Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት

ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት                ኤርትራ ህያብ ስውኣትና ኢያ      16/06/2014 ታደሰ ኪዳነ   በሰላታት ኲናት ካብ ኣእምሮኻ ክርሕቕ ቀሊል ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ኲናት ተወዲኡ ዓመታት እንተሓለፈ፣ ምስ ገለ ፍጻሜታት ተኣሳሲሩ ኢዩ ደበኽ ዝብለካ። ብፍላይ ብገለ ሰባት፣ ኣብ መንጎ’ቲ ንሃገራዊ

ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት

               ኤርትራ ህያብ ስውኣትና ኢያ      16/06/2014

ታደሰ ኪዳነ

 

በሰላታት ኲናት ካብ ኣእምሮኻ ክርሕቕ ቀሊል ኣይኮነን። ዋላ’ቲ ኲናት ተወዲኡ ዓመታት እንተሓለፈ፣ ምስ ገለ ፍጻሜታት ተኣሳሲሩ ኢዩ ደበኽ ዝብለካ። ብፍላይ ብገለ ሰባት፣ ኣብ መንጎ’ቲ ንሃገራዊ ናጽነት ዝተኸፍለ መስዋእትን፣ ድሕሪ ናጽነት ሕድርና ብዝጠለሙ ውልቀ- ሰባት ስልጣን ተባሒቱ ምህላዉን፣ ፍልልዩ ምርዳእ ስኢኖም “ኣየናይ ሃገር ኢኹም ኣምጺእኩምልና” ክብሉኻ ክትሰምዕ ከለኻ፣ ዝኽርታትካ ዝያዳ ዓሚቍ ይገብሮ። ሎሚ እምበኣር ድሕሪ ገለ ዓመታት ፍጻሜ ናይቲ ናጽነት ንምምጻእ ዝተኻየደ ኲናት፣ ዝመጸኒ ዓሚቊ ትዝታ ኢየ ክዛረብ።

 

ብኣጋጣሚ ዓዲ ክበጽሕ ምስ ከድኩ፣ ኣብ ገዛ ምህላወይ ፈሊጦም፣ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ተኽለ ሰላም ክብሉኒ ተኣልዮም። ሰላም ኢሎም ገዛ ድሕሪ ምእታዎም ቡን እንዳሰተና ኣብ ዕላል ኣተና። ኣቦይ ወልደገብሪኤል ብባህሪኦም ተዋዛያይ ጥራይ ዘይኮኑ “ናእሽቱ ኢዮም” ከይበሉ፣ ምስ ቆልዑን ዓበይትን ብማዕረ ስለ ዘዕልሉ፣ ገና ካብ  ቁልዕነትና “ኣቦይ ወልደገብሪኤል” ዘይኮነስ “ወልዳት” ኢልና ኢና ክንጽውዖም  ዝቐለንና ዝነበረ። ‘ምስኦም ዘየዕለለን “ሕራይ” ኢሉ ዘይተላእኮምን ቆልዓ ነይሩ’ ኢለ ክዛረብ ኣይደፍርን። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዕላልና ግን ናይ ቆልዓን ዓብን ዘይኮነስ፣ ንሶም ሸምጊሎም፣ ኣነ’ውን ዓብየን  ተጋዳላይ ድሕሪ ምዃነይን ኢዩ።

 

ኣቦይ ወልደገብሪኤል ግርማይ ዝበሃል ሓደ ወዲ ነይሩዎም። ንሱ ብኹሎም መሓዙቱ ፍቱውን ግሩም መልክዕ ዝነበሮን ድልዱል መንእሰይ ምንባሩ ኩሎም መተዓብይቱ ዝምስክርሉ ኢዩ። እቲ ሓደ ንኣቡኡ ግርማይ (ወዲ- ወልዳት) ገና ብንኡሱ ኢዩ ናብ ተጋደሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ። ኣብ 1978 ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል ኣብ ቅርዓት ናይታ ዝዓበናላ ዓዲ ምስ ተኣከብና፣ ሰማያት ዓድና ብድምጺ ነፈርትን ካብኣተን ብዝትኮስ ረሽራሻትን ክናወጽ ምስ ጀመረ ኢየ፣ ንሱ’ውን ኣብት ዓዲ ምንባሩ ዝፈለጥኩ። ሽዑ ኣነ’ውን ከም ሰበይ ካብቲ ተዂሲ  ክሃድም ምስ ጀመርኩ፣ ግርማይ ክምስ እናበለ፣ ብኣተሃዳድማ ዕቡያት፣ ናብቲ ኣነ ዝኸዶ ዝነበርኩ ኣንፈት ገጹ ይጓዓዝ ነይሩ። ኣነ ግን ‘ሰላም’ ክብሎ ይኹን ምስኡ ከዕልል ግዜ ኣይነበረንን። በቲ ዑናታትን መናድቕን እናነጠርኩ፣ ጭራ ቁረጽ እናበረርኩ ኢየ ተዓዚረ።  ሽዑ ኣብቲ ዓዲ ምስ ረኣኹዎ ግን ንዕረፍቲ ዝመጸ ጥራይ ኢዩ ዝመስለኒ ዝነበረ።

