Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ድሕሪ ባሕሪ – ሕቶታትን መልሶምን

ሃብቶም ጸጋይን ማሕሙድ ሳልሕን “ሃለው ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ተ/ ሃብቶም ጸጋይ ኣብተን ምስ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ-ፍላንሳ) ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ዘይሕከኽ ኣሰር ዝገደፈሉ ጦብላሕታታት ከዘንቱ ፈቲኑ። ዕላማና ውሱን ነይሩ። ዝኽሪ ጥራይ። ታሪኽ ሂወቱ ክንጽሕፍ

ሃብቶም ጸጋይን ማሕሙድ ሳልሕን

“ሃለው ባሕሪ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ፡ ተ/ ሃብቶም ጸጋይ ኣብተን ምስ ስዉእ ኢሰያስ ተወልደብርሃን (ወዲ-ፍላንሳ) ዝጸንሓለን ሕደት ኣዋርሕ ዘይሕከኽ ኣሰር ዝገደፈሉ ጦብላሕታታት ከዘንቱ ፈቲኑ። ዕላማና ውሱን ነይሩ። ዝኽሪ ጥራይ። ታሪኽ ሂወቱ ክንጽሕፍ ወይ ክንምርምርን ክንመራመርን ኣይኮናን ዝተበገስና። ምኽንያት ይኹን ሞይኡ የብልናን።  ስለምንታይ ሎሚ?  እቲ ፍጻሜ ድሮ ሰላሳ ዓመት ብምግባሩን ሕልፍሕልፍ ኢሉ ሰባት ብዛዕባ ኣሰዋውኣ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ግጉይ ጸብጻባትን ሓበሬታን ክህቡ ክሰምዕን ከንብብን ከምዝጸንሐን  ከምኡ’ውን ዝፈልጥዎ ብጾቱ እቲ ዝፈልጦ መታን ክጽሕፍ በብግዚኡ ክሓትዎን ከተባብዕዎን ከምዝጸንሑ ንሱ እውን ይሓስበሉ ከምዝጸንሐን ሃብቶም ይገልጽ። ብፍሉይ ሕጂ ምጽሓፉ ምኽንያት ግን ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ጸሓፍን ተራኽን (ማሕሙድን ሃብቶምን) ሓደ መዓልቲ ብተለፎን ብዛዕባ ማርያ ጸላምን ግንባር ሓልሓልን ክ/ሰራዊት 96 ዘጣመረ ዕላል ወዲኦም ናብ ሰላሕታ ወራር ይሰግሩ ‘ሞ እቲ ነገር ናብዛ “ ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ጽሕፍቲ ይምዕብል። ካልእ መበገሲ ኣይነበሮን።

ካልእ ከም ደራኺ ነገር ክቁጸር ዝኽእል ዕድመ እዩ። እንዳዓበኻ ክትከይድ ከለኻ፡ ልቢ ምዕባይ ኣሎ። ንድሕሪት ብምጥማት ዝሓለፍካዮ ጉዕዞ ብዝሓሸን ዝነጸረን መጕልሕ ክትርእዮ ዕድል ትረክብ። ከምኡ ስለዝኾነ እዩ “ ዕድመ ጸጋ’ዩ” ዝበሃል። ኣብ እዋን ሓርነታዊ ኲናት ዝተሳተፍናን ዝዓበናን ሰባት እናተመላለሰት ሕልናና እትጎዳድእ ሓንቲ ጉዳይ ኣላ- መቸም ንዝኾነ ብኲናት ዝሓለፈ ወተሃደር እተሳቒ እያ። “ስለምንታይ ብጾተይ ተሰዊኦም ኣነ ተሪፈ?” እትብል እያ። ምስ ነኣሽቱ ደቅኻ ክትጻወት ኮለኻ፡ ብዙሓት ክንዲ ደቅኻ ዝኾኑ ንኡሳን ከምዝተሰውኡ ትዝክር’ሞ ቀጭቀጭ ይብለካ። ንናብራን ሞያን ክትዋፈር ከለኻ፡ ብዙሓት ነቲ ንዓመታት ዝደኸሙሉ ሞያ ደርብዮም ሜዳ ኣትዮም ዝተሰውኡ ይረኣዩኻ። “ስለምንታይ ተሪፈ?” ትሓታ ንነብስኻ። ናይ ሱቕታን ውስጠ-ቃልስን ግዜ ምስ ሓለፈ ናብ ክውንነት ትምለስ እሞ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ክትገብር ትፍትን። እታ ዝወሓደት ክንገብራ ንኽእል ከኣ ነቶም ብጾት ከም ተራ ተዋጋእቲ (warriors) ጥራይ ዘይኮኑ፡ብምሉእነቶም ከም ደቂሰባት ምዝካሮም እዩ። ተዋጋእቲ ሮቦት ዘይኮኑ፡ ስድራን ናብራን ባህግታትን ዝነበሮም ሰባት እዮም ነይሮም።

