ጋዜጣዊ መግለጺ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ
ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ `` ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ ``። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ
ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ መበል 23 በዓል ነጻነት ኤርትራ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘስመዖ መደረ “ ንመጻኢ መንግስታዊ ስርዓት መርሓ ፖለቲካዊ ጎደና ዝቕይስ ቅዋም ምንዳፍ ክጅምር ምዃኑ፡ በዚ ኣጋጣሚዚ ከፍልጥ እፈቱ “። ክብል ከምዝኣወጀ ሰሚዕና ኣለና። ድሕሪ ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ጉዳይ ቅዋም ንመጀመርታ ግዜ ብፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክጥቀስ ክንሰምዖ ከለና ቅድሚ ብታሕጓስ ወይ ብጓሂ ምቕባልና ኣቐዲምና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምሕታትን ካባኣቶም ክብገሱ ዝኽእሉ ተንታናትን ናብ ህዝብና ምቕራብ ሓጋዚ ኮይኑ እስመዓና።
ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራብ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። የግዳስ እዚ ናይ ርእሰ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መግለጺ ኣብቲ ዝደርበዮ ዓጽሚ ንእሽቶ ስጋ እንተለዎ ሃሰስ ምባል ከድልየና እዩ።
1- ድሕሪ ኲናት-ኢትዮ ኤርትራ ንመጀመርታ ግዜ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ቅዋም ኢሉ ክዛረብ ከሎ ካብ ውሽጣዊ ድዩስ ወይስ ካብ ናይ ደገ ተጽዕኖታት? ዶ ወይስ ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት? ናይ ገዛእ ርእሱ ዕግበት እንተኾይኑ ምስቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ መግለጺታቱ ብኸመይ ክተዓረቕ ይኽእል?
– ሀ) ቅድሚ ሕጂ፡ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ናይ ዶብ ሕቶ ከይተፈትሔ ብዛዕባ ቅዋም ክንዛረብ ኣይንኽእልን እዩ ክብል ዝጸንሔ። ሕጂውን እንተኾነ ጉዳይ ዶብ ከምቲ ዝጸንሖ እዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ ኣምበር ፍታሕ ኣይተረኽበሉን። እሞኸ ደኣ እቲ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋም ኣይንዛረብን ምባሉ ድዩ እቲ ጌጋ ኔሩስ ወይስ ሕጂ ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዛዕባ ቅዋም ምዝራቡ?
