Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዕላል ምስ ዓቀብትን ኣኽረርትን ማሪተኛታትን

ኣማኑኤል ሳህለ ዓቀብትን ኣኽረርትን ማሪተኛታትን ክብል ከሎኹ ነቶም ንነገራት ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል ዚደልዩን፡ ንድሕሪት ኪመልሱ ዚደልዩን ሳየንሳዊ ብዘይኮነ መገዲ ኪሓስቡን ኪሓልሙን ዝደልዩን ሰባት እየ ኣብ ኣእምሮይ ስኢለ ዘለኹ። ከምዚ ዝመርገጺኦም ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። እቲ ዝኽተሉዎ መስመር ኣተሓሳስባ

ኣማኑኤል ሳህለ

ዓቀብትን ኣኽረርትን ማሪተኛታትን ክብል ከሎኹ ነቶም ንነገራት ከምቲ ዘለዎ ኪቕጽል ዚደልዩን፡ ንድሕሪት ኪመልሱ ዚደልዩን ሳየንሳዊ ብዘይኮነ መገዲ ኪሓስቡን ኪሓልሙን ዝደልዩን ሰባት እየ ኣብ ኣእምሮይ ስኢለ ዘለኹ። ከምዚ ዝመርገጺኦም ኣዕሩኽ ኣለዉኒ። እቲ ዝኽተሉዎ መስመር ኣተሓሳስባ ወይ መጎተ ደስ ዚብሎም ግዲ ኾይኑ፡ ኣብቲ እነካይዶ ክትዕ እንሓንሳእስ ደስ ከይበሎም እዮም ዚሰምዑኒ። ’ከምቲ እንደልዮ ክንሓስብ ግዳ ዘይትገድፈና፡ ብሳይነስ ጌርካ ነቲ ኬፍና (ደስ ዘብለና ኩነታት) ተበላሽወልና ኣሎኻ’ ዚብሉ እዮም ዚመስሉ።

ንኣብነት ጸሓይን ዕምባባን ንውሰድ። ኣብራሃ ዓርከይ (እተማህዘ ስም እዩ) ጽሓይ ክትዓርብ ከላ ኪስእላ እዩ ዚደሊ። ዕራርቦ ጸሓይ ደስ እዩ ዚብሎ። ስለምንታይ ዕራርቦ ጸሓይ ሕብርታት ከም ዚፈጥር ግን ኪፈልጥ ኣይደልን። ዘድልዮውን ኣይመስልን፡ ከመይሲ ንሱ ኣብ ስነጥበብ እምበር ኣብ ሳየንስ ተገዳስነት የብሉን። ብዛዕባ ስፐክትሩም ወይ ወይቭለንግስ ወይ ድማ ጸሓይ ኑክለስያዊ እቶን ወይ ፎርኖ ምዃና ክገልጸሉ ከለኹ፡ ሓቂ ምዃኑኳ ይፈልጥ እንተ ኾነ፡ ንሱ ንጸሓይ ከም ወሃቢት ብርሃንን ምቖትን ከም ፈጣሪት ዕራርቦን ኣቝጽልትን ዕምባባታትን ገይሩ እዩ ኪሓስባ ዚደሊ። ሓቁ እዩ። ግን ብመገዲ ፍልጠት ክንጎዓዝ እንተ ዄንናስ ሓቁ ድማ ኣይኮነን። እቲ ሓቅስ፡ እቲ ጸሓይ ኑክለስያዊ ፎርኖ ወይ እቶን ከም ዝኾነት ዚሕብር ሳየንሳዊ መግለጺ እዩ።

ዕምባባውን ብወገኑ ምስቲ ኩሉ ጽባቐኡን ስልማቱን፡ ነቶም ንኺፋረ (ፖሊነሽን ከካይድ) ዚሕግዙዎ ንህቢ ንምስሓብ ደኣምበር፡ እቲ ሕብርታቱን ስልማቱንሲ ካልእ ዕላማ የብሉን። እቲ ንፈታዊቱ ዕምባባ ሒዙላ ዚኸይድ ኣፍቃሪ ግን፡ ብዛዕባ ፖሊነሽን ይኹን ብዛዕባ ንህቢ፡ ወይውን ብዛዕባ ባየሎጂካዊ ወይ ኢቮሉሽናዊ ዕላማታት ዕምባባ ኪሓስብ ኣይደልን። ንኣኡ ዕምባባ ማለት ናይ ፍቕሩ መግለጺ ፍጥረት እያ።

