Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሻቕል ኩነታት መምሃራንን ትምህርትን አብ ኤርትራ

ስርዓት ህግደፍ አብ ኤርትራ ንዝርከቡ መምህራን አብ ዝኸፍኣ ናይ ድኽነት መነባብሮ ሸሚምዎም ይርከብ። እቲ ስርዓት አብ መላእ ኤርትራ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ የካይድ ኣሎ፤ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ኮን ተባሂሉ ህይወት ሃገርን ህዝብን ከማሕይሽ ብዘይክእል መንገዲ ተዋቒሩ

ስርዓት ህግደፍ አብ ኤርትራ ንዝርከቡ መምህራን አብ ዝኸፍኣ ናይ ድኽነት መነባብሮ ሸሚምዎም ይርከብ። እቲ ስርዓት አብ መላእ ኤርትራ ናይ ጥፍኣት ተልእኾ የካይድ ኣሎ፤ ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ኮን ተባሂሉ ህይወት ሃገርን ህዝብን ከማሕይሽ ብዘይክእል መንገዲ ተዋቒሩ ይስርሓሉ አሎ። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ረብሓታት ምልካዊ ስርዓት ንኸቐጽል ብዝኽእል አገባብ ዝተሃነደሰ ኢዩ።

አብ 1996 ብዝተገብረ ናይ ዶሞዝ ምምዕርራይ አብ ኩለን ሚኒስትሪታት፤ እቶም አብ መባእታ (ቀዳማይ ደረጃ) ቤት ትምህርቲ ዝተመደቡ መምሃራን 800 ናቕፋ ንወርሒ ከምዝኽፈሉ ተጊሩ፡ እቶም ናይ ነዊሕ ዓመታት ዝመሃሩ መምሃራን ድማ 1100 ናቕፋ ንወርሒ ይኽፈሉ። ብግብሪ እቶም ዝበዝሑ መምሃራን 800 ናቕፋ ኢዩ ደሞዞም። አብ ዝሓለፉ 17 ዓመት ዝኸነ ናይ ዶሞዝ ወሰኽ አብ ኤርትራ ተጊሩ ስለዘይፈልጥ፤ ናይ ሓደ መምህር ዶሞዝን ናይ ርብዒ ኩንታል መሸላ ዋጋን ማዕረ አሎ። ሓደ ሓደ ግዜውን ዋጋ መሸላ ዝኸብረሉ ግዜ አሎ።

እዚ ስለዝኸነ ድማ ስርዓተ ትምህርቲ ባይታ ዘቢጡ፤ ብዙሓት መምሃራን ነቲ ስራሕ ገዲፎሞ ገለ አብ ሚነዋለን አብያተ ሻሂን ተቖጺሮም ምስራሕ ካብ ዝጅምሩ ዓመታት ኮይኑ፤ ብዙሓትውን ናብ ስደት አምሪሖም ካብ ሃገር ተመሪቂፉም ኢዮም። እቲ ስርዓት ድማ ካብ ሰራዊት ሓያሉ አባላት ሃገራዊ አገልግሎት ዳርጋ ምጽሓፍን ምንባብን ዝኽእሉ እናመረጸ መምህራን ከምዝኾኑን ጊሩ። እዞም አባላት ሃገራዊ አገልግሎት ዝኸነ ናይ መምህርና ስልጠና ዘይወሰዱን፤ ብዘይ ዶሞዝ ድሰርሑ ብምኻኖም፤ ነቲ ድሮ ሞይቱ ዝነበረ ናይ ትምህርቲ አገልግሎት ትምህርቲ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክቐብሮ ክኢሉ አሎ። ናይ ብሓቂ ትምህርቲ አብ ኤርትራ ነበረያ ነበረ ካብ ዝኸውን ዳርጋ 20 ዓመት ኣቑጺሩ አሎ።

