ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ
ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ August 10, 2013 ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ፡ ገለ ካብ ታቦት ዮሃንስ መጥምቅ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ተፈንጭሎም ዝወጹ ጉጂለ፡ ብስም ቅዱስ
ውጉዛት ጳጳሳትን ካህናት ሽሞኛታት ናይ ፖሊቲካን
ንቅዱሳን ካህናት ምስ መእመናን ክውግዙ ክንርኢ ዊዒልና ኣብ ከተማ ኦታዋ፡ ካናዳ
August 10, 2013
ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ፡ ገለ ካብ ታቦት ዮሃንስ መጥምቅ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ተፈንጭሎም ዝወጹ ጉጂለ፡ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ ኢሎም ነብሶም ዘጠመቁ፡ ብፖሊቲከኛታት ዝተሸሙ ጳጳሳት ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ናብ ከተማ ኦታዋ ብምዕዳም ብምስምስ ሓድነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣኼባኦም ኣካይዶም። እቲ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ዝጀመረ ክሳብ ሰዓት
ሸሞንተ ድ. ቀ. ዝተባለ፡ ኩሉ ኣኼባኦምን እኽለማዮምን ኣብ ሰዓት ሸውዓተ ኣጋ-ምሸት ክድምድሙ ተገዲዶም።
ሕመረት ጸብጻብ ናይ ’ቲ ዘይ ቅዱስ ዋዕላ ልክዕ ክብገስ ከሎ ዝፈሸለ ኣብ ውጺእቱ መእተዊ ኣይብሉ-መውጺኢ ካብ ዝኾነ ይኹን ስነምግባራት እዚዩ ዝረሓቀ፡ ካብ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሉ ጥራሕ ዝበልናኩም ስምዑ፡ ዝኣዘዝናኩም ግበሩ ዝዓይነቱ ኮይኑ፡ ካብ ላዕላዋይ ልኡኹ ኣዛዚ ኣይተ ኢሳያስ ዝመጸ ክመስል እዩ ትእዛዙ ኣማሓላሊፉ ነቲ ኣኬባ ዓጽዩዎ። ዋላ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝሓተትዎ ብተግሳጽ እምበር ብትሕትና ኣይመለሱን።
ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምብኣር ገለ በዳሂን ምስ ስሚዒት ናይ ሕልናኻ ዚፈታተን ውሳኔታት ከሕልፍ ኪጅምር ከሎ ገለ ኣባላ ናይታ ሕጋዊት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ተንሲኦም ዕቃቤታቶምን ተቃዉሞኦምን ከስምዑ ዝጀመሩ።
እቲ ናይ ረሲዐ ረሲዓን ልኡኽ ጳጳስ ከምኡ ጉጂለ ናይ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ ዝፍለጡ ብሙዃን ነቶም ብግቡእ ንነብሳተ-ክርስቲያናት ንዝመርሑ ዘለዉ ቅዱስ ኣባት ነብሲ ኣባ ሓይልኣብ ቆሞስ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ኦታዋ፡ ከይ ሓፈሩ ዉጉዝ ቀሺ ኢዮም ብምባል፡ ወረቀት መዚዞም ናኣኼበኛታት ኣንቢቦምሎም። ቀጺሎም ውን ኣብዚ ታቦት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኬድኩም መስዋእቲ ቅዳሴ ምስትካፈሉ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ዉጉዛት ኢኹም ክብሉ ነቶም መእመናን ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተካፈሉ ከቢድ መጠንቀቅታ ሂቦም።
ገለ ኣባላት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ተንሲኦም ኣይተፈራርሑና ፡ ጽቕጠት ኣይትግበሩልና ዝብል መልሲ እኳ እንተሃቡ ተቐባልነት ኣይረኸቡን።
እስኪ ንውጋዜ ዝምልከ ገለ ሕቶታት ከነልዕል!
ካብ ቤተክርስቲያን ምውጋዝ ወይ ውጋዜ ማሌት እንታይ ማሌት እዩ?
