Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ

              ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን  ኣብ ኢትዮጵያ ብ ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም   ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ዘሰክፍ ድምጺ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ሰሚዐ። ኣዝየ ድማ ሓዚነ። ከም ስደተኛ ጽቡቕን ሕማቕን ጉዕዞ ስደት ስለ ዝረኣኹ

 

            ዘሰክፍ ድምጺ

ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን  ኣብ ኢትዮጵያ

ታደሰ ኪዳነ   በርሚንግሃም

 

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ሓደ ዘሰክፍ ድምጺ ካብቶም ኣብ መዓስከራት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራ ሰሚዐ። ኣዝየ ድማ ሓዚነ። ከም ስደተኛ ጽቡቕን ሕማቕን ጉዕዞ ስደት ስለ ዝረኣኹ ድማ ድምጾም ኣብ ሰራውር ደመይ ክሰርጽ ኣይደንጎየን። እዚ ጽሑፍ’ዚ ድማ ኣብ ግዝይኡ ክቐርብ’ኳ እንተነበሮ፣ ስነ-ስርዓት ቀብርን መዕጸውን ናይቶም ኣብ ላምፐዱዛ ዝጠፍኡ ዜጋታትና ከይተገብረ፣ ካልእ ጉዳይ ምልዓል ጽቡቕ ስለዘይኮነ፣ ምስ ባህልና’ውን ስለ ዘይከይድ ቁሩብ ደንጉዩ ይቐርብ ኣሎ። ነቲ ዘለኒ ትሕዝቶ ድማ ኣብ ክልተ ከፊለ ከቕርቦ ኢየ። ብመጀመርያ ግን ብዛዕባ ስደት ቁሩብ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ስደት ንመዋእል ክኸይድ ዝጸንሐ ማሕበራዊ ጸገም ኢዩ። ብፍላይ ኣብቲ ዓቢ ህዝባዊ ህልቂት ዘስዓበ 2ይ ኲናት ዓለም ብዙሕ ምዝንባል ደቂ-ሰባት ኢዩ ተራእዩ። በዚ ድማ ኣብ ምዝዛም ናይቲ ኲናት ጉዳይ ስደተኛታትን ዝተመዛበሉ ሰባትን ኣብ ኣጀንዳ ሃገራት ዓለም ላዕለዋይ ቦታ ሒዙ ተቐልቂሉ። ማሕበረ-ሰብ ዓለም ድማ ምእንቲ ድሕነት ናይቶም መረበቶምን ሃገሮምን ዝተመዛበሉ ሰባት ብናይ 1951 ውዕል (The 1951 Refugee convention) ዝፍለጥ፣ ኣብ 1967 ተመሓይሹ ዝመጽ ሓደ ሰነድ ከቲሙ። በብግዜኡ ድማ ሓደስቲ ዓንቀጻት እናተወሰኽዎን እናተመሓየሸን ይቕጽል ኣሎ።

ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ውዕል፣ ሰብ ብዓሌቱ፣ ብብሀሩ፣ ሃይማኖቱ፣ ኣባል ናይ ገለ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑን ብዝህልዎ ፍሉይ ፖለቲካዊ ኣጠማምታን፣ ካብ መበቆል ሃገሩ ሃዲሙ፣ ኣህጉራዊ ዶብ ሰጊሩ፣ ዑቕባ ናይ ካልኦት ሃገራት ንዝሓትት ሰብ ዝወሃብ መሰል ኢዩ። ሎሚ ካብተን 192 ኣባል ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ እተን 144 ክታመን ኣንቢረናሉ ኣለዋ። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ፣ ቅድሚ ገለ ዓመታት ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዝብል መጸውዒ ዝነበሮ ሕብረት ኣፍሪቃ‘ውን፣ ምስ ፍሉይ ኩነታት ናይታ ክፍሊ-ዓለም ብምዝማድ፣ ንገለ ቃላትን ሓረጋትን ወሲኹ ወይ ኣመሓይሹ ኣብ 1969 ብወግዒ ተቐቢሉዎን ኣጽዲቑዎን ኢዩ። ጎረቤትና ኢትዮጵያ’ውን ልክዕ ኣብቲ ዓመት’ቲ፣ ብ10 ሕዳር 1969 ነቲ ውዕል ብወግዒ ፈሪማትሉ ኢያ።

