Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ወዳጀ ልምዓት ብጽንዓት!

ሎሚ ኣብ ድሮ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ከፊልና ትእምርቲ ዝሰራሕናሉ፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ሓበንን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ናጽነት ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ 2015፡፡ ኣብዚ ሕጽር

ሎሚ ኣብ ድሮ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ከፊልና ትእምርቲ ዝሰራሕናሉ፡ 24 ግንቦት መዓልቲ ሓበንን ክብረትን ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት፡ ክብርትን ፍልይትን ዕለት ናጽነት ኢና ንርከብ ዘለና፡፡ መበል ዕስራን ኣርባዕተን ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ 2015፡፡ ኣብዚ ሕጽር ዝበለ ትሕዝቶ ዝሓዘ ንእዋናዊ ጉዳያት ኣጉሊሑ ዘርእይ ጽሑፈይ፡ ትርጉም ናጽነትን ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ኩቡር ናይ ህይወት ዋጋን ብዝርዝር ንምርኣይ ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ ትርጉም ናጽነትን ንናጽነት ዝኸፈልናዮ ከቢድ ዋጋን ንህዝቢ ኤርትራ ምንጋር ማለት ንቐባሪ ምርዳእ ዝዓይነቱ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት እንታዩ ትርጉሙን መቐረቱን ገና ብኣግኡ ዝፈለጠን ዝተረደአን ህዝቢ ኢዩ፡፡ ስለ ዝኾነʼዩ ድማ፡ ንኣስታት ሓደ ዘመን እቲ ሳላሳ ዓመታት ካብኡ ጠበንጃ ኣልዒሉ፡ ከቢድን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ዘካየደ፡፡ ኣብቲ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝተሳተፎ ንኣዳም ገረሞ መስገደል ገድሊና፡ ናጽነትና ክዉን ንምግባርን ንምጭባጥን ዓሰርተታት ኣሽሓት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ፡ መስዋእቲ ከፊልናሉ ኢና፡፡ የግዳስ ህዝቢ ኤርትራ ዓስቢ መስዋእቱን ከርተቱን ኣብ ናጽነት ብሓርነት ኣይተደበሰን፡፡ እቲ መዳርግቲ ኣልቦ ውዕለቱ ብመላኺ ጉጅለ ህግደፍ ተጠሊሙ፡፡ ክትኣምኖን ክትዛረበሉን ኣብ ዝኸብድ ጭቆና ወዲቑ፡፡ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ባርነት እምበር ነጽነት ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይካኣልን፡፡ እሞ ድኣ ብኸመይ ኢዩ ልምዓት ብጽንዓት……?

እስከ ንማዕተብና ንዛረብን ምስክርነትና ንሃበሉን፡፡ ኣብዛ ከም ኣጻብዕቲ ኢድና ንፈልጣ ኤርትራስ ብሓቂ ልምዓት ኣሎ..? እንታይ ዝኦሙ ልምዓት ከ ኢዩ ልምዓት ብጽንዓት ዝበሃል ዘሎ…? ኣብዚ ዝሓለፍናዮ 24 ዓመታት መሪር ምልኪ ጉጅለ ህግደፍን ባርነትን ዕንወት እምበር፡ እዚዩ ዝበሃል ዝጭበጥን ዝድህሰስን ኣፍ ኣውጺኡ ዝዛረብን ልምዓት ኣበይን ብኸመይን ብመንን ኢዩ ተሰሪሑ፡፡ ህዝቢኸ ካብዚ ተሰሪሑን ለሚዑን ዝበሃል ዘሎ እንታይʼዩ ረቢሑን ተጠቒሙን…? ጉጅለ ህግደፍ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት በዚ ዝተመንወ ዜምኡ ዓመት መጸት ኣጉሪዑን ተደቢሩ ሒሕ ኢሉን ኢዩ፡፡ ንሕና ድማ ኮቦሮን ጭራዋጣን ሒዝና ኣዳሚቕናሉ፡፡ ሎሚ ሎሚ እኳ እንተስ ሓርኢ ደርሆ ኣብሊዖሞ፡ እንተስ ትኪ ናይ ጎማ ዓጢኖም ኣሸቲቶሞ ካብቲ ሙኩሕ ተሓዚኡ ተገላጊሉ ኢዩ፡፡ ሲንጋፖር ትብል ቃል ረሲዕዋ ጥራይ ዘይኮነ ኣጥፊእዋ ውን፡፡ ኤእ ቀደም ነይሩ ሲንጋፖር እቲ ርእስና ኣረኪብና ህግደፍ ብዝሰራሓልና ኣርቲፊሻል ርእሲ ክንሓስብ ከለና፡፡ ሲንጋፖር ስማ ቀይራ ብነጻ ጉልበት ጊልያነት ዲጋን ዛላን ከትርን ኮይና ኢያ፡፡

