Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ደቀይ ተንስኡ’ባ!?

ደቀይ ተንስኡ'ባ!?   እዚ ህዝብስ  ደሓን፡ ፈሪሁ ርዒዱ ምልኪ ከየሕቕቖ ኣብ *ካፍሮት ቀፊዱ   *ንእሽቶ ጉድጓድ ሕማቕ እናረኣየ ይደፍኦ ክሳዱ፡ ንኣይ ግን ኣስመራ እንታይ ኣፍሪሁኒ ዓገብ እንተ በልኩ ሰላም ክህበኒ ካብዚ ንላዕሊሲ እንታይ ከይመጸኒ!?   ዘዝወለድኩዎም እናተመንጠልኩ ኣብ ስቓይ ክነብር ወትሩ እናነባዕኩ ክሳዕ መዓስ ሓዘን እፎይ እንከይበልኩ፡ ይኣኽለኒ

ደቀይ ተንስኡ’ባ!?
 
እዚ ህዝብስ  ደሓን፡ ፈሪሁ ርዒዱ
ምልኪ ከየሕቕቖ ኣብ *ካፍሮት ቀፊዱ   *ንእሽቶ ጉድጓድ
ሕማቕ እናረኣየ ይደፍኦ ክሳዱ፡
ንኣይ ግን ኣስመራ እንታይ ኣፍሪሁኒ
ዓገብ እንተ በልኩ ሰላም ክህበኒ
ካብዚ ንላዕሊሲ እንታይ ከይመጸኒ!?
 
ዘዝወለድኩዎም እናተመንጠልኩ
ኣብ ስቓይ ክነብር ወትሩ እናነባዕኩ
ክሳዕ መዓስ ሓዘን እፎይ እንከይበልኩ፡
ይኣኽለኒ ሎምስ ሓዘነይ ይደበስ
ምልኪ ተነቒሉ ራህዋን ፍትሕን ይንገስ!  ኢላ ጀሚራ ኣላ ኣስመራ፡ ቁጠዐኣ ክትገልጽ። ክሳዕ ሕጂ ደቃ’ዮም ይዛረቡላ ኔሮም፡ ሎሚ ግን ባዕላ’ያ ተዓጢቓ ዘላ!
 
እዛ ሎሚ ብሰሪ ግዕዙይ ምሕደራ ህግደፍ፡ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ! ብኹሉምሉ ማለት፡ ሓሳርን መከራን፡ ድሕረትን ዕንወትን፡ ጽምእን ጥሜትን ብሒቶማ፡ ኣብ ድቕድቕ ዚበለ ደልሃመት ተዋሒጣ፡ ብግፋን ማእሰርትን ትሳቐ ዘላ፡ ሓበን ኩሉ ኤርትራዊ ዝኾነት፡ ምጭውቲ ከተማና ኣስመራ፡ ትዛረቦ ኣለዋ። ብቕድሚኡ ግን ምሕደራ ህግደፍ ኣብ መዲናና ኣስመራ ኮነ ኣብ መላእ ሃገርና ከመይ ከም ዚመስል፡ ቍሩብ መብርሂ ክህብ ክፍትን።
 
ከም ዝፍለጥ፡ እቶም ሎሚ ኣብ መላእ ሃገርናኣመሓደርቲኢሉ ህግደፍ ሸይሙዎም ዘሎ ሰባት፡ 99% ወተሃደራትዮም፤ ማለት፡ ተጋደልቲዮም።በርጌስ ዚብሃል ዳርጋ የብሎምን! ተጋደልቲ ብተጋደልቶም ድማ እቶም ኣብ ቅድሚ ግንባራት ምስ ጸላኢ ቦምባ ክቃባበሉ ዝውዕሉ ዝነበሩ ብሓይልታት ዝፍለጡ ጀጋኑ ዘይኮኑስ፡ እቶም ኣብ ፈቐዶ ዓድታት፡ ንገባር፡ ነቲ ዝነበረ ምዕሩይን ስሩዕን ሕግታት እንዳ ኣቦኡ ኣፍሪሶም፡ ብሕግታት መላኽን ተመላኽን ብምትካእ፡ ካብ ስራሑን ካብ ውልቃዊ ጉዳዩን ብምብኳር፡ ብወተሃደራዊ መግናሕትን ትእዛዝን ‘ንዓ ነዘን ንብረት ወይ ነዛ መልእኽቲ ናብ ከምዚ ዝበለ ቦታ ኣብጽሓየን! ሎሚ ናብዚ ዓዲ ዝመጹ ኣጋይሽ ስለ ዘለዉ፡ ንዓ ብኳደረ ጌርካ እንጌራ ኣዋጽእ!’ ወዘተ. ኢሎም ብምስግዳድ፡ ጥዑም እናበልዑን ኣብ ማሙቕ እናደቀሱን ህዝቢ ዘሳቕዩ፡ ብክፍሊ ህዝቢ ወይ ድማ ብጀማሂር ዝፍለጡ ዝነበሩ፡ ንሽማግለታት ብበትሪ ዝእዝዙን ዘዝዓንተሩ መንእሰያት ዓዲ ገገፊፎም ናብ ሳሕል ዝልእኩን መሕሰርቲ ህዝቦም እዮም ኔሮም። ሻቡ ግን ባህጊ ናጽነትን ሓርነትን ስለ ዝነበረ፡ ህዝቢ ዘይጽወር እናጸወረ ተማእዚዙዎም ይኸይድ ኔሩ’ዩ። ሎሚ ግን ትማሊ ኣይኮነን! ወለድናን ኣሕዋትናን ዝወደቑሉ ዕላማ ግድን ክትግበር ኣለዎ!
 
