ደሃይ ካብ ኤርትራ – ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ መደረኡ ብዘስመዖ ወልደፍደፍ መስሓቕ ሰብ ኮይኑ።
ደሃይ ካብ ኤርትራ ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 11 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተመረቕትን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ መደረ፣ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሳዋ ተማሂሮም መልቀቒ ፈተና ገይሮም ዝሓለፉ
ደሃይ ካብ ኤርትራ
ወልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብ 11 ሓምለ ኣብ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ተመረቕትን ህዝብን ኣብ ዝገበሮ መደረ፣ ሚእታዊት ናይቶም ኣብ ሳዋ ተማሂሮም መልቀቒ ፈተና ገይሮም ዝሓለፉ ዝበሎም ተማሃሮ ክዝርዝር ክሎ፣ 14 ሚእታዊት ብዲግሪ፣ 10 ሚእታዊት ብዲፕሎም፣ 10 ሚእታዊት ድማ ብሰርቲፊኬት፣ ኢሉ ከብቅዕ፣ ኣብ ድምር ግን 60 ካብ ሚእቲ ኢሉ ኣስታት ፍርቂ ሓንዚፉ ብምውሳኽ ኣዘንቢዑ ኣንቢቡዎ።
እቲ ዝኸፍአ፣ ነቶም ተመረቕትን ዕዱማትን ዝኣርመሞም ከኣ፣ ይቕሬታ ኢሉ ጌግኡ ኣሪሙ መደርኡ ኣብ ክንዲ ዝቕጽል፣ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣሽሓት ህዝቢ ረሲዑ ምስቲ ወረቐት ዘረባ ምቕጻሉ እዩ።
እዚ ንስነኣእምሮኣዊ ኩነታት ኢሳይያስ ዘንጸባርቕ ኩነታት ‘ዚ፣ ፈለማ ቲቪ-ኤረ ‘ውን ከምዘለዎ ስለዘመሓላለፈቶ፣ ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ንመደረ ኢሳይያስ ዝተኻታተሎ ሰብ፣ ቆልዑ ከይተረፉ፣ “ ኢሳይያስ ሎምስ ኣግሂዱዎ፣ ምስ ወረቐት ሃተፍተፍ ክብል ጀሚሩ” ክሳብ ዝብሉ ኮይኖም።
ነቲ ወልደፍደፍ ዓለም ብዓለሙ ምስ ሰምዖ ዝተበራበሩ መቃመምቲ ቲቪ-ኤረ ንምሸቱ ክእርሙዎ ፈቲኖም።
ይኹን ‘ምበር እቲ መአረምታ ነቲ ዕንወት ምሉእ ብምሉእ ክሕክሞ ኣይከኣለን። ከይተወድአ ጠልጠል ዝበለ ምሉእ ሓሳባት ኢሳይያስ ነቲ ጸገም ኣይሓብኦን።
ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ተዓዘብቲ ከምዝሕብሩዎ እቲ ጸገም ስነኣእሙራኣዊ ምዝንባል ኢሳይያስ ጥራይ ኣይኮነን። ኢሳይያስን ዓሻክሩን ኣብ ድሮ ናይቲ መመረቕታ ወትሩ ኣብ ሳዋ ተዓጽዮም ክሰኽሩ ስለዝሓድሩ ምዕሩይ ዘረባ ክዛረቡ ከሸግሮም ባህርያዊ እዩ።
እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን እምብኣር፣ እቲ ብሃይማኖትን ስነምግባርን ዝልለ ህዝቢ፣ ስነኣእምሮኣዊ ምዝንባልን ስኽራንን ብዘሰነፎም ዝሩጋት ይምራሕ ምህላዉ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፣ መመረቕታ መበል 28 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣይብሱል ኣይጥረ ገይሩ ሰኑይ 13 ሓምለ ብመኪና ናብ ኣስመራ ዝምለስ ዝነበረ ኢሳይያስ፣ ኣብ ከባቢ ጥንቁልሓስ ጽርግያ ስለዝተዓጽወ መሕለፊ ስኢኑ ስለዝተዓግተ፣ ብእግሩ ንኸረን ክድይብ ተቐሲቡ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፣ ሰንበት ሰዓት 9 ናይ ምሸት፣ ኣብቲ ካብ ከረን ናብ ኣቑርደት ዝወስድ ጽርግያ ዘሎ ጸድፊ ጥንቁልሓስ ሓንቲ ካብተን ሲኖ-ትራክ ዝብሃላ፣ ፍርያት ማዕድን ቢሻ ንምምልላስ ብ ትራንስሆርን ዝዋፈራ ልዕሊ 450 ኩንታል ዝጽዕና ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ጥንቁልሓስ ተገልቢጣ መንገዲ ስለዝዓጸወት እዩ።
ነታ ናይ ጽዕነት መኪና ክትውግን እትኽእል ማሽን ኣብቲ ከባቢ ስለዘይነበረት፣ ክሳብ ንጽብሓይቱ ሰኑይ እቲ ጽርግያ ተዓጊቱ፣ ብወገን ከረንን ኣቑርደትን ብብዝሒ መኻይን ስለዝተዓጽዋ ኢሳይያስ መኪንኡ ኣብ ጽርግያ ገዲፉ ንኸረን እናተቛየቔ ብእግሪ ካብ ምድያብ ካልእ ምርጫ ኣይነበሮን።
ኢሳይያስን ዓሻክሩን ናብ ከረን ምስ ተቐልቀሉ፣ ሃንደበት ዝኾኖ ኣብ ዕዳጋ ዝነበረ ህዝቢ ኸረን ከኣ ንግፋ ዝተዋፈሩ ሰራዊት መሲሉዎ ተበቲኑ። ኢሳይያስ ከኣ ኣብ ሰሪና ሆቴል ብምዕራፍ ብናይ ምምሕዳር ከተማ ኸረን መኪና ናብ ኣስመራ ከይዱ።
ሓንቲ ካብተን ብሰንኪ ምግልባጥ ናይታ ሲኖ -ትራክ ዝተዓግተት ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ ‘ውን ኣብ ጥንቁልሓስ ተገልቢጣ፣ ይኹን እምበር መቝሰልቲ እንተዘይኮይኑ ኣብ ህይወት ዝበጽሐ ናይ ሞት ሓደጋ ኣይነበረን።
Stefanos Temolso July 20, 2015
ኢሰያስ ኣእምሮኡ ካብ ዝዘናበል ነዊሕ ኮይኑ እዩ። የግዳስ ብኸምዚ ደረጃ ማዕረ ኣብ ቲቢኤረ ክቃላሕ ግን ርግጽ ናይ መጀመርያ ግዜ እዩ። ወዮ ሓሚቕና ኢናምበር ንሱስ ሃየ ኣነስ የለኹን ተረከቡኒ እዩ ዝብል ዘሎ’ኮ።
Ghezai July 20, 2015
Aman
Don’t you have the video
I seen it on video
murad ali July 20, 2015
From tenkulahas, it is through Keren laalay that you approach Keren not geza-wereket
ኣርዓዶም July 20, 2015
ኣቱም የሕዋተይ፡ ስለቲ ዜና የቀንየልና ክብል እደሊ፡
ካልእ ተወሳኺ ክብሎ ዝደሊ ነገር ተሃልዩ ግን ከም`ዚ ኢልካ ቓልሲ የለን። ክሳብ ምዓስ ኢና ኢሳያስ ከምዚ ገበረ ከም`ዚ ደገመ ክንብል ክንገርምን ክሓግን። ስራሕና ንፈልጥ ተንኸውን፡ ነዚ ዋጋ ኣይምሃብናዮን፡ እቲ ንደልዮ ስራሕ ለውጢ እንድሕሪ ኮይኑ፡ ንዕኡ ኣዳዕዲዕና ክንጽዕትን ክንሰርሕን ይግባእ።
