Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ 07.12.14 ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ

ጉጅለ ባህሊ ብድሆ ካብ ከተማ ስታቫንገር ትስጎግ

07.12.14

ብዓርቢ ሽዱሽተ ታሕሳስ ኣብ ክተማ ስታቫንገር ምርኢት ከተቕርድ ካብ ኤርትራ ዝመጸት `ብድሆ’ ዝተሰምየት ጉጅለ ባህሊ፡ ብሓያል ጻዕሪ ደለይቲ ለዉጢ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ኣብ ናይ ዜሮ ሰዓት እቲ ከተካይዶ ዝተሓስበ ምርኢት ከምዝስረዝ ተገሩ ይርከብ።

እዛ ንሓሙሽተ ፍሉጣት ስነጥበበኛታት ብምሓዝ ናብ ከተማ ስታቫንገር ዝስገስገሰት ናይ ፕሮፓጋንዳዊ ጉጅለ ባህሊ፡ ካባ ሕፍረትን ዉርደትን ተጎልቢባ፡  ዕርቃና ጠቕሊላ ናብ ከተማ ኦስሎ ኣምሪሓ ትርከብ።

እዚ ብሓያል ጻዕሪ ደገፍቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ስታቫንገርን ከባቢኣን ዝተመዝገበ ዓቢ ዓወት ንደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ግን መዓንጣ ከብዶም ዝቐርጽ ተረኽቦ ኮይኑ ኣሎ።

ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ጸብጻብ ጸኒሕና ከነቕርበልኩም ኢና።

ክፍሊ ህዝባዊ ርክባት ደለይቲ ለውጢ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
53 COMMENTS
  • Mesinas December 6, 2014

    ጀጋኑ ደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር! መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓዘን ከሎ ጃንዳ ህግደፍን መጋባርያታቱን ጓይላ ንኸይገብሩ ምእጋድኩም ነቶም ከይዛረቡ ብመቓርዕ (ብሓለንጊ) ህግደፍ ኣፎም ተዓቢሶም ዘለዉ ውጹዓት ጸባ ኣስቲኹሞም ኣለኹም። ነቶም ሕልና ኣልቦ መን ኢና ክምንብሎም ስነ ጥበበኛታት ከይንብሎም ኣብ ጎድኒ ዓማጺ ኮይኑ ንጥፍኣት ህዝቡ ዝዋጢ ሰብ፡ ስነ ጥበበኛ ስለ ዘይጽዋዕ ንግዜኡ ስም ዘይብሎም እንተበልኩዎም ኣይትሓዙለይ? እዚ ተግባር’ዚ ነቶም ኣተና (ዕላማ) ዘይብሎም ገንዘብ ዝሃይማኖቶም ሰባት፡ ሕልና ንኽገብሩ ክቕስቦም ተስፋ እገብር።

    ኣቱም ጀጋኑና መድሕን ናይ ውጹዓት
    ብደምኩም ክትደርዙ ናይ ኣደታት ንብዓት
    ግብግብ ገጢምኩም ምስዚ ጨካን ስርዓት
    ትቃለሱ ዘለኹም ብወኒ ብትብዓት
    ዓወት ክትጭብጡ የንብረልኩም ብቕዓት!

    ዕኰት ዓሲሉዋ ጸምሊያ ገረብና
    ኣቚጽልታ ረጊፉ መጽለሊ ስኢንና
    ከምቶም ዝሓለፉ’ኳ ንህቢ ከይኮነልና
    ዋላ እንተነኸሰስ መዓር ዚህበና፡
    እዚ ሰራም ዕኰት ግን ትንፋስ ከሊኡና
    ካብዛ ሓላል መሬት ፍጹም ከይበረስና
    ሕድሪ መንእሰያት ጀጋኑ ደቅና
    ብሓደ ሰሚርኩም ኣድሕኑ ህይወትና!

    ህጻውንቲ ቈልዑ ብርኮም ዘየትረሩ
    ብምሕደራ ምልኪ ስለ እተማረሩ
    ይቕዘፉ ኣለዉ ዶባት ክሳገሩ፡
    ኣራዊት ክበልዖም ሓመድ ከይተቐብሩ
    መስዋእቲ ጀጋኑ መዓስ ነዚ ነይሩ
    ኣባጽሕ እዛ ሃገር ሓዲኡ ግበሩ!

