ዕዉት ዑደት ዶክ ተወልደ ተስፋማርያም ወዲ ቫካሮ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም
ዝሓለፈት 14 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን ኣስታት 450 ሰብ ዝኾኑ ወዲ ቫካሮ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ። እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዘካየዶ ሰሚናር ዝሕሰብ
ዝሓለፈት 14 ጥቅምቲ 2013 ካብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ን ኣስታት 450 ሰብ ዝኾኑ ወዲ ቫካሮ ዕዉት ናይ ሓድነት ሰሚናር ኣካይዱ።
እዚ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ከተማታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን ዘካየዶ ሰሚናር ዝሕሰብ ኣኼባ ደለይቲ ለውጢ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም፡ ህዝቢ ንድሕነቱን ድሕነት ሃገሩን ክብል ዘለዎ ጸበብቲ ናይ ውድባውን ፖለቲካውን ፍልልያት ኣወጊዱ ብሓደ ሰሚሩ ንስርዓት ህግደፍ ብምእላይ ቅዋማዊ መንግስቲ ክተክል ጸዊዑ። ዓበይቲ ንመንእሰያት ጽላል ክኾንዎምን መንእሰያት ድማ ልክዕ ከምቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ መዘናታቶም ኣብ ማእከሎም ዘሎ ዘይጠቅም ፍልልያት ኣወጊዶም መሪሕ ተራ ንለውጢ ክጻወቱን ብሓቂ ክውፈዩን ኣዘኻኺሩ። ከተማ ስቶክሆልም ሓንቲ ካብተን ስርዓት ህግደፍ ከም ናይ ኤውሮጳ ደጀን ክጥቀመላ ዝጸንሐ ከተማ ምንባራ ዘይርሳዕ ኮይኑ ደለይቲ ለውጢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ብዝሖም ብቅልጡፍ ናህሪ አንዳ ሰጎመን እንዳ ሰሰነን ይኸይድ ምስ ምህላው ደገፍቲ ህግደፍ ከምቲ ዝድለ ዝለመድዎ ናይ ፈንጠዝያን ጓይላን መድረኾም ክፈሽል ጀሚሩ ኣሎ። ሓደ ናይዚ ኣብነት ድማ ነቲ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ኣብታ ከተማ ብሚስጢር ንደግፍቲ ህግደፍ ኣብ ዘካይዶ ዝነበረ ኣደራሽ ድንገት ብምኻድ እቲ ሚስጢራዊ ኣኼባ ከም ዝፈሽል ምግባሮምን ዝርሳዕ ኣይኮነን።
ኣብቲ ሰሚናር ዝተረኽቡ ልዕሊ ፍርቂ ዝኾኑ ኤርትራውያን ካብ ርሑቕ ከተማታት ናይ ኣስታት ሰለስተ ሰዓትዝኸውን መንገዲ ተጓዒዞም ከም ዝተረኽቡን ኣብዚ ሓጺር እዋን ድማ ወዲ ቫካሮ ዳግማይ ናብታ ከተማ ተመሊሱ ሰፊሕ ሰሚናር ከም ዘካይድን ነዚ ዝካየድ ዘሎ ዘመተ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን ምትሕብባር ኤርትራውያንን ክቕጽል ምእንቲ ምስ ዝተፈላለዩ ጸለዉቲ ኣካላት ና ሃገር ሽወደን ክራኸብ ውጥን ከምዘለዎ ኣብቲ ኣጋጣሚ ሓቢሩ። መርኣያ ናቱ ድማ ሎሚ ዕለት 16 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ምስ ባይቶ ሽወደን ርክብ ኣካይዱ።
ውድቀት ንምልካዊ ስርዓት
ዝኽረን ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ን ውጹዕ ህዝቢ
ኣዳላዊት ሽማግለ ቫካሮ ኮንፈረንስ ስቶክሆሎም
solomon December 17, 2013
You are doing good
Wedi Vacaro keep it up
Solomonï
tesfay December 17, 2013
bihaki tsbuk srah seb ni tarik eyu znebr ember ente znebrelen ente bezeha 100 eyen
Awet Nihafash December 17, 2013
everyone is behind you wedi vacaro,,,please don`t stop until the dictator is gone from OUR ERITREA… VIVA WEDI VACARO
Mesinas December 17, 2013
ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ!