ብመጀመርያ ዝኾነ መራሒ ካብ ቤተክርስቲኣይ ንኽውገዝ ሕጊ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ክጥሕስ ኣሎዎ ወይ ሃይማኖቱ ክቅይር ኣሎዎ። እዚ ምስዝገብር ጥራሕ እዩ ተወጊዝካ ኢኻ ክብሃል ዝኽእል ንሓደ መራሕ ቤተክርስቲያ ወይ ዉን ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና። ኣነ ዝኣመንኩዎ ናይ ፖሊቲካ ጸግዕነት ዘይኣመንካ ተባሂሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ናይ ሂወት ፈተነ ምፍትታን በሓቂ ምልክት ናይ መናፍቓንን ረሲኣንን እዩ እሞ ካብ ከምዚ ነገር ምቅንጃው ምጥንቃቕ ንነብስና ድሕነት ምዃኑ ነገንዝብ። ፖሊቲካን ሃይማኖትን ሓቢሩ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ’ዩ ቀሺ ወይ መራሕ ቤተክርስቲያን ፖሎቲካ ክዛረብ መሰሉ እዩ። ዝኾነ መራሕ ሃይማኖት ናይ ፖሎቲካ ጸግዒ ክሕዝ ግን ፍጹም ሕጋውነት የብሉን።
ስለዚ ጳጳስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ እምባር ነዚ ኣምር እዚ ስሒቱ ድልየት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ናይ ኣተ ይፍታሕ ዲጴጥሮስ ንምርዋይ እዩ ክጎዪ ዝውዕለ ወይ ዝርአ ዘሎ።
ኩሉ ብዝምስክሮ፡ ኣባ ሓይልኣብ ሓወርያታዊ ምስክርነቶም ኣብ ህዝቦም ጥራሕ ዘይኮነ ንኣብ ከባቢና ንዘለዉ ህብረተ-ሰብ ኣዚዮም መሳጢ ኣቦ ኮይኖም ብዘይፍርሒ ሓቂ ስለ ዘስተምሃሩ ዉጉዝ ኢዮም ክብሃሉ እኳ ልክዑ ዝሓለፈ ብድዔ ጥራሕ ተባሂሉ እዩ ዝሕለፍ።
ደሓርከ ክውገዝ ዘለዎ ናይ መንፈስ መራሒ ይኹን መሕደር ቤተክርስቲያ እንታይ ምስ ዝገብር እዩ? መን እዩ ኸ ንኽውግዝ ሕጋውነት ዘለዎ?
እምብኣርከስ ኣዕሚቕና ንኽንግንዘብ መንዩ ወጋዚ መንዩኸ ተወጋዚ ንዝኾነ መራሕ መንፈስ ይኹን መራሕ ቤተ-ክርስቲን ናይ ምውጋዝ ሕጋውነት ዘለዎኽ መን’ዩ ኢልና ኣርሒቕና ንኽንርእን ገለ ሕግታት ናይ ቤተክርስቲያን መጽናዕቲ ምግባር ከድልየና እዩ።
ንሓደ ካህን ወይ ጳጳስ ንኽውገዝ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ ሕጋውነት ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምስ ዘፍርስ ጥራሕ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ናይ ውሽጥኻ ቂምታን ስሚዒትን ንምርዋይ ኢንተዝይኮይኑ ወላሓንቲ መሰረታዊ ሕጋውነት የብሉን። ዝኾነ ሰብ ኣብሊዕሊ ዝኾነ ፖሎቲካ ይኹን ወይ ጸግዒ ዘይተኸተልካ ተባሂሉ ክሳብ ናይ ምዉጋዝ ስልጣን ክህልዎ ፍጹም ኣይግባእን።እቲ ክውግዝ ስልጣን ዘሎዎ ከኣ እቲ ሕጊ ዘኽብርን ናይ ማንም ፖሎቲካ ጸግዒ ዘይክተልን ወይ ዘይብሉን ንሕጊ ቤተክርስቲያን ብግቡእ ዘኽብርን ዝግዛእን ጥራሕ እዩ ናይ ምውጋዝን ናይ ካልእ ቅጽዓትን ናይ ምሃብ ስልጣን ክህልዎ ዝኽእል።
እሞ እዚ እንተኮይኑ ቲ ኣጋባብ ቤተክርስቲያን ፡ጥፍኣት ናይ ብጹእ ኣቦና ሓይልኣብ ብምንታይ መለክዒ ኢዮም ብዘይካ ሓደ ሕፍረት ኣብመድርኽ መናፍቃን ኮይኖም ንቅዱስ ካህን ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክውሱኑሎም ዝወዓሉ? እዚ ነቶም ኣብኡ ንዝነበሩ ሰማዕቲ ንኽምልሱዎ ንገድፎ።
ሓድ ሓቂ ግን ኣሎ፡ ንጹህ መራሕ ሃይማኖት ናይ ክርስትና ኣባ ሓይላብ ብሕጊ ተመሪሖም ስለ ዝኸዱ፡ ከምኣታቶም ካብ መንፈስ ወጺኦም ኣብ ስርዓት ይፍታሕ ዲጴጥሮስ ስለ ዘይተምበርከኹ እንተኾይኑ፡ ካብ ሕጊ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ስለ ዝኾነ ፍጹም ኣይክውዕልዎን ኢዮም። ከም ሓቀኛ መራሒ ቤተክርስቲያን መጠን ኸኣ ከምዚ ዓይነት ገደቡ ዝሓለፎ ናይ ብድዔ ካብ ኣጋባ ኣዚዩ ዝረሓቐ ቅጽዓት ንዓኦም ኣይምልከትን ኢዩ።
