Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እቶም ክልተ፣ ዕላምኦም ሓደ፣ መልሓሶም ዓሰርተ መን’ዮም?

እቶም ክልተ፣ ዕላምኦም ሓደ፣ መልሓሶም ዓሰርተ መን'ዮም? ብስራት ኣየናይ ኢዩ? ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል (ሰባር ካርሸሊ) ካብ'ቲ ን15 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተመቚሑሉ ዝነበረ ቤት-ማሕቡስ ውልቀ-ምልኪ ብትብዓት ፈንጢሱ ድሕሪ ምውጽኡ ጥዑም ድሃዩ ክንሰምዕ ምብቃዕና ድዩ፣ ኢሰያስ

እቶም ክልተ፣ ዕላምኦም ሓደ፣ መልሓሶም ዓሰርተ መን’ዮም?

ብስራት ኣየናይ ኢዩ? ጅግና ኤርትራዊ ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል (ሰባር ካርሸሊ) ካብ’ቲ ን15 ዓመታት ብዘይፍርዲ ተመቚሑሉ ዝነበረ ቤት-ማሕቡስ ውልቀ-ምልኪ ብትብዓት ፈንጢሱ ድሕሪ ምውጽኡ ጥዑም ድሃዩ ክንሰምዕ ምብቃዕና ድዩ፣ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ኣብ’ቲ ኣብ 24 ግንቦት ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስምዖ መደረ፣ “ምንዳፍ ቅዋም ክጅመር” ምዃኑ ምሕባሩ? ብርግጽ እቲ ምስ ጅግና ደጀን ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ኢዩ ብስራት! ነቲ ናይ ኢሰያስ ዘረባ ካብ ኣፍ ባሃሊኡ ክወጽእ ምስማዕ ዘደንጹ ነገር’ኳ እንተዘይነበሮ፣ ብስራት ሒዙ ከምዝቐረበ መሲሉ ክርአ ምህራፉ ግን ዘይገረሞ ኤርትራዊ የለን ኢልካ ተኣማሚንካ ምዝራብ ይክኣል ኢዩ።

ነዚ እቲ ውልቀ-መላኺ ኣብ’ዚ ዓመት ዝበሎ፣ ምስቲ ኣማኻሪኡ የማነ ገብርኣብ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽንያት መዓልቲ ናጽነት ምስ ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፣ ንቕዋም ዝምልከቱ ዝቐረቡሉ ሕቶታት እንክምልስ ዝበሎ ምስ ተነጻጽሮ ድማ ነቲ ብትርግኛ ዝተዛረቦ ዝትርጉመልካ ተዛራባይ ትግርኛ ከተናዲ ትግደድ።

ኣማኻሪ ኢሰያስ የማነ ገብርኣብ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኣትላንታ ተረኺቡ፣

“ዝቐረበት ሕቶ ንቕዋም ትምልከት ኢያ። ምስኣ ተኣሳሲራ’ውን ሕጊ ኣብ ሃገርና ክህሉ’ለዎ ዝብል ዝቐረበ ነጥቢ ነይሩ። ብቐዳምነት ክብሎ ዝደሊ ኣብ ኤርትራ ቅዋም ኣሎ። የለን ኢልና ክንዛረብ ቅኑዕ ኣይመስለንን። ኣብ ኤርትራ ቅዋም ኣሎ። እዚ ቅዋም’ዚ ካብ 93 94 ጀሚሩ ብመስርሕ ሓሊፉ ኣብ 97 ብወግዒ ዝጸደቐ ቅዋም ናይ ኤርትራ ኢዩ። እዚ ኣብ 97 ዝጸደቐ ቅዋም ድማ ዝተሓትመ ቅዋም’ዩ፣ ሰነድ’ዩ፣ ወግዓዊ ሰነድ’ዩ፣ ከነንብቦ፣ ከነጽንዖ፣ ክንፈልጦ ከኣ ዝግብኣና ሰነድ’ዩ። ስለዚ ኣብ ሃገርና ቅዋም ከምዘየለ ጌርና ክንዛረብ ቅኑዕ ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝቐርብ ክስን ዝቐርብ ጠቐነን ኣባና ከልግብዎ ዝፍትኑ ነገር ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ቅዋም ዘይብላ ሃገር’ያ ኤርትራ። ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ ኢያ። ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ዘይብላ ሃገር ኢያ። ኤርትራ ከምዚ ኢያ ከምዚ ኢያ እናተባህለ ሓደ ስእሊ ብዛዕባና ክፈጥሩ ስለዝፍትኑ ዘቕርብዎ ዘረባ ኢዩ። ሕጂ’ቲ ኩሉ ግዜ ዝገርመና ዘረባ እንታይ’ዩ ንሕና ቅዋም ኣለና። ቅዋም ዘይብለን ሃገራት ከኣ’ለዋ። ብዙሓት ካብ’ዘን ጎረባብትና ቅዋም ዘይብለን ሃገራት’የን። ሕጂ እዘን ሃገራት’ዚኣተን ቅዋም የብለንን ተባሂሉ ክዝረብ ሰሚዕኩም ዶ ትፈልጡ?” ክብል ነቶም ተሳተፍቲ’ቲ ሰሚናር ሕቶ ብምቕራብ፣ ነቲ ዝበሎ ከስተማቕሩዎ ከምዝድለየ ዘረባ ከይቀጸለ ነዊሕ ህጣሙ ኣጥፊኡ ጸንሐ።

