Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብ!! ዓገብ!! ዓገብ!!

ክብርን ዋጋን ርዝነትን መዓልቲ ናጽነት ሃገርና፣ ንዓና ኤርትራውያን ኣብ ዝዓለምናዮን ዝመደብናዮን ምዕራፍ ዝበጻሕናላ ናይ ምርጫና ጭብጢ እያ።ንዓለም ድማ ምእማኑ ዘሸግር መስተንክር ቅያ ሓርበኛታትናን ጀጋኑናን ኢዩ ኔሩ።እቲ ምንታይ ንሕና ከም ጻጸ፡ግዝፊ ጸላእትና ብዓይኒ ሓይሊ ሓርማዝ ኣብ

ክብርን ዋጋን ርዝነትን መዓልቲ ናጽነት ሃገርና፣ ንዓና ኤርትራውያን ኣብ ዝዓለምናዮን ዝመደብናዮን ምዕራፍ ዝበጻሕናላ ናይ ምርጫና ጭብጢ እያ።ንዓለም ድማ ምእማኑ ዘሸግር መስተንክር ቅያ ሓርበኛታትናን ጀጋኑናን ኢዩ ኔሩ።እቲ ምንታይ ንሕና ከም ጻጸ፡ግዝፊ ጸላእትና ብዓይኒ ሓይሊ ሓርማዝ ኣብ ዝተጠመተሉ  መድረኽ ብሳላ መሪር መስዋእትናን ጽኑዕ እምነትናን ካብቲ ብዓሎቕ ዓመጽቲ ተኖቒትናዮ ዝነበርና ሰልሚ፡ማይ ምዃንና ኣእሚንናዮም፡ንሕና ምዃንና ክንፍለጥ ድማ ካብቲ ማይ፡ከም ዘይቲ ተፈሊና ንሕናን ምስልናን ክኣምኑ ርኢናዮም።እቲ ዘይክኣል ዝመስል ኣብ ኤርትራዊ መትከል ተኻኢሉ፡እቲ ይኽእልየ ዝብል መንፈስ ውጹዕ እንታይ ዘየኽኣለ።እምነት ገድልናን መስዋእትናን ንዓለም ዝስዓረ ዕጹብ ምስጢር ኢዩ።ቅዱስ ፍቓድ እግዚኣብሔር ኮይኑ፡ነቲ ጽንኩር ኩነታት በዲሆም፡ ዕምቆት ሃረርታ ባህግናን ኣንቢቦም ክውንነት ንኽለብስ፡ንኽነብሩ ዘይኮኑስ ንኸንብሩና፡ንኽሪኡ ዘይኮኑ ብዋጋ መስዋእቶም እታ ንዓና ክብሉ ዘፍቀሩዋ ናጽነት ንኸርእዩና፡ እወ፣! ንሕልምና ጋህዲ ንጸልማትና ድማ ተራቲዐምሉስ ብቐደድ ዝብል ብርሃን ቀትሪ ተኪኦሞ፡እቶም ስለርሓትና ከም ሽምዓ መኺኾም ብርሃን ዝዓደሉና ሰማእታት።በዚ ክቡር ኣጋጣምን ዘይበርስ ታሪኾምን ድማ ነዞም ወትሩ ኣብ ልብና ልቢ ኤርትራውያን ናይ ሕልና ሕግን ሓወልቲ ወለዶታትን ኮይኖም እናተዘከሩን እናተኸብሩን ዝነብሩ ሰማእታትና ክብርን ሞጎስን ይኹኖም። 24 ግንቦት ኣብ ማህጸን ባህጊ ህዝቢ ተጠኒሳ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጻዕረ መስዋእቲ ዝሓለፈ ገድሊ ኤርትራውነት ወሊዱዋ ኢዩሞ፡ንዘልኣለም እናተዘከረት ብኽብሪ ክትነብር ኢያ።

