Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቀይ ተንስኡ’ባ!?

ደቀይ ተንስኡ'ባ!?   እዚ ህዝብስ  ደሓን፡ ፈሪሁ ርዒዱ ምልኪ ከየሕቕቖ ኣብ *ካፍሮት ቀፊዱ   *ንእሽቶ ጉድጓድ ሕማቕ እናረኣየ ይደፍኦ ክሳዱ፡ ንኣይ ግን ኣስመራ እንታይ ኣፍሪሁኒ ዓገብ እንተ በልኩ ሰላም ክህበኒ ካብዚ ንላዕሊሲ እንታይ ከይመጸኒ!?   ዘዝወለድኩዎም እናተመንጠልኩ ኣብ ስቓይ ክነብር ወትሩ እናነባዕኩ ክሳዕ መዓስ ሓዘን እፎይ እንከይበልኩ፡ ይኣኽለኒ

ደቀይ ተንስኡ’ባ!?
 
እዚ ህዝብስ  ደሓን፡ ፈሪሁ ርዒዱ
ምልኪ ከየሕቕቖ ኣብ *ካፍሮት ቀፊዱ   *ንእሽቶ ጉድጓድ
ሕማቕ እናረኣየ ይደፍኦ ክሳዱ፡
ንኣይ ግን ኣስመራ እንታይ ኣፍሪሁኒ
ዓገብ እንተ በልኩ ሰላም ክህበኒ
ካብዚ ንላዕሊሲ እንታይ ከይመጸኒ!?
 
ዘዝወለድኩዎም እናተመንጠልኩ
ኣብ ስቓይ ክነብር ወትሩ እናነባዕኩ
ክሳዕ መዓስ ሓዘን እፎይ እንከይበልኩ፡
ይኣኽለኒ ሎምስ ሓዘነይ ይደበስ
ምልኪ ተነቒሉ ራህዋን ፍትሕን ይንገስ!  ኢላ ጀሚራ ኣላ ኣስመራ፡ ቁጠዐኣ ክትገልጽ። ክሳዕ ሕጂ ደቃ’ዮም ይዛረቡላ ኔሮም፡ ሎሚ ግን ባዕላ’ያ ተዓጢቓ ዘላ!
 
እዛ ሎሚ ብሰሪ ግዕዙይ ምሕደራ ህግደፍ፡ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ! ብኹሉምሉ ማለት፡ ሓሳርን መከራን፡ ድሕረትን ዕንወትን፡ ጽምእን ጥሜትን ብሒቶማ፡ ኣብ ድቕድቕ ዚበለ ደልሃመት ተዋሒጣ፡ ብግፋን ማእሰርትን ትሳቐ ዘላ፡ ሓበን ኩሉ ኤርትራዊ ዝኾነት፡ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ትዛረቦ ኣለዋ። ብቕድሚኡ ግን ምሕደራ ህግደፍ ኣብ መዲናና ኣስመራ ኮነ ኣብ መላእ ሃገርና ከመይ ከም ዚመስል፡ ቍሩብ መብርሂ ክህብ ክፍትን።
 
ከም ዝፍለጥ፡ እቶም ሎሚ ኣብ መላእ ሃገርናኣመሓደርቲኢሉ ህግደፍ ሸይሙዎም ዘሎ ሰባት፡ 99% ወተሃደራትዮም፤ ማለት፡ ተጋደልቲዮም።በርጌስ ዚብሃል ዳርጋ የብሎምን! ተጋደልቲ ብተጋደልቶም ድማ እቶም ኣብ ቅድሚ ግንባራት ምስ ጸላኢ ቦምባ ክቃባበሉ ዝውዕሉ ዝነበሩ ብሓይልታት ዝፍለጡ ጀጋኑ ዘይኮኑስ፡ እቶም ኣብ ፈቐዶ ዓድታት፡ ንገባር፡ ነቲ ዝነበረ ምዕሩይን ስሩዕን ሕግታት እንዳ ኣቦኡ ኣፍሪሶም፡ ብሕግታት መላኽን ተመላኽን ብምትካእ፡ ካብ ስራሑን ካብ ውልቃዊ ጉዳዩን ብምብኳር፡ ብወተሃደራዊ መግናሕትን ትእዛዝን ‘ንዓ ነዘን ንብረት ወይ ነዛ መልእኽቲ ናብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ኣብጽሓየን! ሎሚ ናብዚ ዓዲ ዝመጹ ኣጋይሽ ስለ ዘለዉ፡ ንዓ ብኳደረ ጌርካ እንጌራ ኣዋጽእ!’ ወዘተ. ኢሎም ብምስግዳድ፡ ጥዑም እናበልዑን ኣብ ማሙቕ እናደቀሱን ህዝቢ ዘሳቕዩ፡ ብክፍሊ ህዝቢ ወይ ድማ ብጀማሂር ዝፍለጡ ዝነበሩ፡ ንሽማግለታት ብበትሪ ዝእዝዙን ዘዝዓንተሩ መንእሰያት ዓዲ ገገፊፎም ናብ ሳሕል ዝልእኩን መሕሰርቲ ህዝቦም እዮም ኔሮም። ሻቡ ግን ባህጊ ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ዘይጽወር እናጸወረ ተማእዚዙዎም ይኸይድ ኔሩ’ዩ። ሎሚ ግን ትማሊ ኣይኮነን! ወለድናን ኣሕዋትናን ዝወደቑሉ ዕላማ ግድን ክትግበር ኣለዎ!
 