 

ድሕሪ ቁሩብ ኣዋርሕ፣ ኣነ’ውን ተጋዲለ፣ ታዕሊም ወዲአ፣ ኣብተን ሓይልታት ምስተመደብኩ ጥራይ ኢየ፣ ግርማይ ከዕርፍ ዘይኮነስ፣ ‘ፋሉል’ ተባሂሉ፣ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገዲፉ ናብ ህዝባዊ ግምባር ክስለፍ ከሎ፣ ንእግረ መንገዱ ንወለዱ ሰላም ክብል ንዓዲ ከም ዝተኣልየ ፈሊጠ። ክልተና ኣብ ሓንቲ ቦጦሎኒ ኮይንና፣ ኣነ ኣብ 2ይቲ ሓይሊ፣ ንሱ ድማ ኣብ 3ይቲ ሓይሊ ነይርና።

 

ኣብተን ድሕሪ ናጽነት ዝነበራ ገለ ዓመታት፣ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ገዛና መጺኦም ከዕልሉኒ ከለዉ እምበኣር፣ ዋላ’ኳ ኣብቲ ዕላል እዋሳእ እንተነበርኩ፣ ኣእምሮይ ግን  ኣብቲ ግርማይ ወዶም ዝተሰዋኣሉ ጎቦታት መንድዓት ኢዩ ተዓዚሩ ነይሩ። ንግርማይ ዘኪርካ፣ ነቲ ምስ መስዋእቱ ዝተኣሳሰር ፍጻሜን፣ ንተጋ/ ኪዳነ (ወዲ-ቅዱሳን) ክትርስዕ ዝከኣል ኣይኮነን። ሎሚ ብኣጋጣሚ መዓልቲ ስማእታት ድማ፣ ንኩነታት መስዋእቲ ናይዞም ክልተ ብጾት ከም ኣብነት እንተ ኣቅረብኩዎ ጽቡቕ ይመስለኒ።

እቲ ካብ ቁልዕነተይ ዝፈልጦ ግርማይ፣ ኣብቲ ናይ ገድሊ እዋን’ውን፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓያልን ቆራጽ ተዋጋኣይን ምንባሩ፣ ዋዛን ጭርቃንን መኻይድቱ ኢየን ነይረን። ሓደ ግዜ ኣይሂ ቦምባታት ሞርታር ኣብ ከባቢኦም ክዘንብ ከሎ፣ ሓንቲ ቦምባ ኣብቲ ንሱ ዝነበሮ ቦታ ‘ቢፍ’ በለት’ሞ ሕጂ’ውን እናተዋዘየ “ሸለል በልኒ” ኢሉዋ። ግደፍኒ ወይ ኣይትህረምኒ ማለቱ እመስለኒ። ካብታ ዕለት እቲኣ ድማ ‘ሸለል በልኒ’ ትብል ሳጓ ተለጢፋቶ፣  ግርማይ ተሪፋ፣ ንሳ መጸዊዒቱ ኮይና። ሸለል በልኒ ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ገዲፉ ናብ ህዝባዊ ግምባር  ምስ ተጸንበረ፣ ኣብ ኩሉ’ቲ ካብ ከባቢ ሰሓርቲ (1ይ ወራር) ጀሚሩ፣ ክሳብ ምዝዛም 6ይ  ወራርን ድሕሪኡ ዝነበረ ቀዋሚ ናይ ምርብራብ ውግኣትን ብህይወት ጸኒሑ ኢዩ።

