Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“እዚ ኹሉ ጎይና፡ ህበይን ዕትሮን ርኢና ተመሊስና !”፡ ይብሉ ምሳኪን ደገፍቲ ህግደፍ ኣብ ለንደን

ትማሊ ሰንበት 5 ለካቲት፡ ናብቲ ወከልትን ኮራዅርን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ገለ ብቴክስት ገለ ድማ ብተባራሪ ወረ ተዓዲሞም፡ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ’ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣፈርክቡ ተባሂሎም፡ በብኽልተ በብሰለስተ፡ ዝጣራቐሙሉ ኣዳራሽ ጎሰስ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ብኽልተ እግሮም ዲዮም በርባዕተ

ትማሊ ሰንበት 5 ለካቲት፡ ናብቲ ወከልትን ኮራዅርን ውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ገለ ብቴክስት ገለ ድማ ብተባራሪ ወረ ተዓዲሞም፡ ‘ላዕለዎት ሓለፍቲ’ ክመጹ ስለዝኾኑ ኣፈርክቡ ተባሂሎም፡ በብኽልተ በብሰለስተ፡ ዝጣራቐሙሉ ኣዳራሽ ጎሰስ ዝብሉ ዝነበሩ ሰባት፡ ብኽልተ እግሮም ዲዮም በርባዕተ መሓውሮም ዝኸዱ ዘለዉ ንምርግጋጽ ኣስተብህሎ የድሊ ነይሩ።

ዓሻ ጽቡቕ ኣሎ ዘመድ ዓሻ ከፊኡዎ ‘ሎ’ ከምዝብሃል፡ ብፍላይ በረድ ወሪዱ መጠንቀቕታ ኩነታት ኣየር (weather Warning) ኣብ ቦትኡ እናሃለወ ካብ ማንቸስተር ከይተረፈ ናብ ኣኼባ ህግደፍ ናብ ለንደን ዘጓሕ ምባሎም፡ ምስቲ ፍረ-ኣልቦ ኣኼባኦም ኣነጻጺርካ ክትርእዮ ኸለኻ፡ የተሓሳስበካ፡ ኣብ ክንድኦም ከኣ ትጭነቕ፡ መሳኪን!!

መቸም ከምቲ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት እንተላይ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ለንደን ፈስቲቫል ኣብ ዘካይዱሉ ዝነበሩ እዋን ብመንእሰያት ደለይቲ ለውጢ ዘጋጠሞም ተቓውሞ ከይደግሶም ተባሂሉለይ እንዲዩ፡ እቲ ኣኼባ ተመስጢሩ እዩ። እቲ መሓዮታት ናይቲ ኣኼባ ስራሕና ኢሎም ነቲ ጉዳይ ንምሕባእ ዝፈተኑዎ ጥበባት መቸም ሻቕሎቶም ሰማይ ዓሪጉ ኣብ መወዳእታ እዋኖም ተገምጊሞም ከምዘለዉ ዳግም ዝምስክር እዩ። መጀምርያ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ጥራይ ዝፈልጦ ምስጢራዊ ቁጽሪ ኮድ ክወሃቦ እዩ ተሓሲቡ፡ እዚ ምጥዓም ምስ ኣበየ ኸኣ፡ ነፍሲ ወከፍ ዕዱም ሓንቲ ንእሽቶ ባንዴራ ኤርትራ ሒዙ ክመጽእ ተማቲኦምሉ፡ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ዕድመ ብቴክስት ወረን ብሰላሕ መላሕ፡ ከምቲ ልሙድ ከኣ ኣብ ኣፍደገ ሕብሪ ደጋፋይን ተቓዋማይን ብምልላይ ተገይሩ። መጋበርያ ህግደፍ፡ ንኻልእ መዓልቲ ምእታው ዕዱማቶም ክቐለሎም ግን ሓንቲ ንእሽቶ ምኽሪ ወስ ከነብለሎም፡ ዕዱም ክመጾም ከሎ፡ ኣብ ኢዱን ኣብ ርእሱን ምድህሳስ ጥራይ እዩ ዘድልዮም። እቶም ደገፍቲ ከብዲ ኢዶም ብተሃበር ጣቕዒት ስለዝላደየ፡ ሕርፍፍ ዝበለ፡ ሓንጎሎም ጓሕጕሖም ኣብ ገዛ ገዲፎሞ ስለዝመጹ ከኣ ርእሶም ፎኪስ፡ ቁልዕጽዕጽ ዝብል እዩ። በንጻሩ ናይቶም ተቓወምቲ፡ ኢዶም ንቡር ርእሶም ድማ ረዚን፡ ተሪር እዩ’ሞ፡ ንመጻኢ ክሳብ ክንድ’ዚ ምሽጋር ኣይከድልዮምን እዩ።

