Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ባሕሪ – ሕቶታትን መልሶምን

ሃብቶም ጸጋይን ማሕሙድ ሳልሕን “ሃለው ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ተ/ ሃብቶም ጸጋይ ኣብተን ምስ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ-ፍላንሳ) ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ዘይሕከኽ ኣሰር ዝገደፈሉ ጦብላሕታታት ከዘንቱ ፈቲኑ። ዕላማና ውሱን ነይሩ። ዝኽሪ ጥራይ። ታሪኽ ሂወቱ ክንጽሕፍ

ሃብቶም ጸጋይን ማሕሙድ ሳልሕን

“ሃለው ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ተ/ ሃብቶም ጸጋይ ኣብተን ምስ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ-ፍላንሳ) ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ዘይሕከኽ ኣሰር ዝገደፈሉ ጦብላሕታታት ከዘንቱ ፈቲኑ። ዕላማና ውሱን ነይሩ። ዝኽሪ ጥራይ። ታሪኽ ሂወቱ ክንጽሕፍ ወይ ክንምርምርን ክንመራመርን ኣይኮናን ዝተበገስና። ምኽንያት ይኹን ሞይኡ የብልናን።  ስለምንታይ ሎሚ?  እቲ ፍጻሜ ድሮ ሰላሳ ዓመት ብምግባሩን ሕልፍሕልፍ ኢሉ ሰባት ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ግጉይ ጸብጻባትን ሓበሬታን ክህቡ ክሰምዕን ከንብብን ከምዝጸንሐን  ከምኡ’ውን ዝፈልጥዎ ብጾቱ እቲ ዝፈልጦ መታን ክጽሕፍ በብግዚኡ ክሓትዎን ከተባብዕዎን ከምዝጸንሑ ንሱ እውን ይሓስበሉ ከምዝጸንሐን ሃብቶም ይገልጽ። ብፍሉይ ሕጂ ምጽሓፉ ምኽንያት ግን ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ጸሓፍን ተራኽን (ማሕሙድን ሃብቶምን) ሓደ መዓልቲ ብተለፎን ብዛዕባ ማርያ ጸላምን ግንባር ሓልሓልን ክ/ሰራዊት 96 ዘጣመረ ዕላል ወዲኦም ናብ ሰላሕታ ወራር ይሰግሩ ‘ሞ እቲ ነገር ናብዛ “ ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ይምዕብል። ካልእ መበገሲ ኣይነበሮን።

ካልእ ከም ደራኺ ነገር ክቁጸር ዝኽእል ዕድመ እዩ። እንዳዓበኻ ክትከይድ ከለኻ፡ ልቢ ምዕባይ ኣሎ። ንድሕሪት ብምጥማት ዝሓለፍካዮ ጉዕዞ ብዝሓሸን ዝነጸረን መጕልሕ ክትርእዮ ዕድል ትረክብ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ “ ዕድመ ጸጋ’ዩ” ዝበሃል። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ዝተሳተፍናን ዝዓበናን ሰባት እናተመላለሰት ሕልናና እትጎዳድእ ሓንቲ ጉዳይ ኣላ- መቸም ንዝኾነ ብኲናት ዝሓለፈ ወተሃደር እተሳቒ እያ። “ስለምንታይ ብጾተይ ተሰዊኦም ኣነ ተሪፈ?” እትብል እያ። ምስ ነኣሽቱ ደቅኻ ክትጻወት ኮለኻ፡ ብዙሓት ክንዲ ደቅኻ ዝኾኑ ንኡሳን ከምዝተሰውኡ ትዝክር’ሞ ቀጭቀጭ ይብለካ። ንናብራን ሞያን ክትዋፈር ከለኻ፡ ብዙሓት ነቲ ንዓመታት ዝደኸሙሉ ሞያ ደርብዮም ሜዳ ኣትዮም ዝተሰውኡ ይረኣዩኻ። “ስለምንታይ ተሪፈ?” ትሓታ ንነብስኻ። ናይ ሱቕታን ውስጠ-ቃልስን ግዜ ምስ ሓለፈ ናብ ክውንነት ትምለስ እሞ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ክትገብር ትፍትን። እታ ዝወሓደት ክንገብራ ንኽእል ከኣ ነቶም ብጾት ከም ተራ ተዋጋእቲ (warriors) ጥራይ ዘይኮኑ፡ብምሉእነቶም ከም ደቂሰባት ምዝካሮም እዩ። ተዋጋእቲ ሮቦት ዘይኮኑ፡ ስድራን ናብራን ባህግታትን ዝነበሮም ሰባት እዮም ነይሮም።

እታ ጽሕፍቲ ኣብ ገድሊ ንዘይነበረ፡ ወይ ወተሃደራዊ ኣሰራርሓን ኣሰራርዓን ህ.ግ. ንዘይፈልጥ ሰብ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ንዛረበሉ ዝነበርና ግዜን ኩነታትን ሓበሬታ ክትህበሉ ብእትኽእል ኣገባብ ከም ዝቐረበት ብዙሓት ኣስተብሂሎምላ። ነቲ ተጋደልቲ ዕላማ ኣልቦ፤ ዕሙታት ጠነንትን ተዋጋእትን ነይሮም ዝብል ሓሓሊፉ ዝስማዕ ኣባሃህላ’ውን ኣብ ግምት ኣእትያ እያ ተጻሒፋ። ብርግጽ ቀዳማይ ዕማም ተጋደልቲ ወተሃደራዊ እዩ ነይሩ ስለዝኾነ ወተሃደራዊ ባህሊ ክነብሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ደቂሰባት ስለዝኾኑ ኩሉ ኣብ ደቂሰባት ዝረአ ባህርያት ነይርዎም። ኣብዛ “ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ሓጻር ጽሕፍቲ ንእግረመንገድና፡ ተጋደልቲ ከም ኩሉ ሰብ ዝፋቐሩን ዝጻልኡን፤ ዝሕጎሱን ዝጕህዩን፤ ከምቲ ኣብ ገለ ዕላላት ዝስማዕ  ብሓሽሽን መስተን ሰኺሮም ዘይኮኑስ ሞትን ደምን ከምዘሎ እናፈለጡ ብሕርያኦም ዝቅበልዎ ከምዝነበሩን፤ ኣብ ካናለታትን ኣንደርግራውንድታትን ዝምድናታትን ስድራታትን ከም ዝመስረቱን፤ ኮታስ ናይ በይኖም ንኡስ ባህልን ሕ/ሰብን ከም ዘማዕበሉ ክነርኢ ፈቲንና።

ንወዲ ፍላንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ንኡስ ሕ/ሰብ ተጋዳላይ፡ ምስቶም ዝመርሖም ዝነበረ ጀጋኑ ተጋደልቱ ክንርእዮ መሪጽና። ነቲ መሪር ግዜ ንምርኣይ፡ መስዋእቲ ሚርያምን ወዲ ፍላንሳን (ሰብ ሓዳር) ኣብ ሓደ ወራር፤ መስዋእቲ ሃብተገብርኤልን ኣብረሀት ሓብቱን  ፡ ከምኡ እውን ወዲ ጎማን ሓብቱን ከኣ ኣብ ሓንቲ ውግእ፡ ከም ኣብነት ቀሪቡ። እዚ ኣብነት‘ዚ ተራኺ ዝዝክሮን ብዓይኒ ስድራ ደረጃ (ኣሕዋትን ሰብ ሓዳርን) ተራእዩ ‘ዩ ተሓርዩ ‘ምበር እቲ መስዋእቲ ኣዝዩ ብዙሕን ከቢድን ምዃኑ ኣንባቢ ይርደኦ’ዩ ኢልና ንኣምን። ነብሰወከፍ ተኻፋሊ ናይዛ ውስንቲ ውግእ’ዚኣ፡ ንኣብነት እንተዝሕተት፡ እንታይ ዝኽርታት ምሃለዎ? ስለ’ዚ ኣንባቢ ግቡእ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ኣትሪፉ ክህሉ ንትስፎር። ብሓፈሽኡ፡ ኲናትን ሃልኩን (ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ወገኑ) ብዓቕምና ክንቀርጽ ፈቲንና። እዚ ብውሱን ትዕዝብቲ ናይ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ጽቕጢ ውግእ ዝጓዓዝ ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ። ዝበዝሕ ክሳብ ሕጂ ዘንበብናዮ ጽሑፍን ስኡልን/ቅሩጽን ስረሓት ገድልና ትሕዝቶኡን ኣቀራርብኡን ንፕሮፓጋንዳ ወይ ንምልዕዓል ዝተሓርየ ስለዝኾነ፡ እንተ ሓቕኛ ምኽንያት መንቀሊኡ ይኹን ወይ ዝህቦ ስምዒት፡ ኣብ መወዳእታ ሓፈሻውን ፖለቲካውን ኮይኑ ይተርፍ። ንሕና ካብዚ ናጻ ክንከውን መሪጽና። መስዋእቲ ብጾትና ንጎስጓስ ክንጥቀመሉ ሕልናና ኣይገብረልናን’ዩ። ብኡ መሰረት እዩ ብጥንቃቐ፡ እቲ ሃብቶም ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ከምቲ ዘለዎ ክነቐምጦ ዝመደብና።

