Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ይኣክል! ኢሳይያስ ክእለ ኣለዎ!!

ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ                                           አ ዕላማ  እዚ ጽሑፍ’ዚ በቲ ንነብሱ ባዕሉ ከም መራሒ ሃገር ዝሾመ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ

ፕሮፈሶር ኣርኣያ ደበሳይ                                           አ

ዕላማ  እዚ ጽሑፍ’ዚ በቲ ንነብሱ ባዕሉ ከም መራሒ ሃገር ዝሾመ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘይዲሞክራስያዊ መንግስቲ ንምቕያር ዝበቅዕ ስነሞጎት ምቕራብ’ዩ። እዚ ሰብ እዚ ቅድሚ ሕጂ ንዝጸደቐ ቅዋም ምትግባር  ሓንጊዱ ንህዝቢ ዝገበሮም መብጽዓታት ስለዝጠለመ፡  ክእመን ኣይክእልን’ዩ።  ንሃገርና ን27 ዓመታት  ኣዕንዩን  ኣብሪሱን ክነሱ፡  ዳግም ንህዝቢ ረብሓ ዘየምጸአን ንጹር ናይ ሰላም ሃዋህው ዘስፍን መንገዲ ዘይብሉን ህዉኽ ናይ ሰላም ስምምዕ  ምስ ኢትዮጽያ ብምፍራም ዶቡ ዝጠሓሰ ስጉምቲ ወሲዱ።  ኤርትራውያን በሃግቲ ሰላም ከም ሙዃንና መጠን ኢትዮጽያ ንዉሳኔ ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ ኩነት ከተተግብሮ ምስምማዓ ሕጉሳት ኢና። እንተኾነ ኣብ ናይ ኣሜርካ ዑደቱ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጽያ ዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ ጉዳይ ምምልካት ዶብ ኣብ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተገብረ ዝርርብ ከም ዘይተላዕለን ኣገዳሲ ኣርእስተ ጉዳይ ከምዘይኮነን ኣነጺሩ ገሊጹ’ዩ። ጉዳይ ምምልካት ዶብ ንኢትዮጽያውያን ኣገዳሲ ዛዕባ ዘይኮነ ክኸውን ይኽእል’ዩ፡ ኤርትራውያን ግን ንዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጽያ ካብ ተወሪሩ ዘሎ ሕጋዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ እዩ ማለት’ዩ ብዝብል ርድኢት ጥራይ’ዩ ጸንቢልዎ። ብዓቢኡ ንቡር መነባብሮ ህዝቢ ኤርትራ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ፡ መሬትና ክሳብ ተወሪሩ ዘሃለወን ዶብና ዘይተሓንጸጸን ምስ ኢትዮጽያ ኣብ ኩናት ኢና ዘለና ብዝብል ብ ኢሳይያስ ዝመጸ ምስምስ’ዩ። ብተወሳኺ’ውን በቲ ሓደ ወገን ናይ ሰላም ተበግሶ ብሓጎስ እናተቐበለ፡ ምስ ህዝቢ ትግራይ ነባሪ ጽልኢ ዝፈጥር መርዛም ዘረባ ኣብ መግለጺኡ ኣጠቓሊሉ’ዩ።

ስለዚ ንኢሳይያስ ኣብ ሃገርና ዝበኣሰ ዕንወት ክፍጽም ኣይነፍቅደሉ። ብንጹር ኣዘራርባ፡ ብውሁድን ንጹርን  ድምጺ  – ይኣክል !!! ብምባል ናይ ምውራዱ ግዜ ከምዝኣኸለ ክንነግሮ ኣለና። ጭርሖ ናይ ኣብ ዕለት 31 ነሓሰ ኣብ ጀነቫ ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ’ውን እዚ ክኸውን ኢለ’የ ዝኣምን።

ናጽነት ሃገርና ድሕሪ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲን ዋጋ መስዋእትን መውጋእትን ብሉጻት ዜጋታትን እዩ ተረጋጊጹ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ እቲ ኩሉ ዝተኸፍለ ዋጋ ፡ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ናይ ምትካል ሕልምና ከግህድ ኣይከኣለን።

