Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ውሳኔ“ፍትሓ ነገስት”። – ትማሊ ዘይፈለጣ ጽባሕ ኣይትራኣዮን ኢያ!! – 6ይ ክፋል።

 ውሳኔ“ፍትሓ ነገስት”።      6ይ ክፋል።             06-04-14። ትማሊ ዘይፈለጣ ጽባሕ ኣይትራኣዮን ኢያ!! ውዕሎ መዓልቲ ውግእ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ገሊጸዮ ስለዝኾንኩ ንተክኒካዊ መዳያቱ ኣብዚሐ ኣይክዛረበሉን ኢየ። ብሃታሃታ ዝተጀመረ ጉዕዞ ወጋሕታ ንጀነራላት ፈረንጂ ብዘይተረድኦም ምኽንያት ካብቲ ብሰንሰለት ክተኣሳሰሩ ዝነበረ ኣበጋ ግሳኦም ተበታቲኾም

 ውሳኔ“ፍትሓ ነገስት”      6ይ ክፋል።             06-04-14።

ትማሊ ዘይፈለጣ ጽባሕ ኣይትራኣዮን ኢያ!!

ውዕሎ መዓልቲ ውግእ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ገሊጸዮ ስለዝኾንኩ ንተክኒካዊ መዳያቱ ኣብዚሐ ኣይክዛረበሉን ኢየ።

ብሃታሃታ ዝተጀመረ ጉዕዞ ወጋሕታ ንጀነራላት ፈረንጂ ብዘይተረድኦም ምኽንያት ካብቲ ብሰንሰለት ክተኣሳሰሩ ዝነበረ ኣበጋ ግሳኦም ተበታቲኾም ብኪሎሜተራት ዝኣክል ሃጓፋት ተራእየ። ብተወሳኺ ቅርጺ መሬት፡ መራሕቲ ዝሓዝዎ ካርታን ሓበርቲ ቦታ ደቂ መሬት ዝህብዎ መኣዝንን ምቅዳው ኣብዩዎም ብምጥፋኦም ነገራቱ ንሰበስልጣናት ጣልያን ጋን ኮኖም። ንኣብነት እ ቲ ዓሳክር ደቂ ኤርትራ ዝበዝሕዎ ጸጋማይ ወገን ናይ ብ.ጀነራል ኣልቤርቶኒ ራብዓይ ብርጌድ ክኣትዎ ዝተዋህቦ ቦታ፡ ሃጼ መ ነሊክ ዝዓረዱሉ ወሳንን ዝበረኸን ቦታ ብምንባሩ፡ ብጸልማቱ ተጸጊዐሞ እናመሰሎም ጸሓይ ብራቕ ሓደ መጋቢት እንክርአ ገ ና ናይ ኪሎ ሜተራት ራሕቂ ከምዝነበሮ ንብ.ጀነራል ብሓባሪኡ ተነግሮ።

አእ! ውግእ መቸም ውግእ ጥራይ ኢዩ። ከምዘይጅመር የለን ድማ ካብተኣተወስ ተጀመረ ድኣ። 17 ሽሕ ን120 ሽሕ ብመጠን ሓደ ንሸውዓተ ምኾነ። ‘ተዋጊኡ’ ዝተባህለ ብርጌድ ግና ብግብርስ ኣይጥቓ ናይቲ ዝተጸበይዎ ዝናኡን። ድሕሪ ክልተ ሰዓታት ተኹሲ ድማ ዓሳክር ጣልያን (ኤርትራውያን) ብብዝሒ ኢዶም ክህቡ ተራእዩ። ድሕሪኦም’ሞ ኣየናይ ጻዕዳ ከትክል? መራሒ ኦም ብ.ጀነራል’ውን ኣብ ጻልጣ መሬት በይኑ ምትራፉ እናገረሞ ኢዱ ክህብ ተገደደ። ብኣሃዝ ንምቕራቡ ካብቶም ካብ 2500 ዘይበዝሑ ኣብቲ ውግእ ዝኣተዉ ዓሳክር ደቂ-ኤርትራ፡ ንተዓዛቢ ብዘየእምን መልክዑ 800 ‘ተማሪኾም ’ ተባህለ።