ተስፋ ኣሎና ኣባኻ ኣንታ መድሕን ህዝቢ
ኪትቕንጥጦ ኢኻ ናይ ጥፍኣትና ሰርቢ
ፍትሕን ደሞክራስን ተሓንጊጣ ርግቢ
ኣውሊዕ ተናዲ ኣላ ዝኾና መዕለቢ!
ገዛኢ ድያብሎስ ኣመና ጨኪኑ
ንህዝብን ሃገርን ከዐኑ ሓሊኑ
እናተጓዓዘ ብመደብ ወጢኑ
ኣብ ሃገር ሰማእታት ዓዲ ናይ ጀጋኑ
መዕለብ ርግቢድዩ ኣታ ገረብ ተሳኢኑ!?
መዓስ ተተኺሉ’ሞ መዓስ ዝጸደቐ
እዚ ዕቡይ መላኺ ህዝቡ ዚናዓቐ
ኣይኮነን ንገረብ ሰብ እናጨፍለቐ
ተባዕ ተሳኢኑ *በለው ዚዓጠቐ *ስረ
ብርሃንና ጸልሚቱ ብስውእ ዝበረቐ!
ኣብ ቅርዓት ወጺእኪ ዙርያ ተኸዲንኪ
ሓቂ መሲሉዎ ዕልል እንተ በልኪ
ከየመዛዘነ ውሽጣዊ ሽግርኪ
ተገሪሁ ኔሩ ወድኺ ኣግዲዑኪ
ሰብ ኪኸውን’ዩ ኢሉ ኣገልጊሉ ምልኪ!
ሕጂ ግን እኖሆ ግዜኡ ኣኺሉ
ወድኺ ሓሪኑ ንግጥም ነቒሉ
ናይ ሓድነት ኣጽዋር ከማሂ ዘይብሉ
ናብ ግንባር መላኺ ብድሎ ኣቕኒዑሉ
መግዛእቲ ድያብሎስ ፈጽሚ ክንግበረሉ
ሃየ ደቂ ዓደይ *ዙይን ኣቐብሉ! *ናይ ሬሳ ዓራት
እወ ተዓጢቑ ዓደይ ምእንታኺ
ብሓጐስ *ኪሽናህ ቀሲኑ ልብኺ *ኪፍሳህ
*ጽግድም ኣጥፊኡ መንጣሊ ደቅኺ *ጨቓውት ዚምጥል ሽላ
ከቕስነኪ’ዩ ኣደይ ኣይትንብዒ ኣጆኺ
ዓልልሉ ጥራይ ንዓወት ወድኺ!
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 17/12/2013
ERITRAWIT December 17, 2013
Welcome back to Europe Abona Wedi Vacaro I have a feeling Awet is just around the corner!!!!!!!!
tz December 17, 2013
You doing excellent job !!!!…..Smerrr ….!!!….ONE ERITREA….!!!!!
When are you coming to London? ????
I ♡♥♡ ERITREA
Kereny December 17, 2013
Brilliant Dr Tewolde, you are doing great for my poor country
Hewan December 17, 2013
It is pathetic wedi Vacaro is an impostor, those who bilieve on him will be disppointed very soon. I’m certain most of the audience don’t know him.
saron Bereket December 17, 2013
Gegna Dr Tewolde keep it up, you are our hope for our poor Eritren
Smerr……
kiflemariam December 17, 2013
Abona Wedi Vacaro when are you coming to London we expecting with great Enthusiastic, alewuna & Alewana, TaAwet Abona Wedi Vacaro