    ብዘይካ ስምረትኩም ናይ ሓድነት ወፍሪ
    መድሓኒ የብልናን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ
    ስለዚ፡ እዞም ሃበርም ደቂ ሓራስ ነብሪ
    ንብዓት ናይ ወላዲት ቀጻሊ ከይዛሪ
    ህዝብና ኣብ ሃገሩ ክነብር ብኽብሪ
    ሓደ ልቢ ኴንኩም ብስኒት ብፍቕሪ
    ሃየ ፈጽሙዎ ናይ ሰማእታት ሕድሪ!

    መምስ ወጋኣኩም ኣብ ክንዲ ትነቕሱ
    ካብ ሱሩ ምሒኹም ጫዓ ክትምንቁሱ
    እንካብ ተላዓልኩም ወላድ ክትድብሱ
    ዓወት ተሓንጊጥኩም መታን ክትምለሱ
    ልዑል ፈጣሪና ይሃብኩም መንፈሱ!

    ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!

    ሓው መሲናስ 06-12-2014

    • Selamawi December 7, 2014

      ዝኸበርካ ሓውና መሲናስ፥
      ፈልማ ሰላማታይ ተቐበል። ቀጺለ ክብለካ ዝደልዮ እነሆ።
      እዚ ጽሑፍካ ዓሚቝ ከም ምኳኑ መጠን ርእሱ ክኢሉ ኣብ ቀዳማይ ገጽ እንተ ዝስጣሕ፥ ብዙሕ ሰብ መንበቦ። እዚ ርእይቶታት መብሳሕትኡ ሰብ ኣየንብቦን ኢዩ እሞ፥ ከም ቀንዲ ጽሑፍ ኮይኑ እንተ ዝቐርብስ ብዙሓት ምተምሃርናሉ እመስለኒ።

      ሰላም ወጥዒና

  • ERITRAWIT December 6, 2014

    Abza awele bune sebuk semena nkedem dekey hager!!!!!! Nayzey dankera hgdef genzeb etot nehwatna zktketew mestey whiskey aynefkeden!!!!!!

    • ERITRAWIT December 6, 2014

      Esaias Debesay,
      Nehwatka Blen aynom endafesesom Blen ayney elka mdrafka N Isaias maltka tesebe!!!!

  • Stefanos Temolso December 6, 2014

    እዚ ዝድነቕ ስራሕ’ዚ ክትሰርሑ ምኽኣልኩም ዘረድኦ ነገር እንተ’ልዩ፡ ጭፍራ ህግደፍ ከም ዝተነጸለን ከም ዝሞተን፡ እቲ ተሪፉ ዘሎ ግን ናትና ጻዕርን ሓድነትን ምሕያል ጥራይ ከም ዝኾነ እዩ። ኣብ ከተማ ስታቫንገርን ከባቢኣን ዘለዉ ደለይቲ ፍትሒ ከም ሓደ ሰብ ዝንቀሳቐሱ ውፉያት ስለ ዝኾኑ ንጭፍራ ህግደፍ ሕፍረት ኣጐልቢቦም ናብ ዝመጽኦ ከም ዝምለስ ገይሮሞ። ኣብ ካልእ ቦታታት ኖርወይ እንተኾነ’ውን፡ ብፍላይ ኣብ ኦስሎ ካብቲ ልሙድ ጓይላ ዘካይዱሉ ቦታታት ተከልኪሎም ኣብ ሓንቲ ቦታ ጥራይ ተሓጺሮም ተሪፎም ኣለዉ። እቲ ዋና ኣደራሽ፡ ግናያት፡ ጸየቕቲ ጽቡቕ፡ ዘይፍትሓውያን ምዃኖም ከም ዝፈልጦም፡ ንእንጌራኡ ክብል ግን ከካርዮም ከም ዝተገደደ ንደለይቲ ፍትሒ ምስናይ ይቕሬታኡ ሓቢሩ። ውዒሎም ሓዲሮምውን ነዛ ኣደራሽ እዚኣ ከም ዝስእኑዋ፡ ወይ ኣብ ኖርወይ ጠቕሊሎም ከም ዘይኣትዉ ከም ዝኾኑ ርግጸኛ እየ። ደጊም፡ ኖርወይ ቦታ ፍትሒ’ምበር ቦታ ዓመጸኛታትን ለዅመናታትን ኣይኮነን። ደጊመ ንደለይቲ ፍትሒ ስታቫንገር፡ ኣጆኹም ገና ካልእ ክንርኢ ኢና! ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን እብለኩም።