ኣብ ትሕቲ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ናይ ኤርትራውያን ሂወት መሪርን ዘይጽወርን እዩ ኮይኑ ጸኒሑን ዘሎን። ኢሳይያስ በቶም ካብ ሕሰም ዝመልኦ ኩነታትን ገደብ ዘይብሉ ዕስክርናን ንምምላጥ ኣብ መንገዲ ሂወቶም ዝሰኣኑ መንእሰያትን ህጻናትን ተሓታቲ’ዩ። ካልኦት ብዙሓት ኤርትራውያን’ውን ኣብ መንገዲ ብተመልከተለይ ክቕተሉ ከምዝኽእሉ እናፈለጡ ሂወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም’ዮም። ኢሳይያስ ብኹሎም ኣብ ኢድ ጨካናት በደዊን ወዲቆም ዝተሓተትዎ ዓቐኑ ዝሓለፈ ብዝሒ ገንዘብ ክኸፍሉ ብዘይምኽኣሎም ብዘይምሕረት ዝተቐትሉን ክፋል ኣካላቶም ዝተሸጠን’ውን ተሓታቲ’ዩ። ጭካነ ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝሓሸ ኣተሓሕዛ ጥራይ ዝሓተቱ ናይ ኩናት ስንኩላን’ከ ከመይ ጌርና ክንርስዖ ንኽእል? ነቲ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝጥሓሉሉን ኣብ ሃገሮም ብንቡር ሓመድ ምልባስ ዝተኸልከሉሉን ዘሕዝን ፍጻመ ላምፔዱሳ’ኸ ከመይ ጌርና ካብ ኣእምሮና ንሓኮ? ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተፈጸመ ዝተተሓሓዘን ብደረጃ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ዝርአን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወረደ ግፍዕን ኣደራዕን ብሰፊሕ ሰኒዳቶ ኣላ። ብዘይውልውል ከኣ ኢሳይያስ ከምቲ ዝተኸሰሶ ገበነኛ’ዩ።

ናይ ባድመ ኩናት ኣብ ናይ ዘተ ጠረጼዛ ክፍታሕ ዝኽእል ነይሩ ክንሱ፡ ኢሳይያስ በከም ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ርዋንዳን ካልኦት ሃገራትን ዝቐረበ ናይ ዶብ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ዝተገብረ እማመታት ነጺጉ ናብ ትርጉም ዘይብሉ ኩናት ከምንኣቱ ገይሩና።  ነቲ  ኩነታት ብቐረባ ዝፈልጡ፣ ኣብ ናይ ዶብ ግጭት ዝተሰወኡ፣ ካብቲ ኢሳያስ ዝኣመነሉ 19,000 ንላዕሊ ምንባሩ ይሕብሩ።   እታ ብሶቭየት ሕብረት ተመዊሉን ብናይ ሶቭየት ሕብረትን ኩባን ሰራዊት ተደጊፉን ዝገጠመ ሰራዊት ኢትዮጽያ ብጅግንነት ብምስዓር ኣብ ዓለም ናእዳ ዝረኸበት ሃገር ብሰንኪ ሃንዳፍ ውሳነ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ኣብ ባድመ ተደፊራ። ዝጸደቐ ቅዋም ከየተግብር ክብል ንናይ ሰላም እማመታት ናይቲ ዶባዊ ግጭት ይነጽጎ ከምዝነበረ ዳርጋ ኩሉ ዝሰማማዓሉ ነጥቢ’ዩ። ቅዋም እንተተተግቢሩ ዕምሪን መዝነትን ስልጣኑ  ከምዝድርቶ ይፈልጥ ነይሩ’ዩ። ኩሎም ውልቀ-መለኽቲ ስልጣኖም ዝብድህን ዝድርትን ዝኾነ ይኹን ነገር ኣዝዮም እዮም ዝጸልኡ። ኢሳይያስ ከኣ ዓለምና ካብ ዝረኣየቶም ዝሓሰሙ ውልቀመለኽቲ ሓደ ሙዃኑ ተመስኪሩ’ዩ።

ብተወሳኺ፣ ኢሳይያስ ምስ ጎረባብትና የመንን ጅቡቲን ብረታዊ ግጭት ቀስቂሱ፡ ዝምድና ኤርትራ ምስታ ንብረታዊ ቃልሲ ናጽነት ዘይተቖጠበ ደገፍን መድረኽን ዝሃበት ሱዳን ከኣ ሓደ ግዜ ኣብ ዝበኣሰ ደረጅኡ ኣብጺሕዎ’ዩ። ኣብ ሶማል ዘይምርግጋእን ንምፍጣር ንሽበራዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ብምድጋፍ’ውን ተኸሲሱ’ዩ።