ኣብ ኣቀራርባና፡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እነንብቦ፡ ቲድሮስ፡ ዮውሃንስ፡ ናፖሊዮን፡ ሞንትጎመሪ፡ ሮሜል…ወ.ዘ.ተ. እናተባህለ፡ መስዋእቲ ኣሽሓት ስም-ኣልቦ ጀጋኑ ብስም መራሕቶም ተሰሪቑ ዝዝንተወሎም ክንወጽእ ደሊና። ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ምቕሉልን ናይ ብሓቂ ተጋዳላይን ስለዝነበረ ምስ ብጾቱ ክንዝክሮ እምበር ድኻምን መስዋእትን ብጾቱ ክውንን ወይ ክብሕት ኣይምደለየን ነይሩ። ብዚ መሰረት፡መስዋእቱን መስዋእቲ’ቶም ካልኦት ብጾት ዝግበኦ ማዕረ ክብሪ ክንህቦን፡ ተጋዳላይን ታሕተዎት ኣዘዝትን ህዝብን ዝጻወትዎ ተራን ዝኸፍልዎ መስዋእትን፡ ብፍላይ ድማ ተራ ናይተን ሓበን ኤርትራውያን ዝኾና ኣሓትና ተጋደልቲ ክነንጸባርቕ ፈቲንና።

ሓደ ሓደ ኣንበብቲ እታ “ልበ-ወለድ” እትብል ልቃብ ኣይፈተውዋን። ሓቆም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ናይ ርኢቶታት ፈትልታት/threads/ እውን ክነብርሃ ፈቲንና። ሃብቶም ካብ መጀመርያ ኣይፈተዋን ነይሩ። ግን ናብ ሳላሳ ዓመታት ተመሊስካ ምዝንታው ቀሊል ስለዘይኮነ፡ እተን ዘይሃሰሳ ፍቅዶ ዝኽርታት ክትተኣማመነለን ትኽእል ‘ኳ እንተኾይንካ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ስእላዊ ክትገብሮ ግን ናጽነት ጸሓፊ ስለዝጠልብ፡ ኣቀራርብኡ ኣክንዲ ጸብጻባውን ደረቕን ዝኸውን ስነ-ጽሑፋዊ መታን ክኸውን ኢና ኣልጊብናያ። ኣብታ ሳልሰይቲ፡ ናብ መስዋእቲ ወዲ-ፍላንሳ ኣብ ዝተቃረብናሉ መድረኽ ኢና ብኣፍልጦ ንክብሪ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዘልገስናያ።

ቅድሚ ናብ ሕቶታት ምሕላፍ ግን ክልተ መኣረምታ ኣለዋና።” እቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ዘይኮኑስ ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ፡ ኣብታ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ መዓልቲ፡ ንግሆ እዮም ተጸንቢሮምና”  ይብል ሃብቶም።ከምኡ እውን ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይታ ጽሑፍ ኣሕዋት ሃብተሀብርኤልን ጽሃይነሽን ኢልና ነይርና። ግን ሓብቲ ሃብተገብርኤል፡ ጸሃይነሽ ዝይኮነትስ ኣብረሀት ኣርኣያ እያ። ጽሃይነሽ እውን ናይ ቀረባ ዘመዶምን ተጋዳሊትን ስለዝነበረት ኣስማተን ተደናጊሩ ነይሩ። እምበኣር፡ እዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ብገጸ-ገጽን ብተለፎንንን ኢሜልን ዝተደጋገማ እየን። ገሊአን ተጣሚረን ቀሪበን ኣለዋ።

ሕቶታትን መልስታቶምን

ሕቶ= እቶም ኣባላት ስለያ ይመጽኡኹም ከምዝነበሩ ተሓቢርክም ነይርክም’ዶ?

ብቶም፡ ዝመጸና ሓበሬታ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ እሞ ከመይ ኢልክም ምስ ዘይትፈልጥዎም ሰባት ትጓዓዙ ነይርክም?

ሃብቶም፡ ኣብ ግዜ መጥቃዕቲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተጋደልትን ሓለፍትን ትራኸብን ተፈላለን ኢኻ። ኣብ ሓደ ውግእ ነናቶም ሞያ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሰባትን ጉጅለታትን ይሳተፉ ‘ዮም። ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ናይ ሃንደሳ፡ ስለያ፡ ከቢድ ብረት፡ ኤምዳድ………ወዘተ። ነናቶም ምምሕዳር ኣለዎም ግን ክትራኸብን ብሓንሳብ ክትጓዓዝን ንቡር እዩ።

ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ዝፈልጦም ‘ዶ ይመስል ነይሩ? ቅሩብ ዘጠራጥሩ’ዶ ይመስሉ ነይሮም?

ሃብቶም፡ ዘጠራጥር ባህርያት ኣይረኣናሎምን። ወዲ ፍላንሳ  ይፈልጦም ይንበር ኣይንበር ኣይፈለጥኩን ንሶም ግን ብስሙ ክጽውዕዎን ከዕልልዎን ናይ ተክኒክ ሓበረታታት ክህብዎን ርእየ። ብመሰረቱ እውን ኣቓልቦና ዝስሕብ ዘይንቡር ነገር ስለዘይረኣና ኣይተገደስናሎምን።

ሕቶ፡ ንምንታይ ‘ዮም ኣብታ መወዳእታ ሳዓት እቶም ስለያ ጥራይ ምስኡ መሪሖም? ንምንታይ ኢኹም ንስኹም ተሪፍኩም?

ሃብቶም፡ ኣብኡ ጥራይ’ኮ ኣይኮኑን ንሶም ምስኡ ካባና ሕልፍ ዝበሉ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ ነይሩና እዩ። ነቶም ኣካይዳ ኦፐረተራት ዘይትፈልጡ ቅሩብ ክሕብር። መጥቃዕቲ ኣብ ዝግበረሉ ንቅድሚ ምኻድ ማለት እዩ። ሓለፍቲ ብርጌዳት ዝበዝሕ ግዜ ንእዚ ክጥዕም ድሕር ኢሎም እዮም ዝግስግሱ። ኣብ ሓደ ቦታ ደቃይቕ ወይ ሳዓታት ወይ እውን መዓልታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ግስጋሰ ናይቲ ኲናት እዩ ዝውስኖ። ኦፐረተራት ብርጌድ ናይቲ ግዜ ሓንቲ PRC እትበሃል ተሓንጊጥካያ እትጓዓዝ ሬድዮ ነይራትና። ኣብ ነዕርፈሉ ግዜ ንርክብ ኣብ ዝምችኣሉ ቦታ ነጻውዳ።  መራሕቲ ድማ ኣብ ኢዶም ዝሕዝወን ነኣሽቱ ሬድዮታት ይጥቀሙ። ካልእ ከም ሽኮር፡ ሽጋራን መግብን እውን ንስከም ነይርና። ስለ’ዚ ኣብ ሓደ ቦታ ጸኒሕካ፡ እቲ ሓላፊ ብዙሕ ዝጠራነፍ ኣቕሑ ስለዘይብሉ ኣቀዲሙ ክሓልፍ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ብቅድምና ናትና ሰራዊት ከምዘለዉ ዘይምዝንጋዕ። ካብኡ ናብኡ ወላ እቶም ኦፐረተራት እንሓንሳብ ተሰሪዕና እንሓንሳብ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተፈላሊና ምጉዓዝ ካብ ንቡር ዝወጸ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ናይታ ዝሰምዓኩማ ቶዅሲ ዓይነትን  ርሕቐትን ኣንፈት?  ኣወቓቕዓ?

ሃብቶም፡ ቶኽሲ ቃጻሊ ነይሩ። ኣብ ውግእ ‘ኳ ኢና ነይርና። ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ጸጋማይ ኣፍ ልቡ ተወቒዑ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ግን ዝፈተሽናዮ ኣይነበረን ንሱ እውን ግዜ ኣይሃበናን። እዚ ሕጂ ዝበሃል ጥርጠረታት ስለዘይነበረና ዝያዳ ክንምርምር ኣይከኣልናን። ዓቕሙ እውን ኣይነበረናን። በዓል ቻይና ምስ መጹ እውን ዝተገብረ ፍሉይ ምርመራ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ ተወልደ ኣድሓኖም ዝበሃል ኣባልኩም “ ወዲ ፍላንሳ ቀቲሎሞ” ስለዝበለ ተቐቲሉ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?

ሃብቶም፡ እዛ ሕቶ’ዚኣ እውን ተደጋጊማ እሕተታ እየ። ድሕሪ’ዛ “ ሃለው ባሕሪ” ጽሕፍቲ ከኣ ዝያዳ ርስንቲ ኮይና። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ዕላማይ ዝኽሪ እዩ ነይሩ። ተደጋጊማ ካብ መጸት ግን እቲ ዝፈልጦ እንተካፈልኩ ሕማቕ ኣይኮነን። ኣብ ብርጌድ 58 ክውዛዕ ከለኹ ተወልደ ኣድሓኖም  ድሮ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ከምዝመስለኒ ብ1976 ወይ 77 እዩ ተሰሊፉ። ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ማለት 1983፡ ሓላፊ ኤምዳድ ( ሓላፊ ቀረብን ምኽዛንን ምምሕዳርን ብረታትን ተተኮስትን) ብርጌድና ነይሩ። ብትዕዝብተይ ተወልደ ህርኩትን ሕዉስን በሊሕን ሰብ ነይሩ። ብድሕሪ መስዋእቲ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ- ከምዝመስለኒ ኣብ 1984 ኣቢሉ እዩ- ተወልደ ኣድሓኖም ናብ ጸላኢ ሰሊሙ። ደድሕሪ ምስላሙ ኣሃዱታትና ሒዘንኦ ዝነበራ ኣገደስቲ ቦታታት ተደብዲቡ። ናይ ወገን ጥራይ ክፈልጦ ዝኽእል ብድሕሪ ድፋዕ ዝነበረ ኣገደስቲ ቦታታት ከይተረፈ ስለዝተደብደበ “ ወዲ ኣድሓኖም እዩ ኣደብዲብዎ” ተባሂሉ ይግለጽ  ነይሩ። ብተወሳኺ ወዲ ኣድሓኖም፡ ንወዲ ፍላንሳ “ ሻዕብያ ቀቲላቶ” ኢሉ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ። ሽዑ ከም ተራ ክድዓት ‘ኳ እንተወሰድክዎ ንወዲ ኣድሓኖም ይኣምኖ ስለዝነበርኩ ምስላሙ ገሪሙኒ። ቅድምኡ ዝሰለሙ ተጋደልቲ ተመሳሳሊ ዘረባታት የሰራጭዉ ስለዝነበሩ ነቲ ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ዝበሎ ክሲ ኣቓልቦ ዝገበረሉ ኣይነበረን። ብኡ ኣቢሉ እውን ተረሲዑ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ወረ ናይቲ ተረሲዑ ዝነበረ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከባቢ ቤ/ጽሕፈትና ክናፈስ ጀሚሩ። ኣብ ከሰላ ከምዝነበረን ናብ ወጻኢ ክኸይድ ይሸባሸብ ከምዝነበረን ሓበሬታ መጺኡን ይዝረበሉ ነይሩን። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ጸኒሐ ምስ መጻእኩ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ዓቢ ድግስ ተገይሩ ይጸንሓኒ። ነቲ መሳርሕተይ ተረኛ ኦፐረተር ምስ ሓተትኩ “ ኣይሰማዕካን’ንዲኻ፡ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከሰላ ከምዝቐተልዎ መልእኽቲ መጺኡና” ኢሉኒ። ጽንሕ ኢልና፡ ኣብቲ ድግስ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ብመስተ ረሲኑ ዓዕ እንዳበለ “ ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ’ዩ። ኣይምሕርን ‘ዩ። ከዳዕየ ከዳዕ፡ ጥራይ ስተዩ “ ኢሉ ወዲ ኣድሓኖም ከምዝተቀንጸለ ገሊጹ። ሽዑ ኣነ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ፡ ካብ ወዲ ኣድሓኖም ንላዕሊ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ሱዳን ከም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ። “ ምናልባት ኣነ ዘይፈልጦ ገበን ፈጺሙ ክኸውን ኣለዎ” ኢለ። ክሳብ ሎሚ እውን በታናይ ወዲ ፍላንሳ ዘረብኡ ድዩ ወላ ብካልእ ተቐቲሉ ብልክዕ ዝፈልጦ የብለይን።