እታ ጽሕፍቲ ኣብ ገድሊ ንዘይነበረ፡ ወይ ወተሃደራዊ ኣሰራርሓን ኣሰራርዓን ህ.ግ. ንዘይፈልጥ ሰብ ሓፈሻዊ ስእሊ ናይቲ ንዛረበሉ ዝነበርና ግዜን ኩነታትን ሓበሬታ ክትህበሉ ብእትኽእል ኣገባብ ከም ዝቐረበት ብዙሓት ኣስተብሂሎምላ። ነቲ ተጋደልቲ ዕላማ ኣልቦ፤ ዕሙታት ጠነንትን ተዋጋእትን ነይሮም ዝብል ሓሓሊፉ ዝስማዕ ኣባሃህላ’ውን ኣብ ግምት ኣእትያ እያ ተጻሒፋ። ብርግጽ ቀዳማይ ዕማም ተጋደልቲ ወተሃደራዊ እዩ ነይሩ ስለዝኾነ ወተሃደራዊ ባህሊ ክነብሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። ግን ደቂሰባት ስለዝኾኑ ኩሉ ኣብ ደቂሰባት ዝረአ ባህርያት ነይርዎም። ኣብዛ “ሃለው ባሕሪ” ዘርእስታ ሓጻር ጽሕፍቲ ንእግረመንገድና፡ ተጋደልቲ ከም ኩሉ ሰብ ዝፋቐሩን ዝጻልኡን፤ ዝሕጎሱን ዝጕህዩን፤ ከምቲ ኣብ ገለ ዕላላት ዝስማዕ  ብሓሽሽን መስተን ሰኺሮም ዘይኮኑስ ሞትን ደምን ከምዘሎ እናፈለጡ ብሕርያኦም ዝቅበልዎ ከምዝነበሩን፤ ኣብ ካናለታትን ኣንደርግራውንድታትን ዝምድናታትን ስድራታትን ከም ዝመስረቱን፤ ኮታስ ናይ በይኖም ንኡስ ባህልን ሕ/ሰብን ከም ዘማዕበሉ ክነርኢ ፈቲንና።

ንወዲ ፍላንሳ ከኣ ኣብ ውሽጢ’ዚ ንኡስ ሕ/ሰብ ተጋዳላይ፡ ምስቶም ዝመርሖም ዝነበረ ጀጋኑ ተጋደልቱ ክንርእዮ መሪጽና። ነቲ መሪር ግዜ ንምርኣይ፡ መስዋእቲ ሚርያምን ወዲ ፍላንሳን (ሰብ ሓዳር) ኣብ ሓደ ወራር፤ መስዋእቲ ሃብተገብርኤልን ኣብረሀት ሓብቱን  ፡ ከምኡ እውን ወዲ ጎማን ሓብቱን ከኣ ኣብ ሓንቲ ውግእ፡ ከም ኣብነት ቀሪቡ። እዚ ኣብነት‘ዚ ተራኺ ዝዝክሮን ብዓይኒ ስድራ ደረጃ (ኣሕዋትን ሰብ ሓዳርን) ተራእዩ ‘ዩ ተሓርዩ ‘ምበር እቲ መስዋእቲ ኣዝዩ ብዙሕን ከቢድን ምዃኑ ኣንባቢ ይርደኦ’ዩ ኢልና ንኣምን። ነብሰወከፍ ተኻፋሊ ናይዛ ውስንቲ ውግእ’ዚኣ፡ ንኣብነት እንተዝሕተት፡ እንታይ ዝኽርታት ምሃለዎ? ስለ’ዚ ኣንባቢ ግቡእ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ኣትሪፉ ክህሉ ንትስፎር። ብሓፈሽኡ፡ ኲናትን ሃልኩን (ኣካላዊ ይኹን ስነ-ኣእምሮኣዊ ወገኑ) ብዓቕምና ክንቀርጽ ፈቲንና። እዚ ብውሱን ትዕዝብቲ ናይ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ትሕቲ ጽቕጢ ውግእ ዝጓዓዝ ዝነበረ ተጋዳላይ እዩ። ዝበዝሕ ክሳብ ሕጂ ዘንበብናዮ ጽሑፍን ስኡልን/ቅሩጽን ስረሓት ገድልና ትሕዝቶኡን ኣቀራርብኡን ንፕሮፓጋንዳ ወይ ንምልዕዓል ዝተሓርየ ስለዝኾነ፡ እንተ ሓቕኛ ምኽንያት መንቀሊኡ ይኹን ወይ ዝህቦ ስምዒት፡ ኣብ መወዳእታ ሓፈሻውን ፖለቲካውን ኮይኑ ይተርፍ። ንሕና ካብዚ ናጻ ክንከውን መሪጽና። መስዋእቲ ብጾትና ንጎስጓስ ክንጥቀመሉ ሕልናና ኣይገብረልናን’ዩ። ብኡ መሰረት እዩ ብጥንቃቐ፡ እቲ ሃብቶም ብዓይኑ ዝረኣዮን ብእዝኑ ዝሰምዖን ከምቲ ዘለዎ ክነቐምጦ ዝመደብና።

