ዓለቕ፥
ዓለቕ፥ ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ፡ ብመጀመርያ ካብ ኩሉ ሕማማት ናጻ ዚኾነ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃንካ እንቋዕ ኣሓጐሰካ’የ ክብለካ ዝደሊ። ከምቲ ኣብ ስሳታት ኣብ ኣዳል ብሓንቲ ጥይት ዝጀመረ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂውን ቃልሲ ንሓርነት
ዓለቕ፥
ዝኸበርካ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ኣማኑኤል እያሱ፡ ብመጀመርያ ካብ ኩሉ ሕማማት ናጻ ዚኾነ ኣብነታዊ ኤርትራዊ ዜጋ ብምዃንካ እንቋዕ ኣሓጐሰካ’የ ክብለካ ዝደሊ። ከምቲ ኣብ ስሳታት ኣብ ኣዳል ብሓንቲ ጥይት ዝጀመረ ቃልሲ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሕጂውን ቃልሲ ንሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ለንደን 2013 ብሓደ ዘይሕለል ኣብነታዊ ዜጋ ኪፍልም ይኽእል’ዩ። “ግዱስ ኤርትራዊ እንተ ሰሪሕካ ባዕሉ’ዩ ሸቲቱ ዚመጸካ!” ከም ዝበልካዮ፡ ብርግጽ እቲ ቅኑዕን ግዱስን ኤርትራዊ፡ መንነትካ ብዘየገድስ፡ ፍርያትካ ርእዩ ይስዕበካ’ዩ። ሕቶኻ እንታዎት’ዮም ዘይኮነስ ዕላማኦም እንታይ እዩ ሰለ ዚብል፡ ንኹሉ ኣብ ሓንትን ልኡላዊትን ኤርትራ ኣሚኑ ሕሰማ ኪኣሊ ዚቃለስ ሓርበኛ መርሓባ ምባልካ፡ ተግባርካን ስራሕካን ብቐጻሊ ስለ ዚምስክሮ ዘሎ ናተይ ምስክርነት ዘድልዮ ኣይመስለንን። ሓንቲ ከዘኻኽረካ ዝደሊ ነገር ግን ንኹሎም ናተይ ናትካ፡ ውድበይ ውድብካ በሃልቲ ከይመሰልካ፡ በዛ ዘለኻያ መስመር ጥራይ ብምጓዓዝ፡ ክሳዕ ምሉእ ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ምረሻኻ ኪትቅጽል ምልባው’ያ።
ንሰልፍታት ይኹን ንተቓወምቲ ጉጅለታት ንምንቃፍ እንተ ደኣ ተበጊስና፡ ብርግጽ ከምቲ ዝበልካዮ ቀውፍና ወይ ተቓውሞና “ነቶም ወደብቲ ዘይኮነስ ነቶም ተሳተፍቲ ከይሃሲ ክንጥንቀቕ ይግባእ’ዩ” እወ። ነቲ ዓይነትን ሕብርን ከይፈለየ ብስም ተቓዋሚ ጉጅለ ሕሰም ጥራይ ዝሳተፍ ዜጋ ክንሃስዮን ከነግሁዮን ኣይግብእን። ስለ ዚኾነ ኸኣ ብዚኾነ ይኹን መገዲ ተስፋ ዘቑርጽ ነገራትን መጥቃዕትን ክወርዶ ኣይግበእን። ምኽንያቱ፡ ንዚኾነ ኪቃለስ’የ ኢሉ ናብ ጉጅለ ሕሰም ጸጸር ዚድርቢ ሰብ ምትብባዕ ስለ ዝግባእ። እቲ ዚኾነ ይኹን ሕማምን ሕቡእ ኣጀንዳን ዘይብሉ ዜጋ ድማ’ዩ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ ዚሳተፍን እጃሙ ዘበርክትን።
