Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እኳ ተስፋ

እኳ ተስፋ   ፍሥሓየ መብራህቱ © copyright 2003 ክንዲ ንፋዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ኣጽንዕ ክንዲ ተስፋ ክንዲ ‘ገናዕ ክንዲ ተስፋ ቀትሪ ኣውያት ለይቲ ግፋ ሰስሒብካ ናብ “ዓጌፋ” ዒም ዝበለ ብማሕጎፋ ኤርትራናስ ‘ንታይ ለኸፋ ዘይርከባ እኳ ተስፋ።   እምበይተይ ኤረ ብዛዕባኺ ‘ንታይ ይውረ ጸጽቡቕኪ ምስተቐብረ ‘ቲ ሠናይኪ ተባረረ በረኸትኪ ኔው ሰፈረ ‘ተን ጥሪትኪ ኮይነን ዓረ ቅቡጽ ተስፋ ዘይዕረ ‘ቲ

እኳ ተስፋ

 

ፍሥሓየ መብራህቱ © copyright 2003

ክንዲ ንፋዕ

ክንዲ ተስፋ

ክንዲ ኣጽንዕ

ክንዲ ተስፋ

ክንዲ ‘ገናዕ

ክንዲ ተስፋ

ቀትሪ ኣውያት

ለይቲ ግፋ

ሰስሒብካ ናብ “ዓጌፋ”

ዒም ዝበለ ብማሕጎፋ

ኤርትራናስ ‘ንታይ ለኸፋ

ዘይርከባ እኳ ተስፋ።

 

እምበይተይ ኤረ

ብዛዕባኺ ‘ንታይ ይውረ

ጸጽቡቕኪ ምስተቐብረ

‘ቲ ሠናይኪ ተባረረ

በረኸትኪ ኔው ሰፈረ

‘ተን ጥሪትኪ ኮይነን ዓረ

ቅቡጽ ተስፋ ዘይዕረ

‘ቲ ግናይኪ ዓለም ዞረ

ወሊድኪ’ምበሪ

በዓል ሰሪ

እከይ ግብሪ

ሠራሕ ነውሪ

ጸፋር እግሪ

ተዓንቃፋይ

ተነቃፋይ።

 

ፈሊጥኪዶ

ብሰንኩዩ ‘ቲ መርገምኪ

ዝሓሰመ ‘ቲ መሬትኪ

ለምዒ ይመስል

ልሙዕ ሳዕሪ

ምስ ‘ትረግጾ

ከም ካኺቶ

ኣሻዅ ቆጽሊ

ተዋጋኣይ

ተታዃባይ – ተናዳፋይ

ኵሉ ወዮ ከንቱ ተስፋ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • dan February 27, 2015

    Wel done keep it mate

  • change February 28, 2015

    Excellent brother

POST A COMMENT