Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ 07.12.14 ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ

07.12.14

ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ ምርኢት ከምዝስረዝ ተገሩ ይርከብ።

እዛ ንሓሙሽተ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት ብምሓዝ ናብ ከተማ ስታቫንገር ዝስገስገሰት ናይ ፕሮፓጋንዳዊ ጉጅለ ባህሊ፡ ካባ ሕፍረትን ዉርደትን ተጎልቢባ፡  ዕርቃና ጠቕሊላ ናብ ከተማ ኦስሎ ኣምሪሓ ትርከብ።

እዚ ብሓያል ጻዕሪ ደገፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ስታቫንገርን ከባቢኣን ዝተመዝገበ ዓቢ ዓወት ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ግን መዓንጣ ከብዶም ዝቐርጽ ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ።

ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ጸኒሕና ከነቕርበልኩም ኢና።

ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ደለይቲ ለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
53 COMMENTS
  • Selamawi December 6, 2014

    ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ቤተሰብና፥ ኣገውናዕ! ክብል እደሊ።

    ሕጂ ድማ ወዲ ትኹል ንዓመጽትን መሸብራንን ከቆናጁ ናብ ከተማ በርገን ይኸይድ ኣሎ ንሰምዕ ኣለናሞ፥ ከምታ ናይ ስታቫንገር ጌርኩም፥ ኣሕፍር ኣቢልኩም ክትልመሱዎ ተስፋ ንገብር። ምእንቲ መሰል ተቓሊስካስ፥ ሕጂ ምእንቲ ባርነት ክትትምጉት፥ መጥፍኢ ሕዝብና፥ መግፍሒ ቤት ማእሰርቲ ዝኸውን ገንዘብ ክትቅርም ኢልካ ኣፍካ ክትከፍት ከለኻ፥ ዓገብ ንብለካ ወዲ ትኹል።
    በቶም ዝተሰውኡ ኣሕዋትና፥ ኣሕዋትካ (ብጾተይ ዲኻ ትብሎም፤ እንተ ሓቅኻስ)ተለመን፥ ግደፍ ኣይትጋገ ንብለካ: ወዲ ትኹል።

  • wedi fre December 6, 2014

    BRAVO ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ደለይቲ ለውጢ!!!!!
    We are proud of you as always. Keep it up untill the Shifta Group is toppled!!!
    AGHENAA!!!

  • ኣርዓዶም December 6, 2014

    ኣገናዕ ተቓለስቲ ኖርወይ ብፍላይ ድማ ስታፈንገር። ጸባ ኣስቲኹምና፡ ከማኹምሲ ኣብ ኩሉ ከተማታት እንተዝህልው። ኣጆኹም ሓርነትና ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ብፍላይ ክድፍ ኣሉ ዘለዎ ግን ህግደፍ ብኸምዚታት ሃገር ክለቕቕ ስለዘይክእል፡ ብዝተኻእለ ሓብሪካ ምቕላሱ እቲ እንኮ መገዲ ዓወትና ስለዝኾነ፡ኩሉ ደላይ ለውጢ፡ ንሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን ክፈትዋ ኣለዎ።
    ዓወትና ብሓድነትና ኢዩ።
    ሓወኹም ወዲ ሒሎ።

  • ghezai December 6, 2014

    Hgdef tehabiom party kigebru keleu kemza sekreto zikefetet koynom mesakin

  • AHMED SALEH !!! December 6, 2014

    A good example of people’s power effect in modern Eritrean politics .
    Norway deleyti fithi proved it all to send the message .
    Congratulation for job well done .

  • Selamawi December 6, 2014

    “ጉጅለ ባህሊ” ዝብል ስም ይገርመኒ። ጉጅለ ደረፍቲ: ወይ ጉጅለ ሥነ-ጥበባውያን ወይውን ካልእ ስም እንተ ንብሎም ምሓሸ ይመስለኒ። ሥነ-ጥበብ ንርእሱ ንብዙሕ ጥበባት ዘማልኤ ኢዩ እመስለኒ (ደርፊ ሓደ ክፋሉ ምዃኑ ኢዩ)

    ባህሊ ክበሃል ከሎ፥ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ኩለ-መዳያዊ ኣነባባር ዝገልጽ ማለት ኢዩ እምበር ጓይላ ማለት ኣይኮነን።

    እዚ ብዓል ወዲ ትኹልን ካልኦትን፥ ንሓቂ ሸፊንካ ንምልኪ ክተጣጥሕ፥ ንሓሶት ሓቂ ምባልሲ ከመይ ጌሩ ኢዩ ባህሊ ክኸውን።

    ኣብ ባህልና፥ ንሰብ ምኽባር፥ ሓቂ ምዝራብ፥ ፍትሒ ምውጻእ፥ ትሕትና ምግባር፥ ኣብ ግዜ ሓዘንን ኣብ ግዜ ሓጎስን ምድግ ጋፍ፥ ንውጹዓት ምጥባቕ፥ ንዝበደለ ዓገብ ምባል፥ ንዝተበኣሱ ምዕራቕ፥ ንደቀንስትዮ ምኽባር፥ ንዓበይቲ ምኽባር፥ ወዘተርፈ እዩ ትርጉሙ ይመስለኒ። ስለዚ ጓይላን ሙዚቃን ሓደ ንእሽቶ ክፋል ናይቲ ባህሊ ኢዩ። ባህሊ ካብ ጓይላን ካብ ደርፍን ኣጸቢቑ ዝሰፍሔን ዝዓሞቐን ትርጉ ኢዩ አለዎ። እሞ ከመይ ኢልና ደኣልና ንጓይላስ ባህሊ ንብሎ፧

    . ናይዞም ካብ ሃገር መመጺኦም፥ መግፍሒ ቤት ማእሰርቲ ዝኸውን ገንዘብ ዝእክቡ ደረፍት ድማ፥ እትማላለሰኒ ሕቶ ኣላ። ንሳ ድማ፥ እዞም ደርፍቲስ ካን ጠፊኡዎም ድዩ ወይስ ኣባላት ናይታ ውሽጣዊት ሰልፊ እትበሃል ኮይኖም፥ መደብ ጽንቶ ኤርትራውያን እናስተማቐሩ ክቃነዩን ክለሃዩን ባህ ኢሉዎም፧

    የርህዎ ፈጣሪ

  • hara December 6, 2014

    JEGANU hager welida tmken do kiblokum
    GOD bless you

  • Medber December 6, 2014

    Atum Jeganu yehgiskumna tesfa hibkumna yeqrekumna .
    Ajokum Ajona degim kerebna ina.
    Good job Norway.
    Agenaae.

  • daniel December 6, 2014

    I am proud of you , keep up the good job guys

  • daniel December 6, 2014

    Nezi shifta sirat dew abilomo zelewu ezom kanza hizbom zeyskorom senetibebawyan, hagerna eyom slezi , hifret teshekimom kimlesu alewom , nabti zileakom wilke melaki shifta eseyas.

POST A COMMENT