Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ

 ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት  ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ August 10, 2013 ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ፡ ገለ ካብ ታቦት ዮሃንስ መጥምቅ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ተፈንጭሎም ዝወጹ ጉጂለ፡ ብስም ቅዱስ

 ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት  ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን

ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ

August 10, 2013

ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ፡ ገለ ካብ ታቦት ዮሃንስ መጥምቅ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ተፈንጭሎም ዝወጹ ጉጂለ፡ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ ኢሎም ነብሶም ዘጠመቁ፡ ብፖሊቲከኛታት ዝተሸሙ ጳጳሳት ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ናብ  ከተማ ኦታዋ ብምዕዳም ብምስምስ ሓድነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣኼባኦም ኣካይዶም። እቲ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ዝጀመረ ክሳብ ሰዓት

ሸሞንተ ድ. ቀ. ዝተባለ፡ ኩሉ ኣኼባኦምን እኽለማዮምን ኣብ ሰዓት ሸውዓተ  ኣጋ-ምሸት ክድምድሙ ተገዲዶም።

ሕመረት ጸብጻብ ናይ ’ቲ ዘይ ቅዱስ ዋዕላ ልክዕ ክብገስ ከሎ ዝፈሸለ ኣብ ውጺእቱ መእተዊ ኣይብሉ-መውጺኢ ካብ ዝኾነ ይኹን  ስነምግባራት እዚዩ ዝረሓቀ፡ ካብ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሉ ጥራሕ ዝበልናኩም ስምዑ፡ ዝኣዘዝናኩም ግበሩ ዝዓይነቱ ኮይኑ፡ ካብ ላዕላዋይ ልኡኹ ኣዛዚ ኣይተ ኢሳያስ ዝመጸ  ክመስል እዩ ትእዛዙ ኣማሓላሊፉ ነቲ ኣኬባ ዓጽዩዎ። ዋላ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝሓተትዎ ብተግሳጽ እምበር ብትሕትና ኣይመለሱን።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምብኣር ገለ በዳሂን ምስ ስሚዒት ናይ ሕልናኻ ዚፈታተን ውሳኔታት ከሕልፍ ኪጅምር ከሎ ገለ ኣባላ ናይታ ሕጋዊት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ተንሲኦም ዕቃቤታቶምን ተቃዉሞኦምን ከስምዑ ዝጀመሩ።

እቲ ናይ ረሲዐ ረሲዓን ልኡኽ ጳጳስ ከምኡ ጉጂለ ናይ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ  ዝፍለጡ ብሙዃን ነቶም ብግቡእ ንነብሳተ-ክርስቲያናት ንዝመርሑ ዘለዉ ቅዱስ ኣባት ነብሲ ኣባ ሓይልኣብ ቆሞስ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ኦታዋ፡ ከይ ሓፈሩ ዉጉዝ ቀሺ ኢዮም ብምባል፡ ወረቀት መዚዞም ናኣኼበኛታት ኣንቢቦምሎም። ቀጺሎም ውን ኣብዚ ታቦት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኬድኩም መስዋእቲ ቅዳሴ ምስትካፈሉ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ዉጉዛት ኢኹም ክብሉ ነቶም መእመናን ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተካፈሉ ከቢድ መጠንቀቅታ ሂቦም።

ገለ ኣባላት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ተንሲኦም ኣይተፈራርሑና ፡ ጽቕጠት ኣይትግበሩልና ዝብል መልሲ እኳ እንተሃቡ ተቐባልነት ኣይረኸቡን።

እስኪ ንውጋዜ ዝምልከ ገለ ሕቶታት ከነልዕል!

ካብ ቤተክርስቲያን ምውጋዝ ወይ ውጋዜ ማሌት እንታይ ማሌት እዩ?