እቲ ጥበብ ምስጢራውነት ንህግደፍ ስለዘይሰለጦም፡ እቶም ውሑዳትን ርቡሓትን ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ተጸዋዊዖም ኣብ ኣፍደገ እቲ ኣዳራሽ ብርእሰምትእምማን ኣብ በረድ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ብዘስምዖዎ ዝነበሩ በዳሂ ሕልናዊ ድምጺ ውጹዓት፡ እቶም ደገፍቲ ህግደፍ ደኒኖም ክሓልፉ ኸለዉ፡ በቲ ዕሙር ጎደና ዝተሓላለፉ ዝነበሩ ወጻኣተኛታት ድማ ነቲ ብሓይልን ስምዒትን ዝወዓዋዕ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ድምጺ ግዱስ ኣቓልቦ ይህቡዎም ነይሮም። ነቶም ዕሱባት ህግደፍ፡ ‘ድሕሪ ቐዛፊ ኢሳያስ ተቐዛፊ’ ትብል ጭርሖ፡ ከም ካራ በሲዓ ኣብ ዓጽሞም ትበጽሕ ከምዝነበረት፡ ካብ ኣዳንና ርእሶም ይረአ ነይሩ። እታ ድራማዊት ናይ ቀዛፊ ህሞት፡ ኣብ ኤርትራ ምድጋማ ከምዘይተርፋ ተዘኻኽሮም ስለዝነበረት ምዩቕታኦም ምቍጽጻር ስኢኖም፡ ቀልጢፎም ክኽወሉ ናብቲ ኣዳራሽ ክሸኩ ከኣ ተራእዮም።

‘ዝብእስ ዝብላዕ ኣሎ እንተበሉዎ ናበይ ከይበለ ክጎዪ ሓደረ’ ዝብሉዎ ምስላ፡ ኣሎ። ዕሽነት ኮራኩር ህግደፍ ግን ካብኡ ዝገደደ እዩ። እንታይ? ብመን? ከይበሉ፡ ኣርእስትን መዳርን ከየጣለሉ እዮም ሃሊሎም።

ኮነ ኸኣ፡ ኣሽንባይ ዶ እቶም ዕዱማት፡ እቶም ዓደምቲ’ውን፡ ብዛዕባ ምንታይ ክዛረቡ ከምዝመጹ ኣይፈለጡን። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት፡ የማነ ማንኪን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዑስማን ሳልሕን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ በርባዕተ እግሩ በረድ እናሰበረ ዝመጾም ግዙእ፡ “ዝብሃል ሓዱሽ ነገር የብልናን፡ ንእግረመንገድና ኢና ኣኼባ ጸዊዕና፡ እንግሊዝ እዮም ጸዊዖምና” ክብሉ ኣጀንዳ ከምዘይብሎም ደርጕሖምሎም። ሽዑ ኸኣ’ዮም፡ ገለ ካብ ኣኼበኛታት፡ ነቲ ኣጀንዳ ኣልቦ ኣኼባ ናይቶም ኣካየድትን፡ ቆሎጥጡቖ ሕቶታት ሰማዕቶምን ምስ ኣስተብሃሉ፡ ‘ዋይ ኣነ፡ እዚ ኹሉ ጎይና፡ ህበይን ዕትሮን ርኢና ተመሊስና’ ዝበሉ። ንሕና ድማ ሽዑ ኢና፡ ኣብቲ ገዛ ሒደት ሰብ ክልተ እግሪ ‘ውን ሰሊኾም ከምዝነበሩ ዝተገንዘብና።

ብዝኾነ፡ እቶም ተደናገጽቶም ‘ህበይን ዕትሮን’ ክብሉ ዝጠመቑዎም ሰበ ስልጣን ህግደፍ፡ ብእንግሊዝ ተዓዲምና ኢና መጺእና ክብሉ መገሻኦም ከጸባብቑ ‘ኳ እንተፈተኑ፡ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምትሕብባሮም ከምዝተገብረ ዝሕመ ቅትለት 5 ኤሮጳውያን ቱሪስትን፡ መጭወይቲ ናይ 2 ካልኦትን ንመግናሕቲ ከምዝተጸውዑ ይንገር። ብዓቢኡ ካብቲ ናይ  ልዕሊ 50 ሃገራት መራሕትን ዲፕሎማሰኛታትን ተዓዲሞምሉ ዘለው፡ ንጉዳይ ሶማልያ ዝምልከት ን23 ለካቲት ኣብ ለንደን ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፡ ከም ተሓባበርቲ ሽበራ ተራእዮም፡ ከምዝተኣገዱ ‘ውን ይስማዕ ኣሎ። እዚ ሓቂ እንተኾይኑ፡ ጭፍራ ህግደፍ ካብቲ ብዘይካይ ኣይፍታሕን እዩ ዝብሉዎ ጉዳይ ሶማል ዓዲ ምውዓሎም፡ ካብ ዓለም ተነጺሎም ጥራይ ዘይኮነ፡ ነጺሎም ‘ውን ከምዘለዉ ዳግማይ መረጋገጺ ክኾነና እዩ።

እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ተነጽሎ ኸኣ’ዩ ዋላ ብምትሕብባር ምስ ግብረሽበራ፡ ወይ ዝኾነ ኣሉታዊ ስጉምቲ፡ ኣቓልቦ ንምርካብ ዘሀንጥዮም ዘሎ። እዚ ናይ መግናሕቲ ጻውዒት መንግስቲ እንግሊዝ ነዚ እዩ ዝምስክር። ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ዓፈር ዝተኻየደ ቅትለትን ጭውያን ኣይተሓባባርናዮን ፡ በንጻሩ ማእለማ ኢትዮጵያ እዩ፡ ነገርና ደልያትና፡ ኢሎም ክውጭጩሉ ተሰሚዖም እዩም። ከምኡ እንተኾይኑ፡ ስለምንታይ ደኣ፡ ነዚ ናይ ሃገር እንግሊዝ ጻውዒት፡ ‘ንዓና ዘርኢ ጉዳይ ኣይኮነን፡ ንፈልጦ የብልናን’፡ ኢሎም ዘይነጽጉዎ? ኤእ፡ ኣቓልቦ ይረኸብ እምበር፡ ብኸመይ ኣገባብን በየናይ ዋጋን ምርካቡ ዘገድሶም ኣይኮነንን ፍሹላት መራሕቲ ህግደፍ።

እቶም ኣመና ዘደንግጹ ግን፡ እቶም ንህዝቢ ኤርትራ ብዘውርዱሉ ዘለዉ ስቓይ ማእሰርትን ሞትን ኣእዳዎም ደም ስለዝተጸየቐ፡ ካብ ምጽላቝ ሲ ኣጸቢቕካ ምጭምላቕ ዝሓረዩ ዕሉላት ገበነኛታት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣይኮኑን። እቶም፡ ንኹሉ ፍርያት ሓርነትን ዲሞክራስን ኣብ ወጻኢ እናተቛደሱ ንዝህቢ ኤርትራ ጽንቃቕ ናይቲ ንዓኣቶም ፍጊዕ ዝበሎም ራህዋ ዝበቐቑሉ፡ ኣብ ወጻኢ፡ ሃሱሳዊ ስርሓት ህግደፍ ዘሳልጡሎም ዘለዉ ከፈትን ዓጸውትን ማዕጾን ህግደፍ ‘ውን ኣይኮኑን። ነዚኣቶም ጸሊም መዝገብ ህዝቢ ኤርትራ ይፍረዶም። እቶም ብሓቂ ዘደንግጹ፡ እቶም ላንጋ ላንጋ ኮይኖም፡ ቀትሪ ምስ ህግደፍ ለይቲ ምስ ተቓወምቲ ማንታ ህይወት ዘሕልፉ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ‘ዮም እሞ፡ ሰዓት መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣኺሉ’ዩ፡ ህበይን ዕትሮን ግዳ ቀቀሊሉ፡ ካብ ህግደፍ ብኣግኡ እንተዘይርሒቕኩምስ ወረ ዓይንኹም ካልእ ክትርኢ እያ ንብሎም።

ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ከምታ ወዲቓ ክንሳ፡ ብሓንቲ ሱር ወፋሪ ዕንጨይቲ እተሕርቕ ምውቲ ገረብ እዩ ኮይኑ ዘሎ ‘ሞ፡ ሓቢርና ነበርቍቆ። ኣምሳያኡ ድማ መድሕን ናይዚ እናረኣናዮ ብቐስታ ዝጠፍእ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸውን ቅዱስ ስርዓት ንትከል።

ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
56 COMMENTS
  • Hagos February 7, 2012

