የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ነቢዑ!!
የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ነቢዑ!! ኣንቱም ኣሕዋት በቃ ጽሕፍቶና ንሞትን ከልበትበትን ስደትን ኮይኑ፡፡ ኤርትራዊ በቃ ንሞት ብዕጭኡ ተረቲዑ፡፡ እንታይ ኢዩ ኣበሳና᎒ ኣብ ክንዲ ቦኽርን ሕሳስልደን ንስለ ናጽነት ስለ ኤርትራውነት
የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ነቢዑ!!
ኣንቱም ኣሕዋት በቃ ጽሕፍቶና ንሞትን ከልበትበትን ስደትን ኮይኑ፡፡ ኤርትራዊ በቃ ንሞት ብዕጭኡ ተረቲዑ፡፡ እንታይ ኢዩ ኣበሳና᎒ ኣብ ክንዲ ቦኽርን ሕሳስልደን ንስለ ናጽነት ስለ ኤርትራውነት በጃ ዝኸፈልና፡፡ ኣብ ክንዲ ኣደ ሓሙሽተ ኣርባዕተ ወላድ መኻን ዝኾነት፡፡ ኣብ ክንዲ ዝርካብና መጢና ሃገረይ ዝበልና፡፡ ኣብ ክንዲ ንዓለም ገረሞ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝኸፈልና፡፡ በሪእ! ክንድቲ ንናጽነት ንብዓት ሓጎስ እናነባዕና እልል እናበልና ዝተቐበልናያ ጥራይ ዘይኮነ ሕልፊኡን ዕጽፉን ንሓዝንን ንጉህን ኣለና ኤርትራውያን፡፡ ብሰንኪ ከይሲ ኢሳይያስን ጓሓፍ ጉጅልኡን፡፡ ዘይ ከም ውዕለትናን መስዋእትናን እሾኽ መርገም ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ኣብታ ንፈትዋን ነፍቅራን ሃገርና ኤርትራ ከም ዋዛ ዋዛ ቦቒሉ ሱር ሰዲዱ፡፡ ዓለም ብዓለሙ እናሓዘነ፡ መዛረቢ ኩሉ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይና ናይ ሓዘን ጸሎት እናተገብረ፡ ዜጋታተይ ኢሉ ዝዛረበልናን ዝሓዝነልናን ዝጣበቐልናን እውን ስኢና፡፡ ኣረ እንታይ ኢና ንኸውን ዘለና፡፡ ልዕልዚ ትራጀድያዊ ቅዝፈታት እንታይ ክሳብ ንኸውን ኢና ንጽበ ዘለና፡፡ በቃ ዘዝተወለደ ንጊልያነት ሳዋ፡፡ ዘዝወጸ ንባሕሪ፡ ዘዝዓኾኸ ኣብ ሲናይ ኣምዑቱ ክዝልዘል፡፡ ልዕሊ እዚ ትራጀድያዊ ቅዝፈታት ስርዓት ደርግን ሃይለስላሰን እንታይ ኢዮም ገይሮምና፡፡ ንሶምሲ እኳ ኣብኡ ዘፍለጠ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየናን ዝጨርሑ ኢዮም፡፡ ናይዚ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ እናበለ ስርዓታት ሃይለስላሰን ደርግን ዝጨርሕዎ ጭረሖ ርእዮ ብርእዮ ዘተግብር ዘሎ ከይሲ ኢሳይያስ ከ እንታይ ኢዩ ክበሃል፡፡ በጃኹም ንበራበር ኣሕዋት፡፡ ብህልኽን ቅርሕንትን ንሕድሕድና ተተፋኒና ኢሳይያስ ዝሰረሖ መጥፍኢና በሊሕን መርዛምን ላማ እናሓረደና ኣይንውሓጦ፡፡ ይኣክል ንበል ይኣክል፡፡ እንተ ተፋቒርና፡ እንተ ተረዳዲእና፡ እንተ ተኸባቢርናን ተሓላሊናን ኤርትራ ሕልፍን ትርፍንያ ንዓና፡፡ ሓቂ ብሓቂ የዒንትና ጥራይ ዘይኮነ ልብና ውን ደም ይነብዕ ኣሎ ኤርትራውያን፡፡
