Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እዞም ስልጣን ሰብ ዘምሰሎም እንታይ ኢዩ ጉዶም!

ኣንታ ‘እዚኣ ስቕ ኢላ’ያ ውላዳ መይቱዋ’ያ’ ዝብሃል ኔሩ ዝበሉና ህይወት ዘሪኡ፡ እግሪ ተኺሉ፡ ድዩ ተመሊሱና!  መንእሰያትና ኣብ በረኻ፡ ኣብ ባሕሪ ጠፊኡዎም ኣብ ሲናይ ተጠቢሑ ተሸይጡ ኣካላቶም ህዝቢ ሕርሙኳ ከየውጽእ ከልኪሎም ‘መን ነጊሩኩም ሓዘን ተቐሚጥትኩም!’ እናበሉ ዝስልበጡ ዘሳቕዩ መዓት ንዝወረዶም  ምስቲ

ኣንታ ‘እዚኣ ስቕ ኢላ’ያ ውላዳ መይቱዋ’ያ’ ዝብሃል ኔሩ ዝበሉና

ህይወት ዘሪኡ፡ እግሪ ተኺሉ፡ ድዩ ተመሊሱና! 

መንእሰያትና ኣብ በረኻ፡ ኣብ ባሕሪ ጠፊኡዎም

ኣብ ሲናይ ተጠቢሑ ተሸይጡ ኣካላቶም

ህዝቢ ሕርሙኳ ከየውጽእ ከልኪሎም

‘መን ነጊሩኩም ሓዘን ተቐሚጥትኩም!’

እናበሉ ዝስልበጡ ዘሳቕዩ መዓት ንዝወረዶም 

ምስቲ ነይሩ ዝብሃል ዛንታ ኣይመሳሰልንዶ ግብሮም?

እዝጊ ጸሊኡሎም’ምበር ኣሕዋትና’ዮም ኔሮም

ግን እዞም ስልጣን ሰብ ዘምሰሎም

ብህርፋን ስልጣን ተጸሊሎም ህዝቦም ጠሊሞም

ንሎሚ ጥራይ ይጥዓመኒ ኮይኑ ሃይማኖቶም

ፍትሒ ኣይፈልጡ ይግባይ የብሎም

ምስ ሬሳ ምውት ከይተረፈ ኩናት ገጢሞም

ንኽንደይ ምስኦም ንዝነበሩ ብጾቶም

ጸዲፉ፡ ልቡ ጠሊሙዎ፡ ሃንደበት ዓሪፉ እናበሉ ኣጥፊኦም

ሓኪም ከይመርመሮም

ተቐላጢፎም ድፍን ከብሉዎም ተደጋጊሙ ዝስማዕ’ዩ ጉዶም 

ካብ ህዝቢ ተኸዊሎም ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ ፈጺሞም

ብደም ዝጨቀየ ኢዶም ተሓጺቦም

ንህዝቢ’ዮም ዘደናግሩ ደቂ ድሓን መሲሎም

‘እዚኣ ሱቕ ኢላ’ያ ውላዳ መይቱዋ’ያ!’

ክብሉ ኣይተሰምዑን’ምበር ነቲ ኔሩ ዝብሃል’ዩ ዝመስል ተግባሮም

ዕጥቆም ዕጥቂ ህዝቢ ትኾነላ ሓንቲ መዓልቲ ከም ዘላ ዘንጊዖም 

 

ብፍላይ ከኣ እዞም ፍሉያት ፍጥረት ትብሉዎም

ክፉእ ውዲት ክምህዙን ከበጻጽሑን ዝዓርቦም

መልኣከ ሞት ኮይኖም ዘንጸላልዉ ከቐዝፉ ነሕዋቶም

ምስ ኢሳያስ ዝነገሱ መሲሉዎም መንነቶም ረሲዕም

ብዝቐዘፉዎም ብዝሒ ውፍያት ዝዓቢ ዝመስሎም ስልጣኖም

ይህንደዱ’ለዉ ክሳብ’ታ ክፍእቲ ግብሮም ተገምጢላ ተርክቦም

 

ኣንቱም ኣባላት ሓይልታት ምኽልኻልከ እንታይ ኢዩ ጉድኩም?

