Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት ብ ኣማኑኤል ሳህለ   ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ኣብ ናይ ኣካላትና ዋህዮታት (cells) ጥራይ እንተ ርኢና፡ ዶባት ከም ምልክት ርእሰ-ምሕደራ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ክንግንዘብ ንኽእል። ዶብ ዘይብላ ዋህዮ፡ ሕምምቲ ወይ ናይ ሕማም ጠንቂ ጥራይ

ዶብ፡ እቲ መሰረታዊ ሕላገት ናጽነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

 

ኣብ ካልእ ከይከድና፡ ኣብ ናይ ኣካላትና ዋህዮታት (cells) ጥራይ እንተ ርኢና፡ ዶባት ከም ምልክት ርእሰ-ምሕደራ ኮይኖም ከም ዘገልግሉ ክንግንዘብ ንኽእል። ዶብ ዘይብላ ዋህዮ፡ ሕምምቲ ወይ ናይ ሕማም ጠንቂ ጥራይ እያ ክትከውን እትኽእል። ኩሉ ዕድል ዝረኸበ ጸላኢ ድማ ክጥቅዓ እዩ ዚነብር።

 

እታ ዶብ ወይ መንደቕ ዘለዋ ዋህዮ፡ ዶባ ምስ ኣረጋገጸትን ነቲ ዕዮ ቤታ ምስ ኣጠናቐቐትን ጥራይ እያ ምስታ ጥቓኣ ዘላ ዋህዮ ክትዋሳእ እትኽእል። ሓቢረን ድማ ነቲ ቲሹ ዚብሃል እኩብ ዋህዮታት ይፈጥራ። እቲ ቲሹ ድማ ርእሰ-ምምሕዳሩ ምስ ኣረጋገጸ፡ ነቲ ኦርጋን ዚብሃል እኩብ ቲሹ ይፈጥር።

 

ኣብ ፍጥረት ዚርከብ ኩሉ ነገራት፡ ብመንደቕ ወይ ብሓጹር ወይ ብሽፋን እተደረተ እዩ። ጋህ ኢሉ ንዘልኣለም ዚቕጽል ነገር የልቦን። ኣብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ኮይኑ ዚረኣየና ህዋ እውን እንተ ኾነ፡ ናይ እተፈላለዩ ኤለክትሮማግነታውያን ንጥፈታት ዚድርቱ ዶባት ኣለዉ።

 

ኣካላትና ወይ ነብስና ካብቲ ከባቢና ከም ዚፍለ ዚገብሮ፡ እቲ ቆርበትና እዩ። ውቅያኖስ ደረት ኣለዎ፡ ባሕሪ ደረት ኣለዎ፡ ቀላይ ደረት ኣለዎ። ኩሉ ፍጡር ካብቲ ከባቢኡ ፈልዩ መንነት ዘልብሶ ደረትን መፈላለይን ኣለዎ። እታ እንነብረላ ገዛ እንተ ኾነት እውን፡ ምስቲ ጎረቤትና ዚፈልያ መንደቕ ወይ ሓጹር ወይ መካበብያ ኣለዋ። ገዛውትና ወይ ካንቸሎና ዶብ ዘይብሉ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ምናልባት ነንሕድሕድና ክንበኣስን ክንቋየቝን ምነበርና ኔርና።

 

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ መንደቕ ወይ ሓጹር ዘይብሉ ካንቸሎ፡ ክልተ ኣንስቲ ኩሉ ግዜ ይቋየቛን ይበኣሳን ነይረን። ደርሆኺ ጀበናይ ሰቢራትለይ፡ ድሙኺ ስጋይ በሊዓትለይ፡ ክዳውንትኺ ስለ ዝበዝሐ ኣብ ካልእ ጽጥሕዮ ወዘተ። ነዚ ዘስተብሃሉ ሰብኡተን፡ ነቲ ካንቸሎ ብትሕት ዝበለ ሓጹር መንደቕ ኪፈላልዩዎ ወሲኖም። እቲ ሓጹር መንደቕ ምስ ተሰርሐ፡ እተን ኣንስቲ በቲ ነናተን መንደቕ ሓጹር ኮይነን ከዕልላ ጀሚረን። ፍቕረን ኪዓቢ ጀሚሩ፡ ሰላም ድማ ነጊሱ። ምስ ገሊኡ ሰብ (ወይ ህዝቢ) ብማዕዶ ደኣ!

