Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝብሉኺ እንተትሰምዕስ ዕዳጋ ኣይምተቐልቀልክን

መንነት ከም መጣልዒ- ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ 

መንነት ከም መጣልዒ– ኬነት ካውንዳ ኣብ 1924 ኣብ ኩብዋ ሰሜን ሮደዥያ ተወሊዱ:: ኣብ 1949 ጸረ-መግዛእቲ እንግሊዝ ኣብ ዝተገብረ ቃልሲ መሪሕ ተራ ነበሮ:: ኬነት ካውንዳ ኣብ 1950 ዋና ጸሓፊ ናይ’ቲ ንናጽነት ዝተቃለሰ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ኮይኑ  ንዛምቢያ ናብ ናጽነት ዘብቅዐ’ዩ:: ንሱ ዛምብያ ኣብ 1964 ናጽነታ ምስ ረኸበት ነቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝነበረ ጸረዓሌታዊ ቃልሲን ኣብ ዚምባብወ ዝተጎሃሃረ ቃልሲን ብሞራልን ንዋትን ደጊፉ:: ንዓሌታዊ ስርዓታት ዚምባብወን ደቡብ ኣፍሪቃን ንምድኻም ብዋጋ ቁጠባ ሃገሩ እገዳ ከም ዝገበረ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ’ሎ::

ኬነት ካውንዳ ተወዳዳሪ ኣብ ዘይነበሮ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓት ንዛምብያ ካብ 1964- 1991 መሪሑ:: ኣብ 1991  ኬነት ካውንዳ ብዝኽተሎ ዝነበረ ሓደ ሰልፋዊ ስርዓትን ምልካዊ ኣካይዳን ኣብ 1991 ኣብ ዝተገብረ ብዝሐ ሰልፋዊ ምርጫ ብፍረደሪክ ቺሉባ ተሳዒሩ:: ፍረደሪክ ቺሉባ ነዚ ዳርጋ ንፍርቂ ዘመን ንዛምብያ ዝተቓለሰን ዝመርሐን ኣብ ዝቕጽል ዓመታት ኣብ ዝግበር ምርጫ ስግኣት ከይፈጥረሉ ከርሕቖ ወዲ ማላዊ’ዩ ብምባል ካብ’ታ ሃገር ከባርሮ ፈቲኑ:: ኣብ 1999 ንሓጺር ጊዜ ካብ ናይ ዛምብያ ዜግነት ኣጊድዎ::ቺሉባ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ 10 ዓመታት ንቅዋም’ታ ሃገር ቀይሩ ንሳልሳይ ጊዜ ክመርሕ ፈቲኑ ወዲቑ:: ቺሉባ ካብ’ቶም ኣፍሪቃ ዘፍረየቶም ብልሽዋት መራሕቲ ኮይኑ: ኣብ ዘበነ ስልጣኑ ብዝኾመሮ ሚልዮናት ዶላርን ንብረትን ተኸሲሱ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ ሞት ኣርኪባቶ::ቺሉባ ንዛምብያ ዝሃቦ ኣገልግሎት ምስ ኬነት ካውንዳ ዝዳረግ ኣይነበረን: እንተኾነ ንድሑር ስምዒታት ህዝቢ መዝሚዙ ውልቃዊ ረብሓኡ ከኻዕብት ዝፈተነ መራሒ ተባሂሉ ይዝከር::

ኣብ ኤርትራ እውን እቲ  ብዓዲን ብዓውዲን ዝግበር ጸወታ ብደረጃኡን ሕብሩን ደኣ ይፈላለ’ምበር መባኹዕቲ ስልጣን ህግደፍ ከምዝኾነስ ንሪኦ ኣሎና::

ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ህዝቢ ሓንቲ ኣደ ተንሲኣ” ኤርትራዊ ዘይኮነ ካብ’ዚ ኣኼባ ይውጻእ” ክትብል መደረት:: ኣብ’ቲ ኣኼባ ዝነበራ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ተንሲአን ኣብ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ወደን ተሰሊፉ ነበረ’ሞ: ንሰን ድማ ”ውላዳ ኣብ ገድሊ ዘየሰለፈት ካብ’ዚ ኣኼባ ትውጻእ” ብምባል መለሳ::መራሕ እቲ ኣኼባ  መልሲ ናይተን ኢትዮጵያዊት ተረዲእዎ ኣኼባኡ ቀጸለ::