ከምቲ ህግደፍ ንሃልኪ 24 ዓመታት ዝገዓሮ ኣብ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኡ ክዛረብ ዝኽእል ልምዓታዊ ስረሓት ብፍጹም  ኣይተሰርሓን፡፡ ብዛዕባ ልምዓት ክንዛረብን ክንምስክርን እንተ ኮይና እቶም ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ዝወጻና እምበር፡ እቲ ንኸይርእን ከይሰምዕን ተዓፊኑ ዘሎ ህዝብስ ደሓን ክዱን ብኣፈ ሰላሴ፡፡ ከም ገለ ኢሉ ርእዩን ሰሚዑን ምስክርነቱ ክህብ እውን በየናይ መንገዲ፡፡ ኣፉ ብኣፈሙዝ ብረት ተሎጒሙ ብሓለዋ ቀጽል ዙርያ ሓለዋ ዝሕለው ኢዩ፡፡ ነገረ ህግደፍ ኩልና ንፈልጦ ኢዩ፡፡ ንሱ ዝበለካን ዝበሎን ከም ፓፓጋሎ ምድጋም እምበር፡ ዝረኣኻዮ ሓቂ ከም ዘለዎ ብጥሪኡ ክትዛረበሉ ዘፍቅድ ስርዓት ኣይኮነን፡፡ እንተ ተዛሪብካ ድማ ትቕርደድ፡፡ ንኸይዛረብ ኣፉ ዝተለጉመ ህዝቢ፡ ንኸይ ሰርሕ ብግልያነት ዝተታሕዘ ህዝቢ፡ ንከይመሃር ከይፈልጥ እታ እንኮ ከም ሓሙስ ዩኒቨርስትኡ ዝተዓጸወቶ ህዝቢ፡ ፋሕተርተር ከይብል ኢደ እግሩ ዝተሞቕሐ ህዝቢ፡ ካብን ናብን ከይንቀሳቐስ ብኬላታትን ብሎኮታትን መዓልታዊ ግፋን ዝሰልከየ ህዝቢ፡ ብጉልባብ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ኢትዮጵያ ክትወረና እያን ኣብ ዘይውዳእ ዕስክርና ዝተኣስረ ህዝቢ ……. ወዘተ ብኸመይ ኢዩ ልምዓት ብጽንዓት ክገልጾ….?

ገለ የዋሃት ውበታት ኢሳይያስ ንልምዓት ንዕቤት ኤርትራ፡ ብመገዲ ቲቪ ኤረ (ተለቪጅን ጉጅለ ህግደፍ) ትብሎ ዓይሮምን መዚኖምን ሃገር ለሚዓ ኢሎም ከም ተሓዚኦም ሒሕ ኢሎም ከም ዘጉሩዑ ናይ ኣደባባይ ሚስጢር ኢዩ፡፡ ልምዓት ማለት ንዐኦም፡ ብቲቪ ኤረ ተሰሪሑ ዝበሃል ዲጋታት፡ ከትርታት፡ ቁንጣሮ ህንጻታት እንዳ ኮርያን ስፐይስን ናይ ቦንድ ገዛውቲ፡ ሕርሻ ኣፍሂምቦል ገርሰት፡ ፋብሪካ ባናቶም ኣላቡ፡ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ሆቴል ገልዓሎን ኢዩ፡፡ መወሰኽታ ካልኣይ ጭብጦም ድማ፡ እቲ ዓመት መጸ ጽባሕ ክወግሕ ኢዩ ዝትሕዝኡ፡ ኣብ ጎደናታት ሰማእታትን ሓርነትን ዝረኣይ ረቂቕ ድራማ ምርኢታት ካርኒቫልን ጓይላን ዳንኬራን ኢዩ፡፡ ይዋእ ኢዮም  ንሕና ንሱ ክሳብ ሕጂ ገና ኣይተበራበሩን፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ንኤርትራ ከልምዕዋ ዘይኮነ ፍጹም ከዕነውዋ ድግዲጊት ተዓጢቖም ኢዮም፡፡ ንዓሚቕ ዝርዝራቱ ንኺኢላታት ናይቲ ዓውዲ ክገድፈሎም ኢየ፡፡ ነቲ ዓይነ ስውር ከይተረፈ ዳህሲሱ ዝፈልጦ ዕንወታት  ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ምልክን ባርነትን ጉጅለ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኢዩ ሓደገኛ ግን ብውሕዱ ንርኣዮ፡፡