ኣነ ብወገነይ ነቶም ኣብ ጸሓይ ሳየንሳዊ ትንተና ዘይኮነስ ስምዒታዊ ርእይቶ ዘለዎም ኣይነቕፎምን፡ ከመይሲ ወድሰብ ብተፈጥሮኡ ምስ ከባቢኡን ዙርያኡን ተሳኒዩ ኪነብር ስለ ዝደሊ፡ ንኹሉ ፍጡር ከም ብጻዩን መናብርቱን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዓቃቢኡን ገይሩ ኢዩ ኪወስዶ ዚመርጽ። ነቲ ብኣእምሮኡ ገይሩ ኪርዳኦ ዘይክእል ነገራት ድማ ወይ ይምክተሉ ወይ ድማ የምልኾ። ኪምርምሮ ግን ኣይደልን።

እዚ ከም ኣብነት ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ኣገባብ ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ምስ ዓለምናን ምስ ሰብን ምስ ኩነታትን እንገብሮ ርክባትውን ይጸልዎ እዩ። ወድሰብ ብኣተሓሳስባኡን ኣረኣእያኡን እዩ ንከባቢኡ ኪጸልዎን ኪልውጦን ዚኽእል። ኣከባቢ ንሰብ ይልውጦ እዩ፡ ሰብውን ብወገኑ ንኣከባቢኡ ይልውጦ። እዚ ናይ ሓድሕድ ምጽልላው ከኣ እዩ ምዕባለ ወይ ለውጢ ከምጽእ ዚኽእል። እቲ ኣከባቢ ጥራይ እንተ ጸልዩ፡ ምዕባለ ኣይርከብን። እቲ ኣተሓሳሳብ ጥራይ እንተ ጸልዩ ድማ (ማለት ነቲ ኣከባቢ ብምርሳዕ) እቲ ምዕባለ ነዊሕ ኣይከይድን። ክልተኡ ምስ ዚጸላሎ ግን ዘላቒ ምዕባለ ኪህሉ ይኽእል።

ተኽላይ (እተማህዘ ስም እዩ) ኣብ ጸሓይ ኮይነ ክበልዕ ርእዩኒ። ኣብ ጸሓይ ኴንካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኮነን ዚብል ርእይቶ ኣለዎ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ካበይ እዩ ኣምጺኡዎ? ምኽንያቱ ምስ ሓተትኩዎ፡ ከምዚ ዝበለ ርእይቶ ኣብ ኩሉ ቅቡል ምዃኑ ገሊጹለይ። እሞኸ ኩሉ ሰብ እንተ ተጋገየ ክትእርሞ ኣይግባእን ዲዩ ብምባል መሊሸሉ። ወድሰብ ኣብ በዓቲ ኪቕመጥ ከሎ፡ ሃዲኑ ኪበልዕ ከሎ፡ ኣብ በረኻ ኮፍ ኢሉ ዓጽሚ ኪግህጽ ከሎ፡ ጸሓይ ኣብቲ መግቡ ኣይትዓልብን ድያ ነይራ? ዚብል ሕቶ ኣቕሪበሉ። ተኽላይ፡ ምስቲ ውሕጅ እዩ ኪኸይድ ዚደሊ። ኣንጻር ውሕጅ ወይ ማሪታዊ ባህሊ ወይ እምነት ምኻድ ካብቲ ሕበረተሰብ ዚንጽሎ እዩ ዚመስሎ።

ኣብ ዓለምና ምንቅጥቃጥ መሬት ይበዝሕ ኣሎ ዚብል ዜናውን ኣቕሪቡለይ። እንታይ ኮን ይኸውን ምኽንያቱ፡ ብምባል ተወኪሰዮ። ሓጢኣትና በዚሑ ከይከውን ብምባል መሊሹ። ኣብ ሰብ ዘይብሉ በረኻታሲ የንቀጥቅጥ እንዲዩ ኢለዮ። ወድሰብ ኣብ ሓደ ሸነኽ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ኣብቲ ንሱ ዘይነበረሉ ካልእ ሸነኻት ምንቅጥቃጥ ምድርን እሳተጎመራን ኣይነበረን ዲዩ?

ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ሓደጋታት ቀጻሊ ብዜና ከም እንሰምዕ ገይሩና ዘሎ ምኽንያት ኣብዚ ግዜዚ ከም ተለቪዥንን ሞባይልን ራድዮን መጽሔታትን ኢንተርነትን ካልእ ናይ ሓበሬታ ኣውታራትን ኣብ ኩሉ ተዘርጊሑ ስለ ዘሎ ኣብ ዝኾነ ኩርናዓት ዓለምና ዚኽሰት ፍጻመታት ኣብ ገዛና ኴንና ንሰምዖን ንከታተሎን ስለ ዘሎና እዩ ኢለዮ። ብምቕጻል ከኣ፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረ ከተማታት ኣብ ጥቓ ብጥንቲ ዘንቀጥቅጥ ዝነበረ መሬታት ይስራሕ ብምህላዉ፡ እቲ ቦታ ከንቀጥቅጥ ከሎ እቲ ከተማ ድማ ይልከም…. እቲ ምንቅጥቃጥሲ ካብ ጥንቲ ነይሩ እዩ….ስርሑ ድማ ኣየቋርጽን ኢለዮ። ተኽላይ ግን ትንተናን ምፍራስ ማሪታዊ መትከላትን ደስ ዚብሎ ሰብ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይቲ ዝለመዶ እምነትን ናይ ኣተሓሳስባ ምልድን እዩ ባህ ኢሉዎ ኪነብር ዝደሊ።

ምርምር ንኣእምሮ የናውጾ እዩ። በቲ ልምዳዊ ርእይቶ ምጕዓዝ ግን ንኣእምሮኻ ብህድኣት ይመልኦ። ይኹንምበር፡ ዕቤትን ምዕባለንሲ ብነውጽን ቃልስን ክርክርን ክትዕን ደኣምበር ብናይ ኣእምሮ ድቃስን ናይ ምሕሳብ ትህኪትን ኣይመጽእን።

ንሕና ከምዚ ኢና ንሳቶም ከምዚ ኢዮም…ዚብል ኣዘራርባ ድማ ኣሎ። ተኽሉ (እተማህዘ ስም እዩ) ከምዚ ዓይነት ዘረባ ይፈቱ እዩ። እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ክፉኣት እዮም። እዞም ዓሌት እዚኦም ዓያሹ እዮም….ወዘተ። እቲ ክፍኣት ከም ናይ ኮምፕዩተር ፕሮግራም ዲዩ ኣብቲ ደሞም ተመሊኡ? መንዩኸ መሊኡዎ? ብምባል ሓቲተዮ። ኩሉ ህዝቢ ወይ ዓሌት መምዓልቱን ዘዘመኑን ኣለዎ። ኣብ ሓደ ዘመን ገርህታት ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣብ ካልእ ዘመን ጎራሓት ኮይኖም ይጸንሑኻ። እቲ ኩነታት እዩ ከምኡ ዚገብሮም። ንሕና ከም ኤርትራውያን መጠን ድሕሪ ሕጂ ንዕሹዶ ይመስለኩም? ክሳዕ ሕጂ ገርህታት ህዝቢ ኢና ኔርና፡ ግን ጭቆናን መከራን ክሕደትን ተደማሚሩ ድሕሪ ሕጂ ተጠራጠርትን ጥንቁቓትን ከም እንኸውን ኪገብረና እዩ ዚብል ግምት ኣሎኒ።.

ኩሉ ነናቱ መበገስን ምኽንያትን ኣለዎ። ካብ ሰማይ ዱብ ኢሉ ዚመጽእ ለውጢ የልቦን። ናይ ወድሰብ ዓወት ኣብ ሓበሬታን ትልምን ምውዳብን እተመስረተ ደኣምበር ኣብ ስምዒትን ማሪትን ኣጉል እምነትን እተመስረተ ኣይኮነን።