ገለ ካብቲ ፈረምቲ ሃገራት ከተግብርዎ ዝሕተቱ ነጥብታት ድማ፦

  1. ብመሰረት ዓንቀጽ 35 ምስ ኮሚሽን ትካል ስደተኛታትን (UNHCR) ካልኦት ጨናፍር ውድብ ሕቡራት ሃገራትን  ክተሓባበራ፣ እቲ ኮሚሽን ኣብ መንጎ’ቶም ስደተኛታት ተረኺቡ ዳህሳስን ትዕዝብትን ከካይድን፣ እቶም ስደተኛታት ድማ በቲ ዝወጸ ውዕል መሰረት ይእለዩ ምህላዎም ከረጋግጻ ከፍቅዳ
  2. ዓንቀጽ 36 ድማ፣ካብ መትከላት ናይቲ ኮሚሽን ከይወጻ፣ ምስ ፍሉይ ኩነታት ናይ ሃገረን ኣዛሚደን፣ ንኣተገባብርኡ ዝምልከት ውሽጣዊ ሕግታት ከውጽኣ፣ ነቲ ዘውጽአኦ ሕግታት ድማ ንዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከፍልጣ
  3. እቲ ስደተኛ ንመሰሉ እትጣበቕ ሃገር ስለ ዘይብሉ (ካብ መበቆል ዓዱ ስለዝወጸ) ኣብ መንጎ’ታ እተዕቁብ ሃገርን መበቆል ሃገር ናይቲ ስደተኛን ዝህሉ ስምምዓትን ካልእን ነቲ ስደተኛ ከም ዘይምልከቶ  …  ይገልጽ

 

ሕጊ ዕቕበኛታት (Refugee Law) እምበኣር ናብቲ ሓፈሻዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐረበ፣ ግን ከኣ ካብኡ ኣዝዩ ዝነጸረ፣ ድሕነትን ውሕስነትን ዑቕባ ናይ ዝሓቱ ሰባት ንምሕላው ዝወጸ ኣህጉራዊ ሕጊ ኢዩ። ብኣገላልጻ ናይዚ ኣህጉራዊ ሕጊ እዚ ድማ ዑቕበኛ (Refugee) ዝበሃል፣ ካብቲ ተወሊዱ ዝዓበየሉ ሃገር ዝወጸ፣ ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ሃይማኖት፣ ዓሌት፣ ብሀር፣ ፍልይ ዝበለ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያ ወይ ኣባል ናይ ገለ ማሕበራዊ ጉጅለ ብምዃኑ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ክነብር ዘይከኣለ፣ ወይ ድማ ኣቐዲሙ ወጺኡ ዝነበረ’ሞ ብምኽንያት ፍርሒ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ክነብር ዘይከኣለ ወይ ዘይደለየ ሰብ ኢዩ።

 

ገለ ካብ ቀንዲ መትከላቱ ድማ፦

ዓንቀጽ 4፦ ማዕረ ዜጋታት ናይታ ሃገር ትሕቲ ዕድመ ቖልዑ ምሉእ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክረኽቡ

ዓንቀድ 22፦ እቲ ዝወሃብ ትምህርቲ ክሳብ ዲፕሎማን ዲግርን ዝበጽሕ ምዃኑ

ዓንቀጽ 14፦ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍርሒ ዘለዎ ሰብ፣ ኣብተን ዘዕቁብኦ ሃገራት፣ ምሉእ ብምሉእ መሰሉ ተሓልዩ፣ ካብ ስቓይን ፍርሕን ነጻ ኮይኑ ክነብር። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፣ ብሓገዝ እተን ኣዕቆብቲ ሃገራትን ብተዓዛብነት ው.ሕ ሃገራትን፣ እቲ ዑቕባ ዝሓትት ሰብ፣ ውሕስነት ኣብ ዘለዎ ቦታን፣ ውሑስ ብዝኾነ መንገድን ክነብር ይጽውዕ።

ዓንቀጽ 17፦ እቶም ስደተኛታት ልክዕ ከም ዜጋታት ናይታ ሃገር ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ክዋፈሩን ኣታዊታቶም ከኻዕብቱን

ዓንቀጽ 18፦ ብውልቆም ኣብ ናይ ንግዲ ዓለምን ሸቐጥን ከዋፈሩ ፍቓድ ክወሃቦም

ዓንቀጽ 26፦ ንንግዲ፣ ንስራሕ ይኹን ንኻልእ ጉዳዮም ኣብ ውሽጢ’ታ ሃገር ብነጻ ክንቀሳቐሱ ፍቑድ ክኸውን

ዓንቀጽ 27፦ ወረቐት መንነት ክወሃቡ፣

ዓንቀጽ 28 – ካብን ናብን ሃገራት ዝገሽሉ ወረቓቕቲ (Travel document) ክሕዙ ከፍቅዳ፣

ዓንቀጽ 29፦ ልዕሊ ዜጋታት ናይታ ሃገር ግብርን ቀረጽን ከይስለዓሎም

ዓንቀጽ 30፦ንብረቶም ካብን ናብን ሃገራት ከሰጋግሩ ከፍቅዳ፣

ዓንቀጻት 31 33 ሰባት ካብ ናይ ሞት ፍርሒ፣ ጭካነ፣ ውርደትን ሰብኣውነት ዝጎደሎ መግረፍትን ድሒኖም ብነጻ ክነብሩ ይጽውዕ። ከይትሳቐ ምፍራሕን ዘይውሑስ ሓለዋን ንባዕሎም ኣብ ዓንቀጻት ናይቲ ውዕል እትዋት ኢዮም።

ዓንቀጽ 34፦ ዜግነት ክወሃቦም ከፍቅዳን፣ ነቲ ዜግነት ናይ ምሃብ ስራሕ ከቀላጥፈኦን

ቀንዲ ሕመረትን ዕላማን ናይ ዑቕባ እምበኣር፣ ኣብ ስደት ንዝርከቡ ሰባት ካብ ስቓይን ራዕድን ንምድሓን ኢዩ።

ብዘይካ‘ዚ እቶም ስደተኛታት ኩሉ’ቲ ንቤት ፍርዲ ዝምልከት ወጻኢታት ብነጻ ክሳለጠሎምን ኣብ ኣብያተ-ፍርዲ ትሕጃ ከትሕዙ ከይሕተቱን ይጽውዕ። ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራት ድማ ኩሉ ዝግበኦም መሰላት ይረኽቡ ምህላዎም ክዕዘብን፣ ኣብ ኣተገባብራን ትርጓሜን ናይቲ ዓንቀጻት ይተሓጋገዝን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ

ካብዚ ሓፈሻዊ ኣህጉራዊ ውዕላት ተበጊሰ፣ ናብቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝሰማዕኩዎ ድምጺ ክምለስ። ድሕሪ’ቲ ዓለም ምሉእ ዘሰምበደ ትራጀዲ ደሴት ላምፐዱዛ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቒቦም ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ዘሰክፍ ድምጺ ሰሚዕና። ነቲ ብመራኸቢ ብዙሃን ማለት ብድምጺ ኣመሪካ (voa) ረድዮ ኤረና፣ ሬድዮ ወጋሕታ፣ መስከረም ኔት ክዝርጋሕ ዝቐነየ ድምጾም’ውን ብጽሞና ተኸታቲለዮ። ነቲ ብተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ተቐሪጹ ዝተዘርገሐ፣ ቆልዓ ሰበይቲ ዝበዝሕዎ ከባቢ ሓደ ሽሕ ዝግምገም ህዝቢ ዝተኣከቦ፣ ድምጾም ዘስምዑሉ ሰላማዊ ሰልፊ’ውን ደጋጊመ ርእየዮ። ኣብቲ ሰልፊ ሓደ ነብሱ ጽምእ ዝበለ መንእሰይ መጉልሒ ድምጺ (microphone) ሒዙ፣ ‘ድምጺ ናይ ኩልና ኢዩ’ ንዝበሎ ኣብ ቅድሚ’ቲ እኩብ ህዝቢ ክጭርሕን እቲ ህዝቢ’ውን ደድሕሪኡ ክደግም ተዓዚብና። እተን ብመልክዕ ጭርሖ ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ንማሕበረ-ሰብ ዓለምን ዘቕረቡወን ጥርዓናት እዘን ዝስዕባ ነይረን፦

 

