክንሰምዖ ከለና ቅድሚ ብታሕጓስ ወይ ብጓሂ ምቕባልና ኣቐዲምና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምሕታትን ካባኣቶም ክብገሱ ዝኽእሉ ተንታናትን ናብ ህዝብና ምቕራብ ሓጋዚ ኮይኑ እስመዓና።

ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራብ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን።  የግዳስ እዚ ናይ ርእሰ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መግለጺ ኣብቲ ዝደርበዮ ዓጽሚ ንእሽቶ ስጋ እንተለዎ ሃሰስ ምባል ከድልየና እዩ።

1-  ድሕሪ ኲናት-ኢትዮ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ቅዋም ኢሉ ክዛረብ ከሎ ካብ ውሽጣዊ ድዩስ ወይስ ካብ ናይ ደገ ተጽዕኖታት? ዶ ወይስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት? ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት እንተኾይኑ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መግለጺታቱ ብኸመይ ክተዓረቕ ይኽእል?

–    ሀ)  ቅድሚ ሕጂ፡ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ናይ ዶብ ሕቶ ከይተፈትሔ ብዛዕባ ቅዋም ክንዛረብ ኣይንኽእልን እዩ ክብል ዝጸንሔ። ሕጂውን እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ከምቲ ዝጸንሖ እዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ ኣምበር ፍታሕ ኣይተረኽበሉን። እሞኸ ደኣ እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋም ኣይንዛረብን ምባሉ ድዩ እቲ ጌጋ ኔሩስ ወይስ ሕጂ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራቡ?

–    ለ) ፕረሲዳንት ኢሰያስ ንቅዋም ዝኣክል ዓቢ ሃገራዊ ንብረት ከም ተራ ቁራጽ ወረቐት እዩ ክገልጾን ከቋናጽቦን ጸኒሑ። ሃገርና ብሕጊ እያ ትምራሕ ዘላ ቅዋም ኢልካ ኣብ ወረቐት ስለ ዘስፈርካ ኣይኮነን ክብል ብባጫ ዝምልሰሉ እዋን ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። ሕጂኸ እቲ ክምረሓሉ ዝጸንሔ ሕጊ ኣበይ ስለ ዝጠፍኤ እዩ ናብ ቅዋም ከምርሕ ዝመረጸ? ዶ ወይስ ብዓንተባኡ ዝምራሓሉ ሕጊ ስለ ዘይነበረ እዩ ሕጂ ናብ ናብ ሕጊ (ቅዋም) ምኻድ ዝተመርጸ? ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር ከከምዝጥዕሞ ናይ ሳልስቲ ፖሊሲታት ምውጻእ ኣመሉ እኳ እንተኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገርና ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ ከለዓዕል ዝኽእል ዕእቢ ጉዳይን ናይ መርገጻት ምግልባጥን ግን ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

2 – ብዛዕባ ቅዋም ክለዓል ከሎ ኣብ ደንበ ተቓውሞ እውን ዳርጋ ኣብ ክልተ ዝተገሞዐ ኣረኣእያ ከምዝነበረ ይረደኣናዩ። እቲ ሓደ ቅዋም ይተግብር ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ  ብሓባር ዘርቅቖን ብሓባር ዘጽድቖን ብማዕረ ናትና ዝብሎ ቅዋም ንግበር ዝብል እዩ ኔሩ። መግለጺ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ንኽልቲኡ ርእይቶታት ኣይሰምዕን እዩ ዝብል ዘሎ። ነቶም ቅዋም ይተግበር ክብሉ ዝጸንሑ ናይ ፕረሲዳንት ኢሰያስ መልሲ፡ እቲ ቅዋም – እቲ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ቅዋም ኣይትግበርን እዩ። ካልእ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎን ዘይወዓልኩሙሉን ቅዋም ኢና ከም ብሓድሽ እነርቅቕ እዩ ዝበለ። ነቶም ኩላትና ብሓባር ሓድሽ ቅዋም ሓንጺጽና ነተግብር ክብሉ ዝጸንሑ እውን፡ ተስፋ ዘንብር መልሲ ኣይሃበን። መንዩ ከርቅቖ፡ መንዩኸ ከጽድቖ ዝብል ዝሃቦ ዝርዝር እኳ እንተዘየለ፡ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣብ ንግሆ ዕለት 24 ግንቦት 2014 ተበራቢሩ ሓድሽ ደሞክራሲያው መንፈስ ዓሲልዎ ኣሳታፊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከንግስ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራሕ እዩ። ኣሳታፊ ቅዋም ምርቃቕን ምጽዳቕን፡ ንባዕሉ ዕምሪ ኢሰያስን ስርዓቱን ዘሕጽር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንምንታይ ደኣሞ ሕጂ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቕታ ብዛዕባ ቅዋም ክዛረብ ተገዲዱ?