ብመጀመርያ ዝኾነ መራሒ ካብ ቤተክርስቲኣይ ንኽውገዝ ሕጊ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ክጥሕስ ኣሎዎ ወይ ሃይማኖቱ ክቅይር ኣሎዎ። እዚ ምስዝገብር ጥራሕ እዩ ተወጊዝካ ኢኻ ክብሃል ዝኽእል ንሓደ መራሕ ቤተክርስቲያ ወይ ዉን ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና። ኣነ ዝኣመንኩዎ ናይ ፖሊቲካ ጸግዕነት ዘይኣመንካ ተባሂሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ናይ ሂወት ፈተነ ምፍትታን በሓቂ ምልክት ናይ መናፍቓንን ረሲኣንን እዩ እሞ ካብ ከምዚ ነገር ምቅንጃው ምጥንቃቕ ንነብስና ድሕነት ምዃኑ ነገንዝብ።  ፖሊቲካን ሃይማኖትን ሓቢሩ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ’ዩ ቀሺ ወይ መራሕ ቤተክርስቲያን ፖሎቲካ ክዛረብ መሰሉ እዩ። ዝኾነ መራሕ ሃይማኖት ናይ ፖሎቲካ ጸግዒ ክሕዝ ግን ፍጹም ሕጋውነት የብሉን።

ስለዚ ጳጳስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ እምባር ነዚ ኣምር እዚ ስሒቱ ድልየት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ናይ ኣተ ይፍታሕ ዲጴጥሮስ ንምርዋይ እዩ ክጎዪ ዝውዕለ ወይ ዝርአ ዘሎ።

ኩሉ ብዝምስክሮ፡ ኣባ ሓይልኣብ ሓወርያታዊ ምስክርነቶም ኣብ ህዝቦም  ጥራሕ ዘይኮነ ንኣብ ከባቢና ንዘለዉ ህብረተ-ሰብ ኣዚዮም መሳጢ ኣቦ ኮይኖም ብዘይፍርሒ ሓቂ ስለ ዘስተምሃሩ ዉጉዝ ኢዮም ክብሃሉ እኳ ልክዑ ዝሓለፈ ብድዔ ጥራሕ ተባሂሉ እዩ ዝሕለፍ።

ደሓርከ ክውገዝ ዘለዎ ናይ መንፈስ መራሒ ይኹን መሕደር ቤተክርስቲያ እንታይ ምስ ዝገብር እዩ? መን እዩ ኸ ንኽውግዝ ሕጋውነት ዘለዎ?

እምብኣርከስ ኣዕሚቕና ንኽንግንዘብ መንዩ ወጋዚ መንዩኸ ተወጋዚ ንዝኾነ መራሕ መንፈስ ይኹን መራሕ ቤተ-ክርስቲን ናይ ምውጋዝ ሕጋውነት ዘለዎኽ መን’ዩ ኢልና ኣርሒቕና ንኽንርእን ገለ ሕግታት ናይ ቤተክርስቲያን መጽናዕቲ ምግባር ከድልየና እዩ።

ንሓደ ካህን ወይ ጳጳስ ንኽውገዝ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ  ሕጋውነት ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምስ ዘፍርስ ጥራሕ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ናይ ውሽጥኻ ቂምታን ስሚዒትን ንምርዋይ ኢንተዝይኮይኑ ወላሓንቲ መሰረታዊ ሕጋውነት የብሉን። ዝኾነ ሰብ ኣብሊዕሊ ዝኾነ ፖሎቲካ ይኹን ወይ ጸግዒ ዘይተኸተልካ ተባሂሉ ክሳብ ናይ ምዉጋዝ ስልጣን ክህልዎ ፍጹም ኣይግባእን።እቲ ክውግዝ ስልጣን ዘሎዎ ከኣ እቲ ሕጊ ዘኽብርን ናይ ማንም ፖሎቲካ ጸግዒ ዘይክተልን ወይ ዘይብሉን ንሕጊ ቤተክርስቲያን ብግቡእ ዘኽብርን ዝግዛእን ጥራሕ እዩ ናይ ምውጋዝን ናይ ካልእ ቅጽዓትን ናይ ምሃብ ስልጣን ክህልዎ ዝኽእል።

እሞ እዚ እንተኮይኑ ቲ ኣጋባብ ቤተክርስቲያን ፡ጥፍኣት ናይ ብጹእ ኣቦና ሓይልኣብ ብምንታይ መለክዒ ኢዮም ብዘይካ ሓደ ሕፍረት ኣብመድርኽ መናፍቃን ኮይኖም ንቅዱስ ካህን ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክውሱኑሎም ዝወዓሉ? እዚ ነቶም ኣብኡ ንዝነበሩ ሰማዕቲ ንኽምልሱዎ ንገድፎ።