ሎሚ ድሕሪ ናጽነትውን ከም ቀደሞም፡ በቲ ዝዓበዩሉን ዝተመኰሩሉን ኣካይዳ’ዮም ኣብ መላእ ሃገር ብመላኺ ተዘሪኦም፡ ከምቲ ሓዊ ዓይና ንመሸላ ዘህጉግ፡ እዚኣቶምውን ህዝቢ ብምስቓይ ወለዶ ዘህጉጉ ዘለዉ። ሓቂ ይሓሽ ኣብቲ ፈለማ’ኳ ከምቲ ኣብ በረኻ ኣብ ጎቦን በዓትን ምንባር ዝለመዱዎ፡ ናብ ዓዲ ምስ ኣተዉ እውን ኣብ ከተማን ገጠርን ምንባር ክለምዱዎ’ዮም ዚብል ትጽቢት’ዩ ኔሩና! ብኣንጻሩ ግን ንሳቶም፡ ናብራ ወዲ ሰብ ኣብ ክንዲ ዝነብሩ፡ ነቲ ህዝቢ’ዮም ናብራ ደቂ በረኻ ከልምዱዎ ሒዂ ዝብሉ ዘለዉ!  እዚኣቶም ደፋራት’ዮም! ዚቕየር ኣተሓሳስባ የብሎምን! ካብዚ መከራ’ዚ ንምግልጋል ከኣ ሓንቲ ኣማራጺት ጥራይ እያ ዘላትና! ንሳ ኸኣ ከምቲ፥ “ትሕትና በኣሲ በትሪ የውቅዕ፡ ትሕትና ምጒት የርትዕ!” ዚብሃል፡ ንመላኽን ተላኣኣኽቱን፡ ብዘይትሕትናን ንሕስያን ማለት፡ ኣስሓኮ ብዘይብሉ ኣጋባብ፡ ልክዕ ብኸምቲ ናታቶም ጭካነ፡ ክንግጽቦም ጥራይ እዩ ዘለና! መታን ከምቶም ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ፈተነታት፡ ብፍሽለት ተወቒዕናን ተረቲዕናን ከይንጠፍእ ከኣ፡ ከምቲ፥ “ነገር ዚወዓሎ ዳኛ ይፈልጥ፡ ኣሓ ዝወዓለኦ ጓሳ ይፈልጥ!” ዚብሃል፡ ነዚ ንምፍጻም፡ ግድን ምስቶም ምስ ስርዓት ህግደፍ ብቐረባ ዝሰረሑን ውሻጥኡ ዝፈልጡን ሰዓብቱ ነበር፡ ሓቢርካ ምስራሕ ከድልየና’ዩ።
 
ኣስመራውን ግዳይ ናይዚ ወተሃደራዉን ምልካውን ምሕደራ’ያ ኮይና ዘላ። እዞም ኣብ ኣስመራ ተመዲቦም፡ ነዛ ምጭውቲ ሓድጊ መግዛእቲ ዝኾነት ምልክዕቲ ከተማና፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከፋፊሎም፡ ህዝባ ብኩፖንን ወዲ ኩፖንን እናጥመዩን እናኣጽምኡን ዘዕንዉዋ ዘለዉ ህግደፋውያን፡ ጀማሂር ነበር’ዮም። ብድሕረይ ምቅይያራት ተጌሩ እንተዘይኮይኑ ጌጋ ይኽለኣለይ’ምበር፡ ካብዘን ዓሰርተው ሰለስተ ምምሕዳራት ከተማ ኣስመራ ከኣ እተን ዓሰርተዉ ሓደ ብደቂ ኣንስትዮ እየን ዝማሓደራ። እዘን ሰባት እዚኣተን ከኣ ምናልባት ጥልቕ ኢሉ ንዘይፈልጠን ሰብ፡ እንታይነተን ክግለጽ ከሎ ምግናን ወይ ድማ ዘለፋ ኮይኑ ይስምዖ ይኸውን፡ እቲ ናይ ብሓቂ ተግባራተን ግን  እዚ ዚስዕብ’ዩ፥
 
እዘን ኣመሓደርቲ ዝጽውዓ ልኡኻት መላኺ ዝኾና ተጋደልቲ ነበር፡ ቅድም ቀዳድም ኣብ በረኻን ዱርን ስለ ዝነበራ፡ ክቱር ናፍቖት ገረብ ዓዳይን በዓትታት ሳሕልን ኣሎወን! በዚ መሰረት ከኣ ብዛዕባ ገረብ ስየን ውቁብ ህንጻታትን ከተማ ኣስመራ ፋዓራ የብለንን። ብተወሳኺ ጽርግያን ውቁብ ህንጸታት ከተማ ኣስመራ ምርኣይ ጥራይ፡ ንኣኣተን ዝለዓለ ጥርዚ ምዕባለ’ዩ። ‘ካብዚ ንላዕሊ ምዕባለ ዝደሊ ሰብ እንተልዩ ከኣ እቲ ዝመጽእ ወለዶ’ዩ ዝበጽሖ!’ ዚብል ኣምር’ዩ ዘሎወን። ስለዚ፡ ካብዘን ሰባት እዚኣተን ዚኾነ ይኹን ዕብየትን ምዕባለን ማለት፡ ለውጢ ዝጽበ ዜጋ እንተልዩ፡ ካብ ጭደል (መኻን ላም) ጸባ ምጽባይ ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል! ምኽንያቱ፡ እዘን ሰባት እዚኣተን፡ ኩላተን ኣባላት ህግደፍ ስለ ዝኾና፡ ብስም ኣኼባ ህግደፍ፡ ዳርጋ ኣብ ቤት ጽሕፈተን ህዝቢ ረኺቡወን ኣይፈልጥን’ዩ። ሓላፍነተን ተጠቒመን ኣብ ካልእ ጉዳየን’ምበር ኣብ ህንጸትን ምዕባለን የለዋን!
 