እምብኣር ኢሰያስ ኣፍወርቂ፣ ነቲ ዓሚ የማነ ገብራኣብ ኣሎ ኢሉ፣ ነቶም ካብ ምንዳፉ ክሳብ ምጽዳቑ ብወግዒ ዝተኸታተሉዎ’ሞ ከምዘይተተግበረ ግርም ገይሮም ዝፈልጡ ኤርትራውያን ኣፉ መሊኡ ዝሞጎተሉ ጉዳይ ቅዋም ንድሕሪት ናብ ምንዳፍ ገጹ ክኸይድ ምዃኑ ብምሕባር፣ ንወዮ ኣማኻሪኡ ዝበሎ ብቐጥታ ክጻረሮ ኢዩ ተራእዩ። ቅዋም እንተድኣ ሃልዩ ድኣ ስለምንታይ ኢዩ ቅዋም ምንዳፍ ኣድልዩ? ናይ ኢሰያስ ነገር ስለዘይፍለጥ ግን ምናልባት ደቂሱ ከሎ’ዩ ዝዛረብ ነይሩ ዝኸውን ኢልካ ድማ ዓው ኢልካ ትሓስብ።

ኣብዚ’ምበኣር ኣማኻሪ ድዩ ተጋግዩ ዘሎ ተመካሪ? ስለምንታይ ከ እዞም ክልተ ሓደ ዕላማ ዘለዎም ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ካብ ክልተ መልሓስ ንላዕሊ ክዛረቡ ይስምዑ’ለዉ ዝብል ሕቶታት ንግዚኡ ንጎኒ ገዲፍና፣ ኤርትራ ቅዋም ዘለዋ ሃገር እንተድኣ ኮይና ስለምንታይ ኤርትራዊ ደጀን ዓንደ ሕሸል ብዘይፍርዲ ገበኑ እንታይ ከምዝኾነ ከይፈለጠ፣ ኩሉ ሰብኣዊ መሰላቱ ተገፊፉ ን15 ዓመታት ኣብ’ቲ ዜጋታት ገበኖም ክሳብ ዝጻረ ክጸንሑሉ ዝግባእ ዝነበረ ካርሸሊ ተመቚሑ? ኤርትራ ቅዋም ዘለዋ ሃገር እንተድኣ ኮይና፣ ስለምንታይ ብትሑት ገምጋም 10ሽሕ ዝኾኑ ናይ ሕልና እሱራት ዝኾኑ ዜጋታት ልክዕ ከም ናይ ደጀን ዕጫ በጺሑዎም ኣሎ ዝብሉ ሕቶታት ምሰልዓልና ጥራሕ እቲ ሕቶ ንገዛእ-ርእሱ መልሲ ኮይኑ ክንረኽቦ ባህርያዊ ኢዩ። ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ሓደ ሰብ ሰሪቑ እንተተባሂሉ፣ ገበኑ መርሚሩ ፍርዲ ሂቡ፣ ኢዱ ዘቑርጾ ሰብ ኣሎ።

