Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓገብ ንበል ህዝቢ ኤርትራ!

ዓገብ ንበል ህዝቢ  ኤርትራ! ኣብ ሃገርና ቐሲናን ከቢርናን ክንነብር ረዚን ዋጋ ኢና ኸፈልና:: ድሕሪ ዓወት ኣብ ዓውደ ኲናት  ንናጽነት ሃገር ግን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ  ዘሎ ዓንዳርን ኢሰብኣውን ኣመሓዳድራ ኣደዳ ሞትን፣ ማእሰርትን፣ ምብትታንን፣ ሽቝረራን ኰና

ዓገብ በል ህዝቢ  ኤርትራ!

ኣብ ሃገርና ቐሲናን ከቢርናን ክንነብር ረዚን ዋጋ ኢና ኸፈልና:: ድሕሪ ዓወት ኣብ ዓውደ ኲናት  ንናጽነት ሃገር ግን ብሰንኪ ምልካዊ ስርዓት ኣስመራ ዝኽተሎ  ዘሎ ዓንዳርን ኢሰብኣውን ኣመሓዳድራ ኣደዳ ሞትን፣ ማእሰርትን፣ ምብትታንን፣ ሽቝረራን ኰና ከምዘሎና ንማንም ስዉር ኣይኮነን:: ንዓሰርተታት ዓመታት ንናጽነቱን፣ ሰብኣውን፣ ፖለቲካውን፣ ቁጠባውን፣ ማሕበራውን፣ መሰላቱ ንኸረጋግጽ ኣንጻር ሓያላን መኪቱ ዝተዓወተ ህዝቢ፣ ሎሚ ኣንጻር ትጽቢቱን ቃልሱን ካብ ዘቤታዊ መንግስቱ ነዚ ምርካቡ ኸኣ ንህዝቢ ዓለም እውን እንተኾነ ገሪምዎን ኣዛርብዎን ኣሎ::

ዓቕሎም ዝወድኡ ገለ ዜጋታትናውን እንተኾኑ ካብ ዘሎናዮስ ኢሎም እቲ ቕድሚ 60 ዓመታት ኣቢሉ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ዝተኣመመ እማመ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ዝሓሸ መኾነ ነይሩ ኣብ ምባል በጺሖም ይርከቡ:: ከበሳዊ ክፋል ሃገርና ምስ ኢትዮጵያ መታሕታዊ ክፋላ ድማ ምስ ሱዳን ተመቕሪሑ እንተዝኸውን ሎሚ ብተዛማዲ ካብ ዝሎናዮ ዝሓሸ ህይወት መስተማቐርና ማለቶም እዩ:: ልዕሊ ኩሉ ግን እቶም ንስለህዝቦምን ሃገሮምን በጃ ንዝሓለፉ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣሕዋትና ኣይመሰኣናዮምን ነርና እውን ይብሉ:: ገለ ካልኦት እውን ብኻባ ኣንድነታዊ ወስታ ኢትዮጵያ ውን ኣሳልጦ ረኺቡ ይብሉ:: እዚኦም እውን እንተኾነ እታ ሃገረ ኤርትራ እትበሃል ድኣ ኣብ ካርታን መዝገብን ዓለም ኣይመተርኽበትን እምበር፣ ንዓናስ እንተግደደ እንተገደደ ኢትዮጵያዊ ህይወትን ኢትዮጵያዊ መሰላትን ክነስተማቕር መኻኣልና ማለቶም እዩ::

መደብ እንግሊዛውያን ኮነ ባህጊ ኢትዮጵያውያን መንግስታት ብመትከል ዝተቓወምናዮን ንምምካኑ ዋጋ ከፊልና ዝተዓወትናሉን እንክንሱ፣ ዋላ ኣብ ኣእምሮ ገለ ውልቐሰባት እውን እንተኾነ ባህጊ ካብ ኮነ ዘገርም ዘይኮነስ ዘሕዝን ተረኽቦ እዩ ኢልካ ዝግለጽ እዩ::  ብኻልእ ኣዘራርባ ውን ንህዝቢ ኤርትራ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘቤታዊ ስርዓት ብ10ተ ኢድ ይበልጽዎ ማለት እዩ::

እቲ ሓቂ ኸኣ ንሱ እዩ::. ሎሚ ኢትዮጵያን ሱዳንን ካብ ናይ ኤርትራ ዝሓሸ ኩነታት ሃልይወን ኣማዕቆብትና ንሳተን ካብ ኮና ካብዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕልምታት ሓዲኡ ትግባረ እንተዝረክብ ነይሩ ዝብል ሕልምን ባህግን ኣብ ኣእምሮ ኤርትራውያን ቦታ ንኽረክብ ናይ ግድን እዩ:: ወዮ ድኣ እዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለምን ኣብ መዝገብ ዓለምን ኣይመተረኸበትን እምበር ህዝቢ ኤርትራስ ካብዚ ዘለዎውን ኣይመሓሰሞን፣ ክንድዚ ድማ ኣይመኸሰረን::