እንታይ ወሪዱኩም’ዩ ከይተፈረድኩም ጊላዋ ዝኾንኩም!

ህዝብን ሃገርን ንምሕላው ዝሃብኩሞ ቃል ረሲዕኩም

ዋርዲያ ገፋዕቲ ኮንኩም ዝተረፍኩም?

ኣብ ፈቕዶ ሩባን ስንጭሮን ከርተት እናበልኩም

ሕማቕ ሃለዋት ተሕልፉ ዘለኹም

ብጥሙይ ከብድኹም ብዕሩቕ ዝባንኩም

ዓለም ብርሃን ከሎ ዝጸልሚትኩም

ኣብ ኢድኩም ከሎ ዕድልኩም

ስኣን ወስ ምባል ትጠፍኡ ዘለኹም!

መኣስ ኮን ትኸውን ኣደራዕ ኢልኩም ተውጽኡዋ ነብስኹም?

ወየ! ወየ! ዶ ክንብለልኩም በደውኩም ከለኹም?

 

ግን ተረዲኡዎ’ዩ ህዝብኹም

ዘይትምትእማን ምዃና ጸገምኩም!

ንሳይ ኢያ! እምበርዶ ምስ ሰብየ ዘለኹ! ተብለኩም

ሰብ ትደልዩ ሰብ ከሎ ምሳኹም

ክትሙዋጎቱ ምስ ሕልናኹም

ግዜ ተሕልፉ ዘለኹም   

ኣርሕው ኣቢልኩም ምእታው ስኢንኩም ገዛኹም

መፍትሕ ከሎ ምሳኹም!

ትጽበዩ’ኹም ብትኣምር ፍታሕ ክመጻልኩም?

ክሳብ ገፋዕቲ ዘጥፍኡኹም ሰዳድ ወረ ዘይብልኩም!

እንታይ ጉዱ’ዩ ተርእዩና ዘለኹም!

ንምንታይከ ህዝቢ ስቓዩ ከይኣኽሎስ ዝሻቐል ብኣኹም

ስለዚ ኣመዓራርዩ ሰልፉኹም

ካብ መዓት ኣውጽኡዋ ነብስኹም ግዜ ከለኩም

ነዞም ስርሕ ፍንጥሕ ዝሓዳሮም ከይተጸበኹም

 

ኣንታ በዓል ወጻኢኸ እንታይ ኢዩ ጉድካ?

ክሳብ ሎሚ ምስ መን ኢኻ ዘለኻ?

ምስቶም ኤርትራ ተደዊና ከላ ‘ጽቡቕ ኣላ’ ምባል ዝኣመሎም?

ምስቶም ኣብ ቲቪ-ኤረ ተዀሓሒላ ትርአ ዘላ ዝመስሎም?

ምስቶም ከይነቕሑ ዝመሓሉ ብጉርሖም?

ምስቶም ንህግደፍ ዶላር ዘቐብሉ ተለቓቒሖም!

ወይ ምስቶም ዝጓየዩ ዘለዉ ከድሕኑ ንህዝቦም

 

ንሕናኸ! እዞም እንታይ ገደሰኒ ኢልና ዘጽቀጥና

ህዝብና እናጸነተ ከም ዘይርኣና ኮንና

ህዝብና ንበላዒ ሂብና

ንድብል ዘለና ወራድ መርዓ መሲልና

ከክፋኡ ክሓልፈልና ንትምነ ኢድና ከይሓወስና

ንጸናጸን ዘለና ኣብታ ዝተሓባእናያ ኮና

እንታይ ኢዩ ጉድና!

ኩሉ ምስ ሓለፈኸ ኣበይ ኔርና ክንብል ኢና!

 

እቶም ገለናኸ? ‘ዝገብሩዎ ኣይፈልጡን’ዮምሞ መሓሮም!’

ዶ ክንብል ቃል ጌታ ክንደግም!

ወይ ነዞም ብህይወት ኤርትራዊ ዝዋገዩ ስርዓት ተበላለጽ ፈጢሮም

ማእለያ ዘይብሉ ግፍዒ እናፈጸሙዶ ክንጽበዮም? 

ክሳብ’ዞም ብሰላማዊ ቃልሲ ዝብሉ ዝሰልጦም?