ሕቶ። ነቶም ኣባላት ስለያ ትጥርጥሮም’ዶ?

ሃብቶም፡ እቶም ስለያ ብቀጻሊ ናይ ካርታ ሓበረታታት ክህብዎን ምስኡ ክማኸሩን ንርእዮም ነይርና። ነቲ ግንባር ከጽንዑ ዝጸንሑ እዮም ዝመስሉ። ስለ’ዚ ዘጠራጥር ነገር ኣይረኣኹሎምን። ካልእ ኣንባቢ ክፈልጠለይ ዝደሊ፡ ኣነ ኦፐረተር እየ ነይረ። ስርሓይ መልእኽትታት ብኮዳት ምምሕልላፍ ጥራይ ነይሩ። ስለያ ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱን ኣብ ምምዕባል ውጥን መጥቃዕቲ ይኹን ኣተጋባብርኡ እውን ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ስለዝኾኑ ምስ ወዲ ፍላንሳ ኣቀዲሞም ኣብቲ ምድላዋት ተራኺቦም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብሂወቶምን ኣብ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ቦታን እንተለዉ ቃሎም ክሰምዕ ደስ ምበለኒ።

ሕቶ፡ ሚኪኤል መለስ ዝበሃል ኦፐረተ ናይ ወዲ ፍላንሳ ነይሩስ መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ዘቃልዕ ምስጢር ስለዝነበሮ ኣጥፊኦሞ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?

ሃብቶም፡ ሚኪኤል መለስ ዕባይ ቤት/ት/ሰውራ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ኦፐረተርነት ተማሂርና። ንሓጻር እዋን ምስ ወዲ ፍላንሳ ጸኒሑ። ወዲ ፍላንሳ እውን ብጣዕሚ ይፈትዎ ነይሩ። ሚኪኤል (ወዲ መለስ) ግን ኣብ ሓይልታት ከይዱ ክዋጋእ ስለዝደለየ ኣቕቢጹ። ናብ ሓይልታት ድማ ተመዲቡ። ኣብ እዋን መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ምሳና ኣይነበረን። ሚኪኤል መለስ ከም ቃሉን ትምኒቱን ኣብ ግንባር ሓልሓል ካብቶም ግኑናት መድፈዓጅታት ነይሩ። ኣብ ባህላዊ መዳያት እውን ይነጣጣፍ ነይሩ። ንክራር ከም ብሬን ፒ ከይ እዩ ዘነቅዋ ነይሩ። ሓንቲ ካብተን ህቡባት ደርፍታቱ “ ኣቤት ጽንዓት” እትብል ነቲ ብ10/10/10 ብዕለት 10/10/1985 ብወገን 10( ግንባር ዓስርተ ናይ ሓልሓል) ዝተፈጥረ ጹዕጹዕ ኩነታትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ትገልጽ። ወዲ መለስ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተወጊኡ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ኣብ ኣከባቢ ቢሰስ (ሽዕብ) እታ ዝነበረላ ሕክምና ብነፈርቲ ተደብዲባ ኣብኣ ተሰዊኡ። ስለ’ዚ እቲ ዝበሃል ሓቂ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ተቀቲሉ’ዩ ‘ዶ ትብል?

ሃብቶም፡ ብመጀመርያ ብሰንኪ ንእስነትን ተመክሮን እዚ ሎሚ ዝሰምዖ ዘለኹ ሽዑ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ንወዲ ፍላንሳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዲት፡ ብእዝነይ ይኹን ዓይነይ ዝረኣኹዎ ኣይነበረን። ኣብ ዕላላቱ እውን ስክፍታ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። እታ ሕቶ ብሓሳብ ደረጃ ጥራይ እንተኮይና ግን ዕድመ ዘይምህሮ የለን’ዩ’ሞ ዘይግበር ከምዘየለስ እፈልጥ’የ። ኣነ ከስምረሉ ዝደሊ ግን ተቐቲሉ እዩ ዘብል ጭብጢ የብለይን።

ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • yonas27g February 4, 2014

    WEDI MELES HAWI DMXAWIT HELEN MELES DYU HAKEY ?

  • ተወልደመድህን February 4, 2014

    ብ 7 ጥሪ ( january 7 2014 ) ዝወጸ 3ይን ናይ መወዳኣታን ክፋል ከምዚ ይብል…….ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ ከምዝተወቕዐን ብዙሕ ደም ይኸዶ ከምዝነበረን ተዓዘብና። ከብቲ ቦታ ክንእልዮን ደሙ ጠጠው ክነብልን ንጽዕር። ንሱ ግን ተማዊቱ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ ተዛሪቡ። “ ርሓቑ ከይትልከሙ። የዕርፍ ግደፉኒ። ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ነይሩ። ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን። ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን። ማህረምቱ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ’ዩ ነይሩ። ኣብ ናይ ሎሚ ከኣ………ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ጸጋማይ ኣፍ ልቡ ተወቒዑ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ግን ዝፈተሽናዮ ኣይነበረን ንሱ እውን ግዜ ኣይሃበናን። እዚ ሕጂ ዝበሃል ጥርጠረታት ስለዘይነበረና ዝያዳ ክንምርምር ኣይከኣልናን። ዓቕሙ እውን ኣይነበረናን። በዓል ቻይና ምስ መጹ እውን ዝተገብረ ፍሉይ ምርመራ ኣይነበረን።…..ኣብ መወዳኣታ ከኣ……….ኣነ ከስምረሉ ዝደሊ ግን ተቐቲሉ እዩ ዘብል ጭብጢ የብለይን።…….ዝከበርካ ተራኽን ጸሃፍን።ንሃደ ሰብ ብጽቡቕ መዳዩ ምንኣድ ጽቡቕ’ዩ።ነቲ ጌጋ ምግላጹ ከኣ ሕማቕ ስለዘይኮነ፡ናይ ኣጸሃሕፋ ክእለትካ ጽቡቕ’ዩ።ኣብ ዝትሓዝን ቁምነገር ክተውዕሎ ከኣ ንምነ።……እንተ ኣብዚ ትረካዚ ሰፊሩ ዘሎ ግን ነንሕድህዱ ዝጋጮ ምኳኑ’ዩ ዝሕብር።ነዚ ርጉጽን ንጹር ታሪኽ ምእንቲ ኣንፈቱ ንምጥዋይ ዝዓለመ’ዩ።ምኽንያቱ ነቲ ዝዓጸካዮ ኣርእስቲ ተመሊስካ ብካልእ ኣገባብ ኢኻ ኣቕሪብካዮ።ነዊሕ ከይኮለልና፡ሓደ ጽሑፍ ብፍላይ ታሪኽ፡ብ ኣደማድማኡ’ዩ ዝፍለጥ።ስለዚ ተቐቲሉዩ ዝብል ጭብጢ የብለይን ዝብል ቃል ከኣ ነቲ ምሉእ ጽውያ ኣፍሪሱ፡ኣረኣኣያ ሰብ ምእንቲ ክቅይር ወይ ክደናገር ማለትዩ።እዚ ጽሑፍዚ ዝምስክሮ እንተሎ፡ከምቲ ባዕሉ ጸሓፊ ዝበሎ ሎሚ ሓምሳታት ወዲእካ ንድሕሪት ናይ 30 ኦኣመት ታሪኽ ክተንብብን ክትዝክርን ከሎኻ ዘሰንብድ ዘሕንኽ ጉዳያት ይመጹሞ፡ካብቲ ዘሕንኽ ንምውጻኣ ምንሳሕ ክከውን ከሎ በቲ ሃደ መዳይ ከኣ ሕማቕ ኒሕን ክብሉኒ ወይ ከኣ ሓቀና ታሪኽ ምውራይ ሕመቕካ ምግላጽ ኮይኑ ነቲ ምንሳሕ ምሉእ ዘይገብር ጥውይዋይ ይፈጥር።ርግጽ’ዩ፡ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝበልኩዎ፡ዝረኣኹዎም ኦፐረተር ኩሎም ናእሽቱዮም ኔሮም።ስለምንታይ ከም ኡ ምምራጾም ዝፈልጦ የብለይን።ግን ንእሽቶ ብ ኣኣምሮ ዘይበሰለ ሕማቑን ጽቡቕን ዘይፈልጥ ዝተባህሎ ገይሩ ዝመጽእ፡ነገራት ኣብ ኡ ከሎ ከይነከየ ከይወሰከ ዘመሃላልፍ ናይ ምልካዕን ምምዛን ጉድለት ዘለዎ’ዩ።ስለዚ ኣብቲ ሾኡ ግዜ ዝሃስቦ ዚነበረ ዝዝክሮን’ዩ ዝብል ዘሎ ሃብቶም። ዘዘንተዮ ብምሉኡ ነቲ ናይ ሽዑ ኩነታት ዝውክል ጥራሕ’ዩ።ነቲ ኩነታት ክውክል ከሎ ከኣ ካብቲ ብዘረባ ዝሰማዕናዮ ፈለያ የብሉን።……ኣብ ናይ ሎሚ ህግደፍ ይኹን ኩሎም ተጋደልቲ ህግ ብጾትና ሰማኣታትና ዝብል ቃል ከም ብዕሪር’ዮም ዝሕዩኹዋ።ሃብቶም ከኣ ምስ ክልተ መራሕቲ ኦፐረተር ( ኣብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጽሑፍ ምስ ፍሰሃየ ወልደገብሪኤል ኦፕረተር ነይሩ ይብል።) ኮይነ ሰሪሀ ዝብል ክልቲኦም ከኣ ብቕጽያ ዝተቐንጸሉ’ዩ ዝመስል ታሪኾም።ነዞም ይፈትዎም ነይረ ጀጋኑ ኔሮም ዝብሎም ከኣ ዝመጸ ይምፅእ ኢሉ ብትብዓት ኣብ ክንዲ ምትራኽ፡ምጥውዋይ መሪጹ …… ተቐንጺሉ ኣይብሎንየ ክብል፡ኣቲ ተግባር ማዕረ ክንደይ ሕማቕን ዘህዝን ምኳኑ ኣየስተውዓሎን ማለትዩ።ስለዚ ሃብቶም ዝገበርካ እንተገበርካ ታሪኽ ኣይሕባኣን’ዩ፡ክትጠውዮ እንተፈተንካ ታሪኽ ኣይጥወን’ዩ።

