Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ – ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ጋዜጣዊ መግለጺ -  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ! ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት - ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ

ጋዜጣዊ መግለጺ –  ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ ኢንግሊዝ!

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ ንለውጢ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝፈለምዎ ዘተ  ኩነታት – ሃገር ንምቕጻል፡ ትማሊ ሰንበት 17 ሕዳር 2013 ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓዲ ኢንግሊዝ፡ ካብ በርሚንግሃም፡ ኖቲንግሃም፡ ሸፊልድ፡ ማንቸስተርን ኦክስፎርድን ኣብ ከተማ ለንደን ተኣኻኺቦም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊትን መከናይዝድን፡  ምምሕዳራትን ሚኒስትሪታትን  ብዝተፈላለየ ጽፍሕን ሞያን ዝሰርሑ ዝነበሩ፡  ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራን ተመኩሮ ዝነበሮም  ገዳይም ተጋደልቲ፡ ነዚ ሕድሪ ሰማእታት ጠሊሙ ዕላማታት ቃልሲ ሃገር ጨውዩ ብምልኪ ዝገዝእ ዘሎ መላኺ ስርዓት ንምቅልዑ ጥራሕ ዘይኮነ  ንምምካቱ እውን  ዓቲቦም ከምዝሰርሑ  ብምርግጋጽ እዚ ዝስዕብ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኦም።

ጋዜጣዊ መግለጺ 

ስም ማሕበር ፡-

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር  ንለውጢ

መንኢዩህዝባዊግንባር፧ኣባላቱኸመንእዮም፧

ህዝባዊ ግንባር፡ ሃገር ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ብምግባር ናጽነት ዘረጋገጸ፤ ቅዋማዊት ዲሞክራሲያት ሃገር ንምምስራትን ግዝኣተ ሕጊ ንምርግጋጽ ዝተቓለሰ፣ ፍትሕን ርትዕን ንምንጋስ ዝጸዓተ፣ ንፍትሕን ደሞክራስን ንሓድነትን ማዕርነትን ዝቃለስ መስመር እዩ። ህዝባዊ ግንባር ሰብ ኣይኮነን፤ ፖለቲካ መስመር እዩ።  ኩሎም እቶም ነዚ መስመር’ዚ ክውን ኪገብሩ ቅድምን ድሕርን ናጽነት ኣብ ቃልሲ ዝወደቑ፣ ዝሰንከሉን ዘለዉን ሓፋሽ ውድባት ይኹኑ ተጋደልቲ ከኣ ኣባላቱ ኢዮም።

እዚ ሕጂ ሕድርን መብጽዓን ሰማእታት ጠሊሙ፡ ነቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተቓለሰሉ ዕላማታትን መትከላትን ኪሒዱ ንህዝቢ ረጊጹ፡ ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጡ ዘሎ ሽፍታ ጉጅለ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን። እዚ ጉጅለ እዚ ነቲ ደቂ ህዝቢ ዝተሰውኡሉ፡ ክቡር ሃገራዊ ዕላማ ጨውዩ፣ ብግዕዙይ ምሕደርኡ ንሃገርና ዝብትንን ህዝቢ ዘጽንትን ዘሎ ጠላም ስርዓት። ብዝናን ታሪኽን ህዝባዊ ግንባር ዝነብር ግን ዕላማን መትከልን ህዝባዊ ግንባር ዝቐበረ ከይሲ እዩ። እዚ ንመላእ ሃገር ናብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ ቀይሩ፣ ንመንእሰያት ብመደብን ፍላጥን ካብ ሃገር ዘንፍጽ ዘሎ መላኺ ስርዓት፣ ህዝባዊ ግንባር ኣይኮነን።

እዚ ሕጂ ኣብዚ ማሕበር እዚ ዝጠራነፍ ዘሎ፡ ንመስመር ህዝባዊ ግንባር ተኸቲሉ፡ ነቲ ሰማእታትና ዝወደቑሉ ብጉጅለው ምልኪ ዝተጠልመ ሃገራዊ ዕላማታት ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ዘይተዛዘመ ዕዮ ገዝኡ ከሳልጥ፡ ኤርትራ፡ ሕግን ቤት ፍርድን ዘለዋ፡  ግሉጽን ሓቛፍን ስርዓት እትውንን፣ ብግሉጽ ፋይናንስን ባጀትን እትመሓደር፣ ስለስቲኡ መሓውራት ስርዓታ ማለት፡ ሓጋጊ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት፡ ብናጻ ምርጫን ድምጺ ህዝብን፡ ስልጣን ዝረክብን ዘረክብን ሓይሊ ንምግባሩ ዝተኣኻኸብ ዘሎ ሓይሊ እዩ።

 

 

 

ዕላማታት እቲ ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብድምር ሰለስተ ዕላማታት ሒዙ ኢዩ ነቒሉ።