እቲ ዝኽሪ ግን ዘሎ ባይታ ዝፈጠሮ ደኣ እምበር፡ኣብ ኔራ ዝትሓጽረን ዝተሞርኮሰን  ክኸውን ኣይግባእን።ኤርትራ ብጓይላን ዳንኬራን ዓወት ተጎናጺፋ ዝብል ኣብ ገጽ ታሪኽ ዘንበብናዮ ይኹን ብኣፈታሪኽ ዝሰማዕናዮን ንፈልጦን ዛንታ የለን። ክንዲዝኾነ ድማዩ ንናጽነት  ግድነት ዲና ብጓይላን ዳንኬራን ክነሕልፋ? ዝብል ሕቶ ኣብ ውሽጥና ዝፍጠር።ፍረ መስዋእቲ ትርጉሙ ንኤርትራ ወኒንካ ንህዝባ ዘየቕስን ስርዓት ምትካል ኣይነበረን።እታ ዝተረኽበት ናጽነትና ህላወኣ ስኢና፡ ካብ ምሕረት ዘይብሉ ጭቆና መላኺ ክንገላገል ናብ ፈቐዶ ስደት ኣብ ንበታተነሉ ዘለና ደረጃ ንኽንወድቕ መትከል መስዋእትን ቃልስን ስውኣትና ኣይነበረን።ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትና ሃገር ናይ ህዝቢ እምበር፡ ሕጊ ዘይቅይዶ፣ ቁዋም ኣልቦ፣ ቀይዲ በተኽ፣ ብሕጊ በረኻ ዝኸይድ ስርዓት ንኽትከውን ኣይነበረን።ዓቅምን ዓንዲሕቖን ተስፋ ሃገረ ኤርትራ ዝኾነ መንእሰይ፡ድሕሪ መግዛእቲ ብናጽነት ይሕብሐብ እምበር ክግፋዕ? እዚ ታሪኽና ኮይኑ ባዕልና ኣብ እነዘንትዎ ጥራይ  ዘይኮነ ጸላኢና እውን ዘይክሕዶ ሓቂ ኮይኑ ባዕሎም ዝምስክርዎ ክቡር መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ሃገር፡ካብ ጸጋ መሬትና እምበር ጽንተት ደቂ ሃገር ዘይግድሶ፡ካብ ብትዕቢት ዝተቖማጥዐ ረሳሕ ሓይሊ ገዛኢ ብደም ንጹሃት ሰማእታት ኣቦታትና ጸርያ ዝተረከብናያ ናጽነት፡እንሀት ሕጂ ድማ ብሕጊ ውጁ ዝኽተል ሓተላ ናይ ጽራይ ታሪኽና ዝኾነ መላኺ ብባርነት ረሚሱዋ ይርከብ።ጥርናፈ ስድራቤታት እናሃሰሰ ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ ደረጃ፡ወላኳ ድሒሩ ይረድኣና እምበር፡ደበና መልኣከ ሞት ዝተጻዕነ ባርነት ካብ ዘንጸላልወናስ ነዊሕ ዓመታት ኮይኑዩ፡ኮይኑ ግን ወላ ምስ ተረድኣና ነቲ ቃልን ግብርን ብሓደ ከይነስምሮ ምርድዳእ ስኢንና።ደቂ ብዝሕቲ ገሊኦም ቆሎ ይብሉ፡ገለን ድማ ጥጥቖ ይብሉ መሲሉ ጉዳይና። ኣቱም ሰባት ካብ ናጽነት ዘይብሉ ስርዓት ተገላጊልካ ናጽነት ምጽንባል ዘይኮነ ነጻነት፡ኣብታ ዋጋ ሓቲታ ንኽትበቕዓና ብዝበቕዓ ዋጋ ዝተጎናጸፍናያ ነጻነት፡ብፈረስ ዘጋልብ ዳስ ዕለት ልደት ኤርትራና ክነብዕል ከለና ኢዩ እቲ ናጽነት።