ናብ ዚኾነ ምምሕዳር ህግደፍ ኬድካ፡ ‘ኣማሓዳሪት ደልየ ኔረ’ እንተ በልካ፡ ‘ኣኼባ ስለ ዘሎዋስ ሎሚ ኣይትኣቱን’ያ’ እዩ’ቲ ቀዳማይን ዝውቱርን ዝወሃበካ ምኽንያት። ኩሉ ግዜ ኣኼባ ግን ኣሎድዩ!? ዋላ ናብ ጽምቋ ስዋ እንተኸዳ፡ ብኣኼባ ህግደፍ ስለ ዝምኽነየለን ግን የለኹን ንኸብላ ስክፍታ የብለንን። ስለዚ፡ ከምቲ ምስላ ወለድና ዚብሎ፡ “ናትና ኢልናዶ ዘይናትክን ክንህበክን፡ ከም እሾኽ ዳንዴር መትሓዚ ዘይብልክን!” ዝብላ ኣመሓደርቲ ብሓቂ እዚኣተን’የን። ብስም ማዕርነት ደቀንስትዮ ተታሓሒዝካ ናብ ገደል ንምጽዳፍ ከምዚ ናይ ህግደፍ ዓይነት፡ ብስም ማዕርነት ተላኣኣኽትኻ ኣብዘይቦታአን ብምምዳብ፡ ህዝብን ሃገርን ብምብዳል፡ ዝረብሐ እንኮ ኣካል እንተሎ፡ እቲ መቓፍር (ክፉእ ግብሪ) ኣሰለት ጥራይ እዩ!
 
እቲ ቀዳማይ ኣብ’ዞም ደምን ሬሳን ተሳጊሮም ዝመጹ ኣሓትናን ኣሕዋትናን ዝተፈጸመ ጌጋ ከኣ ንኣኣቶም ኣብ ክንዲ ተኣለይቲ ምግባሮም፡ ኣለይቲ ብምግባሮም’ዩ። ምኽንያቱ፡ እተን መሰረታዊ ዓንድታት ወዲ ሰብ ዝብሃላ፡ ከም ፍቕሪ፣ ለውሃት፣ ክብሪ፣ ሓልዮትን ድንጋጸን ዝኣመሰላ ሰብኣውነት ከይፈተዉ ኣብ በረኻ ቀቢሮመን ስለ ዝመጹ፡ እዚ ዝኸዱዎ ዘለዉ ኣጋባብ፡ ንኣኣቶም ንቡር’ዩ። “ንሰብ ብጥበብ፡ ንእኽሊ ብመሽበብ” ዚብሃል ምስላ ንጃንዳ ህግደፍ ዋዛ’ዩ! ብመሰረቱውን ሰገር (ወተሃደር) ወትሩ ሰገር’ዩ! ምሕደራ ማለት ንህግደፍ ከኣ ኣብ ዝፋን ህዝቢ ተዀይጥካ፡ ከም ወዲ መስፍን፡ ሰብ ምግናሕን ምእዛዝን ጥራይ ማለት’ዩ! በዚ መሰረት’ዩ ከኣ ካብዚ ኹሉ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ትካላት ህግደፍ፡ እተን ብንጡፍ ዝሰርሓ ሰለስተ ኣካላት ጥራይ ዝኾና። ንሳተን ድማ ቀዳማይ፥ ልቢ ህግደፍ ማለት፡ ትካል ሃገራዊ ጥፍኣት ህግደፍ፡ ኦ ይቕሬታ? ሃገራዊ ድሕነት ማለተይ እየ፣ ካልኣይ፥ ቆስያ (ሳምቡእ) ህግደፍ፡ ማለት ትካል ባህላዊ ጉዳያት፡ ማለት ሽማግለ በዓላት ህግደፍ፣ ከምኡውን ሳልሳይ፥ ኮላሊት ህግደፍ፡ ማለት ሚኒስትሪ ዜና ህግደፍን’የን። ካልእ ኩሉ ስማዊ ጥራይ እዩ! ነቲ “እንዳባ ከይሲ እንተ ነፍዑ ብነፍጢ፡ እንተ ሓመቑ ብሸፍጢ!” ዚብሃል ምስላ ወለድና ቀንዲ ኣተግባሪ ድማ ሚኒስትሪ ሓበሬታ ህግደፍ’ዩ!
 