ፖለቲካዊ ዕላማታት

ነቲ ሰማእታትና ኣሚኖም ዝወደቕሉ፡ መላእ ህዝቢ ዘበርከተሉ፡ ብዓመጽ ዝተጨውየ  ፖለቲካዊ ዕላማታት ብምርግጋጽ ውሑስ ዝኾነ ዲሞክራሲዊ ቅዋማዊ ስርዓት ምምስራት። ንኹሉ ወዲ ሃገር  ዓሌት ሃይማኖት፡ ብሄር ቀቢላ፡ መታሕት ከበሳ ዝሓቁፍን ዘሳትፍን ናጻን ርትዓውን ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ምምስራት። ዜጋታት ብምእነቶም ዝዋስኡሉን ንሃገራዊ ዕላማታት ዝውፈ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምምስራት። ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዘረጋግጽ፣ ዜጋታት ብምሉእ ናጽነት፡ ብዝመሰሎምን ምስዝመሰሎን ተወዲቦም ኪቃለሱ፣ ናጻ ኮይኖም ሓሳባቶም ኪገልጹ፡ ኪዛረቡ ኪጽሕፉ፣ ኪኣምኑ ከምልኹ ዘፍቅድ ስርዓት ምትካል።

ማሕበራዊ ዕላማታት

ንዝኾነ ይኹን ይዕበ ይንኣስ ውልቃዊ ጸገማት ኣባላት እዚ ማሕበር ንምፍታሕ ሞራላውን ቁጠባውን ምድግጋፍ ምግባር። ብዙሓት ኣባላት እዚ ማሕበር’ዚ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ብዘጋጠሞም መውጋእቲ ከቢድ ስንክልና ዘለዎም፤ ድሕሪ ናጽነት ብዘጋጠሞም ሃስያን ጥልመትን ግዳይ ዝኾኑ  ክፋል’ቲ ውጹዕ ሕብረተሰብ ስለዝኾኑ ሞራላውን ሕልናውን ደገፍ የድልዮም ኢዩ።

ቁጠባዊ ዕላማታት

እዚ ማሕበር እዚ ካብ ሕጂ ጀሚሩ በብቑሩብ ናይ ምውህላል ዓቕሙ ብምዕባይ፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት ንኺሳተፍ መደብ ኣለዎ።  ቁጠባ ሓይልን ሕቖን እዩ፤ ስለዝኾነ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ውዳበ ዜጋታት፡ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ብምዕባይ ኣብቲ ጽባሕ ንግሆ ክውን ዝኸውን ኣሳታፊ ስርዓተ ቁጠባ ኤርትራ ብምውሳእ ንነብሶምን ሃገሮምን ብቑጠባ ከዕብዩ  የተባብዕ።

ስለምንታይ ደኣ ሕጂ እንታይ እዩ’ኸ ኣገዳስነቱ፧

ኣንጻር እዚ መላኺ ስርዓት ኣብ ግዳም ብቓልዕ ኣብ ውሽጢ ከኣ ብምስጢር ነነዊሕ ዝኸደ ተቓውሞታት እኳ እንተጸንሐ እዚ ስርዓት ነዚ ደምበ ተቓውሞ ብዝተፈላልየ መገዲ እናኸፋፈለ ከዳኽሞ ጸኒሑ እዩ። ይኹን እምበር ኣብዚ እዋን እዚ ብጭቡጥ ከምእንርእዮ እዚ መብጽዓን ሕድርን ሰማእታትና ዝጠለመ መላኺ ስርዓት፡ ኣብ ኣጋ ዕርበቱ ንኤርትራ ሓማሚሱዋ ኺጠፍእ፣ ብታሕቲ ታሕቲ ብመደብ ንህዝቢ ብጸቢብ ትሕተ ሃገራዊ ስምዒታት፣ ኣውራጃን ሃይማኖትን ከፋፊሉ ነዛ ሃገር ንምብታና ይሰርሕ ስለዘሎ፣ ኣንጻር እዚ አዕናዊ ምክፍፋላት ተቓሊስካ ንሃገር ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ጽባሕ ዘይበሃሎ እዋን እዩ። ስለዝኾነ እዚ ሕጂ ዝጠራነፍ ዘሎ ማሕበር ምስቲ ኣብ ቃልሲ ዝጸንሐ ደምበ ተቓውሞ ተሓባቢሩ ነዚ መላኺ ስርዓት እዚ ንምእላይን ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ምስፋን ኪሰርሕ ኢዩ።

ስቕታን ዓውታን፡ ቃልስን ድቃስን ናይ ነፍሲ ወከፍ ምርጫን መሰልን ኢዩ። ምግዳል ትማሊ ገበን ኣይነበረን ሎሚ እውን ገበን ኣይኮነን። እዚ ሓይሊ እዚ ከኣ ትማል ተጋዲሉ ሎሚ እውን  ኪጋደል ተገዲዱ ኣሎ። ትማል ኣብ በረኻን ጣሻን ነይሩ፡ ሎሚ ኣብ ቤትን ኣደራሽን፡ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኑ ይገብሮ ኣሎ። ትማል ጠበንጃ ዓጢቑ ነይሩ። ሎሚ ድምጺ ዓጢቑ ኣሎ። ኩሉ ዕላምኡ ከኣ ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ሓይልታት ውድባትን ስቪክ ማሕበራትን ማሕበራት መንእሰያትን ተወሃሂዱ ነቲ ዘይተወድአ ዕዮ ገዛ ደለይቲ ለውጢ ኣሳታፍን ሓቛፍን ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ መንግስቲ ንምምስራት እዩ። ዝኾነ ይኹን ተበግሶታት ቃልሲ ብመትከሉን ዕላማታቱን፡ ብኣረኣያኡን ኣተሕሳስባኡን እምበር፣ ብምስልን ስምን ወደብቱን ጀመርቱን ኪምዘን ኣይግባእን እዩ ኢሉ ስለዝኣምን ምስ ኩሎም መሻርኽቲ ደለይቲ ፍትሒ ኪሰርሕ ቅሩብነቱ የረጋግጽ።

