Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት ብ ኣማኑኤል ሳህለ   ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ኣብ ናይ ኣካላትና ዋህዮታት (cells) ጥራይ እንተ ርኢና፡ ዶባት ከም ምልክት ርእሰ-ምሕደራ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ክንግንዘብ ንኽእል። ዶብ ዘይብላ ዋህዮ፡ ሕምምቲ ወይ ናይ ሕማም ጠንቂ ጥራይ

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ኣብ ናይ ኣካላትና ዋህዮታት (cells) ጥራይ እንተ ርኢና፡ ዶባት ከም ምልክት ርእሰ-ምሕደራ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ክንግንዘብ ንኽእል። ዶብ ዘይብላ ዋህዮ፡ ሕምምቲ ወይ ናይ ሕማም ጠንቂ ጥራይ እያ ክትከውን እትኽእል። ኩሉ ዕድል ዝረኸበ ጸላኢ ድማ ክጥቅዓ እዩ ዚነብር።

 

እታ ዶብ ወይ መንደቕ ዘለዋ ዋህዮ፡ ዶባ ምስ ኣረጋገጸትን ነቲ ዕዮ ቤታ ምስ ኣጠናቐቐትን ጥራይ እያ ምስታ ጥቓኣ ዘላ ዋህዮ ክትዋሳእ እትኽእል። ሓቢረን ድማ ነቲ ቲሹ ዚብሃል እኩብ ዋህዮታት ይፈጥራ። እቲ ቲሹ ድማ ርእሰ-ምምሕዳሩ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነቲ ኦርጋን ዚብሃል እኩብ ቲሹ ይፈጥር።

 

ኣብ ፍጥረት ዚርከብ ኩሉ ነገራት፡ ብመንደቕ ወይ ብሓጹር ወይ ብሽፋን እተደረተ እዩ። ጋህ ኢሉ ንዘልኣለም ዚቕጽል ነገር የልቦን። ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ ዚረኣየና ህዋ እውን እንተ ኾነ፡ ናይ እተፈላለዩ ኤለክትሮማግነታውያን ንጥፈታት ዚድርቱ ዶባት ኣለዉ።

 

ኣካላትና ወይ ነብስና ካብቲ ከባቢና ከም ዚፍለ ዚገብሮ፡ እቲ ቆርበትና እዩ። ውቅያኖስ ደረት ኣለዎ፡ ባሕሪ ደረት ኣለዎ፡ ቀላይ ደረት ኣለዎ። ኩሉ ፍጡር ካብቲ ከባቢኡ ፈልዩ መንነት ዘልብሶ ደረትን መፈላለይን ኣለዎ። እታ እንነብረላ ገዛ እንተ ኾነት እውን፡ ምስቲ ጎረቤትና ዚፈልያ መንደቕ ወይ ሓጹር ወይ መካበብያ ኣለዋ። ገዛውትና ወይ ካንቸሎና ዶብ ዘይብሉ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ምናልባት ነንሕድሕድና ክንበኣስን ክንቋየቝን ምነበርና ኔርና።

 

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መንደቕ ወይ ሓጹር ዘይብሉ ካንቸሎ፡ ክልተ ኣንስቲ ኩሉ ግዜ ይቋየቛን ይበኣሳን ነይረን። ደርሆኺ ጀበናይ ሰቢራትለይ፡ ድሙኺ ስጋይ በሊዓትለይ፡ ክዳውንትኺ ስለ ዝበዝሐ ኣብ ካልእ ጽጥሕዮ ወዘተ። ነዚ ዘስተብሃሉ ሰብኡተን፡ ነቲ ካንቸሎ ብትሕት ዝበለ ሓጹር መንደቕ ኪፈላልዩዎ ወሲኖም። እቲ ሓጹር መንደቕ ምስ ተሰርሐ፡ እተን ኣንስቲ በቲ ነናተን መንደቕ ሓጹር ኮይነን ከዕልላ ጀሚረን። ፍቕረን ኪዓቢ ጀሚሩ፡ ሰላም ድማ ነጊሱ። ምስ ገሊኡ ሰብ (ወይ ህዝቢ) ብማዕዶ ደኣ!