ብደሙ ዛራ ሰላም ዘውሓዘ ህዝብና፡ እዚ ድዩ ፍዳዩ?እስከ ንትሓተት ካብ  ዓውዲዛ  ናጽነት እንሓፍሶ ዘለና ምህርቲ እንታይ ኢዩ።ምህርቲ ፍትሒ ዶ ባርነት፣ ምህርቲ ጭንቀት ዶ ቕሳነት፣ ምህርቲ ሰላም ዶ ህውከት፣ ምህርቲ ሞት ዶ ሂወት ፣ ስደት ኣብቂዑ ዶ ወይስ መልክዑ ቀይሩ ዝያዳ ገዲዱ? ወሊዳ ዘዕበየት ስድራ ደቃ ምስኣ ኮይኖም ኣማሚቖማ ዶ ወይስ ኣብ ፈቐዶ እናጠፍኡን ናብ ፈቐዶ እናተሰደዱን ኣብ ሻቕሎት ሸሚሞማ? ኤርትራዊት ጎርዞ ኣብ ምድረበዳ ተዓሚጻ ዶ ወይስ ክብራ ተዓቂቡላ?  ነብሰ ጾራት የሕዋትናን ኣዴታትናን ንቡር ሕርሲ ዶ ይረኽባ ኣለዋ ወላስ ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ኣብ ናይ ሞት ህሞት ይገላገላ ኣለዋ? ህጻናትና  ኸ ንጹፍ ዓራት ዶ ይቕበሎም ወላስ ሂወት ዝበልዕ ጸሊም ባሕሪ? መልሲ ሕልናኹም ዝበለኩምን ዝብለኩምን ክኸውን ናባኹም።

ካብ ጸቢብ ኣተሓሳስባ ወጺእና፡ነዚ ገፊሑ ዘሎ ሽግርና ክነጽብቦ ኣተሓሳስባና ኣብ ቅዱስ ሓቂ ክጭምት ናይ ሕልናና ሓላፍነትን፡ ኣብ እንግድዓ ነፍሲወከፍ ኤርትራዊ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ሕድሪ ሰማእታትና እዩ።ነቲ ዝተጠልመ ሕድሪ ንምትግባር ኣብ ሓዲድ ለውጢ ክንሓንን፡እንተዘይሓነንና ድማ ዘገም ክንብል ንኤርትራውነትና ዝድርዖ ዘሎ ጸገም ዝጠልቦ መድረኽ እዩ።

ልክዕዩ ደገፍቲ ናይዚ ዘሎ ስርዓት ኮነ፡ደለይቲ ለውጢ ነዛ ኣብ ወርሒ ግንቦት ነኽብራ መዓልቲ ናጽነት ንምብዓል ኣብ እነሸባሸበሉ ዝነበርና እዋን፡እቶም ነዛ እንንየተላ ኤርትራና ብርክን ዓንዲ ሕቖን ዝኾኑዋ ሞንኮርኮር ለውጥን ምዕባለን ዝኾኑ መንእሰያትና፡መፈጠርካ ብዘጽልእ ዘስካሕክሕ ባርባራዊ ጭካነ ሂወቶም ክሓላፉ ርኢናዮም።ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ጎረባብታ ወድኺ ተጎዲኡ ዝብሉዋ ኣርዳእቲ እምበር፡ ወደይ ክምርዖ መርዓ ቆጺረ ኣለኹ ብምባል ንኽተበስር፡ደምበ ጎረቤታ ረጊጻ ዘይትፈልጥ ኤርትራዊት ኣደ ሕጂ እውን፣ናይ ዓሚ ሓዘን ከይዓጸወት፡ሓድሽ ሓዘን ኣርኪቡዋ።ተስፋ ኤርትራና ዝኾኑ መንእሰያትና ድማ ምስ ተስፍኦም ኣብ እምነቶም ሓንሳብን ንሓዋሩን ተኾሊፎም(ዝሰማዕናዮ ዘይኮነ ዝርኣናዮ ሓቂ ክዛረብ፡በዛ ምድሪ እትረፍዶ ራህዋ ንቡር እውን ተነፊጋቶም ፡ጸግዒ ድሉማት ኣቦ ዘኽታማት ዝኾነ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣብ ሰመያዊ ቤቱ ይዘክሮም)።