ሎሚ ድሕሪ ናጽነትውን ከም ቀደሞም፡ በቲ ዝዓበዩሉን ዝተመኰሩሉን ኣካይዳ’ዮም ኣብ መላእ ሃገር ብመላኺ ተዘሪኦም፡ ከምቲ ሓዊ ዓይና ንመሸላ ዘህጉግ፡ እዚኣቶምውን ህዝቢ ብምስቓይ ወለዶ ዘህጉጉ ዘለዉ። ሓቂ ይሓሽ ኣብቲ ፈለማ’ኳ ከምቲ ኣብ በረኻ ኣብ ጎቦን በዓትን ምንባር ዝለመዱዎ፡ ናብ ዓዲ ምስ ኣተዉ እውን ኣብ ከተማን ገጠርን ምንባር ክለምዱዎ’ዮም ዚብል ትጽቢት’ዩ ኔሩና! ብኣንጻሩ ግን ንሳቶም፡ ናብራ ወዲ ሰብ ኣብ ክንዲ ዝነብሩ፡ ነቲ ህዝቢ’ዮም ናብራ ደቂ በረኻ ከልምዱዎ ሒዂ ዝብሉ ዘለዉ!  እዚኣቶም ደፋራት’ዮም! ዚቕየር ኣተሓሳስባ የብሎምን! ካብዚ መከራ’ዚ ንምግልጋል ከኣ ሓንቲ ኣማራጺት ጥራይ እያ ዘላትና! ንሳ ኸኣ ከምቲ፥ “ትሕትና በኣሲ በትሪ የውቅዕ፡ ትሕትና ምጒት የርትዕ!” ዚብሃል፡ ንመላኽን ተላኣኣኽቱን፡ ብዘይትሕትናን ንሕስያን ማለት፡ ኣስሓኮ ብዘይብሉ ኣጋባብ፡ ልክዕ ብኸምቲ ናታቶም ጭካነ፡ ክንግጽቦም ጥራይ እዩ ዘለና! መታን ከምቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ፈተነታት፡ ብፍሽለት ተወቒዕናን ተረቲዕናን ከይንጠፍእ ከኣ፡ ከምቲ፥ “ነገር ዚወዓሎ ዳኛ ይፈልጥ፡ ኣሓ ዝወዓለኦ ጓሳ ይፈልጥ!” ዚብሃል፡ ነዚ ንምፍጻም፡ ግድን ምስቶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ብቐረባ ዝሰረሑን ውሻጥኡ ዝፈልጡን ሰዓብቱ ነበር፡ ሓቢርካ ምስራሕ ከድልየና’ዩ።
 