ሓደ ካብቶም ብጾተይ ከምዚ ኪብል ሰሚዐዮ። በዓል እከለ እኮ ኣብ ውግእ ዝሰዓሩ ንፋስ ስለ ዝሓገዞም እዩ። ናይ ኵናት ስልቲ ከም ዘሎ ጠፊኡዎ ዲዩ? ስትራተጅን ጥንቃቐን እኹል ሓበሬታን ከቢድ መጽናዕትንከ ንመን እዩ ኪህቦ ደልዩ? እሞ ብንፋስን ትክን ጸሓይን ዓወት ዚርከብ እንተ ኾይኑ ደኣ፡ ናይ ኲናት ምድላው እንታይ ኣድለየ? እከለ እኮ ቤትመሸጣኡ ከም እትኸስር ዝገበራ ናይ ገለ ሓሳዳት ዓይኒ እዩ። ናቱ ሕመቕ ኪትንትኑዎ ኣይደለዩን። ከምቲ ሓደ ነጋዳይ ብግዜ ጾም ጸባን ውጽኢት ጸባን ዚብል ትካል ከፊቱስ፡ ምሻጥ ምስ ኣበዮ፡ ዓይኒ ሓሳዳት እንድዩ በዚሑኒ ዝበለ፡ መብዛሕትኡ ሰብ ንኹነታት ብስነሞገትን ብሳየንሳዊ መገድን ኪትንትኖ ኣብ ክንዲ ዚፍትን ናብ ማሪታዊን ሓሳባውን መግለጺ እዩ ዝጎዪ። ከምዚ ዝበለ ኣተሓሳስባ ድማ ንነዊሕ ከኺደካ ኣይክእልን። ኩነታት ብስነመጎታውን ብሳየንሳውን ትንተና ደኣምበር ብስምዒት ኪረአ ኣይግባእን።

ስለምንታይ እዩ ግን ወድሰብ ናብ ማሪታውነትን ስምዒትን ናብ ሓሳብውነትን ዚጎዪ ወይ ዚዝምብል። ብናተይ ኣረኣእያ፡ ስምዒትን ሓሳባውነትን ብዙሕ ሓንጎላዊ ጸዓት ዘድልዮ ኣይኮነን። ስለዚ ከምቲ ሓደ ፈሳሲ ኣብ መሬት ምስ ተኻዕወ ነቲ ዝወሓደ መሰናኽል ዘለዎ መገዲ ደልዩ ዚጎዓዝ (ዘ ፓዝ ኦቭ ሊስት ረዚስታንስ) ኣእምሮ ወድሰብ ድማ ነቲ ዝወሓደ መሰናኽል ዘለዎ መገዲ እዩ ኪወስድ ዚደሊ። ሳየንሳዊ ወይ ስነመጎታዊ መገዲ ክትክተል ከሎኻ ግን፡ ነቲ ኣእምሮኻ የድክሞ እዩ። ዝያዳ ባትሪ ትጥቀም ኣሎኻ ማለት እዩ። በዚ ምኽንያትዚ ድማ ናይ ማሪታውን ከንቱ እምነትን መገዲ ትወስድ።

ንኣብነት ሓደ እተማህረን ሓደ ትምህርቲ ዘይብሉን ሰብ ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ንበል። መብዛሕትኡ ግዜ (ብፍላይ ኣብ ብዙሕ ዘይማዕበላ ሃገራት) እቲ ዘይተማህረ እዩ ዝያዳ ዚዕወት። ምኽንያቱ፡ ኣሰራርሓኡ ኣብ ዕዉር እምነትን ስምዒትን ዝዘምበለ እዩ። ብዙሕ ኪመራመር ኣይደልን። ብዙሕ ኪትንትን ኣይደልን። ነቲ ነገር ጠኒኑ ምስ ኣተዎ፡ ወይ ክብ ወይ ግብ ምባል ኣይተርፎን።

እቲ ምሁር ግን ብማራ ትንተናን ምርምርን ነቲ ጉዳይ ኪኣትዎ ኣይደልን። ኣይህብትምን። ግን ኣይከሰርን ከኣ። ገንዘቡ ሒዙ ናብ ዝማዕበላን ዝማዕበለ ናይ ዕዳጋ ስትራተጂ ዚኽተላን ሃገራት ከይዱ ዋኒኑ የካይድ። ንኺህብትም ወይ ንኺዕወት ዘለዎ ዕድል ግን ብዙሕ እዩ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ኣቦታትና ምሁር ይቕተለኒ ኪብሉ ከለዉ፡ እቲ ምሁር ወላኳ እንተ ተጋገየስ፡ ምኽንያት ኪህሉዎ ይኽእል እዩ፡ ስለዚ በደሉ ተኣሚኑ፡ እቲ ዚግባእ ንምግባርውን ልቦና ኣለዎ ማለቶም ኪኸውን ስለ ዚኽእል፡ ኣብ ኩሉ ስራሕና ተግባርናን ሓሳባትናን ነቲ ኣእምሮ ዚደፍን፡ ፈላላዪን ተጻዋርነት ዘይብሉን ስምዒትን ማሪትን ከንቱ እምነትን ከነጥፍእ ክንጽዕር ይግባእ።