እዘን ሰለስተ መሓውር ህግደፍ እዚኣተን ከኣ ዕላማአንን ተልእኾአንን እዚ ዚስዕብ’ዩ፥ ቀዳማይ፥ ሰብ ከፊኡኒ፡ ሓሲሙኒ ኢሉ ከይዛረብን ንዓመጽ ከይልዓልን ምእንቲ፡ ኣብ ውሽጢ ስድራቤት ከይተረፈ ኣትዮም፡ ፋሕ ብትን ዘብሉዎ፡ ኣእላፍ ኣባላት ስለያን ዓፈንቲ ሃገራዊ ጥፍኣትን ብምውፋር፡ ሓያል ሓለዋ ምክያድ፤ ካልኣይ፥ ብትፍግዕቲ (ብብልዒ፡ ብመስተን ብዳንኬራን ዚርከብ ደስታ) ጌርካ ዘየለ ሓጐስን ደስታን ቀጻሊ ኣብ ተለቪዢን ብምንጽብራቕ፡ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ሰባት ንምድንጋር፡ ወትሩ ጓይላ ምግባር፤ ሳልሳይ፥ ዋላ ብወፈራ ዓዲ ዝተኳዕተት ዒላውን ትኹን ከይተረፈት፡ ብቪድዮ ቀሪጽካ ናብ ተለቪዢን ብምቕራብ፡ ‘እዚ ሰሪሐ፡ ከምዚ ፈጢረ’ እናበልካ ከምቲ፡ “ዓሻ ከም ነጋሪኡ፡ መጥሓን ከም ወቓሪኡ!” ዚብሃል፡ ንየዋሃት ንምድንጋር፡ ኣረጊት ትሕተን ልዕለን ቅርጺ ብካሜራ ሲስተም ኣማሓይሽካ ከም ሓድሽ ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ሰብ ምግምጃውን ምትስፋውን’ዩ!
 
“ሰላም መሰረታ ኣብ ሓቂ ደኣ’ምበር ኣብ ምድንጋር ኣይኮነን!” ከም ዚብሃል ግን እዚ ተግባራት’ዚ ንጉጅለ ህግደፍ ሰላምን ቅሳነትን ኣይሃቦምን! ኣየ ህግደፋውያን፡ ምሕደራ ህዝቢ፡ “ካብ ኣዘራርባ ይፍረድ፡ ካብ ኣተሓሕዛ ከኣ ይቕደድ!” ኮይኑዎም፡ እነዉ እቲ ብዘለማ (ብጭቆና) ዓቕሉ ዘጽበቡሉ መንእሰይ ኤርትራ፡ ጠጠንጢኑዎም ምስ ከደ፡ ገጾም ናብ ሽማግለታት ኣዚሮም፡ ዓዲ ዓዲ እናዘሩ፡ ጠበንጃ ከም ስርናይ ከናዳ ብመሸማዕ ይዕድሉ ኣለዉ።
 
ኣብ ካልኣይ ክፋል ይቕጽል፥
ብሽንሆት ንኽንነብር፡ ዕምሪ ምልኪ ነሕጽር!          

 
ካብ ሓውኹም መሲናስ 12-09-2014

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • Wedi_Hagher September 14, 2014

    “There is only one solution – Only one. Eliminate the head and all will be dispersed. At this point there is no other solution except to eliminate PIA and his roots.”

    Mike

    Brother, although DIA has lost prestige and popularity in the last 10 years, many ordinary people still believe he is doing what he can, and it’s because of someone else [Weyane, US] that the country is suffering. In such a situation it’s very difficult to remove him from power through violent means. There are a lot of people who can eliminate him, but they are not doing it for one reason or another. That shows that there are many who complain but are not ready to go as far as harming him. We or rather some of us have created a god-like monster, and now it’s not easy to remove him easily. He is not alone, it’s a system and a fascist one at that. Till we get organized and have an alternative and inclusive political program that appeals to all the transition won’t be easy either. We have to do everything possible to avoid a violent change because only then we will be able to bring the criminals to justice, which is a prerequisite of a durable peace.

  • Mesinas September 14, 2014

    ሓበሬታ፥

    ነዛ ትማሊ ቀዳም 13 መስከረም 2014 ኣብ ሊሰዩም ኣሰና ዝወጸት ቀዳመይቲ ክፋል ጽሑፈይ ልኢኸ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን ገለ ደሃይ ህዝብን ሃገርን ንምርካብ ኢለ፡ ሃሰስ ኣብ ዝብለሉ ዝነበርኩ እዋን፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ራድዮ ድምጺ መድረኽ ኣብ ናይ ሰሉስ 9 መስከረም 2014 ፈነውኣ ዘመሓላለፈቶ ቃል ሓንቲ ግዳይ ምልክን መሳርሕቱ፡ ራይሻይዳን በደዊኒን ዝኾነት፡ መርሃዊት ዝተባህለት ሓብትና፡ ዘሕለፈቶ ሓሳረ መከራ ከተዘንቱ ምስ ሰማዕኩዋ፡ ኣጋጣሚ ከም ብዓል ዲያናን መሰልታን ከውሒ ልቦም ወይ ድማ ሕዩራት ገዛን ልቃሕ ቦንድን ስለ ዘይኮንኩ ስጋ ንእስነተይ እየ ዝብለኩም! ገጸይ ብንብዓት ተሓጺቡ! ቀጺለ ክሰምዓ ስለ ዘይካኣልኩ ከኣ ነታ ራድዮ ኣጥፊአ፡ ንብዓተይ ክደርዝ፡ ነብሰይ ከጸናንዕ ተንሲአ፡ ዘወር ክብል ጀሚረ።

    ብድሕሪኡ ማለት፡ ኣብ ሳልሰቱ ግን ንውዕሎኣ ተዳልየ፡ ጸኒዐን ተጸሚመን፡ ነቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ስኒትና፡ ኣብ ልዕሊ፡ “ኣቱም ሰባት መዓትና መዓስ’ዩ ዘብቅዕ!?” ዘርእስቱ ፈነወ ጠዊቐ ተኸታቲለዮ። ኣብ መወዳእታ ከኣ እቶም ብሰንኪ ኲናትን ወረ ኲናትን ወላድ መኻን ኮይኖም ዝተረፉ ወለዳን ንሕናንስ ንነብዕ ኣለና። እቶም ንሳን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ብሓርነት ኣብ ሰላምን ራህዋን ንኽነብሩ ኢሎም፡ ክብርቲ ህይወቶም ዝኸፈሉ ስውኣት ኣኮታታን ኣሕዋታንከ እንታይኮን ይብሉ ይህሉዉ!? ብምባል ክሳዕ ሕጂ መልሲ ዘይረኸብኩሉ ሕቶ ንነብሰይ ሓቲተ ንብዓተይ ደሪዘ።