    • ተወልደመድህን February 4, 2014

      ፍስሃየ ነዊሕ ኣይጸንሐን ኣብ 1990 ኣብ ግንባር ጊንዳዕ ……ብድሕሪት እዩ ተሃሪሙ ዝብሉ ሰባት ኣለዉ፡ ብወገነይ ዘረጋገጽኩዎ ነገር ግን የሎን። ( ካብ ጽሑፍ እስቲፋኖስ ተመልሶ

      • Metkel February 4, 2014

        I agree with Teweldemedhin on this. There are some discrepancies. If there were error on the previous articles, the storyteller & writer should amend it, otherwise, some of the statements are contradicting each other. Unless, you are telling us this is fiction.
        We should give this hero hist correct history. Many people knew he was killed but these two won’t say it for some reason. If so, why would they write these 4 articles about him, when they definitely know it will bring a lot of friction.
        Something is fishy here.

  • yonas February 4, 2014

    mejemereya btaemi yemsgn neti zehatetnayo hto blbn tegediskum zmeleskumulnan . antekone gna entay zbehal alo gzie zeygeltso mstir yeln . slezi eta zreakaya kemzelata habirkana kbur hawna habtom. gna kulu gzie kem hto kleal zkal terayo alo ms bahriyat isseas afewerki ab gmt bmataw. ane beakmey kunetat gedli zfeltn kabu nabu dma ab srah operater zserh zneberku koyne temesasali nay srah kunetat eyu neruna malet eyu ms habtom.
    ab gedli dma 2te operater antewehade ms hade halafi nsrh nerna. slezi ab handebet zkyeru kunetat dma bflay nkdmit mkad entekoynu gna hade kabtom zeleka operater msti halafi ykeyd .slezi nska Habtom kemti zreakayo mhbarka tsbuk eko entekone gna kem operater zkone nmmtsom nabakum habereta zeymnbaru etom abalat sleya. kemuwn kurub fly tbl dma bzey hade kabakum kabtom operaterat natu msu bdd elkum zeymkadkum bzuh fly zbl zeylumud aseraraha yreayeka etimntaysi eti hade operater kulu gzie msu alo eti hede krhkn nbret ktrnfn enkelo malet eyu kemlumud znebere .btewesaki eti mnkskas nkdmit msmkonu . kala haile (chayna) dma kem hawsi hlf zbelo koynu ysmeaka eti meswaeti isseas abi halfi eyu dma neru slezi nhna dma abti gefih seli yeatina neti ftsame knrayo hagizuna alo kemuwn ab mnkskas 1973 ykun dhriu znebero rkb wey areaaya neti mnksks swua isseays kemuwn selfi kemznebere kayfeletna msmatawnan sreha dma sltan isseas Afewerki thlu kemzneberetn bztefelaleye tegelitsu alo kemuwn isseas netom zferhom bzkone poletikawi megletsi yetfom neru ab gzie kunat dma dihrna nsemo zelena .ezi system ezi ytkemu nerom eyom eta swrti selfi.slezi nay behaki kubur Hebtom eti azyu hlklakn azyu mstirawi srah shaebya dma aykonen ane nskan badme zeybeselnan ztebahlena tray namn ngebrn znebernan sebat ab gmt yeatina knrayo kelena zyhseb eyu knfeltom. etom lalewot halefti ewen yfeltu ayneberun eti aserarha . slezi nska kubur hewna Hbtom blbi nezi tarik kemzelewo kemti abti gzie gedli ztereayeka asewawa isseas gelitskayo aleka btaemi tsbuk eyu. zterefe gna mtsray zedlyo bzuh gudayat swua isseas netom temeramerti ngedfo gna hanti seli hibkana aleka bzterefe ntsehafi Mahmud dma yemsgn

  • yonas27g February 4, 2014

    ሃብቶም ሓውና ኣጆካ ስክፍ ኣይበልካ ፡ (1)ኣነ ንገዛእ ርእሰይ ሕጂ ዘይኮንኩ ብዛዕባ ዓሊ እብርሂም፡ፍስሃየ ወልደገብሬኤል፡ኢሰይያስ ፍላንሳ ፡ቁሩብ ምርግጋጽ ተድሌኒ ገብሪሂወት (ወዲ ሓንቢር) ወዘተ ደቂ ኤረትራ ብቃጻ ከም ዝተቀንጸሉ ዝሕጉዙኻ ሰባት ኣብ ወሽጢ ከምዘለዉ ኣይትጠራጠር ፡ብፍላይ ናይ ዓሊ እብሪሂም ሚኒስተራት 15 ምስ ተኣሰሩ ኣብ መንጎ ተጋደልቲ ዝነበረ ገሊኦም ዝድግፍዎም ገሊኦም ዘይድግፍዎም ኣብ ናይ ግበረ መልሲ ዝወሃሃብሉ ዝነበሩ ኣብ ጋዜጣ ጽሑፋት ፡ናይ ክፍለሰራዊት 16-4 ብርጌድ መርሒ ዝነበረ ብ ጣሊያን ዝፍለጥ ” ሰራቂ ሞባእስ ባዕሉ ይለፋለፍ” ኮይንዎ ብዝዕባ ቡዙሑነት ሰልፊ እኮ ዓሊ እብሪሂም ሚሁሩና ኔሩዩ ግና ኣይጠቕምንዩ ክብል ጺሒፉ ኔሩ ፡ከምኡ ኢሉ ካብ መሃሮም ብድሕረኡ እንታይ ጌሮሞ ኢልካ ትግምት?
    (2)ን ኤረትራዊያን ሕቶ እንተንሓቶም ንመንግስቱ ሃይለማሪያም ትጸልእዎዶ ? ትፈትዉዎ ?ኢልና። ብሙሉኡ ህዝቢ ኤረትራ ነዚ ቀጣፊ እዚ ቀታሊ ሰብ ኮታ ቡዙሕ ጸርፍታት ምሰውሓዙ ኔሮም ፡ግና ባዕሉ መንጉስቱ መጺኡ ክቀትል ዝረኣዮ ሰብ ወለሓደ ሰብ የሎን መንግስቱ ባኢዱ ዝሃለፈት ትንፋስውን ክትሁሉ ትካል ኣይመስለንንውን ኣንትርፎ ምእዛዝ ፡ስለዚ ናይዚ ኩሉ ኣብ ሰውራ ዝተፈጸመ ድማ ቁጽሪ ሓደ ተሓታቲ ኢሰይያስ ኢዩ ፡ናይቲ ኩሉ ክፋት ሃንዳሲ ሙካኑውን ዘጠራጥር የብሉን ፡ስለዚ ናይ ወዲ ፍላንሳ ታሪኽ ድማ ንጎስጋስ ዘይኮንኩም ተጠቂምኩሙሉ ክፋት ኢሰይያስ ክንዲምንታይ ምካኑ ብኑጹር ንህዝቢ ዝሓበርኩምሉ ጽሑፍዩ ኔርሞ ደጊመ ኣጆካ ንርደኣልካ ኢና ክንዲ ምንታይ ጸቅጢ ከምዘለካ ።

    • Sorobet February 4, 2014

      ሃብቶም
      ማሕሙድ
      እቲ ክሳብ ሎሚ ዝኸይድ ዘሎ ባህሊ ሻዕብያ ወላ እተን ነጻ ወጽየን ዝብሃላ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ንጸላኢ ብናይ ኣንስተይቲ ጾታ እዮም ዝገልጽዎ ንምሳሌ ረኺበናኻ ዶ ከርዲናየን ሃዲመን ወዘተ። ወዲ ፍላንሳ ንጸላኢ እንተዝኸውን ክይጥፋኣኹም ምበለ ነሩ ከይጥፍኡኹም ምባሉ ግን ነቶም ብድሕሪት ዝቐትሉ ማለቱ እዩ።

      • MightyEmbasoyra February 4, 2014

        Very wise observation, Sorobet!