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • fthawi May 6, 2015

    ኣማኒኤል ሳህለ
    ተማሃራይካ ኣይነበርኩን ቡዙሓት ሰባት ከድንቁካ እሰምዕ እየ ካብ ሕጂ ንንዮው ተማሃራይካ ኮይነ አለኩ
    ናይ ብሓቂ ዓቢ መምህር ኢካ ብውሕሉል ኣገባብ ናይ ምርዳእ ክእለትካ ሐያል እዩ ንአእምሩኡ ከፊቱ ክካታተለካ ንዝደሊ ብቐሊሉ ከተረድእ ትኽእል ብልሓተኛ ሰብ ኢካ

  • ertra n ertrawyan May 7, 2015

    ብጣዕሚ ጽቡቕ ትንተናን ፍልስፍናን ኢኻ ጽሒፍካ። ልዕሊ ኩሉ ኣብ ጽሑፍካ ንኹሉ ሰብ ፡ ማለት ምሁር ይኹን ዘይተማህረ ብማዕረ ዘረድእ ቃላት ኢኻ ትጥቀም። ብዙሓት ጸሓፍቲ ብ ኣዝዩ ከቢድ ቃላት ጌሮም ኢዮም ሓሳባቶም ዝገልጹ። እቲ ዘይተማህረ ወይ ውን ናይ ቃላት ሕጽረት ዘለዎ ሰብ ድማ ነቲ ጽሑፎም ብይኸውን ጽቡቕ ጌሩ ከይተረድኦ ይሓልፍ። ስነፍልጠታውያን ምሁራን ክመኽሩ ከለዉ ክትጽሕፍ ከለኻ ኣዝዩ ቀሊል ቃላት ተጠቂምካ ጽሓፍ ኢዮም ዝብሉ። ብኣይ ወገን ድማ ዕላማኻ ኢዩ ዝውስኖ። መልእኽቲ ከተምሓላልፍን ወይ ህዝቢ ክትምህር እንተድኣ ደሊኻ ብ ንኽትርድኦ ቀሊል ዝኾነ ቃላት ጽሒፍካ ንኹሉ ክትምህር ይሓይሽ። እንድሕሪ ንህዝቢ ከተዋጥር ወይ ክእለትካ ከተርኢ ደሊኻ ግና ዝመረጽካዮ ቃላት ክትጥቀም ትኽእል። ስለዚ ናትካ ኣጸሓሕፋ ብ ስነፍልጠት ዝተደገፈ ኣጸሓሕፋ ኢዩ። ቅድም ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ እትጽሕፋ ዝነበርካ ዓምዲ ኩሉ ግዜ ኢየ ዘምብባ ኔረ። ጽሑፍካ ናብ ፍልስፍና ዝዛዘወ ኮይኑ ስለዝረኽቦ ኩሉ ግዜ ብታህዋኽ የምብቦ። ናይ ብሓቂ ምሁር ኢኻ። ብዙሓት ጽሓፍቲ ከማኻ ነቲ ህዝቢ ዘጽንት ዘሎ ስርዓት የገልግሉን ይጉስጉሱን ኣለው ስለዚ ብዛዕባ እዚኦም’ስ እንታይ ምበልካ? ናይ ብሓቂ ድዮም ምርዳእ ስኢኖሞ ነቲ ስርዓት ወላስ ክድዓት ኢዩ። ብዝኾነ እንቋዕ ህዝብኻ ወነነካ እንቋዕ ኣጎዛ ውልቀመለኽቲ ኣስመራ ኣይኮንካ ይብለካ። ስለዚ ዓቢ መምህር ህዝብና ኢኻ እሞ ቀጽሎ ንፈትወካ ኢና።

  • Dala Ksha May 7, 2015

    Amaneul
    You are the best,we are very lucky to have you in assena.i have been reading your article since you were writing in Haddas Eritrea,please keep writing this is the time your people need you.

  • Nabil May 7, 2015

    Selam
    Amanuel
    I really enjoyed reading your piece. It made my day. Critical thinking coupled with a thorough discussion. Extremely provoking piece. Memhere Amanuel … ember memhere! I am your admirer.