ኢሳይያስ ብዝተገብረሉ ዘየመስግንን ሰብ ከምሙዃኑ መጠን ንብዙሓት ከም ዳን ኮነል፣ ሮይ ፓትመንን ካልኦትን ዝኣመሰሉ ንጅግንነት ኤርትራውያን ኣብ ቃልሲ ናጽነት ኣቓልቦ ዓለም ክረክብ ዝገበሩ ብፍላይ ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ወጻእተኛታት ደገፍቱን ተደናገጽቱን ናብ ጸላእቲ ቀይርዎም’ዩ።

ኣብ ቃልሲ ንናጽነትን ብጅግንነት ዝተዋግኡን ዘዋግኡን ድሕሪ ናጽነት’ውን ከም ኣባላት ካቢኔ ኮይኖም ዘገልገሉን ጀጋኑ ኤርትራውያን ንናይ ውልቀመላኽነት ዝንባሊኡን ንትርጉም ዘይብሉ ናይ ዶብ ኩናት ናይ ምቕስቃስ ውሳኒኡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ስለዝበድህዎ ጥራይ ኣብ ዝኸፈእ ማእሰርቲ የብልዮም ኣሎ። ገለ ካብዞም ገዳይም ተጋደልትን ኣባላት ካቢነን ብሰንኪ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ጉድለት ግቡእ ሕክምናዊ ክንክንን ሂወቶም ስኢኖም ክትሰምዕ ብሓቂ ልብኻ ዝሰብር’ዩ። ኢሳይያስ ንሓያለ ኣሰናዳእትን ኣዳለውትን ብሕታውያን ጋዜጣታትን ኣባላት ፕረስን ድምጾም ክዕፍን ኣብ ማእሰርቲ ዳጒንዎም ይርከብ። በዚ ከኣ ኤርትራ ካብተን ውሑዳት ኣብ ዓለም ነጻ ፕረስ ዘይብለን ሃገራት እያ። ኢሳይያስ ንብዙሓት ኤርትራውያን’ውን ብሰንኪ ወንጌላዊ እምነቶም ጥራይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበልዩ ይገብር ኣሎ።

መንግስቲ ኢሳይያስ ኣብ ዓለምለኻዊ መርኸቢ ብዙሓን ከም ሓደ ካብትኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ኣዝዮም ጨቆንቲ ስርዓታት እዩ ዝግለጽ። ሃገርና ኤርትራ’ውን ብመጠን ዕብየታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ስደተኛታት ተፍሪ ሃገር ዝብል ናይ ሕስረት ቅጽል ከምትወሃብ ኮይና እያ። ብዘይካ ኢሳይያስ መን ነዚ ክፉእ ስም ናይ ምቕበኣ ሓላፍነት ክስከም ይኽእል? እዚ ኣብ ልዕሊ ጽላት ቱሪዝም ሃገርና’ውን ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋ ጌሩ እዩ። እታ ምጭውቲ ወደባዊት ከተማና ምጽዋዕ ምስ ኩሉ ናይ ኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን በጻሕቲ ናይ ምስሓብ ዓቕማ ሰባን መልኣኻ ዝሃደማ ከተማ ከምትኸውን ኮይና ገረውረው ኢላ።