እቲ ምስ መስዋእቲ ግርማይ ተኣሳሲሩ ኣብ ተዘክሮይን ናይቶም ምስኡ ዝነበሩ ተጋደልትን ደበኽ ዝብል፣ ኣጋር ሓኪም ዝነበረ ገዲምን ምኩርን ተጋ/ ኪዳነ (ወዲ ቅዱሳን) ኢዩ። ኣብ 1980/81 ኣብ ከባቢ ሕዳይ ኣብ ዝነበርናሉ እዋን፣ ዋሕዲ ሓካይም ስለ ዝነበረና ኢዩ እመስለኒ፣ ኣብ ሓይልና ኣብ 3ይቲ ጋንታ ሓኪም ኮይኑ ምሳና ሰሪሑ ኢዩ። ሽዑ ከኣ ኢየ ጽቡቕ ናይ ሕክምና ክእለት ከም ዝነበሮን፣ ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ ምንባሩ ዝፈለጥኩ። ኣብ ስራሕ ንራኸብን መዓልልትን ስለ ዝነበርና ድማ ጽፉፍ ኣተሓሕዛ ከም ዝነበሮን ክኢላ ሓኪም ምንባሩን ዝፈለጥኩ።

 

ንሓደ ካብዞም ክልተ ብጾት እንተዘኪርካ፣ እቲ ዝኽርታት ሒዙኳ፣ ናብ ጎቦታት መንዳዓት፣ ካብኡ ድማ ናብ ድፋዓት ቮሊቦል ይወስዳካ። ቮሊቦል ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ጎቦታት መንድዓትን፣ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ሰንሰለት ጎቦታትን ዝርከብ ዕርዲ  ተጋደልቲ ኢዩ። ብቕድሚትን ብጸጋምን ሃም ዝበለ ጸድፊ ኮይኑ፣ ኣብ ዝባን ዓበይቲ ኣኻውሕን፣ ጭንጫ መሬት ኲዒትካን ዝተሰርሐ ድፋዓት ኢዩ። እቲ ኣብ ናይ ሜትሮታት ርሕቀት ኮይኑ፣ ኣብ ኣኻውሕ ተቀርቂሩ ካብ ዝትኩስ ጸላኢ ዝወጽእ ጠያይቲ ኮነ፣ ካብ ርሑቕ ዝትኮስ ናይ ታንክታትን ሞርታራትን ቦምባታት፣ እቲ ቦታ ወትሩ ምስተናወጸ ኢዩ።

 

እቲ ፍሉይ ዝገብሮ ግን፣ ገለ ወታደራት ጸላኢ፣ ነቲ ብድሕሪት ዝግበረሎም ጉልባብን ኣቀማምጣ ናይቲ ቦታን ተኣማሚኖም፣ ናብ ብዓትታት ናይተን ብላዕሊ ድፋዓት ተጋደልቲ ዝተሰርሓለን ዓበይቲ ኣኻውሕ ይኣትዉ’ሞ፣ ኣዘንጊዖም፣ ሓደ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካልእ ተሓናጊሮም፣ ናብቶም ብላዕሊ ዘለው ተጋደልቲ ቦምባ ኢድ ይድርብዩ። በዚ ከኣ ኣብ መንጎ’ቶም ኣብቲ በዓትታት ዝተዓቑቡ ወታደራትን፣ ብላዕሊ ኣብ ዝባን ናይቲ ኣኻውሕ፣ ኣብ ድፋዓት ዘለዉ ተጋደልትን፣ ናይ ቦምባ ኢድ ዳርባን ምምልላስን ልሙድ ኢዩ። እቲ ናይ ቦምባ ኢድ ምቅብባል (ምድርባይ) ምስ በዝሐ ከኣ ኢዮም፣ እቶም ተጋደልቲ ‘ቮሊ-ቦምብ’ (volley-bomb) ዝብል ስም ዝሃቡዋ። እቲ ቮሊ-ቦምብ ዝብል ኣጸዋውዓ በብቁሩብ ናብ ቮሊ-ቦል ማዕቢሉ፣ እቲ ቦታ ድማ ቮሊ-ቦል ብዝብል ስም ክጽዋዕ ኪኢሉ።