ብኣንጻሩ ግን እቶም ክውገዙ ዝነበሮም ጳጳሳትን ኻህናትን ዲያቆናትን ከምኡ መናፍቓን መእመናንን ናይቲ ጉጂለ እዮም ።
ኣብ ሕምብርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነብር ኣብ ሲኦላዊ ጐደና ዝጉዓዝ፡ ንቅዱሳንን ንቡጽዓንን ናይ ሂወት ፈተነ ካብ ምሃብ ኣይክቑጠብን እዩ :ናይ ወትሩ ስርሑ ስለ ዝኾነ። እምብኣርከስ ንክቡር ኣቦ ቀሺ ሓይልኣብ ኮኒናዮ ዝብል ንኽንሰምዕ ክሕድሰና ኣይግባእን። ካብ ኩኑናት ኩኔኔ ጥራሕ ኢና ንጽበ። ከምቲ ቁዱሳን ኣብ ዘለኣለማዊ ሂወት ክትነብር ዝደልዩኻ ፡ ሰይጣን ከኣ ናቱ ግዙእ ንኽገብረካ ዘይሕለል ጻዕሪ እዩ ዝገብር እሞ፡ እዚ ኣኼባዚ ካብ ሰይጣናዊ ስራሓት ዝወጸ ኣይነበረን እሞ፡ ካብ ከምዚ ዓይነት ስሕታን ንጠንቀቕ። ኣባ ሓይልኣብ፡ ነዞም ኩኑናት ብተግባሮም ኣይኩኑንዎምን ከመይ ንኩኑናት ናብ መንገዲ ሂወት ንኽመልሱ ስለ ዝኾነ እቲ ጻዕሮም፡ በኣንጻሩ ግን ኩኑን ይኹንነካ ከምዝብሃል እቶም ኩኑናት ነዞም ንጹህ መብራህቲ ሂወት ወረቐቶም መዚዞም ንክኹኑንዎም ግዜ ኣይወሰዱን።
እቲ ሓቂ ግን፡ ኣባ ሓይልኣብ ኣብ ቅዱስ ሂወት ዝመላለሱ ብጹእ ካህን ስለ ዝኾኑ፡ ሓቀኛ ምስክርነቶም ብዘይ ቃልዓለምን ፍርሒን ንምእመናኖም ዝምህሩ ሓቂ ተቐኒቶም ዝነብሩ፡ ምእዙዝን እሙንን ካህን ስለ ዝኾኑ ብስጋዊ ብሊጭሊጭ ዘይታለሉ ንእሙን መራሒኦም ስለ ዘይ ከሓዱ ፡ ተኣዛዝነቶም ብግቡእ ስለ ዘመስከሩ፡ ከምኡውን ግዙእ ናይ ፍትወተ ስጋ ስለዘይኮኑ፡ ብኸምዚ ዓይነት ብድዐ ክግዘቱ ክትርኢ ቁኑዕ ኣይኮነን። እዚ ኦም ኣቦ ዚኦም እምብኣር ልክዕ ኣብ ወንጌል ማቲዮዎስ ከም ዝምህረና ኢየሱስ ኣብቲ ዓቢ እምባ ደይቡ ንደቂ መዛምርቱ ከምዚሉ ክምሀሮም ከሎ፡ “ ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም መኣዲ ብዘይ ጨው እንተበላዕካዮ መቐረት የብሉን ተጓሒፉ ከኣ ይድርበ ከም ዝበሎም ” ስለዚ ንመእመናኖም መቐረት ንዝኾኑ ቅዱስ ካህን ብኽብሪ መሓዝ ደኣምበር፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ዘድሊ ኣይመስለናን። ኣባ ሓይለኣብ፡ ልክዕ ከምቲ ቁዱስ ወንጌልና ዝምህረና መብራህቲኹም ኣብ ክብ ዝበለ ኾይኑ ይብራህ፡ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀመዛምርቱ ከምዝበሎም ፡ ንስኻትኩም ብርሃን ቀንዴል ኢኹም መብራህትኹም ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ እንተቀመጥክሞ ብርሃን ዘለኣለም ዪህብ ኣብ ቲሕቲ ከፈር እንተዕበጥክሞ ግን ጭልምልም ኢሉ ይጠፍ” ከምዝበሎም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣቱም መእመናን ናይ ቅዱስ ዮሃን ቅድስቲ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ፡ ነዞም መብራህቲ ቀንዴል ንዝኾኑ ኣቦኹም ሓሉዉዎም፡ ማይ እንተፈሲሱ ኣይሕፈስን ኢዩ ሞ ኣብጣዕሳ ከይትኣትዉ።
ኣብ መጨርሻ ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና ቃሉ ሓንቲ ጥራይ እያ ክትከውን ዘሎዋ፡ ነቲ እው እወ ንበል ነቲ እይኮነን ኣይኮነን ንበል ሓሪርና ከይንቅህም። ንምስክርነት ብቁዓት ንኹን። ብሕልናና ከኣ ንገዛእ።
ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቕድስቲ ቤተክርስቲያና ጽላሉ ይሃባ።
ካብ ግዱሳት ኣባላት ቅዱስ ዮሃንስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ኦታዋ ካናዳ!!!