ሎሚ ተስዓን ትሽዓተን ሚእታዊት ሓደጋ ኢዩ፡፡ ሓንቲ ሚእታዊት ግን ከም ዕድልካ መሕለፊ ኣላ እንተሰሚዑ፡ ተዓሚቱ ዘይኮነ የዒንቱ ቋሕ ኣቢሉ ብድፍረት ዝኣቱ ፍጡር እንተሃልዩ፡ ኤርትራዊ ጥራይ ኢዩ፡፡ እንታይ ክገብር በቃ እንተኾነሉ ጸቢብዎ ጨኒቕዎ፡፡ ኣብ ሃገሩ ምንባር ስለ ዝተሓረመ መቐረት ምንባር እንታይ ምኻኑ ክርእን ክፈልጥን፡፡ ኣብ ሃገሩ ባርያ ስርዓት ህግደፍ ስለ ዝኾነ ኣብ ዓዲ ጓና ተሰዲዱ ንእሽቶ ናጽነት ከስተማቕር፡፡ እምበር መኣስ ዓዱን ሃገሩን ጸሊኡ፡፡ እምበር መኣስ ማእከላይ ባሕሪ ኣማኢት ኣሽሓት ኣሕዋቱን መተዓብይቱን መማህርቱን ከም ዝቐዘፈ ጠፊእዎ፡፡ እምበር መኣስ ምድረበዳ ሲናይ እዚ ውን ይሓልፍ እናበሉ ብስሕለት በደዊን ኣሕዋቱን መቕርቡን ከም ዝተዘልዘሉ ተሰዊርዎ፡፡ በቃ ዓቕሉ ጸቢብዎ፡፡ ተስፍኡ ጸልሚቱን ማህሚኑን፡፡ ተስፋ ዝቖረጸ ንሓደጋን ፈተናን ኣይፈርህን ኢዩ፡፡ ሎሚ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ ተኾርሚኻ ሞት ኣሳፊሕካ ሞት ሓዲድ ተስፋ ምቑራጽ ኢዩ ተንጠልጢሉ ዘሎ፡፡ ̋በጃኻ ግደፈና ሞት መልክዕ የብሉን ፡፡ እንተስ ክንሰግር ሓደው ክንጥሕል ንፍትን፡፡ ኩሉ ሞት ኢዩ ከይፈተንካ ሞት ግን ናይ ሞት ሞት ኢዩ፡፡˝ ክብሉኻ ክትሰምዕ ስምብድ ኢኻ ትብል፡፡ ሞት ከም ንቡር ተራ ነገር ተቖጺሩ ኣብ ኤርትራዊ መንእሰይ፡፡ ስለምንታይ ግን ክሳብ ክንድዚ ዕዉር ድፍረት᎒
ብኣንጻሩ ኤርትራዊ መንእሰይ ይጸንት ይሃልቕ ኣሎ፡፡ ኣውያት ኤርትራውያን ኣሕዋት ካብ ምድረበዳ ሲናይን ምድረበዳ ሰሃራን ማእከላይ ባሕርን የቃልሕ ኣሎ፡፡ ሃገር ትባድምን ትበርስን ኣላ፡፡ ስደት ድማ ግዝያዊ ፍታሕ እምበር ነባሪ መፍትሒ ኣይኮነን፡፡ ስለ ዝኾነ ነባሪ ፍታሕ ክርከብ ህግደፍ ተሓግሒጉ ክእለይ ኣለዎ፡፡ ኣብ ክንዲ ንርሑቕ ስደት ምምዕዳው ተቓሊስካ ህግደፍ ምእላይ ኢዩ እቲ ፍታሕ፡፡ ዝብል ሓሳብን ምኽርን ኣብ ትህበሉ ሒደት ዘይኮነ ቁጽሪ መንእሰይ ክላእ ግደፈና፡፡ ምስመን ኮይንካ ቃልሲ ክብል ክትሰምዖ መዓንጣ ከብድኻ ኢዩ ዝቐርጽ፡፡
ከምቲ ንኹልና ዝበታትንን ዘጽንትን ዘሎ ኢሳይያስ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝበሎ ማይ ትኸዶ እምበር ኣይመጻካን ኢዩ ስጊንጢር መልሲ ኢዩ፡፡ ቃልሲ ባዕልኻ ብቖራጽ ውሳነኻ ኢኻ ትጅምሮን ተበጋግሶን፡፡ ግድን ካልኦት ደፊኦም ከጀምሩኻ፡ ወይ ኣብ ዝተጀመረን ናብ ዓወት ዝተቐራረበን ክትኣቱን ክትሕወስን ምጽባይ የዋህነት ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም ኤርትራዊ መንእሰይ እታ ዝፈትዋን ዘፍቅራን ሃገሩ እተንድድ ረመጽ ኮይናቶ ኢያ፡፡ ግን ከኣ ስንኩላን ተጋደልቲ ብዓይኑ ክርሸኑ ዝረኣየ መንእሰይ፡፡ ገድሊ ዝመርሑን ምእቲ ሃገር መዋእሎም ዝኸርተቱን ኣቦታቱን ኣያታቱን ዒራ ዒሮ ኣትዮም ክሃልቁ ዝረኣየ ወለዶ፡፡ ዕድመ ልክዑ ኣብ ግልያነት ተቖሪኑ ብምግፋፍን ምእሳርን ዝተኸላበተ ዜጋ፡፡ ነጻነት ከየስተማቐረ ኣብ ባርነት ዝተሞቕሓ ፍጡር፡፡ ኮብሊልካን ስግረዶብ ኬድካን ተባሂሉ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ኣረገውቶት ስድራቤቱ ሓምሳ ሽሕ ክኸፍሉን ክእሰሩን ዝፈልጥን ዝረኣየን ኣብ ብርኩ ዘስተንፍስ ሸባብ፡፡ ህግደፍ ንምልእቲ ኤርትራ ሓንቲ ዓባይ እተስካሕክሕ እስርቤት ክቕይራ ዝርእይ ዘሎ ኤርትራዊ፡፡ ሃሙን ቀልቡን ውልቃዊ ፍታሕ ጥራይ ከናዲ፡ ብዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ ንርሑቕ ስደት ጥራይ ከማዕዱ ክትርኢ ዘሕዝን ኢዩ፡፡ እምበርዶ እቲ ትብዓትን ጅግንነትን ኣቦታትና ኣይጠፈአን ዘብል ኢዩ፡፡
ህግደፍ ኣብ ውሽጢ ዕስራን ሰለስተን ዓመታት ባርነት ንኤርትራዊ መንእሰይ ብቲ እቲ ስርዓት ዝደልዮ ናይ በለጽ ቅኒት ኣቃንይዎ ኣሎ ክትብል ዘድፍር ኢዩ፡፡ ብዘይ ቀልዓለም እውን ህግደፍ ንኤርትራዊ መንእሰይ ጥራይ ዘይኮነ ንኹልና ከምዘይ ንተኣማመንን ከም ንጠራጠርን ገይሩና ኢዩ፡፡ ሕጂ ግን ይኣክል! መወዳእታና እንታይ ከም ዝኸውን ዘሎ ነስተባህለሉ፡፡ ብተደጋጋሚ ጃምላዊ ቅዝፈትን ህልቂትን ኤርትራውያን ዕሸላት የዒንትና ይራይ ዘይኮነ ልብና እውን ደም ይነብዕ ኣሎ፡፡ ዝፈሰሰ ክንሓፍሶ ኣይከኣልን ኢዩ፡፡ ነቲ ገና ሕጂ እውን ክፈስስ ተቐሪቡ ዘሎ ክንከላኸልን ከነድሕንን ግን እቲ ምርጫን ዕድልን ምሳናን ኣብ ኢድናን ኢዩ ዘሎ፡፡ ስለ ዝኾነ በጃኹም እቶም መገዲ ፍርናሽ ብፍርናሽ ልሙጽ ኢዩ፡ ተባሂልኩም ኣስሓኮ ብዘይብሎም ኤርትራውያን ደላሎ ተታሊልኩም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ናብ ልብያ ተጓሪትኩም ዘለኹም ኤርትራውያን ኣሕዋት፡ ነዚ ሓደገኛ ህይወት ዘጥፍእ ዘሎ ጉዕዞ ደው ኣብልዎ፡፡
ንኹሎም እዚ ኣስካኽካኺ ህልቂት ኤርትራወያን ዝኾነ ጥፍኣት ንቤተሰቦምን ንህዝቢ ኤርትራን ጽንዓት ይሃቦምን ይሃበናን እብል፡፡ እግዚኣብሄር ንእሰነቶምን ወጽዖምን ርእዩ ንኹሎም ግዳያት ኣብ ገነት ይቀበሎም፡፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡፡
ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)
belay nega October 9, 2013
ዝነብዕ ልቢ ይትርፍ ዝነብዕ ዓይኒ የብልካን
ንስኻን ክምዚ ክማኻ ብሓሶት መብጽዓ ካብ ገዝአም ዘፋናቀልኩሞም እዮም
“ክጅብ የማያድን የአህያ ባል”
Hzbi October 9, 2013
Belay anta keda’a kobkab wedi shermuta, Eritrea ngzi’au d’ae amber na’aekan wedi kemakan aeytbxhakumn aya, slezkone dma eka hzbi andatecheneke nab tekalesti telagbo zeleka’ta eta wedi rgmti.