 

ኣብዛ ሰባት ነንሕድሕዶም ከም ተዃሉ ዚባልዑላ ዓለም፡ ኣብዛ ውግእ ኣቋሪጹላ ዘይፈልጥ ዓለም፡ ኣብዛ ኩሉ ነንጻሕሉ ላዕልን ታሕትን ዚብለላ ዓለም፡ እቲ ሰላም ዘውሕስ እንኮ ኣገባብ፡ ሓጹር ወይ ዶብ ምስራሕ እዩ። ሓጹርካ ምስ ሰራሕካ ድማ ተኸባቢርካ ጉዳያትካ ከተካይድ ትኽእል።

 

ንሓንቲ ሃገር ዶብ የብላን ኢልካ ምዝራብ፡ ፈጺማ የላን ኢልካ ከም ምዝራብ እዩ ዚቝጸር። ኤርትራኮ ኤርትራ ዝኾነት ዶባት ስለ ዘለዋ እዩ እምበር፡ እንተ ዘይህልዋ ነይሩ፡ ክፋል ሱዳን ወይ ክፋል ጂቡቲ ወይ ክፋል የመን ወይ ክፋል ኢትዮጵያ ምኾነት ነይራ። ይትረፍዶ እቲ መሬታ፡ እቲ ባሕራውን ዶብ ኣለዎ።

 

ዶብ ዘይጠቕም ነይሩ እንተ ዚኸውን እዚ ልዕሊ 30 ዓመታት ዝወሰደ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣይመድለየን ነይሩ። ኤረ! ወድ ኤረ! እናበልካ እትዋግኣላን እትስውኣላን እትዝምረላን ባንዴራ እትሰርሓላን እኮ ነታ ብዶብ ጌርካ ካብተን ኣብ ከባቢኻ ዘለዋ ሃገራት ዝፈለኻያ ኤርትራ ህላወኣ ንምሕላውን ንምኽባርን ንምዕቃብን እምበር፡ ንሓንቲ ዶብ ዘይብላ፡ ጸላኢ ከም ድላዩ ኪጻወተላ ዝውዕል መሬት ኢልካ መስዋእቲ ኣይምኸፈልካን።

 

ዶብ ኪብሃል ከሎ ንሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ብኹሉ ዙርያኣ ዚቕንታ ሕጋዊ ደረት እዩ። ፍርቂ ዶብ ዚብሃል ነገር የልቦን። በዚ መሰረት’ዚ ሓደ መራሒ ሃገር፡ ሃገረይ ብሓደ ወገና ጥራይ ዶብ የብላን ኪብል ከሎ፡ ትርጉሙ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን፥ ዓዲ ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ ኣላ ማለት እዩ።  ምናልባት ብኹሉ ወገና ዶብ የብላን እንተ ዚብለና ነይሩ፡ ጽሉል እዩ ኢልና ሸለል ምበልናዮ ኔርና። ብሓደ ወገና ጥራይ እያ ዶብ ዘይብላ ኪብለና ከሎ ግን፡ ልብና ኣውዲቕና ክንድቅስ ኣይንኽእልን።

 

ይትረፍዶ እቲ ማሕበራውን ፖለቲካውን ኣእምሮኡ ክብ ዝበለ ሰብ፡ እንስሳታት ከይተረፉ ነቲ ዚሃድኑሉ ቦታ ብሽንቲ ይኽልሉዎ እዮም። ኣናብስ፡ ኣናብር፡ ኣኻልብ፡ ተዃሉ ወዘተ ከምዚ ብምግባር እዮም ዶባቶም ዘፍልጡን ዘጠንቅቑን። ነዚ ብሽታ ጥራይ ዚልለ ዶብ ጥሒሱ ዚኣቱ ግሩህ ወይ ምኩሕ እንስሳ ድማ ሞት እያ እትቕበሎ። ኣብኡ ምስ ኣተወ፡ እቲ ነቲ ክልል ዝጠረረ እንስሳ ነቲ ክልል ዝጠሓሰ እንስሳ ይቐትሎ ወይ ድማ ኣጓዪዩ ካብቲ ዶብ የውጽኦ። ብዶብ ጸወታ የልቦን!!