ድሕሪ ዕንወት ብርጌድ ዓሳክር ዝተረፋ ሰለስተ ብርጌዳት’ውን ኣብ መጻብቦን ዕልቕልቕን (ጎጃም ብጎጃማ) ኣትየን ዝተኮሳ እን ተተኾሳ ዝወደቐ እንተወደቐ ንዋዕዋዕታ፡ እልልታን ሓዞሓዞን ምንም ክቕይርኦ ብዘይምኽኣለን ኣብ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ ካ ብ’ቶም ነፈጽቲ ፈረሰኛታት ንላዕሊ ዝነፈጸ ነፊጹ፡ ዝተገደየ ተኸምቢሉን ዝተማረኸ ድማ ተማሪኹ ቀርም ቀራርም ምስኮነ፡ ኢቲዮጲያ ሙሉእ ዓወት ተበሰረት። ውግእ ዓድዋ ድማ ብዓወት ናይቲ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ወዲ መሬት ንነባሪ ታሪኽ ተሰነደ።

ኣስተዋጽኦ ኤርትራውያን ኣብዚ ውግእ’ዚ እንታይ ነይሩ? ጻማኦምከ?

ከምቲ ዝተባህለ ነገር መንነቱ ንዓኹም ገዲፈ ተራ ናይቲ ብድርብ ገጽ ወይ ድማ ብ’ናይ ምስጢር ዘብዐኛ’ ዝተጸውዐ ባሻይ ኣውዓሎም መዳርግቲ ኣይነበሮን። ንሱ በቲ ሓደ ብጉጉይ ሓበሬታታት ንሓቀኛ ምስሊ ሰራዊትን ዕርድታትን ኢቲዮጲያ ከዊሉ ንፈረንጂ ከምትህውትት ገይርዋ። ውህደትን እምነትን ስለያዊ ስራሓት ድማ እቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ዓወት ኢዮም። ንኣብነት ን ሱ ንጉስ ክሃድሙ ከምዝተበገሱ ኣምሲሉ ሓሽለዀ። ጣልያን ሓቂ መሲልዋ ብዘይእኹል ምቅርራብ ብተበ-ተብ ተበገሰት። ሰ ራዊት ንጉስ ግን ተረጋጊኡ ንርቡጽ ወራሪ ኣብ ዕጹው ሳንዱቕ ደርገሞ። ”በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ” ኮነት ሽዑ ነ ገር። እዚ ኢዩ ወተሃደራዊ ውህደት ማለት። ጣልያን ከይተበገሰት ግዜ እንተትወስድ ግን ሰራዊት ኢቲዮጲያ ብዋሕዲ ስንቂ ተጠቒዑ ስለዝነበረ ኣብቶኽሲ’ውን ኣይምበጽሐን። ብዘይብኡ ነቒሉ ብምንባሩ ከምቲ ጀሚርዎ ዝነበረ ምተበተነ ነይሩ።

በቲ ካልእ ኣብ ዓድዋ ሙሉእ ተሳትፎ ሓርበኛታት ኤርትራ ከምዝነበረ ግዜ ቀሊዕዎ ኢዩ። ሃጼ መነሊክ ኣብ መደርኦም “ከሺ ኣማራ ኣንድ ኣበራ” ማለቶምሲ እንታይ ትብሉዎ? ውዕሎ ኣበራ ምስሰራዊቱ ጥራይ ኣይኮነን። ውዕሎ ሰራዊት ባህታ ሓጎስከ? እቲ ማእለያ ዘይነበሮ ”ሽፍታ” ተባሂሉ ሽሙን ዓላማኡን ዝተበከለ ብውልቅን ጉጅለን ነነፊጹ ምስቲ ግምባር ሓበሻ ዝተሰለፈ ኸ? እቶም ተጠሊሞምን ብ”ዕድመይ ይፍታሕካ” ተቐፊዶምን ዝጸንሑ ጅግናን ብቑዕ መራሕ ኲናትን ራእሲ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ውሽጢ ናይዚ ብሃጸይን ንግስትን፡ ብ6 ራእስታት፡ ሓደ ፊተውራሪን ሓደ ንጉስን (ናይ ጎጃም) ዝምራሕ ሺሾ ሓይሊ፡ንሰ ራዊት ኤርትራ ማእኪሎም እንታይ ዝኣመሰለ ትንግርቲ ከምዝገበሩ ብኢቲዮጲያውያን ብፍጹም ተነጊሩ ኣይፈልጥን።

