ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ- 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል
ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ 2ይንናይ መወዳእታን ክፋል ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም ኣብቲ ናይ ትማሊ ጽሑፈይ፣ ጽማቝ ሕግታት ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራትን ()፣ ኣብቲ ኣኼባ ብመልክዕ ጭርሖ ዝቐረበ’ሞ፣ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፊልም () ዝተቐርጸ፣ ጥርዓናትን ኣቕሪብ ነይረ።
ዘሰክፍ ድምጺ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራውያን
ኣብ ኢትዮጵያ
2ይንናይ መወዳእታን ክፋል
ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም
ኣብቲ ናይ ትማሊ ጽሑፈይ፣ ጽማቝ ሕግታት ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራትን ()፣ ኣብቲ ኣኼባ ብመልክዕ ጭርሖ ዝቐረበ’ሞ፣ ኣብ ተንቀሳቓሲ ፊልም () ዝተቐርጸ፣ ጥርዓናትን ኣቕሪብ ነይረ። እቲ ትሕዝቶ ሓደን ተኣሳሲሩ ክኸይድ ዘለዎን ስለ ዝኾነን፣ ኣንባባይ ዝተኣሳሰረ ሓበሬታ ክህልዎን ድማ ኢየ ኣከታቲለ ዘቕርቦ ዘለኹ።
ድሕሪ’ቲ ፍጻሜ ኣብ መዓስከራት ማይ-ዓይንን ዓዲ-ሓሪሽን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት ብተለፎን ዝገበርዎ ብማስ-ሚድያ ዝተዘርግሐ ቃለ-መጠይቕ ጽማቑ ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦
“ኣብዚ መደበር ካብ 6 – 12 ዓመት ዝተቐመጡ ስደተኛታት ኣለዉ። ሓደ ሰብ ጉዳዩ (process) ምስ ጀመረ ን4 – 5 ዓመት ይጽበ። መሪሩና፣ ግዜ ነዊሑና። ንደገ ናይ ምኻድ ዕድል ረኺቦም፣ ኩሉ ነገር ፈጺሞም (process ወዲኦም) እናተጸበዩ ከለዉ፣ ‘ጉዳይኩም ተዓጽዩ ኢዩ’ ተባሂሎም፣ ተስፋ ቆሪጾምን ኣንጸርጺሮምን ‘ሃጽ’ ኢሎም ንሊብያን ባሕሪ መዲተራንያንን ከይዶም ኣብቲ ባሕሪ ዝጠፍኡ ኣለዉ። ተስፋ ቆሪጾም ንሱዳን ገጾም እናኸዱ፣ ኣብ ከባቢ ተከዘን ሑመራን ከባቢ 20 ዝኾኑ ሰባት ብውሕጅ ተወሲዶም። ጉዳይና ኩሉ ሓደ ክንሱ፣ ቅቡልን ዘይቅቡልን ተባሂሉ ይፈላለ። ሕቶና ናብ ካልእ ሃገር ክንከይድ፣ ወይ ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ፋሕ ኢልና ክንጣየስ (integrate ክንከውን) ኢዩ።”
“ሰብ ዘጎዓዕዙ ደላሎ ኢትዮጵያውያን ባዕሎም ኢዮም፣ ዝተሓባበርዎም ኤርትራውያን’ውን ኣለዉዎም።”