 

ኣብዛ ሰባት ነንሕድሕዶም ከም ተዃሉ ዚባልዑላ ዓለም፡ ኣብዛ ውግእ ኣቋሪጹላ ዘይፈልጥ ዓለም፡ ኣብዛ ኩሉ ነንጻሕሉ ላዕልን ታሕትን ዚብለላ ዓለም፡ እቲ ሰላም ዘውሕስ እንኮ ኣገባብ፡ ሓጹር ወይ ዶብ ምስራሕ እዩ። ሓጹርካ ምስ ሰራሕካ ድማ ተኸባቢርካ ጉዳያትካ ከተካይድ ትኽእል።

 

ንሓንቲ ሃገር ዶብ የብላን ኢልካ ምዝራብ፡ ፈጺማ የላን ኢልካ ከም ምዝራብ እዩ ዚቝጸር። ኤርትራኮ ኤርትራ ዝኾነት ዶባት ስለ ዘለዋ እዩ እምበር፡ እንተ ዘይህልዋ ነይሩ፡ ክፋል ሱዳን ወይ ክፋል ጂቡቲ ወይ ክፋል የመን ወይ ክፋል ኢትዮጵያ ምኾነት ነይራ። ይትረፍዶ እቲ መሬታ፡ እቲ ባሕራውን ዶብ ኣለዎ።

 

ዶብ ዘይጠቕም ነይሩ እንተ ዚኸውን እዚ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝወሰደ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣይመድለየን ነይሩ። ኤረ! ወድ ኤረ! እናበልካ እትዋግኣላን እትስውኣላን እትዝምረላን ባንዴራ እትሰርሓላን እኮ ነታ ብዶብ ጌርካ ካብተን ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃገራት ዝፈለኻያ ኤርትራ ህላወኣ ንምሕላውን ንምኽባርን ንምዕቃብን እምበር፡ ንሓንቲ ዶብ ዘይብላ፡ ጸላኢ ከም ድላዩ ኪጻወተላ ዝውዕል መሬት ኢልካ መስዋእቲ ኣይምኸፈልካን።

 

ዶብ ኪብሃል ከሎ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ብኹሉ ዙርያኣ ዚቕንታ ሕጋዊ ደረት እዩ። ፍርቂ ዶብ ዚብሃል ነገር የልቦን። በዚ መሰረት’ዚ ሓደ መራሒ ሃገር፡ ሃገረይ ብሓደ ወገና ጥራይ ዶብ የብላን ኪብል ከሎ፡ ትርጉሙ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን፥ ዓዲ ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ ኣላ ማለት እዩ።  ምናልባት ብኹሉ ወገና ዶብ የብላን እንተ ዚብለና ነይሩ፡ ጽሉል እዩ ኢልና ሸለል ምበልናዮ ኔርና። ብሓደ ወገና ጥራይ እያ ዶብ ዘይብላ ኪብለና ከሎ ግን፡ ልብና ኣውዲቕና ክንድቅስ ኣይንኽእልን።

 

ይትረፍዶ እቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣእምሮኡ ክብ ዝበለ ሰብ፡ እንስሳታት ከይተረፉ ነቲ ዚሃድኑሉ ቦታ ብሽንቲ ይኽልሉዎ እዮም። ኣናብስ፡ ኣናብር፡ ኣኻልብ፡ ተዃሉ ወዘተ ከምዚ ብምግባር እዮም ዶባቶም ዘፍልጡን ዘጠንቅቑን። ነዚ ብሽታ ጥራይ ዚልለ ዶብ ጥሒሱ ዚኣቱ ግሩህ ወይ ምኩሕ እንስሳ ድማ ሞት እያ እትቕበሎ። ኣብኡ ምስ ኣተወ፡ እቲ ነቲ ክልል ዝጠረረ እንስሳ ነቲ ክልል ዝጠሓሰ እንስሳ ይቐትሎ ወይ ድማ ኣጓዪዩ ካብቲ ዶብ የውጽኦ። ብዶብ ጸወታ የልቦን!!

