እኳ ተስፋ
እኳ ተስፋ ፍሥሓየ መብራህቱ © copyright 2003 ክንዲ ንፋዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ኣጽንዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ‘ገናዕ ክንዲ ተስፋ ቀትሪ ኣውያት ለይቲ ግፋ ሰስሒብካ ናብ “ዓጌፋ” ዒም ዝበለ ብማሕጎፋ ኤርትራናስ ‘ንታይ ለኸፋ ዘይርከባ እኳ ተስፋ። እምበይተይ ኤረ ብዛዕባኺ ‘ንታይ ይውረ ጸጽቡቕኪ ምስተቐብረ ‘ቲ ሠናይኪ ተባረረ በረኸትኪ ኔው ሰፈረ ‘ተን ጥሪትኪ ኮይነን ዓረ ቅቡጽ ተስፋ ዘይዕረ ‘ቲ
እኳ ተስፋ
ፍሥሓየ መብራህቱ © copyright 2003
ክንዲ ንፋዕ
ክንዲ ተስፋ
ክንዲ ኣጽንዕ
ክንዲ ተስፋ
ክንዲ ‘ገናዕ
ክንዲ ተስፋ
ቀትሪ ኣውያት
ለይቲ ግፋ
ሰስሒብካ ናብ “ዓጌፋ”
ዒም ዝበለ ብማሕጎፋ
ኤርትራናስ ‘ንታይ ለኸፋ
ዘይርከባ እኳ ተስፋ።
እምበይተይ ኤረ
ብዛዕባኺ ‘ንታይ ይውረ
ጸጽቡቕኪ ምስተቐብረ
‘ቲ ሠናይኪ ተባረረ
በረኸትኪ ኔው ሰፈረ
‘ተን ጥሪትኪ ኮይነን ዓረ
ቅቡጽ ተስፋ ዘይዕረ
‘ቲ ግናይኪ ዓለም ዞረ
ወሊድኪ’ምበሪ
በዓል ሰሪ
እከይ ግብሪ
ሠራሕ ነውሪ
ጸፋር እግሪ
ተዓንቃፋይ
ተነቃፋይ።
ፈሊጥኪዶ
ብሰንኩዩ ‘ቲ መርገምኪ
ዝሓሰመ ‘ቲ መሬትኪ
ለምዒ ይመስል
ልሙዕ ሳዕሪ
ምስ ‘ትረግጾ
ከም ካኺቶ
ኣሻዅ ቆጽሊ
ተዋጋኣይ
ተታዃባይ – ተናዳፋይ
ኵሉ ወዮ ከንቱ ተስፋ።
dan February 27, 2015
Wel done keep it mate
change February 28, 2015
Excellent brother