– ለ) ፕረሲዳንት ኢሰያስ ንቅዋም ዝኣክል ዓቢ ሃገራዊ ንብረት ከም ተራ ቁራጽ ወረቐት እዩ ክገልጾን ከቋናጽቦን ጸኒሑ። ሃገርና ብሕጊ እያ ትምራሕ ዘላ ቅዋም ኢልካ ኣብ ወረቐት ስለ ዘስፈርካ ኣይኮነን ክብል ብባጫ ዝምልሰሉ እዋን ከምዝነበረ ናይ ቀረባ ተዘክሮና እዩ። ሕጂኸ እቲ ክምረሓሉ ዝጸንሔ ሕጊ ኣበይ ስለ ዝጠፍኤ እዩ ናብ ቅዋም ከምርሕ ዝመረጸ? ዶ ወይስ ብዓንተባኡ ዝምራሓሉ ሕጊ ስለ ዘይነበረ እዩ ሕጂ ናብ ናብ ሕጊ (ቅዋም) ምኻድ ዝተመርጸ? ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣብ ዝወዓሎ ዘይሓድር ከከምዝጥዕሞ ናይ ሳልስቲ ፖሊሲታት ምውጻእ ኣመሉ እኳ እንተኾነ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገርና ካብ ሓደ ጫፍ ናብቲ ካልእ ጫፍ ከለዓዕል ዝኽእል ዕእቢ ጉዳይን ናይ መርገጻት ምግልባጥን ግን ስቕ ኢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን።
2 – ብዛዕባ ቅዋም ክለዓል ከሎ ኣብ ደንበ ተቓውሞ እውን ዳርጋ ኣብ ክልተ ዝተገሞዐ ኣረኣእያ ከምዝነበረ ይረደኣናዩ። እቲ ሓደ ቅዋም ይተግብር ዝብል ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ ኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ብሓባር ዘርቅቖን ብሓባር ዘጽድቖን ብማዕረ ናትና ዝብሎ ቅዋም ንግበር ዝብል እዩ ኔሩ። መግለጺ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ንኽልቲኡ ርእይቶታት ኣይሰምዕን እዩ ዝብል ዘሎ። ነቶም ቅዋም ይተግበር ክብሉ ዝጸንሑ ናይ ፕረሲዳንት ኢሰያስ መልሲ፡ እቲ ቅዋም – እቲ ንስኻትኩም ትፈልጥዎ ቅዋም ኣይትግበርን እዩ። ካልእ ንስኻትኩም ዘይትፈልጥዎን ዘይወዓልኩሙሉን ቅዋም ኢና ከም ብሓድሽ እነርቅቕ እዩ ዝበለ። ነቶም ኩላትና ብሓባር ሓድሽ ቅዋም ሓንጺጽና ነተግብር ክብሉ ዝጸንሑ እውን፡ ተስፋ ዘንብር መልሲ ኣይሃበን። መንዩ ከርቅቖ፡ መንዩኸ ከጽድቖ ዝብል ዝሃቦ ዝርዝር እኳ እንተዘየለ፡ ፕረሲዳንት ኢሰያስ ኣብ ንግሆ ዕለት 24 ግንቦት 2014 ተበራቢሩ ሓድሽ ደሞክራሲያው መንፈስ ዓሲልዎ ኣሳታፊ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ከንግስ እዩ ኢልካ ምሕሳብ የዋህነት ጥራሕ እዩ። ኣሳታፊ ቅዋም ምርቃቕን ምጽዳቕን፡ ንባዕሉ ዕምሪ ኢሰያስን ስርዓቱን ዘሕጽር ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ንምንታይ ደኣሞ ሕጂ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ስቕታ ብዛዕባ ቅዋም ክዛረብ ተገዲዱ?
ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጸቕጢ ክበዝሖ ከሎ ጥራሕ ምዃኑ ዘጉስዕ ካብ ተመኩሮ ክንሪኦ ጸኒሕና ኢና። ስለዚ ካብ ወትሩ ንላዕሊ ጸቕቲ ኣጋጢሙዎ ከምዘሎ ዘማትእ ኣይኮነን። ግዳማዊዶ ውሽጣዊ ጸቕቲ? ኢሰያስ ኣፈወርቂ ይኹን ካለኦት መለኽቲ ስርዓታት ንኹሉ ንለውጢ ዝጠልብ ኣካል ንዘለኣለም እናጨፍለቑ ክኸዱ ዝከኣኣሎም ኣይኮነን። ህዝቢ ይኣክል ዝብለሉ ሰዓት ክመጽእ ከምዝኽእል ታሪኽ ይምህረናዩ። ሕጂውን እንተኾነ ህዝብና በቲ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ ዝጸንሔ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ኣደራዕ ኣብ መጨረሽታ ደረጃ ምጽማም በጺሑ ምህላዉ ንርኢ ኣለና። ሃገራት ኤውሮጳ ይኹን ማሕብረሰብ ዓለም ብዝሒ ስደተኛታት ኤርትራውያን ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣስደሚምወን ክዛረባሉ ጀሚረን ከምዘለዋ ንሰምዕ ኣለና። እቲ ብዘይካ ዘጣቓዓሉ ህዝቢ እምበር ዝሓለፈሉን ዝቐሰነን ህዝቢ ክርኢ ዘይደሊ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ነታ ናይ ስልጣን ኮረሽኡ ዝሕልወሉ ኤርትራዊ መንእሰይ ይስእን ስለ ዘሎ እውን እዩ ብ ደ.ም.ህ.ት ዝሕሎ ዘሎ።
ስለዚ እቲ ጸቕጢ ብኹሉ እዩ። ናይ ዓለም ሕብረተሰብ ከምቲ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ዝረኤ ብቦምብን ፈንጂታትን ኣባይትን ደቂ ሰባትን እናኣዕነኻን እናኣጥፋእካን ኣይኮነን ኣብ ኤርትራ ኣዒንቱ ክኸፍት ጀሚሩ ዘሎ። ኣብ ናይ ምርጫ ሳንዱቕ ክውዕል ዝግበኦ ነጻ ድምጹ ተነፊግዎ፡ ንዓለም ከዛርብ ብዝኽእል መንገዲ በእጋሩ ከድምጽን ዝፈትዋ ሃገሩ ራሕሪሑ ንስደት ከምርሕን ምስ ጀመረ እዩ – እንታይ ስለ ዝኾነ እዩ? ኢሉ ክሓትት ጀሚሩ ዘሎ። እዚ ናይ ሕጂ ናይ ማሕብረሰብ ዓለም ኣቓልቦ እናዛየደ ዝኸይድ እምበር ደው ክብል ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ናይ ህዝቢ ናይ ውሽጢ ጸቕጢ እውን እንተኾነ ካብቲ ናይ ማሕበረሰብ ዓለም ጸቕጢ ዝያዳ ዝጎሃሃርን ዝብርትዕን እምበር ካብኡ ንታሕቲ ዝረኤ ኣይኮነን። ከመይሲ ካብ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ተጻብኦ ብቐንዱ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይወርድ ስለ ዘሎ።
ሎሚ መንእሰይና መጻኢ ዕድሉ ኣብታ ዝፈትዋ ሃገሩ ክተክል ዝደሊ ኣሎ ክትብል ኣብ ዘጸግመሉ ኩነታት ኢና ኣቲና ዘለና። ዝኸኣለ ዝሃድም ዘይከኣለ ሰማይ እናጠመተ ዝሓይሽ ክመጸሉ ዝጽሊ ጥራሕ እዩ ኮይኑ ዘሎ። ገለ ዓድታት ሰብ ሞይቱዎም ጎዳጉዲ ክፍሕሩሉ ኣብ ዘይክእሉሉ ደረጃ በጺሖም ኣለዉ ክበሃል ከሎ ኣዚና መሬት ስለ ዝዘበጥና ድሕርዚ ንላዕሊ ምውጻእ እምበር ንታሕቲ ምውራድ የለን። ስንኻ ነኺስካ ቃልሲ ንደሞክራሲያዊ ልውጢ ኣጓሃሂርካ መወዳእታ ናይቲ ስርዓት ምርኣይ ጥራሕ እዩ እቲ ቅኑዕ ምርጫ።
ናይ 24 ግንቦት ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መግለጺ ከም ወትሩ መቃነዪ ጥራሕ እዩ። ሓንሳብ ዶብ፡ ሓንሳብ ኲናት ሓንሳብ ሲ.ኣይ.ኤ ሓንሳብ ወያኔ ሕጂ ድማ ቅዋም ምርቃቕ (ረቒቑን ጸዲቑን ከምዘይነበረ)፡ ናይ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምኽንያታት መወዳእታ የብሉን። ለዋህ ደላይ ጽቡቕ ህዝብና በዚኣ እናተዛረበ ነቲ ካልእ ረሲዑ በዚኣ ጉጅም ክብል ክቕኒ እዩ። በዚ ዝታለል እውን ስለ ዘይሰኣን እቲ ምቕናይ ናብ ምውራሕ፡ እቲ ምውራሕ ናብ ዓመታት ምስግጋሩ ኣይተርፍን (እቲ ስርዓት ክሳብ ሽዑ እንተጸኒሑ)። ፕረሲዳንት ኢሰያስ ነቲ ምርቓቕ ሎሚ ጀሚረዮ ኣለኹ ዝብል ሓረግ እንተዝውስኸሉ እውን እንተኾነ እታ ቅዋም