የብሉን።

እንታይ ትጽቢት ከምጽእ ትጽቢት ይግበረሉ

እዚ ማሕበር እዚ ከምቲ ናጽነት ንምርግጋጽ ብተወፋይነት ዝተቓለሰ ሕጂ እውን ነቲ ዝተጠልመን ዝተጨውየን ራኢኡ- ራኢ ህዝባዊ ግንባር- ራኢ ብልጽግትን ስልጥንትን ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምዕዋት ይሰርሕ። ብሓጺሩ ከምቲ ትማል ዝተጋደሎ ሎሚ ኸኣ በብዓቕሙን ክእለቱን ይጋደል። ኣብ ውሽጥን ግዳምን ንክፋእን ተንኮልን እዚ ስርዓት ንምቅላዕ ዓቢ ዘመተን ወፍርን ብምክያድ፣ ነቲ ድሮ ኣጋጢሙዎ ዘሎ ዓለማዊ ዲፕሎማሲያዊ ተነጽሎ ብምኽራርን ኩሉ ካልእ ዝኽእሎ ዘበለ ብምክያድን ዕድመ እዚ መላኺ ስርዓት ንምሕጻር ይጋደል።

ገድሊ ማለት ከኣ ምእንቲ ህዝብኻን ሃገርካን ኣብ በረኻን ዓድን ብእትኽእሎ ዓቕሚ ዋጋ ምኽፋል ማለት ኢዩ።  እዞም ሕጂ ዝበጋገሱ ዘለዉ መንእሰያት ኮነ እቶም ኣብ ቃልሲ ዝጸንሑ ገዳይም፡ ኩሎም ምእንቲ ህዝቦም በብዓቕሞም ዝሰርሑ ዘለዉ ተጋደልቲ ኢዮም። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተጋዲሉ ሃገር ሓራ ስለዝገበረ ብኹሉ ተጋዳላይ እዩ። ንተጋዳላይ ትርጉም ገድሊ ምንጋር ከኣ ኣብ ልዕሊ ዋጣ ከም ምውጣይ ኢዩ። እቲ ዝተረፈ እምበኣር ስም ኢዩ። ህዝባዊ ግንባር፣ ተጋድሎ ሓርነት፡ ዝተፈላልየ ኣስማትን ቅጽላትን ዘለውን ማሕበር መንእሰያት፡ ጀብሃ – ሻዕቢያ፡ ኢዋይኤሲ – ኢዋይሲኤ ኩሉ ኣስማት እዩ። እዚ ዝተፈላለየ ውዳበ ዝሓዘ ኣስማት ብዝበርክቶ ግብራዊ ስራሕ ከኣ ኢዩ ዕድመ መላኺ ዝሓጽርን ዝነውሕን።

ማሕበር ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ንለውጢ ዓዲ እንግሊዝ እምበኣር፡ ማሕበር ድሕነት እምበር  ፖለቲካዊ ውድብ ኣይኮነን። ኣብዚ ናይ “ርዳእ ርዳእ!” እዋን ከኣ እታ ዝነኣሰት ዓቕሙ እውን ትኹን ኣብ ምቅልጣፍ ለውጢ ከውዕላን ምስ ኩሎም ደለይቲ ለውጢ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ኪሰርሕ ሙዃኑን ቃል ይኣቱ።

 

ጻውዒት ማሕበር

እዚ ማሕበር’ዚ

  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ንዝርከብ መላእ ህዝቢ ኤርትራ፣
  • ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ
  • ንብምሉኡ ደምበ ተቓውሞን ደለይቲ ለውጢ ስቪክ ማሕበራትን
  • ንማሕበራት ደለይቲ ለውጢ መንእሰያት
  • ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝርከቡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር

ቀላጽሞም ኣስሚሮም ሰራውር ምልኪ ኪምሕዉ ኪብገሱ ጻውዒቱ የቕርብ። ኹሉኹም እቶም ብራሕቂ ቦታ ኮነ ሕጽረት ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ኪሳተፉ ዘይከኣልኩም ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ እትነብሩ ደለይቲ ለውጢ ተጋደልቲ ኣብዚ ማሕበር እዚ ተጠርኒፍኩም እቲ ህዝብኹም ዘሰከመኩም ሓላፍነት ኪትግብሩ ኸኣ ንጽውዕ።