ወይ ክንደይ ክሳብ ዝጠፍእ ክንጽበ! ኢልናዶ ንጦርጦስ ክንሰዶም!

 

ግን ኢሳያስን ሰዓብቱን የጥፍኡና ከም ዘለዉ እናፈለጥና

ህዝብን ሃገርን ናብ ፈተና የእተዉ ከም ዘለዉ እናተረደኣና

ኣንቲ መሬት ፍታሕ ውለዲ! እናበልና መሬት እናዘበጥና

ነብስና ንሸይጣን በብቑሩብ ንሸጠሉ ዘለና?

ክሳብ መኣስ ኢና!

 

መኣስ’ዩኸ ዘብቅዕ ዘይኮንካዮ ምዃን ምጽናት ኣሕዋት?

ይኣክል ዘይንብል ብድሕነት ህዝብን ሃገርን ምጽዋት

 

ግን ብዘበኖም! ኣሽንኳይ ሰብስ ልቢ’ውን ይኸድዕ’ዩ ይጠልም

ናብራ ሃለውለው ምሕላፍ’ዩ ክሳብ ሓቢርና መድሕን ንተክል ንረክብ ሓኪም

 

ምልኪ ይፍረስ ግዝኣተ-ሕጊ ይንገስ 

ምስሉ ተኪኤ

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • erikid August 9, 2013

    Meslu a game why are you trying to let eritreans kill each other? You are like Satan sent from hell. Be gone to Tigray.

    • Tsega August 9, 2013

      Every peace loving and rule abinding Eritrean has become your enemy. I love my country. I love my people. All I ask is let the constitution be implemented. Let free press exist. Let free market exist. From your corner of the world, what are you wanting for the people and country of Eritrea?

      • erikid August 10, 2013

        They want our land. They think they can get it by letting eritreans kill one another. That is how evil a games are.

  • Mesinas August 10, 2013

    ሓው ምስሉ፡ ብመጀመርያ ጽሑፍካ በቲ ሓያል መልእኽትን ግደን ከሎዎ ግን ከኣ ብሰንኪ ብብዝሒ ዘይምዝውታሩ ብዙሕ ኣንባቢ ዘይብህጎ ናዕታ ጌርካ ሓሳብካ ክትገልጽ ምፍታንካ ካብ ልቢ አመስግነካ። ኣብ ግጥምኻ ስክፍታ ስለ ዘለኒ ግን ብዘይቀለዓለም ክሕብረካ ፍቐደለይ? ይሕመቕ ይጸብቕ ከምኡውን ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ዚኾነ ይኹን ግጥሚ፡ እንተ ደኣ ነዊሑ፡ መቐረቱን መልእኽቱን ኣድማዒ ዘይምዃኑ ክሕብረካ ስለ ዝደለኹ’የ ፍቓድ ሓቲተካ። ንኣብነት፥ እዛ “እዞም ስልጣን ሰብ ዘምሰሎም እንታይ ኢዩ ጉዶም!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪብካያ ዘለኻ ናዕታ፡ ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ መቒልካ ክትቀርብ ምኸኣለት ኔራ። ንኣንባቢውን ዝያዳ ምተረደኣቶን ዓቕሉ ኣይመወዳኣቶን። መብዛሕትና ቃነዪቲ (ገጠምቲ) ግን ኣብ ስምዒት ኣቲና ስለ ንገጥም ሚዛን ስምዒት ኣንበብቲ ኣይንሕሉን ኢና። እዚ ጉድለት’ዚ ድማ’ዩ ንዕብየትን ምዕባለን ግጥሚ ዚሓልኽ ዘሎ! ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ሓጸርቲ ግጥምታት እናቕረብካ ኣንበብቲ ግጥሚ ክትማርኽ ዘሎኒ ተስፋ እናገለጽኩ ደጊመ ንኣበርክቶኻ እንእድ። ናይዚ ዝገለጽኩልካ ኣብነት ሓደ ኣንባቢ ዝበለኒ ክሕብረካ፥

    “ክቡር መሲናስ ግጥሚ ከንብብ ዓቕሊ የብለይን፡ ናትካ ግጥምታት ግን ክልተ ግዜ እየ ዝነቦ። ብስለት፤ ስኒት ቃላት፤ ውህደትን ጥምረት ሓሳባትን ፍጹም እዩ። ክነቦ ከሎኹ ደስ ይብለኒ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ቓላት ምስ ትርጉሙ ጌርካ ስለ ተቕርቦ ክነቦ ከሎኹ ምቹእነት ስለ ትፈጥረለይ ደስ ኢሉኒ’የ ዝነቦ’ሞ ኣድንቀካን ኣመስግነካን፡ ክትቕጽሎ ድማ ብኽብሪ እላበወካ። ተባረኽ!”