 

ህላዌ ናይታ ኣብ በሪኽን ብኹሉ እትህረምን ቮሊቦል፣ ነቲ ብጸጋም ዝርከብ ድፋዓት ስሙር ግምባርን ማይ-ብኻላሽንን፣ ከምኡ’ውን ነቲ ብሸነኽ የማን ክሳብ ድፋዓት ኩባንያን ሓሙኽሽትን ዝበጽሕ ሰንሰለት ድፋዓት ተጋደልቲ ውሑስ ይገብሮ። ስለዚ ኣብዚ ቦታዚ ዘለዉ ተጋደልቲ፣ ንነብሶም ጥራይ ዘይኮነ፣  ህላዌ ናይቲ ኣብ የማነ-ጸጋሞም ዝርከብ ድልዱል ድፋዓት ብጾቶም፣ ብናቶም ጥንቃቐን ሸለልትነትን ከም ዝጽሎ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። በዚ ከኣ ኩሉ ግዜ ለይትን ቀትርን ኣብ ‘ተጠንቀቕ‘ ኢዮም።

 

ሓደ ሓደ ግዜ ጎቦታት መንድዓትን ቮሊቦልን ብኣዝዩ ጽዑቕ ግመ ኢዩ ዝሽፈን። ኣብቲ፣ ልዕሊ ኣዒንቲ ኣእዛን ዝያዳ ናብ ስራሕ ዝዋፈራሉ እዋን ከኣ ኢዩ ኣጋር ሓዲም ዝነበረ ተጋዳላይ ኪዳነ (ወዲ-ቅድሳን) ሳንጣኡ ኣቐሚጡ፣ ካብ ብጻዩ ዕጥቂ ወሲዱ ዋርድያ ወጺኡ ብጥንቃቐ ዝከታተል ዝነበረ። ምስ ጻዕቂ ግመን ናይ ምርኣይ ውሱንነትን፣ ተኣፋፍነት ናይቲ ቦታን ጥንቃቐኡ ልዑል ክኸውን ድማ ኩሉ ዝጽበዮ ኢዩ። ተጋ/ ግርማይ ወልደገብሪኤል ድማ ኣዝዩ ጽዑቕ ግመ ስለ ዝነበረ፣ ጸላኢ ነቲ ኩነታት ተጠቂሙ ገለ ነገር ከይገብር፣ ካብቲ ድፋዕ ውጽእ ኢሉ፣ ኣብ ዝባን እታ ዓባይ ከውሒ በጥ ኢሉ፣ ኣእዛኑ ጸልዩ ንቕድሚት ይከታተል ነይሩ። እዞም ክልተ ኣዝዮም ዝፋተዉ፣ ናይ ነዊሕ እዋን መጋድልትን ምኩራትን ተጋደልቲ፣ በብወገኖም ምሉእ ኣቓልቦኦም ጸላኢኦም ኣብ ምክትታል ኢዩ ነይሩ።

 

ግመ፣ ዋላ’ውን ጽዑቕ እንተኾነ፣ ንኻልኢታት ክፍት ኢሉ ዝዕጸወሉ እዋን ኣሎ። እቲ ኣብ ልዑል ጥንቃቐ ዝነበረ ዋርድያ፣ ኣጋር ሓኪም (ኪዳነ)፣ ኣብታ ንኻልኢታት ዝተኸፍተት ግመ፣ ኣብ ከውሒ ዝተላሕገ ርእሲ ሰብ ክርእን፣ ኣድራጋ ጠያይቲ ክትኩስን ሓደ ነይሩ። እቶም ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ዝነብሩ ተጋደልቲ ቦትኦም ሒዞም ኩነታት ምስ ሓተትዎ፣ “በታ ከውሒ ሓደ ወታደር ደይቡ ኣሎ” ክብሎም ከሎ ግርማይ ወልደገብሪኤል በታ ቀዳመይቲ ጥይት ርእሱ ተሃሪሙ፣ ኣብ ዝባን ናይታ ከውሒ ንሓዋሩ ደቂሱ ነይሩ።

 