 

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጸቕጢ ክበዝሖ ከሎ ጥራሕ ምዃኑ ዘጉስዕ ካብ ተመኩሮ ክንሪኦ ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብ ወትሩ ንላዕሊ ጸቕቲ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን። ግዳማዊዶ ውሽጣዊ ጸቕቲ? ኢሰያስ ኣፈወርቂ ይኹን ካለኦት መለኽቲ ስርዓታት ንኹሉ ንለውጢ ዝጠልብ ኣካል ንዘለኣለም እናጨፍለቑ ክኸዱ ዝከኣኣሎም ኣይኮነን። ህዝቢ ይኣክል ዝብለሉ ሰዓት ክመጽእ ከምዝኽእል ታሪኽ ይምህረናዩ። ሕጂውን እንተኾነ ህዝብና በቲ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ዝጸንሔ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣደራዕ  ኣብ መጨረሽታ ደረጃ ምጽማም በጺሑ ምህላዉ ንርኢ ኣለና። ሃገራት ኤውሮጳ ይኹን ማሕብረሰብ ዓለም  ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣስደሚምወን ክዛረባሉ ጀሚረን ከምዘለዋ ንሰምዕ ኣለና። እቲ ብዘይካ ዘጣቓዓሉ ህዝቢ እምበር ዝሓለፈሉን ዝቐሰነን ህዝቢ ክርኢ ዘይደሊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ነታ ናይ ስልጣን ኮረሽኡ ዝሕልወሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ይስእን ስለ ዘሎ እውን እዩ ብ ደ.ም.ህ.ት ዝሕሎ ዘሎ።

 

ስለዚ እቲ ጸቕጢ ብኹሉ እዩ። ናይ ዓለም ሕብረተሰብ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ዝረኤ ብቦምብን ፈንጂታትን ኣባይትን ደቂ ሰባትን እናኣዕነኻን እናኣጥፋእካን ኣይኮነን ኣብ ኤርትራ ኣዒንቱ ክኸፍት ጀሚሩ ዘሎ። ኣብ ናይ ምርጫ ሳንዱቕ ክውዕል ዝግበኦ ነጻ ድምጹ ተነፊግዎ፡ ንዓለም ከዛርብ ብዝኽእል መንገዲ በእጋሩ ከድምጽን ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ከምርሕን ምስ ጀመረ እዩ  – እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ? ኢሉ ክሓትት ጀሚሩ ዘሎ። እዚ ናይ ሕጂ ናይ ማሕብረሰብ ዓለም ኣቓልቦ እናዛየደ ዝኸይድ እምበር ደው ክብል ዝኽእል ኣይኮነን።  እቲ ናይ ህዝቢ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ እውን እንተኾነ ካብቲ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ዝያዳ ዝጎሃሃርን ዝብርትዕን እምበር ካብኡ ንታሕቲ ዝረኤ ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ተጻብኦ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይወርድ ስለ ዘሎ።

 