ንባይቶ ዞባ ማእከል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዝተሳተፈ ሓደ ኣብ ኤርትራ ተወሊዱ ዝዓበየን ንቓልሲ ኤርትራ ዘበርከተን  ብትውልዱ ኢትዮጵያዊ’ዩ ብምባል ክሓምይዎን ካብ’ቲ ምርጫ ከጎናድብወ ከምዝደልዩን ወረ በጽሖ:: ንሱ ድማ ” ምጽራይ ዜግነት ካብ ጀመርኩምስ ካብ ላዕሊ ጀምሩ’ሞ ኣበይ ከምእትበጽሑ ክንርእዮ” ብምባል ተዋዘየ::

እቲ ኢሳያስ ብዶብ ኣመኽንዩ ምስ ኢትዮጵያ ዝወልዖ ኩናት: ኣብ መንጎ ህዝብታት ክልቲኡ ጎረባብቲ ሃገራት በሰላ ገዲፉ’ዩ:: ስርዓታት ክልቲአን ሃገራት ድማ ንፖለቲካዊ ሕሳባቶም ነቲ ተራ ህዝቢ ግዳይ ዝገበረ ግናይ ስጉምቲ ወሲዶም:: ኣብ ኤርትራ ብዝተፈልየ ግን ህግደፍ ድኻሙ ክኽውልን ኣብ ወተሃደራዊ መዳይ ዝወረዶ ስዕረት ክጉልብብን በቲ ናይ ሓሶት ወረ ዝዝርግሕ መሳርሒ ምልኪ: ንገለ ኣብ ቃልሲ ኤርትራ ብመራሕቲ ሰራዊት ዘገልገሉ ተጋሩ ምስ ወያነ ተሓባበርቲ ኔይሮም ዝብል ወረ ፈንዩ::

መንነት ብተግባር እምበር ብትውልዲ ዝምዘነሉ ጊዜ ከምዘብቅዐ: እቶም መንነት ከጻርዩ ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ ዘለው ይፈልጥዎ’ዮም::ካብ ኤርትራ ተሰዲዶም ኣብ ኣሜሪካ: ኤውሮጳ: ኣውስትራልያ ሰፊሮም ዜግነትት ናይ’ተን ሃገራት ወሲዶም ኣለው:: ዓደቦኦም ኣይኮነን ዓደዺኦም:: በቲ እተን ሃገራት ብቃልሰን ዘጣጥሓሎም ቅዋምን ሕግን ተጠቒሞም ይመሃሩን ይነብሩን ኣለው::

ኤርትራ ብኣንጻሩ ብሰንኪ ህግደፍ ንዜጋታታ እሾኽ ኮይና: ኤርትራዊ ትሕቲ እንስሳ ዝተቖጽረሉ ጊዜ ኣርኪብና:: ፓስፖርት ኤርትራ እቲ ዝሓሰረ ኮይኑ:: ኣብ ክወየት እቶም ብዱን ዝተባህሉ ዜግነት ዘይነበሮም ሰባት ብገንዘብ ገዚኦም ይጥቀሙሉ ከምዝነበሩ ንፈልጥ ኢና::

ህግደፍ ዝሕብሕቦም ደምህት: ግንቦት 7: ኣርበኞችን ካልኦትን ብደምን ኣዕጽምትን ኤርትራ ናጻ ኣብ ዝኾነት ኤርትራ ይዕንድሩን ዜጋታት የከላብቱን ኣለው::

ኣንጻር ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ብዝተኻየደ ቃልሲ ኤርትራ ንሕበን እምበር ንምልኪ ብምድጋፍ ዘመክሕ ኤርትራዊ መንነት የብልናን::