ኣስመራውን ግዳይ ናይዚ ወተሃደራዉን ምልካውን ምሕደራ’ያ ኮይና ዘላ። እዞም ኣብ ኣስመራ ተመዲቦም፡ ነዛ ምጭውቲ ሓድጊ መግዛእቲ ዝኾነት ምልክዕቲ ከተማና፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከፋፊሎም፡ ህዝባ ብኩፖንን ወዲ ኩፖንን እናጥመዩን እናኣጽምኡን ዘዕንዉዋ ዘለዉ ህግደፋውያን፡ ጀማሂር ነበር’ዮም። ብድሕረይ ምቅይያራት ተጌሩ እንተዘይኮይኑ ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር፡ ካብዘን ዓሰርተው ሰለስተ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ከኣ እተን ዓሰርተዉ ሓደ ብደቂ ኣንስትዮ እየን ዝማሓደራ። እዘን ሰባት እዚኣተን ከኣ ምናልባት ጥልቕ ኢሉ ንዘይፈልጠን ሰብ፡ እንታይነተን ክግለጽ ከሎ ምግናን ወይ ድማ ዘለፋ ኮይኑ ይስምዖ ይኸውን፡ እቲ ናይ ብሓቂ ተግባራተን ግን  እዚ ዚስዕብ’ዩ፥
 
እዘን ኣመሓደርቲ ዝጽውዓ ልኡኻት መላኺ ዝኾና ተጋደልቲ ነበር፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ በረኻን ዱርን ስለ ዝነበራ፡ ክቱር ናፍቖት ገረብ ዓዳይን በዓትታት ሳሕልን ኣሎወን! በዚ መሰረት ከኣ ብዛዕባ ገረብ ስየን ውቁብ ህንጻታትን ከተማ ኣስመራ ፋዓራ የብለንን። ብተወሳኺ ጽርግያን ውቁብ ህንጸታት ከተማ ኣስመራ ምርኣይ ጥራይ፡ ንኣኣተን ዝለዓለ ጥርዚ ምዕባለ’ዩ። ‘ካብዚ ንላዕሊ ምዕባለ ዝደሊ ሰብ እንተልዩ ከኣ እቲ ዝመጽእ ወለዶ’ዩ ዝበጽሖ!’ ዚብል ኣምር’ዩ ዘሎወን። ስለዚ፡ ካብዘን ሰባት እዚኣተን ዚኾነ ይኹን ዕብየትን ምዕባለን ማለት፡ ለውጢ ዝጽበ ዜጋ እንተልዩ፡ ካብ ጭደል (መኻን ላም) ጸባ ምጽባይ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል! ምኽንያቱ፡ እዘን ሰባት እዚኣተን፡ ኩላተን ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝኾና፡ ብስም ኣኼባ ህግደፍ፡ ዳርጋ ኣብ ቤት ጽሕፈተን ህዝቢ ረኺቡወን ኣይፈልጥን’ዩ። ሓላፍነተን ተጠቒመን ኣብ ካልእ ጉዳየን’ምበር ኣብ ህንጸትን ምዕባለን የለዋን!
 
ናብ ዚኾነ ምምሕዳር ህግደፍ ኬድካ፡ ‘ኣማሓዳሪት ደልየ ኔረ’ እንተ በልካ፡ ‘ኣኼባ ስለ ዘሎዋስ ሎሚ ኣይትኣቱን’ያ’ እዩ’ቲ ቀዳማይን ዝውቱርን ዝወሃበካ ምኽንያት። ኩሉ ግዜ ኣኼባ ግን ኣሎድዩ!? ዋላ ናብ ጽምቋ ስዋ እንተኸዳ፡ ብኣኼባ ህግደፍ ስለ ዝምኽነየለን ግን የለኹን ንኸብላ ስክፍታ የብለንን። ስለዚ፡ ከምቲ ምስላ ወለድና ዚብሎ፡ “ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን፡ ከም እሾኽ ዳንዴር መትሓዚ ዘይብልክን!” ዝብላ ኣመሓደርቲ ብሓቂ እዚኣተን’የን። ብስም ማዕርነት ደቀንስትዮ ተታሓሒዝካ ናብ ገደል ንምጽዳፍ ከምዚ ናይ ህግደፍ ዓይነት፡ ብስም ማዕርነት ተላኣኣኽትኻ ኣብዘይቦታአን ብምምዳብ፡ ህዝብን ሃገርን ብምብዳል፡ ዝረብሐ እንኮ ኣካል እንተሎ፡ እቲ መቓፍር (ክፉእ ግብሪ) ኣሰለት ጥራይ እዩ!
 