 

ብተወሳኺ፡ ብዘይ ዶብ፡ ናጽነት ከም ዘየልቦ ኩሉ ኪፈልጦ ይግባእ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብዙሓት ምስ ገለ ደማሮ ተደሚረን ዝነበራ ሃገራት ምብራቓዊ ኤውሮጳ፡ ዶብ ተገይሩለንስ ናጽነተን ኣዊጀን እየን። ዶብ ከይተሓንጸጸለን ከሎ፡ ናጻ ኢኽን ኣይተባህላን። ግን ኣብዚውን ገለ ናይ ኣደማምራን ኣጎዳድላን ጸገማት ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት፡ ገለ ናጽነት ተነፊጉወን ዝነበራ ሃገራት ከም ብሓድሽ ዶብ ዘለዎ ናጽነት ረኺበን እየን።

 

ዩክረንያ ብዘይ ዶብ፡ ሩስያ እያ ክትከውን ማለት እዩ። ደቡብ ሱዳን ብዘይ ዶብ፡ ሱዳን እያ ክትከውን። ኣላስካ ድማ ብዘይ ዶብ፡ ሩስያ እያ ክትከውን። ዶብ ዘይምህላው ማለት፡ ኣብቲ ዘመነ እኒ እኒ ሕምባሻ ኸሎ እምኒ ምንባር ማለት እዩ። ሽዑ ዶብ ኣይነበረን፡ እቲ ኣእምሮ ሰብ እውን ዶብ ኣይነበሮን። ኩሉ በብሓይሉ እዩ ዚነብር ነይሩ። ብዘመን ውራ ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ ብማለት፡ ኩሉ ይወርርን ይምንጥልን ይዘርፍን ነይሩ። እቲ ዶባት ብካርታ ዘይኮነስ ብዕንትርና እዩ ዚጥረር ዝነበረ።

 

ኣብ ፊውዳላዊ ስርዓት እውን፡ ዶብ ኪብሃል ከሎ፡ ናይቲ መስፍን ስልጣን ዚዝርግሓሉ ቦታ ወይ መሬት እምበር፡ ፍሉጥ ዶባት ኣይነበረን። እቲ ማእከላዊ መንግስቲ ድኹም ብምንባሩ፡ እቲ ዶባት እውን ብተዛማዲ መገዲ ድኹም እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ድማ ሎሚ ኣብ መሬት ወይ ግዝኣት ደግያት እከለ ኣሎ፡ ጽባሕ ንግሆ ድማ ኣብ መሬት ራእሲ እከለ ይጥርነፍ ነይሩ ማለት እዩ።

 

ሕጂ ግን፡ ሰብ ብማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን መገዲ ስለ ዝማዕበለ፡ ብሰላም ኪነብር እንተ ኾይኑ ፍሉጥን ወግዓውን ዶብ ከም ዘድልዮ ይፈልጥ እዩ። ዶባትካ ምስ ፈለጥካ ግን፡ ንመሳገሪ ድዩ ንመኸልከሊ ክትጥቀመሉ ናትካ ምርጫ እዩ። ነቲ ምውጻእን ምእታውን ሰባት ከተፍኩሶ ዲዩ ወይ ከተትርሮ ናትካ ምርጫ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ፡ ሽሕኳ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዶባት፡ ብቑጠባውን ንግዳውን መገዲ ብተዛማዲ እናፈኾሰ ይኸይድ እንተሎ፡ ፈጺሙ ግን ኪፈርስ ኣይክእልን፡ ከመይሲ መንነትካን እንታይነትካን ህላወኻን ዘውሕሰልካ፡ ዘይሩ ዘይሩ እቲ ዶብ ጥራይ እዩ። ቁልቁል ኣፋ ዶብ የለን ኢልካ ምዝራብ ግን፡ ኣብቲ በዓል ራስ ውቤ ወይ ሚካኤል ስሑል ወይ ሰባጋዲስ ወይ ሃጸይ ተድሮስ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዘመን ምምላስ ማለት እዩ።