እዚ ምትእኽኻብ እዚ ንኹሉ ደላይ ለውጢ ዝኾነ ሓይሊ ከም ጸግዑን እንግድዑኡን እዩ ዝርእዮ። ነዚ ጸግዒ’ዚ፣ ነዚ ጎድኒ’ዚ ኣሚኑ እዩ ከኣ ኣብ ምጽራግ እዚ መላኺ ስርዓት እጃሙ ከበርክት ዝበራበር ዘሎ። ድሮ ኸኣ ብዙሓት ኣባላቱ ኣብ ደምበ ተቓውሞ እጃሞም ከበርክቱ ጸኒሖም ኣለዉ። ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ብምሒር እምነቶም ተታሊሎም ኣሚኖም ኣብ ስልጣን ዘደየቡዎ ሓይሊ፡ ደም ስኒ ኮይኑዎም ክፉኡ እናሰተሩ ኣብ ውሽጦም ኪእርምዎ ፈቲኖም ግን በሊዑዎም። እዞም ሕጂ “ይእከል!” ኢሎም ድምጺ እቶም ኣብ ዝተፈላለያ ቁሸታት ማእሰርትን፣ ኣብታ ዓባይ ካርሼሊ – ኤርትራ ብዓባያ ንዝርከብ ህዝቢ ድምጺ ኪኾኑዎ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ ዝያዳ ሓላፍነት ኪስከሙ ስለዝመረጹ እዩ።

ማሕበር ተጋደልቲ ዓዲ ኢንግሊዝ

ሰሉስ 19 ሕዳር 2013 – ለንደን

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
89 COMMENTS
  • tesfaldet November 19, 2013