ንኣብነትን ነገራቱ ንምሕጻርን እቲ ኢዱ ሂቡ ክንሱ ከምዝተማረኸ ዝተወርየሉ ኤርትራዊ ወተሃደር’ኮ ብውሽጢ ውሽጥስ ህላ ወ ራእሲ ወልደሚካኤል፡ ህላወ ደጊያት ኣበራን ሰራዊት ደጊያት ባህታ ሓጎስን ከምዝሰምዐ’ሞ ክሳብ ድማ ምስቲዮጲያ ተበጺ ሑ ዝነበረ ስምምዕ ስለዝፈለጠ ብጋናኡ ወገኑ መምዩ’ ዩ ኣብቲ ውግእ ኣትዩ። ብኣውራኡ በቲ ባዶ ጓጉድ ነቲ ዘይተሓለበ ጻባ ኢቲዮጲያውያን ገሲሙ ብኣጋኡ ተስፋ ጎሲዑ’ዩ ናብ’ቲ ውግእ ዝተደርገመ። ኣድማዕነት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዲፕሎማሲ ው ውግእ፡ ካራባታ ተተሓኒቕካ እንተተለፍለፈ ተቐላዒ ብዘይምዃኑ ዝፈልጥ ጥራይ ኢዩ ዝፈልጦ። ብኡ እንተተረዳዲእና ብመ ጠን መዐቀኒ ዓይነትን ብዝሕን ሰራዊት ካብ ክንድኦም ቁሩብ ቁራቦ፡ ልዕሊ ሲሶ ‘ተማሪኹ’ እንተተባህለ “ተማሪኾም” ዘይኮ ኑስ “ኢዶም ሂቦም” ወይ ድማ “ሰሊሞም” ኢዩ ዝበሃል። ኢቲዮጲያ ንርእሶም ክሳብ ከምኡ ዝኣመሰለ ጽቡሕ እንጄራ ከጋጥ ሞም ኣይሓሰቡሉን’ሞ ኣይሕሱብ ካብሓፈሱ እቲ ዓወት ምስካሙ ብዘይምኽኣሎም ልዕሊ ንቡር ተሰፊጦም፡ ግደፍዶ ከምመ ቃርብቲ መኣዲ ክኮላለሱስ፡ ‘ንቐደም በሉ” ’ውን ኣይወጾምን።  እዃድኣ ጥጁእ ተንኮላቶም ጋህዲ ክገብሩ ተጓየዩ።

ብመሰረት “በፍትሓ ነገስት” (ናይቲ ግዜ ቅዋም መንግስቶም) ዝተወስደ ውሳነ።  

ዓወትሲ ኣካን’ዃ ተጋሒጡ። ዓወትካ ምዕቃብ ግን ዝኸበደ ስራሕ ስለዝደሊ ሃጼ ብዝኣተውዎ ውዕል ጉዳይ ኤርትራን ኤርት ራውያንን ዝመጸ ንጽርቲ ኣጠማምታ ነይራቶም። ክንድዝኾነ ሽዑ ነበረት እታ ምላቑ ሓቂ (ከሺ ኣማራ….) ዝተሰምዐት። ሕሹ ኽ ምስተጀመረ ግን’ቲ ነገር ከምዘይውጻእ እምባ ኣብቅድሚኦም ምስተገተረ “እንታይ ንግበር” ዝብል ከቢድ ወጥሪ ዓሰሎም። እታ ውዕል ሓንትን ድምቕትን ነበረት። ንጣልያን ካብገጽ ኤርትራ ምድምሳሱ ባቃ። ደቂ-ገርሂ ልባ (ምሩኻት ኮኑ ዕዉታት ሰ ራዊት ኤርትራ) ኢቲዮጲያውያን ግደፍዶ ክንድኡ ዓወት ረኺቦምስ ጥልያን ንሃገሮም ከይድይቦም ንመሬት ኤርትራ ከምዓው ደ-ውግእ ተጠቒሞሙሉ ብምንባሮም ሰናይ ፍቓድ ጃንሆይ ኮይኑ እግሪ-እግሩ ከይዶም ክሕምሽሽዎ ክሕገዙ ተኣማመኑ።