በዚ ፍጻመ እዚ ከኣ (ብዘይካ ስርዓት ህግደፍ፡) ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮንና፡ዓለም ምሉእ ተዛሪባትሎም።እቲ ዘሕዝን ግን፣ ነዛ ሃገር ሰማእታት ዜጋታታ ክንሶም፡ኣብ ኤርትራና ንሩዋንዳውያን ዝትኣወጀሎም መዓልቲ ሓዘን ዘይተኣወጀሎም ምዃኑ ጥራይ ኣይኮነን።እንታይ ደኣ፣እቲ ንተግባር ህግደፍ ፎእ ኢሉ ዝተጸየነ  ደምበ ተቓውሞ ዘይእሩማትን ብሕጊ ሕልና ዘይምእዙዛትን ሰባት ሓቚፉ ምርኣየይ ኢዩ።ናጽነት ኤርትራ ንኤትራዊ ዜጋ ብማዕረ እትብጽሖ ጸጋ ኢያ።ሞት ኤርትራዊ መንእሰይ ድማ ንደጋፊ ኣይርሕቆ ንተቓዋሚ ኣይቀርቦ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝብጽሖ መሪር ሓዘን ኢዩ፡እቲ ሞት ኮይኑ፣እቲ ሓዘን ግን ኣይኮነን።ሕልና ዘለዎም ኤርትራውያን ኣብቲ ዝተጠልመ ሕድሪ፡ኣብ ልዕሊ ንቡር ዘይረኸበ፡ኣብ ልዕሊ ዘይነቐጸ ንጹህ ደም ኤርትራውያን መንእሰያት ኣይስዕስዑን ብምባል፡ነቲ ዝተጠልመ ዘተግብር፡ነዚ ዝጠፍእ ዘሎ መንእሰይ ሽግሩ ብኸመይ የብቅዕ ብምባል ብዝተረሓሓቐ ዘይኮነ፡ፍልልያቱ ኣጽቢቡ ብስሙር ድምጺ ነዛ ክብርቲ ዕለት ክንዲ ብጓይላን ዳንኬራን፡መንፈስ ወጽዕኡ ንሕድርን ሓድነትን ከተግብር ዘብቅዖ ዘተ ከካይድን፡ብጽምኣት ናጽነት ንፍትሒ ከናድዩ ኣብ ፈቐዶ ንዝቑጸዩ ዘለዉ፡ ንቡር ዘይተገብረሎም ክቡራት ኣሕዋትና ድማ ናይ ሕልና ዝኽሪ ብምግባር ሽምዓ ኣብሪሆም ከኽብሩዋን ምዃኖም ሓቢሮም፡ከምቲ ዝተባህለ ድማ ጌሮም፡ ክብረት ድማ ይሃቦም ንኹሎም ነዚ ቁዱስ ተግባር ክውን ዝገበሩ ብፍላይ ድማ ንስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ብዓለም ደረጃ  ናይ ዝኽሪ ሽምዓ ብምኽባሮም።

እቶም መዓስ ይስዕሳዕ መዓስከ ይንባዕ ዝትሓዋወሶም ደገፍቲ ህግደፍ ግን፡ኣመል ክሳብ መግነዝ ምኳኑ ከይተርፍ ሕልፍ ዝበሉ ሃገራውያን ክመስሉ ተራእዮም።ነዚ ወለዶ እዚ ክውክሉ ዘይክእሉ፡ነቶም ኣብ እስራኤል ዘለዉ ወጽዓ ህዝብና ዝኣከቦም ደለይቲ ለውጢ ኣሕዋትና እውን ክጸልዉ ዘይክእሉ፡ቁስሎም ሓቢኦም ዝስዕስዑ ሕሉፋት ሃገራውያን ክመስሉ ኣብ ሃገረ እስራኤል ሂጥ ክብሉ ኣስታት 5000 ዝኾኑ መንእሰያት ተራእዮም፡ላምሲ ምስ ሓራዲኣ ማይ ትሰቲ ከም ዝብልዎ ኣቦታት።ትማሊ ትማሊ ኣብ ሲናይ ንረድኤት ዘእወየ መንእሰይ፡ ከይሓነኸ ኣፉ መሊኡ በቲ ኣምላኺ ባህሪኡ ድግዲጊት ተዓጢቑ  ክስዕስዕ ዊዒሉ ክብሉ ክትሰምዕ ከለኻ፡ብሕልንኦም ህዝቦም ዝቐትሉ ካብ ምባል ሓሊፍካ መትከልካ ክትልውጥ ወይ ቃልሲ ክተቋርጾ ዘይኮነስ፡በንጻሩ ክትሓንን ከም ዘለካ  ኣእሚኑዩ ኒሕ ዘስንቐካ።