ሎሚ መንእሰይና መጻኢ ዕድሉ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ክተክል ዝደሊ ኣሎ ክትብል ኣብ ዘጸግመሉ ኩነታት ኢና ኣቲና ዘለና።  ዝኸኣለ ዝሃድም ዘይከኣለ ሰማይ እናጠመተ ዝሓይሽ ክመጸሉ ዝጽሊ ጥራሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ።  ገለ ዓድታት ሰብ ሞይቱዎም ጎዳጉዲ ክፍሕሩሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ ክበሃል ከሎ ኣዚና መሬት ስለ ዝዘበጥና ድሕርዚ  ንላዕሊ ምውጻእ እምበር ንታሕቲ ምውራድ የለን። ስንኻ ነኺስካ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣጓሃሂርካ መወዳእታ ናይቲ ስርዓት ምርኣይ ጥራሕ እዩ እቲ ቅኑዕ ምርጫ።

 

ናይ 24 ግንቦት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መግለጺ ከም ወትሩ መቃነዪ ጥራሕ እዩ። ሓንሳብ ዶብ፡ ሓንሳብ ኲናት ሓንሳብ ሲ.ኣይ.ኤ ሓንሳብ ወያኔ ሕጂ ድማ ቅዋም ምርቃቕ (ረቒቑን ጸዲቑን ከምዘይነበረ)፡ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምኽንያታት መወዳእታ የብሉን። ለዋህ ደላይ ጽቡቕ ህዝብና በዚኣ እናተዛረበ ነቲ ካልእ ረሲዑ በዚኣ ጉጅም ክብል ክቕኒ እዩ። በዚ ዝታለል እውን ስለ ዘይሰኣን እቲ ምቕናይ ናብ ምውራሕ፡ እቲ ምውራሕ ናብ ዓመታት ምስግጋሩ ኣይተርፍን (እቲ ስርዓት ክሳብ ሽዑ እንተጸኒሑ)። ፕረሲዳንት ኢሰያስ ነቲ ምርቓቕ ሎሚ ጀሚረዮ ኣለኹ ዝብል ሓረግ እንተዝውስኸሉ እውን እንተኾነ እታ ቅዋም እተርቅቕ ሽማግለ ክሳብ ትወጽእ፡ እታ ሽማግለ ወጺኣ ስራሓ ጀሚራ ክሳብ እትውድእ፡ ብድሕሪኡውን ናብ ህዝቢ ወሪዱ ርእይቶ ክሳብ ዝወሃበሉ (ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ግምት ዘእትዎ እካ እንተዘይኮነን)፡ ወዘተ ወዘተ ህዝብና ነዚ ዝኸውን ትዕግስቲ የብሉን። ህዝብን ሃገርን ከነድሕን እንተኾይንና እዚ ስርዓት እዚ ተኣልዩ መተካእትኡ ንኹሉ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት እንተተኻኢሉ ጥራሕ እዩ።

 

ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት

ኤሃባደለ

 

30 ጉንቦት 2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • THE NOBLE TEACHER June 5, 2014

    ! QUOTE ETHIOPIAN NEWS AGENCY…..
    “ለ2007 ከ178 ቢሊዮን ብር በላይ በጀት ተረቀቀ ”

    አዲስ አበባ፣ ግንቦት 27፣ 2006 (ኤፍ.ቢ.ሲ.)