  • Mesinas December 6, 2014

    ሃረር ኣቢልክና ክብርቲ ሓብቲ ኤርትራዊት! መቸም ጩራ ሓርነትህዝቢ ኤርትራ ይደጉሓና ስለ ዘሎ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብታ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ ብሓደ ሓቢርና ቡን ንሰትየሉ ግዜ ርሑቕ ከምዘይኮነ ከበስረኪ እፈቱ ፍቕርቲ ሓብቲ። ጥዑም ቡን!

    • ERITRAWIT December 6, 2014

      Mesinas,
      Kubur haw nsew eu tmnetey!!!!

  • taffla December 6, 2014

    How did the show cancelled, was the owner of the hall canceled the show? The news is not complete.

  • abraham Hanibal December 6, 2014

    ኣገናዕ ሰብ ኖርወይ:ሰብ ስታቫንገር ደለይቲ ደሞክራስን ፍትሕን!!

    ገበነኞ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዓዲ ዲሞክራስን፥ ሰብኣዊ መሰልን ቦታ የብሉን። ኣብየ ኩርናዓት ዓለምና ትርከብ ኤርትራዊ ነዞም ልኡኻት ዉልቀ መለኽትን ቀተልትን በብዝመጽኡዎ ክተሳጉጎም ሃገራዊ ጉቡእካ ግበሮ!!

    • bielo December 6, 2014

      በቲ ድዩ በዚ ኖርወይ ፣ መጋበርያ ኢሳያስነት ካብ ምኻን ትገላገል ኣላ። ኣብ ኖርወይ ዝነብር ኤርትራዊ ዳርጋ ኣራኣእያኡ ኣብ ለውጢ ሓደ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ። ዕርበት ኢሳይስነት፣ ኣብ ኖርወይ ሰራዉር ይሰድድ ኣሎ። ኣብ ስታቫንገር፣ በርገን፣ ኦስሎ፣ ክርስትያን ሳንድ፣ ሊልሃመር ብፍላይ ደገፍቲ ጭቆና ርእሶም ኣናኣድነኑ ይመጽኡ ኣሎ።

  • Tesfit December 6, 2014

    ኣነ ዝገርመኒኮ፣ ቀደም ጉጅለ ባህሊታት ክመጻ ከለዋ፣ ሰሙናት ኣቐዲምካ ግዜን ቦታን ሓቢርካ ኢዩ ዝግበር ኔሩ ሰብ መታን ክዳሎ። እንተ ሎሚ ግን ሰዓታት ምስ ተረፎ እቲ ቦታ ንሰብ ተሓቢርዎ ኪኸይድ ክትሪኦ ከለኻስ ብጓይላ ማዕረ ክንደይ ጽሉል ህዝቢ ከምዘሎ ኢዩ ዘርእየና።

    • abraham Hanibal December 6, 2014

      አዚ ዝርእየካ ስርዓት ህግደፍን ኮራኹሩን ስጋዕ ክንደይ ከም ዝሓሰሩን፣ ዝተዋረዱን ኣብ ወኻሩ ከም ዝተለወጡን ኢዩ።

  • talke December 6, 2014

    Thanks Deki Ere great job!!!!!!