  • Abraha Ksara February 4, 2014

    ለባም ኣመላልሳ መሊስካ ሃብቶም። ብጣዕሚ ርጡብ ኣጸሓሕፋ ድማ ጽሒፍካ ሳልሕ። ነታ ዝረኣኻያ ከምታ ዘላታ እንተተሪኽካያ ጥራይ ኢያ ታሪኽ ትኸውን። ከምዚ ተወልደመድህን ዝበሎ ጠዊኻ ጠዋዊኻ ተቐቲሉ ኢዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ እንድሕር በጺሕካ፣ ነቲ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ዘፍቅሮ ወዲ ፍላንሳ ጸላእቲ ክትፈጥረሉ እንተዘይክይኑ ካልእ ፋይዳ የብሉን። ብርግጽ ከም ዝተቐትለ ትፈልጥ እንድሕር ኮይንካ ድማ ከምኡ ተቀቲሉ ክትብል ይግባእ። ሃብቶም ናይ ብሓቂ ዓቢ መምህር። ከምዚ ክትቅጽል ድማ ይምሕጸን። ካብ ሓውኻ ኣብርሃ ክሳራ

    • ተወልደመድህን February 5, 2014

      ሓቂ ወዲ ክሳራ

  • መን ከም ሐቂ February 4, 2014

    ኩቡር ሐው ሃብቶም ልዕሊ ዝኮነ ይኩን ክብሪ ካብ ፈጣሪ ርከብ ፣፣ ምክንያቱ አቦታትና ሐቂ ተዛሪብካ መገዲ ባቡር ደቅስ ከምዝበልዎ ኢካ ተዛሪብካ፣፣ ስለዚ ንጀግና ስውእ ወዲ ፍላንሳ እኮ ካብ ኩብራትን ወራዙ ወለዲ እሐት እሕዋትን አለዎ፣፣ ንሱ ምእንቲ እዛ ለዋህ መሬት ንዓናን ነዞም ናይ ሎሚ መንደላሐቅቲ ሐሊፉ ሐሊፎምን ፣፣ ንምንታይ ከም ሃብቶም ንፈልጦ ትክክል ዘይንዛረብ፣፣ እረ በጃኩም ንስድራ ጀጋኑ ናብ ዘይ ደሊዋ ቅርሕንቲ ኣይንእቱ፣፣

    እቲ ዝደለ ዘሎ ሎሚ ከመይ ጌርና ንስርዓት ኢሰያስ ካብ ስሩ ምምሐቅ ኢዩ እምበር በለካ ለካዓካ አይኮነን፣፣

  • wedimeriet February 4, 2014

    The sad part is Isayas and some elite asmarinos they took their evil agenda to the struggle and manipulated the illiterate to do the dirty job for them.They can blame their fathers for Uniting Eritrea with Ethiopia but they destroyed the country and it’s culture. Now is the time to fight with our minds not our emotions. 1St Isayas cares only how to steal money with that he thinks he can control the nation, we have to trace his hidden treasures, 2nd not to pay the2% , when the resources get smaller they will fight among themselves.

  • መብራህቱ ተወልደ የተቦሪ February 4, 2014

    ተወልደ ኣድሓኖም ኣብ 1986 ኣብ ከባቢ ከሰላ ወዲ ሸሪፈይ ኣብ ዝተባህለ መዓስከር ስደተኛታት ምሳና ዝነበረ ሰብ’ዩ ነይሩ።
    ብጀካ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ምንባሩ፡ ባዛዕባ ዝነበሮ ሓልፍነት ይኹን ካለእ ውልቃዊ ህይወቱ ዝፍለጥ ነገር ኣይነበረን። ካብ ተስፋይ
    {ፋሌ} ዝተባህለ ተጋዳላይ ጀብሃ ዝነበረ ዘመዱ ከም ዝሰማዕናዮ እንተኾይኑ ግን፡ ኮሚሽነር ብርገድ ናይ ህዝባዊ ግንባር`ዩ ነይሩ።
    ወዲ ኣድሓኖም ኣገዳሲ ኖቕጣታት ናይ`ቲ ውድብ ኣደብዲቡ ጥራይ ደይኮነስ፡ ብሰንኪ`ቲ ደብዳብ ዝተሰዉኡ ተጋደልትን ዝዓነወ ንብረት
    ውድብ`ውን ነይሩ ኢዩ። ኣብ ጸላኢ ድሕሪ ምእታዉ`ውን፡ ንብዙሓት ፈዳኢን ናይ`ቲ ውድብ በብሓደ ለቒሙ ኢዩ። ዋላውን ምስ ውልቀ
    መራሕቲ ናይቲ ግንባር ይቀያየም፡ ኣሃዱታት ናይቲ ግንባር ከደብድብ ግን ብዝኾነ ዓይነት መገዲ ሙኽኑይ ኣይኮነን። ኣሰናዳእቲ ናይዚ መርበብ
    ሓበሬታ`ውን እንተኾነ ስለምንታይ ከም ዝተቐንጸለ፡ ጽቡቕ ጌርኩም ትፈልጡ ኢኹም። ንካናዳ ክኸይድ ንካርቱም ኣብ ዝኸደላ ድሮ ኣፋኒናዮ
    ናብ ወዲ ሸሪፈይ ምስ ተመለስና፡ ንጽባሒቱ ንግሆ መርድእ መጺኡና። ናብ ከሰላ ምስ ከድና፡ እታ ዓርኩ ዝነበረት በዓል መን ቶኪሶም ከም
    ዝቐተልዎ ክትዛረብ ፍቓደኛ ኣይነበረትን። ሕሉፍ ታሪኹ ትፈልጥ ስለ ዝነበረት።
    እዚ ሰብዚ፡ ብሰንኪ መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ዲዩ ብኻልእ ኮርዩ ብዘየገድስ፡ ብመስዋእቲ ናይ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ተሓታቲ ኢዩ ነይሩ።
    ማንም ከዲዑ ንቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጎጠየ ድማ ሰውራዊ ሓለንጊ ከተረኻኽበሉ ከላ፡ ኩሉ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝድግፍ ዝነበረ ኮቦሮ
    ሓምሓም ይወቅዕ ነይሩ ኢዩ። ወዲ ኣድሓኖም ድማ፡ ደም ናይቶም ብሰንኩ ዘወደቑ ሓርበኛታት ስለ ዘይገደፎ ባዕሉ ናብ መጻወድያ
    ህዝባዊ ግንባር ኣትዩ። ህዝባዊ ግንባር ንዕኡ ብምቕንጻላ ድማ ሚስጢር ኣይነበረን። እቲ ሕጂ ኣገራሚ ኮይኑ ደሎ ግን፡ ስለምንታይ ሽምዚ
    ሰብዚ ኣልዒልኩም? መን ስለ ድኾነ`ዩ? ነቲ ዝነበሮ ጽቡቕ ናይ ቃልሲ ታሪኽ ባዕሉ ዝበለለ ሰብዶ ኸይኮነ? ጸኒሕኩም`ውን ነቶም ብፍትሓዊ
    ሓልንጊ ሰውራ ዝተቐጽዑ ጸቀ ዕሉላት ክትማጎትሎም ማለት ኢኹም።
    ትማሊ ይኹን ሎሚ ንህዝቢ ኤርትራ ክጎጢ ዝፍትን ዘይትተርፍ ፍርዲ ኣላቶ!!

    • Metkel February 4, 2014

      Mebrahtu Tewolde,
      Why are you blaming Assenna for this? How would we know if you are the one who killed him or helped the killers? Why are you complaining that much? So much mess has happened and still happening in Eritrea.

    • neghash February 4, 2014

      aytitahawekh Halengi sewrra kibehal semienna enna ginna menn eya eta feradit Gebenu khe silemntay shu zeytegeltse. hiray shue aytenegren dihri Natsnetke menn Entay silezigeberre kem ziteqets’e felitka do? welas etom halengi sewrra dilayom kigebru tetaqi allokha

