Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ጋዜጣዊ መግለጺ -  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ! ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት - ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ

ጋዜጣዊ መግለጺ –  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት – ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ በርሚንግሃም፡ ኖቲንግሃም፡ ሸፊልድ፡ ማንቸስተርን ኦክስፎርድን ኣብ ከተማ ለንደን ተኣኻኺቦም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊትን መከናይዝድን፡  ምምሕዳራትን ሚኒስትሪታትን  ብዝተፈላለየ ጽፍሕን ሞያን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡  ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራን ተመኩሮ ዝነበሮም  ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነዚ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ዕላማታት ቃልሲ ሃገር ጨውዩ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቅልዑ ጥራሕ ዘይኮነ  ንምምካቱ እውን  ዓቲቦም ከምዝሰርሑ  ብምርግጋጽ እዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ጋዜጣዊ መግለጺ 

ስም ማሕበር ፡-

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር  ንለውጢ

መንኢዩህዝባዊግንባር፧ኣባላቱኸመንእዮም፧

ህዝባዊ ግንባር፡ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር ናጽነት ዘረጋገጸ፤ ቅዋማዊት ዲሞክራሲያት ሃገር ንምምስራትን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽ ዝተቓለሰ፣ ፍትሕን ርትዕን ንምንጋስ ዝጸዓተ፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ንሓድነትን ማዕርነትን ዝቃለስ መስመር እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሰብ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ መስመር እዩ።  ኩሎም እቶም ነዚ መስመር’ዚ ክውን ኪገብሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ፣ ዝሰንከሉን ዘለዉን ሓፋሽ ውድባት ይኹኑ ተጋደልቲ ከኣ ኣባላቱ ኢዮም።

እዚ ሕጂ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ጠሊሙ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተቓለሰሉ ዕላማታትን መትከላትን ኪሒዱ ንህዝቢ ረጊጹ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ እዚ ነቲ ደቂ ህዝቢ ዝተሰውኡሉ፡ ክቡር ሃገራዊ ዕላማ ጨውዩ፣ ብግዕዙይ ምሕደርኡ ንሃገርና ዝብትንን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ጠላም ስርዓት። ብዝናን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ዝነብር ግን ዕላማን መትከልን ህዝባዊ ግንባር ዝቐበረ ከይሲ እዩ። እዚ ንመላእ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ፣ ንመንእሰያት ብመደብን ፍላጥን ካብ ሃገር ዘንፍጽ ዘሎ መላኺ ስርዓት፣ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ኣብዚ ማሕበር እዚ ዝጠራነፍ ዘሎ፡ ንመስመር ህዝባዊ ግንባር ተኸቲሉ፡ ነቲ ሰማእታትና ዝወደቑሉ ብጉጅለው ምልኪ ዝተጠልመ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ገዝኡ ከሳልጥ፡ ኤርትራ፡ ሕግን ቤት ፍርድን ዘለዋ፡  ግሉጽን ሓቛፍን ስርዓት እትውንን፣ ብግሉጽ ፋይናንስን ባጀትን እትመሓደር፣ ስለስቲኡ መሓውራት ስርዓታ ማለት፡ ሓጋጊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ ብናጻ ምርጫን ድምጺ ህዝብን፡ ስልጣን ዝረክብን ዘረክብን ሓይሊ ንምግባሩ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

 

 

 

ዕላማታት እቲ ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብድምር ሰለስተ ዕላማታት ሒዙ ኢዩ ነቒሉ።

ፖለቲካዊ ዕላማታት

ነቲ ሰማእታትና ኣሚኖም ዝወደቕሉ፡ መላእ ህዝቢ ዘበርከተሉ፡ ብዓመጽ ዝተጨውየ  ፖለቲካዊ ዕላማታት ብምርግጋጽ ውሑስ ዝኾነ ዲሞክራሲዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምምስራት። ንኹሉ ወዲ ሃገር  ዓሌት ሃይማኖት፡ ብሄር ቀቢላ፡ መታሕት ከበሳ ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ናጻን ርትዓውን ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምምስራት። ዜጋታት ብምእነቶም ዝዋስኡሉን ንሃገራዊ ዕላማታት ዝውፈ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምምስራት። ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ፣ ዜጋታት ብምሉእ ናጽነት፡ ብዝመሰሎምን ምስዝመሰሎን ተወዲቦም ኪቃለሱ፣ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ኪገልጹ፡ ኪዛረቡ ኪጽሕፉ፣ ኪኣምኑ ከምልኹ ዘፍቅድ ስርዓት ምትካል።

ማሕበራዊ ዕላማታት

ንዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ውልቃዊ ጸገማት ኣባላት እዚ ማሕበር ንምፍታሕ ሞራላውን ቁጠባውን ምድግጋፍ ምግባር። ብዙሓት ኣባላት እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብዘጋጠሞም መውጋእቲ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም፤ ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠሞም ሃስያን ጥልመትን ግዳይ ዝኾኑ  ክፋል’ቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ሞራላውን ሕልናውን ደገፍ የድልዮም ኢዩ።

ቁጠባዊ ዕላማታት

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ሕጂ ጀሚሩ በብቑሩብ ናይ ምውህላል ዓቕሙ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ንኺሳተፍ መደብ ኣለዎ።  ቁጠባ ሓይልን ሕቖን እዩ፤ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ውዳበ ዜጋታት፡ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ብምዕባይ ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ክውን ዝኸውን ኣሳታፊ ስርዓተ ቁጠባ ኤርትራ ብምውሳእ ንነብሶምን ሃገሮምን ብቑጠባ ከዕብዩ  የተባብዕ።

ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እንታይ እዩ’ኸ ኣገዳስነቱ፧

ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ግዳም ብቓልዕ ኣብ ውሽጢ ከኣ ብምስጢር ነነዊሕ ዝኸደ ተቓውሞታት እኳ እንተጸንሐ እዚ ስርዓት ነዚ ደምበ ተቓውሞ ብዝተፈላልየ መገዲ እናኸፋፈለ ከዳኽሞ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብጭቡጥ ከምእንርእዮ እዚ መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ንኤርትራ ሓማሚሱዋ ኺጠፍእ፣ ብታሕቲ ታሕቲ ብመደብ ንህዝቢ ብጸቢብ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት፣ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከፋፊሉ ነዛ ሃገር ንምብታና ይሰርሕ ስለዘሎ፣ ኣንጻር እዚ አዕናዊ ምክፍፋላት ተቓሊስካ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጽባሕ ዘይበሃሎ እዋን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ዝጠራነፍ ዘሎ ማሕበር ምስቲ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ተሓባቢሩ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምስፋን ኪሰርሕ ኢዩ።

ስቕታን ዓውታን፡ ቃልስን ድቃስን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምርጫን መሰልን ኢዩ። ምግዳል ትማሊ ገበን ኣይነበረን ሎሚ እውን ገበን ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ከኣ ትማል ተጋዲሉ ሎሚ እውን  ኪጋደል ተገዲዱ ኣሎ። ትማል ኣብ በረኻን ጣሻን ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ቤትን ኣደራሽን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኑ ይገብሮ ኣሎ። ትማል ጠበንጃ ዓጢቑ ነይሩ። ሎሚ ድምጺ ዓጢቑ ኣሎ። ኩሉ ዕላምኡ ከኣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ማሕበራት መንእሰያትን ተወሃሂዱ ነቲ ዘይተወድአ ዕዮ ገዛ ደለይቲ ለውጢ ኣሳታፍን ሓቛፍን ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ። ዝኾነ ይኹን ተበግሶታት ቃልሲ ብመትከሉን ዕላማታቱን፡ ብኣረኣያኡን ኣተሕሳስባኡን እምበር፣ ብምስልን ስምን ወደብቱን ጀመርቱን ኪምዘን ኣይግባእን እዩ ኢሉ ስለዝኣምን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ደለይቲ ፍትሒ ኪሰርሕ ቅሩብነቱ የረጋግጽ።

የብሉን።

እንታይ ትጽቢት ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ

እዚ ማሕበር እዚ ከምቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ሕጂ እውን ነቲ ዝተጠልመን ዝተጨውየን ራኢኡ- ራኢ ህዝባዊ ግንባር- ራኢ ብልጽግትን ስልጥንትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምዕዋት ይሰርሕ። ብሓጺሩ ከምቲ ትማል ዝተጋደሎ ሎሚ ኸኣ በብዓቕሙን ክእለቱን ይጋደል። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንክፋእን ተንኮልን እዚ ስርዓት ንምቅላዕ ዓቢ ዘመተን ወፍርን ብምክያድ፣ ነቲ ድሮ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዓለማዊ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ብምኽራርን ኩሉ ካልእ ዝኽእሎ ዘበለ ብምክያድን ዕድመ እዚ መላኺ ስርዓት ንምሕጻር ይጋደል።