ኤርትራውያን ንፍትሒ ዘካይድዎ ቃልሲ ዝጉዕጽጽ ምልካዊ ሰብ ህንዳዊ ይኹን ኤርትራዊ ጸረ ኤርትራን ህዝባን’ዩ:: ብኣንጻሩ ንስለ ፍትሒ ኣብ ጎድኒ ውጹዕ ዝስለፍ ዘበለ ጻዕዳ ይኹን ጸሊም ፈታው ህዝቢ ኤርትራ’ዩ::

ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊእዎ’ሎ:: ኤርትራዊያን ኣብ ናይ ሞትን ሕየትን እዋን ዘላ ሃገሮም መዕለቢኣ ጠፊእዎም ላዕልን ታሕትን ይብሉ ኣለው:: እቶም ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱን/ ዝተወልዳን ንብሩህ መጻኢኦም ዘጸልመተ ምልኪ ንምምካት እወ ንፍትሒ እምቢ ንምልኪ ብምባል ብነድሪ ተበጊሶም::  ናይ’ዚ ብመንእሰያት ዝካየድ ጸረ-ምልኪ ቃልሲ ኣብ ጀነቭ: ኢትዮጵያን እስራኤልን ተንጸባሪቑ:: ኣብ ደምበ ምልኪን ምስ ምልኪ ረብሓ ዘለዎም ወገናት ድማ ነቲ ምዕባለ ኣንፈቱ ንምስሓት ሓባል በል’ያ ከይትቕድመኪ: ነቲ ሰልፊ ዝመርሖ ኢትዮጵያዊ ብምባል ሓቀኛ መልክዖም ኣርእዮምና:: ኤርትራ ንፍትሒ ዝቃለስ ሰብ’ምበር: ንፍትሒ ዝጉዕጽጽ ኤርትራዊ ኣየድልያን’ዩ::

ደጎል ድራር

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • weygud July 26, 2015

    ERETERAWI mukan malet entay mukan malet eyu zeyeredeom delewu degefeti menalebat eti kemezi debele seb zegenet kaleay nay eretera delewo yekewen seleazi hgedfen degefetomen dekone deteqhawemom seb ezi kemezi zegenetu enabelu kekesuna eyom gena ab natom hasheweye ayeneto menegedena hizena nkid

  • Amdemariam Berhane July 27, 2015

    ዝተረግመ ብዕራይሲ ምስ ኣጣል ይጋሰ ዝብል ምስላ ኣሎ።ምስ ዝተሳዕሩን መሃኖኖም ዝጠፋኦምን ምምልላስ ጊዜኻ ምጥፋእ ኢዩ። ሓሜት መስከረም ኔትን ህግደፍን ዋጋ የብሉን ስራሕና ጥራይ ንቐጽል።

    ንፉዕ ይሕመ ዕባራ ይግመ ዝብሉኩም ከምዚ ኢዩ።ዶክተር ዳኒኤል ምሩጽ ዜጋ ኣጆኻ ዓወት ጀነቫ መሊስካ ኣድምቆ።

  • berhe July 27, 2015

    Dogol,

    Thank you for the best analysis and well articulated. Poor mind talks about individuals,so forget those who to try to give and take Identities, they are loosers.

  • fthawi July 27, 2015

    አባማ ንኤሜሪካ ክመርሓ ኮሎ ታሪኽ ሂወቱ ኣይገለጸን ድዩ? ዳኒኤል አንበሳ እዩ ግን መንነቱ ምግላጽ ኣገዳስነት የብሉን ትብሉ ኩሉኹም ሓሰውቲ ኢኹም ንሕና ኤርትራዊያን አብ ዝላዓለ ሃገራዊ ጉዳይ ዝንቃሳቀስ መንነቱ ክንፈልጥ መሰልና እዩ : ዳኒኤል እምነቱ ኤርትራዊ ትኮይኑ ማንም ሰብ ኤርትራዊነቱ ዝሕድጎ የለን ዝኾነ ይኹን ሰብ።አነ ዲቕ ዝበልኩ ተቃዋማይ እየ መንነት ብዝላዓለ ጉዳይ ኤርትራ ዝንቃሳቀስ ሰብ ዳኒኤል እኩን ካልእ ኣይትሕተት ፍጹም አይሳማማዓሉን እየ ።