ኣብ ኣቀራርባና፡ ካብቲ ኣብ ታሪኽ እነንብቦ፡ ቲድሮስ፡ ዮውሃንስ፡ ናፖሊዮን፡ ሞንትጎመሪ፡ ሮሜል…ወ.ዘ.ተ. እናተባህለ፡ መስዋእቲ ኣሽሓት ስም-ኣልቦ ጀጋኑ ብስም መራሕቶም ተሰሪቑ ዝዝንተወሎም ክንወጽእ ደሊና። ስዉእ ወዲ ፍላንሳ ምቕሉልን ናይ ብሓቂ ተጋዳላይን ስለዝነበረ ምስ ብጾቱ ክንዝክሮ እምበር ድኻምን መስዋእትን ብጾቱ ክውንን ወይ ክብሕት ኣይምደለየን ነይሩ። ብዚ መሰረት፡መስዋእቱን መስዋእቲ’ቶም ካልኦት ብጾት ዝግበኦ ማዕረ ክብሪ ክንህቦን፡ ተጋዳላይን ታሕተዎት ኣዘዝትን ህዝብን ዝጻወትዎ ተራን ዝኸፍልዎ መስዋእትን፡ ብፍላይ ድማ ተራ ናይተን ሓበን ኤርትራውያን ዝኾና ኣሓትና ተጋደልቲ ክነንጸባርቕ ፈቲንና።

ሓደ ሓደ ኣንበብቲ እታ “ልበ-ወለድ” እትብል ልቃብ ኣይፈተውዋን። ሓቆም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ኣብቲ ናይ ርኢቶታት ፈትልታት/threads/ እውን ክነብርሃ ፈቲንና። ሃብቶም ካብ መጀመርያ ኣይፈተዋን ነይሩ። ግን ናብ ሳላሳ ዓመታት ተመሊስካ ምዝንታው ቀሊል ስለዘይኮነ፡ እተን ዘይሃሰሳ ፍቅዶ ዝኽርታት ክትተኣማመነለን ትኽእል ‘ኳ እንተኾይንካ፡ ነቲ ሓፈሻዊ ኩነታት ስእላዊ ክትገብሮ ግን ናጽነት ጸሓፊ ስለዝጠልብ፡ ኣቀራርብኡ ኣክንዲ ጸብጻባውን ደረቕን ዝኸውን ስነ-ጽሑፋዊ መታን ክኸውን ኢና ኣልጊብናያ። ኣብታ ሳልሰይቲ፡ ናብ መስዋእቲ ወዲ-ፍላንሳ ኣብ ዝተቃረብናሉ መድረኽ ኢና ብኣፍልጦ ንክብሪ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዘልገስናያ።

ቅድሚ ናብ ሕቶታት ምሕላፍ ግን ክልተ መኣረምታ ኣለዋና።” እቶም ሰለስተ ኣባላት ስለያ ኣብ ካልኣይቲ መዓልቲ ዘይኮኑስ ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ፡ ኣብታ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ ዝተሰወኣላ መዓልቲ፡ ንግሆ እዮም ተጸንቢሮምና”  ይብል ሃብቶም።ከምኡ እውን ኣብ ሳልሳይ ክፋል ናይታ ጽሑፍ ኣሕዋት ሃብተሀብርኤልን ጽሃይነሽን ኢልና ነይርና። ግን ሓብቲ ሃብተገብርኤል፡ ጸሃይነሽ ዝይኮነትስ ኣብረሀት ኣርኣያ እያ። ጽሃይነሽ እውን ናይ ቀረባ ዘመዶምን ተጋዳሊትን ስለዝነበረት ኣስማተን ተደናጊሩ ነይሩ። እምበኣር፡ እዘን ኣብ ታሕቲ ተዘርዚረን ዘለዋ ብገጸ-ገጽን ብተለፎንንን ኢሜልን ዝተደጋገማ እየን። ገሊአን ተጣሚረን ቀሪበን ኣለዋ።

ሕቶታትን መልስታቶምን

ሕቶ= እቶም ኣባላት ስለያ ይመጽኡኹም ከምዝነበሩ ተሓቢርክም ነይርክም’ዶ?

ብቶም፡ ዝመጸና ሓበሬታ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ እሞ ከመይ ኢልክም ምስ ዘይትፈልጥዎም ሰባት ትጓዓዙ ነይርክም?