ቁጠባ ኤርትራ ኣብ ሕንፍሽፍሽ እዩ ዘሎ። ሽቕለት ኣልቦነት’ከኣ ብኡ መጠን ሳዕሪሩ’ ኣሎ። ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ካብ ኣብ ወጻኢ ሃገር ብዝርከቡ ኣባላት ስድራቤተን ብዝስደደለን ገንዘብ እናተናበያ፡ ብዙሓት ኣብ ውጻኢ ሃገር ሰብ ዘይብለን ስድራቤታት ከኣ ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማተን ብስቕታ ይሳቐያ ኣለዋ። ህንጻታትን ጽርግያታትን ዝኣመሰለ ዝርካቡ ትሕተ-ቅርጺ ኤርትራ ኣብ ዘሕዝን ደረጃ ዕንወት ይርከብ። እተን ኣብ መጀመርታ ናይ ናጽነት ዓመታት ዝተበጋገሳ ንኣሽቱ ናይ ብሕቲ ትካላትን ፋብሪካታትን ሕጂ የለዋን። ብስምዒት ከበርክቱ ንሃገሮም ተመሊሶም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰብ ርእሰማል በቲ ዘይፍትሓውን ንትካላት ህግደፍ ቀዳምነት ዝህብን ፖሊሲታትን ስጉምትታን መንግስቲ ኢሳይያስ ተስፋ ቖሪጾም ነናብ ዝመጽሉ ሃገር ተመሊሶም። ብዙሓት ኤርትራውያን ነጋዶ ኣብ ዓዶም መድረኽ ምስ ሰኣኑ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቓ፣ ኤውሮጻን ሰሜን ኣሜርካን ዕውታት ኮይኖም ኣለዉ። ቁጠባ ኤርትራ ካብዞም ዕዉታት ኤርትራውያን ነጋዶ ክረኽቦ ዝኽእል ዝነበረ ረብሓ እሞ ንሕሰቦ።

ኢሳይያስ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ዝተለገሰ ሓገዛት ርእሰ ምርኮሳ ብምምኽናይ ተሓሲምዎ። እቲ ሓቂ ምኽንያት ግን እቶም ለገስቲ ዝሓተትዎም ከም ግቡእ ምሕደራ፣ ተሓታትነትን ቅዋማዊ ሕጋገን ዝኣመሰሉ ጠለባት ዝከማልእ ስለዘይደለየ እዩ። እታ ሃገርን ብዘይካ ዘይሕጋዊ ናይ ግዱድ ዕስክርና ናጻ ጉልበት ብምጥቃም ዝተኸሰሳ ናይ ዕደና ትካላት ካልኦት ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክትስሕብ ዘይመኽኣሊኣ ምኽንያት’ውን ካብኡ ዝፍለ ኣይኮነን። ከም ውጺኢቱ ከኣ እተን ናይ ዕደና ትካላት ዛጊት ንተራ ኤርትራዊ ገለ ረብሓ ኣብ ዘይምጸአ ማዕድናት ኤርትራ ናይ ምጉሕጓሕ ንጥፈታት ተዋፊረን ኣለዋ።

ኢሳይያስ ንትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ኤርትራ ኣዕንይወን እዩ። ኤርትራ እታ ኣብ ግዜ ናጽነት ዝነበረታ ዓለምለኻዊ ተፈላጥነት ዝነበራ እንኮ ዩኒቨርስቲ ድሕሪ 27 ዓመታት ድሕሪ ናጽነት ከሲራታ ትርከብ። በንጻሩ እታ ኣብ ግዜ ናጽነት ሓሙሽተ ዩኒቨርስታት ጥራይ ዝነበረኣ ጎሮቤት ሃገር ኢትዮጽያ፡ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብመንግስትን ብግልን ዝውነና ሚእትን ሓምሳን ሸሞንተን ዩኒቨርስታትን ኮለጃትን ኣለዋኣ። ኢሳይያስ ነታ እንኮን ሓቀኛን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዘፍረሰሉ ምኽንያት ካብ እኩባት ተመሃሮ እታ ዩኒቨርስቲ ክመጾ ዝኽእል ምልዕዓልን ናዕብን ስለዝሰግአ ጥራይ እዩ። ኩላትና ነቲ ልዕሊ 2,000 ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ነቲ ኣብ ናይ 2001 መመረቕታ ተመሃሮ ብዝሃቦ መደረ ዝተኣሰረ ፕረዝደንት ማሕበር ተመሃሮ ክፍታሕ ብዝገበርዎ ሰላማዊ ሰልፊ ንመቕጻዕቲ ናብ ዊዓ ዝተሰደደሉ ግዜ ንዝክሮ ኢና። ብውልቀይ እኳ ኣብቲ መመረቕታ ተመሃሮ ክሳተፍ ተዓዲመስ ነቲ ዝሃቦ መግለጺ’ውን ክሰምዖ ዕድል ረኺበ ነይረ። ግናኸ ገለ ቅር ዝብል ነገር እኳ ኣብቲ መደረ ኣይረኸብኩሉን። ገለ ካብቶም ኣብ ዊዓ ዝተኣሰሩ ተመሃሮ ብክቱር ሃሩር ሂወቶም ስኢኖም እዮም። ኣብ ፈለማ ናጽነት’ውን ኢሳይያስ ንዘይፍትሓዊ ምስጓግ ናይ ልዕሊ 33 መመሃራን ዩኒቨርስቲ ዝወሰዶ ውሳኔ ነቲ ብጽቡቕ ዝስጉም ዝነበረ ዩኒቨርስቲ ዓቢ ሃስያ ኣውሪድሉ እዩ።