“እንታይ’ሞ ንግበር”? መዃንንቲ፡ ንግስቲ፡ ራእስታትን ካልኦት ዓበይትን መኸሩ ይበሃል። ሕልና ብጥልመት ክትፍተን እንከ ላ’ዩ “ገሃንመ-እሳት” ዝበሃል። ጣልማይ ዋላ ሽሕ እንተሓየለ፡ እንተረቀቐ፡ ቅድሚ ኣብላዕላይ ኣብዛ መሬት ክራታዕ እንከሎ ዘሎ ወልኢ ኣየርኢኹም። ሃጼ መነሊክ ኣዝዮም ሃብሮም ምንባሮም ይውረ ኢዩ። ኣውራ “ንጸላኢኡ ፈታዊኡ ዝገብር ኢዩ ጅግና” ዝብል ጽኑዕ ኮርዒዳ እምነት ነበሮም ይበሃል። ስለዚ ኣርሒቖም ብምሕሳብ ንሃገሮም ካብ ሓደጋ ዘናግፍ ማይ ዘይጠ ዓመ ዝበልዎ ብልሓት ተበላሓቱ። ከምዚ ዝስዕብ ማለተይ ኢየ፡-

1፡ ዋላ’ዃ እቲ ውግእ ብዋጋሞት ውፉያት ናብ ረብሓኦም እንተተቐየረ ብዓወቶም ስለዝሰምበዱን ስለዘይተኣማመኑን ብግዜያ ዊ ዓወት ክተዓሻሸዉ ኣይደለዩን’ሞ፡ ጣልያን ተቐይሙ ደጊሙ ከይወሮም ክተአማመኑን ንሱ’ውን ክተኣማመንን ምእንቲ፡-

ሀ. ኩሎም ምሩኻት ወተሃደራት ጣልያን ብጽቡቕ ክተሓዙን ጽንጽያኦም ከይተተንከፈ ምስመሰሎም ክፍትሑን።                 ለ. ነባሪ ዝበልዎ ዘየዳግም ውዕል ከምዘድልዮም ሽዑ’ውን ዘተዩሉ። ኣብቲ ዝሰዓበ ሂወቶም ድማ ኣብ ኣዲስ-ኣበባኦ ም ምስቲ ስዑር ጣልያን ደጊሞም ተወዓዓሉ። ሽዑ ጣልያን ዶባታ ዝተነጸረ ናጻ ኢቲዮጲያ ክኣምን እንከሎ ንጉስ ድ ማ ዳግማይ ውጫለ ኤርትራ ናቶም ኮይና ከምዘይትፈልጥን ደጊሞም ከምዘይሓቱላን ኣደልዲሎም ፈረሙ። ዘመና ውያን ተረኽቲ ነዚ ዳግማይ ውዕሎም ካልእ ቁንቁኛ ከውጽኡሉ እንተሰሚዕኩም ኣይትተሃመሉ።

2፡ ኣብ ጽባሕ ዓወቶም ንብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራውያን ዝመጸ ውሳነ ኣዝዩ ከበዶም። ክብሉ ክብሉ ሽዑ’ውን ማይ ዘይጠዓመ ሓሳባት ተኣከበሎም። ንወገን ዕዉት ኤርትራዊ ሓይሊ ንሽመትን መዓርግን ተመኽንዩ ኣዲስ ኣበባ በጺሖም ክመጹ ተነጊርዎ ም ብሃወኽ ተላእኩ። ድሒሩ እንክርአ ግን ካብ ሽዋ ሃገሩ ዝተመልሰ ዜጋ ኣይነበረን። ገሊኡ ዘጓነፎ እዝጊ ዋናኡ። ገሊኡ ግን ጤሳ ተዓዲልዎ ወዲ-መሬት ከምዝተሰመየ ሰሚዕና። ሕሉፍ ሓሊፉ ድሒሮምስ “ሽዋ ሓማሴናይ” ኢሎም ከባጭዉሎም ተሰ ሚዖም። እቲ ሽዑ ዝተሸርበ ተመሊሱ ሃገሩ ሓራ ከውጽእ ኣብዝሓተተሉ ሂወትካ ዘሕልፍ መርድእ ተነግሮ። ካብታ ዝተዋህበ ቶ ቦታ ተንከስ እንተኢሉ ብዘለዎ ክሓቅቕ ምዃኑ።