ገድሊ ማለት ከኣ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ በረኻን ዓድን ብእትኽእሎ ዓቕሚ ዋጋ ምኽፋል ማለት ኢዩ።  እዞም ሕጂ ዝበጋገሱ ዘለዉ መንእሰያት ኮነ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ገዳይም፡ ኩሎም ምእንቲ ህዝቦም በብዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ተጋደልቲ ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሉ ሃገር ሓራ ስለዝገበረ ብኹሉ ተጋዳላይ እዩ። ንተጋዳላይ ትርጉም ገድሊ ምንጋር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ከም ምውጣይ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ እምበኣር ስም ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት፡ ዝተፈላልየ ኣስማትን ቅጽላትን ዘለውን ማሕበር መንእሰያት፡ ጀብሃ – ሻዕቢያ፡ ኢዋይኤሲ – ኢዋይሲኤ ኩሉ ኣስማት እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ውዳበ ዝሓዘ ኣስማት ብዝበርክቶ ግብራዊ ስራሕ ከኣ ኢዩ ዕድመ መላኺ ዝሓጽርን ዝነውሕን።

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ እምበኣር፡ ማሕበር ድሕነት እምበር  ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ “ርዳእ ርዳእ!” እዋን ከኣ እታ ዝነኣሰት ዓቕሙ እውን ትኹን ኣብ ምቅልጣፍ ለውጢ ከውዕላን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪሰርሕ ሙዃኑን ቃል ይኣቱ።

 

ጻውዒት ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ

  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣
  • ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
  • ንብምሉኡ ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ለውጢ ስቪክ ማሕበራትን
  • ንማሕበራት ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት
  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር

ቀላጽሞም ኣስሚሮም ሰራውር ምልኪ ኪምሕዉ ኪብገሱ ጻውዒቱ የቕርብ። ኹሉኹም እቶም ብራሕቂ ቦታ ኮነ ሕጽረት ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ኪሳተፉ ዘይከኣልኩም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትነብሩ ደለይቲ ለውጢ ተጋደልቲ ኣብዚ ማሕበር እዚ ተጠርኒፍኩም እቲ ህዝብኹም ዘሰከመኩም ሓላፍነት ኪትግብሩ ኸኣ ንጽውዕ።

እዚ ምትእኽኻብ እዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ሓይሊ ከም ጸግዑን እንግድዑኡን እዩ ዝርእዮ። ነዚ ጸግዒ’ዚ፣ ነዚ ጎድኒ’ዚ ኣሚኑ እዩ ከኣ ኣብ ምጽራግ እዚ መላኺ ስርዓት እጃሙ ከበርክት ዝበራበር ዘሎ። ድሮ ኸኣ ብዙሓት ኣባላቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖም ኣለዉ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብምሒር እምነቶም ተታሊሎም ኣሚኖም ኣብ ስልጣን ዘደየቡዎ ሓይሊ፡ ደም ስኒ ኮይኑዎም ክፉኡ እናሰተሩ ኣብ ውሽጦም ኪእርምዎ ፈቲኖም ግን በሊዑዎም። እዞም ሕጂ “ይእከል!” ኢሎም ድምጺ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ማእሰርትን፣ ኣብታ ዓባይ ካርሼሊ – ኤርትራ ብዓባያ ንዝርከብ ህዝቢ ድምጺ ኪኾኑዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ስለዝመረጹ እዩ።

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ

ሰሉስ 19 ሕዳር 2013 – ለንደን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • yohannes November 20, 2013

    where have you been the whole time? silent is not the solution. Our people,youth were everywhere scuttered and sold like goat and killed. shame on you! I myself don’t trust Tegadelti hezbawi gembar “EPLF” any more. they are cheaters and looser as well.