  • Solution May 7, 2015

    This is a good article. But science alone will not solve mankind”s problem. You always think as if science could do a miracle in changing and solving man’s problem. S

  • Simon G. May 7, 2015

    ምኽሪ ለባምት: ኣማኑኤል!
    ስለምንታይ ዲና ኣብ ውግእን ሁከትን ኮይና ተሪፍና? ስለዘይንሓስብ ‘ኳ ‘ዩ። ብናተይ ትዕዝብቲ: ካብ ምንባብ: ቤላ-በለው ንመርጽ። ኣብ ክንዲ ስለምንታይ ንብል: ስቕ ኢልና ንቕበል። ክንፈላሰፍ ግዜ ነጥፍእ ኔርና ‘ተንኸውን: ግዳይ ‘ዞም ጸማማት ህግደፍ ኮይና ኣይምተረፍናን።
    ህዝቢ ኤርትራ ምስ እዝኑ ጸሚሙ ኢሎም ዝሰብኩ እንተዝበዝሑ ኔሮም: ቁሩብ ክንሓስብ ምጀመርና ኮይኑ ይስመዓኒ። ግን: ነንሕድሕድና ክንነኣኣድ: ንሕና ፈላጣት! ንሕና ገርህታት! ንሕና ለዋሃት! ክንብል: ኣብ ባይታ ዘየለ ብምውድዳስ: ንጸንናዕ። ሃገርን ህዝብን እንዳጠፈአ: ከምዘይናትና: ኣስቅጥ። ንኺድ ጥራይ!

    • rezen May 8, 2015

      “ንኺድ ጥራይ!” so concludes my good friend Simon G. And I have a question: “ናበይ ገፅና?” 🙂

      Let me narrate a little story. As every one knows, Issayas (in the early stage of his visible dictatorship) had the proud habit of taking the Turtle as an example of taking things slowly but assuredly. A shrewd observer expressed his reaction to a friend (sotto voce, of course)– not to disturb the tranquillity of Eritrea!!!

      He said: “ንሱስ ኣምበይምኸፍአን፥ ግና እቲ ኣባ-ጎብየ ናበይ ገጹ እዩ ዝኸይድ ዘሎ? እዩ ኣቲ ሕቶ!!1”

      Eritrea has a very long, long, long way to go >>> after finding its way, of course. By the way, Simon G, I fully agree with every word you wrote in your commentary.

  • WaEro May 7, 2015

    I’m glad to have memhr Amanuel here in Assenna. Please keep on writing memhr.
    We all are learning a lot from you.

  • wedi wedeba mushmush May 8, 2015

    thanks for the best article again memhire Amanuel …..
    I have some questions if u r willing to answer…
    1) I have been attending so many meeting led by opposition (deleyti ftihi), we haven’t done much except cursing the regime . what could be the potential goal of a struggle far away from homeland ?
    2) obviously issayass is not the only individual who is destroying our country, last month my close relative at a rank of coreniel visited here believes issayass is the only person who is able to lead Eritrea and defend his crimes . I could read the same ideology…do u think we can achieve a healthy society post issayass Era

    • AHMED SALEH !!! May 8, 2015

      I find your first question very interesting which bothered many of
      us to find an answer . And it was nice if Memhr Amanuel respond
      with his broad long term knowledge where we the majority lack .
      In my opinion , the problem with the opposition group is their reluctance to identify and conquer the negative influences which
      broke Eritreans UNITY .
      Unless we as a nation stop these nonsenses of suspicion and
      mistrust among each other , opposition verses HGDF , okay ,and then the funny part our wanna be opposition verses another opposition ; the whole scenario brings confusion , despair to lead
      the people on a journey without focused destination . And until
      our people find someone who can represent their desire for credible and legitimate people’s government , obviously there is
      no alternative choice except to prefer HGDF stay in power .
      Do not forget people inside the country want assurance for their
      lives and it seems there is none to deliver at this moment .

  • Baduri himedin May 8, 2015

    Simply inspirational article. old believes have to be changed and rationalized by current and scientific thoughts.
    Thank you Memhir Amanuel

  • merhawit May 8, 2015

    A mix of metaphysical conceit and positive mannerism. A narrative with no boring platitudes, indeed enchanting. We know Amanuel Sahle has a broader intellect than what could be illustrated by the piece above, but may one be granted the freedom of expression to speculate here that what he had in mind when tailoring the piece was the average man as his main audience?

    • Simon G. May 9, 2015

      መርሃዊት:
      ብኣመላልሳኺ ቀኒአ። ዘይቀንእ ኣይወለድ ድዩ ዝበሃል ሓቀይ?

      • merhawit May 9, 2015

        My dear Simon,
        Many thanks for the compliment. Flattering to be commended by such an esteemed brother. Have a nice day!
        Merhawit

POST A COMMENT