    መርሃዊት፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል’ያ ዕላላ ጀሚራ፥ ‘ካብ ኤርትራ ዝወጻኹሉ ምኽንያት፡ ኩሉ ሸጊሩኒ፡ ኣሕዋተይ ኩላቶም ኣብ በረኻ፡ ኣሕዋት ማማ ኩላቶም ስውኣት ኮይኖም! ናብ ሓብተይ ተጠመትኩ ሓብተይ ሰይቲ ስውእ ኣደ ሰለስተ ቈልዑ! ናብ ሓወይ ተጠመትኩ፡ ሓወይ የማናይ ኢዱ ኣብ ሳልሳይ ወራር ዝተቘርጸ! እቶም ዝተረፉ ኣሕዋተይ ድማ ኣብ ኣገልግሎት ኣብ በረኻ! ኣደይ ብመስዋእቲ ኣሕዋታ ብንብዓት ስለ ዝጨምተለት፡ ዕንጨይቲ ክትኣሪ፡ ኣብ በረኻ ጨንፈር ሃሪሙዋ ስለ ዝቖሰለት ብመጥባሕቲ ኣልጊሶሙላ! ኣደይ ሓንቲ ዓይና’ያ!”

    ‘ኣቦይውን ናይ እዝኒ ጸገም ኣሎዎ! ጽቡቕ ኣይሰምዕን’ዩ! ኣነ ከኣ ንሳዋ መታን ከይከይድ ኢላ ኣደይ ‘ንዒ ተመርዒኺ ነዞም ዝተሰውኡ ኣሕዋተይ ተክእለይ! ውለድለይ’ ብምባል፡ ብንእሽቶየይ ማለት፡ ኣብ 16 ዓመተይ ኣመርዒያትኒ! ነቲ ዝወለድኩዎ ቈልዓውን ባዕላ’ያ ተዕብየለይ ኔራ! ዝኽሪ ንስውኣት ኣሕዋታ’ዩ ዝኾና! ነቲ ዘሎና ሽግር ንምቅላል ኢለ ኣነ ከኣ ገንዘብ ተለቂሐ፡ ኣብ ጎደና ሸቐጥ እንተ ጀመርኩውን ምንችብዮ እናገፈፉ ምስራሕ ከሊኦሙኒ! ደሓር መሊሶም ነቦይ ወዲ 65 ዓመት ናብ መንደፍራ ጸዊዖም፡ ከይዓለሙ ‘እንካ ብረት ዕጠቕ ኢሎሞ። ‘እዞም ደቀይ ኣነስ ኣይተዓለምኩን! ደሓር ከኣ ሕሙም’የ! እዝነይ ኣየስማዓኒን’ዩ!’ እንተ በሎም፡ ብግዲ ‘ሓዛ’ ኢሎሞ! ‘በሉ ከይትትኮሰኒስ ኣብ መሸማዕ ኣእቲኹም ሃቡኒ ኢሉዎም።’

    ‘ኣቦይ ነታ ብረት ናብ ገዛና ኣምጺኡ፡ ኣብ ቆፎ ኣእቱዩዋ! መሊሰ ድማ ‘ዝወለድክንውን ክትከታ ኢኽን’ ዚብል ወረ ምስ ሰማዕኩ፡ ሃጽ ኢለ ካብ ሃገረይ ጠፊአ!’ ወዘተ. ብምባል፡ ነቲ ዘሕለፈቶ መሪር ስቓይን መግፋዕትን ገሊጻ ኣላ። ክቡራት ኣሕዋት፡ ንብምሉኡ ልቢ ዝትንክፍ ዕላል መርሃዊት፡ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ድምጺ መድረኽ ወይ ስኒትና ኣቲኹም ተኸታተሉ። በዚ ኣጋጣሚ ክብሎ ዝደሊ ድማ ነቶም ቃንዛ ህዝቦም ዘቃልሑ ኣባላት ድምጺ መድረኽ፡ ልዑል ምስጋናይ እናኣቕረብኩ፡ እዚ ተረኽቦ’ዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ ኣዋጅ ምድሓን ህዝቢ ስለ ዚኾነ፡ ኩለን መርበባት ደለይቲ ፍትሒ ይኹና ደገፍቲ ምልኪ፡ ናይ ብሓቂ ማዕከን ሓበሬታ ኤርትራውያን ንኤርትራውያን (ካብ ህዝቢ ንህዝቢ) እንተ ኮይነን ንታሪኽ ኤርትራዊት መርሃዊት ብዘይቅድመ ኩነት ኣብ ፈነውአን ከቃልሐኦን ከእውያሉን ይግባእ! ካብዚ ዝዓቢ ሓጀት (ውራይ) የለን! የቐንየለይ። ክቡራትን ፍቑራትን ነበብቲ፡ መቀጸልታ ናይ ጽሑፈይ፡ 2ይ ክፋል ኣብ ቀረባ ግዜ!