“እቶም ወታደራት ብዘይ መጠንቀቕታ ኢዮም ተኹሲ ከፊቶም። ማልሻ፣ ፖሊስን ፈደራል ዝበሃሉ ወታደራትን ኣኽቢቦሙና ኣለዉ። ብዙሓት ሰባት ተሃሪሞሙና፣ ዝሞቱ’ውን ኣለዉ። ሓደ ሰብ ብጥይት ተሃሪሙ ሞይቱ። እቲ ዝሞተ ወዲ 14/15 ዓመት ናይ ማ/ደረጃ ተማሃራይ ኢዩ። ሽጉጥን ብረትን ክምንጥል ዝኽእል ኣይኮነን። ወዲ 8 ዓመት ቆልዓ’ውን ዓንዲ-ሕቖኡ ተሃሪሙ ኣሎ። ኣብ ዓዲ ሓርሽ 3 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብጥይት ተሃሪሞም። ብጥይት ዝተሃርሙ ግቡእ ሕክምና ኣይተገብረሎምን።”
“ኣብ ሽግር ኣለና። ዓለም ይስምዓና። ሰልፊ ኣለዓዒልኩም ዝተባህሉ ሰባት ተተኣሪዮም ይውሰዱ ኣለዉ። ‘ተዛሪቦም የስምዑ ኢዮም’ ሓቂ ክገልጹ ይኽእሉ ኢዮም’ ንዝበልዎም ሰባት ኣሲሮም ወሲዶሞም ኣለዉ። ነቶም ኮሚተታት ዝነበሩ’ውን ንኹሎም ወሲዶሞም ኢዮም። ሰብ ካብ ገዛ እናኣውጻእካ ምእሳር ጥራይ ኮይኑ። ነቶም እሱራት ናብ ማይ ጸብሪ ወሲዶሞም፣ ሕጂ መግቢ ክኣትዎም ኣይክእልን ዘሎ። መግቢ ከነብጽሓሎም እንተበልና ኣውቶቡስ ምስፋር ከሊኦሙና። ሕጊ ስኢንና መጺእና ሕጂ ድማ ብዘይ ሕጊ ንህረም ኣለና።”
“‘ሰለስተ ምርጫ ሂብናኩም ኣለና’ ይብሉና ኣለዉ፣- ወይ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕረታ ሕተቱ፣ ወይ ናብ ሱዳን ክንሰደኩም ኢና፣ ወይ ድማ ናብ ሃገርኩም ክንመልሰኩም ኢና’ እናበሉ የፈራርሑና ኣለዉ። ንጠርዓሉ ቦታ የብልናን።”
“ንድሕነተይ፣ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢአ ኢየ’ ዝዛረብ ዘለኹ። ሕጂ’ውን ይመጹኒ ኣለዉ! ይመጹኒ ኣለዉ! ደሓር ክድውለልካ … ።
ደቀ-ንስትዮ ሕጻናት ቆልዑ ደርብየናልና ተሓቢአን ይሓድራ። ሕጻናት ገዲፈናልና ይሃድማ ኣለዋ። ጅሆ ኢና ተታሒዝና ዘለና።”
“እዚ ዘለናዮ ከባቢ ወረዳ ጸለምቲ ኢዩ ዝበሃል። ነቲ ህዝቢ ብጌጋ ኢዮም ኣረዲኦሞም። ትማሊ መባልዕትናን መሳትይትናን ዝነበሩ፣ ሎሚ በባትር ይሃርሙና ኣለዉ። ‘ኣንጻር ልምዓትና ኢዮም፣ ነቲ መለስ ዝጀመሮ ልምዓት ክዕንቅፉ ኢዮም ደልዮም’ ኢሎሞም። እዚ ከኣ ‘ብስምና ኢትዮጵያውያን ይኸዱ ኣለዉ’ ስለዝበልና ኢዩ። ህዝቢ’ዚ ከባቢ ተደናጊሩ ኣሎ። ምስ ህዝቢ (ዓበይቲ ዓዲ) ኣራኽቡና’ ኢልናዮም፣ ‘ኣይነራኽበኩምን’ ኢሎሙና።”
“ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ኢኹም ዘለኹም፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይቕረታ ሕተቱ’ ንበሃል ኣለና። ንሕና ፖለቲካዊ ሕቶ ኣየልዓልናን። ምስ ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ጽልኢ የብልናን።ኣብዚ መዓስከር ዘሎ ብልሽውና ይተዓረ ኢና ዝበልና። ኣብ መደበር ማይ-ዓይኒ ከባቢ 4000 ሰባት ኣለና፣ መዛግብቲ ናይቲ መዓስከር ግን ከባቢ 20,000 ከም ዘለና ኢዩ ዘርኢ።”
“ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝወደቐ ካሪክለም ስለ ዝመሃሩ፣ ተወዳደርቲ ኮይኖም ነጥቢ ከምጽኡ ኣይክእሉን።”