እተርቅቕ ሽማግለ ክሳብ ትወጽእ፡ እታ ሽማግለ ወጺኣ ስራሓ ጀሚራ ክሳብ እትውድእ፡ ብድሕሪኡውን ናብ ህዝቢ ወሪዱ ርእይቶ ክሳብ ዝወሃበሉ (ስርዓት ኢሰያስ ኣብ ግምት ዘእትዎ እካ እንተዘይኮነን)፡ ወዘተ ወዘተ ህዝብና ነዚ ዝኸውን ትዕግስቲ የብሉን። ህዝብን ሃገርን ከነድሕን እንተኾይንና እዚ ስርዓት እዚ ተኣልዩ መተካእትኡ ንኹሉ ዘሳትፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረት እንተተኻኢሉ ጥራሕ እዩ።
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
ኤሃባደለ
30 ጉንቦት 2014
halal June 4, 2014
Funny ……this word is enouenough for this shit article
Haqi tezareb June 4, 2014
ኣንቱም “ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ” ዝስምኩም፣ ብህየትኩም ኣለኹም ዲኹም?
ሕጂ ኸኣ እዛ ዕዳጋ ቁዋም ዓሚራ እያ መስለኒ ቁልብ ኣቢልኩምዋ !
ኣብ ሓደ እዋንዶ ንባዕልኹም ቁዋም ክንሕንጥጥ ኢና ኢልኩም፤
ሽማግለ ሮቒሕኩም፣ ኣብ ኣዋሳን ሃገራት ዓረብን ሸንኮለል ትብሉ ኣይነበርኩምን፧
እቲ ሓንጢጥኩም ሓናጢጥትኩም ዘቕረብኩሞ ድማ ገለ ሰባት ካብቲ ናይ ዒራቅ ናይ
መሰጋገሪ ቁዋም ዓንቀጽ ብዓንቀጽ እተገልበጠ እዩ፤ ይብልኹም ኔሮም።
ዝኾነ ኮይኑ ብዛዕባ ማሕበርኩም ግርም ዝብለኒ ነገር ወስ ከብለልኩም።
ንስኹም ንፍትሕን ደሞክራስን ማዕረነታዊ መሰልን ኢና፣ እንቃለስ ትብሉ።
እንተኾነ ግና እትረፍ ነቶም ኣብ ስግረ ዶብ ብፍላይ ኣብ ሃገራት ዓረብ፣ ብመንግስታት ዓረብ፣
ብበደዊን ራሻይዳ ብሓኻይም ዓረብ፣ እዚ ዘይብሃል ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣደራዕን ዘጋጥሞም ኤርትራውያን፣
ኣብ ሱዳን ሓዊስካ፣ ደሃይኩም ክተስምዑ ዘይትደልዩ ብፍርሂ ዝተወሓጥኩም ትመስሉ።
እቲ ካብ ኩሉ ምስሉያት ልሙሳት ዝገብረኩም ድማ ኣብ እዚ ኩሉ ዓሰርተ ዓመታት፣
ደግፍቲ ወይ ሰዓብቲ ክትፈርዩ ዘይምኽኣልኩም ጥራይ ዘይኮነስ፤
ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ማሕበር ብሄረ ኩናማ፣ ንታሪኻዊ በደልን ስቅያትን ህዝባ መግለጺ ኣውጺኣ ኢልኩም፣
ከም ዕስለ ኣኽላባት ኴንኩም ዉሕ ዉሕ እናበልኩም፣
ናይ ሓሳብ ናይ ምግላጽ መሰላ ከልኪልኩም፤ ካብዚ ዘይረብሕ ውድብኩም ዝሰጎግኩማ።
እሞ ንስኹም ደኣ ነቲ ብቓል ጥራይ እትፈልጥዎ ደሞክራሲ ኣበይ ኢኹም ክትግብርዎ፧
ምስላ ዓደቦይ ከምዝብሎ፤ ” ብጊሓቱ ዝነቀወ ዝብኢ ደኣ ኣበይ ከሕድረኒ። “
fetsum abraham June 4, 2014
Good analysis but can you please write it in English as well so communicate with thousands of Eritreans that cannot read or understand Tirigna? Tnx
Asghedom Woldeghiorghis June 4, 2014
Tel him to write in Arabic, all Tigrigna people the do read and write the language ofvthier fsther and rhey hsve alfsbets mr.
