Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ጋዜጣዊ መግለጺ -  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ! ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት - ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ

ጋዜጣዊ መግለጺ –  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት – ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ በርሚንግሃም፡ ኖቲንግሃም፡ ሸፊልድ፡ ማንቸስተርን ኦክስፎርድን ኣብ ከተማ ለንደን ተኣኻኺቦም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊትን መከናይዝድን፡  ምምሕዳራትን ሚኒስትሪታትን  ብዝተፈላለየ ጽፍሕን ሞያን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡  ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራን ተመኩሮ ዝነበሮም  ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነዚ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ዕላማታት ቃልሲ ሃገር ጨውዩ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቅልዑ ጥራሕ ዘይኮነ  ንምምካቱ እውን  ዓቲቦም ከምዝሰርሑ  ብምርግጋጽ እዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ጋዜጣዊ መግለጺ 

ስም ማሕበር ፡-

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር  ንለውጢ

መንኢዩህዝባዊግንባር፧ኣባላቱኸመንእዮም፧

ህዝባዊ ግንባር፡ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር ናጽነት ዘረጋገጸ፤ ቅዋማዊት ዲሞክራሲያት ሃገር ንምምስራትን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽ ዝተቓለሰ፣ ፍትሕን ርትዕን ንምንጋስ ዝጸዓተ፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ንሓድነትን ማዕርነትን ዝቃለስ መስመር እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሰብ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ መስመር እዩ።  ኩሎም እቶም ነዚ መስመር’ዚ ክውን ኪገብሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ፣ ዝሰንከሉን ዘለዉን ሓፋሽ ውድባት ይኹኑ ተጋደልቲ ከኣ ኣባላቱ ኢዮም።

እዚ ሕጂ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ጠሊሙ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተቓለሰሉ ዕላማታትን መትከላትን ኪሒዱ ንህዝቢ ረጊጹ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ እዚ ነቲ ደቂ ህዝቢ ዝተሰውኡሉ፡ ክቡር ሃገራዊ ዕላማ ጨውዩ፣ ብግዕዙይ ምሕደርኡ ንሃገርና ዝብትንን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ጠላም ስርዓት። ብዝናን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ዝነብር ግን ዕላማን መትከልን ህዝባዊ ግንባር ዝቐበረ ከይሲ እዩ። እዚ ንመላእ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ፣ ንመንእሰያት ብመደብን ፍላጥን ካብ ሃገር ዘንፍጽ ዘሎ መላኺ ስርዓት፣ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ኣብዚ ማሕበር እዚ ዝጠራነፍ ዘሎ፡ ንመስመር ህዝባዊ ግንባር ተኸቲሉ፡ ነቲ ሰማእታትና ዝወደቑሉ ብጉጅለው ምልኪ ዝተጠልመ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ገዝኡ ከሳልጥ፡ ኤርትራ፡ ሕግን ቤት ፍርድን ዘለዋ፡  ግሉጽን ሓቛፍን ስርዓት እትውንን፣ ብግሉጽ ፋይናንስን ባጀትን እትመሓደር፣ ስለስቲኡ መሓውራት ስርዓታ ማለት፡ ሓጋጊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ ብናጻ ምርጫን ድምጺ ህዝብን፡ ስልጣን ዝረክብን ዘረክብን ሓይሊ ንምግባሩ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

 

 

 

ዕላማታት እቲ ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብድምር ሰለስተ ዕላማታት ሒዙ ኢዩ ነቒሉ።

ፖለቲካዊ ዕላማታት

ነቲ ሰማእታትና ኣሚኖም ዝወደቕሉ፡ መላእ ህዝቢ ዘበርከተሉ፡ ብዓመጽ ዝተጨውየ  ፖለቲካዊ ዕላማታት ብምርግጋጽ ውሑስ ዝኾነ ዲሞክራሲዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምምስራት። ንኹሉ ወዲ ሃገር  ዓሌት ሃይማኖት፡ ብሄር ቀቢላ፡ መታሕት ከበሳ ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ናጻን ርትዓውን ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምምስራት። ዜጋታት ብምእነቶም ዝዋስኡሉን ንሃገራዊ ዕላማታት ዝውፈ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምምስራት። ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ፣ ዜጋታት ብምሉእ ናጽነት፡ ብዝመሰሎምን ምስዝመሰሎን ተወዲቦም ኪቃለሱ፣ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ኪገልጹ፡ ኪዛረቡ ኪጽሕፉ፣ ኪኣምኑ ከምልኹ ዘፍቅድ ስርዓት ምትካል።