ኢሳይያስ ንህዝቢ ኤርትራ ከዳኽምን ክበታትን ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ንዝተፈላልዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ሃይማኖትን ኣውራጃን ኣንጻር ነንሕድሕዶም ከምዝለዓሉ ዝገብር ኣመራርሓ እዩ ተኸቲሉ። ከም ውጽኢቱ ከኣ ካብ ዝኾነ ጉጅለ ክመጾ ዝኽእል ከቢድ ብድሆ ናጻ ኮይኑ ንህዝቢ ብጭቆና የመሓድር ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ፣ ኢሳይያስ መሬትና ክሳብ ተወሪሩ ዘሃልወን ዶብና ዘይተሓንጸጸን ምስ ኢትዮጽያ ኣብ ኩናት ኢና ዘለና ብዝብል ምስምስ ንሃገርና ንዓሰርተ ሸውዓተ ዓመት ጅሆ ሒዝዋ ጸኒሑ። እቲ ዝኣወጆ ናይ ኣይሰላም ኣይኩናት ኩነታት ንዝተነደፈ ቅዋም ከየተግብርን ዕድመ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንዘይተወሰነ ግዜ ከናውሕን ጽቡቕ መመኽነይታ እዩ ኮንኑሉ ጸኒሑ። ሕጂ’ውን ብኢሳይያስ ተፈሪሙ ዘሎ ናይ ሰላም ስምምዕ ዘፍርሕ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ድሕሪ ኣብ ናይ ኢትዮጽያ ዑደቱ ዘርኣዮ ዘይንቡር ባህርያትን ዘይዲፕሎማሲያውን መግለጺታትን ምዕዛብ ንናጽነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳ ከየውርዶ ስክፍታታቶም ገሊጾም እዮም። እቲ ኢሳይያስ ኣብ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምብጽሑ ዝሃቦ ዘይዲፕሎማስያዊ መግለጺታትን ዘርኣዮ ሕንከት ዘይብሉ ባህርያትን ኣብ ደገፍቱ ዝርከብዎም ሓይሎ ኤርትራውያን ናይ ውርደትን ቁጥዐን ስምዒታት ኣለዓዒሉ’ዩ። ንኢሳይያስ ብኸቢድ ዋጋ ንዘረጋገጽናዮ ልኡላውነትና ክጣላዕ ኣይነፍቅደሉ። ስለዚ ከኣ ቅልጡፍ ስጉምቲ ብምውሳድ ንኢሳይያስ ኣብ ሃገርና ዝበኣሰ ዕንወት ከየውረደ ከሎ ደው ነብሎ። ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ኤርትራውያን፣   ብቕዓትን ኒሕን ተመኩሮን ዘለዎም፣ ኩሉ ዝከኣል መንገድታት ብምጥቃም ንኢሳያስን ምልካዊ ስርዓትን ንምውጋድ ዝመርሑ ዓለምለኻዊ ወከልቲ ንምረጽ።

ኩላትና ይኣክል!!!  ኢሳይያስ ክእለ ኣለዎ!!” ክንብል ይግበኣና።

 

ዓወት ንሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና

 

ነሓሰ 13, 2018.

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Temesgen August 19, 2018

    K’bur Prof Araya Debessay,
    Great educational article as usual and thank you k’bur prof Araya D.
    I loved and admired so much your last article mentioning about our natural allies and cousins being the Tigrayans.
    Please continue your positive contributions/inputs as often as you possibly can, thanks again k’bur ayay prof.
    You will be my first and only choice as president of the next free and democratic Eritrea. God bless you.