ሃብቶም፡ ኣብ ግዜ መጥቃዕቲ፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተጋደልትን ሓለፍትን ትራኸብን ተፈላለን ኢኻ። ኣብ ሓደ ውግእ ነናቶም ሞያ ዘለዎም ዝተፈላለዩ ሰባትን ጉጅለታትን ይሳተፉ ‘ዮም። ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ናይ ሃንደሳ፡ ስለያ፡ ከቢድ ብረት፡ ኤምዳድ………ወዘተ። ነናቶም ምምሕዳር ኣለዎም ግን ክትራኸብን ብሓንሳብ ክትጓዓዝን ንቡር እዩ።

ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ዝፈልጦም ‘ዶ ይመስል ነይሩ? ቅሩብ ዘጠራጥሩ’ዶ ይመስሉ ነይሮም?

ሃብቶም፡ ዘጠራጥር ባህርያት ኣይረኣናሎምን። ወዲ ፍላንሳ  ይፈልጦም ይንበር ኣይንበር ኣይፈለጥኩን ንሶም ግን ብስሙ ክጽውዕዎን ከዕልልዎን ናይ ተክኒክ ሓበረታታት ክህብዎን ርእየ። ብመሰረቱ እውን ኣቓልቦና ዝስሕብ ዘይንቡር ነገር ስለዘይረኣና ኣይተገደስናሎምን።

ሕቶ፡ ንምንታይ ‘ዮም ኣብታ መወዳእታ ሳዓት እቶም ስለያ ጥራይ ምስኡ መሪሖም? ንምንታይ ኢኹም ንስኹም ተሪፍኩም?

ሃብቶም፡ ኣብኡ ጥራይ’ኮ ኣይኮኑን ንሶም ምስኡ ካባና ሕልፍ ዝበሉ። ኣብ ካልእ ግዜ እውን ተመሳሳሊ ኣካይዳ ነይሩና እዩ። ነቶም ኣካይዳ ኦፐረተራት ዘይትፈልጡ ቅሩብ ክሕብር። መጥቃዕቲ ኣብ ዝግበረሉ ንቅድሚ ምኻድ ማለት እዩ። ሓለፍቲ ብርጌዳት ዝበዝሕ ግዜ ንእዚ ክጥዕም ድሕር ኢሎም እዮም ዝግስግሱ። ኣብ ሓደ ቦታ ደቃይቕ ወይ ሳዓታት ወይ እውን መዓልታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እቲ ግስጋሰ ናይቲ ኲናት እዩ ዝውስኖ። ኦፐረተራት ብርጌድ ናይቲ ግዜ ሓንቲ PRC እትበሃል ተሓንጊጥካያ እትጓዓዝ ሬድዮ ነይራትና። ኣብ ነዕርፈሉ ግዜ ንርክብ ኣብ ዝምችኣሉ ቦታ ነጻውዳ።  መራሕቲ ድማ ኣብ ኢዶም ዝሕዝወን ነኣሽቱ ሬድዮታት ይጥቀሙ። ካልእ ከም ሽኮር፡ ሽጋራን መግብን እውን ንስከም ነይርና። ስለ’ዚ ኣብ ሓደ ቦታ ጸኒሕካ፡ እቲ ሓላፊ ብዙሕ ዝጠራነፍ ኣቕሑ ስለዘይብሉ ኣቀዲሙ ክሓልፍ ዘይልሙድ ኣይኮነን። ብቅድምና ናትና ሰራዊት ከምዘለዉ ዘይምዝንጋዕ። ካብኡ ናብኡ ወላ እቶም ኦፐረተራት እንሓንሳብ ተሰሪዕና እንሓንሳብ ድማ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተፈላሊና ምጉዓዝ ካብ ንቡር ዝወጸ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ናይታ ዝሰምዓኩማ ቶዅሲ ዓይነትን  ርሕቐትን ኣንፈት?  ኣወቓቕዓ?

ሃብቶም፡ ቶኽሲ ቃጻሊ ነይሩ። ኣብ ውግእ ‘ኳ ኢና ነይርና። ኣብ መንጎ እቲ ቶኽስታትን ፍንጀራን ግን ምስ ድምጺ ወዲ ፍላንሳ ክንፈልያ ዝከኣልና ቶኽሲ ሰሚዕና። እቲ ቦታ ብከቢድ ፈኲስን ረሻሻት ይውቃዕ ነይሩ። ደብዳብ እውን ነይሩ ግን ዝበዝሕ ብደሕረና ይዓልብ ነይሩ። ኣብታ ጽሕፍቲ ተኣሲሩልና ከምዝነበረ ዝሕብር ስርዓተ-ኣታኩሳ ከምዘይነበረ ግን ብራርያ ይወቕዓና ከምዝነበረ ሓቢረ ነይረ። እታ ቶኽሲ ዓይነታ ይኹን ርሕቀታ ክፈልጥ ኣይክእልን። ኣብ ጸጋማይ ኣፍ ልቡ ተወቒዑ ከምዝነበረ ይዝከረኒ። ግን ዝፈተሽናዮ ኣይነበረን ንሱ እውን ግዜ ኣይሃበናን። እዚ ሕጂ ዝበሃል ጥርጠረታት ስለዘይነበረና ዝያዳ ክንምርምር ኣይከኣልናን። ዓቕሙ እውን ኣይነበረናን። በዓል ቻይና ምስ መጹ እውን ዝተገብረ ፍሉይ ምርመራ ኣይነበረን።

ሕቶ፡ ተወልደ ኣድሓኖም ዝበሃል ኣባልኩም “ ወዲ ፍላንሳ ቀቲሎሞ” ስለዝበለ ተቐቲሉ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?