ሓድ ሓቂ ግን ኣሎ፡ ንጹህ መራሕ ሃይማኖት ናይ ክርስትና ኣባ ሓይላብ ብሕጊ ተመሪሖም ስለ ዝኸዱ፡ ከምኣታቶም ካብ መንፈስ ወጺኦም ኣብ ስርዓት ይፍታሕ ዲጴጥሮስ ስለ ዘይተምበርከኹ እንተኾይኑ፡ ካብ ሕጊ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ስለ ዝኾነ ፍጹም ኣይክውዕልዎን ኢዮም። ከም ሓቀኛ መራሒ ቤተክርስቲያን መጠን ኸኣ ከምዚ ዓይነት ገደቡ ዝሓለፎ ናይ ብድዔ ካብ ኣጋባ ኣዚዩ ዝረሓቐ ቅጽዓት ንዓኦም ኣይምልከትን ኢዩ።

ብኣንጻሩ ግን እቶም ክውገዙ ዝነበሮም ጳጳሳትን ኻህናትን ዲያቆናትን ከምኡ መናፍቓን መእመናንን ናይቲ ጉጂለ እዮም ።

ኣብ ሕምብርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነብር ኣብ ሲኦላዊ ጐደና ዝጉዓዝ፡ ንቅዱሳንን ንቡጽዓንን ናይ ሂወት ፈተነ ካብ ምሃብ ኣይክቑጠብን  እዩ :ናይ ወትሩ ስርሑ ስለ ዝኾነ። እምብኣርከስ ንክቡር ኣቦ ቀሺ ሓይልኣብ ኮኒናዮ ዝብል ንኽንሰምዕ ክሕድሰና ኣይግባእን። ካብ ኩኑናት ኩኔኔ ጥራሕ ኢና ንጽበ። ከምቲ ቁዱሳን ኣብ ዘለኣለማዊ ሂወት ክትነብር ዝደልዩኻ ፡ ሰይጣን ከኣ ናቱ ግዙእ ንኽገብረካ ዘይሕለል ጻዕሪ እዩ ዝገብር እሞ፡ እዚ ኣኼባዚ ካብ ሰይጣናዊ ስራሓት ዝወጸ ኣይነበረን እሞ፡ ካብ ከምዚ ዓይነት ስሕታን ንጠንቀቕ።  ኣባ ሓይልኣብ፡ ነዞም ኩኑናት ብተግባሮም ኣይኩኑንዎምን ከመይ ንኩኑናት ናብ መንገዲ ሂወት ንኽመልሱ ስለ ዝኾነ እቲ ጻዕሮም፡ በኣንጻሩ ግን ኩኑን ይኹንነካ ከምዝብሃል እቶም ኩኑናት ነዞም ንጹህ መብራህቲ ሂወት ወረቐቶም መዚዞም ንክኹኑንዎም ግዜ ኣይወሰዱን።