    • ተወልደመድህን February 5, 2014

      ዝኸበርካ መብራህቱ፡…..ኣበይናይ ኣዋን ትነብር ከምዘሎኻ ትፈልጥዶ።እወ ብዙሓት ሰባት ምሁራት ተባሂሎም ክነሱ ኣብ ኣተሃሳስባኦም ብዙሕ ለውጢ ዘየምጽ ኡ፡እቲ ትምህርቲ ንኅልናኦም ዘይቀየረሎም ኣለው።ንስኻውን ካብቲ ግዜ ቃለሲ 20 ኦኣመት ንቕድሚት ከይድና ከሎና ትንበረሉ ዘሎካ ኣዋንን ኩነታትን ትርእዮ የለካን።ኣብዚ 20 ዓመትዚ ቆልዓ ተወሊዱ፡ዓብዩ፡ስራህ ቆልዓ ሰሪሑ ተጻዊቱ፡ተማሂሩ ክንዲ ሰብ ኮይኑ ዋኒኑ ዝገብረሉ ግዜ’ዩ።እዚ ከም ኣብነት ዘምጻእኩዎ ቆልዓ፡ካብ ዓመት ናብ ኦኣመት ኣተሃሳስባኡ እናቐየረን እናመሃየሸን’ዩ ዝመጽእ።ንስካ ግን ኦድመ እናወሰካ መጺእካ 50ታት ኣቲካ፡ኣተሃሳስባኻ ኣይቀየርካን፡ኣብቲ ግዜ ገድሊ ኢካ ዘሎካ።ኩሉ መኦኣልታዊ ስራሕካ ነቲ ናይ ገድሊ ዘንብብ’ዩ።ንዑኡ ዝመስል ካልእ ግዜን ኩነታትን ክመጻልካ ከኣ ትጽበ ኣሎኻ።ገድሊ ዝተመንጠለ መሰልን ነጻነት ንምዕታር ካልእ ኣማራጺ ስለዘየሎ ዝተወስደ ዘይፍቶ ብዙሕ ምስ ባህሪ ደቂ ሰባት ዘይሳነ’ዩ።ብቅኑዓትን ገስገስትን ተመሪሑ ኔሩ ኣንተዝከውን ከኣ እቲ ጸገም ውሑድ ምኾነ።ግን ደሃን ይእተው፡ቀንጸልትን ሃረድትን ዘለውዎ ከምቲ ዝድለ ዘይኮነስ፡ኤርትራውያን ብቅድሚኦም ሰራዊት ኢትዮጵያ ብድሕሪኦም ሓዊ ብጻዮም ኢዩ ተፈንዩዎም።ካብዞም ብድሕሪት ኮይኖም ንዝከማኦም ኤርትራዋን ሓዊ ዝፍንዩ ሓደ ምንብርካ ከኣ ጽሑፍካ ይምስክር።እቶም ንዝከማኦም ኤርትራውያን ብጥይት ዝቐተሉ ምስ ምንታይ ይቕጸሩ ኣንተበልካ፡ይዋኣት መሳርሒ ኢሳያስን ጉጅል ኡን ብምዃን ኣብ ሃንጎሎም ዝኾነ ይኹን ንወዲ ሰብ ዝተወሃበ ሚዛን ዘይብሎም ጥራሕ’ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ።እቶም ሰባት ንምቕታል ዝህረዩ ሰባት ከኣ መሃይም፡ገለ ነገር ዘይፈልጡ፡ናይ ምምዛን ይኩን ንቕድሚት ናይ ምጥማት ጸገም ዘለዎም’ዮም ዝምረጹ።ኣዞም ሰባት’ዚኦም ናብ ዝከማኦም ኤርትራዊ ንምቅንጻል ክብገሱ ከለው፡ብመደብ ተማሂሮም፡ስጉምቲ ክውሰደሉ ከምዘለዎ ብመሪሕነት ተሓቢሮም’ዮም ዝመጹ፡እቲ መምርሒ እንታይ ምኳኑ ማዕረ ክንደይ ሃቅነቱ ኣይግምቱን፡ክመዝንሉ ዝኽእል ዓቕሚ የብሎምን።በቲ ሰረት ዘይብሉ ሃገራዊ ስሚዒትን፡ፍቕሪ ገለ ሰባት ጥራሕ’ዩ መሊኡ ሓንጎል።ነቲ ዝገብሩዎን ክገብሩዎ ዝብገሱ ዘለዎ ንደቓይቕ ደው ኢሎም ኣይሓስብሉን።…..ስለዚ ንስካ ኣብቲ ኣዋንቲ ዝነቓሕካ፡ነቲ ሽዑ ብመራሕትካ ዝተወሃበትካ ሎሚ ትትንትን ኣሎካ፡እቲ ትትንትኖ ዘሎኻ ግዜ ዘይቅበሎ ሰባት ትፎ ዝብልሉ ምዃኑ ኣይተሰቑረካን።ምኽንያቱ ስለ ኤርትራ ንከዳዕ ቀንጺልና ኢልካ ድሙድሙ ሰቲካ ዓዕ ምባል ዕብዳን ምኳኑ ገዲፍካ ሃገራውነት ምዃኑ’ዩ ተገሊጹልካ ።ልክዕ ከማካ ሃብቶም’ውን እታ ሽዑ ብመራሕቱ ዝተባህለቶ’ዩ ዝደገመ።ነቲ ናይ ሽዑ ኩነታት ሎሚ ወዲ 50 ኮይኑ ሪእዩ ኣይፈረዶን።ንስካውን ብዛዕባ ተወልደ ኣድሃኖም ክትዛረብ ከሎኻ፡ስለዝበሉኻ’ምበር ባዕልኻ ትፈልጦ ነገር ከምዘይነበረ ኢካ ትሕብር።እዚ’ዩ ከኣ መሳርሒ ናይ ጎራሃት ክንከውን ዝገበረና፡ዚተባህለ ክንገብር ሰባት ብዝበሉዎ ስንና ክንነክስ፡ብሰንኪዚ ንዝከማና ክንጎድእ ዝጀመርና።እወ ኣብ ሰውራ ቀዳመይቲ ትምህርቲ ተጋዳላይ ትእዛዝ ከኽብር ኣለዎ።ርእይቶ ግቡእ ድሕሪ ምፍጻም’ዩ( ማለት ሕቶ እንተልዩካ ኪድ ግቡእካ ግበር’ሞ ደሃር ሕተት’ዩ።ንስካ ክትምለስ ምዃንካ ኢካ ት ኣምን።ንሳቶም ግን ሓያል ሕቶ ስለዘሎካ ብምሕታትካ መጥፊኢካ ኣዳልዮም ስለዘልው’ዩ )በዚ ዚማዕበለ ተጋዳላይ ከኣ ዝተባህሎ ካብ ምፍጻም ካልእ ዝፈልጦ የለን። …..ብዛዕባ ተወልደ ኣድሓኖም ትፈልጦ ከምዘይብልካ ኢኻ ትዛረብ።…….ሰባት ከምዝሓበሩኒ ተወልደ ኣድሃኖም ኣብ ኣስመራ ከሎ ከም ዝኾነ ዜጋ ነጻ ኮይኑ’ዩ ዝከይድ ኔሩ።ነቲ ትብሎ ዘሎካ ዝገበረ እኹል ዕድመን ናይ ኩነታት ኣፍልጦ ዘለዎ ተወልደ ኣድሃኖም ነጻ ኮይኑ ክዛወር ኣይምተረኽበን።ከም ኡ ገይሩ ኔሩ እንተዝኸውን፡እቲ መንገዲ ሱዳን ምስ ውላዱ ኣይምሓለሞን።ንሱ ሱዳን ማለት፡ህግ ድላዮም ዝገብሩሉ ምኳኑ ኣጸቢቁ ይፈልጥ’ዩ፡።…..ካልእ ኣቲ ቀዳማይ ሕሶትካ፡ተወልደ ኣድሃኖም ኣብ ኣኤምዳድ ከምዝነበረ ደኣሉ ዝፍለጥ’ምበር ( ወላ ትረካ ሃብቶም ይገልጾ’ሎ )ኣብ ኮሚሽነር ብርጌድ ምንባሩ ተዘሪቡ ኣይፈልጥን።ካብ ዝተቃለሰሉ ግዜ ከኣ ክሳብ ናብ ኮሚሽነር ብርጌድ ክበጽሕ ኣይክእልን። ……..።።ወዲ ኣድሓኖም ኣገዳሲ ኖቕጣታት ናይ`ቲ ውድብ ኣደብዲቡ ጥራይ ደይኮነስ፡ ብሰንኪ`ቲ ደብዳብ ዝተሰዉኡ ተጋደልትን ዝዓነወ ንብረት ውድብ`ውን ነይሩ ኢዩ።….ስማዕ ወተሃደር መሪሑ መጽዩ ኣይበልካምበር ደብዳብ ደኣ ኣብ ግንባራት ኩሉ ግዜ ዚነበረ’ዩ።ስለዚ ሽዑ ደብዲቦም፡ኣጋጣሚ ካብ ገለ ገሊኡ ኣብ ሰባት ምስበጽሐ ብሰንኩ ኢና…….ኣይግድን ተጋዳላይ ኢኻ።ተጋዳላይ ከኣ ብዙሕ ዝረኣየ ሓቁን ጽቡቑን ክመሚ ዝኽእል’ዩ። እቲ ዝከፍ አ ከኣ………. ኣብ ጸላኢ ድሕሪ ምእታዉ`ውን፡ ንብዙሓት ፈዳኢን ናይ`ቲ ውድብ በብሓደ ለቒሙ ኢዩ……ተደንግጽ ይብለካ።ምድንጋጽ ጥራሕ ዘይኮነ ዝጠፈሸካ ትብሎ ዝቸነቐካ ሕኑቕ ኢካ።…….ኣብ ግንባር ዚነበረ ተጋዳላይ፡ከመይ ገይሩ ኣስመራ ዚነበሩ ፈዳይን ይፈልጥ።ምስ ኣብ ውሽጢ ዘለው ፈዳይን ዝራከቡ ናይ ጸጥታን ስለያን ስራሕ’ዩ።ስለዚ ኤምዳድ ዚነበረ፡ንስኻ ከኣ ብሕሶት ኮሚሽነር ብርጌድ ዚነበረ ዝበልካዮ ምስ ፈዳይን እንታይ ኣረኸቦ።ኣዚ ኩሉ እቲ ሽዑ ጸይቂ ክትፍጽም ይኹን ክፍጽሙ ዘተባብዑ ስንኩፋት መራሕቲ ዝገበሩዎ ጸለመ’ዩ።ንስካ ገለ ዘይብልካ ገለ ህድገታት ክትረክብ ይኹን ትሑት ናይ ምግምጋም ክእለት ዝተኦኣደልካ ኣሚንካዮ ኣነሆ ሃቂ ዝረከብካ መሲሉካ ትዛረብ ኣሎካ።ሓደ ኣብነት ክህበካ፡………ኣብ ኤውሮጳ ዝ ኣተኹሉ ግዜ መቐንጸሊ መንካዕ ፡( ኣብ ዕረፍቲ ከሎና፡ዘይፈለጥናዮ እተን ናይ ከላሽን መርፍእ ዝበሃላ የውልቑወን’ሞ፡ኣብ ኩናት ምስ ኣቶና ጠበንጃና ቂም ኢላ ምትኳስ ይኣቢ።በቲ ጸገም’ቲ ንጥቃዕ’ሞ ኣደዳ ጸላኢ ንከውን ኔርና።ድሕሪ ብዙሕ ጌዜ ከምዚ ምግባሮም መዓል መን ምኳኖም ኣጽኒዕናዮም።ስለዚ ፈሊጥናዮም፡ብሰንኪቲ ዝገበሩዎ ጉድለት ከኣ ስጉምቲ ተወሲዱዎም ) ይብሉ መሳኪን ኣቦታትን ገለ ዘይፈልጣ መሻክን ኣደታትት።…..ንስካ መብራህቱ ተወልደ ካብዚ ቃልሲ ከምይ ምኳኑ ዘይፈልጡ ብማዕዶ ዝነቕሑ ዝብልዎ ፈለያ የብሉን ምኽኒትካ።……ሎሚ ድሕሪ ክንደይ፡ጉዳይ መንካዕ ቀንዲ ንኢሳያስን ነቶም ናይቲ ስራሕ ፈጸምቲ ደም የጉስዖም ምህላው ዘይምፍላጥካ ኣብዚ ዘሎናዮ ኩነታት ዘይትነብር፡ን ኤርትራን ህዝባን ዘይትፈቱ ምኳንካ ኢካ ኣረዲእካ።ስለዚ ኣዚ ኩሉ ንስካ ኣቕሪብካዮ ዘሎካ ንትሓፍረሉ ጉዳይ ሽፋን ንምርካብ ትገብሮ ኣብዝን ኣብትን’ዩ።ብቀሊሉ ጽሑፍ ባዕሉ ይመስክር።ኩሎም ተጋደልቲ ሎሚ ሓምሳ ኣትዮም ዚነበሩዎ ኩነታት ብዓይኒ ልቢ ጠሚቶም፡ኣበይ ኢና ጸኒሕናን፡ነዚ ሕጂ ህዝብና ዝስሕኖ ዘሎ መግሃር ክንኣጉድ ዲና ንቃለስ ኔርና፡ሽዑ ዘይተቃወምና ኣንታይ ንገብር ኔርና ኢሎም ጌጋ ገድሊ በዓቕሞም በታ ዝፈልጡዋ ኩነታት እናተረኹ፡ንስካ ግን ነተን ናይ ሽዑ ቃላት ትደግም ኣሎኻ።ብዘበን ውቤ ዝጸመመስ ውበ ኣናበል ሞተ ይብሉ ኣቦታትና።ንስካ ከኣ ሽዑ ነቒሕካ፡ኩሉ ግዜ ፍልይ ዝበለ ስራሕን ተበግሶን ዝሃዝካሉ ስለዘይርሳዕ ነተን ሽዑ ከም ንቑሕ ዘምስላ ቃላት ኢልካ ዝሃዝካየን ኣብ ግንዲ እዝንኻ ጭርጭር ስለዝበላ፡ሎሚ ወዲ ሃምሳ ኮንካ ትደግመን ኣሎካ መብራህቱ ተወልደ።ግን ካብቶም ናይ ሾኡ ቃላትን፡ካብቲ ናይ ሾኡ ኣተሃሳስባ ነጻ ክትከውን ግዜ ይጠልብ ኣሎ።እቲ ግብርን፡እቲ ኣተሃሳስባን ስራሕን ንኤርትራን ህዝባን ኣብዚ ኣብጺሑዋ፡ኣምላኽ ደኣ ከዲኑና’ምበር ካልእ’ውን ኣንጸላልዩና ኔሩ’ዩ።ስለዚ በቲ ሃገር ናብዚ ውድቀትዚ ዚመርሕ ኣተሃሳስባ ንዝመጽእ ግዜን ሃገር ካብ ጸገም ክትወጽእ ዝሕግዝ ሰለዘይኮነ ካብቲ ትብሎ ዘሎካ ኣበስ ቀደስ ወጺእካ፡ህዝብካ ዝጠልቦን ህዝብካ ዝደልዮን ክትገብር ይላበወካ።