እቲ ቀዳማይ ኣብ’ዞም ደምን ሬሳን ተሳጊሮም ዝመጹ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተፈጸመ ጌጋ ከኣ ንኣኣቶም ኣብ ክንዲ ተኣለይቲ ምግባሮም፡ ኣለይቲ ብምግባሮም’ዩ። ምኽንያቱ፡ እተን መሰረታዊ ዓንድታት ወዲ ሰብ ዝብሃላ፡ ከም ፍቕሪ፣ ለውሃት፣ ክብሪ፣ ሓልዮትን ድንጋጸን ዝኣመሰላ ሰብኣውነት ከይፈተዉ ኣብ በረኻ ቀቢሮመን ስለ ዝመጹ፡ እዚ ዝኸዱዎ ዘለዉ ኣጋባብ፡ ንኣኣቶም ንቡር’ዩ። “ንሰብ ብጥበብ፡ ንእኽሊ ብመሽበብ” ዚብሃል ምስላ ንጃንዳ ህግደፍ ዋዛ’ዩ! ብመሰረቱውን ሰገር (ወተሃደር) ወትሩ ሰገር’ዩ! ምሕደራ ማለት ንህግደፍ ከኣ ኣብ ዝፋን ህዝቢ ተዀይጥካ፡ ከም ወዲ መስፍን፡ ሰብ ምግናሕን ምእዛዝን ጥራይ ማለት’ዩ! በዚ መሰረት’ዩ ከኣ ካብዚ ኹሉ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ትካላት ህግደፍ፡ እተን ብንጡፍ ዝሰርሓ ሰለስተ ኣካላት ጥራይ ዝኾና። ንሳተን ድማ ቀዳማይ፥ ልቢ ህግደፍ ማለት፡ ትካል ሃገራዊ ጥፍኣት ህግደፍ፡ ኦ ይቕሬታ? ሃገራዊ ድሕነት ማለተይ እየ፣ ካልኣይ፥ ቆስያ (ሳምቡእ) ህግደፍ፡ ማለት ትካል ባህላዊ ጉዳያት፡ ማለት ሽማግለ በዓላት ህግደፍ፣ ከምኡውን ሳልሳይ፥ ኮላሊት ህግደፍ፡ ማለት ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍን’የን። ካልእ ኩሉ ስማዊ ጥራይ እዩ! ነቲ “እንዳባ ከይሲ እንተ ነፍዑ ብነፍጢ፡ እንተ ሓመቑ ብሸፍጢ!” ዚብሃል ምስላ ወለድና ቀንዲ ኣተግባሪ ድማ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ’ዩ!
 
እዘን ሰለስተ መሓውር ህግደፍ እዚኣተን ከኣ ዕላማአንን ተልእኾአንን እዚ ዚስዕብ’ዩ፥ ቀዳማይ፥ ሰብ ከፊኡኒ፡ ሓሲሙኒ ኢሉ ከይዛረብን ንዓመጽ ከይልዓልን ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ከይተረፈ ኣትዮም፡ ፋሕ ብትን ዘብሉዎ፡ ኣእላፍ ኣባላት ስለያን ዓፈንቲ ሃገራዊ ጥፍኣትን ብምውፋር፡ ሓያል ሓለዋ ምክያድ፤ ካልኣይ፥ ብትፍግዕቲ (ብብልዒ፡ ብመስተን ብዳንኬራን ዚርከብ ደስታ) ጌርካ ዘየለ ሓጐስን ደስታን ቀጻሊ ኣብ ተለቪዢን ብምንጽብራቕ፡ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሰባት ንምድንጋር፡ ወትሩ ጓይላ ምግባር፤ ሳልሳይ፥ ዋላ ብወፈራ ዓዲ ዝተኳዕተት ዒላውን ትኹን ከይተረፈት፡ ብቪድዮ ቀሪጽካ ናብ ተለቪዢን ብምቕራብ፡ ‘እዚ ሰሪሐ፡ ከምዚ ፈጢረ’ እናበልካ ከምቲ፡ “ዓሻ ከም ነጋሪኡ፡ መጥሓን ከም ወቓሪኡ!” ዚብሃል፡ ንየዋሃት ንምድንጋር፡ ኣረጊት ትሕተን ልዕለን ቅርጺ ብካሜራ ሲስተም ኣማሓይሽካ ከም ሓድሽ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ሰብ ምግምጃውን ምትስፋውን’ዩ!
 