ሓው ኣማኑኤል፡ “ኣጋምሸት ካብ ድቃሶም ስለ ዝተበራበሩ ‘ንግሆ’ዩ ዘሎ’ ብምባል፡ ንቓልሲ ካብቲ ንሳቶም ዝጀመሩሉ ዕለት’ዮም ዝቖጽሩዎ!” ኢልካ ከተነጽሮ ከም ዝፈተንካ፡ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ዓማጺ ጉጅለ ኢሳያስ ብርግጽ ሕጂ ኣይኮነን ተጀሚሩ፡ ካብ ሰብዓታት ሰማንያታት ዝጀመረ ቃልሲ’ዩ። ክሳዕ ሕጂ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተኻይዱ ዘይምዕዋቱ ግን ብርግጽ እቲ ቃልሲ ኣይፈለመን ዘብሎ ኣይኮነን። ስለምንታይ እዩ እዚ ቅድሜና ዝጀመረ ቃልሲ ዘይተዓወተ ኢልካ ብዛዕባኡ ኪትማራመርን ኪትመሃረሉን ግን ኣድላዪ ጥራይ ዘይኮነስ መሰረታዊ እውን’ዩ። እዞም ንነዊሕ ግዜ ቅድም ኣንጻር ህዝባዊ ግንባር፡ ደሓር ድማ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ፡ ዝተቓለሱን ዝቃለሱ ዘለዉን ሰባት ከኣ ክሳዕ ለይቲ ሎሚ ዚኾነ ይኹን ለውጢ ወይ ምዕባለ ከምጽኡ ዘይከኣልሉ ምኽንያት፡ ብወገነይ ቅድም ቀዳድም ነብሶም ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ናጻ ስለ ዘይገበሩን ካብ ኩሉ ድሑርን ጸቢብን ኣተሓሳስባታት ናጻ ስለ ዘይኮኑን ጥራይ እዩ ዓወት ተሓሪሙዎም ዝብል ርእይቶ’ዩ ዘሎኒ። በዚ መገዲ’ዚ ዚጓዓዝ ውልቀ ሰብ ይኹን ጉጅለ ድማ ተዓዊቱ ሓርነት ከምጽእስ ይትረፍ ህላወኡ ከውሕስውን ኣይክእልን’ዩ።
“ብሕልሚ ኢትዮጵያ ዘይኮነስ ብድኻማትና ኢና ክንጭነቕ ዘለና!” ብምባል፡ መንእሰያትና ብዛዕባ ጸግዒ ኢትዮጵያ ሙዃንን ዘይሙዃንን ብዙሕ ዘካትዕን ዘፈላልን ነገራት ከም ዘሎዎምውን ሓው ኣማኑኤል ኣብ ጽሑፍካ ገሊጽካዮ ኣለኻ። ኣብዚ ብናተይ ዓለቕ (ርእይቶ) ምንም ዘካትዕን ዘዛርብን ነገራት የብሉን’የ ኢለ’የ ዝኣምን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ሃገርና መንግስቲ ንምትካል፡ ናይ ዚኾነ ይኹን ወገን ሓገዝ ክንጥቀም ባህርያዊ ጥራይ ዘይኮነስ ግድነታዊ እውን’ዩ። ንሰላሳ ሓምሳ ዓመታት ብምቅላስ፡ ኣእላፍ ህይወት ከፊልናን ብዙሕ ተንከላቢትናን ዝወነንናያ ሃገር፡ ክሳዕ ሎሚ ን22 ዓመታት ዚኣክል መንግስቲ ከነቑመላ ዘይምኽኣልና ኸኣ ከም ህዝቢ ኣዝዩ ዘሕፍር’ዩ። ስለዚ፡ ሕጂ ብዘይ ወዓል ሕደርን ብዘይ ዚኾነ ይኹን ቅድመ ኩነትን ክንገብሮ ዘሎና ነገር፡ ናይ ፈታዊ ይኹን ናይ ጸላኢ ሓገዝ ተጠቒምና፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ፡ መንግስቲ ከቕውም ዘይደለየን ዘይከኣለን ፋኖ (ብዊንታኡ ዚኸይድ ቀይዲ በተኽ፡ ሽፍታ) ጉጅለ ኣሊና፡ ናይ ብሓቂ ሕግን ፍትሕን ዘሎዎ ህዝባዊ መንግስቲ ምስ ተኸልና፡ ሽዑ ነቲ ብድሕሪኡ ኪመጸና ዚኽእል ስግኣታት ምግጣም ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ ሓጀትና (ውራይና) እየ ዝብል።