ብዕለት 23-05-2015 እዩ፡ዲያሎግ ፎርም ኣብ ስቶክሆልም   ኣጉባዝን ከም ዓብየት ይቕደዱ ማእምን ከኣ ጥራጥ ተራእዩዋ ብዝምሰል ተግባር፣ነቲ ህግደፍን ኮራኹሩን ኣብ ልዕሊ ሬሳታት የሕዋትና ዝገብርዎ ዳንኬራን ጓይላን ክንኩንን እናወዓልና በንጻሩ ግን ዲይሎግ ፎርም፡በቲ ምስ ሰማዕናዮ ጥራይ ማይ ተስፋ ዘንጠብናሉ ስም ዝቖሙ፡ኣብ ልብና ዘንበርናዮም ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ግን ስምዒትና ኣንቢቦም ትርግታ ልብና ክኾኑ ዘይተራእዩ ሙዚቀኛታት እምቢ ንምልኪ ኣብ  ዘማሞቕዎ ፡መንእሰያት ስልማት ሃገር ከም ዕምበባ ሓጋይ በብዝወጽዎ እናቐምሰሉን እናሓረሩን፡በዓል እይግዶም ከኣ ሃገርገር ዝብል ኣደራሽ ሰሊሞም ውራያ ከም ዝጸበቐላ ሰበይቲ  ዲግዲጊት ተዓጢቖም ጓይላን ፈንጠዝያን ክገብሩ ምሕዳሮም ምስ ምምንታይ ክቑጸር ኢዩ?ፍትሒ ዝደሊ ፍትሓዊ ኢዩ።እናርኣኻ ዘይርኣኻ ምምሳል፡ብጉድለት ካልኦት ብዘይትእዝዞ ስምዒት ናይ ምርድዳእ ዕድመ ብዘይብሉ ክትዘላለፍ እናወዓልካ፡ንጉድለትካ ካልኦት ከይርኢዎ ብዕበጦ ዕበጦ ክትሓልፎ ምፍታን ኣይንቡርን፡ነውሪ!። ንከምዚ ናይ ዲያሎግ ፎርም ተግባር ብሸለልትነት ክሕለፍ ክትርኢ ከለኻ፡ንሞራል ለውጢ ዝደልዪ መንእሰያት ዝትንክፍን ዘፍርስን ጎነጽ ዘይብሉ ነውጺ ኣዕናዊ ስልቲ ኣንጠጥዩ ከይህሉ ስግኣት ይፈጥረልካ።እንተኽኢልካ ነዚ ባሕሪ ኮነ ባህሪ ሰብ ዘይሓገዞ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ንስደትን ሓያል ተጽዕኖ ባህርያቱን ስዒሩ፡ንመላኺ ስርዓት ክልውጥ ኽተተባብዖን  ዝረዳድኣሉ ባይታ ክተንጽፈሉን ደኣ እምበር፡ማይ ከም ዝኸላእካያ ህበይ ብዝግበር ተግባር ክጠማመት ንዝተወጽዑ ጥርኑፋት ዘይውክል ጥርናፈ ክትገብር  ፍትሓውነት ዘይለበሰ ተግባር እዩ። ተሓጋዚ ሓገዝ እናተጸበየ፡ኣብ ልዕሊ እተን ዘለውኦ ውሑዳት ዓቕሚ ዓቕምኻ ትህቦ እምበር፡ብዓቕምኻ ነተን ዝዓቖረን ክተዳኽም ኣይትጽዕርን ኢኻ።