    እታ እዚ ኣማኑኤል ኪንደይ ይሕሱ? ከመይ አዩ ነገሩ? ናበይ አዩ ዘብል ዘሎ አዚ ኣዘራርባ? ኣነ ሓደ ካብቶ ኣብቲ ኣኬባ ዚነበሩ ሰባት እየ። ዚኢረኣኪዎ ነገር አንተሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ ፈታዊ መራሕቱ፣ ህዝቡ፣ ከምዚኮነ አየ ተረዲኤ፣ አቶም መራሕቲ ኤርትራ ከኣ ፈተውቲ ህዝቦም ሙዃኑ። ካብታ ዕለት ከኣ ፣ ካብ በዓል ኣማኑኤል ትጽቢት ምሚግባር ሕልሚ ሙዃኑ አየ ተረድኤ። ተጋጌ አኮ ነውሪ ኣይኮነን።ኒምንታይ ህዝቢ ይዝለፍ፧ ኣማኑኤል ንህዝብና ኣይትዝለፍ ተጠንቀቕ። ናብራኻ ግበር። ስራሕ ሚኒዋለ ኣሎ አሞ ኣቡኡ ስራሕ አኻ። ቻው።

  • TwoWayStreet February 7, 2012

    I am going to quote a phrase from the passage, “Aferkbu tebahilom” or ” Af Arkibu tebahilom”

    I think this guys did not come for a conference, “Af nay Naizghi Kiflu kerkibu Iyom Mexiyom”.
    I think they came to do things related to Nazghi Kiflu.

    • ahmed saleh February 7, 2012

      Nice to see you back 2 way st.

  • kiflemariam February 7, 2012

    ash Amaniel Ade Welida Tmken alewuna alewana keriba iya kthalf ajokum ajona idey idka nbel nezom deki mokba-iti kene-itwom ab mekuna-iti, teberaber Imbah bel Eritrawi, ምልኪ ይፍረስ ፍትሒ ይንገስ!

  • SINGAPO-ERITREAN February 7, 2012

    HUGGUM BRHAN ,”ሽግለታ” ጌርካ ሓተላ ግለት ስለ ትብል ከምቶም ደቀ´ኣርብዓ ደቂ ዓድኻ፣ ብኡ ዲኻ ሓተላ ከም ምሳሌ ተጠቒምካሉ። ኢትዮጵያዊ እንተኾነ ነቲ ደፋእ ኣድጊ ኢሳያስ ይቐርቦ። ፣ ኣነ ኣንኳይ ሓደ ሸያጥ ሓተላ ግለት ፣ እቶም ከም ጋቢ ዝተጣበቑ ወገናውያን ክርስትያን ሳሆ፣ ከማን ጠጠው ኣየበሉንን።ተመልከተለይ ኢሉ ዝትኩስ ጅግና ሓማሴናይ ኢየ ዝፈልጥ ኣነ። ሕጂ ግን ወገናውያን ተመልከተለይ ኢሉ ዝሕሱ ሓማሴናይ ተሪፍኩም ፣ ነቲ ኣውራጃይ ኣጽሪፍኩሞ።ኣደ ብደቃ እንዳተቓጸለት፣ ደቀንስትዮ እናተዓመጻ፣ ሸያብ ኣቦ እንዳትኣስረ፣ መታን “መንካዕ” ከይሕዝዋ ስልጣን ኢለ፣ ንወዲ ኣውራጃይ ኢሳያስ ኣይሕግዝን። ውይ ንሓማሴናይሲ ዘየጥዕመሉ ወገንነት። ትማሊ ትማሊ ሰብ ደቂ 40 እናበለ ከም ዓጋመ ይቖጽረኩም ኔሩስ ሎሚ ሕሉፋት ኤርትራውያን ክትኮኑ። ነቶም ሕልናን ልብን ዘለና፣ በቲ ዝርድእዎ ቋንቋ ክርድኦ ኢለ እየ። ንኢሳያስ ዝድግፍ ናይ መንነት ቅልውላው ዘለዎ ወዲ ኣርብዓ ጥራይ እዩ።