  • ስቕታ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ይኣክል!
  •  ሕቶና ሕቶ ስደተኛታት ኢዩ!
  • ድሕነትን ሓለዋን ይገበረልና!
  • ኣብዚ ዘለናዮ መዓስከር ዝግበር ምንቅስቓስ ሕጋውን ወግዓውን ይኹን!
  • መሰል ዝኾነ ስደተኛ ይከበር!
  •  UNHCR ስማዊ’ምበር ዝግባእ ኣገልግሎት የብሉን!
  •  ዘይሕጋዊ ምጭዋይ ደው ይበል!
  •  ወታደራዊ ትካል ከማሓድረና የብሉን!
  •  ላዕለዎት ሓለፍቲ UNHCR ኣራ ኣብ መንጎና ተረኺቦም ጉዳይና ፍታሕ ይግበርሉ!
  •  ኢትዮጵያዊ ዝሃረሞ ስደተኛ ብUNHCR ተቐባልነት የብሉን – እዚ ድማ ድርብ ወጽዓ ኢዩ!
  • ሕጊ UNHCR ንህዝቢ ይነበብ!
  •  መሰል ደቂ- ኣንስትዮ ይከበር!
  • መሰል ሕጻናት ይከበር!
  • ኣራ (ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን) ሕጋዊ ሓለዋ ክገብረልና ኣለዎ!
  • ጉዳይና ብማስመድያ ይሰማዕ!
  •  ተስፋ ዘይብሉ ጉዕዞ ክሳብ መዓስ!
  • ጥፍኣት ኤርትራውያን ክሳብ መዓስ!
  • ኣብዚ መዓስከር ካርድ ሒዞም ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ይውጽኡ!

           … ክብሉ ድምጾም ኣስሚዕም።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብቲ ብሰኑይ ዕለት 7 ጥቅምቲ ዝዘርግሓቶ ዜና’ውን፣ እቶም ሰልፈኛታት ናብቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ (voa) ደዊሎም እናኣዘራረብዎ ከለዉ፣ ናይ ተኹሲ ድምጽን ኣውያት ቆልዓ-ሰበይትን ተኸታቲሉ ይስማዕ። ናይ ተኹሲ ድምጽን ኣውያትን ዝሰምዐ ህዝቢ ክብተንን ክሕባእን ከም ዝኾነ ርዱእ ይመስለኒ።

ኣብ ካልኣይ ክፋል ድማ ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሪሽን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ብተለፎን ዝገበርዎ ብማስ-ሚድያ ዝተዘርግሐ ጽማቑ ቃለ-መጠይቕን፣ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ርእይቶን ክገልጽ ኢየ።

 

….. ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ክፋል የራኽበና

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
52 COMMENTS
  • Tekluu Gubtaan October 23, 2013

    Dear, have ever been worried, about the Eritreans who are not recognized in Uk ,for what ever reason I am certain you do know about those who are not granted papers for more that 6 – 7 years . You also know about the Ethiopians who have got papers with hired name of Eritreans as they are 90% of all the ones who issued live to remain papers especially in Glasgow 2011 and 2012.
    I meant, what was the point focusing to Ethiopia thousands miles away, a country which permits to live to every one Eritreans ,Sudanis and Somalis in big number may be hundredth fold than uk. Don’t you heard about the ones in Israel ,Sudan and Egypt who are waiting for more that 15 years, to resettle across oceans.Can you just tell us why it worried much about those in Ethiopian while excluding others.
    My core understanding is that ,if lost justice and rights in ur mother country ,its unlikely to grab it easily in diaspora,then lets learn to thank and concentrate to our main problems in Eritrea. We need to avoid blaming,pointing finger to others …this is hgdef’s habit.

  • Zeray October 23, 2013

    We don’t have this kind of complications in the Sudan. But here, we look alike (yes, like Weyane), we speak the same language, we have similar names, we are all poor and want to get out to some Western countries. Therefore, the Ethiopians (mostly from Tigray) go to the border and give their hands to the military and ask refugee status. And mingle with the Eritreans. Leave them alone, at least they are effectively in their own country. Let’s focus on fixing our own problems in Eritrea. I am sure Eritreans would do the same if the situation was reversed.

  • Dawit Meconen October 23, 2013

    Taddese,

    Eritreans must blame no one but ourselves. Even tegaru are blameless; instead of fighting our problem at home, knowing full well their treacherous and muderous nature ,we chose , out of cowardice and shamelessness ,to be their parasites.

    Therefore, shameless and cowardly that we have become, we deserve the inhumane treatment they are inflicting on us. We must understand: For them, the occasion is a pay back time they have been waiting so long.

    And until we pull ourselves with our own bootstraps and take courage to solve our own problems, so long as we stay in their accursed land, we are their captives and thus we must brace ourselves for ever escalating brutalities .

    I am surprised you mentioned International Convention on Refugees but did you forget tegaru are sitting on our land for over ten years in breach of International Law?

    Tegaru have never lived their lives by Law, never ever; Law of the Jungle is what they have been living by. But once greater power is around, they readily become its proxy.