ኣጋር ሓኪም ኪዳነ (ወዲ ቅዱሳን) ጠንቂ መስዋእቲ ግርማይ ዓርኩ ንሱ ምዃኑ ምስ ፈለጠ ዝሓደሮ ስምዒት ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ህይወቱ ኢዩ ዝንጸባረቕ። መቸም ብፍላጥ ይኹን ብዘይ ፍላጥ ህይወት ዘሕለፈ ሰብ ናብ መርመራ ምኻዱ ስለ ዘይተርፍ ኪዳነ’ውን ናብ ሓለዋ ሰውራ ተላኢኹ። እቲ ወረ ቀልጢፉ ናብ ኣባላት እታ ቦጦሎኒ ስለ ዝመጸ ድማ፣ በቲ ፍጻሜ ዘይሓዘነ ሰብ ኣይነበረን። ሓደጋ ከጋጥም ባህርያዊ’ኳ እንተኾነ፣ እዞም ክልተ ብሉጻትን ምኩራትን፣ ማዕሪኡ’ውን ኣብቲ ቦጦሎኒ ፍሉጣት ዝነበሩ ተጋደልቲ፣ ብኸምዚ ክፍለዩ ሓለፋ ነይርዎ። መስዋእቲ ግርማይ ይኹን ምፍላይ ኣጋር-ሓኪም ኪዳነ፣ ልዑል ወታደራዊ ጥንቃቐ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ምዃኑ ብጾቶም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ኢዮም። ንኻልእ እትጽበዮም ጀጋኑን ምኩራትን ብጾትካ ብኸምዚ ክፍለዩኻ ከለዉ ድማ፣ ከም ዘይወሓጥ ዕረ ኣብ ጎሮሮኻ እናሰርሰረካ ኢዩ ዝነበር።

 

ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ፣ ሰላሕታ (7ይ ወራር) ጀሚሩ። ኣነ’ውን ተወጊኤ ሕክምና ከይደ። ቁሩብ ተመሓይሸ ናብቲ ብእንዳፍራስ ዝፍለጥ ጋንታ 13 (ማእከላይ ሕክምና ዓራርብ) ምስ ከድኩ፣ እቲ ዝፈልጦ ኣጋር ሓኪም ዝነበረ ወዲ ቅዱሳን፣ ኣብ ማእከል’ቲ ሩባ ጠጠው ኢሉ ርእየዮ፣ ሰልም ክብሎ ከይደ። ደጋጊመ “ኪዳነ ከመይ ኣለኻ?” ኢለ እሓቶ’ኳ እንተነበርኩ፣ ንሱ ግን ይትረፍ ንሰላምታይ መልሲ ክህበሉ፣ ኣብ ጥቕኡ ምንባረይ’ውን ዘስተብሃለሉ ኣይመስልን። ኣዒንቱ ነቲ ጎቦታት ሓሊፈን ኣብ ርሑቕ ገለ ነገር ዝጥምታ  ዝነበራ ኢየን ዝመስላ። ኣእምሮኡ’ውን ኣብ ዓሚቍ፣ ግን ከኣ ኣዝዩ ርሑቕ ዓለም ዝተጸምደ ኢዩ ዝመስል። መን ይፈልጥ ምናልባት እታ ኣብ ቮሊቦል “ንግርማይ እኮኢኻ ሃሪምካዩ” ትብል ብብጾቱ ዝተነግረቶ ዘረባ፣ ወይ’ውን ግርማይ ዓርኩ ካብቲ ተነጺፉዎ ዝነበረ ከውሒ ጎቲቶም ከውርድዎ ከለዉ ዝረኣያ ኣዒንቱ፣ እቲ ምስሊ ካብ ዝኽርታቱ ምኻድ ኣብዩዎ፣ ንሱ ጥራይ ይረኣዮ ነይሩ ይኸውን። በዚ ኮነ በቲ ኣካላቱ እምበር ኣእምሮኡ ኣብ ጥቓይ ኣይነበረን።

 

እቶም ናይ ኣእምሮ ጸገም ዝነበሮም ተጋደልቲ ኣብ ጥቓና ስለ ዝነበሩ፣ ዳርጋ መዓልታዊ እርእዮን ቀሪበ ከዛርቦን እፍትን ነይረ። ኩሉ ግዜ ግን ኣዒንቱ ናብ ርሑቕ ምስ ጠመታ ኢየን። ውንኡ’ውን ኣይተመልሰን። ኣነ’ውን ግዜ ምስ በዝሐ ቀቢጸ ገዲፈዮ። ድሒረ ከም ዝሰማዕኩዎ፣ ኣብቲ – በቲ ሩባ ዝሓልፍ ጽርግያ ከይተፈለጦ፣ ኣብ መንጎ ደናጉላ ደቂሱ ከሎ፣  ንሱ’ውን በታ ማይ እተመላልስ ቦጥ ተረጊጹ ሞይቱ።