“ሰላም መሰረታ ኣብ ሓቂ ደኣ’ምበር ኣብ ምድንጋር ኣይኮነን!” ከም ዚብሃል ግን እዚ ተግባራት’ዚ ንጉጅለ ህግደፍ ሰላምን ቅሳነትን ኣይሃቦምን! ኣየ ህግደፋውያን፡ ምሕደራ ህዝቢ፡ “ካብ ኣዘራርባ ይፍረድ፡ ካብ ኣተሓሕዛ ከኣ ይቕደድ!” ኮይኑዎም፡ እነዉ እቲ ብዘለማ (ብጭቆና) ዓቕሉ ዘጽበቡሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ ጠጠንጢኑዎም ምስ ከደ፡ ገጾም ናብ ሽማግለታት ኣዚሮም፡ ዓዲ ዓዲ እናዘሩ፡ ጠበንጃ ከም ስርናይ ከናዳ ብመሸማዕ ይዕድሉ ኣለዉ።
 
ኣብ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል፥
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          

 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-09-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • m September 13, 2014

    well done thank u bro, you are right hgdef they distroy evrything, no Eletric,no job,no food to eat,no freedom to speche,we have nothing only we have shit Sawa, the Evil dictator isias soon he will go to hell with his mafia hgdef they will go to helllllllllllllll, my pepole be unity to be free, and dont be foolsh be strong from our enemy hgdef

  • sahle September 13, 2014

    Please excuse me of expressing my feelings and ideas as follows:
    1. There is no use of lamentation, especially when one is is in such a dire and despicable condition and situation;
    2 Action is needed not from afar place but from near and inside the place of suffering; nothing of fruit comes out from a person or even a community that is either a refugee or a minoroty nationality in Europe and America. Such fruitless lamentations and boasting and insulting aggravates the posion and condition of the victims inside the country.
    3. In conclusion, action speaks louder than words. As for me, I do nothing but witness of what is happening and I have seen so far the evil thing containing seeds of its own destruction but only in due time and onlt those with endless patience seeing and witnessing it all!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • Diana Da Bologna September 13, 2014