 

ገለ ሰባት ግን፡ ዶብ ዘይኮነስ ሰላም እዩ ዘድልየና ዚብል ጊንጢ ዝኾነ ዘረባ ኪድርብዩ ይስምዑ ኢዮም። ዶብ ስለ ዘሎዶ ኣይኮነን እታ ኹሉ ሰብ ዚደልያ ሰላም ተዓቂባ እትነብር ዘላ። ብቐደሙስ ሰላም ኪነግስን፡ ሓረስታይ ቀሲኑ ኪሓርስን ነጋዳይ ድማ ከይሰግአ ኪነግድን ተባሂሉዶ ኣይኮነን ዶባት እተሓንጸጸ? ስልጣንን ልኡላውነትን ሃገር ክሳዕ ኣበይ ይዝርጋሕ፡ ኣበይከ ይውዳእ ንምፍላጥዶ ኣይኮነን ዶባትን ክልላትን ዚሕንጸጹ? መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ እቲ መጀመርያ ዘገበሮ ውዕል ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ዘተኮረዶ ኣይኮነን ነይሩ? ስለዚ ድማ ክልተ መንግስታት ብሕጋዊ ዶባት ተደሪቶም ብሰላም ነቢሮም። ምስዚ ኹሉ ግን፡ ኣብታ ብጣልያን እትግዛእ ዝነበረትን ዶባታ ፍሉጥ ዝነበረን ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ቆንስል ነይሩ እዩ። ዶብ ምስ ተወሰነ፡ ስዒቡ ድማ ሰላምን ጽቡቕ ርክብን ተራእዩ።

 

ገለ ካልኦት ድማ፡ ዶባት ባዕዳውያን ንህዝቢ ከየካፈሉ ዝኸለሉዎ ደረት እዩሞ ዋጋ ኣይንሃቦ ዚብሉ ኣለዉ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ደኣ ከንያ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ካብ ኤርትራ፡ ጂቡቲ ካብ ሶማልያ ብምንታይ ኣገባብ እየን ኪፍለጣን ልኡላውነተን ከረጋግጻን ኪሕልዋን? እተን ብ 1960ታት ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝመስረታ ሃገራት፡ በባንዴራአን ሒዘን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኪኣትዋ ከለዋ፡ ነቲ ባዕዳውያን ዚጠረሩለን ዶባት ወኪለንዶ ኣይኮናን ስርሐን ዝጀመራ? ከምዚ ዓይነት ዘረባ ናይ ሸፈጥን ተንኮልን ዘረባ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ምስጢር የብሉን።

 

ክትሸጣ ዝደለኻ በቕልስ ሓጢኣታ ትጽብጽበላ ተባሂሉ እዩሞ፡ ኣብዚ ግዜዚ ኩሉ ኤርትራዊ ንሃገሩ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ተጊሁ ኪሕልዋን፡ ካብቲ ፕሮፖጋንዳ ናይቶም ኣብዚ እዋንዚ ብዝያዳ ውሕውሕ ዚብሉ ዘለዉ ወይጦት ህግደፍ ኪጥንቀቕን፡ ካብ ድቃሱ ኪበራበርን፡ ዓቕሙ ዚፈቕደሉ ድማ ናብ ጀነቫ ብምኻድ ድምጹ ከስምዕን ይግባእ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Tekeze August 27, 2018

    Memhir Skunisat nay deki shuK kem baal Isaias Afechenawi, Yemane monkey, Hagos kisha, Yemane Charlie.
    Who bloody refused/denied a dob/border to poor sick Eritrea?
    It was your bloody mad Eritrean leaders who declared a devastating costly wars on the Sudan, Yemen, Djibouti
    and finally Ethiopia within the young age (27 yrs) of your new nation.
    Your mad/weird Eritrean leaders only avoided (going into a war) Saudi Arabia from their neighbors because they knew very well going into war or declaring war on the Saudis (USA closest allies) would be like making a last suicidal.