  • Samuel August 19, 2018

    አወ ሕጅያ አታ ግዜ ነዚ ስታይ ደም ምኣላይ
    ግን በጃኹም ብዉሽቲ ለዉጥ ንድለየሉ በቢ ኣዝማድና ጌርና ካብቶም ምሳኡ ጥቡቅ ርክብ ዘለኣኦም

  • Ghebrejohannes Anghesom August 19, 2018

    ፕሮፈሶረ !! ኢሰያስ ክእለ ኣለዎ ኢልና ካብ ንጭርሕ መዋእል ኮይኑ።መን ኢዩ`ሞ ዝኣልዮ ? ኲልና ኤርትራውያን ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ፈተውቲ ነፍስና ስለዝኾንና ብኣፍ እነተዘይኮይኑ ብተግባር ዝዋሳእ ኣይተረኸበን።“እተን ኣሓን`ሞ ወሲዶምወን ጸርፍን ከኣ ዝግደፍናሎም የብልናን ኮይኑ ናትና ነገር “።ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣምላኽ መዋጽኦ ይፍጠረልና !

    • Gedamu September 3, 2018

      Indeed, let God help the Eritrean people because the opposition have let down the people.

  • Mahare August 22, 2018

    Respectfully Pro. Araya Debesay.

    The article has so many national pride and condemnation of ruthless, blood thirsty Isaias. I learn a lot on this detailed message to our Eritrean fellow. I appreciate your fond, gratitude upon new generation. I read, reread huge articles, fellow videos, protesting, demonstrations diaspora opposition against the one that break our values into pieces-the alcoholic aloof satanic soul. And I felt one exeperince which many brilliant mind lacked to implement . Here it is,,,,,

    First for most Isaias showed his true identity after so many hidden decades. Despite few deluded, most of us got understood clearly that he wasn’t one of us.

    Like you mentioned he brought us in misery, anguished sprite and diminished our good will attitude last 27yrs. And now,,,,, why diaspora opposition doesn’t have worthy calculated, plotted plan . Ideas that circulated last 27yrs also made us sick to read, listen and watch sad conspiracy of Isaias . Why can’t professors, brilliant mind Eritreans lacked courage to implement genuine assassin on him. . Instead of organizing demonstrations, protest, reckless, fruitless meeting in Geneva, London, Toronto ,DC, Addis,,,why they didn’t stop this for two reasons.
    1. Demonstrations no more effectively affect his nation-gambling because he is hired/cooperate by people whom we want them to recognize our demonstration tomorrow
    2. Demonstrations are out of date-very very simple. We did it hundred times what was the result nothing but equal to zero. So then what are the real question to be answered.

    Dear professor We the 20th,30th youth generation have balls, courage, energy but mind got polluted with raw politics. We need your mind and we donate our balls truly who can come I am definitely confident your mind can hire few brave Eritrean that can implement well studied assassin -.result will be delivered in 2018. Collect, study geographical plan, hired who can cooperate and turn all these flow out finance into meaningful action. Stop well smooth words, stop articles that has nothing but repetitive last 20years,,,we are sick brainwashed by these articles echo because we are running out of time.

    instead of wasting an enormous of time in Geneva , end of this month why we can’t turn that amount of time, togetherness and finances to plot him out in next week Addis Abeba anticipated visit and free our people who still burn their flesh in harsh prison.

    He is coming out of his box-Eritrea so often . If Eritrean psychology came out and tell us current state mind of Isaias . They say this” he feel he is in control of horn Africa to make peace at his own image for that he will visit all around countries . He has desire of self recognition and dismantling his former sick enemies-like he did brilliant hero Eritrean humble martyres “ so then we need to run after him assassinte At any price- huge finance capabilities can alter any misfortunate hard headed Africa security officers. It so stupid, disrespectful on you but I love my nation as you do. Unfortunately sick, unable to live when promises of our martyres vanished in the pocket of ruthless dictator. Slid our organs he said they are not Eritrea-Enough is enough. Stop stop meeting after meeting got get him .after that we need your mind , ideas, principles to reform our civil society, education system that torn apart , forgiveness, justice and implementing constitution. I not good enough to pretend with falsely criticism. I would willing to pay the price to get ride him if genuinely found trustworthy that has clean record as opposition.

    Tolerate our difference for the sake of change. Forgive me . Crying, burn your stomach every morning because we heard death of Eritrean every hour . Mourn mourn where ever-aren’t we sad deeply.

Post a Reply to Temesgen Cancel Reply