Eritreans they don’f speak english, if thry fo it si broken inglish, thier grandcfsthers too they were speaking broken itslian.
Yerhiwo June 4, 2014
I am amazed how an opposition party such as you refer Isaias Afwerki as “President”. Who elected him to be a president? How was he elected? Eritrean people did not vote and elect him as their president. How on earth, an opposition party addressed a criminal tyrant who killed many innocent Eritreans as “President”? Are you trying to trying to share some of the power if there is any left? Please address him “Wedi Medhin Berad” or “Dictator Isaias Afwerki” as the world proved that he is No. 2 Dictator in the world after the brutal North Korean leader, Kim Jong Un.
Yerhiwo June 4, 2014
Please read “Are you trying to trying to share some of the power…” as “Are you trying to share some of the power..”.
Gojam June 4, 2014
HAGERAWI BAYTO, Pleas we don’t need you you and your group are the most loser of the century. First of all you call this bastard killer as president maybe for you and these Zambys. Not for majority of Eritreans. And if you lesson the interview part seven with Our hero Dejen Ande Hishel, thanks to hem we find out A lot of heroes they can lead the country instate of you Zambis and you are not good for nothing sharp and do your life first.
bhaki June 4, 2014
ነዚ ክትግዕታዶ ክንድዚ ትርህጻ ! እንታይ ኢዩ እዚ ጋዜጣዊ መግለጺ፣
ናይ ር እስኹም ህላዌሞ ፈትሹ ሽዑ ከም`ዚ ዝብለ ክንሰማማዕ ኢና ኣይንሰማማዕን ኢና ዝብል መግለጺ ኣውጹ። ንስኻትኩም ግን ኣብ ፈቐዶ ባራትን ሃገራትን ኮንኩም ንቓወም ኣለና ክትብሉ ብሓቒ ዝሕዝን ኢዩ።
እዚ ጋዜጣ ኢልኩም ኣውጺክሞ ዘለኹም ተኮነ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ብሳላ ኣሰናን ደጀንን ሰሚዕናዮን ርኢናዮን ኢና። ናይ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣዘራርባ`ክ ህዝቢ ይኣምኖ ድዩ ኣይ ኣምኖን ናይ ግዜን ተግባርን ጉዳይ እዩ። ስለዝስ ንስኻትኩም ኣብ ምንታይ በጺሕኩም ኢኹም ነዚ ጋዜጣዊ ኢልኩም ትጽሑፍ። ኣበይ`ከ ኣለኹም ? ካን ሓደ ን30 ዓመት ብብረት ዝመጸ መንግስትስ ብመልሓስ ክወርደልኩም ትጽበዩ ተሊኹም ህዝቢ ብጣዕሚ ካብ ብእኡ ብኣኹም ይሓዝን።
ንዲክታተር በቲ ዝርድ ኦ ጥራይ ኢኻ ትኸዶ፣ ሞ እዚ መግለጺኹም እዋናዊ ኣይኮነን፣ እዋናዊ ዝግበሮ ዝሓዝክሞን ዝተቖጻጸርክሞን ህዝብን መሬትን ምስ ዝህሉ ጥራይ ኢኩም ንዕኡ ነቲ ህዝቢ ከተእምኑ ክትጽሕፍዎ ዝነበረኩም እምበር፡ ኣብ ባዶ ኢድኩም ከለኹምስ መግለጺ ዶ ጋዜጣዊዶ ክትብሉና ! ወይ ጉድ መን መርዓት ምስ በለን እምምምም!