  • fthawi July 27, 2015

    መንነትካ እምነትካ እዩ ንምሳሌ ኩቡር ብራይም ሚንስተር መለሰ ዜናዊ መንነቱ ክሓትዎ ከለው ሰገጥ ከይበለ ብንዳ እነይ ኤርትራዊ ብንዳ አቦይ ኢትዮጵያዊ ኢሉ መሊሱ አብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዘይተራኤ ጭራ ናይ ዲሞክራሲ ጌሩ ሓሊፉ ከምእውን በረከት ስሙኦን በብኡን በዲኡን ኤርትራዊ ብኢትዮጵያውነቱ አሚኑ አብ ዝላዓለ ስልጣን አሎ ግን አይሐባቡኡዎን እዮም ወዲ ሰብ ከም ሳዕሪ ካብ መሬት ዝቦቁል አይኮነን ብዝመጻና ንምጻአ እምነትና እዩ ኣገዳሲ: ግን መንነትና ክንገልጽ ትብዓት ዘይብልና ትኮይኑ አብ ምንታይ ዓለም ንነብር አለና ኤርትራውያን እንድዒ?

  • merhawit tesfai July 27, 2015

    ህግደፍን ኣኽላባታን ዝፍንዉዎ ዘረባታትን ተግባራቶምን ኣብክንድኦም የሕፍረካ። ንሃገርና ክሳዕ ክንደይ ናብ ዓሚቕ ውርደትን ሕፍረትን ንከድርብዩዋ ቅጭጭ ዘይብሎም ነውራማት ምዃኖም ዘብርህ ድማ ኢዩ። ኣብ መስከረም.ነት “ኣደይ ስላስ ኣብ መቓብረን…” ዝብል ናይ’ታ ዝሓሰረት ኮማሪት ሓረግ ምስ ኣንበብኩ፡ ኣዒንተይ ክኣምና ኣይከኣላን። ብሕልፊ ድሕሪ ጀነቭ ኣብ ማዕረ ክንደይ ዓጀውጀውን ሕስረትን ወዲቖም ከምዘለዉ ንምግንዛብ ኣየጸግምን። ንኢሳያስ ኮነ ንማንኪ ንጸልኦም ናይ ትግራይ ወይ ናይ ኣምሓራ ወለዶ ስለዘለዎም ዘይኮነ፡ በቲ እከይ ተግባራቶም ከምዝኾነ እዞም ዓዋናት መጽረፍቲ ዓዶም ይርድኦም ደኾን ይኸውን? ኣብ ምጽብጻብ መበቆል እንተተበጺሑ ድማ፡ ምሉእ ብሄረ ትግርኛን ትግረን ናብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ተመሊሶም፡ ሕጂ ሒዞሞ ዘለዉ መሬት ንብሄረ ኩናማ ክለቁሎም ኣለዎም ማለት ድዩ?
    ደጎል ድራር ስለቲ መንቅሒን እዋናዊን ጽሑፍካ ምስጋና ይብጻሕካ። ዶር. ዳኒኤል ረዘነ ድማ ንዘረባ ደናቁርን ሕሱራትን ዋጋ ከይሃብካ ከም’ቲ ዘለኻዮ ንቅድሚት መርሽ። ብሰንኪ ጽላለኡ ኣብ ኣፍደገ ሞት ዝበጽሐ ኣካል ዘይዛረቦን ዘይትንክፎን ነገር የለን።

  • WHagher July 27, 2015

    All those foreigners who contributed to Eritrea’s independence could be Eritreans by choice and nationality. Anyone born in Eritrea and loved the country can be granted Eritrean nationality.
    That said, any Eritrean indigenous or not who want run for a higher office such as Prime Minister or Head of State, should be someone whose origins are well know to all (no more rootless).
    It’s not by chance that almost all Head States of Italy, for the last 60 years, came from anti-fascist resistance group. While the Savoia royal family was banned from entering Italy for decades, for cooperating with Fascism, those who fought for freedom of the people were rewarded.
    Sudan has a law that makes it very difficult, and in some cases forbids giving nationality to people from neighboring countries. Giving nationality to some one from Senegal/Mali/Zaire .. etc and to a person whose country of origin has a border with Eritrea, has different national security implications.
    All sensitive institutions such as the Army should have internal regulations that require proper background check of all those who apply for a job.