“ትካላት ው.ሕ. ሃገራት (UNHCR, SAVE THE CHILDREN) ካብዚ ቦታ ተሰጒጎም ኢዮም። ንዕኦምን ንኣራን (ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን) ዝምልከት ሕቶታት ፈለሊኹም ኣቅርብዎ’ ኢሎሙና፣ ፈላሊና ኣቕሪብናዮ … ክብሉ መረረኦም ኣስሚዖም።”
ተጣባቒት ሰብኣዊ መሰላት፣ መሮን እስቲፋኖ’ውን፣ ልዕሊ 150 ሰባት ተኣሲሮም ዝብል ሓበሬታ ከም ዘለዋን ካብኣቶም ናይ 47 ሰባት ስም ዝርዝር ከም ዝረኸበትን፣ 4 ሰባት ካብኦም ከም ዝተፈትሑን ትገልጽ። “እቶም ቃለ-መጠይቕ እነግብሮም ሰባት ስለ ዝፈርሑ፣ ‘ስምና ኣይትሕተቱና’ ኢዮም ዝብሉ” ድማ ትብል።
ድምጺ ኣመሪካ እውን ነቲ ኩነታት እናተኸታተለት ንሰማዕቲ ከተቕርቦ ቀንያ።
ካብ ድምጺ ኣመሪካ ነቲ ኩነታት ትከታተል ዝነበረት ምንያ ኣፎርቂ ኢያ። ምንያ ንወኪል ድምጺ ኣመሪካ (voa) ግርማይ ገብሩን፣ ነቶም ኣብቲ መዓስከር ዘለዉ ስደተኛታትን ብተለፎን እናረኸበት ከተዘራርቦም ቀንያ። ንሳ ወኪል ኮሚሽን ስደተኛታት ው. ሕ. ሃገራት (UNHCR) ሓደ ሰብ ተሃሪሙ ከም ዝሞተ፣ ከም ዘረጋገጸላ ገሊጻ። ኣብ ሽረ ዝርከብ ወኪል ናይቲ ኮሚሽን ድማ “እቲ ኩነታት ስለዘይረግአ ንድሕነትኩም፣ ናብቲ ቦታ ክትኣትዉ ኣይትኽእሉን ኢኹም” ከምዝተባህሉ፣ ኣባላት ጸጥታ ክትረክብ ፈቲና፣ ግን ከም ዘይተዓወተት ኢያ ትገልጽ። ኣባላት ኮምሽን ስደተኛታት (UNHCR) እውን ‘ኣብ ዘይተረጋግአ ቦታ ኣቲና ክንርእዮም ኣይከኣልና’ ከም ዝበልዋ ትገልጽ።
ክሱት ገብረእዝግኣብሀር ዝተባህለ ኣፈኛ ናይቲ ኣህጉራዊ ኮምሽን እውን “6 ስደተኛታት ተጎዲኦም ኣለዉ። ኣብ ዓዲ ሓርሽ ሓደ ሰብ ሞይቱ። ክልተ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኣራ ዝተባህለ ትካል’ውን ተጎዲኦም ከም ዘልዉ፣ ኣብቲ ብሰሉስ ዕለት 8 ጥቅምቲ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ይገልጽ። ኣብቲ ቦታ ኣቲኹም ከተተሃዳድእዎ ፈቲንኮም’ዶ? ንዝብለ ሕቶ “ኣብ ማእከል ረብሻ ክንኣቱ ኣይከኣልናን” ይብል። ኣቶ ክሱት ንሕቶ’ቶም ስደተኛታት ኣብ ክልተ ከፊሉ የቕርቦ። ብኣገላልጽኡ
1. ‘ሓለፍትና ይቀየሩልና’ ኢዮም ዝብሉ። እቶም ሓለፍቲ ባዕሎም መሪጾም
ዘደየቡዎም ስለዝኾኑ ድማ ንምውራዶም ጸገም ከምዘይብሉ ይገልጽ።
2. ‘ዳግመ- ምጥያስ ይገበረልና (integrate ንኹን)’ ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። እዚ ድማ
እተን ሃገራት ዝህብኦ ጠለብ እምበር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዝገብሮ
ኣይኮነን … ይብል።
ንሓቅነት መግለጺ ናይ ኣቶ ክሱት ምስቲ ክብ ኢለ ዘርዚረዮ ዘለኹ፣ እቶም ስደተኛታት ዘቅረብዎ ጠለባት ኣነጻጺርካ ክረአ ስለዝከኣል ንኣንባባይ እገድፎ።