ኣብ ጎዳጉዲ ኣዲስ ኣበባን ኢሮፓን ተሓቢእካ ኣለኹልካ ህዝቢ ክትብል ህምምምም! መን መርዓት ምስ በልን? እንታዎት ኢኹም ንስኻትኩም ንህዝቢ ንውክል ትብሉና። ኤርትራውያን ዶ ኣይኮናን ኢና ብተኸደንቲ ጀለብያ ራሻይዳን ቡድንን ንህደንን ንዕመጽን ዘለና፣ ኣበይ ኣለኹም፣ ኤርትራውያን ዶ ኣይኮናን ኢና ኣብ ፈቐዶ ዓራብ ከም እንስሳ ንሽየጥ ዘለና፣ ኣበይ ኣለኹም? ኤርትራውያን ዶ ኣይኮናን ኢና ሳሃራን ልብያን ቐላያት መዲተራንን ንጠፍእ ዘለና፣ ኣበይ ኣለኹም? እዚ ኹሉ እንዳኾነ ኣብ ክንዲ መንእሰያት ወዲብኩም ንሓርነት ትቓለሱ፣ ኣብ ውሻጠታት ኢሮፕን ኢትዮፕያን ኮንኩም፣ መግለጺ ጋዜጣዊ ክትብሉስ እግዚሄር ኣይትፈርሑን።
ሞት ንኹልና ዘይተርፍ ካብ ኮነ ኣብ ቓልሲ`ውን ኣለና ትብሉ ተኾንኩም ሃየ ተወዲብኩም ምስ ህግደፍ ብጠጠው ተጣማጠሙ`ሞ ህዝቢ ሽዑ መግለጺኩም ክሰምዕ ድዩ ኣይክሰምዕን ክትሪእዎ ኢኹም።
Almaz Gual Asmera June 4, 2014
ሃገራዊ ባይቶ እቲ ዝበልክምዎን ሓቂ ዝወጾውን የብሉን። እንተኾነ ሰፍ ዘይብል ሽም ተሰኪምክም ንስኻትኩም ሕዝቢ ዘዐስል ዝሓሸ መማረጺ ፍኖት ናይ ቃልሲ መኣስ ዘመን ኢኹም ከተቕርቡ? ሕዝቢ በዚ ኣረሜን ገበል ምስ ጸነተ? እቲ ጉዳይ ሕዝብና ዘጸልመቶ እኳ ኣይ ካብ መንግስቲ ኣይ ካብ ተቓወምቲ ምትራፍና እዩ። ኸምዚ ሕዝብና ኸፊእዎ ዘሎ ድኣ ንኣስላማይና ክርስትያንና፣ ንከበሳና መታሕትና ብሓደ ኣቃሊሱ ናብ ዓዲ ዘአቱ መገዲ እንተትምጽኡ ክሳብ ክንድዚ መከራና መኣስ ምበዝሐ። ጎድኒ ጎድኒ እቲ ንሕጊ-ግደፍ እትገብርዎ ቃልሲ ምስ ገዛእ ነብስኹምውን ቃልሲ ከድልየኩም እዩ። ከምዚ ኣይኮነን ገድሊ። ኣብ ስደት ኣሪግኩም ኣብ ስደት ኪትሞቱ ቁሩብ እባ ፍሕትሕት በሉ ወይ ድማ ቦታ ንዝኽእሉ ግደፉ። ኣብ ዝበጻሕናዮ ዘይብልና ብህርፋን ስልጣን ኣብ ነንሕድሕድኩም ክትርጋሑ መሬት ዓሪቡ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ኪትኮስ ቀሪቡ ዘሎ ሕቡእ ማዕበል ዘነሃህር ንሕዝብና ተስፋ ዘስንቕ መገዲ ቀይሱ በጃኹም።
MightyEmbasoyra June 4, 2014
ሃገራዊ ባይቶ ዋላ ጅኒዕፍሪት፥
ግደፉና ‘ስከ። አንታይ ዝገበርኩሞ ቁም ነገር ኣሎ። ከምዚ ሰብ ርኢቶ ዝበሉኹም፣ ፕረሲደንት ክትብሉ ከማን ቁሩብ ኣይትሓፍሩን፧ ስራሕኩም ኩሉ ኮለል ‘ዩ። ብዙሕ ዘረባ ቦራዕራዕ፥ ፍረ ዘይብሉ። ብላሽ።
THE NOBLE TEACHER June 4, 2014
ኣንታ ዘይተርፈኩም ???