    ወዲ ኢያሱ ያሆ!
    ነዚ ካብ ጽውዒት ትብሎ ጸርፊ ክትብሎ ዝቐልል ጽሑፍ ክትጽሕፍ ግዜ ምብኻንካ፡ ክሳብ ክንደይ ስራሕ ይውሕደካ ከም ደሎ’ዩ ደነጽር። ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ከም ድነበርካ መጠን፡ ቁሩብ ኣብ ልዕሊ’ቶም ርእስኻ እንዳ ደረዛ ደጎበዛኻ ሓርበኛታት ተጋደልቲ ክብረት ክህልወካ ነይርዎ። ሙዃን ክብረት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ደይብልካዶ ኣብ ልዕሊ’ዘን ውሑዳን ሓርበኛታት ክህልወካ ኮይኑ! ሓደ ሰብ ኣብ ገጠር ይኹን ኣብ ከተማ ይዕበ ብደየገድስ፡ ናቱ ናይ ኣተሓሳስባ ደረጃ ኣለዎ። ኣቦታትና ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮይኖም ባይቶኣዊ ፍርዲ ክህቡ ከለዉ ኣስመራ ከይዶም ተማሂሮም ስለ ድተመልሱ ኣይኮኑን። እዘን ተነኣእሰን ደለኻ ተጋደልቲ፡ ኣብ ሕክምናዊ መዳይ ኣብ’ቲ ውድብ ርኡይ ኣበርክቶን ምዕባለን ደመዝገባ ጀኑ ኢየን። ፍርቂ ገጾም ድተደምሰሱ ሰባት ናብ ንቡር ድመለሳ ሓርበኛታት ኢየን። ኣብ ትካላዊ ጽፍሕታት ናይቲ ውድብ’ውን ደይነዓቕ እጃም ደበርከታ ዋዕሮታት ኢየን። ሎሚ ማንም ናይ ፖለቲካ “ቂል ማሞ” ተላዒሉ፡ ሃገር ንደምጽኡ ሓርበኛታት ከቆናጽብ ኣይግድን!! ገለ ገሊኡ፣ ሰብ እንዳ ተጋደለ፡ ህላውነት ናይ ቃልሲ ከም ደይምልከቶ ገጹ ጠውዩ ጉዳይ ትምህርቱን ሓዳሩን ክገብር ጸኒሑ፡ ሎሚ ናብራኡ ኣብ ውሑስ ደረጃ ምስ ኣብጽሐ፡ ” እዚኦም ብጀካ ብረት ምሕንጋጥ እንታይ ይፈልጡ” እንዳበለ መሰል ህዝቢ ከም ደገድሶ መሳርሒ ባዕዲ ኮይኑ ኣሎ። ናይ ምዕራባውያን ትካላት ትምህርቲ ባጀላ ስለ ድጨበጥካ ጥራይ፡ ንልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ህዝብን ሰራዊትን ከምሓድሩ ድጸንሑ ሰባት ክትዝንጥል መን ስልጣን ሂቡካ? ገሊኡ ኣብ’ታ ንእሽተይ ገዝኡ ሓዳሩ ክመርሕ ደይከኣለ፡ ሃገርን ህዝብን ንዘመሓድሩ ሰባት ክዝንጥል ከሎ ሃየንታ’ዩ።
    እቲ “ኣስመራ ትዛረብ ኣላ” ድበልካዮ ግን፡ ምናልባት ትዛረብ ትኸውን’ያ። ሓደ ሓቂ ግን ኣሎ። ንሱ ድማ ብቛንቋኹም ፈጺማ ደይትዛረብ ሙዃና ኢዩ። ምኽንያቱ ቋንቋኹም፡ ከምቲ ብግዳም ትጭርሕዎ ፍትሒን ማዕርነትን ምንጋስ ደይኮነስ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብትሑት ኣውራጃውን ቀቢላውን ስምዒታት ከፋፊልካ ምጉዝዛዩ ኢዩ። መሰል ናይ ደገፍትን ኣባላትን ህግደፍ ደየኽበርኩም፡ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ከተኽብሩ ድጽበየኩም ሰብ የለን። መሰል ኩልግዜ መሰል’ዩ። ነቲ ደይትድግፎ ሰብ’ውን መሰል ከም ደለዎ ምቕባል ከድልካ’ዩ። ንስኹም ግን ኩሉ ግዜ፡ ኣተሓሳስባኹም ኩሉ ብናይ ሕነ ምፍዳይ ስምዒት ድተበከለ ኢዩ።
    “ኳደረ ጌሮም ምግቢ ድእዝዙን፡ ሰባት ካብ ስራሕ ኣባዂሮም ድልእኩ ድነበሩ” ድበልካዮ ድማ፡ ኣይትሓዘለይ ደኣምበር ውድብ ተጋጊኻ ስለ ደለኻ ትጉሽተትካ። ጀብሃ፡ ቦጦሎኒ ምሉእ ሰራዊት ሒዞም ሰዓት ኣብ ደይብሉ እዋን ሰብ ኣተሲኦም ደኣ መግቢ ይእዝዙ፡ ንደይተኣዘዞም ዓቢ ይኹን ንእሽተይ ድማ ብበትሪ ይሰሃሉ ነይሮም’ምበር፡ ሓይልታት ህዝባዊ ግንባርሲ፡ ካብ ምሒር ስክፍታ ድተላዕለ፡ ኣብ ማእከል ዓዲ ኣትዮም’ኳ ኣየዕርፉን!! እዚ ድማ ህዝቢ ከበሳ ድምስክሮ ሓቂ ኢዩ። ጀማሂር ወይ ክፍሊ ህዝቢ፣ ባህርያት ስርሖም ኮይኑ ኣብ ማእከል ወይ ከባቢ ዓድታት’ዮም ድሰፍሩ ነይሮም። ካብ ክልተ ደይበዝሑ ኣባላት ክፍሊ ህዝቢ ድማ፡ ንኣርባዕተ ሓሙሽተ ዓድታት ይኣልዩ። እዚኦም ዘወር እንዳበሉ ምስ ገባር ኣብ መኣዲ ካብ ምቕራብ ሓሊፎም ድእዝዝዎ ፍሉይ ነገር ኣይነበረን። ስለ’ዚ ኣዚ ጻዕዳ ጸለመ’ዚ ተኣማንነት የብሉን።
    እንተ’ቲ ንህግደፍ “ብድርድኦም ናይ ጭካነ መልሰ ግብሪ ክንህብ ኣሎና” ድበልካዮ ግን፡ ሃየ’ምበር! እቲ ጎልጎል ኣሎ ፈረስ ናይ ወያነ’ውን ቅሩብ’ዩ ደሎ። ኣብ ማኦዶ ኰንካ “ሰራዊት ሕድሪ” እንዳበልኩም ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ብረት ኣዕጢቕኩም ኣብ ሓዊ ትጠብስዎም ደለኹም ከይኣኽለኩም ኣብ ኤርትራ ንደሎ ህዝቢ ከተናቑቱ ጻውዒት ምቕራብኩም ክትሓፍሩ ነይርኩም። ህዝቢ ኤርትራ ንዓመታት ድኣክል ተኸታቲልኩም’ዩ። እንትርፎ ሕሱር ፖለቲካዊ ኣጀንዳኹም ግን፡ ካባኹም ክሰምዖ ድጸንሐ ድረብሕ ነገር የሎን። ሎሚ ይኹን ጽባሕ’ውን ድጽበዮ ነገር የሎን።