እቲ ሓቂ ግን፡ ኣባ ሓይልኣብ ኣብ ቅዱስ ሂወት ዝመላለሱ ብጹእ ካህን ስለ ዝኾኑ፡ ሓቀኛ ምስክርነቶም ብዘይ ቃልዓለምን ፍርሒን ንምእመናኖም ዝምህሩ ሓቂ ተቐኒቶም ዝነብሩ፡ ምእዙዝን እሙንን ካህን ስለ ዝኾኑ ብስጋዊ ብሊጭሊጭ ዘይታለሉ ንእሙን መራሒኦም ስለ ዘይ ከሓዱ ፡ ተኣዛዝነቶም ብግቡእ ስለ ዘመስከሩ፡ ከምኡውን ግዙእ ናይ ፍትወተ ስጋ ስለዘይኮኑ፡ ብኸምዚ ዓይነት ብድዐ ክግዘቱ ክትርኢ ቁኑዕ ኣይኮነን።  እዚ ኦም ኣቦ ዚኦም እምብኣር ልክዕ ኣብ ወንጌል ማቲዮዎስ ከም ዝምህረና  ኢየሱስ ኣብቲ ዓቢ እምባ ደይቡ ንደቂ መዛምርቱ ከምዚሉ ክምሀሮም ከሎ፡ “ ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም መኣዲ ብዘይ ጨው እንተበላዕካዮ መቐረት የብሉን ተጓሒፉ ከኣ ይድርበ ከም ዝበሎም ” ስለዚ ንመእመናኖም መቐረት ንዝኾኑ ቅዱስ ካህን ብኽብሪ መሓዝ ደኣምበር፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ዘድሊ ኣይመስለናን።  ኣባ ሓይለኣብ፡ ልክዕ ከምቲ ቁዱስ ወንጌልና ዝምህረና መብራህቲኹም ኣብ ክብ ዝበለ ኾይኑ ይብራህ፡ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀመዛምርቱ ከምዝበሎም ፡ ንስኻትኩም ብርሃን ቀንዴል ኢኹም መብራህትኹም ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ እንተቀመጥክሞ ብርሃን ዘለኣለም ዪህብ ኣብ ቲሕቲ ከፈር እንተዕበጥክሞ ግን ጭልምልም ኢሉ ይጠፍ” ከምዝበሎም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣቱም መእመናን ናይ ቅዱስ ዮሃን ቅድስቲ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ፡ ነዞም መብራህቲ ቀንዴል ንዝኾኑ ኣቦኹም ሓሉዉዎም፡ ማይ እንተፈሲሱ ኣይሕፈስን ኢዩ ሞ ኣብጣዕሳ ከይትኣትዉ።

ኣብ መጨርሻ ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና ቃሉ ሓንቲ ጥራይ እያ ክትከውን ዘሎዋ፡ ነቲ እው እወ ንበል ነቲ እይኮነን ኣይኮነን ንበል ሓሪርና ከይንቅህም። ንምስክርነት ብቁዓት ንኹን። ብሕልናና ከኣ ንገዛእ።

ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቕድስቲ ቤተክርስቲያና ጽላሉ ይሃባ።

 

ካብ ግዱሳት ኣባላት ቅዱስ ዮሃንስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ኦታዋ ካናዳ!!!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Mahmood August 13, 2013

    HIGDEF DESTROYED ALL RELIGIONS ISLAM<CATHOLIC<TEWAHDO PENTE<JEHOVA THE REALITY IS ISAYAS JUNTA ARE NOT BLIEVERS THEY ARE HARD CORE MAOIST FROM THEIR INCEPTION WAKE UP PEOPLE.KEBESITES WAKE UP THEIR NEW METHHOOD IS NOT ONLY TAMPERONG WITH RELIGION THEY GROOM MUSICIANS AND KOBORO ADDICTS THEIR TARGET ARE MIDDLE AGE WOMEN INDOCRINATING THEM THROUGH KOBORO AND FESTIVALS.THE REALITY IN TODAY ERITREA IS NOT REFLECTED IN THEIR FESIVALS PEOPLE ARE LEAVING ERITREA .

  • sebri August 13, 2013

    What a shame? Please do not label people. Please declare officially in Ottawa that Kudus Yohannes is an opposition type and the members will kick your ass….

  • Truly Truly i say to you August 13, 2013

    ምኽንያት ዜብሉ መርገምሲ ኸምታ እትነፍር ጭሩ፡ ከምታ እትበርር ለዃዂቶ ኣይበጽሕን እዩ።
    (መጽሓፍ ምሳሌ 26; 2)

  • Semere August 14, 2013

    History repeats itself. All communist regimes are scared of religious institutions. Because they challenge their criminal ways and advocate for human rights. Communist regimes care to keep in power “ONE MAN”. Russia, China, North Korea, etc, did the same things. They neutralized the religious leadership and created “revolutionary Churches”! The Church of God is hijacked by criminals and killers. Why are we surprised of Isayas and his nucleus? We in Diaspora should know that the Isayas regime has no care neither for the people nor for the nation.
    Politics and Religion belong to different domains: Spiritual and temporal issues. Who authorized Isayas to interfere in spiritual and religious affairs of which he is totally ignorant? Communist regimes declare themselves “Atheists”. If they are unbelievers why care about Church affairs? It is because they feel threatened by God and by the “People of God”.