ሰይጣን እከይን መዳናገርን ምዃኑ ዝሰበኸ ኩሉ ጻድቕ እዩ ማለት ኣይኮነን።ኣብ ርእስና ዘሎ ቁማል ከተርእዩና ህርግድ ኣይትበሉ፣መስትያት ኣለና።ኩሊት ኤርትራውያን እንዳተሸጠን፣ኤርትራውያን ወድና ጓልና መጻወቲ ኣተሓሳስብኦም ጨነውቲ ኣዕራብ እንዳተዓመጽና ኣበይ ኣለኹም??? ናይ ወያነ ክትፎ ጥራይ ዘይኮነስ ኣተሓሳስባ እውን ቁሩብ ዘይትወስዱ።ኣብ ክልል ፖለቲካ እመኑ ማለተይ ኣይኮነን፣
__ታሪኽ ኤርትራ ፣ነዚ መንእሰይ ዘይተረድእዎ__መልዓሊኡን ምኽንያት መቃለሲኡን፣
_ጀበርቲ ከምቲ ዝብልዎ ብሄር ድዮም ወይሲ ህዝበ ትግርኛ እዮም ፧ክንቅበሎ ዲና ወይሲ ኣይንቕበሎን ፧መን ይውስኖ፧
__ ዓፋርን ኩናማን ርእሰ ነብስኻ ባዕልኻ ምውሳን ክሳዕ ምግንጻል ይብሉ ኣለዉ ይብሃል፧ እንታይ እዩ መልስኹም፧
ትሳማምዑ ዶ፧ኣይትሳማምዑን፧ወይሲ ድሓር ነርክበሉ ሸፈጥ እዩ መልስኹም፧
__ ራሻይዳ ኤርትራውያን ድዮም ወይሲ ኢሳያስ ጓሲሱ መንነት ዝሃቦም እዮም ፧
__ ግብረሰዶማውያን መሰሎም ክሓቱ ይኽእሉ፧ ማዕረ ክንደይ ኢኹም ክትከዱ፣ወይ ኤውሮጳ ሃገራት ኣይሕግዛኹምን እየን፣ተፍቅዱ ወይሲ ከም ዘሎ ትነጽግዎ፧
__ እዚ ካብ ከበሳ, ሻዕብያ ብሓይሊ ኣብ መሬት ዓዲ ሰብ__መታሕትን መሬት ኩናማን ኣስፊርዎ ዘሎኸ፧ ማለት መሬት ናይ መንግስቲ ድዩ ናይ ህዝቢ ፧
__ ኢትዮጵያ ወይ ንሓምሳ ዓመት Lease ሃቡና ወይ ወደባትኩም ስተይዎ እንተበለት እንታይ እዩ መልስኹም፧
__ካዝና ኢሳያስን ጀነራላቱን ምስ ወሰድዎ ሃገር ናይ ዓለም ናይ መጨረሻ ድኻ ክትከውን ኢያ፣ ካብ ኣዕራብ ለሚንኩም ዲኹም ከተብልዑና ወይሲ እቲ ባሕሪ ቤዝ ንእስራኤል ሂብኩም ንሳ እያ ክትቀልተና፧
እዚ ክትምልሱ እንተዘይክኢልኩም ንኢሳያስ ዘይምእማን ናታትኩም መግለጺ ኣየድልየናን እዩ !!!