  • መብራህቱ ተወልደ የተቦሪ February 5, 2014

    መትከል
    እቲ ‘ሓደ ካብቶም ቀንጸልቲ ወይ ድማ ተሓባባሪ ክትከውን ትኽእ ኢኻ” ዝበልካዮ፡ በየናይ ዕድለይ ክረኽቦ እብለካ። ከመይሲ፡ እቶም ኣብ ማእከል
    ከሰላ ዛሕዚሐሞ ዝኸዱ ሰባትኮ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ሒደት መወዳድርቲ ደለዎ ጅግንነት ድፈጸሙ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኢዮም። ሓደ ካብኦም
    ከይከውን ብምጥርጣርካ ድማ ከም ማዕረግ ስለ ድቖጽሮ፡ ስለቲ ዝዓደልካኒ ኒሻን አመስግነካ። ንኣሰናዳእቲ ናይዚ መርበብ ሓበሬታዚ ዝኸሰስኩሉ ምኽንያት
    ግን፡ ዝኾነ ተፈጺሙ ዝበሃል ጌጋታት ወጢጥካ ወጣጢትካ ናብ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ናይ ምልሓም ጥሙሕ ባህሪያት ስለ ደለዎ ኢዩ።
    እንተቲ ሓውና ነጋሽ “ድሕሪ ናጽነት ብናዕባ`ቲ ቅንጸላ ስለምንታይ ደይተነግረና” ዝበሃል ዘረባ ግን፡ ህዝባዊ ግንባር፡ ቅድሚን ድሕርን ናጽነት፡ ደም ህዝቢ ኤርትራ ኣፍሶሶም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሓከሉ ዕሉላት፡ ብጽፍፉን ዉሕሉልን ሓልታት ጸጥታኡ ኣቢሉ ከካብ ዝነበርዎ ሃገር ተጎቲቶም ናብ`ቲ ገበን ዝፈጸሙሉ ሃገር ኣረኪብዎም ኢዩ። ብዛዕባ ከምዚኦም ዝመሰሉ ሰባትውን ነቲ ህዝቢ ሚስጢር ስለ ደይኮነ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ምዝራቡ ኣድላይነት የብሉን። ሕጂውን
    ተዓቚቦም ደለዉ ዝመስሎም ገበነኛታት፡ መዕቆቢቶም ከምደይተተኣማምን ክፈልጡ ይግባእ።

    • Metkel February 5, 2014

      Mebrahtu,
      You still believe that? ገና ዝበረሃልካ ኣይትመስልን። ናይ ዓያሹ ታህዲድ’ዩ ኢለ ‘ተሓለፍኩ ‘ሓይሽ ‘መስለኒ

  • mahmud saleh February 5, 2014

    ተወልደመድህን +metkel= ተገራጭየን ትብልወን እንተትሕብሩና፡ መልሱ ኣብዚ ዓምዲ ርኢቶ ከነብርሆ ክንፍትን ኢና። ኣብታ ተወልደመድህን ዘምጻእካያ ኣብነት፡ እቲ ቦታ ይውቃዕ ከምዝነበረን ይኹን እምበር፡ ብፍሉይ ተእሲሩሉ ከምዝነበረ ዝሕብር ኣታኹሳ ከምዘይነበረ’ዩ ተገሊጹ። ግን ተወቃዒ ምንባሩ(ዓውደ ውግእ ስለዝኽንነን በሪኽን ምዃኑ ትርደኦ ትኸውን)ኣብ ክልቲኡ ተጥቂሱ ኣሎ። ዝተረሓሓቐ ኣገላልጻ ዘለዎ ኣይመስለንን። ስናይፐር፡ ብራርያ፡ ተኣሲሩሉ….ዝብላ ቃላት እንተደኣ በሪሀን ኣብ ክልቲኡ ዘሎ ጽሑፋት ዝዋቃዕ ከምዘይብሉ ክንዕዘብ ንኽእል። ብዛዕባ እቲ ብዛዕባ ዕላማ መጽሓፊና(intention) ዝሃብካዮ ገምጋምን ትንታነን ርኢቶኻ እዩ። መበገሲናን ሕጽረታትናን ደጋጊምና ስለዝሓበርና ክትርደኣና ምደለና። ስለ’ቲ ተገዳስነትካ ግን ብልቢ የመስግነካ።
    yonas፡ yonas27g: AbrahaKsara:መን ከም ሓቂ፡ Thanks for your inputs.ዮናስ ዝበልካዮ ንኣካይዳ ኦፐረተራት ዝምልከት ሃብቶም ክምልሰልካ እትስፎ።
    sorobeti: Mighty Embasoyra: ተዓዚብኩሞ ከም ትኾኑ ካብ መጀመርትኡ ካብ ቋንቋ ምንእኣስን ምቁንጻብን ክንወጽእ ደሊና። እታ ” ተኣለዩ ከይትልከሙ…” እትብል ጠቕሲ ከምዘላታ ሃብቶም ከምዝዝክራ ሓቢሩኒ። መን እዩ ከይልክሞም ዝፈርሖ ክፈልጥ ኣጸጋሚ እዩ። ግን ብንቡር ዝወደቐ ተጋዳላይ ብጾቱ ከይልከሙ ዝብላ እውን እያ።
    መብራህቱ ተወልደ፡ እታ መልሲ ሃብቶም ደጊምካ እንተተንብባ ጽቡቕ እዩ። ምክልኻልን ክስታትን የብላን። ሃብቶም ተሓቲቱ፡ ዝዝክሮ ከኣ መሊሱ። መልስኻን መልሲ ሃብቶምን ኣረኣእዮ ‘ሞ መን ዝያዳ ሓተታ ይገብር ከምዘሎ ይበርሃልካ ይኸውን። ናብ ተኸላኸልትን ኣጥቃዕትን ህ.ግ.ዘመስል ጽምዶ ከይትመጦ ተስፋ እገብር። ከምቲ ንስኻ መሰል ኣለኒ ኢልካ ትጽሕፎ፡ ካልኦት እውን መሰል ከም ዘለዎም ዘይምዝንጋዕ። ንካልኦት ወሃብቲ ርኢቶ ስለተገዳስነትኩም የመስግን።