እቶም ኣብ ኡ ኮይንኩም ብኸረን ሰንጠቐ ቕልቑለት ወረደ ደየበ ትብሉ ዘለኹም፡ እቲ ዜና ዘይጽላእ እኵ እንተኾነ፡ ንወጽዓኹምን ወጽዓ ህዝብን ሃገርን ባዕልኹም ትፈልጥዎ ብምዅንኩም፡ እቲ በትሪ ኣብ ኢድኩም እቲ ገበል ኣብ እግርኹም፡ እንታይ ዜና ካልእ የድልየኩም። ንህዝቢ ኤርትራ እዚ ዜና እዚ እንታይ ጽጋብ ክህቦ ኢዩ።
ልክዕ ኣሰና ከም ወብሳይትን ረድዮን ዝኾነ ከተቓልሕ መሰል ኣለዋ፡ ይኹን እምበር እቶም ኣብ ውሽቲ ኣለና ትብሉ ዘለኹም፡ ኣካል ናይ`ቲ ጽገም ትኹኑ ከምዘለኹም ክትፈልጡ ይግባእ። ወይ ስጉምትታት ብምውሳድ ካብ ባርነት ህዝብኹም ኣድሕኑ፡ ወይ ድማ በቓ ግደፉና፡ ደየበ ወረደ ዝብል ቓል ንዓና ክንዲ ፍረ ኣድሪ`ውን ረብሓ ኣይንረኽበሉን ኢና። ህዝቤ ኤርትራ ዘድልዮ ዘሎ፡ ንሕና ነቶም ኣብ` ኡ ዘለኹም ክንምህረክም ክእለት የብልናን። ጠሚና፡ ጸሚእና፡ ዓሪቕና፡ ተሳቒና፡ ተኣሲርና፡ ስኢና ወዘተ ኢልኩም የ እዊኹም፡ ንሕና ድማ ኣውያትኩም ተቐቢልና ኣብ ፈቐዶ ከተማታት ንድሕነትኩምን ንሓርነትኩምን ደኺምና። ቐጸሊ ተጨኒቕና ትብሉ ተሃሊኹም ግን እሞ ድማ፡ በሪ ኣብ ኢድኩም እንከሎ ኣታኣውዩና ትብሉ ትሃሊኹም፡ ንምእዋይ ኣይንሓምቕን ኢና፡ ከነታ ኣውየኩም ኢና፡ እተ እቲ በትሪ ግን ንስኹም ትራይ ነቲ ኣብ እግርኹም ዘሎ ገበል ከተራኻኽብሉ ስለትኽእሉ፡ ንሕና ብበትሪ ክንሕግዝ ከጸግመና ኢዩ።
ነዚ`ውን ፍርሒ ኣይትሕሰብዎ ወይ ዘይሓገዝ ኣይትሕሰብዎ፡ ግን ቦታን ውቕያኖስን ይፈልየና ስለዘሎ፡ እቲ በትርኹም ኣስርሕዎ ካብ ምባል ካልእ ክንብሎ ንኽእል ተወዲኡና ኢዩ።
ኣቱም የሕዋተይ፡ ሕፈሩ በትርኹም ተዘይኣስሪሕክሞ ናህና በትሪ ውሱን ኢዩ፡ በቲ ብደምሒት ትጽቐጡን ትግለፉን በቲ ብህግደፍ፡ ስለዚ ሎሚ ተወዲኡና ኢዩ፡ ናትኩም ግደ ኢዩ ተሪፉ፡ ግዴኹም ድማ ከም ተመን ዕዳጋ ነቲ ብዘይሕግን ደግን ዝ ኣስርን ዝቐትልን ዘሎ፡ ጭፍልቕልቕ ብምባል፡ ሓርነትኩምን ሓርነት ህዝብኹምን ከተውሕሱ ይግባእ። ካብኡ ሓሊፉ ወረደ ተረፈ ብምባል ሞራልና ኣይተዋድቕዎ፡ ሎሚ ካልእ ዜና ክንሰምዕ ዜና ሓርነት እምበር፡ ዜና ከደ ደየበ ክንሰምዕ ድሌትን ግዜን የብልናን።
ሓውኹም ኣርዓዶም ወዲ ሒሎ !
AHMED SALEH July 21, 2015
Araadom
The product of Issayasim can’t be fixed unless he disappeared from their sight . I think
he succesfully programmed their mind to take full control . For many years we heard
complaints from every corner of the country and no attempts for action except whining .