  • Haregot August 27, 2018

    Memhir Bernenite Amanuel Sahle,
    I described you “bernenite” using your own language or description from your last article.
    Indeed memhir bernenite, Esayas duped you/us twice saying the first time in early 1990s about ‘there won’t be an issue of border between Eritrea & Ethiopia and again last month in Menelik Palace Addis Abeb saying Eritrean & Ethiopian people/hizbi are one people – meaning no need for borders’. It is the mad dog Esayas and his brutal regime that you failed so disastrously to defeat or get rid off and that you should worry about and plan or write on how to bring the positive and lasting changes in Eritrea. Why worry on borders when there is an international laws?

  • meretse August 27, 2018

    ዝከብርካ መምህር፡
    ኣብ ጽሑፋትካ ምዋሳክ ወይ ምንካይ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ኢዩ። ከመይሲ፡- ጽሑፋካ፡ ብኩሉ እንተናኡ ዝተማልኣ ስለ ዝኮነ። ኾይኑ ግን ዓቢ ኹምራ ብ ኣብጥቅኡ ዝተነበረ ቒሚጦ ሽል ስለ ዘይብል ፡ ኣብ ጥቃ እቲ ዓቢን መሃሪን ሓሳባትካ ንእሽቶ ሓሳብ ምንባር ኣይጎድእን ካብ ዝብል እምንቶ ተበጊሰ ነዚ ሓጻር ዛንታ የቅርብ።
    ዘመኑ ዘመን ገድሊ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ኣብ ዘመን ገድሊ መን ጊድኡ ዘየበርከተ። እቲ ቀንዲ ተዋሳኢ መንእሰይ ንጎድኒ ገዲፍና የማነ ጸጋም ቁልሕ ምስ እንብል ኣብ ዘመን ገድሊ ኢዱ ዘይሓውሰ ኣካል ሕ/ሰብና ከም ዘይነበረ ኢና ንርዳእ ። ካብ ደናግል፡ ፈለስቲ፡ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ዓሞቝቲ ምሕዳራት ዝነብሩ፡ ዝነበሩ ጓሶትን ፡ ባሕተውቲን ከይተረፈ ዘማልአ ኢዩ ኔሩ። እስኪ ካብ መንጎ እዚ ዓቢ ታሪክ’ዚ ሓንቲ ሓጻር ዛንታ ከዘንቱ። ሓደ ግዜ ኣብ እታ ስድራይ ዝነብሩላ ንእሽቶ ከተማ ንዕረፍቲ ኢለ ምስ ከድኩ፡ ከም ኣጋጣሚ ጸላኢ ከም ኣመሉ መጽእኩ ከይበለ ንግሆ ወረር ወረር ኢሉ ከበባ። ኣብ ገዛ ከም ዘሎኩ ዝፈለጡ ደቒ ዓዲ ጠፋእኻ፡ ቀልጢፍካ ውጻእ ሳላ ዝበሉኒ፡ ከኣ ከምልጥ ከኣልኩ። ክሳብ ጸላኢ ካብ’ታ ዓዲ ዝከይድ ፡ ኣብ ሓደ ጸልኢ ዘይጥርጥሮ ፡ ብዓሚቕ -ምሕዳር ዝፍለጥ ቦታ ክቅኒ መረጽኹ። እዛ ምሕዳር እዚኣ ብስም ሓንቲ ስድራ ቤት እትጽዋዕ ምሕዳር ኢያ። ጥሪቶም ብዙሓት ከብትን፣ ኣጣልን ዘማልአ ስለ ዝነበረ ደንበኦም ዓቢ ደንበ ነበረ። ነተን ኣጣል እትሕሉ ሓንቲ ጎርዞ ጓል ነበረት። ንሳ ስለ ገድሊ ብዙሕ እትፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ከም ኣጋጣሚ ኣነ ኣብኡ ኣብ ዝቀነኩሉ ግዜ ግን፡ ዝተፈላለየ ሕቶታት ትሓተኒ ነበረት። ኣነ’ውን ነቲ ዝፈልጦ ዘበለ ኣይበቆኩላን። ንሳ ትሓተኒ ዝነበረት ሕቶታት፡ ዕዮ ናይ መጽኢ መደባታ ንምዕዋት ዝዓለመ ሕልሚ ከምዝነረ ግን ምንም ዝፈልጦ ኣይነበረንን።ድሕሪ 2 ቅነ ኣቢሉ ከኣ ነተን ጥሪታ ንውካርያን ንኣዛብእን ገዲፋ፡ ንስድረኣ ደሓን ወዓሉ ከይበለት ኣብ ገድሊ ተጸንበረት። እቲ ዘገርም ኣብ ገድሊ ምስ ተጸንበረት፡ እንታይ ክትገብሪ ወጺእኪ ዝብል ሕቶ፡ ምስ ቀረባ ዝሃበቶ መልሲ ኢዩ።

