Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጀኔቫ

ጀኔቫ ተላዓሉ ኣባጽሕ ዓድና ተላዓላ ጎራዙት ዓድና ተላዓላሉ ኣቦታት ዓድና ተላዓላ ኣዴታት ዓድና ሃየ ንዑናይ ናብ ጀኔቫ ደጋፍን ተቓዋምን ዘይብላ ኩሉና ብሓበራ ደቂ'ታ ውጽዕቲ ኤርትራ ንዓለም ክነግራ እቲ ድርብ ወጽዓና ብውሽጥን ብደገን ካብ ተዛረረዩልና ሕጂ ውን ከም ቀደምና ንጠመር ድኣ ከም ምኣዶ ድምጺ ውጽዓት ከነጎድጉዶ ባይቶና ካብ ፈረሰ ወጽዓና ካብ ብኣሰ ህዝብና

ጀኔቫ

ተላዓሉ ኣባጽሕ ዓድና
ተላዓላ ጎራዙት ዓድና
ተላዓላሉ ኣቦታት ዓድና
ተላዓላ ኣዴታት ዓድና
ሃየ ንዑናይ ናብ ጀኔቫ
ደጋፍን ተቓዋምን ዘይብላ
ኩሉና ብሓበራ
ደቂ’ታ ውጽዕቲ ኤርትራ
ንዓለም ክነግራ
እቲ ድርብ ወጽዓና
ብውሽጥን ብደገን ካብ ተዛረረዩልና
ሕጂ ውን ከም ቀደምና
ንጠመር ድኣ ከም ምኣዶ
ድምጺ ውጽዓት ከነጎድጉዶ
ባይቶና ካብ ፈረሰ
ወጽዓና ካብ ብኣሰ
ህዝብና ካብ ፈለሰ
ስኣን መጓሰ
ሕልሚ ቀደሞም ካብ ደገሰ
ፍርዲ ዓለም ካብ ሓንከሰ
ዶብካ ተወሪሩ እንዳበሉ
ነገር ከም ዘይጻሕተሩ
ተጠሊዖም ዶብ ኣይድልየናን ካብ በሉ
መንእሰይ ኣህሊቆም  ካብ ተዋዘዩ
ሸቐጥ ተረኺቡስ ኣይከሰርና ካብ በሉ
ካብ ተሻረኹ ንጥፍኣትና
ካብ ተዋገዩ ክሸጡና
ሓድሽ ወራር
ሓድሽ ስልቲ
መለኸት ልሳኖም ፍቅሪ
ህዝና ብኡሱሩ
ጓይላ ዝተኽሉ ምስ ሓራዲኡ
መንገዲ ገዲፎም ጓል መንገዲ
ሃሞምን ቀልቦምን ካብ ኮነ ባሕሪ
ደቂ ዓደይ ብሓበራ
ደቂ ከበሳ ምስ ቆላ
ጀኔቫ ንበል ጀነቫ
ሓንቲ እንድያ ጸገምና
ሃያ ተላይ ንዑናይ ንዑናይ
ብሰሚን ዘለኻ ኣድምጽ ኤርትራ
ደቡብ ዘለኻ ንገሮም መን ሙኻንካ
ምብራቅ ዘለኻ በሎም
ኣይትሽየጥ ኣይትልወጥ ኤርትራ
ኩሉል’ዩ ባሕር ምስ ገማግማ
ምዕራብ ዘለኻ
ኣብ ጀኔቫ ይኹን ቆጸራኻ
ሕጂ ውን ክነግራ
ነታ መሸራዊት ዓለም ከነዘኻኽራ
እቲ ሕማቅ ኣመላ
እቲ ጠላም ባህራ
ተላዓሉ እባ ሙሁራት ሃገርና
ተላዓሉ እንዶ ካህናት ሃገርና
ተላዓሉ ድኣ ሸኻት ሃገርና
ክነግሮም እንደገና
ነቶም ግልብጥሽ ዝፍቱና ክምህሩና
ዝዋገዩ ምስ ሓረድትና
ህርዲግ ዝብሉ ክዘምቱና
ፍቅሪ እንዳ ዘመሩ
ረፍዲ ረፍዲ ንደመር ዝብሉና
ኣብ ጀኔቫ
ኣብቲ ናይ ዓለም መጋባእያ
ክነግሮም ቁዋም ሙኻኑ ጠለብና
ኣብ ቤትና ሙኻኑ ጸገምና
ኣታ ክንደይ’ከ ይደፍሩ
ኣታ ቁሩብ’ከ ዘይሓፍሩ
ምስ ደመኛና እንዳ መኸሩ
ነቲ ውጹዕ ንህዝብና እንዳ ኣጉደሉ
ኣዳምራ ያኢ ጠፊኡና
ህርዲግ ይብሉ ምቅማር ክምህሩና
ብልሳኖም ፍቅሪ ይዝሙሩ
ብጸላም ጽልኢ የሳውሩ
የዒንቶም ብስስዕቲ ዓዊሩ
ባሕሪ እንበር ህዝቢ ዘይብሉ
ካብ ታሪኽ ዘይምሃሩ
ካብ ምስግር ማዕዶ ትግዕሩ
ቅድም ምሰ ነብስኹ ዘይትድመሩ
ኣብኡ’ዶ የለውን
ረፍዲ ረፍዲ ብጎዞሞ ዝሕረዱ
ነንሕድሕዶም ብሓዊ ዝናደዱ
ኣመቶም ግዳ ግበሩ
እንተ ንሕና መዳምርቲ ኣለውና
ኣታ ንሕናስ ግደፉና መዳምርቲ ኣልውና
ንዓመታት ትኣሲሮም ዘለው ንመሰልና
ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ዝተሰውኡ በጃና
ጉደፉና ድኣ ጉደፉና ቁስልና ኣይትጉኡና
ንሕናስ ዱሙራት ኢና ካብ ቀደምና
ምስቲ ዳግማይ ዝተጠልማ ውጽዕ ህዝባና !
ንሱኹምስ ኢድኩምን እግርኹም ድኣ ሑዙልና
ባዓልና ኣለናዮ ጸገምና
ህዝበይ ጀኔቫ ድኣ በል ጀኔቫ
የማን ጸጋም ዘይብላ
ተላዓሉ ሊቃውንቲ ዓድና
ሃያ ተላይ ሽም ኩኑና
ኣብ ጃኔቫ
ኣብቲ ናይ ዓለም መጋባእያ
ንዛተ እሞ ንማኻኸር
ንክኣል እሞ ንጸዋወር
ነጽልል ኣብ ናይ ሓድነት መስመር
መራሕን ተመራሕን ዘይብሉ ኣይስራሕን’ዩ ሃገር
ድምጽናን ወጽዓናን ዘስሙዑልና
ሃየ ንምረጽ ወከልትና
ንህቢ’ ዶ ኣይሓይሽን ካብ ሃመማ
ስኣን ውደባ’ዶ ኣይኮነን
ስኣን ውደባ
ሓንቲ ከይሓዘ ኣብ ጎዱፍ ዝውዕል ሃመማ
ንሕናስ ተምሳል ንህቢ ድኣ
ንዕመም መመደብና
ምዓር ወላላ ክኸውን ቀለብና
ፍቅርን ስኒትን ክኸውን ድራርና
ሰሚርና እንተ ወጺና
መን ደው ክብል ኣብ ቅድመና
መን’ስ መን’ዩ ዝትኪ ቆፎና
ንሱ እንድዩ ግዲ ታሪኽና
ህዝበይ ጀኔቫ በል ጀኔቫ
ከኽትም ጸገምና
ክምለስ ባይቶ ዓደቦና
ምልኪ ክጽረግ ካብ ቅርዓትና
ደቀባት ክመሩሑና
ሓራ ክትከውን ካብ ምልኪ ኤርትራና