እዚ ኣበሃህላ እዚ ግን መግለጺ ባህጊ መግዛእታዊ ምሕደራ ዘይኮነስ፣ ካብ ዓቕሊ ጽበትን ካብ ቐቢጸ ተስፋን ዝነቐለ ምዃኑ ርዱእ እዩ:: እንተኾነ ገለ ከፋላትና ኣብ ሰሃራ ሲናይ ብዙሕ ከበድትን ፈታንን ናይ ህይወት ጸገማት ክሕልፉ ጽኒሖም ኣብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ማለት ኣብ ክምሕሮም ዘይክእል ኣፍ ሓርገጽ ኣትዮም እንዳሃለዉ እዚውን ክሓልፍ እዩ ኢሎም ንህዝቤ ኤርትራ ካብ ቐቢጸ ተስፋነት ክርሕቅን ንብሩህ መጻኢኡ ሰሚሩ ክቓለስን ከምዘለዎ ተላቢዮም ሓሊፎም::

ንስለ ፍትሒ ኢልና ዋጋ ዝኸፈልና እንክንስና ፍትሒ ብዘይምርካብና በንጻሩ ኳደኣ ኣደዳ እዚ ኩሉ ወሪድና ዘሎ መዓት ምዃና ንብምልኡ ህዝቢ ኤርትራ ዘናወጸኳ እንተኾነ፣ ነገሩ ንእመትሲ ስድሪ ኣላታ ስለዝኾነ፣ ነቶም ህይወቶም ንስለ ህዞምን ሃገሮም ወፍዮም ን10ታት ዓመታት ኣብቲ ናይ ናጽነት ብረታዊ ቃልሲ ብምስታፍ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ፈኲስን ከቢድን ስንክልና ተቀቢሎም ንናጽነት ክርእይዋ ዕድል ዝረኸቡ እንተኾነ ግን ነዚ ድሕሪ ናጽነት ህዚቢ ኤርትራ ረኺብዎ ዘሎ ኣደራዕ ብኣካል ዝዕዘቡ ዘለዎን ሓቢሮም ግዳይ ኰይኖም ንዘለዉን እዩ:: ነቶም ንስለ ህዝቦምን ሃገሮምን ስንክልና ተቀቢሎም እንክንሶም እንደገና ኣብ ሃገረ ስደት ንዝርከቡ ኸኣሞ ዝበኣሰ:: ኣብ  ልዕሊ ስንክልናኦም ምእንቲ ምንታይ ኢና ሰንኪልና ዝብል ሕቶ ወትሩ ኣብ ሓንጎሎም ከምዘሳቕዮም ርዱእ እዩ::

ንሕና እቶም ዘይተቃለስናን ኣካላዊ መስዋእቲ ዘይከፈልናን ዜጋታትከ ነዞም ኣካለ ሰንኩላትና ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ሊዕሊ ስንክልናኦም ኣብ ስደት ዝርከቡ ዘለዉ ዜጋታትና ኣጆኹም ኣይትጕሃዩ እዚውን ክሓልፍ እዩ፣ ንስኹም ዝግበኣኩም ኣበርኪትኩም ኢኹም፣ ዝተረፈ ድማ ንዓና ይምልከት ንብሎምዶ፧ ንምዃኑ ደሃዮምከ ኣሎና ዶ፧ እቶም ኣብ ውሽጢ ሃገር ሃልዮም ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ናይ ምንግስቲ ዘለዉ ይዕበ ይንኣስ ገለ ቆላሕታ ህዝብን መንግስትን ከምዘለዎም ኣይጠራጠርን:: እቶም ኣብ ሃገረ ስደት ዘለዉን ኣብ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዘይኮነስ ኣብ ውድባ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንዝሰንከሉ ኣብ መደበር ስንኩላን ከሰላ ስዳን ንዝርከቡ ግን መን ኩን ይኸውን ኣላዪኦም::