 

ብተወሳኺ፡ ብዘይ ዶብ፡ ናጽነት ከም ዘየልቦ ኩሉ ኪፈልጦ ይግባእ። ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም፡ ብዙሓት ምስ ገለ ደማሮ ተደሚረን ዝነበራ ሃገራት ምብራቓዊ ኤውሮጳ፡ ዶብ ተገይሩለንስ ናጽነተን ኣዊጀን እየን። ዶብ ከይተሓንጸጸለን ከሎ፡ ናጻ ኢኽን ኣይተባህላን። ግን ኣብዚውን ገለ ናይ ኣደማምራን ኣጎዳድላን ጸገማት ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪ ኣስታት 50 ዓመታት፡ ገለ ናጽነት ተነፊጉወን ዝነበራ ሃገራት ከም ብሓድሽ ዶብ ዘለዎ ናጽነት ረኺበን እየን።

 

ዩክረንያ ብዘይ ዶብ፡ ሩስያ እያ ክትከውን ማለት እዩ። ደቡብ ሱዳን ብዘይ ዶብ፡ ሱዳን እያ ክትከውን። ኣላስካ ድማ ብዘይ ዶብ፡ ሩስያ እያ ክትከውን። ዶብ ዘይምህላው ማለት፡ ኣብቲ ዘመነ እኒ እኒ ሕምባሻ ኸሎ እምኒ ምንባር ማለት እዩ። ሽዑ ዶብ ኣይነበረን፡ እቲ ኣእምሮ ሰብ እውን ዶብ ኣይነበሮን። ኩሉ በብሓይሉ እዩ ዚነብር ነይሩ። ብዘመን ውራ ውራ ነብስኻ ኣይተዕብራ ብማለት፡ ኩሉ ይወርርን ይምንጥልን ይዘርፍን ነይሩ። እቲ ዶባት ብካርታ ዘይኮነስ ብዕንትርና እዩ ዚጥረር ዝነበረ።

 

ኣብ ፊውዳላዊ ስርዓት እውን፡ ዶብ ኪብሃል ከሎ፡ ናይቲ መስፍን ስልጣን ዚዝርግሓሉ ቦታ ወይ መሬት እምበር፡ ፍሉጥ ዶባት ኣይነበረን። እቲ ማእከላዊ መንግስቲ ድኹም ብምንባሩ፡ እቲ ዶባት እውን ብተዛማዲ መገዲ ድኹም እዩ ነይሩ። ሓደ ሰብ ድማ ሎሚ ኣብ መሬት ወይ ግዝኣት ደግያት እከለ ኣሎ፡ ጽባሕ ንግሆ ድማ ኣብ መሬት ራእሲ እከለ ይጥርነፍ ነይሩ ማለት እዩ።

 

ሕጂ ግን፡ ሰብ ብማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን መገዲ ስለ ዝማዕበለ፡ ብሰላም ኪነብር እንተ ኾይኑ ፍሉጥን ወግዓውን ዶብ ከም ዘድልዮ ይፈልጥ እዩ። ዶባትካ ምስ ፈለጥካ ግን፡ ንመሳገሪ ድዩ ንመኸልከሊ ክትጥቀመሉ ናትካ ምርጫ እዩ። ነቲ ምውጻእን ምእታውን ሰባት ከተፍኩሶ ዲዩ ወይ ከተትርሮ ናትካ ምርጫ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ፡ ሽሕኳ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ዶባት፡ ብቑጠባውን ንግዳውን መገዲ ብተዛማዲ እናፈኾሰ ይኸይድ እንተሎ፡ ፈጺሙ ግን ኪፈርስ ኣይክእልን፡ ከመይሲ መንነትካን እንታይነትካን ህላወኻን ዘውሕሰልካ፡ ዘይሩ ዘይሩ እቲ ዶብ ጥራይ እዩ። ቁልቁል ኣፋ ዶብ የለን ኢልካ ምዝራብ ግን፡ ኣብቲ በዓል ራስ ውቤ ወይ ሚካኤል ስሑል ወይ ሰባጋዲስ ወይ ሃጸይ ተድሮስ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ዘመን ምምላስ ማለት እዩ።

 