“ኢሳያስ ንኤርትራ ኣይኮነንዶ ሲንጋፖር ክገብራስ፡ ምስተን ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃውን ክሰርዓ ኣይከኣለን” ኢልካና ሓው ኣማኑኤል፡ ኣማን ብኣማን ኤርትራ ሃገርና ሎሚ ካብዘን ኣብ ዓለም ዘሎዋ ሃገራት እታ ዝጋዕዘየትን ዝደኸየትን’ያ ኮይና ዘላ። ናይዚ ህያው ምስክር ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ምስቶም መንግስቲ ዘይብሎም ሶማላውያንን ምስቶም ሕጂ ብውልቀ መላኺ ዝደሃኹ ዘለዉ ሶርያውያንን ኣብ ዝርከቡለን መዕቖቢ ካምፕታት ኣዕለቕሊቑ ይርከብ ኣሎ። ምናልባት ኣብዚ ገለ ሰባት ጃንዳ ህግደፍ ኣብ መራኸቢ ብዙሓኑ ብዘቕርቦ ጥራሑ ብኾንቱ ዚኣርግ ዘሎ ስእሊ ህንጻታት ሕክምናን ቤት ትምህርትን ርእዮም፡ ከም ምዕባለ ዝቖጽሩዎ የዋሃት ኣይሰኣኑን ይኾኑ። ሃገርና ነቲ ካብ መግዛእቲ ዝወረሰቶ ዝርካቡ ትሕተ ቅርጺ’ኳ ትስእኖ ከም ዘላ ግን ዘይረኣዮም፡ ብዓይኖም ዘይኮነስ ብኣእዛኖም ዝርእዩ ልበ ስውራን ከም ዘለዉ እውን ዝከሓድ ነገር ኣይኮነን።
ነቲ መሬቱ ብሰንኪ ፈንጊ (ጉጅለ) ህግደፍ ንምርጋጻ እሾኽ ኮይናቶ፡ ከይፈተወ ራሕሪሑዋ ምስ ጠፍአ፡ መጻወቲ በደዊንን ካልኦት ነገድቲ ደቂ ሰባትን ተበለጽትን ኮይኑ፡ እምብዛ ዝሳቐ ዘሎ ውጹዕ ኤርትራዊ ግን ዘስተብህልሉ ዘለዉ ኣይመስለንን። ከም ህግደፍ ንወያነን ንኣመሪካን ከሳብብሎም እንተ ኾይኖም ከኣ ነቲ ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ ዝበሎ፡ “ናትና ናይ ኤርትራውያን ጸገም፡ ንነብስና ዘይንጥምት ምዃና’ዩ!” ዚብል ዘረባ’የ ክደግም። ‘ብሰንኪ ኩስቶ፡ ብሰሪ እከለ ወዘተ. እናበልና ናይ ገዛእ ርእስና ስንፍና ንኻልኦት እናጠቀንና ምንባር ኣቋሪጽና መዘንቲ ነብስና ብምዃን፡ ንምንታይ? ስለምንታይ? እዚ ኹሉ ጸገም ኣብዛ ብመስዋእቲ ኣእላፍ ሰማእታት ዝመጸት ሃገር? ኢልና ክንሓታ ይግባእ። መልሱ ኸኣ ባዕላ ክትገልጸልና እያ’ሞ ልብና ከፊትና ጥራይ ጽን ኢልና ንስማዓያ እብል።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ብሓቅን ብቅንዕናን ብልቢ፡ ነቲ ከይፈርሀ ነቲ ከይደፈረ ንሃገሩን ህዝቡን ብትብዓት ዚቃለስ ዘሎ ዘይሕለል ሓርበኛን ህቡብ ጋዜጠኛን ሓው ኣማኑኤል እያሱ እናኣመስገንኩ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ኪህቦ እምነየሉ።
ስቓይና ንኺድምደም፡ ውድቀት ንጉጅለ ሕሰም!