ንዘይፍትሓዊ ተግባር ድማ ዓገብ ንበል።ምጽላእሲ ንጻላእ ፍትሒ ግን ኣይንኽላእ(ኣይነጥፍእ) ከም ዝብልዎ ኣቦታት፡ነቲ ዓገብ ኢልካ ነዚ ሸፊንካ ምሕላፍ ርኡይ ዘይሽፈን ሓቂ ኮይኑሎ።ከም መስትያት ኮይኑ ጽላሎት ተግባርና ዘርእየና ግዜ፡እዚ ንሪኦ ዘለና ይምስክሮ፡ኣብ ግዚኡን ኣብ እዋኑን ዓገብ ምባል ዘይለመድና ንለውጢ ክንደልያ እምበር ክንረኽባ ብቕዓት ከምዘይንውንን ድማ ክንፈልጥ ይግባእ።ፍርሒ ናይ ሰላም መፍትሒ ኣይኮነን፡እሞ ኣብ ምብህሃል እምበር ፣ኣብ ቅሉዕ ሓሶት ምንሕሓፍ ንሓፋሽ ዘየኽስብ ኣካይዳ እዩ።ዓገብ ምባል ከም  ክዝንጋዕን  ክውንዘፍን ዘይግብኦ ጉዳይ ነቐድሞ።

ነዚ ግዜ ምስ ነንብቦ ጓይላን ዳንኬራን ብህግደፍን ደገፍቱን ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣሕዋትና ይካየድ ብምህላዉ፡ስእሊ ናይቶም ኣብ ልብና፡ልቢ ህዝቢ ኮይኖም ሕማም ልቢ ኮይኖምና ዘለዉ ደረፍቲ እናተለጠፍና ዓገብ ክንብል ንውዕል ኣሎና።ዲያሎግ ፎርም ድማ ተግባራት ህግደፍ ብህዝቢ ተፈንፊኑ፣ብህዝቢ ዓገብ ክብሃል እናተዋዕለ፡ንተግባራት ህግደፍ ክተተግብር ሓዲራ።ዘስደምም’ዩ!!ዓገብ ምባል ኣብ ግዚኡ ዘይተለምደ ባህሪ ይኸውን ኣሎ፡ዓገብ ምባል ከም ባህሊ እንተንቕበሎስ ክሳብ ክንደይ ኮን ዕዉታት ምኾንና? ኩሉ’ዚ መንእሰይ  ነቲ ዲያሎግ ፎርም ዝገበርዎ ዓገብ ከይበለ፡ነቲ ናይ ዘይሓንኽ ስርዓት ጓይላ ቁጥዕኡ ክገልጽ ኣብ ኣፉ ዝመጽኣሉ ክጽሕፍ ተራእዩ።ን ዲያሎግ ፎርም ከ መዓስ ኢዩ ዓገብ ክብሎም?ሕጂ እውን ኣብ እዋኑ ነቲ ዘይቅቡል ኣካይዳ ክትቃወም እንተዘይክኢልካ፡ትጀጁሞ ብእኡ ኣቢልካ ተመሊኽካ ብመላኺ ክትርገጽ ከም ትነብር ዘንጊዕና ዘለና መስለኒ።ትማሊ ክስዓር ዝግብኦ ኣተሓሳስባ ጽባሕ ነርክበሉ ኢና ብምባል ዝተቓለሱ፡ኣብ ጽባሕ ከይበጽሑ፡ ሎሚ ከም ዘርከበትሎም  ትማሊ ርእሳ ዝኸኣለት ህያው ምስክርን ዓባይ ተመክሮን እያ።ስለዚ ካብ ሕሉፍ ከይተመሃርና ናብ መጻኢ ብዕዉት ኣተሓሳስባን ኣካይዳን ንኸደሉ መገዲ ጸቢብዩ፡እቲ ብጸቢብ ኣካይዳ ዝተረኽበ ዓወት ከቢድ ዋጋ ዝሓትት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ብዙሕ ዝተኸፍለሉ ግን ክኣ ንውሑዳት እውን ክመርሕ ብቕዓት ዘይብሉ ንከምዚ ናይ ሕጂ  ስርዓት ዘሎ ኣካይዳ ዝትክእ ከይፍጠር የሰክፍ።