  • SINGAPO-ERITREAN February 7, 2012

    ክቡር NORWAY ,
    ብኡ እኳ እዮም ተላኢኾም ብዙሕ ጭራ ኢሳያስ ከም ዘሎ ከምስሉ ዝደልዩ ዘለዉ ። ለባማት ስለ ዝኾንና ግጡም እዩ ሽጣርኦም ። በጊዕ ክትሕረድ ከላ ፣ ሂወታ ክትሓልፍ ሰከንድታት ክተርፎ ከሎ ምሓይላ ዘሎ ስለ ትዝርግሖ ነቲ ገመድ በንጢሳቶ ከይትትስእ ኢኻ ትፈርህ። ግን ከይጸንሐት ትመውት። ሞት ሙዳዳ “ዘይቀሪ” እዩ። እቶም ተቓወምቲ ቀዲሞማ ስለ ዝሞቱ እዩ ዘሻቕለና፣ ምኽንያቱ ናይ ህዝቢ ስለ ዝግድሰና።እቶም ሕልና ዘለና ኣንጻር ቶርዓ፣ ወይ “መንካዕ” ስልጣን ከይትብሕቶ ኣይኮነን ዝዓጅበና፣ ብግንባር ቀደም፣ ዝግድሰና፣ ደም ንብ ዓት ናይ ኣደ፣ ኣውያት ት ዕመጽ ዘላ ጓል ኣንስተይቲ፣ እቲ ዘይስማዕ ብኽያት ናይቲ ኣብ ድፋዕ ዝኣርግ ዘሎ መንእሰይ እዩ።

    • hggum brhan February 9, 2012

      BEGEA KEM.OU KEMETGEBR FELITNAS ALO DO ANDABELNA ENA TSETSENIHNA CHEK NGEBREKA ZELENA.ATI GEMED TEGETATIRU DO ZELIQU NRAYO ALENA,KKKKKKKKK KKKK ENTAY MAATU U WEDEY.BELFEE ROGRAGAT AZE ALEM MEKERAA KTBELE KTNEBR DYA CAN? EWAY BAAL SHILET .

      • Mebrahtu February 9, 2012

        What aabout you, regrag shilet, it is not that your people or that mean it does not belong to you, then go to your tray. ktgasi zmetsaka tgraway go to your country.

  • HGDF February 8, 2012

    SINGAPO
    ነቶም መን ምኳንካ ንፈልጠካ ድላይካ እንተጸሓፍካ ኣይገርመናን እዩ። እቲ ዘሕዝን ግን ገሊኦም ከይፈለጡ ገሊኦም ከኣ መታን ንህግደፍ ክትጸርፈሎም ዝበልካ እንተበልካ ስቅ ኢሎም ምስማዖም እዩ።

    • SINGAPO-ERITREAN February 8, 2012

      HGDF ,

      I am flaterred to be known . Keep on commenting .I will not get personal ,neither would I back down of indirect threats.I do not insult PFDJ , I criticize ideas ,including mine.

      But thanks for the empty threat.

      • HGDF February 9, 2012

        I didn’t mean knowing you personally. And I am not interested to know personal backgrounds here. What I meant was you as a “character”. You can insult me no problem because you are just insulting a nickname. You can insult pfdj, no problem. They are there to be criticised (As I do to Bitsay Legesse Zenawi). After all, no one wants to waste his time by insulting jebha abay, or Guad Mengistu at this time (Muwut Aykisesin). What I don’t like about your comments is that you insult and give names to different parts of Eritrean people. And that would benefit no Eritrean. And no Eritrean will play such game unless he has evil wishes for Eritrea

        • ahmed saleh February 9, 2012

          Hgdf
          If you respond the same in civil way in this forum, we will
          learn and get closer eachother, I like that. We are small
          number comparing others and we could not afford to divide,
          respect.

        • SINGAPO-ERITREAN February 9, 2012

          HFDF,
          Be fair ,I am not crazy about the opposition either & I am against narrow minded regionalism on both sides .When you criticize ,please try to be accurate .Nobody is talking about a whole region ,it is understood ,it is the negative elements.

  • Tess February 8, 2012

    Amanuel i think you are not a polatican you must stop this kind of lies you are not helping thoes people who fight for democracy. HGDf show you the Picture in last saturday meting in Londan
    every must see in meskerem web. Asenna you make the opposition sham.

  • sara February 9, 2012

    what do you expect from a traitor…and traitors..

  • danny happy February 9, 2012

    good job amaniel eyasu we are on your side regim in eritrea about to fail each eritrean must help damping in the trash all brain washed narow mind isaias supporter must go we need quike regim change

  • simon haile February 9, 2012

    ኣማኑኤል ኢያሱ GET YOUR FACTS RIGHT.

    Foreign Office SAID

    Minister Henry Bellingham met with the Eritrean Delegation to discuss a range of issues including the UK’s bilateral relationship with Eritrea.

    ኣማኑኤል SAID

    ኪንደይ ይሕሱ?
    በቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብምትሕብባሮም ከምዝተገብረ ዝሕመ ቅትለት 5 ኤሮጳውያን ቱሪስትን፡ መጭወይቲ ናይ 2 ካልኦትን ንመግናሕቲ ከምዝተጸውዑ ይንገር።

    ኪንደይ ይሕሱ?

    tHANK YOU

Post a Reply to mehari ted Cancel Reply