    ኩነተ ኣተሓሳስባ Paradigm
    ኩነት ኣተሓሳስባ፣ ፍሉይ ርድኢታትን ናይ ሓሳባት ቅድታት ምግላጽ ማለት እዩ። እዚ ቅዲ፣ ቅርጺ፣ ስእሊ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ምስኣል፣ ኣቐራርባ ናይ ዝኾነ ነገራት ኣብ ኣእምሮና ምቅራጽ፣ ካብ’ቲ ናትና ድሕረ ባይታ ተሞኩሮ ርድኢት መወከሲ ናትና ማሕበራዊ ክብሪ ንነገራት ንዓለም እንርእየሉ ኣተሓሳስባ ወይ ገምጋም ከም ዘለዎ ምግላጽ እዩ።
    ኣብ ርትዓዊ እንተታት ብምምስራት መጠን እቲ ቁሩብ ዝንቡዓት ዝኾናሉ፣ ብኡ መጠን ዝነጸረ ምብራህ ቅድታትን ተግባራትናን ኣሎ። ምኽንያቱ ነቲ ኣብ ናትና ህሉው ኩነተ ኣእምሮ ዘይሰማማዕ ሓሳባት ምእላይ፣ ተፈጥሮኣዊ ናይ ጸጋማይ ክፋል ኣእምሮና ስለዝኾነ፣ መጠን እቲ ንሕና ኣብ ሓደ እምነት ዝጠበቕና፣ እቲ ዝወሓደ ሕልናዊ ምርጫታትና ንገብር። ግን ነዚ መስርሓት እዚ ብምዕዛብ፣ ኣፍልጦና ነስፍሕን ነጻ ድሌትና ነዕብን።
    ብዝተፈላለ መልኽዓት ብከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይከኣል።
    • ሓደ ኣገባብ መቅረጺ ንሓሳባት … ገለ ሸነኻት ናይ ሓቂ ሓደ ቅዲ ንምርዳእን ምግላጽን።
    • ሓደ እኩብ ናይ ሕግታት ነቶም ደረታት ዝውስን፣ ከምኡ’ውን ኣየናይ እዩ ኣገዳሲ ዕዉት ንምዃን ኣብ ውሽጢ እዞም ደረታት ዝምስርት።
    • ሓደ ዘይምሉእ ሓባሪ ንመጻኢ … ነቲ ነገራት ምስ ሓደ ፍሉይ ርእየት ናይ ሓቂ ዝተኣሳሰሩ፣ ሓደ መሰረታዊ መንገዲ ናይ ምርዳእ፣ ምሕሳብ፣ ምግምጋምን ምግባርን።
    • እቲ ሓይሊ ናይ ኣእምሮ ወይ ሓደ እንካፈሎ እኩብ ናይ እንሓስቦም ሓቅታት እዩ። ኣብ ማእከል ናይ ሓደ ኩነተ ኣተሓሳስባ ከሎና፣ ዝኾነ ካልእ ንምሕሳብ ወይ ንምግማት ከቢድ እዩ።
    • ኣስተውዕል፣ ንሕና ሰባት ናይ ሓደ እኩብ ናይ ሓደ ውሑድ ሕግታት ንኩነተ ኣተሓሳስባ ንስዕብ፣ ከምኡ’ውን ሓደ ብርቱዕ ዝንባሌ ምቅዋም ንምግዳፎም ኣሎና።
    እዚ ብሓፈሻ ከከም ናትና ኩነት ኣተሓሳስባ ዝፈላለ፣ ካብ ስምዒትን ኣረኣእያን ወይ ጠባይን ዝሕይል ኣዝዩ ዓሚቕ እዩ።
    እቲ ናይ ኩነት ኣተሓሳስባ ምቅያር ለውጢ
    እዚ መስርሕ እዚ ከም’ቲ ሓደ ለውጢ ኣብ ርድኢት ኣተረጓጉማ፣ ናይ ሓደ ምስሊ ዘይንጹር ካብ ሓደ ኩነት ናብ ካልእ ዝግልበጥ ምስ ዝኸውን እዩ። ወይ ሓደ ሰብ ንሓደ ሓበሬታ ብኣዝዩ ዝተፈለለየ ኣገባብ ክርኢ ዝገብሮ ምኽንያት እዩ።
    ድሕሪ ሓደ ቅቡል መትከል ካብ ሓደ ኩነት ኣተሓሳስባ ናብ ካልእ ምስ ዝልወጥ ኩነት ኣተሓሳስባ ምቅያር ይብሃል።
    እዚ ሰፊሕ ለውጢ ኣብ ማሕበራዊ ዓውዲ/ዓለም፣ ብግድኡ፣ ነቲ ውልቀሰባት ንሓቂ ወይ ኩውንነት ዝርድእዎ መንገድታት ኣገባብ ይቅይር። እዚ ከኣ እቲ ትርጉም ርድኢትና ናይ ዓለም እዩ።
    ንኣብነት፣- ኣብ ማሕበራዊ ሳይንስ እዚ እቲ እኩብ ተሞኩሮታት፣ እምነታትን ክብርታትን ነቲ ሓደ ውልቀሰብ ንኩውንነት ዝርድኦ ዝጸሉን ግብረ መልሲ ነዚ ርድኢትን ንምግላጽ ዝጠቅም እዩ።
    ኩነት ኣተሓሳስባ ምቅያር ሓደ ለውጢ፣ ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ብከመይ ብዛዕባ ምውዳብ ኣብ ውሁብ ናይ ምርዳእ ኩውንነት ይሓልፍ ወይ ይኸይድ ይሕብር።
    ምቅራብ እቲ ኣምር ናይ ሓደ ቐንዲ ለውጢ ኣብ ገለ ናይ ሓሳባት ቅዲ፣ ሓደ ሱር በተኻዊ ለውጢ ኣብ ናይ ሰባት እምነታት፣ እተሓላለኸ ስርዓታት ወይ ውደባታት፣ ነቲ ናይ ቀደም ኣገባብ ናይ ኣተሓሳባ ወይ ኣወዳድባ ብሓደ ሱር በተኻዊ ኣገባብ ናይ ኣተሓሳባ ወይ ኣወዳድባ ምትኻእ እዩ።
    ንኣብነት፣- ኣብ ሓደ ጽንኩር እዋን ኩነት ይቕየር ሞት ናይ ቀረባ ቤተሰብ ሞት ወላዲ ውላድ ካልእን።
    • እዚ ከም ሓደ ማዕከን ሓሳባት ወይ ርድኢት ክንወስዶ ይከኣል፣ እቲ ኣተሓሳስባና ተሞኩሮና ርድኢትና ምስ ዓበየ ሓድሽ መከዘን የድሊ፣ ምኽንያቱ እቲ ናይ ቀደም ክሕዞ ስለ ዘይኽእል።
    • ሓደ ለውጢ ኣብ ሕግታት፣ ናይ ቀደም ሕግታት ደው ምባል ጠቀምቲ ዘይኾኑ ጥራይ ዘይኾነ፣ ግን ንሶም ከምኡ ይኾኑ።
    ኣብነት፣
     ምትንሳእን ምውድቅን ዝተፈላለያ ሃገራት
     ውድቀት ሶቬት ሕብረት/ ኣብ ቀረባ ድማ ህግደፍ
     ምውጋድ ዓሌትነት ብሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ
    ኣስተውዕል፣
     ኩነተ ኣተሓሳስባ ለውጢ ብሃንደበት ይኸውን።
     እቲ ናቱ ግዜ ምትንባዩ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።