3፡ እቲ ምስጢር ለካ ብመሰረት ዓንቀጽ 13. ውዕል ውጫሌ ንረብሓ ስዑር ጣልያን ንምርግጋእ ዝዓለመ ነበረ። ኣብቲ ንጸጥ ታዊ ኩነታቶም ዝምልከት ጥልያን ንኩሎም ኣንጻሩ ዝመከቱ ኤርትራውያን “ሸፋቱ” ኢሉ ይሰምዮም ነበረ። ንሳቶም ድማ ኣ ብ ሞንጎ ሽፍትነትን ገድልን ዘሎ ፍልልይ ከየስተብሃሉ ኩሉ ብዓመጽ ኣንጻር መንግስቲ ወሲዶም ሽፍትነት ከምምግዳል ኢዮ ም ወሲዶሞ። ኢቲዮጲያ ንርእሳ ነዞም ዳሕረዎት ወለዶ ተጋደልቲ ክሳብ መወዳእታ “ሸፋቱ” እናበለትና ኢና ሓሊፍናዮ። እቲ ውዕል እምበኣር ዝኾነ ‘ሸፍታ’ (ብውልቂ ኮነ ጉጅለ) ዶብ ጥሒሱ ምስዝሰግር ኢቲዮጲያ ሒዛ ንጥልያን ከተረክቦ፡ ከምኡ ድ ማ ጣልያን ክትገብር፡ ዝብል ብምፍርራሞም፡ ኮር ተገልበጥ ኢቲዮጲያ ነቶም ትግራይ ከምደጀኖም ገይሮም ንጣልያን ክወቕ ዑ ዝተለሙ ኤርትራውያን ከተዕቁብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ሃጼ መነሊክ እናተሰማምዑ ከይተረድኦም ድሮ ተጠሊሞም ነበሩ ። ስለዚ ተስፋ ወዲ-ኤርትራ ማይ ዓሚኹ ብምትራፉ “ሓሻካ” ‘ዃ ክውሕደና።

ዕድል ናይዙም ናይ ኲናት ሙሩኻትከ ብመሰረት ፍትሓ-ነገስት እንታይ ኮነ?

ሰናይ ቅነ!

ጎደፋ፡

aseye.asena@gmail.com

Review overview
44 COMMENTS
  • Dawit Meconen April 7, 2014

    “………..Among the most notorious traitors of the era was Dejazmach Haile Sellasie Gugsa, a great grandson of Emperor Yohannis IV, who gave his allegiance to Benito Mussolini in the early days of the war. This traitor facilitated the invasion of Mekelle in November of 1935, and later joined the invading army that marched on Addis Ababa in April of 1936. Throughout the occupation, he provided invaluable service as a trusted adviser to both Rodolfo Graziani and the Duke of Aosta. Remarkably, his first demonstration of treachery was to raise the Italian flag in Mekelle, desecrating the Ethiopian tri-colors. Over six decades later, another traitor, the late Meles Zenawi, would defile that same flag……”

    by Selam Beyene PhD, July 28, 2013

    Godofa,

    Need I say more?

  • Dala ksha April 7, 2014

    Now I know why my grandfather call them Deki Maytelamit.

  • Tezareb April 7, 2014

    Sara, ኣይግድን!

    But I have a question for you,

    Is this the reason that some low life Eritreans who despise themselves, languages and their own identity? Is this why they burn Tigre, Bilen and Saho languages in order to Arabize themselves and dream to change their kinky hair into “Arabish” hair?

    Some of the people that are insulting you had arrived from Ethiopia’s Shire and Wello, not long ago, only to grow up in Shuq Mendefera, kudra Keren and Kidane Mihret of Asmara.

    The late Kiros Alemayehu ኪሮስ ኣለማየሁ used to sing that goes:

    ዓረብያ ክኾና፤
    ጨጉረን ከለምጭጫ::

Post a Reply to Dawit Meconen Cancel Reply