    የሚኒስትሮች ምክር ቤት ዛሬ ባካሄደው አስቸኳይ ስብሰባ ለ2007 የፌዴራል መንግሥት በጀት 178 ነጥብ 6 ቢሊዮን ብር እንዲሆን ወሰነ።
    በጀቱ እንዲፀድቅም ለህዝብ ተወካዮች ምክር ቤት መርቷል ። በጀቱ ከ2006 በጀት አንጻር ሲታይ የ15 ነጥብ 3 በመቶ ብልጫ አለው ። ከተያዘው አጠቃላይ በጀት ለፌዴራል መንግሥት መደበኛ ወጪ 45 ቢሊዮን፣ ለካፒታል ወጪ ደግሞ 66 ነጥብ 9 ቢሊዮን በድምሩ 112 ቢሊዮን የተመደበ ሲሆን፤
    ለክልሎች ድጋፍ 51 ነጥብ 5 ቢሊዮን እና ለምዕተ ዓመቱ ግቦች ማስፈፀሚያ 15 ቢሊዮን ተመድቧል፡፡ ለበጀቱ ዝግጅት ቀደም ሲል በሚኒስትሮች ምክር ቤት የፀደቀው የአራት አመት የመካከለኛ ዘመን የማክሮ ኢኮኖሚና ፊስካል ማዕቀፍ በመነሻነት የተወሰደ ሲሆን፤
    የተረጋጋ የማክሮ ኢኮኖሚን ለማምጣት የሚደረገውን ጥረት በሚደግፍ መልኩም የተዘጋጀ መሆኑ ተመልክቷል ፡፡
    በአጠቃላይ የበጀት ዝግጅቱ ያለፉትን ዓመታት የመንግስት ገቢና ወጪ አፈፀፃም፣ የአገሪቱን ኢኮኖሚያዊ፣ ማህበራዊና ፖለቲካዊ እድገት መሠረት ያደረገና የፕሮግራም በጀት ስርዓትን የተከተለ ነውም ተብሏል ፡፡ ምክር ቤቱ የአስፈፃሚ አካላት የመንግሥት በጀትን ከመቼውም ጊዜ በበለጠ በቁጠባና ውጤታማ በሆነ መንገድ ሥራ ላይ በማዋል የተጀመረውን የእድገትና ትራንስፎርሜሽን እቅድ ትግበራና የአገሪቷን የህዳሴ ጉዞ አጠናክሮ ለማስቀጠል የሁሉም ርብርብ አስፈላጊ እንደሆነ በመስማማት ለ2007 በጀት ዓመት የቀረበው በጀት ላይ በዝርዝር ተወያይቶ ለሕዝብ ተወካዮች ምክር ቤት እንዲፀድቅ አስተላልፏል፡፡
    ምንጭ ፦ ኢዜአ ..END OF QUOTE

    ከትርጉመልኩም ከማን ሕፍረት ይስምዓኒ፣ሱቕ ኢልካ ዓጀውጀው ናይ ወያነ፣____ማለትሲ ነዚ ዓመት እዚ ባጀት ናይ ፌዴራል መንግሥቲ ባጀት 178 ነጥቢ 6 ቢሊዮን ብር ኮይኑ።እወ ምዓት ገንዘብ እዩ።እቲ ዘጕህየካ ግን ንሕና ብዛዕባ ወዲ ገራህቱ ካብ ቀደሙ ጀሚሩ ቀጣፊ ምንባሩ__መስፍን ሓጎስ ኣብ ውግእ ጸጸራት ንበይኑ ትሓቢኡ ጀሪካን ጸባ ሰትዩ__ዝብል ታሪኽ ገድልና ንምሃር ኣለና ፣ወዮም ወያነ ኽኣ መንፍዓት ተረኺቡለይሲ ዓዲ ኢንዱስትሪ ብኢንዱስትሪ ምግባር ።ስምዑ ወያነ ገድሊን ምቅላስን ምድርዓም እምበር እዚ ንስኻትኩም ትብልዎ ሃጠው ቀጠው፣….ልዕሊ ኩሉማ ህዝቢ እዩ፣ሃገር ማለት እኮ ህዝቢ እይዩ፣__,
    ካብ ኩሉ ዕሸላዊትን ተሕንኽን ድማ__”ጸላኢና እማ ድኽነት እዩ እምበይ ካልእ ጸላኢ የብልናይ” እናበልካ ኣብ ጸጽባሕ መራኸቢ ጽርግያታት ፣ዩኒቨርስታት ምስራሕ__ሰብ ከይረግመኩም ወያነ__ቦታታት ብጽርግያ ምስ ተራኸበ እዩ ሰብ ,ኮፍ ኢልካ ቡን ክንዲ ምስታይን ብባህሊ ብኣለማርያም ፣በኣለእዝግሄር እናበለ ክንዲ ከዕልል ዝውዕል,ናብ ስራሕ ጥራይ እናተጓዕዘ ዝጣፋእ።ነታ ድኽነትሲ፣ዘመድ ዘይብላ ርኢኹማ ዲኹም ከምዚ ትድንድንዋ ??? __Well, ንሕና ኤርትራውያን ካብ ንዛመዳ 23 ዓመት ጌርና ኣለና፣ክንካላኸለላ ክኣ ድሉዋት ኢና።እውይ ሕጅስ ካብ ለሚን ንላዕሊ መጺጽኩም፣ብዘለኩም ተሓጕስኩም ኣምላኽኩም ኣመስጊንኩም ዘይትነብሩ።ካባና ዘይትምሃሩ_ስሱዓት !!!