ማሕበራዊ ዕላማታት

ንዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ውልቃዊ ጸገማት ኣባላት እዚ ማሕበር ንምፍታሕ ሞራላውን ቁጠባውን ምድግጋፍ ምግባር። ብዙሓት ኣባላት እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብዘጋጠሞም መውጋእቲ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም፤ ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠሞም ሃስያን ጥልመትን ግዳይ ዝኾኑ  ክፋል’ቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ሞራላውን ሕልናውን ደገፍ የድልዮም ኢዩ።

ቁጠባዊ ዕላማታት

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ሕጂ ጀሚሩ በብቑሩብ ናይ ምውህላል ዓቕሙ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ንኺሳተፍ መደብ ኣለዎ።  ቁጠባ ሓይልን ሕቖን እዩ፤ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ውዳበ ዜጋታት፡ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ብምዕባይ ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ክውን ዝኸውን ኣሳታፊ ስርዓተ ቁጠባ ኤርትራ ብምውሳእ ንነብሶምን ሃገሮምን ብቑጠባ ከዕብዩ  የተባብዕ።

ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እንታይ እዩ’ኸ ኣገዳስነቱ፧

ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ግዳም ብቓልዕ ኣብ ውሽጢ ከኣ ብምስጢር ነነዊሕ ዝኸደ ተቓውሞታት እኳ እንተጸንሐ እዚ ስርዓት ነዚ ደምበ ተቓውሞ ብዝተፈላልየ መገዲ እናኸፋፈለ ከዳኽሞ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብጭቡጥ ከምእንርእዮ እዚ መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ንኤርትራ ሓማሚሱዋ ኺጠፍእ፣ ብታሕቲ ታሕቲ ብመደብ ንህዝቢ ብጸቢብ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት፣ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከፋፊሉ ነዛ ሃገር ንምብታና ይሰርሕ ስለዘሎ፣ ኣንጻር እዚ አዕናዊ ምክፍፋላት ተቓሊስካ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጽባሕ ዘይበሃሎ እዋን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ዝጠራነፍ ዘሎ ማሕበር ምስቲ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ተሓባቢሩ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምስፋን ኪሰርሕ ኢዩ።

ስቕታን ዓውታን፡ ቃልስን ድቃስን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምርጫን መሰልን ኢዩ። ምግዳል ትማሊ ገበን ኣይነበረን ሎሚ እውን ገበን ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ከኣ ትማል ተጋዲሉ ሎሚ እውን  ኪጋደል ተገዲዱ ኣሎ። ትማል ኣብ በረኻን ጣሻን ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ቤትን ኣደራሽን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኑ ይገብሮ ኣሎ። ትማል ጠበንጃ ዓጢቑ ነይሩ። ሎሚ ድምጺ ዓጢቑ ኣሎ። ኩሉ ዕላምኡ ከኣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ማሕበራት መንእሰያትን ተወሃሂዱ ነቲ ዘይተወድአ ዕዮ ገዛ ደለይቲ ለውጢ ኣሳታፍን ሓቛፍን ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ። ዝኾነ ይኹን ተበግሶታት ቃልሲ ብመትከሉን ዕላማታቱን፡ ብኣረኣያኡን ኣተሕሳስባኡን እምበር፣ ብምስልን ስምን ወደብቱን ጀመርቱን ኪምዘን ኣይግባእን እዩ ኢሉ ስለዝኣምን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ደለይቲ ፍትሒ ኪሰርሕ ቅሩብነቱ የረጋግጽ።