ጥዑምን ሕያዋይን ገዛኢ የለን፡፡ ካብኡ ናብኡ ግን ምረት ቃንዝኦም ይፈላለይ ይኸውን፡፡ ካብቶም ንኤርትራ ዝገዝእዋ እንግሊዝ፡ እቲ ዝሓሰመን ዝኸፈአ ቶንኮል ዝተዓጥቐን ምንባሩ ታሪኽ ሰኒድዎ ኣሎ፡፡ እንግሊዝ ኣብተን ዝጸናሓለን ዓሰርተው ዓመታት ንኤርትራ ኣዕንዩዋን ዘሚትዋን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዕርቃና ከምትተርፍ ዝገበረ ገዛኢ እውን ኢዩ ነይሩ፡፡  ጉጅለ ህግደፍ ምስቶም ንኤርትራ ዝገዝእዋ ባዕዳውያን ገዛእቲ ከነወዳድሮ እንከለና፡ ንተግባራት እንግሊዝ ርእዮ ብርእዮ ዝደግም ዘሎ ስርዓትʼዩ ዝመሳሰል፡፡ እንግሊዝ ከምኡ ክገብር ከሎ ዝተነጸረ ዕላማ ኣብ ቅድሚኡ ስኢሉን ሓንጺጹን ኢዩ፡፡ ኤርትራ ናጽነታ ከይትረክብን ኣብ ክልተ ክትግማዕን ብምሕሳብ፡፡ እቲ ንኤርትራ ኣብ ክልተ ምግማዕ ኣይሰለጦን፡፡  ብሰንኪ እኩይ ፍሕሶታቱ ግን ናጽነትና ኣይረኸብናን፡፡ ኣብ ትሕቲ ፈደረሽን ከም ንቑረን ግን ኮይና፡፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ነቲ ድሒርና ዝኸፈልናዮ ኣዝዩ ከቢድ መስዋእቲ ንናጽነትና ክንከፍል ተገዲድና ኢና፡፡ ሎሚ ጉጅለ ህግደፍ ዝፍጽሞ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ዕንወት ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ፡ ክርእዮን ክምርምሮን እንከለኹ ዝተራቐቐ ስልቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ዝደግም ዘሎ ኮይኑ ኢዩ ዝስመዓኒ፡፡

ልምዓት ብጽንዓት!! ከመይ ከመይ ቢልካዩ ኣብ ኤርትራ ልምዓት ብጽንዓት ዝበሃል ዘሎ…? ታራ ገዛውቲ ናይ ህዝቢ ብዶዞርን ግረይደርን ዘፍርስ ስርዓት እንታይ ዝኦሙ ልምዓትʼዩ ኣብ ኤርትራ ሰሪሑ..? ዓይኒ ኣንቁሑ እንተኾይኑ እንድዒ፡፡ ኣይኮነን ግን ጉጅለ ህግደፍ ዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት ንህዝን ሃገርን ኤርትራ በታቲኑን ኣዕንዩን ኢዩ፡፡ እቲ ጻዕርን ህርኩትነትን ዝመለለይኡ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ፡ ጽጋዕተኛን ተጸባይን ናይቲ ጨቋኒ ስርዓት ከም ዝኸውን ኮይኑ ኢዩ፡፡ ካብ ድኳን ሕድሪ ብዝረኽበን ቁሩብ ቁራቦ ኣስፔዛ ዓለባ ልቢ ዝዓይነቱ ዓቂኑ ክበልዕ ተገዲዱ ኢዩ፡፡ ኩሉ ናይ ብሕቲ ትካላት ኮነ ተባሂሉ ከም ዝዓኑ ተገይሩ ኢዩ፡፡ ኩሎም ሰብ ሃብትን ነጋዶን ኪኢላታት ሞያውያንን ኤርትራውያን ጁባ፡ ኣንጎላ፡ ዩጋንዳ፡ ኬንያ፡ ሞዛምቢክ ከም ዝግዕዙን ከም ዝሳግሙን ኮይኖም ኢዮም፡፡ ዝኾነ ይዕበ ይንኣስ ናይ ህንጻ ስራሓት ንኸይስራሕ ካብ ዝኽልከል ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ፡፡ ዝኾነ ወፍርን ኣውፈርትን ኣብ ኤርትራ የለዉን፡፡ ኩሉ ውዑይ ዕድመ ዓያይ ጉልበት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ እታ ዝወትዋን ዘፍቅራን ሃገሩ ኣዝያ እተንድድ ረምጽ ኮይናቶ፡ እግሩ ናብ ዝመረሖ ይስደድ ኣሎ፡፡ ዝተረፈ ድማ ኣብ ማሕዩር ጊልያነት ሃገራዊ ኣገልግሎት ተሓይሩ ዘሎ ኢዩ፡፡  ኣበይ ድኣሉ እቲ ልምዓት ብጽንዓት ዝበሃል ዘሎ…? ሕርሻ ኣፍ ሂምቦል፡ ሆቴል ገልዓሎ፡ መዓደኒ ወርቂ ቢሻ፡ ፋብሪካ ባናቶም ኣላቡ….? እዚ ቁንጣሮ መኻዕበቲ ጁባ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነ ትካላት ነጻ ጉልበት ኤርትራዊ ካብ ምምዝማዝ ሓሊፉ እንታይʼዩ ፈይዱ..?