    Remember the General Napier’s collaborator, kasa, who later became king yohannes as a proxy of British Imperialism, and the EPLF’s collaborator, w=o=y=a=n=e, who took power in Ethiopia as EPLF’s proxy but later changed its proxy servility to the highest bidder, the Western Powers, under whose protectorate it is creating havoc in our part of the world.

    • MightyEmbasoyra October 23, 2013

      Dawit,
      You stated “Tegaru have never lived their lives by Law, never ever; Law of the Jungle is what they have been living by” and I was wondering is that the reason why isayas lives without any law? I am just equating if A=B, and B=C, then A=C.
      Just saying.

  • Dawit October 23, 2013

    ክቡር ኣቶ ኣርኣያ ደስታ፡-
    ብጥቅምቲ . 3. 2013 ዓ.ም ዘጋጠመ ሓደጋ ካብ ዓይንን ልብን ኤረትራውያን ሓሊፉ ዓለም ዘሰንበደ ሓቂ እዩ። ንስካ ነዚ ዘጋጠመ
    ሓደጋ ከማና ሰሚዕካዮን ሪኢካዮን ኢካ። ሓዚንካን ኣይሓዘንካን ኢልና ግን ክንዛረብ ኣይንክእልን፤ ምክንያቱ ንፈልጦ ነገር የሎን።
    ብርግጽ ንፈልጦ ነገር እንተሃልዩ “ስቅታካ” እዩ።
    እምብኣርከስ ፡ ንስቕታካ ምርኩስ ብምግባር ንሕና ኤረትራውያን-ኣሜርካውያን ኣብ ኣውራጃ ሶኖማ (ቤይ ኤርያ) ካሊፎርኒያ፡
    እንነብር ነዚ ዝስዕብ ግሉጽ መልእክቲ ከነመሓላልፍ “ግደታና” ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓና እንሆ፡-
    ክቡር ኣርኣያ ደስታ፡
    ንምንታይ ንጽሕፈልካ ከምዘሎና ብከፊሉ ንምብራህ ዝኣኽል፡
    ፩ይ – ብፍታው ይኩን ብዘይ ፍታው ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ከም ወኪል ስለ እትፍለጥ
    ፪ይ – ይውክሎ እየ እትብሎ ህዝቢ ካብ ኣፍደገ ገዝኡ ኣትሒዙ ከይተረፈ ኣደዳ ስቃይን መከራን፡ ሞትን መቅዝፈትን፡ ኮኑ ስለ ዝርከብ
    ፫ይ – ይውክሎ እየ ኢልካ እትምክሓሉ ህዝቢ ትሕቲ ክብሪ እንስሳ ሒዙ ኣብ ምንባር ስለ ዝርከብ
    ፬ይ – ንስካ ንባዕልካ- ወሊድካ፣ ደቅካ ስዒምካ፣ ሓቚፍካ ኣዕቢካ፣ ኣብ ዝብጻሕ ዘብጻሕካ ኢካ፡ በዚ ናይ ሓንቲ ስድራ ክብሪ
    ትፈልጥ ኢካ ኢልና ስለ እንግምት
    ፭ይ – ሕቝፊ ኣዲኦም ዘይጸገቡ ህጻናት ኣደዳ ስደት ኮይኖም ብምርካቦም
    ፮ይ – ብሓጺሩ ነዚ ዘሎ ህሉው ኩነታት ንምግምጋም ናይ ካላእስ ይትርፍ ፡ ብውሕዱ ጸጋ-ዕድመ ጥራሕ ይኣከለካ ኢልና ስለ
    ዝገመትና፡ ነዛ ቅልዕቲ መልእክቲ ከነቅርብ ሓረና
    ኣብ መጨረሻ – ጥፍኣት ደሴት- ላምፐዱሳን ካልኦት ቃላያትን፣ ቀጺሉውን ፍጻሜታት ሲናይን ሰሃራን፣ ጫካን መሮሮን ምክንያት
    ብምግባር ህዝብካ ኣደዳ ኣዋያትን፡ ብክያትን ኮይኑ ኣሎ። መልሲ ናይዚ ሰማይ ዝዓረገ ኣውያት “ይኣክል” ዝብል ድምጺ ሰሚዕካ ኣካሉ
    ክትከውን ትምሕጸን ኣሎካ።
    ነዚ ጸዋዒት’ዚ ረጊጽካ ምስእትከይድ ግን፣ ተገዲድካ ዘይኮነስ ብፍታውካ ኣብዘን ወግሐ-ጸብሐ ዝጠፍኣ ዘሎዋ ንጽሃን ህይወት ኣእዳውካ
    ክረስሓ ሰናይ ፍቃድካ ከምዝኮነ ህዝቢ ፈለጠ። እዚ ዎ ደሓንካ!
    ካብ
    ኣባላት ኮሞኒቲ ኤርትራውያን-ኣሜሪካውያን ኣውራጃ ሶኖማ- በይ ኤርያ – ካሊፎርኒያ ጥቅምቲ 20. 2013