  • metkel July 27, 2015

    Brother Daniel

    Keep it up the good work, we will prevail soon because the momentum is on our side, the world has given our suffering utmost attention, as for those people talk about identity, they are trash. The progressive people talk about events, science, history, constructive politics, while the despicable people discuss people like the followers of meskerem. Website.

  • Natnael July 27, 2015

    Dear ደጎል ድራር !

    Sorry that my browser (Mozila) doesn’t accept Geez Unicode for writing ! Degol, if you mean:

    1)ቺሉባ ንኬነት ካውንዳ ወዲ ማላዊ’ዩ ብምባል ካብ’ታ ሃገር ከባርሮ ፈቲኑ:ኣብ 1999 ንሓጺር ጊዜ ካብ ናይ ዛምብያ ዜግነት ኣጊድዎ::

    2) ቺሉባ ንዛምብያ ዝሃቦ ኣገልግሎት ምስ ኬነት ካውንዳ ዝዳረግ ኣይነበረን: [እንተኾነ ንድሑር ስምዒታት ህዝቢ መዝሚዙ ውልቃዊ ረብሓኡ ከኻዕብት ዝፈተነ መራሒ ተባሂሉ ይዝከር::]

    Are they both not contrary to each other? So with the mission of your story could be interpreted as
    1) Andebrhan has chased Isayas and made Isayas’s identity as an Eritrean invalid
    2)”the issue of Isayas & Co” doesn’t matter! This is because Isayas had ‘contributed’ in the Gedli time more than Andebrhan or any other ‘pure’ Eritrean.

    I live in a western country and got the nationality just after 8 years. This doesn’t however mean that I can practicaly be the prime or defence minister of the country. No matter how consistent and comprehensive the constitution of the country in question is, the subjective issues (which consititute risks) can honestly not be neglected. This is just natural, I want to be sure after electing my trustwothy representative, who has a minimal possibility of betrayal and sabotage than others.

    This means, though Daniel and others can play an important role in getting rid of the dictator and more, but in the current situation of the country, where there is not even a constitution, the key positions of a government must be occupied by persons whose ancestor lived in the nation since some generations

    Theoreticaly it is their legitimate right to exercise their rights. But our situation now can not be compared with that of other developed countries whose legal systems have not so many weaknesses. Considering the presence of Demhit , Arbgnt Gnbot 7,….etc (which I don’t understand why) inside our country, we find our selves in a very very risky condition to lose our sovereignity soon.

  • NATIONALIST ERITREAN July 27, 2015

    ደጎል ድራር,
    ምኽርኻን ትንተናኻን ጽቡቕ እንከሎ እታ…”መንነት ብተግባር እምበር ብትውልዲ ዝምዘነሉ ጊዜ ከምዘብቅዐ: እቶም መንነት ከጻርዩ ድቃስ ስኢኖም ዝሓድሩ ዘለው ይፈልጥዎ’ዮም::”….
    ዝበልካያ ግን ካብ ሓቅነት ንላዕሊ ናይ ባዕልኻ ጽቡቕ ትምኒት ትመስል። ኢሳያስ ወዲ ኣርብዓን ትግራዋይ ዓጋመን ስለ ዝኾነ ኢሎም ዝጽልእዎ ቁጽሮም ማእለያ የብሉን።ኣብ ክንዲ ነቲ ማህሰይትን ጭቆናን ንጸልኦ ,እቲ ማህሰይትን ጭቆናን ብዘይ ወዲ ሃገር ብምፍጻሙ ዘጕህየና ዳንደላታት ብዙሓት ኢና።ስለዚ እቲ ሽግርና ወዲ እዚ ኣውራጃ ወዲ እቲ ኣውራጃ ወደርብዓን ነባር ባላባትን ዝዓይነቱ ሽግር ኣለና።

POST A COMMENT