How that happened frustrate us all . Why our people ignore surrounding facts is also
difficult to believe . Blaming Issayas without questioning our failure couldn’t solve
national issues . Our people need to change first before the anticipated change in
sociopolitics of our country occurred otherwise ……. (wecho integhelbetkaya wecho)
goes the saying .
efrem July 21, 2015
ዝኸበርካ ኣርዓዶም
ህግደፍ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ዩ ዘመልክት እኮ፡ እዚ ድማ ህዝቢ ክፈልጦ ኣለዎ። እዚ አንተፈሊጡ ዩ ድማ ህዝቢ ነቲ በትሪ ክጥቀመሉ ዝኽእል።
ወደሓንካ!
ኤፍርም
titi July 20, 2015
Meas ke tiena tfeltlu kulu gzie weldaf
titi July 20, 2015
Nsu dea zeyxedif wed sheyatit entatie
Brahmin Idris July 20, 2015
Kk yajemea issayas tezenabiluwos neakatkum Kaman yezenablekum alo kkk bitinqulhaz mismetsaka etirekbo gezawuty megarh wey dima keren lailay tsegam tekhedka dima gezabanda deamber gezawereqet aykonen kkk kabty nay issayas wereqet tenbibu keytihluwu
Arre July 20, 2015
Dead on Aradom!
Samson July 20, 2015
Present-day Eritrea is not the inevitable result of Ghedli. It is not even the inevitable result of Shaebia. Present Eritrea is the result of choices made by Isaias Afewerki and the Eritrean people during the struggle and after independence.
DIA may look old and weak but his oppositions are far weaker and more corrupted for comfort and to represent or to take over in poor Eritrea. Critical and decisive times are coming/approaching for mother Eritrea and Eritreans.
Mr Aradom dead right and very well said sir, the big question is how long for and WHY getting excited and celebrating with small news? The big question and the big preparation should be on WHO is going to take over from the devil DIA?
Tes July 21, 2015
Samson,
Dear brother with due respect i disagree with your assessment of opposition as weak. What I see on that is a wide spread way of making an excuse. Opposition is not a monopoly taken by few. You and me are equally stakeholders of the country. If the oppositions are weak then have you asked yourself what have you done to make it strong or have you try other option or you are waiting for them to finish the job. To say Oppositions are weak you have to engage first. why do you look at some groups to sort all the ills of the country. Just pointing finger to others show your unwillingness to engage yourself. To remind you they are not paid politicians, they are volunteers and they are doing what they can for free on top their daily job. Let us do what we can for the good of our people than belittle others. If you are not happy to work with existing opposition, it is easy to find like minded individuals and create your own group otherwise don’t exclude yourself for the missed opportunities for changes. Without getting into detail every individual was/is responsible for elevating the life of our people and to find a solution
As for this news to be describe as small, may be for you but it is a very big news for many. It shows the caliber of the head of state. Yes the man is insane who took a very demanding job to lead a nation. If he is in capable of delivering few minutes speech in national TV then how on earth do you expect him to manege state affair on behalf of the citizen? So my friend this is a big news. On top of that it shows smartness of the opposition to expose the weakness of the regime and show in glaring light.
AHMED SALEH July 21, 2015
Tes
Yes , the opposition is weak . But only distance observers like to play games of
blame and accusation . If we recognize the needed participation which in fact
is national obligation , we might take resonsibilty for our own failures . We
refuse to engage in social and political matters to hand over power unconditionally
in first place from beginning of day one .
Remeber the time our people gave deaf ears to those who try send messages to
warn the dangers in progress . The same characters of mistrust based on lack
of self confidense has been our own made enemy .
AYNKHNISERH AYNKENESRH AB GOLGOL TETELI’EKA MIUWAY TIRAH
KHOYNA TERIFNA INTE BELNA KAB HAKI ZIREHAKE AYKONEN .
Regardless the struggle will continue with patriotic front runners as usual as
it should be . And it looks the limit started to get close to its turning point .
tom July 21, 2015
mr aradom pls go and a’redo .bjaka zetredlna ika.