ኣብዚ ዝሓለፈ 24 ዓመታት ሕሱም መልክን ባርነትን ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ እንታʼዩ ረቢሑን ተጠቃማይ ኮይኑን…? ንልዕሊ ክልተ ዓመታት መብራህቲ ሓንሳብ ጠቕሊልካ ብምጥፋእ፡ ንሓንሳብ ብመልክዕ ጥምዮን ስትዮን ስለ ዝዓደልካ፡፡ ዲጋታት ሰሪሕናን ንሰርሕ ኣለናን እናዘመርካ ህዝቢ ብስእነት ማይ፡ ናብ ማይ ዘለዎ ክኸይድ ስለ ዝኣዘዝካ፡፡  እኒ ጸባ፡ መዓር፡ ጠስሚ፡ ስጋ፡ ካልኦት መዓልታዊ ቀረባት ህዝቢ ክሳብ ኣስማቶም ዝርስዖም ካብ ዕዳጋ ከም ዝጠፍእ ስለ ዝገበርካ፡፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ፡ ንመዓልቲ ሓንቲ ባኒ ንሓደ ሰብ ስለ ዝኣዘዝካ፡፡ ኣብ ድኳን ሕድሪ ማሸላን ዝተበላሸወ ዘይትን በርበረን ንህዝቢ ፈውሲ ግስም ስለ ዝዓደልካ፡፡  መናእሰያት መሪርዎምን ሓሲምዎምን ኣሽሓት ዶላራት ንጀነራላትን ደቂ ጀነራላትን ከፊሎም፡ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ክግዓዙ ረቂቕ ስልቲ ስለ ዝቐመርካ፡፡ ነቲ ዓጠምጠም ዝብል ዝነበረ መሳርዓት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ በታቲንካን ዘራሪግካን መተካእታ ኤርትራዊ መንእሰይ: ደምሒትን ጉንቦት ሰባትን ኣርበኞችን ስለ ዘዕኮኽካ፡፡ ንኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ኣናኺስካን ኣባኢስካን ናይ ጽልኢ ደሴት ስለ ዝቐየርካያ፡፡ እንዳ ንኺድ ንጽደፍ! ንልቢ ክኾነኩም ካብቲ ብዙሕ ቁንጣሮ እየ ፈይ ፈይ ኣቢለልኩም፡፡ ልምዓት ብጽንዓት ብካርኒቫል ብዳንኬራ…….

24 ግንበት 1991 ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ዝተሓረረትሉ፡ ካብ ብ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝሰርሓ ዝነበራ፡ መግዛእቲ እንግሊዝ ይኹን ሃጸይ ሃይለስላሰ ድሒሩ ዝተደምሰሰን ደርጊ፡ ዘይነቐልወንን ዘየዕነውወንን ኣስታት ዕስራ ዝኾና ፋብሪካታት ሎሚ ኣበይ ኣለዋ..? ክልቲኡ ወደባት ኤርትራ ሎሚ ኣብ ከመይ ደረጃ ኢዩ ዘሎ….? ተጠቕሊሉ ሓንቲ ፋብሪካ ባናቶም ተሰሪሑ ዶ ክንብል፡፡ ጉጅለ ህግደፍ ሃገርን ሃገራውነትን ከይተረፈ ከም ዝሽርሸር ገይሩ ኢዩ፡፡ ሎሚ ብሰንኪ ሕሱም ምልክን ባርነትን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መናእሰያት ኤርትራ እንታይ ገደሰንን ንዓይ ጥራይ ይጥዓመንን ዝብል ቀታልን ናይ በለጽ ኣተሓሳስባን ብርእዮ ክነግስ ይረኣይ ኣሎ፡፡ ይኽደነና ዘብል ከቢድ ደበና ጥፍኣት ኢዩ ኣብ ልዕሌና ኣንጠጥዩ ዘሎ፡፡ ንለባም ኣምተሉ ንዓሻን ደርጓሓሉ ድዩ ዝበሃል፡ ጉጅለ ህግደፍ ዝተራቐቐን ዝተናወሓን ስልቲ መግዛእቲ እንግሊዝ ተጠቒሙ፡ ክድህከናን ከዕንወናን  ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ሃው ዝበለ ገደል ሸለው ከብለና ምዃኑ ደርጒሑልና ኢዩ፡፡ ይኽደነና!!!