    ሓደ ዓብላሊ ኩነት ኣተሓሳስባ
    ሓደ ዓብላሊ ኩነት ኣተሓሳስባ፣- ነቲ ክብርታት፣ ወይ ኣገባብ ናይ ሓሳባት፣ ኣብ’ቲ ሓደ ማሕበረሰብ ኣዝዮም ቅቡላትን ብሰፊሕ ኣብ ሓደ ውሁብ ግዜ ትሑዛትን የመልኽት።
    ዓብላሊ ኩነት ኣተሓሳስባ ብክልቲኡ በቲ ናይ ማሕበረሰብ ባህላዊ ድሕረ ባይታን በቲ ትሕዝቶ ናይ እቲ ታሪካዊ ህሞትን ዝቅረጹ እዮም።
    እዞም ዝስዕቡ ኩነታት ነቲ ስርዓት ናይ ሓሳባት ሓደ ቅቡል ዓብላሊ ኩነት ኣተሓሳስባ ንምዃን ዘሳልጡ እዮም።
     እቶም ነቲ ኩነት ኣተሓሳስባ ሕጋውነት ዝህቡ ሞያውያን ትካላት፣
     እቶም ነቲ ኩነት ኣተሓሳስባ ዘተኣታትዉን ዝእምቱን በላሕቲ መራሕቲ፣
     እቶም ብዛዕባ እቲ ስርዓት ናይ ኣተሓስስባ ዝጽሕፉ ጋዜጠኛታትን ኢዲተራትን። ንሶም ክልቲኡ ነቲ ኣድላይ እቲ ኩነት ኣተሓሳስባ ሓበሬታ ይብትኑን ነቲ ኩነት ኣተሓሳስባ ሕጋውነት ይህቡን፣
     እቶም ነቲ ኩነት ኣተሓሳስባ ተቐባልነት ዝህብ ትካላት መንግስቲ፣
     እቶም ነቲ ናይ ኩነተ ኣተሓሳስባ ኣምራት ብምምሃር ናብ ተማሃሮ ዘመሓላልፍ መማህራን፣
     እቶም ንቀንዲ ኣምራት እቲ ኩነተ ኣተሓሳስባ ንምዝርራብ ዝተወፈዩ ዝግበሩ ዋዕላታት፣
     ናይ ሞዕከናት ዜና ሸፈነ፣
     ተራ ጉጅለ/ታት ኣብ ከባቢ እቶም ዝምልከቶም ተራ ሰባት፣ እቶም እቲ ቀንዲ እምነታት ነቲ ኩነት ኣተሓሳስባ ዝሓቁፋ ወይ ዝቕበሉ፣

    ናይ ኩነተ ኣተሓሳስባ ዑረትን ምልማስን
    • እቲ መዋቲ ሕማም ናይ ርጉጽነት።
    • ናይ ኩነተ ኣተሓሳስባ ከም ኣካላዊ መንፊት፣ ሓደ ሕብራዊ መንፊት ቅድሚ እቲ ኣዒንቲ ይዋሳእ።
    • እዞም ሕግታት ንሓደ ሓድሽ ኩነተ ኣተሓሳስባ፣ ነቶም ገና ነቲ ናይ ቀደም ኩነተ ኣእምሮ ዝስዕቡ መብዝሕትኡ ግዜ ብምሉእ ዘይረኣዩ እዮም።

    ባህርያት ናይ ኩነተ ኣተሓሳስባ ዑረት
     “እዚ እቲ ንሕና ንገብሮ ኣገባብ ኣይኮነን።”
     “እዚ ኣይክሰርሕን ወይ ኣይክኸውንን እዩ።”
     “እዚ ፈጺሙ ዘይከኣል እዩ።”
     “ከምዚ ናተይ ዓመታት ናይ ተሞኩሮ እንተ ዝህልወካ፣ ጌጋ ከም ዘሎኻ ምፈለጥካ ኔርካ።”

    ኣብ ዝኾነ ማሕበረሰብ እቲ ምምዕባል ብሓቂ ወይ ብሳይንስ ክርኣ ከሎ፣ ነቲ ጭብጥታት ማሕበራዊ ኩነታት መነባብሮ፣ ኣተሓሳስባን ርድኢትን ህዝቢ፣ ኣኪብካ ብዝርዝር ምዕዛብ እዩ። ኣብ ትዕዝብቲ እቲ ምዕባለ ምውሳኽ እዞም ሓበሬታታት እዩ።
    እዚ ትዕዝብታት ኣብ ህዋ ዘይኾነ ኣብ ሓደ መዕቆሪ ክልሰ-ሓሳባት ይትሓዙ። እዚ ዓብላሊ ወይ ህሉው ክልሰ-ሓሳባት እቲ ዝዝርዝር ናይ እዞም ማሕበራዊ ምዕባለ ጭብጥታት መግለጺና እዩ። ማለት ኣብኡ ተሞርኲስና ደረጃን ምዕባለን ኣንፈትን ከም፣ ይምዕብል ኣሎ፣ ማዕቢሉ … በቲ ሓደ ኩነት ኣተሓሳስባ ንግምግም ወይ ንህብ።
    እቶም ትዕዝብቲ ኣብቲ ህሉው ኩነተ-ኣተሓሳባ ነእትዎም። ብዙሓት ካብዞም ትዕዝብታት ኣብቲ መትሓዚ ምስ ዘይኣትዉ ወይ ዘይሰማምዑ ጸገም ይኸውን። ቀጺሉ ሓደ ሓድሽ ክልሰ-ሓሳባት ይእመምም፣ እንተ እዚ ሓድሽ ክልሰ-ሓሳብ ነቲ ትዕዝብቲ ናይ ቀደም ክልሰ-ሓሳባት ብዝበለጸ ክሕዞ ክኢሉ፣ ሓደ ናይ ኩነት ኣተሓሳስባ ለውጢ ይህሉ። እቲ ናይ ቀደም ክልሰ-ሓሳባት ይዓኑ። በቲ ሓድሽ ሓሳባት ድማ ይትካእ።
    ስለዚ ማሕበራዊ ምዕባለ ልክዕ ከም ብዛዕባ ዕንወት ናይ ቀደም ኩነት ኣተሓሳስባን፣ ምውሳኽ ትዕዝብትን እዩ።
    ዝኾነ ለውጥ ንክመጽእ ናይ ኣተሓስስባ፣ ኣረኣእያ ለውጥ ኣድላይ ቅድመ ኩነት እዩ።
    ወትሩ ኣተኩሮ ኣብ ፍታሕ ምርካብ ክንጽዕር ይግባእ። ኣብ ጸገማት ብስምዒት ተዋሒጥና ምጽብጻብ ጥራይ እንተ ተጸሚድና ተክእሎ ከም ዘሎ ንርስዕ። ነቲ ናይ ቀረባ ፍታሕ ኣይንርእዮን። እቲ ኩነተ ኣእምሮና ኣገዳሲ እዩ እንተ ኣእምሮና ኣብ ፍታሕ ኣተኩርና ቀጻሊ ንቅድሚት እንተቀጺልና፣ ደጋጊምካ ንፍትን ንመሃር ንኩሉ ነገር ብርግጽ ፍታሕ ኣለዎ።