  • dan December 6, 2014

    ብዙሓት ኤርትራውያን ናጽነት ማለት ብዛዕባ ሃገርካ እንዳዚየምካ ክሳብ ትርህጽ ምስዕሳዕ ጥራይ ጌሮም ዝወስድዎ ኣለዉ ምሕረት የውርደሎም እዩ ዘብል በዚ ኣጋጣሚ ንደለይቲ ፍትሒ ስታቨንገር ምስጋና ይብጻሓዮም ይብል።

  • ogbai December 6, 2014

    ተቓወምቲ ኢና እንዳተባህለ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገርስ ይትረፍ በየናይ ከብዲ፡ ኣብ ወጻኢ ዝግበር ዝኮነ ይኩን ናይ ኮራኩር ህግደፍ ምንቅስቓስ ደው ከነብሎ ክሳብ ሕጂ ዘይምምካትና፡ ብዘይ ቅልዓለም ድኽመት ደንበ ተቃውሞ ምኻኑ፡ ዘይካሓድ ሓቂ እዩ። ነዚ ተሪር ተቓውሞ ዝወስዱን፡ ዘፍሸሉን
    ኣ ገ ና ዕ! ክብለኩም ፍቐዱለይ። መሰሎም እንድዩ እንታይዶ መንዶስ ዝብሉ ቶርማሳት ዋላ ተቓውምቲ መሰልቲ ናይ ወርቕት ኣናብር ኣይክሳኣኑን እዮ’ሞ፡ እዝኒ ከይትህብዎም ሓደራ። ንዓና ንተቓውምቲ እቲ ስርዓት ጋይላ ክንገብርስ ይትረፍ፡ ክሳድና ኣቕኒዕና ከይንቀሳቕስውን እንዳ ኣሰረን እንድቀተለን ከሎ። ኣብ ደገ ከምድላዩ ክዕንድር ንገለ ግሩሃትን ገለ ብውልቀ ጥቕምን ብተንኮልን ዝተላዕጠጡ፡ ኣብ ርእሲ ደለይቲ ፍትሕ ኣብ ርእሲ ዝሽይጥ ዘሎ ኮላሊትን ኣብ ፈቐድኡ ዝጠፍእ ዘሎ ህዝብና ብሰንኮም ብህግደፍ ዓማጽን ምልካዊ ስርዓት ምኻኑ፡ ረርሲዖም። ኣብ ርእሲ ዝኹሉ ንቡር መቓብር እካ ዝተሓርሞ ሬሳታት ኮ ኽ ድ ዱ፡ ትም ኢልካ ምርኣይ ናይ ድኽመትና ድኽመት ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ዓብን ኣዝዩ ዝምስገን ስጉምቲ ኢኹም ወሲድኩም። ኣብ ጎንኹም ኣለና ዕማ፡ ጌሩ መስቀልውን፡ ሒዙ ዝመጽእ ዕሱብ ናይ ህግደፍ ኣብ ቅድሚ ደለይቲ ፍትሒ ትርጉም የብሉን ሕጂኸ ንመንኮን ከደናግሩ ደልዮም ይኾኑ። ክንሕፍሮም፡ ከነቃልዖም፡ ጥርሕ እዩ ዘለና። ዽሕሪ ሕጂ ንኢሳያስ ዝተረፎ ዘይተጥቕመሉ ዘይትቐልዔ ሽጣር የለን። ሸሞንተ ነጥቢ፨ እታ ታሻዓይቲ ብወገንይ ኣይክቕበላን እየ፡ እዘን ሾሞንተ ግን ድሕሪ ሕጂ ንርእሲ፡ ኢድ፡ እግሪ፡ ዘየብሉ እሞ ከኣ ነቃዕ ጥርሙስ ኣይንዕሾን ኢና። ‘ብርሌ ከነቃ ኣይሆንም ዕቃ’ ከም ዝባሃል ምስላ ጎረባብትና። ስርዓተ ምልኪ ኢሳያስ ኣብቂዑ እዩ። ተሪፍና ዘሎ፡ እቲ ግ ብ ሪ ካብ ዘረባ ዝዓቢ እዩ ወዳጀ ግብሪ።
    ኣጆኹም ህጠሩ ሰውዱ
    ኩሉ ክምለስ ዓዱ፡
    ፍትሒ ንዘይቅበል ኣለዎ መገዱ።

1 2 3 4

POST A COMMENT