የብሉን።

እንታይ ትጽቢት ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ

እዚ ማሕበር እዚ ከምቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ሕጂ እውን ነቲ ዝተጠልመን ዝተጨውየን ራኢኡ- ራኢ ህዝባዊ ግንባር- ራኢ ብልጽግትን ስልጥንትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምዕዋት ይሰርሕ። ብሓጺሩ ከምቲ ትማል ዝተጋደሎ ሎሚ ኸኣ በብዓቕሙን ክእለቱን ይጋደል። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንክፋእን ተንኮልን እዚ ስርዓት ንምቅላዕ ዓቢ ዘመተን ወፍርን ብምክያድ፣ ነቲ ድሮ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዓለማዊ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ብምኽራርን ኩሉ ካልእ ዝኽእሎ ዘበለ ብምክያድን ዕድመ እዚ መላኺ ስርዓት ንምሕጻር ይጋደል።

ገድሊ ማለት ከኣ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ በረኻን ዓድን ብእትኽእሎ ዓቕሚ ዋጋ ምኽፋል ማለት ኢዩ።  እዞም ሕጂ ዝበጋገሱ ዘለዉ መንእሰያት ኮነ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ገዳይም፡ ኩሎም ምእንቲ ህዝቦም በብዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ተጋደልቲ ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሉ ሃገር ሓራ ስለዝገበረ ብኹሉ ተጋዳላይ እዩ። ንተጋዳላይ ትርጉም ገድሊ ምንጋር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ከም ምውጣይ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ እምበኣር ስም ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት፡ ዝተፈላልየ ኣስማትን ቅጽላትን ዘለውን ማሕበር መንእሰያት፡ ጀብሃ – ሻዕቢያ፡ ኢዋይኤሲ – ኢዋይሲኤ ኩሉ ኣስማት እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ውዳበ ዝሓዘ ኣስማት ብዝበርክቶ ግብራዊ ስራሕ ከኣ ኢዩ ዕድመ መላኺ ዝሓጽርን ዝነውሕን።

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ እምበኣር፡ ማሕበር ድሕነት እምበር  ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ “ርዳእ ርዳእ!” እዋን ከኣ እታ ዝነኣሰት ዓቕሙ እውን ትኹን ኣብ ምቅልጣፍ ለውጢ ከውዕላን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪሰርሕ ሙዃኑን ቃል ይኣቱ።

 

ጻውዒት ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ

  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣
  • ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
  • ንብምሉኡ ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ለውጢ ስቪክ ማሕበራትን
  • ንማሕበራት ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት
  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር

ቀላጽሞም ኣስሚሮም ሰራውር ምልኪ ኪምሕዉ ኪብገሱ ጻውዒቱ የቕርብ። ኹሉኹም እቶም ብራሕቂ ቦታ ኮነ ሕጽረት ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ኪሳተፉ ዘይከኣልኩም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትነብሩ ደለይቲ ለውጢ ተጋደልቲ ኣብዚ ማሕበር እዚ ተጠርኒፍኩም እቲ ህዝብኹም ዘሰከመኩም ሓላፍነት ኪትግብሩ ኸኣ ንጽውዕ።

እዚ ምትእኽኻብ እዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ሓይሊ ከም ጸግዑን እንግድዑኡን እዩ ዝርእዮ። ነዚ ጸግዒ’ዚ፣ ነዚ ጎድኒ’ዚ ኣሚኑ እዩ ከኣ ኣብ ምጽራግ እዚ መላኺ ስርዓት እጃሙ ከበርክት ዝበራበር ዘሎ። ድሮ ኸኣ ብዙሓት ኣባላቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖም ኣለዉ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብምሒር እምነቶም ተታሊሎም ኣሚኖም ኣብ ስልጣን ዘደየቡዎ ሓይሊ፡ ደም ስኒ ኮይኑዎም ክፉኡ እናሰተሩ ኣብ ውሽጦም ኪእርምዎ ፈቲኖም ግን በሊዑዎም። እዞም ሕጂ “ይእከል!” ኢሎም ድምጺ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ማእሰርትን፣ ኣብታ ዓባይ ካርሼሊ – ኤርትራ ብዓባያ ንዝርከብ ህዝቢ ድምጺ ኪኾኑዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ስለዝመረጹ እዩ።