ካብ ሓውኹም መሲናስ 09/09/2013
ahmed saleh September 7, 2013
Mesinas
Because you are genuine Eritrean to recognize others with same value . To praise AMAUEL IYASSU shows
the reflection of you and all righteous comrades dead and alive . Glad to have you around brothers.
belay nega September 7, 2013
So far I never see any courageous journalist or leader of so called oppositions,to tell our people the real problem we suffering from.Talking about a malaria which got worst due to denial of HIV, is cheating yourself.
ahmed saleh September 7, 2013
Belay , My friend in this forum .
I concluded after following your comments that you are not bad person and for me easy tolerable person . But for some
reason you like to engage on un-necessary arguments far from the topic of discussion .
MightyEmbasoyra September 7, 2013
Ato Ahmed,
You got that right when you say “you are not bad person” to Ato Belay.
He is the only reasonable person to provide his view different than most on Assena’s forum. He is articulate but unfortunately supports the current administration (if we can call that). I wish they allow Ato Belay to be the leader for one month and he may choose that’s not the way to go.
I still have a hope that he will join us (with some apology) in a relatively short time.
belay nega September 7, 2013
Dear Mighty
” but unfortunately supports the current administration (if we can call that).”
With all due respect,whether is right or wrong,fair or unfair we Eritreans are victim of our choice.
belay nega September 8, 2013
Ahmed saleh
“I concluded after following your comments that you are not bad person and for me easy tolerable person”
The same here,is being long time since I realized that you are a nationalist,despite our up and down of course.
ፈቡ September 7, 2013
መሲናስ
ብሓቂ ለባምን ኣብነታውን መልእኽቲ!
ኣብ ልቢ ኩልና የሕድሮ!
thank you
Tewelde belay September 7, 2013
I appreciate mesinas article and can not say more except that we must be bold enough to talk our mind albeit in a very decent and constructive manner. What we must avoid above all is harming our comrades in a negative way that the struggle becomes polarised. Our basic aim must be the perinciple of liberating the land and the people. Nothing should dominate our mind other than this noble cause! period.
Meretse Asmelash September 7, 2013
When a writer writes he/she is stating his/her: information, ideas, advise,….. to the readers. Then it is up to the readers to learn from it or spit on it. In other words, everyone is entitled to his/her comments.
In your case, you seem you are delighted to read Amanuel Iyasu’s article for it is timely and precise. Who can blame you for stating valid comments. It is true Amanuel Iyasu has done a superb job.
weredemhret September 7, 2013
Amanuel is a courageous son of Eritrea!
I hope all the main stream oppositions rather their grass roots read his piece to learn which is the way forward in liberating the Eritrean people. Is it to be loyal to a party manifesto that will take you nowhere or listen to yourself and be pragmatic to achieve your goal?
NEW HOPE ERITREA September 7, 2013
ዝኸበርኩም ኤርትራውያንን ምሓዙ ኤርትራውያንን ፣
እቲ ጸገም ካብቲ ዳይረክተር ኣይኮነ ካብቲ ፕሮድዩሰር__እታ ዝተዋህበቶም ፊልሚ ___ቁምነገር ዘይብላ፣ ኣይ ታሪኻዊት ኣይ ዶኩሜንታዊ__ኣድቬንቸር ስለ ዝነበረትን ዝኾነትን እዩ__ እቲ ዕላማ ናይታ ፊልሚ ክዕወት ዘይክእል።
እወ እቲ ዳይረክተር ሳኽራም ኔሩ ፣እቲ ፕሮድዩሰር ´ውን ሙታንታ ግብጺ ኔሩ ፣ነታ ፊልሚ ብዓረብኛ ክገብራ ደልዩ ይኸውን።
ጸጋም ነፈሰ የማን__እታ ፊልሚ ኣይትረብሕን እያ።ከምቲ ንሓምሳ ዓመት ላሕ ዘበለትና ገንዘብናን ደምናን ከተወድኣና እምበር ኣንኳይ ከም ክፍሊ ዓለምሲ ንቀበሌ እውን ዘይትበቅዕ ፊልሚ እያ ።ዘሊላ ዘሊላ ድማ ናብታ ኣብ ተስዓን ሓደን ዝቖረጸታ ፋብሪካ ክትምለስ ክትልምን እያ።እታ ፋብሪካ እንተ ዓሽያ መሊሳ ክትቅበላ እያ።
እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፣ሓንጎል እኳ ክንደየናይ !!!!