  • Stefeanos Temolso November 20, 2013

    ነቶም “ኣበይ ኔርኩም?” ዝብሉ “ንስኻትኩምከ ኣበይ ኔርኩም ዝብል ሕቶ ከቕርበሎም እፈቱ። እዚ ዝብል ዘለኹ ኣብ ጕዳይ ናይዞም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ማሕበር መስሪቶም ዘለዉ ኣሕዋት ተመርኵሰ ዘይኮነ ብሓፈሻኡ እየ ዝዛረብ ዘለኹ። ኣብ ዝተፈላለየ ዜና ማዕከናት ሓደ ሰብ ገለ ሃናጺ ነገር እንተ ጽሒፉ፡ “ኣበይ ኔርካ ክሳብ ሎሚ?” ዝብል ሕቶ ድሕሪ ምቕራብ እዚ ዘይብሃል ዘለፋ ከቕርቡ እዕዘብ። ቀዳማይ ነገር ዝኾነ ሰብ ናብ ሓደ ዕላማ ክነቅል እንተ ኾይኑ ወይ ኣረኣእያኡ ክቕይር እንተ ኾይኑ ክርድኦ ክኽእል ኣለዎ፡ ወይ ድማ ገለ ሓሊኹዎ ዝጸንሐ ነገር ክእለ ኣለዎ። ከምዚ እዞም ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ሰባት ዝብሉዎ ዘለዉ እንተ ኾይኑ’ሞ ኸኣ፡ ንሳቶም’ውን በቶም ዝቐደሙ ኣበይ ኔርኩም ክብሃሉ ኣለዎም ማለት እዩ። ንኣብነት እንተ ፈትዮም እንተ ተጸጊሞም ንኢሳያስ ዘገግሉ ኣሽሓት ካድረታት፡ ሓለፍቲ፡ ተራ፡ ሃብታማት ነጋዶ፡ ድኻታት ወዘተ ኣለዉ። እዚኣቶም ሓደ እዋን “ኢሳያስ ውልቀምልካዊ እዩ ክእለ ኣለዎ!” እንተ ዝብሉ፡ “ኣበይ ኔርኩም?” ድዮም ክብሃሉ? ኣዝዩ ዘገርም ናይ ደናቍር ኣተሓሳስባ እዩ። ካብ ተጋደልቲ ምናልባት 5% ንኢሳያስ ኣዝዮም ዝኣምኑሉን ብጥቕሚ ተኣሳሲሮም ወይ ተደናጊሮም የገልግሉዎ ይህልዉ። እቲ 95% ግን ኣዝዩ ዝተሃስየ፡ ዝሰንከለ፡ ብሕማምን ብስጭትን ዝማሰነ፡ ከም መታወኒ ዝተደርበየን እዩ። ንስንኵላትን ውጉኣትን ጥዩሳትን ገዲፍና፡ ነተን ኣብ ፓርኪን፡ ጽሬት ከተማ፡ ፋቶሪኖ ዝሰርሓ ከምኡ’ውን ኣብ ፖሊስን ሰራዊትን፡ ኣብ ሙኒቺፕዮ፡ ሕክምና፡ ኣቭ ፈቐዶ ገተራት ናይ ዞባታትን ወረዳታትን ምምሕዳራት ፋሕ ኢሎም ዘለዉን ዘለዋን ተጋደልቲ ንመልከት። እዚኣቶም ኖኣመታት ብደሞምን ረሃጾምን ሃገር ኣምጺኦም ከብቅዑ ረሃጾም ረሃጽ ኣድጊ ኮይኑ ኣይ ብኢሳያስ ኣይ ብህዝቢ ክምስገኑ ብስእነትን ህውተታን መሃነኖም ተፊኡዎም ዘለዉ ክፋል ናይቲ ሕብረተሰብዶ ኣይኮኑን። ተጋደልቲኸ ንኢሳያስ ያዕ ንምባል ኣይተበገሱን ድዮም? ኣብ 1993 ብስም ናይ 20 ግንቦት ናዕቢ ዝፍለጥ ንኢሳያስ ራዕራዕ ዘበለ ምንቅስቓስ ኣካዪዶም። ኣብዚ እዋንዚ፡ “መንግስቲ ኣብ ክንዲ ብማእከላይ ሽማግለ ህግሓኤን ናይ ዞባ ተወከልትን ዝቐውም፡ ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ ክቐውም ኣለዎ፡ ተጋደልቲ ደሞዝ ክጅመረሎም ኣለዎ፡ መራሕትና ልክዕ ካብ ናይ ኣፍሪቃ መራሕቲ ዘይትፍለዩ ኴንኩምና፡” ዝብል ሕቶታት ነይሩ። ኢሳያስ ግን ኣብ መስኮት ቲቪ ቀሪቡ ነታ ናይ ደምዞ ጥራይ ብምጥቃስ፡ “ሓቃቶም ኣለዉ፡ ኣብ ቦታኦም እንተ ዝህሉ ኣነ’ውን ከምኡ ምበልኩ” ድሕሪ ምባል ንፍሉያት ሰባት መመዚዙ ካብ 3 ዓመት ክሳብ 15 ዓመት ብዘይ ፍርዲ ለጢጡዎም። ህዝቢ ኣብዚ እዋንዚ ያዕ ኢሉዶ???? እቲ ሕቶ ነዞም ኣብ ላዕሊ ብሱልን ጥረን ጽሒፍኩም ዘለኹም ዝምልከት እዩ። ኣብ 1994 ስንኵላን ተጋደልቲ ተመሳሳሊ ኣድማ ኣካዪዶም ኢሳያስ ብመንገዲ ወዲ መምህር ዝብሃል ከም ብዕራይ ክጽመድ ዝኽእል ኣብዲ ብጥይት ኣትዩዎም። ሽዑኸ ህዝቢ እንተላይ ንስኻትኩም እዞም ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ትወራዘዩ ዘለኹም “ያዕ! ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ!” ኢልኩምዶ??? ኣበይ ኔርኩም ሽዑ?? መልሱ። ኣብ 2001 ገዳይም ተቓለስትን ጋዜጠኛታትን ለውጢ ከምጽኡ ተንቀሳቒሶም። ዓለም ምሉእ ያዕ እናበለ ህዝቢ ያዕ! ኢሉዶ? ኣይበለን። ንስኻትኩምከ እዞም ናይ ብርዒ ሰውራውያን ሽዑ ኣበይ ኔርኩም? ኣስኪ ኣብ ክንዲ ኣጻብዕትኹም ናብ ኮምፒዩተር ምውርዋር ንሕልናኹም መርምሩ። ወዲሰብ ብጅምላ ኣይሕተትን እዩ። ናዚ ዝብሃል ስርዓት ነይሩ፡ እንተ ኾነ ድሕሪ እቲ ኵናት ነፍስወከፍ ኣባል ናዚ ኣይተሓተተን። መን ንህግሓኤ ዘይኣመነ፡ መን ንህግደፍ ዘየጣቕዐ። ድሒሩ ግን ብሰንኪ ግፍዕታቶምን ዘይፍትሃዊ ኣሰራርሓኦምን ሕልና ዘለዎ ሰብ ዓው ኢሉ “ፎእ!” ኢሉዎም ክቡር ዋጋ ድማ ከፊሉ። እቲ ዝበዝሕ ድማ ኣብ ውሽጢ ገዛኡ “ኢሕ!” እናበለ ኣብ ምሕማዮምን ምምንጫቶምን ጥራይ ኣድሂቡ። ካብኡ ንላዕሊ ክገብር ስለ ዘይክእል ድማ ኣማራጺ የብሉን። ስለዚ፡ እንታይ እዩ ዝድለ ዘሎ። ዝኾነ ክቃወም ዝደሊ ሰብ መሰሉዶ ኣይኮነን። እዞም፡ ንዝኾነ ውልቀሰብ ይኹን ማሕበር ወይ ውድብ፡ ዘድልን ዘየድልን ናይ ለቝመጽመጽ ዘረባ ትጽሕፉ፡ “ሓሲብኩም ናብ ልብኹም እንተ ተመለስኩም ይሕሸኩም” ካብኡ በለ ተቓዋሚ እናመሰልካ ኣብ ሳይበር ተሓቢእካ ንተቓወሚ ክትጸፍዕ ምፍታን፡ “መሳርሒ ህግደፍ፡ ወይ ድማ ተረፍ መኣዲ ከልምጹ ዝፍትኑ ዘለዉ” ዝብል ስም ክትጥመቑ ምዃንኩም ክትግንዘቡ ይግባእ። ቃልሲ ክብሃል ከሎ ናይ ሕልና’ምበር ኣብ ሳይበር ናይ ዝጸሓፍካ ኣይኮነን። ስለዚ፡ ቅድም እሞ እጃምኩም ኣበርክቱ ድሕሪኡ ተዛረቡ። እቲ ብሕልና ዝቃለስ ድማ ሓቀኛ ስሙ ተጠቒሙ እዩ ኣብ ሜድያ ዝቐርብ። ንተጋደልቲ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ኣብ ጐድንኹም ኣለና “ኣጆኹም!” ክብለኩም እፈቱ። ዓወት ንህዝቢ!!!