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ

ሰሉስ 19 ሕዳር 2013 – ለንደን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • Tekluu Gubtaan November 20, 2013

    ልዕሊ ኩሉ ግዳያት ተንኮላትን ኣደረዕን ናይ ሰርዓት እሰያሰ ዝኾኑ ተጋደልቲ ዮም ፦ ደኺመኺሞም ፡ከርቲቶም፡ ንዓመታት ኣብ በረኻ ሰፈርም ስለ ኹሉ። ተሰኪመሞ ኣብ ሰልጣን ከፍ ዘበልዎ ሰርዓት ካኣ ቅድሚ ኩለ ጠሊመዎመ፡ ነዳታትኩም “ማይ ዉረዱልን” ኢልዎመም!! እንተ ደኺምካ ፡ኣረግካ ኣይኮነን ‘ዶ ስረዓት ከተቅይር ነብሰኻ ክትክእል ዉን ነጋዶ ዩ።
    ኣበይ ኔርኩም፧ ዝበል ዘረባ ፡ናይ በሽቃጠት ኮይኑ ረኺበዮ ፡ወይ ካኣ ኣደይ ሓባል በልያ ከይ ትቐድመኪ ዘዓይነቱ ኢዩ። እቲ ኣበይ ኔርካ፧ እንታይ ጌረካ ዓዲን ህዝብን ንምድሓን፧ ዘብል ነቶም ዓድናን ሰብናን ጠንጢና ምስ ወዑይ ደምና ብዉልቀዉነት ተጠቐዕና ነብስና ኣብ ስደት ዘቐመጥናያ እዩ ዝምለከት። ሳወ ወረደና በረት ዓጢቐና ህድማ ተታሓሒዝነዮ ንኢቶዮጵያ ን ሱዳን ወለድና ደም እና ነብዑ ። ሕጂ እንደገና ተጋደልቲ ዘይእድሐኑና ምበል ከም ነባሐጎኻ ሓነጊሩ ዘባን ዐቐብ ከደይበካ ምመሕጻን ዩ ዘቑጸር።

  • Negga Yosif November 20, 2013

    Thank you Stefanos Temelso
    Subuken busulen elka kemzikemakandomo wihidom emberdo ezom nHgdf zdegefu bhaki Eritrawean eum I don’t think
    How in earth they celebrate and dance while part of their body is dead? Really sham on them specially Boston’s.I don’t know what they will say tomorrow we know them each and every one.

  • Halibay November 20, 2013

    አንቱም ትማል

    አሚንኩም፡ ዘእመንኩምና
    አእሚንኩም፡ አጥሊምኩምና
    ተጠሊምኩም ፡አግዲዕኩምና
    ተገዲዕኩም፡አስዺድና
    አሰዲዱ፡ አጥፊኡ፡ቀቲልና።

    ደንጓኹሞ እንቛዕ አርከብኩም
    ቛንቁኡ ትፈልጥዎ ግርም
    የድልዮሎ ገለ ህርም ምርም

  • abab November 20, 2013

    Ato stefanos
    Seb zdeleyo kbl ykel eyu. Kem zmesleni tegadalay sle zkonka wela eta sm kem ttnkfeka yfelt eye. Seb ameararyu entetezaribu nzkone ketsebk ykel eyu. Gn eti kendi agedasi tsbake aykonen. Tegadalay sle zkonka ab engliz zelewu tegadelti entetebahle si ajekum tbl aleka. Kdmi hji aberktoka azye yemesgno. Hji wn kezekreka zdeli ab bahlna abo enda abeye kkeyd kelo wludu enda aleyo eti abo kea enda mekete eyom znebru. Ezom sebat hzbi aab zelewo ketema nsmer endabele kndi zhgzu nab london teakibom kale gujle kmsrtu ayknenan. Bzeybeu wn eta hzbawi gmbar tbl sm ab hzbi eritrea entay aynet flly kemtemtse kabzi commentknezeb nkel. Zgeberuwo hluf tarik nebari eyu zdefro yelen. Hji gn neti tsbuk tarik keyetselmwo nfrah. Aab znebrulu ketematat hzbi ykawem alo neeu gedifom abza gzie ezia nab london mekmekab bwegeney 1% hmak alata ele yamn.saebenu gn keykebdena bejaka hsb abilka bzuhat tegadelti tfrlt tkewn emo tsegem keyfter belom.