    ስለዚ፣ ኣተሓስባና ርድኢትና ‘ኩነተ ኣተሓሳስባ’ ነማዕብል፣ ንለወጥ ‘ኩነተ ኣተሓሳስባ ለውጢ’ ኣድላይ እዩ። ካብ ‘ኩነተ ኣተሓሳስባ ዑረት’ ከኣ ንጠንቐቅ።

    ምልኣት፣- “እቲ ንበልዖ ኣይኾነን ግን እቲ ነሕቕቆ ኢዩ ብርቱዓት ዝገብረና፣ እቲ ንረብሖ ኣይኾነን ግን እቲ ንዕቅቦ ኢዩ ሃብታማት ዝገብረና፣ ከምኡ’ውን እቲ ንትምነዮ ኣይኮነን ግን እቲ ንፍትኖ ኢዩ ምልኣት ዝህበና።”
    ሰር ፍራንሲስ ባኮን

    ኣብዚ ናይ ንፋዓትን ሕማቓትን ሰባት ዓለምና፣ ኩሉ ነገር ጸሊም ወይ ጻዕዳ እዩ። እቶም ገበርቲ ዓመጽ ነቲ ክፉእን ነቲ ሕያዋይን ክጎድኡን ክድህሉን ወትሩ ሓይሊ ይጥቀሙ።
    እቶም መሳኪን ድኹማትን ሕያዎትን ግና ገለ ሕያዋይ ወይ ተባዕ ሰብ ንዓመጽ ንምጥቓም እቲ ትብዓት ኣንጻር እቶም ገበርቲ ክፋእ ምስ ኣማዕበለ ጥራይ ዝድሕንሉ እዋን እዩ ኮይኑ ዘሎ።
    ፖለቲካዊ ነጻነትን ኣእምሮኣዊ ነጻነትን
    ፖለቲካዊ ነጻነት poletical freedom፣-
    እዚ ማለት ምምራጽ ወይ ሓደ ፖለቲካዊ ኣረእያ ምህላው ኣይኾነን። እንታይ ደኣ ካብ ነንሕድሕድካ ዝፈላልየካ ሓሳባት ነጻ ምዃን ማለት እዩ።

    ኣእምሮኣዊ ነጻነት intelctual freedom፣-
    እዚ ንዝኾነ ነገር ምሕታትን ብስነ-መጎት ሓበሬታ ምምስራሕ፣ ምእንቲ ካብ ዘይቅኑዓት ምርጫታት ዝዓግቱና ነጻ ንምዃን ማለት እዩ።

  • abab November 19, 2013

    No no no no no for me. Hgdef ndembe tekewmo kedakmo tsenihu. Bkemey? Tegadelti hzbawi gmbar tetekimu eyu.
    Hiwetkum wefikum kertet elkum natsnet mmtsaekum abi msgana kbri njgnnetkum.
    Kulu kemzfelto dembe tekawmo bkemey kemzdakem nskum wn tfeltu ekum. Hji kea smret meneseyat terira ala, tekawemti wdbat ysemra alewa dro wn bsenki hlkit lampadusa emnet hgdef zteredeu ntsuhat degefti hgdef fah fah elom, beal wedi tkabo tefelyoms dro hadush derfi wetsyu hzbi teberabiru, habtamatn flutatn kem wedi vacaro akli wediom akmna zefkdo anxar eseyas endabelu hzbi aberabirom.
    Hji dea eza nay kedem werki nay lomi gn aregit cherki zkonet tegadelti hzbawi gmbar tbl sm beyen tklkel ala. Dokon haye hzbi ysemr alo elu zleakom whudat esubat tekelkilom. Mtrnafkum ekua tsbuk gn men eyu mebegesi please hji hzbi ketedenagru elkum keytbgesu. Rgxena eye etom 99% deleyti lewti ekum gn bjakum nebskum htetu. Hade seram ab wshtkum alo elkum emenu. Kemzitebegiskumo zelekum habirkum dea kem tera hzbi deleyti lewti kunu ember kntehababer do kntehagagez do elkum gebertn hadegtn ktkonu elkum keytftnu. Hzbi eritrea beti nay kedem jgnnetkum amesginukum eyu.yakl.