ኣቶ ክሱት ኣብቲ ብረቡዕ ዕለት 9 ጥቅምቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ “ንሕና ዘለና ሪፖርት ውሑዳት ኣሸበርቲ ኢዮም” ዝብል ኢዩ፣ ካብኡ ዝሓልፍ ዝርዝር የብልናን” ይብል። ኣቲኹም ከተጻርይዎ ፈቲንኮም’ዶ? ንዝብል ሕቶ ድማ ‘በዚ ዘሎ ረብሻ ሰራሕተኛታት UNHCR ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ኣለዉ’ ይብል። ኣቶ ክሱት ቀጺሉ “ዘዕቆቦም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ፣ UNHCR ኣይኮነን። ብፍላይ ንኤርትራውያን ፍሉይ ጠመተ ከም ዝግበረሎም ኢና ንፈልጥ” ክብል ይምልስ። እቲ ‘ውሑዳትን ኣሸበርትን’ ዝብል ቃል ኣቶ ክሱት ግን፣ ምስቲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ዝረአ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝበዝሕዎ፣ ኣብ ቃልዕ ድምጹ ዘስምዕ ዝነበረ ህዝቢ ዝጠዓዓም ኣይኮነን።
ኣብቲ ብሓሙስ ዕለት 10 ጥቅምቲ ዝገበሮ ቃለ- መጠይቕ እውን፣ እቶም ስደተኛታት ምስ መንግስትን ህዝብን ኢትዮጵያ ዝኾነ ሽግር የብልናን። ሽግርና ምስ ሓለፍቲ ናይዚ መዓስከር’ዩ’ ኢዮም ዝብሉ” ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ “ንሳቶም’ውን ተወከልቲ ኣራን ሰራሕተኛታት መንግስትን ምዃኖም ይገልጽ። ብዛዕባ’ቲ ‘ብስምና ኢትዮጵያውያን ንወጻኢ ይኸድሉ ኣለዉ’ ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ፣ possibility (ተኽእሎ) የለን፣ impossible (ፍጹም) ዕጹው ኢዩ” ይብል። እቲ ስራሕ ብፎቶን ኣሰር ኣጻብዕትን (finger print) ዝተሰነየ ዳታ ቤዝ (data base) ከም ዝተሓዝን እቲ ኣሰር ኣጻብዕቲ ድማ biometric ምዃኑን ክገልጽ ጸኒሑ፣ ኣብቲ መወዳእታ “ሓደ ክልተ ሰብ ክሰሉኽ ኣይክእልን፣ ፍጹም ቀዳድ የለን’ ኣይብልን፣ ግን ጸቢብ ኢዩ” ይብል። ኣቶ ክሱት ኣብቲ ብረቡዕ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፣ ኣብ ዓመት ካብ 200 ክሳብ 300 ሰባት ንደገ ንሰድድ ኢና” ኢሉ ነይሩ። እሞ ቀዳድ ክህሉ ከምዝኽእል ካብ ኣመነ፣ ካብቶም ንወጻኢ ይኸዱ’ኢዮም ዝተባህሉ ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ኢዮም በቲ ቀዳድ ሓሊፎም’ ምጽራይ ዘድልዮ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኩሉ ነገር (process) ወዲኡ ሎሚ ጽባሕ ክኸይድ ክጽበ ጸኒሑ፣ ‘ጉዳይካ (case) ተዓጽዩ ኢዩ’ ክበሃል ግን ዓገብ።
ኣብዚ ኣብ ወጻኢ ሓያሎ ‘ካብ ኣዲስ ኣበባ ብቐጥታ ኢና መጺእና’ ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ንረክብ ኢና። እሞ ስም ናይቶም በቲ መዓስከር ኣቢሎም ናብ ሱዳንን ሊብያን ዝሓለፉ፣ ንብዝሒ ኣስማት ናይቲ መዓስከር ናብ 20,000 ኣደይቦሞ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝሓዙ ደኾን ይኾኑ? ወይስ ናይቶም ክጽበዩ ጸኒሖም ‘ጉዳይኩም ዕጹው ኢዩ’ ዝተባህሉ’ሞ ኣብ ባሕሪ ዝጠፍኡ?