ኣነስ ተላኢኸ ንሳኸ ናበይ እያ ከምዝብሃል፣ ዲያሎግ ፎርምስ ብመደብ ዝተተሓሓዝዎ ጉዳይ ኢዩ፣ እቲ ዘገርም ግና ናይ ሰሳዱ ጽላል ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ኢዩ።ነቲ ዳንኬራን ጓይላን ክገብር ላዕልን ታሕትን ዝሸባሸብ ዝነበረ ክንዲ ዓገብ ኣይፋልኩምን ከምቲ ንቡር ብሓዘን ድኣ ንድብሶምን ነጸናንዖምን እምበር ብጓይላ ክንድብሶም ኣይግባእን ክንዲ ምባል ባዕሉ ክባርኸሎምን ክኸፍተሎምን ምስ ረኣኹ ብጣዕሚ ኣተሓሳሲቡኒን፣ተስፋ ኣቑሪጹኒን።ምሽክናይ ህዝቢ ኤርትራ  መንዩ ኾን ዋልታ ዝኾኖ፣ ንብዓቱ ዝደርዘሉ፣ተኻፋሊ ሓዘኑ ብሙዃን ከደዓዕሶ ዝፍትን፣ ህዝብና በዚ ዝወርዶ ዘሎ መሪር ንሓዝንን ንነብዕን እምበር ብጓይላን ዳንኬራንስ ከቶ ኣይንድብሶን ከምቲ ኣፍንጫ እንተትሃርመት ዓይኒ ትነብዕ፣ ህዝብና ክጉሂ ክነብዕ፣ንሕና እውን ክንሓዝንን ክንበኪን ኣብ ክንዲ ዝግባኣና፣በንጻሩ ተግባራት እቲ ፈጺሙ ብሞትናን ጥፍኣትናን ቅጭጭ ዘይብሎ ስርዓት ክንፍጽም፣  እንድዒ ለባም መዓድን ዓገብ ዝብልን ተሳኢኑ፣ንሓቂ ብትብዓት ደው ዝብል ንዘይንቡር ንቡር መሲሉ ክኸይድ እናተዓዘበ  ኣይፋልኩምን ትጋገዩ ኣለኹም ኢሉ ብዓውታ ዝገንሕ ተሳኢኑ  እ…..ዋ….ይ….ምጽኣት።

ወጽዓ ዘበገሶ ቃልሲ ህዝቢ ዓወቱ ናይ ግድን ኢዩ

ደላዪ ፍትሒ

ገሬ ሃብቶም

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Zigeremo June 1, 2015

    Zegerim eyu!!!!!!!! Neti qeyahtin tselemtin, abeitin neashtun kefilna zirekebnaya NAXANETS BEHAZENN TIKAZEN QUZAMEN NEB’ELA DIKHA TIBLENA ZELEKA?