ስርዓተ ትምህርቲ ናይ ሓንቲ ሃገር፤ መጻኢ ዕድል ናይታ ሃገር ዝእንፍትን ንቕድሚት ንኽትስጉም ዓብይ ተራ ድጻወት ምኽኑ ፍሉጥ ኢዩ። መጻኢ ዕድል ናይ ተምሃሮ ዝውስኖ ድማ ዓይነት ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪክሎም)፤ ዓይነት መምሃራን፤ ተራ ወለድን ኢዩ። እዚኦም ነንሕድሕድ ተኣሳሲሮም ዝኸዱ ነገራት ኢዮም። ስርዓት ህግደፍ አብ 2001 አብ ዘካይዶ ዝነበረ ጎስጓስ፤ እቲ ስጋብ ሕጅ ንምህረሉ ድጸናሕና ካሪክሎም ፍሹል ኢዩ ኢሉ ሓዲሽ ካሪክለም አምጺኣ ኢሉ። እቲ ዘምጽኦ ዝኸፍኣ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብቐንዱ ነቲ ዘምጽኦ ካሪክሎም ብወፍሪ ባርነት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ብሃገራዊ አገልግሎት ብዘይ ዶሞዝ ከምዝካየድ ብምግባሩ ኢዩ። መምህርና አብ ኤርትራ ክብሪ ዘየብሉ ሞያ ካብ ዝኸውን ዓመታት አቑጺሩ። መምህርውን ከም ክሉ ክፋል ሕብረተሰብ ገንዘብ ንመግቢ፤ ገዛ ክራይ፤ ኤለትሪክ፤ መጉዓዝያን ካልእ ዘድልዩ ፍጡር ምኻኑ ዝተርሰ ዓሉ ሃገር ኮይና ኤርትራ!! አብ ኤርትራ አብ ገጠራት ዝምህሩ መምሃራን ህዝቢ ብመለሊኽ እኽሊ፤ ዕንጸይቲ እናዋጽኣ ሓገዝ ይገብረሎም ካብ ዝጅምር ዓመታት ኮይኑ፤ አብ ገለ ከባቢታት ድማ አመሓደርቲ ንህዝቢ እናገደዱ ገንዘብ ከምዘዋጽእ እናገበሩ የካይድዎም፤ እዚ ህዝብና ብዘለዎ ሓልዮት እምበር ንነብሱ አብ ሕሱም መነባብሮ ተሸኺሉ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።

ብተመሳሳሊ ድማ እቶም ተምሃሮ ካብ አዝዩ ሕሰም ዝመልኦ መነባብሮ ዝመጽ ብምኻኖም፤ እቲ አብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ሕሰም ብቐጥታ ድጸልዎም ኢዮም። ከብዱ ዘይመልኣ ቆልዓ ብግቡእ ይመሃር አሎ ኢልካ ምሕሳብ ነብስኻ ምትላል ኢዩ። መብዛሕቶም ተምሃሮ አቦታቶም አብ ሃገራዊ አገልግሎት ልዕሊ 17 ዓመት ዝገበሩ፤ ዓበይቲ የሕዋቶም አብ አገልግሎት ዘለው፤ አባሓጎታቶም ብስም ሚሊሻ ዝተዓጢቑም፤ አዲታቶም ብሕጽረት መግብን ናይ መነባብሮ ጸገምን ዝተጸቕጡ ስድራ ቤታት ዝመጽ ስለዝኾኑ፤ አብ ከባቢኦም አብነት ክኾኖም ዝኽእል ወይውን ብትምህርቲ ሕይወቱ ዝተቐየረ ሰብ ክሪኡ ዕድል ዘይረኸቡ ተመምሀሮ ኢዮም። እቲ ዝፈልጥዎ ምስ ጎበዝካ ንሳዋ ተገፊፍካ ከምትኸየድ፡ ብዓመጽ አብ ሃገራዊ አገልግሎት ጠኒሰን ዝመጻ የሕዋቶም ወይ ጎረባብቶም ኢዩ። መጻኢ ዕድሎም ደሻቕሎም ተምሃሮ ዝለዝኸኑ ድማ ብኸመይ ናብ ስግረ ዶብ ከምድሰግሩ ዝሓስቡ ቆልዖ ኢዮም አብ ኤርትራ ዝርከቡ ተምሃሮ። ናይ’ዚ ጭቡጥ አብነት ድማ አብ ኢትዮጵያ አብ ዓዲ ጉና ዝብሃል ብፍሉይ ንትሕቲ ዕድመ ዝቐመ ምዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኢዩ። አብ’ዚ መዓስከር ካብ ደቂ 7ዓመት ስጋብ ደቂ 16 ዓመት አስታት 5000 ይርከቡ። ብዘይ ናባይ ብዘይስድራ ዕድል እዚኦም ቆልዖ አብ መጻኢ እንታይ ኢዩ ዝኸውን ዝፍለጥ ነገር የለን። በቲ አብ ቀረባ ግዜ ደሰማዕክዎ ብናፍቖት ስድራ ዝተበልዑ ቆልዑ ናብ ኤርትራ ክምለሱ ናብ ስድርኦም ብኣዛብእ ዝብልዖ ብዙሓት ምኽኖም ኢዩ። እዚ ሰፊሕ ጉዳይ ስለዝኸነ ካልእ ግዜ ክንምለሶ። ካልእ አብነት እዞም ብሳህራን ማእከላይ ባሕርን ዝመጽ ዘለው ኣዝዮም ንኣሽቱ ምኻኖም ካልእ ጭብጢ ኢዩ።

አብዚ እዋን ጉዳይ መነባብሮ መምሃራን አብ ኤርትራ አታሕሳሳቢ ስለዝኸነ፤ ህግደፍ ንህዝቢ ገንዘብ ንኸዋጽእ ብዝተፈላለየ የገድድ አሎ። ደቅኹም ቀዳም ንኽምሃሩ ተወሳኺ ክፈሉ፤ ንጉዳይ መምሃራን ወዘተ ብዝብል ብኣማኢት ክኸፍሉ የገድድ አሎ። እዚ ገንዘብውን ከምልሙድ ናብቶም መምሀራን ይበጽሕ የለን። ገንዘበይ አበይ በጺሑ ኢልካ ምሕታትውን ደእስር ስለዝኸነ ሓታቲ የለን። ከምቲ አብ ወጻኢ ሃገር ብስም ስንኩላንን ስውኣትን ዝእከብ ገንዘብ ማለት ኢዩ።

ናይ መምሃሪ ናውቲ ብመንግስቲ ኢዩ ድሽየጥ ዘሎ፤ ንሓንቲ ስድራ ቤት 12 ጥራዝ ብ150 ናቕፋ ሕሳብ ብመቑነን ይወሃብ አሎ። አብ ዝሓለፈ ዓመት አብ ከባቢ ሙሉቂ፡ ዓረዛ ካልኦት ክፋላት ኤርትራ ብሰንኪ ጥራውዝትን መጽሓፍትን መንግስቲ ከቕርብ አይክኣለን ተባሂሉ ብሰንፈላል ዓመት ወዲኦም። አብዚ ዓመትውን ብተመሳሳሊ አብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ሕጽረት ናውቲ ትምህርቲ አብ ዝኸፍኣ ኩነታት ይርከብ። ስድራ ቤታትውን ነቲ ብኮንትሮባንድ ድሽየጥ ጥራውዝቲ ንኽገዝኣ ዓቕሚ የብለንን።

እቲ ስርዓት ምስሉ ንኸጸብቕ አብ ዝሓለፉ 8 ዓመታት ብሰርትፊኪት፤ ብዲፕሎማ፤ ብዲግሪ አመሪቐ እና በለ ብዘይ ኣፈላላይ ብናይ መመረቒ ክዳን (ጋውን) እናኸደነ፤ ነቲ ዘይተምሀረ ብፍላይ ድማ አብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ኣብ መድንጋር ይርከብ። እዞም ብስም ኮሌጃት ዝተኸፍቱ ብጽኑዕ ወተሃደራዊ ዲስፕሊን ዘለዎም መዓስከራት ዓላምኣን ምንቅስቓስ መንእሰያት ምቁጽጻር ኢዩ። ከምቲ አፓርታይድ አብ ደቡብ አፍሪቃ ናይ ጸለምቲ ዩኒቪርስታትን ኮሌጃትን ካብ ከተማታት አርሒቑ፤ ዝኸነ ብተምሃሮ ዝግበር ምንቅስቓሳት ካብ ዓይኒ ዓለም አርሒቑ ዝቖጽዮ ዝነበረ፤ ስርዓት ህግደፍውን ነታ እንኮ ዝነበረት ዩኒቨርስቲ አስመራ ዓጽዩ ካብ ሕንብርቲ ከተማ አርሒቑ ኮሌጃት ምኽፋቱ ንምቁጽጻር ተምሃሮ ዝምሃዞ ኢዩ። ኩሎም እዞም ተምሃሮ ብወተሃደራዊ መንቀሳቐሲ ዝንቀሳቐሱ ኢዮም። ትምህርቲ ወዲኡም ድማ አብ ዝመረጽዎ ዘይኮነስ አብ ህግደፍ ዝመደቦም፤ ብደሞዝ ዘይኮነስ ብነጻ ብባርነት ንዘይፍሉጥ ግዜ ይሰርሑ አለው። እዚእን ኮሌጃት ኢሎም ዝኸፈትወን ትካላት አብ ዝኸነ ዓለም ተፈላጥነት ዘየብለን ኮሌጃት ኢየን። አስመራ ዩኒቨርስቲ ምስ ሙሉእ ሕይወታ ከላ፤ አብ አስመራ ዩኒቨርስቲ ብዲግሪ ዝተመረቐ ንአብነት አብ ዓዲ እንግለዝ ማዕረ ዲፕሎማ ናይ እንግሊዝ ይቑጸር። በዚ መንጸር እዚ እዘን ሓደሽቲ ህግደፍ ድጫጭሓን ካብ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሃልኪ ድዘላ አይኮናን። እቲ ዘሕዝን ብዙሓት መንእንሰያት ብትምህርቲ ክውንጨፉ ዝግብኦም ዝነበሩ ዕድሎም ይሰብር ምህላው ኢዩ። ብኡ መጠንውን መጻኢ ዕድል ሃገርውን ይጽምት ምህላው ኢዩ።