  • rahwa November 20, 2013

    the most amazing thing is that the only Eritreans who ever stood up against the dictator are the ex-fighters. did they succeed in forcing him to change? no. but still they stood up to him time and again. and it is sad to see some Eritreans accuse the fighter of being the cause of everything bad that has befallen our country and our people. and i say, they fought for independence. they sacrificed life and limb, youth and family to destroy a regime as fascist as the Dergue. but sadly some Eritreans think the fighters should go on sacrificing everything while they themselves stand on the sidelines. these individuals have closed their minds and their hearts shut. xemam hade derfu zibhal kemzi iyu. i hear Mr Amanuel Eyasu state the facts. however no one listens. as he said time and again, it was eseyas who insulted the fighters for the first time. and some people who claim to oppose the eseyas regime follow his example and insult the fighter as they please. we need to be critical thinkers. it is foolish to go on saying something because someone you admired once said it. their hate-love relationship is something.

  • Dawit Meconen November 20, 2013

    Former EPLFs,

    Better late than never, as they say. I am happy that you at last heard the call of our distressed country and set out to change the course of destruction the impostor , Isaias Afewerqi, has been take with impunity.

    However, I am sorry to say that you have not identified the Cause of the Problem explicitly. You have to hit the nail on its head so the rest of us can confidently welcome you to the struggle.

    Tell us in unmistakable term that not only is Isaias Afewerqi the alpha and omega cause of the problem but also he is an impostor working hand in glove with woyane to install abai tigra on the ashes of our country, people, heritage, culure, language etc.

    There are some who, like the so called Eritrean Opposition, who are in reality woyane’s Trojan Horses ,and therefore, take instruction from woyane to attribute the problem wrongly to PFDJs.

    Why doesn’t woyane want Isaias Afewerqi to be explicitly stated as the cause of the problem?

    In a nut shell, PFDJs are Isaias’s Trojan Horses; he hides in them, performs his heinous crimes through them etc. etc. Therefore, they are his accessories and ought not be the primary objective of our struggle. However that does not mean that ,at the end of the day, they won’t be held accountable for their relative crimes.

    The reason woyane is instructing its Eritrean puppies to focus on PFDJs rather than on the impostor, Isaias Afewerqi ,has two fold evil goals:

    1. To perpetuate among our naïve population the wrong myth that Isaias Afewreqi is virtuous, of high moral integrity and Eritrean Patriotic and that all the pervasive corruptions and economic hardships of which they are suffering is being caused by PFDJs and the USA imposed sanction.

    But we know the author of all these evils is none other than the impostor, Isaias Afewerqi.

    2. The longer Isaias Afewerqi continues to enjoy the trust of the naïve population, the better chance he has to completely decimate the country and the people and thereof, the more likelihood that his Chicken Dream of Abai Tigrai will be realized.

    Genuine Eritreans,

    Don’t be misled by the con-artists, woyane and Isaias and do not afford these criminals time to decimate your country and people by focusing your effort on the accessories, PFDJS. Time is of the essence. The more time we waste on the trivials, the faster slips away the opportunity to save your country. I am not kidding. I know exactly I am saying.

    • MightyEmbasoyra November 20, 2013

      Ato Dawit,
      I like this comment. You have refrained from using those previous words but this has more weight.
      BTW, since your comments indicate some level of intellectual sophistication, may I ask what your contribution (beside the comments you make) to expedite the departure of isayas? Just curious.