The only wise Eritrean ,besides Papa Isaias
belay nega September 7, 2013
NEW HOPE ERITREA
“The only wise Eritrean ,besides Papa Isaias”
With all due respect,why you are ashamed to call yourself Ethiopian?
I myself have a reservation towards Eritrean politics in general, and the army struggle in particular,but as an Eritrean I never label the Eritrean martyrs “BANDITS” as you do.
NEW HOPE ERITREA September 7, 2013
ዜና ስፖርት ባዶ ማልያ(ገረወይና)ወያነ
ምንም ጋንታ ኢትዮጵያ ንጋንታ ሰንትራል ኣፍሪካን ሪፓብሊክ 2 -1 ትስዓራ እምበር__ኣለማማዲ ጋንታ ሰንትራል ኣፍሪካ__እቲ ስዕረት ዘጋጠመ ሓደ ካብቶም ተጻወትቲ ሰንትራል ኣፍሪካ፣በዲኡ ትግራዋይ ስለ ዝነበረ__ኮነ ኢሉ ንጋንታ ወያነ ስለ ዘሕለፎም እዩ ሸቶ ኣመዝጊቦም ፣ ስለዚ ¨መኻልፍ¨ገጢሙና እምበር ኣይምተስዓርናን ኔርና፦ ክብል ንጋንታ ኢትዮጵያ___¨ባዶ ማልያ¨ኢሉ ሰምይዎም።
ኣህዛብ ሰንትራል ኣፍሪካ ኣብዑር እንተኾይኖም ነዚ ናይ¨መኻልፍ¨መግለጺ እዚ ክቕበልዎ እዮም ኢሎም፣ ኣቦይ ነጋ ስብሓት ። ግን እዚ ዘረባይ፣ብኻልእ ከይትርጐም ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ወይ ጉድ
እንታይ ማለቶም ኮን ይኸውን ፧ሓሻካ !!!!!
jemal September 8, 2013
@newhope.
ITI ALAMI NAY CENTERAL AFRICA WEDI AFWERKI DIU NERU?
SPORTIN POLOTICAN AYTHAWAWISO PLEASE.
Truly Truly i say to you September 9, 2013
NEW HOPE ERITREA, ብጣእሚ ትገርም ሰብ ኢኻ! ነዚ ብጀካኻ ፈላጥን መስተውኣልን ብሃገር ከምዘየለ ብሙቅጻር በቲ ተቅርቦ ዘለኻ ትምክህቲ፣ ቀስኢልካውን በቲ ብክርስቶስ ክሳብ ሳልሳይ ሰማይ ተዘሪፉ፣ ንኩሎ ምድራዊ ጥበብን ሰማያዊ ጥበብን ራዕይን ተገሊጽሉ ዘስተውኣለ፣ ኮይኑ ግን ካብ ትምክህቲ ዝተቆጠበ ካብ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ´ውን ንላእለ ፈላጥን ለባምን እዬ ከይትብለና ስለዝሰጋእኩ፣ ብዛእባ ናይ ኩኡሶ ነገር ክሳብዘልኣልካ፣ ዋላ´ኳ ነዚ ብኩኡሶ ኣመኽኒኻ ነቲ ዝተገበረ ፖሎቲካዊ ገለ ሚስጥራት ክገልጾ ድልየት እንተዘይነበረኒ፣ ነዚ ጽላሌኻን ትምክህትኻን ከንቱ ምኳኑ ምግላጽ የግድን ኣድላይነት ከምዘለዎ ሰዝተሰማኣማኒ፣ ነቲ ከይለበምካ ዝለበምካ ከይፈለጥካ ዝፈልጠካ መሲሉካ ንትብሎ ሃለውለው፣ ምእንቲ ኣጸቢቅካ ክትልብም ከም`ኡውን ነቲኦም ሀገራውያን ገለ መለበሚ ምእንቲ ክኾኖም ገለ ሚስጥር ክገልጸልኩም።
ብ1962 ኣብዝተገበር ናይ ኣፍሪካ ዋንጫ ግጥም ኢትዮጵያ ቀዳማይ ብምውጻእ ተኣዋቲት ምንባራ ምናልባሽ ትፈልጥ ትኸውን። ግናስ ካብቶም ኣሠርተዉ ሃደ(11) ተሰለፍቲ አቶም 9 ኤርትራውያን ምንባሮም ትፈልጥ ዲኻ? እቲ ሕቶ ስለምንታይ?