ሃብቶም፡ እዛ ሕቶ’ዚኣ እውን ተደጋጊማ እሕተታ እየ። ድሕሪ’ዛ “ ሃለው ባሕሪ” ጽሕፍቲ ከኣ ዝያዳ ርስንቲ ኮይና። ከምቲ ኣቀዲመ ዝበልክዎ ዕላማይ ዝኽሪ እዩ ነይሩ። ተደጋጊማ ካብ መጸት ግን እቲ ዝፈልጦ እንተካፈልኩ ሕማቕ ኣይኮነን። ኣብ ብርጌድ 58 ክውዛዕ ከለኹ ተወልደ ኣድሓኖም  ድሮ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ ነይሩ። ከምዝመስለኒ ብ1976 ወይ 77 እዩ ተሰሊፉ። ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ማለት 1983፡ ሓላፊ ኤምዳድ ( ሓላፊ ቀረብን ምኽዛንን ምምሕዳርን ብረታትን ተተኮስትን) ብርጌድና ነይሩ። ብትዕዝብተይ ተወልደ ህርኩትን ሕዉስን በሊሕን ሰብ ነይሩ። ብድሕሪ መስዋእቲ ብጻይ ወዲ ፍላንሳ- ከምዝመስለኒ ኣብ 1984 ኣቢሉ እዩ- ተወልደ ኣድሓኖም ናብ ጸላኢ ሰሊሙ። ደድሕሪ ምስላሙ ኣሃዱታትና ሒዘንኦ ዝነበራ ኣገደስቲ ቦታታት ተደብዲቡ። ናይ ወገን ጥራይ ክፈልጦ ዝኽእል ብድሕሪ ድፋዕ ዝነበረ ኣገደስቲ ቦታታት ከይተረፈ ስለዝተደብደበ “ ወዲ ኣድሓኖም እዩ ኣደብዲብዎ” ተባሂሉ ይግለጽ  ነይሩ። ብተወሳኺ ወዲ ኣድሓኖም፡ ንወዲ ፍላንሳ “ ሻዕብያ ቀቲላቶ” ኢሉ ኣብ ሬድዮ ኢትዮጵያ ተዛሪቡ። ሽዑ ከም ተራ ክድዓት ‘ኳ እንተወሰድክዎ ንወዲ ኣድሓኖም ይኣምኖ ስለዝነበርኩ ምስላሙ ገሪሙኒ። ቅድምኡ ዝሰለሙ ተጋደልቲ ተመሳሳሊ ዘረባታት የሰራጭዉ ስለዝነበሩ ነቲ ብዛዕባ ወዲ ፍላንሳ ዝበሎ ክሲ ኣቓልቦ ዝገበረሉ ኣይነበረን። ብኡ ኣቢሉ እውን ተረሲዑ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ወረ ናይቲ ተረሲዑ ዝነበረ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከባቢ ቤ/ጽሕፈትና ክናፈስ ጀሚሩ። ኣብ ከሰላ ከምዝነበረን ናብ ወጻኢ ክኸይድ ይሸባሸብ ከምዝነበረን ሓበሬታ መጺኡን ይዝረበሉ ነይሩን። ሓደ መዓልቲ፡ ኣብ ካልእ ቦታ ጸኒሐ ምስ መጻእኩ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ሓደ ዓቢ ድግስ ተገይሩ ይጸንሓኒ። ነቲ መሳርሕተይ ተረኛ ኦፐረተር ምስ ሓተትኩ “ ኣይሰማዕካን’ንዲኻ፡ ወዲ ኣድሓኖም ኣብ ከሰላ ከምዝቐተልዎ መልእኽቲ መጺኡና” ኢሉኒ። ጽንሕ ኢልና፡ ኣብቲ ድግስ ዝነበረ ላዕለዋይ ሓላፊ ብመስተ ረሲኑ ዓዕ እንዳበለ “ ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ’ዩ። ኣይምሕርን ‘ዩ። ከዳዕየ ከዳዕ፡ ጥራይ ስተዩ “ ኢሉ ወዲ ኣድሓኖም ከምዝተቀንጸለ ገሊጹ። ሽዑ ኣነ ገሪሙኒ። ምኽንያቱ፡ ካብ ወዲ ኣድሓኖም ንላዕሊ ገበን ዝፈጸሙ ኣብ ሱዳን ከም ዝነበሩ እፈልጥ ነይረ። “ ምናልባት ኣነ ዘይፈልጦ ገበን ፈጺሙ ክኸውን ኣለዎ” ኢለ። ክሳብ ሎሚ እውን በታናይ ወዲ ፍላንሳ ዘረብኡ ድዩ ወላ ብካልእ ተቐቲሉ ብልክዕ ዝፈልጦ የብለይን።

ሕቶ። ነቶም ኣባላት ስለያ ትጥርጥሮም’ዶ?