  • meretse August 27, 2018

    ሕቶ/ ሓፍትና እገሊት፡ መጀመርያ እንቛዕ ደሓን መጻእኪ፡። ብምቅጻል ግን ዕላማ መውጽኢኪ ምገለጽክልና ዶ? ንሳ ላዕሊ የብላ ታሕቲ የብላ፡ ሓንቲ ቃል ጌራ ኢያ መሊሳታ፡-“ክስወኣላ” ቅድመኣ ወይ ድሕሪ’ዛ ዘውጽኣክያ ቃል ሓንቲ ወይ ክልተ ኣጥብቒ እንተ ተባህለት፡ ካልእ ባዕልኩም ኣጣብቅዎ። ኣነ ግን ልዕሊ እዚኣኣ ዝውስከሉ የብለይን ኢላ ክሳደይ ነበላሕ በለት። ድሕሪኡ ስማ ጠፊኡ ብኡ በዛ ሓንቲ ቃል ኣብ መላእ ሜዳ ሓዳሽ ስማ (ክስወኣላ) ተጠመቀት ። ኣነ’ውን ከም ካልኦት ብዝና ስማ መን ኢያ እዛ ክስወኣላ? ክሪኣ ዕድል እንተ ዝረክብ ኢለ እንዳሓሰብኩ እንከሎኹ፡ ከም ኣጋጣሚ፡ ክስወኣላ ኣብ ዝነበረቶ መደበር ይውዕል’ሞ ከላልዩኒ ይሓትት። እውን ከኣ ኮነ። ክስወኣላ ስለ ዘለለየትኒ ነጢራ መጽጺኣ ተሰዓመትኒ። ኣነ ስለ ዝገገኩዋ፡ ገደደ፡ ኢለ ብከብደይ እትፈልጥኒ ድኪ ከኣ ኢለ፡ ጌግየኪ ኣሎኹ በልክዋ። ንሳ ሓቕካ ፡ እየ ኢላ ምስ ነብሳ ኣላለይትኒ። ድሕሪ ቁሩብ ሕቶን መልስን ግን ኣነ ናብ ዘምጽኣኒ ውራይ ኣትየ፡ ንምዃኑ ንምንታይ “ክስወኣላ” ኢለምዅ ዝብል ሕቶ ምስ ኣልዓኩላ፡ ካብኣ እትበልጽ መልሲ ግደፍ ሽዑ ሎሚ’ውን የብለይን። ከይዶም ከይዶ እቶም ኩሎም ቃላት ነዛ መስዋእቲ ዝገልጹ ኢዮም። መስውእቲ ናይ መን ብዘይ የገድስ ንጹህ ደም ምፍሳስ ኢዩ። ደም ከኣ ሓደ ኢዩ። ሓፊስን ቀጢንን ዝብሃል ደም የሎን። ህይወት ሓንቲ ኢያ ሞት ሓንቲ ኢያ። ንክብርን ናጽነትን ዝግበር መስዋእቲ ከኣ ሓላል ኢዩ። መቸስ ካብቶም በጻሕቲ ሓንጎላ ክሳብ ክንደይ ከም ዝዓበየ ንምፍላጥ ኣየጸግምን። ነዚ ዘልዓልኩሉ ምክንያት ናጽነት ኤረትራ ብመን ከም ዝመጸት ንምዝክካር ኢዩ። ብምፍሳስ ደም ኩሉ ኣካል ሕ/ሰብ ዝተረክበት ናጽነት ሎሚ ብሓደ ኢሰያስን ሰዓብቱን፡ ኣብ ሓደጋ ክትወድቅ ስቅ ኢሉ ዘርኢ ሕልና የብልናን። ኻብ ሓንካስ ብዘይ ምርዅስ ዝተቃለሰላ ሃገር ሎሚ ኣይትቅነስ ኣይትድመር ንበል።
    እንተ መምህር ግን ፡ ናይ ኩሉ ግዜ መምህር ምዃንካ ዘመስከርካ ኢካ። ከም ሓደ ኣካላት ነበብቲ ከኣ ኣብ ዘንበብኩሉ ዘበለ እንተ ኣመስገንኩካስ ኣዮኣብየካን።
    senay qne