    • ሳረል ኣምያፕ June 1, 2015

      ክቡር ህዝበይ፡
      እቶም ዝገበርና ኢንተገበርና ሓደ ካብ ሚልዮን ናይ ካሕስኦም ክንከፍል ዘይንኽእል ጀጋኑ ሰማእታትና፡ መስዋእቶም ነቲ ድሕሪኦም ዝተርፍ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ ብማዕረ ብሰላም ብራህዋ ክነብር ምእንቲ እዩ ኔሩ። ሳልኦም ክኣ ናይ ኤርትራ ናጽነት ተረኺቡ። እቶም ድሕሪኦም ዝተረፍና ግን ነቲ ንሳቶም ዘምጽእዎ ብርሃን ብጸሊም መጋረጃ ዓጺና፡ ነቲ ድልየቶምን ራኢኦምን ኣብ ሓደ ጸልማት ዓጺና፡ ነንሕድሕድና ክንባላዕ ንሓውና ንንዳሞት ንደፍእ፡ ንወለድናን ንወለዲ ስውኣትናን ብጥምየትን ሕማምን እህህን ንቐትል፡ ንደቆም ኣካላቶም ኣውጺና ንሸይጥ፡ ክብረቶም ንቕንጥጥ።
      ብሓዘን ጥራይ ዘይኮነስ ኣንኮላይ ጾምን ጸሎትን ስግዳንን ንስሓን፡ ኣዳዕዲዕና ዳስ ትኺልና ክንሓዝንን ውሒዱና ከማን። ንምንታይ ካባይ ጀሚርካ/ኪ ኩልና ጠላማት ስውኣትና ስለዝኾንና፡ ኣብቲ በዕሎም ምስኦም ተሓዊስና ከንብዕል ንዕኦም ናይ ሞት ሞት እዩ።
      ንውልቀሰባትን ጉጅለታትን ከም ኣማልኽቲ እንዳርአና ኢሂባ ጀብሃ ኢሂባ ሻዕቢያ ኢሂባ ኣስላማይ ኢሂባ ክስታናይ ኢሂባ ከበሳ ኢሂባ መታሕት ኢሂባ ኣከለ ኢሂባ ሓማሴን ኢሂባ ሰራየ ኢሂባ በንዓምራይ ኢሂባ ማርያ እንዳበልና ተጓጃጂልና ነቲ ብኽቡር ደም ስውኣትና ዝተረኽበ ጸሓይና ኣጸልሚትና እንኸይድ ህዝቢ፡፡ ሓዘን ከማን ክውሕደና፡፡ ሰማእታትና ራኢኦም ነታ ዘረከቡና ሓራ መሬት ሓደ ኢድ ኰንና ከይትሓለልና ለይትን ቀትርን ሰሪሕና ነቶም ድሕረና ዝመጹ ወለዶ ሰላማዊትን ሃብታምን ነጻነታ ዝዓቀበት ሃገር ከነረክብብ እምበር ኣብ ጥራይ ከብድና ንደቅና ዝሓዝና ዘይብልና ለይትን ቀትርን ብዝግባእን ብዘይግባእን ከም ሰብ ዛር ኣብ ጓይላን ዳንኬራን ስኽራንን ኦብዳንን ከነሕልፎ ኣይኮነን። ወረ ማዓስ ኢና ልቢ ክንገብር፡ መዓስ ኢና ክስወጠና፡ ምስ ጸነትና።
      ስልዚ ስለ ዓቢ ኣበሳ ዝኣበስና እቲ ናይ ጀጋኑ ጓይላን ሓጎስን ኣይግብኣናን እዩ፡ ኣወ ብሓዘን ዳስ ተኺልና ነብዕሎ፡ ምናልባት ኣብቲ ኣርባዓና ልቢ ንገብር ንኸውን።
      ዝለዓለ ክብርን መጎስን ንጀጋኑ ስውኣትና
      ንዞም ኣብ ንኡስ ኦድሚኦም ብናህና ጉትለት ዝጠፍኡ ዘለዉ መንእሰያትና መንግስተ ሰማይ የዋርሶም
      ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንስድራ መወትቲ ክእ ጽንዓት ይሃበና።
      ሳረል

  • Andebrhan Gebremariam June 1, 2015

    ዘገርም እዩ ኣነውን ምስ ሰማዕኩ ናታ ገዲፋስ ናይሓማታ ከምዝተባህለ እዩ ኮይኑ ተሰሚዕኒ። እዚ ደኣ ንህግደፍ ፉንፉን ናይቲ ሃደገጽ ሰልዲ ምምሳል እዩ። ንደምበ ተቃውሞን ህዝብን ይቅረታ ክሓቱ ካኣ ይግበኦም ቅንዕና እንተልይዎ።
    ዓንደብርሃን ገብረማሪኣም
    ሽወደን

  • Yousef June 2, 2015

    Wey god bhimekna neti nihizbina nikuluna zihasyna zebrisena zelo amexawi siratin atehasasiban kindi nikit. Netom siwat tesewiekum zemxakumwa naxnet bahezen awilnya kitblom. N sidran beteseb swiatin entay ysmeom. Kulu eritrawi kab betesebu zeytesewe yelen emo. Xinatn , tesfan tkatikna kinewet ina ajokom ajona.

    I believe the main reason for the HGDF s existence is not only they have supporters but also that there is a weak and non-united opposition too. Please we should fight the dictator but in parallel we have to build a healthy society. A healthy society is a society who can solve the problems and conflicts with dialogue. If every Eritrean family can solve its problem with dialogue then we will have a healthy and developed society which our martyrs paid their life for.
    Imagine if you tell to the martyr´s families that we cried on the national day because of your daughter or your son martyred for that. what message is it?
    Yes we should fight the tyranny and with the right strategy.
    Enough is Enough
    YM

  • Tesfay Kifle June 6, 2015

    Selam zikeberikum hizbey