እቶም ኣብ ናይ ትምህርቲ ክሊ ዕድመ ዘለዉ ቆልዑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ‘ግዝይኡ ሓሊፉ ኢዩ’ ኢሉ ብዝጎሓፎ ካሪክሉም ከም ዝመሃሩ ምግባር፣ ኣይቅኑዕን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ሕግታት ኢትዮጵያን፣ ምስቲ ኣህጉራዊ ውዕላትን ዝሰማማዕ ኣይኮነን።
ኩልና ከም እንፈልጦ፣ እዞም ሰባት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዮም ዑቕባ ክህቦም ሓቲቶም። ኣብ ውሽጢ ግዝኣቱ መደበራት ሰሪሑ ዑቕባ ዝሃቦም ድማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ። ኣብ መሬቱ ንዝመጽዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ካብ ግብጺ፣ ሊብያን ካልኦት ሃገራትን፣ ኣብ መሬቱ ኣትዮም ክነብሩ ኣፍቂዱ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዘድሊ ምትሕብባር ክገብረሎም ጸኒሑን ኣሎን። ንገለ መንእሰያት’ውን ምስ ዩነስኮ (UNESCO) ብምትሕብባር ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክመሃሩ ኣፍቂዱ። በዚ ተግባራት’ዚ ዘይተሓጎሰ ሰብ እንተነይሩ ውሑድ ኢዩ። ስለዚ ብፖሊሲ ደረጃ ኣህጉራውን ሃገራውን ሓላፍነቱ ተሰኪሙ። ብፍላይ ከኣ ምስቲ ክህልዎ ዝኽእል ናይ ዓቕሚ ውሱንነት።
ዑቕባ ምሃብን ጽቡቕ ፖሊሲ ምሕንጻጽን ጥራይ ንበይኑ ግን እኹል ኣይኮነን። ነቶም ዑቕባ ዝሃብካዮም ሰባት ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተዉ መሰሎም ተሓልዩሎም ከይፈርሑ ከም ዝነብሩ ምግባር’ውን ካልእ ብድሆ ኢዩ። ብፍላይ ድማ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን ደቂ-ኣንስትዮን። ስለዚ እቲ ‘ሰባት ይጭወዩ ኣለዉ’ ዝብልን፣ ‘ደቀ-ንስትዮ ሕጻናት ቆልዑ ገዲፈን ተሓቢአን ይሓድራ ኣለዋ’ ዝብልን ግን፣ ብዝኾነ መልክዑ ምኽኑይ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ክከላኸል እኹል ዓቕሚ ኣለዎ።
ከምቲ ኣብቲ ብተለፎን ዝገበርዎ ቃለ-መጠይቕ ዝበልዎ፣ ሕጊ ስኢኖም ናብ መሬቱ ዝመጹ ኤርትራውያን፣ ብጥይት ክቖስሉ፣ ዋላ’ውን ጥይት ክትኮሰሎም ቅኑዕ ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ‘ንጠርዓሉ ቦታ የብልናን፣ ብኢትዮጵያዊ እንተ-ተሃሪምካ፣ ብዝተሃረምካዮ ኢኻ ትኸይድ’ ዝብል መረረኦም ግቡእ ቆላሕታ የድልዮ ኢዩ። ከም ስደተኛታት መጠን ኣብቲ መደበራት ክሳብ ዘለዉ፣ ዝእለዩሉ ሕግን ዝዳነይሉ ቦታን ብግቡእ ክፈልጡ ግቡእ ኢዩ። ሕጊ UNHCR ይኹን ምስኡ ተዛሚዱ ዝወጸ፣ ዝእለይሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ክፈልጡ ንዕኦም ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝኾነ ስደተኛ ዝግበኦ መሰል ኢዩ።
እቲ ንብልሽውናን ኣስማት ምድንጋርን ዝምልከት፣ መንግስቲ ከጉድሎን ክቆጻጸሮን እምበር ከጥፍኦ ከም ዘይክእል ርዱእ ይመስለኒ። ሓደ ሕቶ ምስተላዕለ፣ ከጻርዮን ዝግባእ መዕለቢ ክገብረሉን ግን ግቡእ ኢዩ። እቶም ነቲ ጉዳይ ክቆጻጸሩ ዝተመዘዙ ሓለፍቲ፣ ኣካል ናይቲ ሽግር እንተኾይኖም ግን፣ እቲ ሽግር ስለዝተሓላለኽን፣ ነቶም ተበዲልና ዝብሉ ኣፎም ንምዕባስ ካልእ ሽርሕታት ስለ ዝመሃዘሎምን፣ እቶም ግዳያት ናብ ዝበኣሰ ግዳይ ተቐይሮም፣ ኣጸቢቖም ከይብደሉ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፍሉይ ጥንቓቐ ክገብርን፣ ኣተገባብራ ፖሊሲኡ ዳግማይ ክምርምርን ዘለዎ ይመስለኒ።
መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብቲ መደበራት ዘይርጉእ ኩነታት ክፈጥር ድሌት የብሉን ኣይብልን። ካብ ድሌት ሓሊፉ፣ ዶብ ሰጊሩ ዝናኸስ ኣስናን ከም ዘይብሉ ግን ልዕሊ ዝኾነ ወገን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣጸቢቑ ይፈልጥ ኢዩ። ውልቀ-ሰባትን ሰለይትን ከስሉኽ ዝኽእል’ኳ እንተኾነ፣ ነቲ ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ፊልም (video) ዝረኣናዮ፣ ኣብቲ ሰልፊ ዝነበረ፣ ባዕሉ ‘ፎእ’ ኢሉዎ ዝሃደመ፣ ኣሽሓት ህዝቢ ከለዓዕል ግን ዓቕሚ የብሉን። ስለዚ ንሕቶ ናይቶም ሰልፈኛታት ‘ስደትን ሽግርን ዘስዓቦ ጸገም’ዩ’ ካብ ምባል ሓሊፍካ፣ ምስ ፖለቲካን ሽርሕታት ህግደፍን ምትእስሳሩ ግቡእ ኣይመስለንን።
ንነባሪ ናይቲ ከባቢ ‘ኣንጻር ልምዓትና ኢዮም፣ ሻዕብያ ዝለኣኾም ኢዮም’ ኢልካ ምጉስጓስን ግን፣ ኣዝዩ ሓደገኛ ኢዩ። ምስቲ ክንሰምዖ ዝጸናሕና ፖሊሲታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ፈጺሙ ዝጠዓዓም ኣይኮነን።
ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ኢትዮጵያ ኣትዮም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ክገብር ከም ዘለዎ ክነግርዎ፣ ሕጋዊ መሰል የብሎምን። ንሳቶም ንኣተገባብራ ናይቲ መንግስቲ ባዕሉ ዘውጽኦ ሕግታት ኢዮም ዝቆጻጸሩ። ጉድለታት እንተርእዮም ድማ ተመሊሶም ምስቲ ነቲ ሕግታት ዘወጽአ መንግስቲ ኢዮም ዝመኻከሩ። ዝጎደለ እንተሎ’ውን ብዓቕሞም ይተሓጋገዙ። ብኸምኡ ድማ ኢዩ እቲ ስራሕ ዝጸፍፍ። ሽግር ምስ ተፈጥረ ናብቲ ቦታ ከይኣትዉ ምኽልካሎም ግን ዝያዳ ምጥርጣር ዝፈጥር ኢዩ። ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን ድማ ነቲ ዑቕባ ዝሃበ መንግስቲ (መንግስቲ ኢትዮጵያ) ዝጠቅም ኢዩ። ዝተጻረየን ጋድማውን ሓበሬታ ዝህብዎ ንሳቶም ስለዝኾኑ።
ኣብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ፣ ስለምንታይ ሽግር ተፈጢሩ ኣይኮነን። ኣፈታትሕኡ ግን ንሽግር ናይቶም ተሸጊሮም ሃገሮም ገዲፎም ‘ኣዕቁቡና’ ዝበሉ ስደተኛታት፣ መሰረታዊ ፍታሕ ዘምጽእ ክኸውን ንጽበ። ተመሊስካ ተሓተቲ ምግባሮምን ኣብ ውሽጦም ሰራዊት ኣእቲኻ ከም ዝፈርሑን ከም ዝርዕዱን ምግባር ግን፣ ነቶም ተሸጊሮም ዑቕባ ዝሓተቱ ዝያዳ ከም ዝሽገሩ ምግባር ኢዩ። ዝፈጥሮ ኣካላውን ኣእምሮኣውን በሰላን ስምብራትን ድማ ብዙሕ ኢዩ።
ተጨኒቁ፣ ‘መሰል ጎዲሉኒ ኢዩ’ሞ ዑቕባ ሃበኒ’ ንዝበለካ ወገን፣ ድንጋጸን ርህራሀን ዝዓሰሎ ኣተሓሕዛ ክትገብረሉ፣ ልዕሊ ሕግን ኣህጉራዊ ስምምዓትን ዝኸይድ ሰብኣውነት ኢዩ። በባትርን ጠያይትን ክትምልሰሉ ግን ምስ ባህልን ስነ-ምግባርን ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኢትዮጵያን ዝሰማማዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኢየ ዘለኒ ስኽፍታ ብጽሑፍ ክገልጽ ዝተበገስኩ። ነቲ እቶም ስደተኛታት ዘቕረብዎ ጥርዓናት ድማ ብርግኣት፣ ልዙብን ብሕጋውን መንገዲ ሕቶታቶም ክምለሰሎም ድማ ተስፋ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኢዩ።
ታደሰ ኪዳነ
selamawi October 24, 2013
Tahades, thanks what you have said is all true, we thanks your bravery and i hope that this problems be solved by the Ethiopiand. Tegaru in particula need to avoid using Eritreans, and respect thes poor refugee. Its also better that, some figured people from the opposition need to discuss this issue with the Ethiopian Government that they need to respect these refugee who come from the brutal regime of hGDF. However we know that Tgerau in particulare are so horrible, however we thanks them for giving the refugee to stay in their land but they should stop killing refugee and hute monger among the people. The solution of our problems is to fight the brutal regime in Asmera. fighting in the ground is the only choice that our diginity can be back on track.
belay nega October 25, 2013
selamawit
“Its also better that, some figured people from the opposition need to discuss this issue with the Ethiopian Government ”
There is no any so called Eritrean oppositions leader,as counterpart to Ethiopian gov.
Habtom October 24, 2013
Nay lebamat zaraba eyo edma yehabka zalka nekfata ka bezay zekona miglaseka ka meraya hakinateka eyo emo kaselo_
COW FACE October 24, 2013
Respected Tadesse ,
The Ethiopian govt. ,based on it´s principle has saved many Eritreans from being deported from Egypt & other countries to Eritrea & has allowed them to stay in Ethiopia.