Tewelde belay August 12, 2013
Biantebo etom miemenan ikum gegegnatat. Bhaqi amenti amlak ente konkum jmr keblu kelewu kitqawemu neyrukum. Hji ms gebelu entay kiabs iyu. Eti zgermeni HGDEF ab kaliot haymanotat kemzi aynet xeweta kigebr aqmi yeblun. slemntay ab tewahdo tray kemzi aynet mirfifa’en dhretn, blshwnan zri’e? zbl hto mmlas agedasi iyu. Nsu dma trnafe wey hadnet kemuwn haqegna emnet zeykone blmdi tray zkeyd haymnot mkwanu yerediana. kemzi kibl keleku bhaqe gdusatn qnuatn yelewun maletey aykonen. Zbezhu amenti trewahdo kem zreakuwom gn nay abotatna abohagotatna zbil qalat kemliqu ika tsemi’e. kulu haymanotat eko ab hagerna aybeqolen abohagotatna ewn ayfeteruwon kab dege iyu mexiuna. Slezi emnet tegbar ente zeybilu entay trgum yhliwo. Amlak ewn eko emnetkum btegbar iyu kisne zelewo ilu iyu. Amlak mhret yewrdelna.
Mehari August 13, 2013
higddf mendef ab semien america zigebro zelo migietitaw tewahdo anisti tiray wedibu betekirisyan hazu nisom eyom kendi tekawemti elom kaderetatom.mesiluwom alo kinmiktom ina nezom aremen amlekti wulkeseb bihaili amlak
Hzbi August 13, 2013
‘ The solution is to get rid off the mad dog Isaias wedi medhn berad’ and the criminals can be cleared from inside Eritrea up to America. Yuftah Demetros is the criminal person and someone need to shoot sniper ballet to blow up his head down.
Teklit August 13, 2013
Brgx u ata nay Amlak mahber Christian orthodox tewahdo lomi .1) b poletiknatat malet b HGDFn teqawemtomn 2) b menafqann degeftomn. Kebid fetena weriduwa alo …. nezi kulu halifa kitwexia kitawet kea nria alona. GOD IS WITH US. IF GOD WITH US WHO IS AGAINTST US.
Tesfay August 13, 2013
tsehafi tsihifetka sansur gibero . Mejemerta mewedaeta zeyblu tsihufka mieseri giberelu. kitkawum sele zeleka tiray neti guday hasot kem mesarihi aytigber bejaka.
orthodoxusawi August 13, 2013
አቲ ድራማ ኣብ ኦታዋ ኣይተወደኣን። ናፊቀኩም፡ ኪሪኤኩም ደሊየ ብዝብል ምስምስ ናብ ሞንትርያል አዮም ቀጺሎም። ካብ ሞንትሪኣል ብዝረከብናዮ ሃበረታ መሰረት፣ ኣባላት ሰበኻ ጉባአ ናይቲ ተፈንችጪሉ ብስም አንዳማሪኣም ዚንቀሳቀስ ዘሎ ካብ ናብ ኣምላኽ ናብ ኢሰያስ ዘምሉኹ ሰዓብቲ ዜዕብሉሉዎ በተክርስትያን ንህዝቢ አኖሆ ፓፓስ ሕቶ አንተለኩም ህቶቱ ድህሪ ምባሎም ምአመናን ከምዚ ዚሴብ ሂቶታት ሃቲቶም፡
1) ነዚ ዚመቃቀል ዘሎ ሂዝቢ ንምአካቡ አንታይ ትህጉዙና?