  • Tsehaytu November 20, 2013

    እድሪስ ዓዋተ።
    እንገራ እዝጊ ብላዕ ስለቲ ቕኑዕ ርእይቶካ፣ ዝሓባእካ ሓቢእካ እዚ ምስጢር ናይ ሳሕል ኢዩ እናተበሃለ ከምዘይተሓብኣናን ሕጂ ከምዛ ዘይቲፈልጥ ኮንካ ብማሕበር ተጠርኒፍና እናበልካ ምንድንጋር ንመን? ኢሳያስ እኮ ንዓካትኩም ሒዚ ኢዩ ቕጥቂጡና እምበር ኣብ ባይታ ወሪዱ እዚ ኩሉ ግፍዒ ንበይኑ ኣይምሰርሓን። ሕጅ እዉን ጊዜ ስለዘለኩም ጊዜኩም ም ስህዝብኩም ንምትዕራቅ ተጠቀምሉ። ኣብ ጎቦ ዘሎ ንፋስ ይዉሰዱ ኣብ ሩባ ዘሎ ዉሕጅ ይዉሰዶ ዝበሃል ኣይኮነን ህይወት ሰብ ኢዩ ጠፊኡ። ነፍሰ ወከፍ ሰብ ከክማብሳኡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ኪቀርብ ኢዩ።

    • Selamawit November 22, 2013

      30 ሽሕ ዘይኮኑ ተጋደልቲ ቀጥቂጦምኻ? ቅጥቁጥ. እንታይ ትዋጢ ኔርካ ክትቅጥቀጥ ከለኻ። ኣይ ተጋደልቲ እንድዮም መጀምርያ ኢሳያስ ውረድ ዝበሉ። ሓጊዝካዮም’ዶ? ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ኮይንካ ቀጥቂጦምና ትብል። ቅጥቁጥ ዋሒድ።

      • Ghenet November 26, 2013

        ሰላማዊት፣
        ብመጀመሪታ ጽርፊ ኣይመድለየን ምኽንያቱ ጸርፊ ናይ ሓቂ ክሓብእ ዝደለየ ሰብ ምልክት ስለዝኾነ።
        30 ዝበልኪዮ መን እዩ ቆጺሩዎም፧ ጭብጢ ዘይብልካ ብግምት ቁጽርታት እንዳጠቀስካ ክትሙግት እሞ ኸኣ ጸርፊ ወሲኽካ ኣይግድን።ደሓር ከኣ 30 ሽሕ ሕጊን ብረትን ኣብ ኢዶም ዝጨበጡ ውሑዳት ድዮም መሲሎምኺ፧ ዋላስ ስለዘይበጽሓኪ እዩ? ኣሽንዃይዶ አብ ኤሪትራ አብቲ ዘለኽዮ ዓዲውን ምስ በዓል ስልጣንን በዓል ብረትን እንተተቓሊስካ ሳዕቤኑ እንታይ ምዃኑ ኣይጠፍኣክን ይኸውን።

  • fistum ghirmay November 20, 2013

    amilak yihagzom netom hadshi widb dimsrtu delwu dekimom dewi keyibilu gina mist delo widb texenbrom miklas mihashom neru.widket ni HGDF weitn asliton niwxu hizb eritrea .SIWZERLAND doshika-debrezet

  • negassi November 20, 2013

    I was a member of mass organization in Ethiopia. Soon after independence I went to Eritrea. But it didn’t took long to learn that EPLF was clique, excluding everyone ( GEBAR.)Issaias was smart formed the clique to protect him. I want to correct those which they think that EPLF didn’t brought independence it is the the ERITREAN PEOPLE. The usual EPLF culture besides HASOT,METEKAN,JAHRA and forming a clique to exclude others is the main instrument. Any member of EPLF regarless of his background want to hide behind sewAt like their BOSS. Please leave us alone.

  • negassi November 20, 2013

    I was a member of mass organization in Ethiopia. Soon after independence I went to Eritrea. But it didn’t took me long to learn that EPLF was clique, excluding everyone as ( GEBAR.) or JEBHA Issaias is smart to formed the clique to protect his power. I want to correct those which they think that EPLF didn’t brought independence it is the the ERITREAN PEOPLE. The usual EPLF culture besides HASOT,METEKAN,JAHRA and forming a clique to exclude others is their main instrument. Any member of EPLF regarless of his background want to hide behind sewAt like their BOSS. SEWAAT are sons and doughter of the people not to ex members of EPLF. But I don’t mean all.

Post a Reply to Ghenet Cancel Reply