    • Diana Da Bologna September 14, 2014

      መሲናስ ዲኻ?
      ከምዚ ድመሰለ ድተፈብረኸ ዛንታ ናይ “መርሃዊት” ምስማዕ ኣእዛንና ልአማሚድዎ ኢዩ ኣያየ! ልዕሊ’ዚ ግን፡ ድሓለፈ ስቓያት ኤርትራውያን ደይትፈልጥ ሰብ ክሙዃንካ ኣረዲእካና። ምናልባት ኣብ ትሽትሽ ደርጋውያን ተሾጊጥካን ሟሚቕካን ዓቢኻ ስለ ትኸውን፡ ኤርትራውያን ድጨለጥዎ ስቓያት ኣይንታይካን ነይሩ ይኸውን’ዩ። እዚ ድተመስርሐ ዛንታ ናይ “መርሃዊት” ምስ’ቲ ካልእ ስቓያት ኣዳዲርካ፡ ክትርእዮ ከለኻ፡ ከም ተራ ነገር ምውወሰድካዮ ኔርካ። ምናልባት ግን “መርሃዊት” ንዓኻ ፍልይቲ ሰብ ክትከውን ትኽእል ኢያ። እቲ ደገርም ድማ ንስድራ “መርሃዊት” ገሊኣ ኣሰንኪልካ፡ ንገሊኣ ድማ ኣሰዊእካ ብደይ ንሕስያ ብደይ ንሕስያ ምህሳይካ ኢዩ። ኣብ ሓደ ትራጀዲያዊ ዛንታ’ውን፡ እቲ ኣዘንታዊ ቅሩብ ንሕስያ ይገብር’ዩ። ናትካ ግን ንበይኑ’ዩ።
      እቲ እዝኑ ድጻንዖ ሽማግለ ኣቦ “መርሃዊት” ብግዲ ብረት ከም ድዓጥቕ’ውን ጌሮሞ ተባሂሉ። ይትረፍ ሽማግለ፡ ጎበዝ’ውን ጸገም ናይ ዓይኒ ይኹን እዝኒ እንለዎ ክይኑ፡ ኣብ ውትህድርና ኣየገልግልን’ዩ። እዚ ሓደ ነቲ ጽሑፍካ ተኣማንነት ዘጉድሎ ኢዩ። ንሙዃኑ ሰብኣይ “መርሃዊት” ናበይ ከም ደበለ ኣይነገርካናን።

    • ERITRAWIT September 14, 2014

      Mesinas,
      Ab hagerna zelo Gebel kes b kes eu tetemtemwa zelo b natna hages
      bezey nay Yemane interview ktsemo keleka hzbey Eritrea balew n balew zte- tafe koynew trekbo,
      Emo ke da beyen nezom HATELA nay hager koynom zelew YSEREW
      B amlak Ezge-o n bele dem yehwatna b kentew keykeyd.
      Nezen tekleltey pasta weshashem nay Isaias aytgedeselen zlemedo keyterfen hateftef zbla zelewa!!!!!!
      YEKENELNA KUBUR HAW.

  • Ti September 14, 2014

    Selam Diyana,
    zkheberki hafti, kulu eritotatki sgnTir iyu.
    “kemzi zeAmesele zantata dma yEzana telemamidwo iyu” ilki. ezi dma chkane iyu zerI. nay Amlakh kemzeyblki dma tgeltsi.
    ente nHna gn n Aezana meAltawi hadshn zesenbdn zeguhn iyu. kemti hawna mesinas zbelo dma nbAt aIntnan weldnan ayneqetsen zelo. wetru dma ab hazen nrkeb.
    bhaqi kfAt rIkhi abikhi entetkhoni, zehlefkyo shgrn nnAshtu ahwatna mtselaEkyo nerki.
    bejaki kulu ekey qalatki akbi. qusltatna degagimki aytgudEna.