2) ቕሺ ሙሴ ህዝበይ ኪቲርንፍ ኪምለስ አሉኩም ንምንታይ ዘይተከበልኩሞ፡
3) ስለምንታይ ኣብ ሞንጎኩምን ኣብ ሞንጎ ፓፓስ መንቀርዮስን ብዘሎ ባአስን ጺለን ን ምአመናን ጊዳይ ገርኩም ከምኒፈላለን ኒበኣስን ቲገብሮ ኣለኩም?
4)ናይ ኣምላክ ን ኣምላክ ናይ ቀሳር ከኣ ንቀሳር ዶ ኣይኮነን ዚብል አቲ መጺሃፍና ኒምንታይ በተክሪስቲያን ናይ ኣምላክ ጥራይ ዘይቲገብር?
ካብቲ ዚቀረበ ሁቶታት አቲ ንምአመናን ዘገረመን ዘስደመምን መልሲ ናይ ቶም ፓፓስ አዩ ነሩ። ኩሉ መልሲታቶም ፖሊቲካን፣ ምፍርራህን መግሳጽን ዚመሊኦ አዩ ነሩ። ህድግለነ ዘይብሉ ፉጹም ካብ ሃደ መራሒ በተክሪስቲያን ዘይቲጺበዮ ዘሰብድ መልሲታት። ብዛዕባ ቀሺ ሙሴ ናይ ኦርቶዶክስ ኤርትራ ቀሽሂ ኣይኮነን ከም ዲያቆን አየ ዚፈልቶ ሚክኒያቱ ክህነቱ ካብ ናይ ግብጺ ኦርትሆዶጽ አዩ ወሲዱ (መተሃሳሰቢ ኪህነት ዚሃብዎ ፕፓስ መንቀሪኦስ አዮም)። ሂዝቢ ነናቱ ሚርጥጫ ዪግበር ናብዚ ዚመጼ ኤርትራዊ አዩ ናብ ቀሺ ሙሴ ዚከይድ ከኣ ሃገሩ ዚከሓደ ዘይ ኤርትራዊ አዩ ኪብሉ መሊሶም።
ንሰዓታት ዲህሪ ሚቅጻል ብዘይ ናይ መዕጸዊ ጸሎት አቲ መደብ ፍርቂ ለይቲ ብህንፍሽፍሽ ተወዲኡ። አግዚኣብሀር ባአሉ ን ቤተክርስትያና ሰላሙ የውርደላ።
Concerned Eritrawi August 13, 2013
God be with the people Ottawa, well what you are going through now, we in the Bay Area Oakland California went through back in 2005/06. It is very sad that the people of Ottawa has to go through this again, One would think that our clergies learn and would work to keep the people together but they are just dividing us more than ever before.
Quote from the past!
Again, to quote the letter of our Patriarch, His Holiness Abune Antonius (09-05-05):
“Let it be known that the random and questionable excommunication of priests by the (two) bishops, who are roaming the United States without my knowledge and approval, will have no validity whatsoever in the spiritual and administrative life of our Church.”
Check the link to learn more
http://tewahdo.org/index.php?option=com_content&view=article&id=158:seattle-board-responds-to-abba-sinodas-illegal-interference-in-the-administration-of-the-church&catid=36:statements&Itemid=83
MY God keep off the evil from our church
Zeray August 13, 2013
Sad day. The only winners here are those who believe in divide and rule policy of the Dictator. Because they have divided us and they rule for now.
What is shameful is a church which should be busy reconciling those who are divided, encouraging the discouraged, visiting and praying for the sick, and a church which should be preaching “love one another” and stand for peace, and a church which should be helping the needy is busy doing just the opposite. These are dark days.
sara gual eritra August 13, 2013
BKEDEMU MENGISTI DYOM HGDF WEY POLETIKEGNATAT
ENTAY KIGEBRU AB HAYMANOT (EMNET)Y’ATWU???
KAL AMLAK ETI NAY AMLAK N AMLAK ETI NAY KESAR NKESAR
AYBELEN DO GOYTA YESUS,,,, MIEMENAN MALET AMLAK ZIBELO
ZIGEBRU MALET IYU SEB ZIBELO ZIGEBRU MALET AYKONEN
GOD BLESS NHIZBNA
wedi zibolo August 13, 2013
Church and politics always go together what i mean is all to be reality with out discrimination and regional mind. Every time you have to think about other people, society, country, generation and the world which one is good and not affect honest people, children and women.Look our world most the church leaders they help the social leaders. Good church leaders they are not stop speaking the truth. Who will be example for poor people, other that if they sit at the corner the poor society will manipulate by wild and evil leaders. That is one reason in our country when the good people when they stop talk off suddenly the evil dominate to the churches.