    • Saba June 5, 2014

      “ጭምብላሊዕስ መዓኮራ ዘይከደነት ጎልጎል ከደነት” ከይከውን፡ “ወያነ” ወዲ “ወያነ” ገዲፍና ኣብ ጉዳይና እንተንስተውዕል እቲ ዝሓሸ ይመስለኒ።

  • Tesfu Kbrom June 5, 2014

    NOBLE TEACHER, YOU MAKE ME LAUGH LIKE THE BAYTO MEMBERS. WHERE R U BY THE WAY? ABEYALEKA ZEYBELUWOS ABZI ALEKU BELE KOYU. MS MEN IKA SKA, ANXAR WEYANE, ANXAR HGDEF, ANXAR TEQAWETI, ANXAR ERTRAWYAN, ANXAR ETHIOPIAWYAN ANXAR KULU. ZGERM NEGER IYU. ETHIOPIA BUDGETSELIOMDO, MAEBILOMDO, KEMZI DO KEMTIDO. ESKI NATKA GBER EMO ABNET KUN. BGBRI TEZAREB, KAB’U BELE NOBE TEACHER ENABELKA HATE ENTE BELKA NMEN NMDNGAR IYU. HZBI ERTRA AB MEWEDAETA KIEWET MKWANU FLET!!!!!!!!!

    • TwoWayStreet June 5, 2014

      Tesfu,
      Aytidkem, Simu ms reakayo tihiztuu aytifetish, kumneger aykitrekibin ikha. Hatew Ketew ember. Giziekha aytetifie.

    • INDEPENDENT SLAVE June 5, 2014

      Tesfu Kbrom,
      Listen to two ways street,He said
      “Aytidkem, Simu ms reakayo tihiztuu aytifetish, kumneger aykitrekibin ikha. Hatew Ketew ember. Giziekha aytetifie.”

      And I even said,ከትርጉመልኩም ከማን ሕፍረት ይስምዓኒ፣ሱቕ ኢልካ ዓጀውጀው ናይ ወያነ፣____So what more do you need,I said it was Ajewjew too.

      I HAVE A NEW CYBER NAME ..ie.. UNCLE IS..(Independent slave)

  • solomon June 5, 2014

    Eritreans you talk too much
    But Isias Afwerki is doing his duty
    He is destrying the country and the ppl
    When Eritrean only talking with out any siggnifciance.
    Except wedi Ali’s deeds there is no action
    Only one hero from five million ppl.

    Solomon

    • TwoWayStreet June 5, 2014

      Solomon,
      You too are talking. So what does that make you? “ERITREAN”?

  • Tes June 5, 2014

    Good press release by Bayto. I think no one with right mind will be cheated by Eseyas words. He is the most repulsive liar and he doesn’t care. He is shameless and accountable to nobody. No need to waste time on his childish words and behavior.

  • MID June 5, 2014

    Men yblukhum esukhum’ke? Fitewu xiluu kulu neger Hizbawi ginbar zideleyon abzideleyon ewan Tray eyu zikhewn. Ente’ti ab adi guana ab sidet koynka mizrabn mifkarn gen niakhum tegedifkum alom

  • sina June 5, 2014

    We waited you a lot, but you were not succeeded. we had a hope on you for a long time. But you could not manage to coordinate us. One time we heard that there were 15 parties standing to fight “HGDEF”. Are these parties exist today?
    Today we have a new vision. It is the time for new party who represent true Eritrean.