  • Abraham Hannibal September 15, 2014

    መልእኽቲን ሕቶታትን ናብ ኣብ ወጻኢ ትርከቡ ደገፍቲ ስርዓት ዉልቀ መላኽነት ኢሳያስን ህግደፍን፥

    ብመጀመርያ ሓደ ሓደ ነጥብታት ከነጽረልኩም ይደሊ፥
    *ግደ ናይ ወጻኢ ሓይልታት(ሲኣይኤ፥ መንግስቲ ኣመሪካ፣ መንግስቲ ወያነ፣ ወዘተ): ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳያት ኤርትራ: ከምቲ ኩሉ ግዜ ብስርዓት ኢሳያስ ዝግለጽ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ፥ እዚ ከም መመሳመስን መመኽነይታን ደኣ ምበር፥ ናይ ብሓቂ ኣብ ህሉው ኩነታት ኤርትራ ዓቢ ጽልዋ ዘለዎ ከምዘይኮነ
    *ሕቶ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋላኳ ኣብ ባይታ እቲ ዶብ ኣይመልከት እምበር፥ እቲ ጉዳይ ኣብ ካርታ ሕጋዊ መዕለቢ ተጌሩሉ ኢዩ። እዚ ጉዳይ ባዕሉ እቲ ተምልኹዎ ዉልቀ መላኺ ኢሳያስ ብቓላቱ ገሊጹዎ ኢዩ። ባድመ ክበሃል ከሎ እታ ዓዲ ባድመን ኣብ ከባቢኣ ዝርከብ ሰፊሕ ጎላጉልን ዘጠቓለለን ኢዩ። ካብተን ከም መሰሓሓቢ ተባሂለን ዝግለጻ ዝነበራ ዓድታት፥ ባድመን ጾሮናን ንኤርትራ ክወሃባ ከለዋ፥ ዛላምበሳን ዓሊተናን ድማ ንኢትዮጵያ ተዋሂበን። ንሓደ ጥልቕ ኢሉ ዘጽንዕ ሰብ እቲ ዉሳነ ዶብ ፥ በዘን ዝተጠቕሳ ዓድታት ጥራይ ዘይኮነ ክርእዮ ዘለዎስ፥ በቲ ጥቕላላ ስፍሓት መሬት ናይቲ ክልቲኣን ሃገራት ይብጸሓና ዝበለኦን፥ እቲ ኣብ መወዳእታ ብፍርዲ ዝተዋህበንን እዩ ክግምገም ዘሎዎ። ኣነ በዛ ንእሽቶ ዓቕመይ ክርእዮ ከለኹ፥ ክልቲኣን ሃገራት፥ ገለ ካብቲ ይብጸሓና ዝበለኦ መሬት ክወሃበን ከሎ፥ ገለ ክፋል ከኣ ኣይተዋህበንን (ነታ ሓንቲ ሃገር ተዋሂቡ)። ብጠቕላላ፥ እቲ ነቲ መሬት ብኽልቲኡ ሸነኽ ዝተኸፍለ ኣዝዩ ልዑል ዋጋን፥ ክኽፈል ነይሩዎን ዶስ ኣይነበሮን፥ ምኽኑይነቱን ኣብዚ ንጎድኒ ገዲፈ፥ ክልቲአን ሃገራት ዳርጋ ሓሓምሳ ሚእታዊት ናይቲ ጠቕላላ በቲ ቤት ፍርዲ ዝተራእየ ስፍሓት መሬት እዩ ተዋሂቡወን።
    ስለዚ አቲ ጉዳይ ዶብ ሕጋዊ መዓልቦ ስለ ዝተገብሮ፥ ኤርትራ ብዘይ ቅድመ ኩነት ስለዝተቐበለቶ፥ ኢትዮጵያ ከኣ ብመትከል ስለዝተቐበለቶ (ዋላ ኳ፥ ገለ ገለ ዕቃበታት እንተሃለዋ፥ ነዚ ዕቃበታት ከኣ ብልዝብ ምስ ኤርትራ ክትፈትሖ ስለ ትደሊ)፥ እቲ ፖለቲካዊ ሃዋሁ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝመሓየሸሉ እዋን፥ እቲ ጉዳይ ዶብ ውን፥ ብመሰረት ዉሳነ ዶብ ናይ ሓዋሩ መዕለቢ ከምዝረክብ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ እዚ መሬትና ብወያነ ተታሒዙ ከሎ፥ ዝኾነ ይኹን ደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣየድሊን ወይ ኣይግባእን ዝብል ናይ ኢሳያስን፥ ህግደፍን መስሓቕ ኣዘራርባ፥ መመኽነይታን፥ መመሳመስን ደኣ ምበር፥ ካልእ ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን።
    እዚ ብምባል ናብ ሕቶታተይ ክምለስ፥
    * ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ክጋደል፥ መስዋእትን ስንክልናን ዓሰርተታት ኣሽሓት ደቁ ክኸፍል ከሎ ንሓንቲ ዲሞክራስን፥ ግዝኣተ ሕግን፥ ፍትሕን ርትዕን ዝሰፈና ሃገር ዶ ኣይኮነንዩ ነይሩ፧
    *ስርዓት ህግደፍ፥ ንጀጋኑ መራሕቲ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሪሖምን ተቓሊሶምን ዘዐወቱን፥ ካልኦት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ መራሕትን ተራ ዉልቀ ሰባትን፥ ብዘይ ሕጊ፥ ብዘይ ፍትሕን ርትዕን፥ ብኣልማማ፥ ክኣስርን ክሰውርን ከሎ ከመይ ጌርኩም ብዘይ ሕቶን ምጉትን ትቕበሉዎ፧
    *ስርዓት ህግደፍ ነቲ ውጽኢት መሪርን ነዊሕን ቃልስና ዝኾነ፥ ብልዑል ተሳትፎ ህዝብና ዝነደፍናዮን ዘጽደቕናዮን ናይ 1997 ሃገራዊ ቅዋምና፥ ከም ታራ ወረቐት ክድርቢን ክጉሕፍን ከሎ ከመይ ገርኩም ብዘይ ሕቶን ምጉትን ትቕበሉዎ፧
    *ስርዓት ኢሳያስ ንኹሉ መዳያት ሕብረተሰብና፥ ቁጠባዊ፥ ፖለቲካዊ፥ ማሕበራዊ፥ ባህላዊ ጉዳያት ከም ሞኖፖል ክብሕት እንከሎ ከመይ ጌርኩም ትቕበሉዎ፧