  • Truly Truly i say to you August 14, 2013

    Curses cannot hurt you unless you deserve them.
    (Proverbs They are like birds that fly by and never light.

  • tesfay August 14, 2013

    Its very embarrassing to give people wrong and false information.What can i say is to make people revolt against Eritrean regime is not by providing wrong information.I guess the writer is losing his reputation and should review the fabrication he created.Pls avoid giving unsolicited and awkward information.Refrain making lies otherwise the way you are providing news will not make sense and will cause to lose the credibility of the opposition parties.I have attended in both church in Ottawa and Montreal but i never heard Bishop talking about politics.Of course he has mention that Eritrean and Coptic church has their own administration but clearly stated that Coptic church has no right to interfere in Eritrean orthodox church which i guess make sense.He had clearly informed us that Coptic and Eritrean church has the same belief but administration wise they are on their own.I am confused when you misinform people things which Abune Shenouda never discussed.

    • Genet August 14, 2013

      Tesfay
      Why don’t you say clearly, what the wrong information you are talking about? Are you denying that the dictator is interfering with the Orthodox Church? Because he is. He is dividing Eritreans even within the same Church. The Eritrean Orthodox church is being destroyed by this atheist dictator. Don’t come here and pretend to be a concerned Eritrean. You are not concerned Eritrean. Most likely, you are concerned that the dictator is being exposed daily. You talked about the Coptic church and Eritrean Orthodox church relationship. What would you say next, if the dictator tells Eritrean-Catholics don’t have any relationship with the Pope? if he hasn’t said that yet. Get it to your head, the dictator is the devil.
      Genet

      • ahmed saleh August 15, 2013

        TESFAY
        ” COPTIC CHURCH HAVE NO RIGHT TO INTERFER ON ORTODOX CHURCH ‘ . I am confused in here .
        In that case , they should leave alone the Eritrean ORTODOX followers too .
        If one MOSLEM religious leadermtried to convince me his legitimacy of his prophecy and at the other side
        reluctant not to pursue the holy responsibility to protect its reputation , for me the person do not deserve
        credit to be trusted

      • Wedi Hager August 16, 2013

        Thank you Genet, really, I couldn’t agree more with you. you have said it well. Mr. Tesfay maybe deceiver or one of those confused people with the churches on how should be administrated and maybe Mr. Tesfay is suffer to see b/w spiritual administration within its daises vs Government affairs. It is also up to him to see things morally, ethically and genuinely.

    • tesfay August 15, 2013

      It will take me time to mention the whole wrong information. I will just say three
      1.Keshi Haleab ember komos wey aba aybehalin .ezi Mareya kindey nay orthodox aflito kem zeybilka yebrih.
      2. ሓቂ ግን፡ ኣባ ሓይልኣብ ኣብ ቅዱስ ሂወት ዝመላለሱ ብጹእ ካህን .. kahn ab orthodox church btsue elka aysimeyen eyu.
      3.ሕጋዊት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ተንሲኦም ዕቃቤታቶምን ተቃዉሞኦምን ከስምዑ ዝጀመሩ።…elka men eyu higawit giruwa.abti seat kidus yohannes bete kirstiyan gubua zeytemael mukanu habirom neyru.. zikone kab kidus yewhannes zimelese
      ayneberen.
      ..etc……..
      Tesfay

  • opposition August 15, 2013

    That is all what the opposition camp can give us? What a shallow and convoluted story? I belong the Kudus Yohannes church and as far as i know we have officially declared that we will be under the North American Diocese, Abune Sinoda. We love our government and we have no problem support …. I bet the writer is not a member of the church.
    Also keshi Hailiab is a late comer and our differences with Kudus Petros is more than 3 yrs old…..Keshi hailiba came to Ottawa only last year…..SO please stop the libber-jabber!