ERITRAWIT October 9, 2013
Anta resah belay nega ,u should’t comment about Eritrea and Eritrean people on Eritrean website u and u leader u don’t like deki hager Eritreawian who they really care about there people. what identity crisis do u have go and find some where will suit u. u don’t belong to us. yes Aranchy hawey dem nebina kemzom Tekolu ab mongona gerna.
eritrean October 10, 2013
Anti asha these people are woyane. They are not Eritreans
Abraham Teclu Gebreslassie October 9, 2013
……It is true, we have lost hundreds of innocent sons and daugthers. It is a disastour . Very sad news, let the lord put them all in heaven.
zbedaasmarrino@gmal.com October 9, 2013
Belay nega you are a stupid one
you are not eritreain
belay nega October 9, 2013
“you are not eritreain”
“ባቁላ ቀረ ፈስ ቀረ”
eritrean October 10, 2013
Belay nega is Eritrean. Emanuel iyassu is agame
zbedaasmarrino@gmal.com October 9, 2013
namait ashihat sebat mikel embaye kewxom zkeal aykonenn.
tsegem shigr kulna hgdef mkanu atsebikna nfelt ina.
mikel ntgebro zeleka aberkto btaemi nemesgneka
bzey kelalem kemti ilkayo zeleka yeintna tray zeykone lbna dem ynebe alo.
bejakum kulukum eritrawain nezi getimuna zelo shigr bhtsustn bhabarn nebari ftah ngberelu
kem beal belay nega mnnetkum kab asmatkum zflet dma gudayna natna eyumo yedawkum akubu
zbeda
Sumora October 9, 2013
Sidi wedi sebeyti Belay ahhh daa nsikas
Metakie lokmena .
Raul October 9, 2013
kuburat ehwatey
please ni be’al Belay Nega isaias afewerki abraha, aytimelusulom. they are doing their agenda. they are trying to kill the Eritrean feeling of pride and dignity. that is it. nothing more nothing less. they worked in this project for more than 23 years. they abducted every thing of our country. i am telling again and again, ertrawnet mexaweti yikewin alo, ane yinegrekum aleku buhabar mihsab hansabin nihawarun yirihik alo, hazen wedi hagerka feximu zeysimaka enteda koynu hagerka kem zitefet filet. hizbey yitefie alo. hizbey bihuzun libu yitefie alo, hizbey keytedebese yitefie alo. antum sebat deqi suwa’at zitesewula adi mexaweti tokalu tikewin ala……hizbey hizbey , hizbeyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyyy
Kelit Hibtai October 9, 2013
Belay wedi nega; bizaiba adikan bizaiba hizbikan tezareb – adin hizbin enteliyuka; ab Eritran Eritrawyanin gudai yebilkan. Wedi Nega zibahal Eritrawi yelen. Chenawi!!!
semie belay October 9, 2013
anta kelbi weyane dey beal niska ekum dea misweyane konkum yehwatna tetfwom zelekum dekiza tegaru mealtikn tray texebeya beal amanuel iyassu misweyane koinu zihsu gujlekum lemisu meleskum hamed lebisu zeginetkum tedemsisu beu gerkum dea hametetlebsu atom kulukum agametat
eritrean October 10, 2013
Semi, I am worried this agame Emanuel iyassu has brain washed them. Eritreans, wake up, this is a woyane website!! Belay is Eritrean.
sem October 9, 2013
Rigieee emo belu …. kurub hisib abilu .ezom sebat men eyom . shuku shuka zitsawetulkum zelewu ….
wedahankum
jossi October 10, 2013
Ata tgraway michiel nska emo eritrea zeykenka
shger eritrawuian be eritrawuian eyu ktfelt
Kdem ezom hrkrak adkum hzlna
by jossi kab dellas