    ካብ ሓውኻ ገባር

    ሓው ምስሉ ኣበሃህላይ ተረዲኡካ ኪኸውን ተስፋ እገብር። የቐንየለ።

    ካብ ሓውኻ መሲናስ

  • Mesinas August 10, 2013

    ዝኸበርካ ሓው ምስሉ ተክአ፡ ብመጀመርያ ጽሑፍካ በቲ ሓያል መልእኽትን ግደን ከሎዎ ግን ከኣ ብሰንኪ ብብዝሒ ዘይምዝውታሩ ብዙሕ ኣንባቢ ዘይብህጎ ናዕታ ጌርካ ሓሳብካ ክትገልጽ ምፍታንካ ካብ ልቢ አመስግነካ። ኣብ ግጥምኻ ስክፍታ ስለ ዘለኒ ግን ብዘይቀለዓለም ክሕብረካ ፍቐደለይ? ይሕመቕ ይጸብቕ ከምኡውን ትሕዝቶኡ ብዘየገድስ ዚኾነ ይኹን ግጥሚ፡ እንተ ደኣ ነዊሑ፡ መቐረቱን መልእኽቱን ኣድማዒ ዘይምዃኑ ክሕብረካ ስለ ዝደለኹ’የ ፍቓድ ሓቲተካ። ንኣብነት፥ እዛ “እዞም ስልጣን ሰብ ዘምሰሎም እንታይ ኢዩ ጉዶም!” ብዝብል ኣርእስቲ ኣቕሪብካያ ዘለኻ ናዕታ፡ ብውሕዱ ኣብ ሰለስተ መቒልካ ክትቀርብ ምኸኣለት ኔራ። ንኣንባቢውን ዝያዳ ምተረደኣቶን ዓቕሉ ኣይመወዳኣቶን። መብዛሕትና ቃነዪቲ (ገጠምቲ) ግን ኣብ ስምዒት ኣቲና ስለ ንገጥም ሚዛን ስምዒት ኣንበብቲ ኣይንሕሉን ኢና። እዚ ጉድለት’ዚ ድማ’ዩ ንዕብየትን ምዕባለን ግጥሚ ዚሓልኽ ዘሎ! ስለዚ፡ ኣብ ቀጻሊ ሓጸርቲ ግጥምታት እናቕረብካ ኣንበብቲ ግጥሚ ክትማርኽ ዘሎኒ ተስፋ እናገለጽኩ ደጊመ ንኣበርክቶኻ እንእድ። ናይዚ ዝገለጽኩልካ ኣብነት ሓደ ኣንባቢ ዝበለኒ ክሕብረካ፥

    “ክቡር መሲናስ ግጥሚ ከንብብ ዓቕሊ የብለይን፡ ናትካ ግጥምታት ግን ክልተ ግዜ እየ ዝነቦ። ብስለት፤ ስኒት ቃላት፤ ውህደትን ጥምረት ሓሳባትን ፍጹም እዩ። ክነቦ ከሎኹ ደስ ይብለኒ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ቓላት ምስ ትርጉሙ ጌርካ ስለ ተቕርቦ ክነቦ ከሎኹ ምቹእነት ስለ ትፈጥረለይ ደስ ኢሉኒ’የ ዝነቦ’ሞ ኣድንቀካን ኣመስግነካን፡ ክትቕጽሎ ድማ ብኽብሪ እላበወካ። ተባረኽ!”

    ካብ ሓውኻ ገባር

    ሓው ምስሉ ኣበሃህላይ ተረዲኡካ ኪኸውን ተስፋ እገብር። የቐንየለይ።

    ካብ ሓውኻ መሲናስ

Post a Reply to Mesinas Cancel Reply