ሃብቶም፡ እቶም ስለያ ብቀጻሊ ናይ ካርታ ሓበረታታት ክህብዎን ምስኡ ክማኸሩን ንርእዮም ነይርና። ነቲ ግንባር ከጽንዑ ዝጸንሑ እዮም ዝመስሉ። ስለ’ዚ ዘጠራጥር ነገር ኣይረኣኹሎምን። ካልእ ኣንባቢ ክፈልጠለይ ዝደሊ፡ ኣነ ኦፐረተር እየ ነይረ። ስርሓይ መልእኽትታት ብኮዳት ምምሕልላፍ ጥራይ ነይሩ። ስለያ ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱን ኣብ ምምዕባል ውጥን መጥቃዕቲ ይኹን ኣተጋባብርኡ እውን ወሳኒ ተራ ዝጻወቱ ስለዝኾኑ ምስ ወዲ ፍላንሳ ኣቀዲሞም ኣብቲ ምድላዋት ተራኺቦም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብሂወቶምን ኣብ ክዛረቡሉ ዝኽእሉ ቦታን እንተለዉ ቃሎም ክሰምዕ ደስ ምበለኒ።

ሕቶ፡ ሚኪኤል መለስ ዝበሃል ኦፐረተ ናይ ወዲ ፍላንሳ ነይሩስ መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ዘቃልዕ ምስጢር ስለዝነበሮ ኣጥፊኦሞ ይበሃል። ብዛዕብኡ ከ?

ሃብቶም፡ ሚኪኤል መለስ ዕባይ ቤት/ት/ሰውራ ኮይኑ፡ ብሓንሳብ ኦፐረተርነት ተማሂርና። ንሓጻር እዋን ምስ ወዲ ፍላንሳ ጸኒሑ። ወዲ ፍላንሳ እውን ብጣዕሚ ይፈትዎ ነይሩ። ሚኪኤል (ወዲ መለስ) ግን ኣብ ሓይልታት ከይዱ ክዋጋእ ስለዝደለየ ኣቕቢጹ። ናብ ሓይልታት ድማ ተመዲቡ። ኣብ እዋን መስዋእቲ ወዲ ፍላንሳ ምሳና ኣይነበረን። ሚኪኤል መለስ ከም ቃሉን ትምኒቱን ኣብ ግንባር ሓልሓል ካብቶም ግኑናት መድፈዓጅታት ነይሩ። ኣብ ባህላዊ መዳያት እውን ይነጣጣፍ ነይሩ። ንክራር ከም ብሬን ፒ ከይ እዩ ዘነቅዋ ነይሩ። ሓንቲ ካብተን ህቡባት ደርፍታቱ “ ኣቤት ጽንዓት” እትብል ነቲ ብ10/10/10 ብዕለት 10/10/1985 ብወገን 10( ግንባር ዓስርተ ናይ ሓልሓል) ዝተፈጥረ ጹዕጹዕ ኩነታትን ዝተኸፍለ መስዋእትን ትገልጽ። ወዲ መለስ ኣብ 1990 ኣብ ስርሒት ፈንቅል ተወጊኡ ናብ ሕክምና ምስ ከደ ኣብ ኣከባቢ ቢሰስ (ሽዕብ) እታ ዝነበረላ ሕክምና ብነፈርቲ ተደብዲባ ኣብኣ ተሰዊኡ። ስለ’ዚ እቲ ዝበሃል ሓቂ ኣይኮነን።

ሕቶ፡ ወዲ ፍላንሳ ተቀቲሉ’ዩ ‘ዶ ትብል?

ሃብቶም፡ ብመጀመርያ ብሰንኪ ንእስነትን ተመክሮን እዚ ሎሚ ዝሰምዖ ዘለኹ ሽዑ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን። ንወዲ ፍላንሳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውዲት፡ ብእዝነይ ይኹን ዓይነይ ዝረኣኹዎ ኣይነበረን። ኣብ ዕላላቱ እውን ስክፍታ ኣንቢበ ኣይፈልጥን። እታ ሕቶ ብሓሳብ ደረጃ ጥራይ እንተኮይና ግን ዕድመ ዘይምህሮ የለን’ዩ’ሞ ዘይግበር ከምዘየለስ እፈልጥ’የ። ኣነ ከስምረሉ ዝደሊ ግን ተቐቲሉ እዩ ዘብል ጭብጢ የብለይን።

ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
33 COMMENTS
  • sammy mike February 5, 2014

    yes you are Eritrean habtom you tell to Eritrean histrh thank you somuch keep up.