ነዚ ምምጻእይ ምናልባሽ ዳርጋ ብሞሉኦም ኤርትራውያን ብምንባሮም ተመኪሄ ከይመስለካ፣ አንትይ´ድኣ ነቲ ፖሎቲካዊ ትልእኮ ሚስጥር በሎ ጉርሂ እንታይ ምኳኑ ከብርሃልካ ሰለዝደለኩ ጥራይ እዩ።
እምበኣርከስ በቲ ጊዜ (1962)ገዛእቲ ዓለም ነቲ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ንዝነበረ ፌደራላዊ ምህደራ ኣፍሪሶም ምስ ኢትዮጵያ ብሃደ ግዝኣት ንክትመሃደር ጸምቢሮማ ስለዝነበሩ፣ ካብቶም ኣሠርተዉ ሃደ 9 ኤርትራውያን ተጻወቲ ዝተሰለፉሉ ምኽንያት እምበኣርከስ ቀዳማይ እቲ ኤርትራዊ ኢትዮጵያዊነት ስምኢት ንክሃድሮ ኮን ኢሉ ብምደይ ዝተገበረ ጉርሂ ክኸውን እንከሎ፣ አቲ ቁጽሪ 9 ከኣ ነቶም 9 ናይ ኤርትራ ብሔራት ንምምልካት ነሩ። ካልኣይ እቲ ኣወት ብ ኢትዮጵያ ሰዓሪነት ንክድምደም ብመደይ ከምዝተሰረሃሉም በቲ ካብ ኣምላኽ ብዝተገለጸለይ ጥበብ አቲ ሚስጥር ከምኡ ምኳኑ ክህብረካ ይፈቱ።
አዚ ጥራህ ከይመስለካ ከምቲ ንሰብ በየናይ ሃንጎል ከይፈልጥዎ ኢልካ ተባጭወሉ፣ ሃንጎል ተሊካ፣ ነዚ ብናይ ኢትዮጵያ ዓወት ትምክሃሉ ዘለኻም አቲ ሚስጥሩ ናይብሃቂ ብስፖርታዊ ብልጫ ዝተረኸበ ከይመስለካ፣ አንታይ´ድኣ መለስ ዜናዊ ኣብዝሞተሉ ግዜ
ልክእ ከምቲ ናይ ኤርትራ፣ ሕዝቢ ኢትዮጵያ´ውን ብኩኡሶ ሃዘኑ ንከረስእ ብመደይ ዝተገበረ ውዲት ምኳኑ ኣግሂደ ክገልጸልካ እደልይ። እዚ ጥራይ ከይመስለካ እቲ ውግእ ባድሜም በከምኡ ዝተረኸበ ኣውት ምኳኑ ብደይምዝንጋእ ካብዚ ከንቱ ትምክህትኻ
እንተተኣቀብካ ይሃይሽ ። ብዙህ ሚስጥራት ክገልጻልካ ምፈተኹ፣ ግናስ ምስቶም ኃያሎት ገዛእቲ ከይተባእሰኒ በዚ ጠጠው እንተበልኮዎ ይሃይሽ።
if you want to prove,
In the 1962 nations cup won by Ethiopia, 9 of the 11 starters of that team were Eritreans.
————————————————————————————————————————————
Their names were: Lucian Vassalo, Tesfay Gebremedhin, Berhe Goitom (Patata), Etalo Vassalo, Kiflom Araya, Gilamichael Tesfamariam (wedi Mariano), Haile Tesfagaber, Tekle Kidane, Asmelash Berhe, Tsegay Tesfay, Negassi Gebremichael and Berhane Beyene were Eritreans who were part of the 1962 historic Ethiopian National team. (by Esseyas Fsehaye, Shabait, 2010)
Read more: http://www.madote.com/2010/04/interesting-facts-about-eritrea.html#ixzz2eO0iSOTt