    *ስርዓት ኢሳያስ ብመሰረት ዕባራ ምኽንያት ጸጥታን ልኡላውነትን ሃገር፥ ንመንእሰያትን ካልኦት ዘጋታትን ሃገርና ንዘይተወሰነ ግዜ፥ ኣብ ግዱድ ዕስክርናን፥ ካብ ንቡር መነባብሮኦም ኣመዘናቢሉ፥ ስድራቤታት በታቲኑ፥ ጉልበቶም ብዘይ ዝኾነ ማሃያ ክምዝምዝ ከሎ ከመይ ጌርኩም ትቕበሉዎ፧
    *ስርዓት ኢሳያስ፥ ብሰሪ እቲ ንሱ ዝኽተሎ ጸቓጢ ፖሊሲታት፥ መሪሩዎም፥ ዓዶምን ህዝቦምን ገዲፎም ኣብ ፈቐዶ ዓዲ ጓና ክስደዱን፥ ኣብ መንገዲ ከኣ ኣደዳ ሞትን፥ አዚ ዘይበሃል ስቅያትን ዝኾኑ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደቂ ሃገርን፥ ተቐበልቲ ሃገር መንእሰያትን፥ ከነኣእስን፥ ብሞቶምን ስቅያቶምን ቅንጣብ ጓሂ ዘይስመዖን ክነሱ፥ ከመይ ጌርኩም ደገፍኩም ትብዎ፧
    *ብሰንኪ ኢሳያስ ዝኽተሎ ዉልቀ መላኽነትን፥ ዕብለላን፥ ብልሹው ኣመራርሓን፥ ምርገጽቲ ኩሎም ሰብኣዊ መሰላትን፥ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዉሽጢ ሃገርን ወጻእን፥ ተገማሚዑ ሓድነቱ ላሕሊሑሉ ኣብ ዝርከብ አዋን፥ ምክልኻልን፥ ምውሓስን ልኡላውነት ሃገር ከመይ ጌሩ ይረጋገጽ፧ እቲ ዝገርም ከኣ እዞም ኩሎም ዝተጠቕሱ መግሃስትታት ብሽም ጸጥታን ልኡላውነትን ሃገር ዝተወስዱ ምዃኖም ኢዩ። ስለዚ እቲ ምስጢር ዓወት ሓርነታዊ ቃልስና ዝኾነ ሃገራዊ ሓድነትና፥ ብሰንኪ ዓማጽን ረጋጽን ኣመራርሓ ኢሳያስ ኣብ ዝላሕላሓሉ እዋን፥ ልኡላውነትናን ጸጥታን ሃገርና ከመይ ጌሩ ክረጋገጽ ይኽእል፧
    * ምኽልካል መሰላት ምጽሓፍን፥ ምዝራብን፥ ምእካብን፥ ሓሳባትካን ርእቶታትካን ብናጻ ምግላጽን፥ ምስ ሓደ ሕጋዊ መደምደምታ ዝተገብረሉ ጉዳይ ዶብን፥ ሉላውነት ሃገርን እንታይ ዘራኽብ ኣለዎ፧ እኳ ደኣ ደቂ ሰባት ሓሳባቶምን ርእይቶታቶምን ብናጻ ምስ ዝገልጹን፥ ምስ ዝካትዑን ዶይኮነን፥ ምዕባለን ቅኑዕ ኣመራርሓን ዝመጽእ፧
    *መሰላቱ ዝተገፈፈ ሕብረተሰብን፥ መንእሰይን ከመይ ጌሩ፥ ፈትዩን ረድዩን፥ ኣብ ምዕባለ ሃገሩን፥ ምክልኻል ሃገሩን ከበርክት ይኽእል፧
    *ይትረፍ’ዶ ሎሚ ሃገርን ባንዴራን ተኺልናስ፥ ትማል እኳ፥ ኣብ ግዜ ቃልሲ፥ ኣብ ትሕቲ ኣግራብን፥ ኣብ መንጎ ስንጭሮታትን፥ ሓደጋ ጸላእን፥ ጉባኤታትና ነቃንዕን፥ ሓሳብ ንሓሳብ ንለዋወጥን፥ ዝሓለፉን ህሉዋትን ስራሓትናን ተሞኩሮታትናን ንግምግም፥ መጻኢ መደባትና ንሕንጽጽን ከምዘይነበርና፥ ሎሚ ደኣ እንታይ ተረኺቡ ሓንቲ እኳ ትኹን ጉባኤ ኣብ ዕስራ ዓመታት ክንገብር ዘይከኣልና፧
    እቲ ሕቶታት ኣዝዩ ብዙሕ ዩ፥
    ኣብ መደምደምታ እዞም ዓይንኹም እናረኣየ ከምዘይረኣኹም፥ እዝንኹም እናሰምዐ ከም ዘይሰማዕኩም ትኸዱ ዘለኹም፥ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ትርከቡ ኤርትራውያን፥ ይኣኽለኩም ጌጋ፥ ይኣኽለኩም ዓመጽን: በለጽን: ኣምልኾት ዉልቀ መላኺ ኢሳያስን። ናብ ልብኹም ተመለሱ፥ ምስ ሃገርኩምን ህዝብኹምን ወስኑ ክብለኩም ይደሊ። ንሕና ደቂ ሰባት፥ ኣብዛ ዓለም ኣዝዩ ዝተወሰነ ዕምሪ ኢዩ ዘለና፥ እቶም ተምልኹዎም ኢሳያስን፥ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኣገልገልቱን ድማ ከምኡ፥ ነበርቲ ኣይኮኑን። ህዝብን ሃገርን ግን ዘለኣለም ነበርቲ ስለዝኾኑ: ንመብጸዓ ዝሓለፉ ስዉኣትን፥ ዘለዉ ስንኩላትን ክተኽብሩ: ለውጢ ንምዕባለ ንዝደሊ ህሉውን መጻእን ወለዶ ክትሓስቡ ይግባእ።

  • Daniel September 15, 2014

    Boat carrying 250 African migrants capsizes, dozens drown off Libyan coast

    A boat carrying at least 250 African migrants to Europe capsized before leaving the coast near the capital, Tripoli, drowning dozens, according to a spokesman of Libya’s coast guard. Qassim Ayoub said that Libyan coast guards were retrieving dozens of bodies still floating 18 kilometers off the coast in the Tajoura district, AP reported. Thirty-six African migrants, including three women – one of them pregnant – were rescued Monday.

POST A COMMENT