  • Payback February 5, 2014

    within the dirty Shabia…’zeytenegre imber zeytegebre ktlet yelen’. so sad, one too many lives sacrificed for nothing…
    Deki Ere, just enjoy life where ever you are, I don’t see any future for Eritrea.
    Sorry.

  • Habtom February 5, 2014

    Thank you Habtom Tsegay I think ,I know you was KEYAHTI EMBABA. Please keep on going the histories 100% sure they killed hem. he was on target ,was not member of secret part and he asked always why those Movement of democracy (MENKAI,YEMIN) killed that was his question.

  • Tekluu Gubtaan February 6, 2014

    ኣብ’ዚ ኣርእስቲ ቅንጣብ ዘጣራጥር ወይ ነዕኡ ዝቐርብ የለን ፡ወዲ ፍላንሳ ኮነ ፡ዓሊ ኢብሪሂም፡ ወልደንኪኤል ሃይለ… ካልኦት ብቕንዕናን ብትብዓትን እናተገደሉ ንሓንቲ ዕላማ “ህዝቢ ከርህዎ” ፡ እሰያስ ግን ማንታ ዕላማ ‘ዩ ዝነበሮ፡ (ስልጣን ቢሕትካ ንኤርትራን ህዝባን ምርማስ) ሰለ’ዚ ነዞም ንተራ ተጋደልቲ ኣርኣያን ሐበንን ኮይኖም ፈቕርን ህብቡነተን ዘረኸቡ። ኣብ ሕብእ ኣጀንድኡ ከካይድዎ ከም ዘይኮኑ ብእዋኑ ሰለ ዝተሰቆሮ ብስቱር ንሱ ብዝላኾም ኣቕቲልውም ። ብዙሓት ክኸድዑ ሓሲቦም ፡ ከልእ ኮንቱ ጠቐነታት ከም ሰጋዊ-ርከብ ፈጺሞም እና ኣራኸሰ ፡ ሰጉመቲ ተወሲድሎም ኢብሎም።ገለ ከብ ብድሕሪት ከይኖም ዘቐትሉ ንመን ከም ዘቐቱሉ ኣይ ፈልጡን ነበሩ ፡እነተሓቲቶም ካኣ ዐጭኦም እቐበሉ፡ መብዛሕቶኦም መሃይማን ..ወይ ብተራ ኣዘራርባ ብዕሽነቶም ዝልለዪ ነበሩ።

  • Nahom February 6, 2014

    ወዲ ፍላንሳ ኣብ ተጋደልቲ ሓልዮትን ፍቕርን ስለዝነበሮ ረሓቑ ከይትልከሙ ክብል ከሎ በቶም ሸፋቱ ናይ ኤሰያስ ምህራሙ ስለዝፈለጠ የዋሃት ተጋደወልቲ ከም ሃብቶምን ካልኦትን ነዚ ምስጢር ፈሊጥኩም ከምናቱ ዕጫ ከይትረኽቡ ብሸፋቱ ኤሰያስ ከይትልከሙ ማለቱ እዩ።

  • Haileyesus February 6, 2014

    In Isaise’s E.P.L.F someone could be shot from behind it was common and I have evidence to show this true .When we were stationed in Arag,Hasta and Arrarib from 1978 up to 1980 .Many E.P.L.F members were surrenderd to us and some of them were told us that they came here their colleague wanted to shot them in the back when they were engaged in war with enemy .Even now those deserter’s from national service will tell you if you are at odds with the leaders they will shoot you from behind or send you some place to get shot .What i am trying to say is .Isaise eats many heroes in Medda .I belive Ali Ibrhim ,Fishye were shot from behind because Weldmichel haile was shot from behind at the end of the battle in his hometown (SEGENITE) inorder to look alike that enemy sniper got them that’s why many heroes lost shot from behind this is typical of the character of Isaise .Remember Isaise’s mind is fully accupied by evil deeds that’s why he is Achdamically so weak .He got on F in his freshman year exam at university Addis Abeba his transcript still remain in A.A univesity..As soon as he failed his exams he was paranoid and joined E.L.F .Otherwise if he had passed the exams he would not have joined the E.L.F because WELDEDAWIT TEMESGEN and SIUM OKBAMICHEL asked him to join them in the E.L.F in 1964 he told them i am going to continue my education My education is more important now to me ..I wish he passed his exams we might have saved so many hearoes who were assasinated by Isaise inorder to keep his power.Nobody Knows in E.P.L.F organization that Isaise had ties with the C.I.A .Those who were with him in (BAZIT) Alla when he was dealing with the C.I.A were all killed my him.I feel sorry for the hero Isaise Tweldbrhane (JIGNA WEDFINANCA).I am quite sure he was assasinated by Isaise (AKASE) because he was with him In Bazit (ALLA) .He is a close relative of Tesfmichel Gorgo .Tesfmichel Gorgo was a mediator between C.I.A and Selfenasenet of Isaise’s .Tesfmichel Gorgo took Isaise few times to KAGNEW STATION because the C.I.A wanted to have discussions about Isaise’s Selfe Nasenet aim .Nobody Know Isaise’s past history when he wasleading the E.P.L.F becauseIsaise had full dictatorial power over E.P.L.F organization by having founded a secret dictatorial party the name of which was Amasa (Eritrea Labour Party) In Tigrina we called AMSA .When he was in China they told him you have to create your own organization as well as an internal secreat party inorder to have full power and loyal supporters and That’s why he createda secreat party .Remember when he was in China isaise did not do well in military Exams because he was eager to come to Medda to form his own party .As soon as he came to Medda from China Kyadel Ama The E.L.F General secretary sent him to Alla to talk with Abrham Twede and Co.because Abrham Twelde and Co (THE ALLA GROUP) mutineed from KYADEL AMA then Isaise remained with Alla Groups .I do not think so without AmasA party (Party within Party )Isaise could have dictatorial power .The party was created to ensure that Isaise had dictatorial power over E.P.L.F organization.Enough for today .