  • mela September 13, 2014

    welcome back diana! i pity you because your assignment is to serve a dictator who cannot serve itself and which is on the verge of collapse. and it is tragic that you should write many words without even noticing that the writer is not Mr Amanuel Iyasu but our dear brother Mesinas. you are a good sport nothing more. i am wondering whether you are a robot though.

  • Berhe Tensea September 13, 2014

    How can your children wake up? Eritrea your children are have changed to zombie characters hypnotized by Tembenay Tonqualay. Very few of your children are awakening to save if you are still alive , if not bye bye solong forever.

  • Honest September 13, 2014

    Dear Minas, I fellows your poem and love it keep it up, However your political analysis is very poor. I can learn from you that artist can not be a politician. Some of the many mistakes u made in your article are mentioned bellow.

    1. you said “Jemhr” where sitting in a safe area and living in the best condition which is wrong because they were working in unsafe area and a lot were killed by Derg.

    2. you said Asmara is under administration of women but up to now all the mayors are men and generals

    3. you said jemahr were not participated in the wars and you your self said also these were participated in the bloody war

    4. you did not believe that women and men are equal
    There fore better to keep working in your powerful which is poem

  • hara September 13, 2014

    diana da fogna
    ze zu zi za ,,,, kdim temahar
    qanqaka mrdaE abyuni
    gele terguami do alo atum brukat?

  • Mike September 13, 2014

    There is only one solution – Only one. Eliminate the head and all will be dispersed. At this point there is no other solution except to eliminate PIA and his roots. Rather than just talk – for the last 50 years Eritreans have only sharpened our talk and empty bride. The only way to stop the bleeding of Eritrea is to cut the head off and let the rest disperse. They will be picked up in time and wherever they might be.

    There is enough justification to validate cutting off the head at this point – legally and morally. Often, such action is justified. Someone please be brave – Repeat of January 21!!!

    Is it coming soon? It is getting close….desperation signs visible.

    Ow yes – those useless opposition – are they on vacation now days? God help Eritrea…

  • mahta September 13, 2014

    Zkeberka Diana hzbawi gnbar zbehal men eu? Hzbawi gnbar ke entay malet diu ? Trgumu kem zelata ezen ztekesom hzbawi gnbar abotatnan ahwatnan bktur hagerawi smeet gnbarom hibom tesewiom yelewn etom kunuat keydom gedifomna. Issayas tenkolegnan sesbtun bdhri gnbar wereket ena hantsetsu hanty tyt tekuisom zey feltu wdit ena geberu zmetsu kuslna aytguduena gidefu. Men eu hzbawi gnbar kflet alewo .ety ztesewe ,ety zsenkelen zaweren tray eu. Mebzahtom ezom nay hgdef btwywy zhadmun dorho mesakin hzbi ena beleu tehabiom zneberu dhri gnbar eiom. Nmelae weledo smbrat gedifomulu

  • mahta September 13, 2014

    Bzkone koinu hji wn nteakakeb tegbar kab melae meerabn mbrakn afrikan sebat nteakakeb nkid beaf aykonen tray eye zblekum hawe zbezh meneesey ab meerabawyan tewahitu eu zelo nbeges nsatray eya eta ftah. Adi haget adi aykonenan eu eye zbl.

POST A COMMENT