While our gratitude to such humanity by an ¨enemy¨ should be without borders & me as one would literally tie Ethiopian people & govt. shoe laces for saving my people ,it does not mean a mistake has not occured at the camps & for the sake of justice & fairly transparent EPRDF´s principle I call upon the federal govt. of Ethiopia to investigate & correct the situation.
God bless Eritrean & Ethiopian people
Selamawit October 24, 2013
Well done Taddese. very wise discourse.
Aman October 24, 2013
There was this demonstration in Boston against the pfdj music show. There was a woman loud voice addressing an elderly woman saying ” you are a mother, how could you, aren’t you a mother, how could you ……..”
This reminded me of my land lady in Asmara. The meanest woman I ever know in my life – Adey Brahana. She to increased the rent every month. She cut the power to our room. She locked the tap water with a key so we wouldn’t use it. She even didn’t allow us to catch the rain water (mai ab jigo) coming down from the roof gutter. Adey Brhana was not the only of her kind. There are thousands in Asmara who are adding insult to injury. Families already struggling to lead a normal life are suffering by these ruthless landlords and land ladies. You come home from long time in ”agelglot” only to find your family in jeopardy.
It was as if I saw Aday Brahana in the Boston video. Do you think Aday Brahana cares how many people died in Lampedusa or Aderser, Gelaalo, Cicilia? Hell no. The likes of her are causing social crisis in the nation causing people to desert their loved ones and the land they call home.
If you think the landlords/landladies are alone, then you are wrong. The greedy businessmen who will sell their wives to their ”Merah Hayli & Merah Botoloni” so long as they get their ”menkesakesi” and bring the price of everything 300% and fill their filthy gut. The Generals whose belly won’t fill no matter how much you stuffed into it and think of the ”agelglot” youth as their private slaves. The Ministers and ”Amehaderti” , the parasites of society. Did anyone say the president? What about him? He is just one individual. Don’t blame him for Adey Brhana, or the greedy ”shekatay” who is selling expired drugs and yoghurt to the people, what about the immigration workers who will speak when they see money bag? Don’t put everything on the president and don’t blame all those mentioned above including Adey Brhana. And it is a shame even to mention a little incident in a refugee camp as a big deal and try to blame ”Weyane” and cry for refugee rights when you can fight for your full Eritrean rights.