    • MightyEmbasoyra November 20, 2013

      Ato Stefeanos,
      I am glad we still have intelligent people like you. You have put it nicely and sadly accurate. Even though I don’t prefer the name (just because some people will feel neglected – say if they were ELF or ELF supporters, which are many people), almost all of your statements are very accurate and reasonable.
      Thanks to you and alike and Assenna, we have the forum to learn (and teach) from each other. It is very hard to understand for what you guys/girls have gone through. It is almost like taking a class with and without a lab – you can have completely different experience.
      Anyways, thank you and keep us staright!

    • ERITRAWIT November 20, 2013

      Stefeanos,
      Brother you said it all, no body did to the country than Tegadelty. if 5% where working with Isaias 95% of them they were innocent. They been hurt more than any one they lost there Golden age become blind, deaf, disabled and who they lost there live been Beriud every where we are walking on there grave. people they need change they will support any one, people they don’t need change they life is good under HGDEF or in Isaias Ajenda they will come with different comment and mwrzay. beside most his supporter there were Derg Esepa and non-Eritrean let’s not take any notice we should work united. Eritrean to get rid of this mendelay Temen from our land once and for all. because he is not good for any one. people they support him they should know by now if they are Eritreans.

      • Mehret November 20, 2013

        Eritrawit,
        Where did you get this 5% or 95%? did you do any research. I am asking you because making unfounded claim can backfire. Please share your source.
        Then you write ‘Brother you said it all, nobody did to the country than Tegadelty.’ Isn’t this betrayal? What about the eritrean mothers and fathers, all the eritrean Gebar. These ‘gebar’ after liberation started to be called ‘dembar’ — what a betreyal!!!!! Eritrean people went through hell to get their freedom! not only tegadelty!
        How is it that liberation and patriotism belongs only to tegadelty and when it comes as to how DIA came about to be, tegadelty claim to be only victims? Tell me, aren’t the ministers, the generals and colonels and other key officers tegadelty? At one point in time these will run away and say they were victims too. Isn’t that what is happening now. If, as you claim, they have been hurt more than anyone, then many people would ask you ‘where were they till now?’
        What does it take for many Eritreans to accept their flows and errors and mistakes? why is it that always we would talk about what we did willingly and want credit for?
        If we do not accept or acknowledge our mistakes and responsibilities, we cannot move an inch forward. Most of all we need to stop biting drums for anyone who does her/his duty!
        Please let us learn from our mistakes and move forward.
        One thing I want to be clear is that I do not deny some of the tegadelty are innocent. But others can not hide behind them.

    • semere November 20, 2013

      Ato Stefanos,
      I find your comment unusually offensive. Please just state your opinion and refrain from abusive words. Keep your head cool.
      When top military and other top official defected from Assad Basher, many people told them “where were you”? The same was also said for Kaddafi, Idi Amin and many other dictators. It is too easy to change side when the zero hour is about to click. People who have the chance to act do it before the damage is irreversible.
      In Eritrea everybody contributed to the independence of our country in one way or the other, including we who are in the Diaspora. We paid with the precious blood of our brothers and sisters. We also contributed for the economic development of our country, until everything was aborted by Isayas regime.
      I agree that the Tegadelti who are still in the country suffered more than anybody else and they are still suffering. They are psychologically and strategically incapacitated from coming out openly.
      No mature person uses the cyber technology to insult others. Only HGDEF do that. The Internet and social media digital system are meant to help us to create a unified consciousness and mentality to solve our problems at home and elsewhere.

    • Abel Medhane November 20, 2013

      እስቲፍ
      እዚ ዝበላክዮ ሕቅታት ኣለዎ፣ ግን ጸርፊ ግደፍ፣
      ከምዚ እዞም ካብ ኣፍንጫኦም ኣርሒቖም ዘይጥምቱ ሰባት ዝብሉዎ ዘለዉ
      ሽዑኸ ህዝቢ እንተላይ ንስኻትኩም እዞም ሕጂ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ትወራዘዩ ዘለኹም “ያዕ! ግፍዒ ይፍጸም ኣሎ!” ኢልኩምዶ??? ኣበይ ኔርኩም ሽዑ?? መልሲ
      ካልእን ኢልካ ኣሎካ። እዚ ኣበሃህላ የቀራርብ ዶ? ነቲ ዝተጋገየ ከ ከምዝተጋገየ ኪርድኦ ይክእል? ስለዝስ ምስቲ ብሱል ተመክሮካ እዛ ናይ ሜዳ ባህሊ ማለት ጸርፍን ቅጥዕ ኢልካ ምዝራብን ክትኣልያ ይላበወካ።

    • GOJAM November 20, 2013

      SEFANOS YES ABEYE NERKUM SHEFTA HIZOM MESIYOMENA STILL WE DON’T NOW WHO ARE THEY ( JEBEHA NEBER AHABIA NEBER OR DEMHIT AND WOYANE NEBER SO IF THEY SPERET FROM THE REST OF AS WE HAVE THE RIGHT TO ASK EVRY ERITRAWI TEGADILU EIYU THERE IS NO TEGADALAYE NEBER ONLY SHEFTA NEBER OR AGELGELTI NEBER. RILL TEGADELTI TESEWIAOM EIYOM.

      • Support Wedi Temelso November 20, 2013

        I 100% agree with Wedi Temelso. If I were him I would say more than what he said. As Tegadalay I lost every thing: my age, my spirit, my children, my family and above all my hope. I am literally a dead man. What do you want me to say? parsing Isaias because he is the only person who damaged my future. Praising the silents because they don’t feel my pain. praising the gullible because they think only the dead were the braves and the other Tegadalay was useless. what do you want Wedi Temelso would say? Put your shoes on the foot of Tegadalay then you will really feel the pain and hardship exerted on him/her. Doing is harder than hearing what was done.