ኣብ መደበር ስንኩላን ከሰላ ንስለና ሰንኪሎም ጠዋሪ ዝሰኣኑ ውጹዓት ወገናት ኣለዉና፣ እሞ ሃየ ዓገብ ንበል ዝብል ጻውዕት ኣብ መርበባትና ንነውሕ ግዜን ብተደጋጋሚ ክልጠፍ ጸኒሑ ኣሎን:: እቲ ዝተረኽበ ህዝባዊ መልሲ ግን ኣይከም ዝድለን::  መንቀሊ ናይዚ ጽሑፈይ ዝኾነ ብዕለት 30 ነሓሴ 2013 ዝተኻየደ ኣኼባ ኩነታት ኣካለ ስንኩላን ባጀቶም ዝዛዕባኡ ነቲ ኩነታት ብኸምዚ ይገልጾ::  ኣቦ መንበር ማሕበር ኣካለ ስንኩላን ዝኾነ ብጻይ ተስፋይ ተኽለ ካብ ፈረንሳ ንኹነታት ባጀቶም ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበረታ  ባጀት ኣካለስንኩላን ኲናት ኤርትራ ካብ 2008 ኣትሒዙ ክሳብ 2013 በቢ ዓመቱ እንዳ ወሓደ ብምምጻእ ካብ 29000 ዶላር ናብ 20000 ዶላር ኣንቆልቊሉ ከምዘሎን ብምምልካት ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ካብዚ ንታሕቲ ውን ከይንኪ ዘለዎ ስኽፍታኡ ገሊጹ:: ንሱ ብተወሳኺ ናይ 2013 ጠቕላላ ዓመታዊ ባጀቶም 20000 ዶላር ኣመሪካ እኳ እንተኾነ ካብኡ ኣስታት 80% ተረኺቡ እቲ ዝተረፈ  ኣስታት 20% ግን ኣብ ትጽቢትን መሰርሕ ምእካብን ከምዝርከብ ሓቢሩ:: ምስዚ ብዝተኣሳሰር ብጻይ ዑስማን ካብ መደበር ኣካለ ስንኩላን ከሰላ ብቀጥታ ንኩነታቶምን ብዝሖምን ብዝምልከት እቶም ክሕገዙ ኣለዎም ተባሂሎም ዝተመዝገቡ ናይ ኲናት ኣካለ ስንኩላን ብቁጽሮም 34 እንክኾኑ ብሰንኪ ዕጽረት ባጀት ግን ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ህዝቦም ናይ መቅነን/ራሽን ሓገዝ ዝረኸቡ ዘለዉ 16 ጥራሕ ምዃኖም  ሓቢሩ:: እቶም ዝተረፉ 18 ግን ከም ንቤተ ሰቦምን ንስድራቤታቶምን ዝሰንከሉ ሸኸም ናይ ቤተሰቦም ኰይኖም ኣለዉ ማለት እዩ::

እሞ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝቦምን ሃገሮምን ዝሰንከሉ ኤርትራውያን ጀጋኑ ካብ ዝሰንከሉሉ ህዝቢ ድራር ዕለት ዘይምርካቦምን፣ ዓመታዊ መቅነኖም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳ ነከየ ክመጽእ ከሎን፣ ገሊኦም ድማ ከም ንስድራቤታቶምን ቤተሰቦምን ዝሰንከሉ ሽኸም ናይ ስድራቤታቶም ክኾኑ ከለዉ፣ እዚውን ንባዕሉ ፍትሒ ምጉዳል እዩ፣ ካብ መንግስቲ ጥራይ ዘይኮነ ድማ ብዓብዩ ካባና ካብ ህዝቢ ኤርትራ.

መወዳእታ ጽሑፈይ እምበኣር ከምቲ ኣርእስቲ ጽሑፈይ ዓገብ ንበል ህዝቢ ኤርትራ ኢለ ክዛዝሞ እፈቱ::

መድሃኔ ሃብተዝጊ

ካብ ኖርወይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • belay nega September 22, 2013

    “ዓቕሎም ዝወድኡ ገለ ዜጋታትናውን እንተኾኑ ካብ ዘሎናዮስ ኢሎም እቲ ቕድሚ 60 ዓመታት ኣቢሉ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ዝተኣመመ እማመ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ዝሓሸ መኾነ ነይሩ ኣብ ምባል በጺሖም ይርከቡ:: ”

    “ካብ ገዛና ድንግልናስ ሓመደ ዕደ አቦኺው ክምኡ እንዳበለ እዩ ዝኽደ”

  • belay nega September 22, 2013

    “ዓቕሎም ዝወድኡ ገለ ዜጋታትናውን እንተኾኑ ካብ ዘሎናዮስ ኢሎም እቲ ቕድሚ 60 ዓመታት ኣቢሉ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ዝተኣመመ እማመ ተተግቢሩ እንተዝኸውን ዝሓሸ መኾነ ነይሩ ኣብ ምባል በጺሖም ይርከቡ:: ”

    “ካብ ገዛና ድንግልናስ ሓመደ ዕደ አቦኺው ክምኡ እንዳበለ እዩ ዝኽደ”

    • belay nega September 22, 2013

      መአረምታ

      “ካብ ገዛና ድንግልናስ ሓመደ ዕደ አቦኺውን ክምኡ እንዳበለ እዩ ዝኽደ”

  • Alem September 22, 2013

    Eritrea is a living hell under Isaias Afwerki’s rule….but time is coming for Eritrea to truly get liberation from her own kids “Dekebat Eritrawyan”.