  • gerhi October 23, 2013

    ሰብ ጸውዕ እንተበልኩስ ታደሰ፣ ትፈልጥዎ ዲኩም ኣዚ ሰብ እዚ ንከምስል 3 ጽሑፍ እንተጸሓፈ ብዙሕ ዝእመን ኣይኮነን፣ ሓደሓደ ግዜ ናይ ባህሪ ሽግር ኣሎዎ ኢልካ ዋላ ክትሓልፎ እንተደለኻ ኣዝዩ ልዑል ጥሙሕነት ናይ ስልጣን ዘለዎን ምስ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ዕትብቱ ዘይተባትኸ ሰብ ምኻኑ ምስኡ ንነብር ኢና የዐሪና እንፈጦ ንታደሰ ጽዩቕ ኩርኩር ህግደፍ ተሓቢኡ ጸኒሑ ብዘለዎ ተንኮል ንደለይቲ ፍትሒ ኣብ ምንሻውን ምብትታንን ብዕቱብ ዝነጥፍ ሃሱስ ኢዩ ብዙሕ ኣይግረምኩም ናቱ ባዕልና ንፈልጦ።

    • eritrean October 23, 2013

      Psycho!

    • tadesse kidane October 24, 2013

      Mr. Mrs Gerhi. again come with your name and photo. you are coward. if you know me why not come with name and photo. then you will see the response, not from me, from the people living here. don,t throw stones from dark bushes. if you have a gut again (me-anta enteloka) come with your name and photo, to a day light. then every one will know who you are and you will see the response of your nasty allegation.

      • MightyEmbasoyra October 24, 2013

        Ato Tadesse,
        You need to learn how to ignore those riffraffs comments (I am sure you already know that). He wanted you diverge your energy and time thinking about those negative and useless comments.
        That guy could be wedi gerahtu or someone on the payroll of iseyas, like the meskerem guy.
        keep up with the good work!

    • ERITRAWIT October 24, 2013

      gerhi,
      What are u trying to say so cheap words this is hgdef word aytserhu aytesrhu I think u name it doesn’t suit u change it to hasad metakosy!!!!!!!!!.

    • belay nega October 25, 2013

      gheri

      I do not think Tadesse is HEGDEF,if you do not like him is personal,but try to give devil his due.

  • Desta October 23, 2013

    Dear Tadesse and others,

    I am from Ethiopia and I have only a goodwill to the Eritrean people. I am very sad what I hear about your country and it seems it is going from bad to worse and I can not understand where it went wrong. I sympathize with your people. The recent tragedy in Lampedusa is a moving one not only to Eritrean but to all humankind. I followed it on the media and it is heart renching. I would like to forward my condolences to the victim’s family and to the Eritrean people in general. Having said that, I would like to comment on your article.
    There is no question that the right of refugees should be respected in the host country Ethiopia. Although some Eritrean elits attempt to negate it, there is above all blood and cultural ties among the people of the two countries. People like you are exaggerating this unfortunate incident and loose focus on a more important and broader issue. The people in power have taken Ethiopia (or the CIA or any third party) responsible for all the woes of Eritrea and have used this line of argument as a cover up for their failure, to put it mildely, to govern Eritrea by law. This failed approach using animosity with Ethiopia is unlikely to help you get your friedom back. The Eritrean people do not have any appetite for such cheap propaganda. At least, acknowledge the goodwill of Ethiopia to accomodate the refugees. We know it is doing its level best, although it may not be perfect. Remember that Ethiopia has legitimate security concern (which comes from the mad man Isayas in any form) and I would wait until the full information about the demonstration is known. Please do not use Ethiopia as a scapegoat for every problem and try to address the root cause.

  • Comment October 24, 2013

    BREAKING NEWS!!!
    THERE IS A ROUND UP (GIFA) GOING ON IN ASMARA BY DEMHIT!!! ASSENA PLEASE CONFIRM IT.

Post a Reply to MightyEmbasoyra Cancel Reply