  • sina June 5, 2014

    We waited you a lot, but you were not succeeded. we had a hope on you for a long time. But you could not manage to coordinate us. One time we heard that there were 15 parties standing to fight “HGDEF”. Are these parties exist today?
    Today we have a new vision. It is the time for new party who represent true and honest Eritrean. A party that stands for democracy. There are a lot of literate and wise Eritrean. I believe they can lead us. I believe Amanuel with the like wedi vacaro, hero pilot Dejen can coordinate this. I wish myself to see n this party.
    Please Amanuel take this as an assignment you will see you will get aplenty supporters.
    Let us cooperate
    Let us make unite
    Only unity bring power.

  • Mariano June 5, 2014

    THE dogggs Bark from Eveywhere Buuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuuut

    THE camel contiues Moving forward AS usuallllllll

    YEKENYELEY

  • Amanuel June 5, 2014

    I started to read and stop it on second paragraph.

    It says, kunat ethio-eritrea.. what the fuck is, why not kunat eritrea-ethio…

    Bottom line, Eritrean people don’t like HIGDEF, but he also don’t trust tekawemti… do u home work to earn the Eritrean people’s trust.

  • INDEPENDENT SLAVE June 5, 2014

    “በምዑት ደቃ ከም ትጻወት____ ጽልልቲ ደርሆ
    ኣነውን ኮንዶም ግብጺ፣ ኮይነ ብናይ ሸፋቱ መርሖ
    ዓረብያ ክኾነልኩም፣______ትግራውነተይ ክርስዖ
    በንዚና ይህቡኒ እንተልኩስ፣___ሸኩዑለይ **ሖ”

    ውሃ ነ ጨበል_____________ ገልዳም ዕደ
    ካብ እንቋቝሖ ተመን___ረገቢት ክጭጫሓ ዝጽበ
    ንኸንቱ ተፈጢረ_________ቦታ ዓለም ኣጽቢበ
    ዶምበር ኣምላኽ እዩ_______ንኣይ ሓንጎል ዝሃበ
    ካብ ክብረትንስቓይ ዝምርሽ_____ሕልናይ ዝዓረበ
    ንደቀይ ዘውርስ ቅትለት፣መጭወይቲ ብበደዊን ረጐበ
    ክሓልፍ ኣይትጸበዩኒ______ኣልብሱኒ ሓመድ ድበ
    ብደወይ ካብ ዝመውት_____ሓምሳ ዓመተይ ሰቢበ !!!

    ከመይ ኣላ________ እታ ዓንጋሊት ኣደይ
    ውሽማ ኣዕራብ ከይከውን___ ተቓልሻ ክንደይ
    ኣነ ግን ንራቢጣ ሰሚዔ____ ስሒተ መገደይ
    ንሳን ጠፈር ትበጽሕ፣ኣነን ይምርሽ ናብ ስደተይ
    ብሰንኪ በደዊን__ሸመረይ ተቐይሩ ናብ በገ*ይ
    ክብረትን ሃብቲን ተሓሲመ፣ናይ ኢትዮጵያ ዓደይ
    ንሂወት ነጺገ__ብሓሳዊ ቃልሲ ኵዒተ ጉድጓደይ !!!

    ዘርኣይ ደረስ እታ በላሕ ሴፍካ_ክንቲት ኮይና
    ኣሉላ ኣባ ነጋ፣____ጠበንጃኻ ጠፊኣ ተሳኢና
    ኣብርሃን ኣጽብሃን፣__ቡምባኹም ንብላሽ በኒና
    በደዊን ኣትዮሞ፣____እቲ ክትራ ናይ ህድሞና
    ጅግና መስዋእትኹም___ናብ ከንቱ ሞት ሰሊማ
    ወያ ፈሽኳል ሃገር፣ንተጋሩ ፈቲሓስ ንኢራን ዓዲማ !!!

    PLEASE BE ADVISED MY NEW CYBER NAME IS Uncle IS aka INDEPENDENT SLAVE

POST A COMMENT