እቲ ካልእ ዘሕዝን ዘታሕሳስብን እቶም አብ ኤርትራ ዝርከቡ ኢስያውያን መምሃራን መብዛሕትኦም ህንዳውያን መምህራን ካብ 600 ስጋብ 1200 ዶላር ንወርሒ እናተኸፍሉ ካብ መባእታ ስጋብ ኮሌጃት ይምህሩ ምህላዎም፤ እቲ ብተመሳሳሊ ደረጃ ዝምህር ኤርትራዊ አብ ገዛእ ሃገሩ ካብ 145 – 1450 ናቕፋ ይምህር ምህላው ኢዩ። እዚ ኢሳያስ ሞራል ኤርትራውያን ንኽሰብርን ሃፈጽ ኢሎም ሃገር ገዲፎም ንክኸዱ ዝመሃዞ ፖሊሲ ኢዩ። አብዚ ዘሕዝን ደቀባት ኤርትራውያን ሃገሮም እና ፈረሰ ከሎ አማዕዲዮም ኢዶም አጣሚሮም ይርእዩ ምህላው ኢዩ። እዚ ጉዳይ ግን ሳዕቤኑ አብ ዝተናውሐ ግዜ ዝመጽእ ስለዝኸነ፤ መጻኢ ወለዶ ዋጋ ክኽፈለሉ ኢዩ። ምህንቲ ሃገሩ ዝሓሰብ ኩሉ ምእንቲ ሓቂ ደው ክብል፤ ይኣክል ክብል አለዎ። ብፍላይ እቶም ምሁራን ዜጋታት አብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓዋርያ ክኾኑን ክብገሱን ይግባእ። ትምህርቲ አብ ኤርትራ ከይድህስስ ድማ ብዝተረኽበ አጋጣሚ ነቲ አብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ነቲ አብ ደገ ወጽዩ ዘሎ መንእሰይ ንኽመሃር ምብርትታዕን ምሕጋዝን አገዳሲ ስለዝኸነ ጻዕሪ ክንገብረሉ ይግባእ። ንስርዓት ኢሳያስ ንምክቶ ብፖለቲካ ጥራሕ ዘይኮነ፤ ህዝቢ ንኽፈልጥን ንኽመሃርንውን ብምግባር ክኽውን ይግባእ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! May 6, 2015

    Asmera university students were active in Eritrean politics history . When Issayas
    split to form his organization , he found hardship to win their support like he succeeded
    with Addis Abeba university . By observing his reputation of grudge , suspicion and
    lack of self assurance we can conclude to close Santa Familia gives him peace of
    mind . Do not forget he is paranoid to be around independent educated person since
    he was in Sahel .

  • Daniel May 7, 2015

    The sad thing is most of the youngsters who fled the country after they couldn’t bear to live under the dictatorial regime anymore , once they arrive into their dream countries and get their papers. they turn out to be HGDEF supporters. I’ve seen them at Geneva in front of the UN office shouting “nihna nsu:nsu nihna.” It’s very sad and what I said to myself at that time was “Lekbat hzbi izi ko kiwhdo.”