    • Misghina August 28, 2018

      Why do you say so much to just mean so little?
      Shouldn’t you write an article and post it to assenna instead?
      Comments should be short and precise to the point,
      Thank you ato Amanuel S and yes all should be aiming for Geneva demo.

  • hb August 27, 2018

    memhir AMANUEL,

    you never fail us.
    Your role and guidance at this critical juncture is invaluable.

  • Robiel Gebrehiwet August 27, 2018

    Memher, thanks for the great and timely teaching.

  • AHMED SALEH !!! August 29, 2018

    Issaias knows to keep border issues
    idle and to keep our youth on frontiers will prolong his reign .

  • meretse August 29, 2018

    መምህር ኣማኒኤል፡ ብከፊል ከምዚ ዝስዕብ ይብል ——
    “ ኤረ! ወድ ኤረ! እናበልካ እትዋግኣላን እትስውኣላን እትዝምረላን ባንዴራ እትሰርሓላን እኮ ነታ ብዶብ ጌርካ ካብተን ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃገራት ዝፈለኻያ ኤርትራ ህላወኣ ንምሕላውን ንምኽባርን ንምዕቃብን እምበር፡ ንሓንቲ ዶብ ዘይብላ፡ ጸላኢ ከም ድላዩ ኪጻወተላ ዝውዕል መሬት ኢልካ መስዋእቲ ኣይምኸፈልካን።”
    ነታ እተተምነናያ “ፍረ ወይኒ” ንምርካብ ዶ ኣይኮነን እዚ ኩሉ መስዋእቲ ዝተከፍለ?—– ንእትብል ጥምርቲ ሓሳብ ፡ ካብ ማእከላይ ትርጉማ ከይወጽእኩ፣ ብብዙሓት ተቃለስቲ ነበር፡ ሎሚ ገና ብሕወት ዘሎና ደሚቃ እትዝከር፡ ሓጻር ዛንታ ብከፊል ኣቕሪበ። ብሪኢቶካ ነዛ ሓንቲ ንእሽቶ ዘረባ ክትነግር ክንዲ’ዚ ኮለል እንታይ ኣበለካ ዝብል ወቀሳ ሰሚዔ። ወቀሳካ ከም ዘሎዎ ተቀቢለ፡ ምክንያተይ ግን ወስ ከብለልካ። ንስካ 2 ብርኪ ዘሊልካ እንተ ሃሊካ፡ ሓቅካ ኢካ። ንዓካን ንከማካን ብዙሕ ኣይትምልከትን ኢያ። ነቶም በጽሒ፡ መንእሰያት በጻሕቲ ኣሰና ግን፡ ትብጽሖም ኢያ ዝብል ግምት ኣሎኒ። ንክትቃለስ ዘሎካ ከይጠፍኣካ እንዳ ሓሎካ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሕይወትካ ክትከስሮ ዘይነበረካ ነገር ግን ምእንቲ መሰል ክትከስር ምዃንካ ኣለሊካ/ፈልጥካ ብድድ ክትብል ኣሎካ፡ ንዝብል ሓብሬታ ንምብጻሕ ዘዘንተክዋ ተረክቦ ኢያ ኔራ። ንዓካ ክትወሓጠልካ ዘይከኣለት ግን ሓንቲ ነገር እንተ ኔራ፡ ኣነ ከም ኣካል እታ ታሪክ ምቅራበይ ኢዩ። ኣጆካ፡ እዚ ጸገም’ዚ ኣብ በይንካ ዘሎ ጸገም ጥራሕ ኣይኮነን። ኣብ ኩልና ዘሎ ኢዩ። ንሕና ኤረትራውያን ብባህልና ስለ ዝወዓልናሉ ወይ ዝሓደርናሉ ስበ ስለና ከዛንትዎ እምበር ባዕልና ምትራት ወይ ምዝንታው ከም “ነብሰ ምግናን” ወይ ብካልእ ኣዘራርባ፡ “ባዕል ናእዳስ፡ ማይ ዛንገዳ” ዝዓይነቱ ትርጉም ስለ ዝወሃቦ፡ ብልምዲ ነብስካ ምሕዋስ ኣብ ሓደ ተረክቦ ክንዲ ነቲ ታሪክ ዘክብዶ የፍዅሶ ኢዩ። ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ግን ብኣንጻሩ ኢዩ። እንተ ተረኪቡ ቀዳማይ ተመራጺ ናይ ባዕልካ ውዕሎ ኢዩ። እዚ ምክንያት ከኣ እይኮነን፤ ቀዳማይ ምክንያቱ ነቲ ተረክቦ ካብ ማንም ንላዕሊ ንስካ ስለ እትቀርቦ፣ ቀጺሉ’ውን ነቲ ታሪክ ተመርኲሶም ንዝቀርብዃ ሕቶታት ብንጹር ክትምልስ ስለ ዘብቅዓካ ኢዩ። እስኪ ተዓዘብ ታሪክ “ፈጠራ” ብመን ክንገር ትሓሪ። ብዝተረፈ ሕጂ’ውን “ዘዋር መርዘን ርእሲ” ከይሕዘካ ኣብ’ዚ ዶው ክብል፡

    • Misghina August 29, 2018

      You still say too much just to mean too little.
      What a school did you go to, was it just a poor school of AJEWJOWS?
      Don’t waste your time to impress or fool readers with your meaningless writings.
      The above article is only about borders but you trying to stretch it beyond its limit!, Why?

  • meretse August 30, 2018

    First I would like to thank u for sticking with one name now. This is time ur not hiding under ur multiple names like u used to do. To answer ur question school I went to Tekreret College. But when in i were in high school the writer of the above article was my instructor.

    • Misghina August 30, 2018

      Poor you, you seem to be so disoriented as you are all over the places!
      Did I touch your paralyzed nerves or is it normal for you to react in this way?
      You don’t have to thank me as I always stick to one name unless you are a confused person!
      Where is your Tekeret college then, in Seraye? “Instructor” for driving lessons or as a PE??????

  • meretse August 30, 2018

    Correction: ….for the omitted words excuse my cellphone.

    • Misghina August 30, 2018

      And where is the bloody correction then????? Please calm down and control yourself!!!!

Post a Reply to Genet-Original Cancel Reply