  • Haileyesus February 6, 2014

    As Tesfmichel Gorgo said me and my friend Isaise went to Kagnew station invitation which came from Richard Copland the C.I.A representative in Horn-Africa we were dinning first then later on we were showerd with gifts money and Whisky .Infact we left KAGNEW Station drunk .Herman coman the head of the state department for East Africa affairs said in 1990s said “no one is more loyal to us in East Africa than Isaise.There is no Alternative to Isaise in East Africa a true our son’It was well documented that he said it .Isaise served ties with C.I.A when the border war started because Americadid not help him when he fought with T.P.L.F (WEYANE).The reason we are diging up Isaise’s history because is that he is a dictator and imposed totalitarianism .Otherwise we have no right to talk negatively about the past if he was the head of a constitutionaly elected Government .The problem is he eats so many hearoes in Medda still continue to eat innocent Eritrean in Haddas Eritrea .Remember Isaise is not an intelligent nor a good (kind ) person .To compete with intellectual Eritrean fighters he must use the defamation inorder to control anyone who challenges his power .We saw that Isaise brought so many defamation name against innocent fighters Such us Menka,Yemine Regionalist (AWERAGWEYANE) ,WEYANE..etc.In reality a person who was a leftist leaning supporter it is impossible to become regionalist .Now he brought new name to defame G15 .How come G15 within in a short period a puppet or spy for WeYane or knelt down to Weyane .All that he did to any one who challenge his authority first he defames them later he eliminates them .We know Isaise is gifted lier .A person who fought their entire life for the cause Eritrea it is impossible within a short period to betrayed his own people and country .The problem with Isaise whoever come to challenge his authority he must defame them and eliminats them .That was what he was dong for so many years

  • Habibi February 8, 2014

    Dear Assenna Team, I tried twice to place a comment under this article and for a resson I don’t know the comment is not displayed. I would threfore wish to know if I have crossed any barriers in your criterias of evaluating comments.

  • Yohannes February 8, 2014

    At the end of the day, why is this all about wedi filansa. What is the primary goal of this sequential article? Why Wedi Filansa? I don’t really understand the reason behind except inciting hatred among the so called killers ( by virtue of where they came from) and the killed once ( the supposed oppressed). The trend is very disappointing, a political campaign against those who are equally beaten, oppressed and still victims of dictatorship will only prolongs the time for change. Believe it or not, without coming out from this narrow hatred filled, genocidal mentality, it impossible to think about change. Here is the way for change, 1. Believe all Eritreans are equally victims of dictatorship 2. No one is beneficial from the current Eritrean condition 3. All Eritrean are stake holders in the coming Eritrea 4. One group can’t defeat the dictator now.
    Therefore, the way to change is, stop blaming others and stop glomorizing people from one region for the sake of humiliating others, we need to be proactive to include all Eritreans including those who support the dictator and our aim had to be for real democracy not for revenge.

    • mahmud saleh February 9, 2014

      Yohannes:
      I totally agree with you. One would hope what you suggested would be the message taken out of this series. If you read, and I hope you’ve done that, there is nothing that implicates any group or individual, or even suggests so. It is an objective account of a person who happened to be with wediflansa on that terrible day. We’ve time and again made it clear that we were not doing investigative stuff, and actually, responded to some readers in the comment section, at the end of the 3rd part, and now in the introductory part of this section; I believe we’ve explained our motives more than enough. Sadly, there is nothing we can do on how readers interpret it; all we can do is clarifying and that’s what we’ve done on this last part. We should not ask, though, why wediflansa, why not him?

  • habtom tsegay February 11, 2014

    Tewldemdinn ‘ Mebrhtun kemdltkum kitrguwmo tkielu ekum ane gn eti zraekuwo zneberkuwon eye zizareb zleku zekone tntane tarik aymzizin eye
    ykeneley

POST A COMMENT