  • Precious Blood In Vain September 22, 2013

    ሓው መድሃኔ ሃብተዝጊ,

    ኣነስ እቶም ኣብ ሲናይ ዝሳቐዩ ዘለዉ መንእሰያት እባ ልበይ ይስበር፣ብዘይ ገበኖም እዞም ሕጂ ኣብ ዊል ቼር ዘለዉ ብዘምጽእዎ ግፍዓዊ ናጽነት ዝሳቐዩ ዘለዉ።
    ነዚኦም እውን ኣይንሓግዞም እየ ዝብል ዘለኹ። ግን ነቶም ናይዞም ሰንኪሎም ዘለዉ ብዝመስረትዎ ግፍዓዊ ስርዓት እቶም መንእሰያት ይቕዘፍሉ ኣለዉ። ምንም እኳ እቲ ዓማጻይ ውን ክሕገዝ እንተሃለዎ እቶም ብሰንኩ ዝተዓመጹ ቀዳምነት ይውሃቦም ይብል ኣነ።እዞም ሰንኪሎም ዘለዉ ወይ ብጽቡቕ ሕልና ዝኸዱ ወይ ሱዳን ክሰግሩ ብሓይሊ ዘሰለፍዎም ክኾኑ ይኽእሉ፣ብዝኾነ ግን ኢሳያስ ንበይኑ እዚ መቕዘፍቲ ኣየምጽኦን እሞ እቶም ብሰንኮም ዝቕዘፉ ዘለዉ መሳኪን መንእሰያት ይትሓገዙ መጀመርያ ይብል ኣነ።

  • Precious Blood In Vain September 22, 2013

    መኤረምታ

    (ነዚኦም እውን ኣይንሓግዞም እየ ዝብል ዘለኹ።)ዝብል ናይ ኣዋቓቕጣ ጌጋ ስለ ዝኾነ ብ “ነዚኦም እውን ኣይንሓግዞም ኣይኮንኩን ዝብል ዘለኹ።”ተባሂሉ ክትካእ ብትሕትና የመልክት .

    ክብረት ይሃበለይ

  • MightyEmbasoyra September 22, 2013

    Ato Belay,
    What was your understanding on isayas’s last interview. I didn’t see any positive outcome from that but I could be biased and try to see it from your point of view.

    • belay nega September 23, 2013

      Dear Mighty

      “What was your understanding on isayas’s last interview.”

      I do not want to depend on one day interview, while I am able to understand, whatever we suffering from, is the consequence of the hard choice we made in 1961.
      But to answer your question,is not easy to take this far, a nation with an ugly issue by covering wigs over wigs.If it was not for his determination,the ugly Eritrean issue would have been exposed and done in the 80th.
      We Eritreans,were supposed to challenge the president,and ask, how comes? When Eritrea as a nation stood in a good rank as a coffee exporter.
      If my father with no official source of income, being taking care of me for ever,I have to put a lot of WH questions, or be ready for any consequence.But,betraying him when he got in trouble is not fair.

      • MightyEmbasoyra September 23, 2013

        Ato Belay,
        You still haven’t answered my question. Are you saying that things have failed but that was not his fault.
        If you can just answer the question directly would be nice.

        • belay nega September 24, 2013

          Dear Mighty

          “If you can just answer the question directly would be nice”

          You are too smart to pose a question with multiple choices.

  • ganshera anbetha September 23, 2013

    kunetatna azyu zguhy iyu amlak yqllo imber seb tethalimu iyu mengsti iwen lezay mengsti koynu iyu

  • Andom Woldu September 23, 2013

    I can never stand the DIA regime, but expressing the following statement is an absolute defeatism and a very sad give up:

    ” ብኻልእ ኣዘራርባ ውን ንህዝቢ ኤርትራ እቶም ባዕዳውያን ገዛእቲ ካብዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘቤታዊ ስርዓት ብ10ተ ኢድ ይበልጽዎ ማለት እዩ::”
    This shows that Eritrea was not a country of the Bahri-Negashs and other heros, but a politcal entity as such!

  • weygud September 23, 2013

    This is a call to everybody to support the war disabled veterans particularly to the former ELF members who are spending a lot of money get together every year. Soul searching is good.

    • ahmed saleh September 23, 2013

      weygud
      You miss the point . The above subject is more about disabled war Eritrean veterans . And ELF disabled veterans
      betrayed by their country are refugees in Sudan getting old and dying one by one on foreign land while we entertain
      in stupid politics . Shame of us all .

  • ahmed saleh September 23, 2013

    Their picture above tells all without speaking . I hope you know what I mean !

POST A COMMENT