  • Almaz Gaul Asmera August 15, 2013

    ተስፋይ

    ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጉንዲ ገዲፍካ ኣብ ጸሓፋይ ዘሎ በሰር ሃሰስ ኣይትበል። ንካህን ብፁእ ምባሉ ቅኑዕ ኣይኮነን ብመንጽር ቀኖና ቤተክርስትያን።
    እንተኾነ እቶም ኣቡን ባዕሎም ንሰማያዊ ንጉስ ገዲፎም ንምድራዊ ንጉስ ኪምእዘዙ ከሎዉ እኮ ብቀኖና ቤተክርስትያን የወግዞም እዩ። እንድሕር ቀኖና ትፈልጥ ኮይንካ። ኣብኦም ቅዱስ ፓትርያርክ እንጦንዮስ ባዕሎም ከሲሶም ባዕሎም ፈሪዶም ኣውሪዶም (እዚ ኪብለካ ከሎኹ ኮለኔላት ሕጊ-ግደፍን ዮፍታሐን ኣብ ዝመርሕዎ ጉባኤ እምበር: ጉባኤ ቤተክርስትያን ተባሂሉ ኣይጽዋዕን።)ካልእ ዘደንጹ እኮ እዞም ኣብ ኤርትራ ዘሎዉ ጳጳሳት ካብ ቀዳማይ ፓትርያርክ ኣቡነ ፍሊጶስ ጀሚሮም ኣብ ግብጺ እኮ እዮም ጵጵስና ረኺቦም። ብናይ ግብጺ ቤተክርስትያን ዝተቀብዐ ካህን ኣይቅበልን ምባል ናይዞም ዝዛረቡ ዘሎዉ ማዕርገ ጵጵስና ሕጋዊ ኣይኮነን ምባልዶ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ንባዕሎም ኣብ ግብጺ ብዝተቐብኡ ጳጳሳትዶ ኣይኮኑን ተቐቢዖም። ምስ ሓቂ ተባኢስኮም ኣይትወጽዎን ኢኹም። ትሓፍርሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። ንኹሉ ግዜ ኣሎዎ። ንዘመነ ጥልመት ግዜ ኣሎዎ ንዘመነ ፍትሒ ኸኣ ከምኡ።

  • Isseyas August 16, 2013

    Selam kemey alekum kburat yehwat mnalbat abzi zwehab zelo coment nay keshi Hayleab mnalbat felitka ktzareb tsbuq ymesleni kemeysi bqedamnet keshi Hayleab meas tewegizu slemntayke ezi kbl keleku gn neti hlw kunetat nay biete kristiana zelato resie aykonkun meknyatu eti zelato akayda qrauy ekoa enetezey kone neti haqi haqi neti asot hasot endabelna entekedna eyu neti engebro qalsi wn kewet skel nayti hade tsegei tray hizka mkad gn tsbuq aykonen neqeshi hayleab slezeytfelto komau elka ktmskrelu tsegem yeblkan msfeletkayo gn baelka ktmlso eka hanti klabewekum gn ksab meas kema elu yegelgl kemzlo astewel ezisle zgebere tewegizu ezislezgebere tesgugu mbelkukum gn dehan baelkum ktezebwon baelkum ktmeznwon gn natkum blhatn natkum ntfetn yehatt kemweyo deki adna alewudo knhsu zbeloyu negeru keshi hayleab malet qorbet begie ztekedne tekula eyu !!!

  • Heruy Ghebreab August 16, 2013

    ነቶም ሓቂ ሒዞም ዝጎዓዙ፡ ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ከምዝመሃረና፡ “እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም። 12- ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጒጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።” ማቴ. 5፡ 10. ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ስለ ሓቂ ተጸሪፍኩም ኣለኹም። ብዛዕባኹም ብዙሕ ሓሶት’ውን ጌና ክዝረብ እዩ። ክትስጎጉ ኢኹም። ግን ኣብ ሰማይ ዓስብኹም ብዙሕ ስለዝኾነ፡ “ተሓጎሱ፡ ባህ’ውን ይበልኩም፡ እግዚኣብሔር ነዚ ብቑዓት ስለዝገበረኩም። ምረት፡ ቅርሕንቲን እከይን ካባኻትኩም ኣርሕቑ። እግዚኣብሔር ጸጋኡን መንፈሱን የዕዝዘልኩም።

POST A COMMENT