  • redae November 19, 2013

    clean your dirty ling history first and be free your self.the reason is you were blinding your
    eyes closing your ears when some fighter taken from their units killed by halewa sewra. this is your first crime.second,you are the cause of all pain of Eritrean.and you hafash wdbat.

  • Haighet November 19, 2013

    Who is Tegadalay? this is just a fake get together after you smell the fall HGDEF….The majority of Eritreans were tegadelti…..

    • YONAS November 19, 2013

      who are you? ask yourself first and you will find out who you are,everybody is entitled to have opinion and contribution for the demise of pfdj ,otherwise you not different from the regime you fighting,do not try to incorporate the struggle to your own benefit,and it is not wise to insult tegadelti,there is big difference between EPLF and PFDJ .

      • idriss awate November 19, 2013

        መርዓት ዕረ ተኾይና ሓማት መዓር ክትከውን ኣይትጸበ ኣደን ጓልን እዮም

  • idriss awate November 19, 2013

    ልክዕ እዩ ናጽነት ከምጹኡ 30 ዓመት ተጋዲሎም 23 ዓመታት ካኣ ህዝቢ ክሳቐይ ትም ኢሎም ክዕዘቡ ጸኒሖም. ብፍላይ ካኣ ካብ 2001 ጀሚሩ መራሕቶምን ሓለፍቶምን ንለውጢ ህይወቶም ክኸፍሉ ከለው ኣብ በት ማእሰርቲ አንዳተሳቐዩ ስቕታ መሪጾም ውልቃዊ ህይወቶም ይገብሩ ኔሮም. ሕጂ ለውጢ ክቀላቐል ምስ ጀመረን ህግደፍ ተገኒዙ ሓመድ ድበ ምስ ቀረበ ኣብ ዝጸናሕካ ጸኒሕካ ጓይላ ክጅመር ከበሮ ንምሓዝ ምቅድዳም እዩ ነገሩ. ስለዚ ግርህና ኣይሰርሕን እዩ ሰብ ለቢሙ እዩ. ቅድም ተናስሑ ትፈልጥዎ ዘበለ ንገሩ ሚስጥር ኣብ ከብድኻ ኣሲርካ የዋህ ጲላጦስ ክትከውን ኣይካኣልን እዩ.
    ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ክፈልጦ ዝነበሮ ማእለያ ዘይብሉ ሚስጥራት ሓቢእኩም ህዝቢ ሓቀኛ ታሪኹ ከይፈለጠ ንዝብኢ ቐትሪ ሂብኩሞ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ተዓዘብቲ ኮይንኩም ኔርኩም ሕጂ ዳኣ ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመታት ቓንዛ መን ኮን እዩ ተሰሚዑኩም? ኣነ ርግጸኛ እየ ህግደፍ ደልዲሉ መዋእል ክነብር እንተዝኽእል መዋእል መጽከጥኩም ኔርኩም.

    • ghenet November 20, 2013

      Idris awate,
      for these people, the Eritrean people come after their wdb. EVEN NOW THEY ARE NOT GOING TO TELL US WHAT THEY KNOW! WE Don’t MATTER to THEM. All they want is to protect their wdb.

  • qelchama November 19, 2013

    If you dont know your histoty, you do mistake. EPLF history is on of
    Stronest fighter in history Eritrea and EPLF achive Freedom. after the Dream of peace and dignty was stolen not longer in 1991 i wonder how can cheat this all best fighters specialy those give their uniqe life for Freedom and Promissing Peace and Rule of Low unbelveable. any way if you remember the Promiss, that gives Trust and Faith anyway i respect for your stand off.
    Time is runing us and HGDF shows the true Coller, i hope your Camards thinking the same or remembering the Promiss of Gedli

    god Save Eritrean People

  • Change is coming November 19, 2013

    EPLF is history that we are all proud off. I have a great respect to all TEGADELT. Be an advicer let the new generation/youth take the action.

    • Asghedom Woldeghiorghis November 19, 2013

      You know you rispect them, becsuse you are foolish and donkey.Tegadeliky was out in the forest to fight the enemy called efhiopia. They have daied maney, what happen after rhe indipendence,they they putting peole in jail, they ehere killing eritean civilian. They divide the eritrean between Tegadaly and Gebaray, as the eritrean people have never helped then
      m. If you respects such Cowards go a hesd , myself all the sufferring of eritrean is given to yhis Codard Tegadelty.
      It is better to leave the issue of eritrea to eritrean people.

  • Habtom November 19, 2013

    Are you kidding me no more truest you guys again EPLF. do you think you EPLF members all honest most of them are Criminal not only after Independence but also before 1991 in SAHL Halewa Sewra and (Ab Ginbarat) Front Line was killing our innocent brothers.

  • Brhane November 19, 2013

    Kserkeni zreakwos kmelseley ney amno zbl msla azekakirkumni.

  • Kalighe November 19, 2013

    To facilitate forming all inclusive political parties that accommodate the new generation, it’s better to avoid using Ghedli time groupings.

Post a Reply to Ghenet Cancel Reply