    • Tsehaytu November 21, 2013

      ተጋዳላይ ነበር እስቲፋኖስ ተመልሶ፣
      ኣብ ገድሊ ከምዝሰንከልካ እፈልጥን ነዚ ከኣ የክብሮ። እንተኮነ ግን ስለምንታይ ከምዝተጋደልካን ከምዝሰንከልካል ብግቡእ ትፈልጥ ኮይኑ ኣይስንዓንን። ምክንያቱ ንራህዋ ህዝቡ ዝተጋደለ ከምቲ ንስካ ኣብ ክፍሊ ግምሩኽ ኣብ ሓላፍነት ከሎካ ትገብሮ ዝነበርካ ዚገብር ኣይኮነን። ንስካን ወዲ ከማካን ኢዮም ንስም ተጋደልቲ በሊሎምዎ ዘለዉ። እዚ ሕማቕ ተግባራትካ እዉን ክሳብ ሕጂ ምቐጸለ ነይሩ ህግደፍ ዓኽ ኢሉ እንተዘይተፍኣካን እንተዘያስረካን። ስለዚ ኣባላት ህግ ነበር ካብቲ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ናይ ሓላፍነት ቦታ ተሰኪሞም ስልጣኖም ጥራይ ከኡትትንከፍ ክሰግዱ እናነበሩን ከምዚ ከማካ ቦታ ሲኢኖም ዲዮም ተላኢኮም ዝመጹ ንተኣካከብ ኣሎና እንተበሎ ኣብ እዋን ዓራርቦ እሞ ናይ መን ከብዲ ኢዮም ከለሳልሱ። እዚ ክብል ከለኩ ግን ኩሎም ኣባላት ህግ ከምዚ ከማካ ኢዮም ማለተይ ኣይኮነን ብዙሓት ከኣ ኣለዎ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዝተሰለፍሉ ዕላም ዘለዉን ምስ ህዝቦም ዝተሰለፉን ገና እዉን ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉን። እዚ ወደሓንካ።

    • idriss awate November 25, 2013

      ተጋዳላይ ነበር እስቲፋኖስ ተመልሶ፣
      ኣብ ገድሊ ከምዝሰንከልካ እፈልጥን ነዚ ከኣ የክብሮ። እንተኮነ ግን ስለምንታይ ከምዝተጋደልካን ከምዝሰንከልካል ብግቡእ ትፈልጥ ኮይኑ ኣይስንዓንን። ምክንያቱ ንራህዋ ህዝቡ ዝተጋደለ ከምቲ ንስካ ኣብ ክፍሊ ግምሩኽ ኣብ ሓላፍነት ከሎካ ትገብሮ ዝነበርካ ዚገብር ኣይኮነን። ንስካን ወዲ ከማካን ኢዮም ንስም ተጋደልቲ በሊሎምዎ ዘለዉ። እዚ ሕማቕ ተግባራትካ እዉን ክሳብ ሕጂ ምቐጸለ ነይሩ ህግደፍ ዓኽ ኢሉ እንተዘይተፍኣካን እንተዘያስረካን። ስለዚ ኣባላት ህግ ነበር ካብቲ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ናይ ሓላፍነት ቦታ ተሰኪሞም ስልጣኖም ጥራይ ከኡትትንከፍ ክሰግዱ እናነበሩን ከምዚ ከማካ ቦታ ሲኢኖም ዲዮም ተላኢኮም ዝመጹ ንተኣካከብ ኣሎና እንተበሎ ኣብ እዋን ዓራርቦ እሞ ናይ መን ከብዲ ኢዮም ከለሳልሱ። እዚ ክብል ከለኩ ግን ኩሎም ኣባላት ህግ ከምዚ ከማካ ኢዮም ማለተይ ኣይኮነን ብዙሓት ከኣ ኣለዎ ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ዝተሰለፍሉ ዕላም ዘለዉን ምስ ህዝቦም ዝተሰለፉን ገና እዉን ንህዝቦም ዘገልግሉ ዘለዉን። እዚ ወደሓንካ።

  • ganshera November 20, 2013

    As per my observation we have to fight for change but this union is it free enough that from any PFDJ spies? I mean are you sure that to disclose and clean the union from PFDJ spies?You need to spy among yourself if you need to win.Example Mesfun Hagos is not opponent to PFDJ instead deliberately he sent by Isaias Afewerkie to liquidate opposition unities.Shortly NENHDHDKUM TESELALEYU ITI QALSI KEMAY KEM ZNEBERE TFELTHU EKUM N ZKONNE SELAYU KEA B GOZOMO GERKUM HREDWO DHRI IZI IYU LEWTHI ZMETS’I

  • semere November 20, 2013

    Like many others I also have some reservations about the new ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር. We are asking where were they when the regime destroyed the nation and their compatriots? I have high respect for ተጋደልቲ including my own brothers and in-laws. No one is going to snatch the independence they brought to our country.

    But I feel their move is too late and too little and too far. I wish the same move is done inside the country. Those in the country is the real martyrs, because their martyrdom is not finished. They are betrayed by Isayas and his cohorts. Those who passed away, at least they are buried with national respect and will remain for ever in our memory.

    In any case, Jesus said “you will know them by their fruits”. I give them time to see what change they will bring to our country. My only advice is to join hands with the rest who who want to demote the barbaric regime. They should also tell us all the crimes committed by Isayas and his supporters to rewrite our history objectively.