Saba June 5, 2014
“ጬነውቲ ኣዕራብ” “ዓጋመ” ወዘተ ተሪፉ ኣብ ቁምነገር እንተነድህብ ይሓይሽ።
TwoWayStreet June 5, 2014
I am with you Saba on this.
Guys if you have a genuine concern, or argument then write it down without calling names, insults. You call Issayas dictator and then you start insulting others and calling then names for having different views. THAT IS HOW DIDTATORSHIP STARTS. If you have views, arguments, differing ideas then put them down nicely, politly, and respectfully. That is this comment section for. If you disrespect, insult others just because they have a different view, then deep inside you are a dictator, the moment you have power you will be just like or worse than Issayas.
ahmed saleh June 5, 2014
They used to tell us that to fight
internal (wishtawi) enemy is more complicated & frustrating
than to fight foreign (baedawi)
enemy . I guess our current reality proved it all .
THE NOBLE TEACHER June 4, 2014
“ኣፍንጫ Michael Jackson ጻዕዳ ኣንጭዋ”
“ንፋጥ እንተውጽኤት______ መዓር መሲልዋ
መንነታ ክሒዳ Plastic Surgery ኣምሒርዋ
ንኻልኦት ህዋሳት____ ኣይደልየክንን ኣቢልዋ
ቆሪጹ ሰደዳ _በሊሕ.. ወዲ ማይቂነጣል ,ዓድዋ”
ኣፍንጫ Michael Jackson______ከመይ ኣላ
ብንፋጣ ትኾርዕ_________________ብዕንጓላ
ብላዕሊ ንዝርኣያ ____________ብሪቕሪቕ ምባላ
ብዘይ ብኣኺ______፣ሳምቡእ ኣየተንፍስንዩ ተባሂላ
Special Breed _____ _ኢላ መንነታ ኣታሊላ
ብ Surgery ነውሔት ናይ ጣልያንን ኣዕራብን መሲላ
Cancer ኣጥረየት______ ብፕላስቲክ ተዓብሊላ
ብሰንካ እንድዩ_______ እቲ ደራፋይ ሂወቱ ተቐቲላ !!!
ዘይመንነትካ ምድላይ _________ባዶ ኩርዓት
ምስ ካልእ ህዋሳት፣___ ከይትሳማማዕ ብስነስርዓት
ካብታ ሓንጎል ኣዴኻ ፈሊልካ፣መቓብርካ ምዅዓት
ጻዕዳ ኣንጭዋ ኴንካ_____ሓድሽ መንነት ምግዓት
ዘይምስትውዓል፣ደደብነት እምበር ኣይኮነን መንፍዓት !!!
ነብሲ Michael Jackson,ካብ ኢትዮጵያ ዘይተማህረት
ኣፍንጫ እንተኸደ፣ኣሎንዶ ብኣፍካ ምትንፋስ ብኽብረት
ወይ ናይ ጅቡቲ ተኻሪኻ___ ኣየር ምውሓጥ ብሕብረት
ሎሚ፣መስተይ ኣግማል ኮይና ____ ዝተረፈት ብሕስረት
ተካሊት፣ፋብሪካ ዕንጓል____ ምስ ወያነ እንተተማኸረት
ሕጂ ብሂወት ________ምስ ካልኦት ህዋሳት ምነበረት
ኮለል ኢላ ትመለስ _____ዕንክሊሉ ካብ መረጸት ዙረት
ድራራ ክኾና_ምስሓ ዝተሓሰመቶ ኣቢሲንያዊ ጎረድ ጎረድ !!!
The Brilliant Uncle SYE