The problem is not the president nor are the Generals, the greedy ”negado”, ….the landlady…..etc. The whole Eritrean society is the problem.The Eritrean society created so many ”Frankensteins” who are destroying the very existence of their creator – the society itself. The society relinquished all its rights to these parasites and gave them the power to create socio political economic crisis.
Now blame yourself, ourselves for allowing a ruthless dictator and so many other small dictators to control our lives and destroy a generation. And please don’t point fingers at each other when 350 people died – a generation and a nation is dying because of a dormant and coward society. And “”WE”” are the society.
luna October 24, 2013
The refugee camps in Tigray have accommodated quite a big number. It is natural for some kind of minor skirmishes to happen. We have to be careful not to fan the flames of disagreement within the camp. Instead, see the positive which is happening and think for a minute what the other option could have been. Ethiopia has shown generosity in welcoming these many refugees after Eritreans crossing the border going south.
I am delighted to hear a few lucky Eritrean students were admitted to attend universities in Ethiopia. Few have already graduated successfully this last July. That is a milestone! Such realities help in improving relations among the two people. It is a small start. So, please avoid from commenting with contempt and making the incident look like a major drawback.
The majority in the camps are young Eritreans and our nation can’t afford to lose them. If and when situation in Eritrea changes and a popular government takes over there is no reason why those in camp can’t be repatriated back home. There is no substitute for one’s own homeland. These must be one wish we Eritreans must have in our mind not perpetual displacement and exile. At the same time hope plays a big part in what goes in decisions and choice individuals make.
Think for a minute, what death in Lampedusa has left on the Eritrean mind.
Aman October 24, 2013
What you are saying is too hard a fact for some narrow minded people to swallow. They respect the animals in Libya who treat them in the prisons like another animal. They prefer the Israeli fanatics who call them ”cancers” of society. They bend for the Egyptians who slash them brutally…..
luna October 24, 2013
To Aman:
I like what you wrote and it is very true. The image I have for the ‘ruthless middle men’ seen when looking for a room to rent in Asmara is still fresh with me. I remember the greed, selfishness and uncaring treatment many experience at the hands of this rogue individuals. The ‘Dellalo’ standing the whole day in SHUKKE in front of INDA HABESH super market made me sick. Forget the civil servants who are placed within the bureaucracy who abuse the population to the last. No wonder, young and old Eritreans gave up on Eritrea and chose to flee. As they say, desperate measures bring in desperate results. I hope we now have learnt from our experiences and can tell what is what. Just decide and learn to stand united for a cause.
Many mothers had been implicated for their callous treatment and comments against the youth who is forced to leave his homeland. That is a sad thing to see. Mothers by nature are kind, caring and giving. Instead, some of the mothers we see now are blind and zealous supporters of the regime. The family as we know it is on the verge of disintegration.
fthawi October 25, 2013
tadese kidane ayteqabatr erityrawian ab widit alena eti zehzn ab tegaru mwdaqna eyu nehna metna ena ethiopiawian nmbtana eyom leytin meAltn zserhu plus pia
ERITRAWIT October 25, 2013
I hope the sooner the devil man goes the better before a lot of complications happen.This devil Isaias working hard day and night how to make problem to Eritrean people where ever they go. So my people there is no point to be enemy with our neighbour it want help any one our fist enemy is Isaias we have to get ride of him so we can live peacefully.Thank you brother
Tekluu Gubtaan October 25, 2013
I doubt ,whether the whole content of the article encourages the youth to stay in camps for unlimited time, and drag them to flee instead resisting hgdef at home. You are trying to let them know ,that their difficult can be sorted out in Ethiopia ,ones out side world is aware of or the media pays attention. Was n’t it better to write or share ur ideas how to condemn, fight hgdef then find the solution in their own country. rather than trying to convince them indirectly to stay in adi Harush. If they want to stay there live them alone to face their troubles. Then we will see at the end to whom it will help even if they resettle in usa . if not hgdef