  • ahmed saleh November 20, 2013

    Tegadalay post liberation and waray – yikaalo are the same token with different pictures . They are all
    patriotic Eritreans who paid dearly their life for the country they love . ELF -EPLF – WARSAY YEKEALO
    unite to fulfill the promise vowed to martyred brothers/sisters dream for greater Eritrea . Identify the
    past dirty politics and find a way to united front to conquer our common enemy either from inside or outside
    our country territory . Do not underestimate the power of ERITREANS UNITY .

    • samuel November 20, 2013

      Selam Ahmed!
      After all, what is known about the oppression in ShaAbiya, these people are on one or the other way very traumatized people who need a group therapy, (although this applies to the people of Eritrea in general). These Tegadelti-Neber must necessarily deal with their past so that they are able to help others.
      When they believe that they have their glorious past behind them, then they can continue to fight for the rights of the oppressed whom they love very much. This also applies to former members of the ELF. It’s good that they are organised.

    • Ghenet November 20, 2013

      No Ahmed,
      Tegadalay and warsay-ykealo are not the same? It is undeniable that Eritreans have strong love for their country but the Warsay Ykealo were treated so bad by their own brothers that they lost confidence and were forced to leave their country — running as if they have seen a monster. History will tell us the details of what happened in the trenches and battle fields during the border war till now. We should not put crimes against warsay ykealo under the carpet and use the word UNITY. Many unremorseful criminals are still among us. We should not force people into unity without justice. First we have to assure our young that justice will be done.

  • Wereket Taesa November 20, 2013

    selfi naxnet ? again?
    get lost hzbawi gimbar fgurat, you brought Isaias now what do you want?

    • Kabbire November 20, 2013

      Wereket,
      the same goes to the old Jebha fgurat, they all brought our present predicament and hasare-mekera in Eritrea and outside.
      You have to judge them by their fruit, so far nothing good has come from Ghedli Ertra except misery.

  • mike November 20, 2013

    We don’t need ELF or EPLF any more , we need a new generation who concern for z country . We don’t want see a bad experience again. …like HALEWA SEWRA OR SELFI NATSENET.

  • simerrr2012 November 20, 2013

    RIP with all ELF and EPLF doctrine and Agenda. However, I am so sorry for you guys to see the result of the gedli end up at the hand of mafia .Dekise nere teberabire koynu iti tarik naytegadalay. I don’t blame all of you but some of you were and still are part of the propblem. For few of you I can feel the pain you have to suffer for being manipulated by one man.

  • idriss awate November 20, 2013

    ልክዕ እዩ ናጽነት ከምጹኡ 30 ዓመት ተጋዲሎም 23 ዓመታት ካኣ ህዝቢ ክሳቐይ ትም ኢሎም ክዕዘቡ ጸኒሖም. ብፍላይ ካኣ ካብ 2001 ጀሚሩ መራሕቶምን ሓለፍቶምን ንለውጢ ህይወቶም ክኸፍሉ ከለው ኣብ በት ማእሰርቲ አንዳተሳቐዩ ስቕታ መሪጾም ውልቃዊ ህይወቶም ይገብሩ ኔሮም. ሕጂ ለውጢ ክቀላቐል ምስ ጀመረን ህግደፍ ተገኒዙ ሓመድ ድበ ምስ ቀረበ ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ ጓይላ ክጅመር ከበሮ ንምሓዝ ምቅድዳም እዩ ነገሩ. ስለዚ ግርህና ኣይሰርሕን እዩ ሰብ ለቢሙ እዩ. ቅድም ተናስሑ ትፈልጥዎ ዘበለ ንገሩ ሚስጥር ኣብ ከብድኻ ኣሲርካ የዋህ ጲላጦስ ክትከውን ኣይካኣልን እዩ.
    ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ክፈልጦ ዝነበሮ ማእለያ ዘይብሉ ሚስጥራት ሓቢእኩም ህዝቢ ሓቀኛ ታሪኹ ከይፈለጠ ንዝብኢ ቐትሪ ሂብኩሞ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ተዓዘብቲ ኮይንኩም ኔርኩም ሕጂ ዳኣ ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመታት ቓንዛ መን ኮን እዩ ተሰሚዑኩም? ኣነ ርግጸኛ እየ ህግደፍ ደልዲሉ መዋእል ክነብር እንተዝኽእል መዋእል መጽከጥኩም ኔርኩም.

    • Tsehaytu November 20, 2013

      ጽቡቕ ኣሎኻ። ንሱ ኢዩ እቲ ሓቂ። ክሰርቀኒ ዝረኣክዎስ ክመልሰልይ ነታምኖ።

  • meskerem November 20, 2013

    no kiding

Post a Reply to Ghenet Cancel Reply