    • ተወልደመድህን February 5, 2014

      እተን ዝተጋራጨዋ ሓረጋት ፡ኣብ ላዕሊ ኣስፊረየን እንተለኹ ኣጸቢቑ ክርደኣካ፡ኣንባቢ ዝህቦ ሚዛን ኣብ ቅንፍ ኣሎ።ቀዳመይቲ…….ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ።( ስለዚ እቲ ዝተተኮሰና ናይ ጸላኢ ኣይኮነን ) ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን፡( ክነድሕን እናተቃለስና ናባና ኣቢሉ ዝትኮስ ኣይነበረን።ንሕና ብዘይስኽፍታ ን ኣልዮ ኔርና ) ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን( ካብ ርሑቕ ዝመጸ ተወንጫፊ ከይንብሎ ከባቢና ዝኾነ ይኹን ዶሮና ኣይነበሮን።እታ ንወዲ ፍላንሳ ዝቐተለት ጥይት ደይመደይ ኢላ ናብ ኡ ዝቕንዐት’ምበር ካልእ ካብማዕዶ ዝመጸ ተወንጫፊ ወይ ባጋጣሚ ዝተተኮሰ ኣይኮነን ) ።ኣብ ካልኣይ ግዜ ዝቐረበ፡…. ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን ( ነዚ መግለጺ ኣየድልየክና ንጹር’ዩ።ግን ቶኽሲ ኔሩ፡ዝፍንጀር ኔሩ።ከቢድ ብረት ረሳሳት ይትኮስ ኔሩ፡ንድሕሬና……ብሓፈሻ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ጽዕጹዕ ኩነታት ከምዝተቐትለን፡ጥይት ጸላኢ ከምዝቐተሎ ይሕብር)።……ስለዚ እቲ ሕጂ ነዚ ዳሕራይ መግለጺ ክተውጽ ኡ ዝገደደኩም ኣንታይ ኢዩ።

      • mahmud saleh February 5, 2014

        ሓው ተወልደመድህን
        “እተን ዝተጋራጨዋ ሓረጋት ፡ኣብ ላዕሊ ኣስፊረየን እንተለኹ ኣጸቢቑ ክርደኣካ፡ኣንባቢ ዝህቦ ሚዛን ኣብ ቅንፍ ኣሎ።ቀዳመይቲ…….ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። #1 ( ስለዚ እቲ ዝተተኮሰና ናይ ጸላኢ ኣይኮነን ) ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን፡ #2 ( ክነድሕን እናተቃለስና ናባና ኣቢሉ ዝትኮስ ኣይነበረን።ንሕና ብዘይስኽፍታ ን ኣልዮ ኔርና ) ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን #3 ( ካብ ርሑቕ ዝመጸ ተወንጫፊ ከይንብሎ ከባቢና ዝኾነ ይኹን ዶሮና ኣይነበሮን።እታ ንወዲ ፍላንሳ ዝቐተለት ጥይት ደይመደይ ኢላ ናብ ኡ ዝቕንዐት’ምበር ካልእ ካብማዕዶ ዝመጸ ተወንጫፊ ወይ ባጋጣሚ ዝተተኮሰ ኣይኮነን ) ።ኣብ ካልኣይ ግዜ ዝቐረበ፡…. ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን ( ነዚ መግለጺ ኣየድልየክና ንጹር’ዩ።ግን ቶኽሲ ኔሩ፡ዝፍንጀር ኔሩ።ከቢድ ብረት ረሳሳት ይትኮስ ኔሩ፡ንድሕሬና……ብሓፈሻ ወዲ ፍላንሳ ኣብ ጽዕጹዕ ኩነታት ከምዝተቐትለን፡ጥይት ጸላኢ ከምዝቐተሎ ይሕብር)።……ስለዚ እቲ ሕጂ ነዚ ዳሕራይ መግለጺ ክተውጽ ኡ ዝገደደኩም ኣንታይ ኢዩ።”
        ኣቶ ተወልደመድህን፡
        እተን ኣብ ቅንፍ ( ሓጹር) ኣትየን ዘለዋ ናትካ ኣተረጓግማ እየን። ኣብ ታሕቲ እቲ ተገራጭዩ ትብሎ ክፋላት ማለት ናይ ሳልሰይቲ ክፋልን እዛ ናይ መወዳእታን እውን ከምዘለወን ኣቐሚጠየን ኣለኹ። ምናልባት ዝያዳ ተነጺሩ ምተቐመጠ ነይሩ፤ ግን ዝገራጮ የብሉን። “ ዳሕራይ መግለጺ ክተውጽኡ…” ዝበልካዮ፡ ሰባት ሓቲቶም። ንኣኽብሮ ግዚኦምን ተገዳስነቶምን መልሲ ይግበኦም ‘ዩ።
        ካብ ሳልሳይ ክፋል፡ ኣብ ጠቕሲ ኣትዩ ዘሎ’ዩ።
        1 “ 3፡30 ድ.ቀ (1530) ኣብታ ጨጓር ኩጀት ከለና ቀጻሊ ደብዳባት ከቢድ ብረት ነይሩ። ዝበዝሕ ግን ደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ናይ ነዋሕቲ ብረት ጠያይቲ እውን ይወቕዓ ነይሩ ግን ብፍሉይ ከም ዝተኣሰረላ ዝሕብር ኣገባብ ኣታኩሳ (pattern) ኣይረኣኹን።
        2 ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ጸብጻብ ምስ ረኣየን ንገለ ደቓይቕ ርክባት ምስ ገበረን ” ኣቕሑትክም ጠራኒፍክም ኣርክቡኒ” ኢሉ ቀቅድመና ይሓልፍ። እቶም 3 ኣባላት ስለያ እውን ይስዕብዎ።
        3 ደቓይቕ ኣብ ዘይመልእ ህሞት ክንፈልያ ዝኸኣልና ቶኽስን ወዲፍላንሳ “ ኣይ..” ክብል ንሰምዕ
        4 ናብኡ ንጎዪ። መጀመርያ ወዲ ልጃም ደድሕርኡ ኣነን ወዲ መጎስን ንስዕብ።
        5 ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ ከምዝተወቕዐን ብዙሕ ደም ይኸዶ ከምዝነበረን ተዓዘብና። ከብቲ ቦታ ክንእልዮን ደሙ ጠጠው ክነብልን ንጽዕር። ንሱ ግን ተማዊቱ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ጥራይ ተዛሪቡ። “ ርሓቑ ከይትልከሙ። የዕርፍ ግደፉኒ። ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ” ዝብል ነይሩ። ናይ ጸላኢ ስናይፐር ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ንዕኡ ክነድሕን ንቃለሰሉ ኣብ ዝነበርና ግዜ ንዓና ፈልዩ ዘሸግር ቶኽሲ ኣይነበረን። ከቢድ ብረት ወይ ካልእ ተፈንጃሪ ነታጒ እውን ኣይነበረን። ምኽንያቱ ድምጹ ኣይሰምዓናን ደሮና እውን ኣይነበረን። ማህረምቱ ድማ ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ጸጋማይ ኣፍልቡ’ዩ ነይሩ።”

        እዚ ኣብ ሳልሳይ ክፋል ዘሎ እዩ። ቀጺላ ዘላ መልሲ ሃብቶም ኣብዛ ዳሕረወይቲ ክፋል፡-

        ሃብቶም፡ “ቶኽሲ ቃጻሊ ነይሩ። ኣብ ውግእ ‘ኳ ኢና ነይርና። ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ጸጋማይ ኣፍ ልቡ ተወቒዑ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ግን ዝፈተሽናዮ ኣይነበረን ንሱ እውን ግዜ ኣይሃበናን። እዚ ሕጂ ዝበሃል ጥርጠረታት ስለዘይነበረና ዝያዳ ክንምርምር ኣይከኣልናን። ዓቕሙ እውን ኣይነበረናን። በዓል ቻይና ምስ መጹ እውን ዝተገብረ ፍሉይ ምርመራ ኣይነበረን”
        ኣብዚኣ፡ እቶም ዝሓተቱ ሰባት ነታ ጽሕፍቲ ኣንቢቦማ ስለዝኾኑ እዩ እቲ መልሲ ብሓጺሩ ተቀሚጡ።
        እዚአን ሓገዝቲ ክኾና ተስፋ እገብር።

        • Asmerom February 5, 2014

          ማሕሙድ ሳልሕ፣
          ከመይ ዝበለ ሓቐኛ ታሪኽ፣ ኣብ መወዳእታ ኣበላሺኻዮ። ከምታ ሓውና ተወልደመድህን ዝብላ ዘሎ ተገራጫዊ ሓበሬታ ጌርካ ዛዚምካዮ። በጃኹም ታሪኽ ናይዚ ፍሉይ ጅግና ምብልሻው ብሕጊ ከምዘሕትት ክንዝንግዕ የብልናን። ክሳብ ትውድእ ክከታተለካ ቀንየ ነዚ ተወልደመድህን ሓቲቱካ ዘሎ ድማ ብስነስርዓትን ብሓላፍነታዊ መንገድን ደጊምካ ኣብረሃዮ። ኣዝዩ ወሳኒ ጉዳይ እዩ። እታ መፍትሕ ናይታ ግድል ኣብኣ እያ ዘላ። የቐንየለይ

POST A COMMENT