ገለ ሰባት ግን፡ ዶብ ዘይኮነስ ሰላም እዩ ዘድልየና ዚብል ጊንጢ ዝኾነ ዘረባ ኪድርብዩ ይስምዑ ኢዮም። ዶብ ስለ ዘሎዶ ኣይኮነን እታ ኹሉ ሰብ ዚደልያ ሰላም ተዓቂባ እትነብር ዘላ። ብቐደሙስ ሰላም ኪነግስን፡ ሓረስታይ ቀሲኑ ኪሓርስን ነጋዳይ ድማ ከይሰግአ ኪነግድን ተባሂሉዶ ኣይኮነን ዶባት እተሓንጸጸ? ስልጣንን ልኡላውነትን ሃገር ክሳዕ ኣበይ ይዝርጋሕ፡ ኣበይከ ይውዳእ ንምፍላጥዶ ኣይኮነን ዶባትን ክልላትን ዚሕንጸጹ? መነሊክ ንጣልያን ኣብ ዓድዋ ምስ ሰዓሮም፡ እቲ መጀመርያ ዘገበሮ ውዕል ኣብ ምሕንጻጽ ዶብ ዘተኮረዶ ኣይኮነን ነይሩ? ስለዚ ድማ ክልተ መንግስታት ብሕጋዊ ዶባት ተደሪቶም ብሰላም ነቢሮም። ምስዚ ኹሉ ግን፡ ኣብታ ብጣልያን እትግዛእ ዝነበረትን ዶባታ ፍሉጥ ዝነበረን ኤርትራ፡ ኣብ ኣስመራ ዝመደበሩ ናይ ኢትዮጵያ ቆንስል ነይሩ እዩ። ዶብ ምስ ተወሰነ፡ ስዒቡ ድማ ሰላምን ጽቡቕ ርክብን ተራእዩ።

 

ገለ ካልኦት ድማ፡ ዶባት ባዕዳውያን ንህዝቢ ከየካፈሉ ዝኸለሉዎ ደረት እዩሞ ዋጋ ኣይንሃቦ ዚብሉ ኣለዉ። ከምኡ እንተ ኾይኑ ደኣ ከንያ ካብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን ካብ ኤርትራ፡ ጂቡቲ ካብ ሶማልያ ብምንታይ ኣገባብ እየን ኪፍለጣን ልኡላውነተን ከረጋግጻን ኪሕልዋን? እተን ብ 1960ታት ንሕብረት ኣፍሪቃ ዝመስረታ ሃገራት፡ በባንዴራአን ሒዘን ናብ ኣዲስ ኣበባ ኪኣትዋ ከለዋ፡ ነቲ ባዕዳውያን ዚጠረሩለን ዶባት ወኪለንዶ ኣይኮናን ስርሐን ዝጀመራ? ከምዚ ዓይነት ዘረባ ናይ ሸፈጥን ተንኮልን ዘረባ እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ምስጢር የብሉን።

 

ክትሸጣ ዝደለኻ በቕልስ ሓጢኣታ ትጽብጽበላ ተባሂሉ እዩሞ፡ ኣብዚ ግዜዚ ኩሉ ኤርትራዊ ንሃገሩ ካብ ኩሉ እዋን ንላዕሊ ተጊሁ ኪሕልዋን፡ ካብቲ ፕሮፖጋንዳ ናይቶም ኣብዚ እዋንዚ ብዝያዳ ውሕውሕ ዚብሉ ዘለዉ ወይጦት ህግደፍ ኪጥንቀቕን፡ ካብ ድቃሱ ኪበራበርን፡ ዓቕሙ ዚፈቕደሉ ድማ ናብ ጀነቫ ብምኻድ ድምጹ ከስምዕን ይግባእ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
16 COMMENTS
  • Genet-Original September 1, 2018

    Amanuel, Thank you for the insightful article.

    No body pays thousands lives for open border.
    Eritreans paid dearly for an independent nation called Eritrea no more no less.
    border issue is the priority for us at this time.

  • Tsehaye September 1, 2018

    Dear Amanuel,

    እታ ብደም ንጹሃት ኤርትራውያን ሓረስቶን ደቆምን ብግዲ ተገፊፎም ዝመጸት ኤርትራ ሕጂ ካብዛ ኢድኩም ሸተት ኢላ ክትከይድ ምስረአኹማ፡ ዶብናዶ ምሕንጻጽዶ ክትብሉ ግዜኹም ኣጥፊእኩም። The people are more important than the rocks. The great Yosief Ghebrihiwet once said, “People first”. It is high time the headless highland Eritrean elites think big.

POST A COMMENT