ቅዋም ክነግስ ኣብ ሃገርና
ፍትሒ ክነግስ ኣብ ቤትና

ኣፈወርቂ ሞጎስ 17/08/2018
ካናዳ

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • k.tewolde August 26, 2018

    Beautiful poem Mr. Mogos,yes lets make it a staging point where we usher a new era of democratic political and social life in our homeland,lets make it the venue where the collective Eritrean conscience merge together and carve out the leadership that represents that conscience,lets make it the modern day mount Adal and fire the first Eritrean defiant bullet against the predatory unionist,lets make it the burial ground of tyranny and its ugly tenets,let it be the last place where we stamped out our differences and joined hands to claim what is truly ours >>>>> a democratic,multi-ethnic, sovereign Eritrea,with no addition or subtraction,the way our martyrs entrusted us.Lets send a clear message to those who think otherwise!! Have faith in the Almighty and let it ride,nothing is impossible with him,He can shackle the brute and bring him to his knee.Amen.

  • Awet Haile August 30, 2018

    Well done job. Keep it up Afe. እዋናውን ገላፅን ስነ ሓሳብ ዝሐዘለ ግጥሚ. እዚ ፀልማት ለይቲ ክወግሕ ቀሪቡ እዩ:: ሐውካ.

Post a Reply to Awet Haile Cancel Reply