ነታ ኣብ ቮሊቦል ዝነበረት ጋንታ ግን ምፍላይ ናይዞም ክልተ ምኩራት ተጋደልቲ ዝወሓጥ ኣይነበረን። በዚ ከኣ ኢየ ‘ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት’ ዝበልኩ።

 

ዓዲ ከይደ ምስ ኣቦይ ወልደገብሪኤል ተራኺብና ‘ሰላም’ ኣብ እንበሃለሉ እዋን፣ ልክዕ ከምታ ኣነ ንኪዳነ ሰላም ከብሎ ከለኹ ውንኡ ምሳይ ዘይነበረ፣ ኣነ’ውን ኣካላተይን ኣፈይን ምስኦም ኮይኑ፣ ኣእምሮይ ግን ንሶም ከይፈለጡ፣ ናብ ጎቦታት መንድዓት ኢዩ ዝዕዘር ዝነበረ።

እታ ምስ ጸላኢና ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብቲ ውጡር እዋን ነንሕድሕድና’ውን እናተቓተልና ዘምጻእናያ ናጽነት፣ በቶም ካብ ናይ ተኹሲ ቦታ ርሒቖም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ሰባት ማእዝና ስሒታ ክትርኢ ከለኻ‘ውን ካብኡ ዝዓበየ ሞት ኢዩ። ኣብቲ ጽንኩር ናይ ገድሊ እዋን፣ ጸላእትና ክንቀትል፣ ንሕና’ውን ብጸላኢ ክንቅተል፣ ኩነታት ካብ ንቡር ወጺኡ ነንሕድሕድና ክንቀታተል’ውን ከም ባህርያዊ ወሲድናዮ ኢና። ኲናት ተወዲኡ፣ መሬት ምስ ወግሐ ካልእ ህልቂት ክስዕብ ግን፣ ኣይኮነን ክንሓስቦ፣ ኣብ ሕልምና’ውን ኣይነበረን። እነሆ ድማ እቲ ግዜ፣ ክልተ ሞት ኣብ ሓደ ህሞት፣ ዘይክነስ፣ ኣማኢት ህይወት ኣብ ሓንቲ ህሞት ንርኢ ኣለና።

 

ታደሰ ኪዳነ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
17 COMMENTS
  • gedem June 20, 2014

    Thanks Taddese.This is incredible story .We need more of heroic stories from you.Glory to our martys !!!

  • ሰላምይንገስ(ወዲደባስ) June 21, 2014

    ታሪኽ ግርማይ ወልደገብሪኤል ተኽለ ምስ ሰማዕኩ እምብዛ ሓዚነ። ሸለል እባ በልኒ ጥይት፡ወዲ ማርያም እኮ’የ ኢሉ’ዩ ዝምሕል ኔሩ ኢላ ክትነግረኒ ኣሙኡ ንግርማይ ነዓይ ድማ ሰይቲ ሓወቦይ ትኾነኒ ኣደይ ሕልፋን ተኽለ’ያ ኔራ። ኣቀታትልኡ’ያ ዘይትፈልጦ እምበር ሸለልበልኒ ተባሂሉ ከምዝጽዋዕ ቅድሚ 24 ዓመት ነዓይ ኣደይ ሕልፋን ኣዕሊላትኒ ኔራ። ኣቦይ ወልደገብሪኤል ተኽለ ኣብ መስዋእቲ ወዶም ቀደም’የ ቀቢጸካ ወደይ መዓረይ ነዛ ህያብ ናትካ ዝኾነት ናጽነት እንቋዕ ደኣ ከይረኣኩዋ ምስ ጓሂየይ ኣይሞትኩ እምበር ኩሉና ናብኡ ኢና ኢሎም ክዛረቡ ሰሚዔዮም ኔረ ኣብ ምንጋር ስዉኣት ኤርትራ።

Post a Reply to gedem Cancel Reply