  • rezen May 7, 2015

    Subject: ዘሻቕል ኩነታት መምሃራንን ትምህርትን አብ ኤርትራ, 5 May 2015 by a commentator

    Ref: Daniel’s comment above. In four and half lines he managed to reach the deep malaise of the Eritrean diverse societies. His commentary emanates not out of hatred but out of extreme love for his Eritrea. That is what I read in his sentiment.
    Eritrea has extreme ዘሻቕል ኩነታት much, much more than መምሃራንን ትምህርትን. The lack of teachers and education is ‘peanut’ compared to the insidious malaise of Eritrea. For some deep psychological phenomenon ‘Eritrea’ seems to be its own enemy; hence becomes a living example of TRAGEDY.

  • Yohannes May 10, 2015

    እዋይ እንታይ ሓድጊ እዮም ክገድፉልና መንሽሮ ህግደፍ? ዋእ ካብ ክፉእ ክገብሩኻስ ክፉእ ክምህሩኻ።
    እቲ ናይ ጽባሕ ተረካቢ ሃገር ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ንዓኻትኩም ብዝለዓለ ብቕዓት ተኸሺኑን ተዳልዩን ከምኡውን ካብቲ ቀጻሊ ዝኾነ ስነ ፍልጠታዊ ግስጋሰ ሰኒቑን፤ ካብቲ ዓውሎማዊ መኽዘን ፍልጠት ከምቲ ዝድለ ተቛዲሱን፤ ካብኡ ተጠቒሙን እንተዘይዓብዩ፤ ከም ወዲ ሃገር መጠን ኣብ ገዛእ ሃገሩ ዓብሊሉ ነቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ጸጋታት ናይ ሃገሩ ከምቲ አብ ኩለን ሃገራት ዝድለ ብላዕለዋይ ኢድ ወኒኑን ኣማሓዲሩን ክነብር ኣይክእልን እዩ።
    እቲ ንኽትሓሰቦ ዘሰቅቕ ሳዕቤን ድማ ፍሉጥ እዩ። ንኻሎኦት (መጻእተኛ) ሰብ ዓቕምን፣ ገንዘብን ፍልጠትን ስብሒ ምድርኻ ኣረኪብካ ኣብ ገዛእ ዓድኻ አገለጋሊሮምን ለይታዊ ዜብዔኛኦም (Night Watchman) ኮንካ ተረፍ መረፍ መኣዶምን፣ ርፍራፎምን ምልቃም እዩ። ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ብዝኾን መለክዒ ንሓንቲ ንእሽቶ ሃገር በቲ ዝተሓተ ደረጃ እኳ ከመሓድሩ ዓቕሚ ዘይብሎም ዕዋላታት እንዳማሓደሩኻስ እቶም ፈቲኻ ጸሊእካ ዘይትኽልክሎም ናብ ዓድኻ በሃብቶም ኰነ ብሞያኦም ክነብሩን ክሰርሑን ምስ ዝመጽኡ ወጻእተኛታት ኣውፈርትን ሰብ ላዕለዋይ ሞያን ተዋዳዲርካ ካብቲ ጸጋ ሃገርካ ተቛዳሲ ክትከውን ማለት ዘበት እዩ። ነዚ ኣንጸላልዩና ዘሎ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ (legacy) ንሃገሩን ንህዝቡን ዝሓልን ዝሓምምን ሃገራዊ ንደመኛ ጸላኢኡ እኳ ዝትምነዮ ኣይኮነን። በሰንኪ ኣደነቍሮም፣ ኣጥምዮም ከምኡውን ኣሳቕዮም/ኣሲሮም ዓዲ ነማሓድር ኣሎና ዝብሉ ዘሎው ፖለፖታዊያን ዓዋሉ ወይ ሸፋቱ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ናይ በላዒ ስብሒ መሬትካ ተመልካቲ ምዃን ማለት መሪር ሓሞት ብሰፍነግ ምስታይ እዩሞ ካብዚ ናይ ዘመናዊ ባርነት ሂወት ኣብ ገዛእ ዓድኻን መረበትካን ይሰውረና እዩ ዘብል። እወ ሕማቕ ውርሻዊ ተርእዮ የንጸላልወና ኣሎ።

Post a Reply to AHMED SALEH !!! Cancel Reply