ሚኪኤል እምባየ (ኣራንቺ)

Aranchi03@yahoo.com

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • ertra n ertrawyan May 22, 2015

    Kbur aranshi ewanu zhalewe tsihuf akribka. Likie aleka ezom ab dege zirikebu zitedenageru zegatat beta firki mitro zikumeta tv zoom gerom zekrebulom sielitat tetalilomn alewun. abey emo yiridiom koynu ember miray mieman eyu neru keydom zeyriewu neti menebabro hizbina.Eti n hizbina manta kebdu zikertso zelo ka nsu diketu enda sete tsibuk alena tsibuk alo hizbina zblu gna etom ab mesel ensisa win keyterefe zikiberelu hagerat zelewu bmikuanom eyu. Ember hizbinas kebdu guahi meliu hanti malti ala rahwa nrekbela, bilisana nzarebela endabele eyu zinebir zelo. birigits ka hanti malti ala hizbina blisanu zizarebela.

  • Simon G. May 22, 2015

    I thought for a second that when HGDFites were talking about Singapore, may be they had moonshot imagination, but then seeing their result, I said not. Definitely no.

  • AHMED SALEH May 22, 2015

    What progress ? With all kind of faults hanging above our heads . When you retire from the
    world not to look for what is good and bad , world will be sorry for retiring at own simple
    honest conviction .
    People who conquer themselves than others fell to be vanquished by someone nature to surrender
    for worst defeat .
    FEAR is our enemy which we must overcome again to awake from standing still dormant acts .

  • mahta May 23, 2015

    i love your writing keep it up!!!

  • mahta May 23, 2015

    Michael may be ayfeletkan keytkewin ab kebabi alebu ztekefetet banatom ayserhetin…eti hrsha eyu tomato zefri zelo

  • Arefayne May 23, 2015

    ኢሳያስ ዝመራሒኡ ጉጅለ ህግደፍ ጸኒዑ ላሕሊሑ ንርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት ዝፈጠሮ ዝጭበጥ ዝደህሰስ ናብ ጁባ ዜጋታት ዝኣቱ ውጽኢት ዘለዎ ልምዓት ኣየረጋገጸን፡፡ 2001 ዘንቀሎ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ ግመ ሓጋይ ኮይኑ ብዘይ ዋላ ሓንቲ ፍረ በኒኑ፡፡ ብድሕሪኡ እቲ ጃህራን መጽብዓን ዝወልፉ መራሒ 70 ምእታዊት ናብ መስናኣዊ ሕርሻ ዘሰጋግር ገዚፍ ሃገራዊ ልምዓት ስለዝሓንጸጽኩ ብዓቐሊ ተጸበዩኒ መጻኢ ራህዋ ከርህወልኩም ኢየ ኢሉና፡፡ እንተኾነ በዚ ጣልማይን ካሕዳይን ኢሳያስ ትምራሕ ኤርትራ እናጸልመተት እምበር ርህው መጻኢኣ ዘበስር ዋግዋጎ ኣይረኣናን፡፡

  • Jack May 23, 2015

    Well explanation and very interesting article as usual keep it up!

  • ERITRAWIT May 23, 2015

    Be Hgedf ztegebre zre, zchebet Wela ko hantey hasese ele krekeb aykalkewn bjeka wedket.

  • wedi Ken May 23, 2015

    Good job Aranshi!
    For sure, wedi medhin berad will not utter any of the facts that you outlined, in his upcoming ‘independence day’ address!
    Likely he will dust off any of his papers from previous speeches and repeat it verbatim
    Zestebhil tesaenu!

  • ambabi May 23, 2015

    that is exactly what has happened in Eritrea for the last 24 years

POST A COMMENT