እዚ ማለት ከኣ ኣብ ኤርትራ ብ1997 ዓመተምህረት ዝጸደቐ ቅዋም ይሃሉ’ምበር፣ ኣብ መንጎ ጸዲቑን ተተግቢሩን ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ ስለዘሎ፣ እቲ ዘጸደቐ ግን ከኣ ከይተተግበረ ዝተረፈ የማነ ገብርኣብ ‘ህያው ሰነድ’ ብምዃኑ ክንዓግበሉ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ክንየተሉ ዘዳፍኣና ቅዋም ኣብ ወረቐት ጥራሕ ዝነብር ስለዝኾነ፣ ኤርትራ ብርግጽ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነት፣ ኣብ’ቲ ቅዋም ናይ ዘይብለን ሃገራት ደምበ ካልኣይቲ ዘይብላ ቆሪራ በይና ሕልምልም ክትብል ትንብር ዘላ ሃገር’ያ ማለት ጥራሕ ኢዩ። እቲ ቅዋም እንተዝትግበር እቲ ጉዳይ ካልእ ምኾነ ነይሩ።

የማነ ገብርኣብ፣ ኣብ’ቲ ኣብ ኣትላንታ ኣብ 2013 ዘስምዖ መደረ፣ “ገሊአን (ቅዋም ዘይብለን) ሃብታማት ሃገራት (ስዑዲ ዓረብ) ዳርጋ ኩለን ምስ ኣመሪካ ምስ ምዕራብ ጽቡቕ ዝምድና ዘለወን ሃገራት” ብምጥቃስ፣ ቅዋም ዘይብለን ተባሂለን ኣብ ናይ ኤርትራ ምድብ ብዘይምስርዐን ከስተማስልን ባዕላዊ ትንታነኡ ክህብን ዝተሰምዓሉ ኩነታት’ውን ነይሩ። ሓንቲ ካብ’ተን ስመን ዘይረቑሐን ሃገራት ስዑዲ ዓረብ፣ ብሻሪዓ ትምራሕ ሃገር ኢያ።

ቅዋም ማለት ብቐንዱ፣ ሓደ መሰረታዊ ምስ ግዜን ኩነታትን እናተማሓየሸን እናሃብተመን ክኸይድ ዝኽእል ካብኡ ሓሊፉ ግን መተካእታ ዘይብሉ ሕጋጋት ናይ ሓንቲ ሃገር ዝሓዘ፣ ነቲ ዝምርሓሉ ህዝቢ ስሩዕ ቅርጺ፣ ስልጣንን ዕማማትን መንግስቲ ከምኡ’ውን መሰላትን ግቡኣትን ዜጋታት ክግንዘብ ዘኽእሎ ሰነድ ኢዩ። ብኸም’ዚ መንጽር እንክርአ፣ ቅኑዕ ድዩ ግጉይ ዝብል ሕቶ ካልእ ኣርእስቲ ኮይኑ፣ እቲ ኣማኻሪ’ቲ ውልቀ-መላኺ መሓዛ ኣመሪካ ስለዝኾነት’ምበር፣ ንሳ’ውን ኮ ቅዋም የብላን ዝበላ ስዑዲ ዓረብ ከም ሃገር ትምራሓሉ ሕጊ ኣለዋ። ኩለን ካልኦት ሃገራት ድማ ከምኡ ዝተጻሕፈን ዘይተጻሕፈን ዝተፈላለየ መጸውዒታት ዝውሃቦ መትከላተን ዘንጸባርቕ ኣብ ባይታ ዝሰርሓሉ መምርሒታት ኣለወን። ንሱ ከኣ’ዩ እቲ ወሳኒ።

ናብ ጉዳይ ሃገርና ምስ ንምለስ፣ ንኤርትራ ቅዋም ዘይብላ ብምዃና ምስ ሓንቲ ዓንዲ ዘይብላ ህድሞ ከነመሳስላ ንኽእል ኢና። ሓንቲ ህድሞ ዓንዲ ዘይብላ እናኾነት፣ ናሕሲ ብኢድካ ደጊፍካ ሒዝካ ተጽልለኒ ስለዘላ ህድሞ ኣላትኒ ክትብል ዝክኣል ኣይኮነን። ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ብኢድካ ደጊፍካዮ ዝጸናሕካ ናሕሲ ወዲቑ ክጸቕጠካ ምዃኑ ዝተፈልጠ ነገር ኢዩ። ናይ ኤርትራ ነገር ድማ ካብዚ ዝፈሊ የብሉን። ከም ወዮ ጅግና ደጀን ዓንደ ሕሸል ዝበሎ ፍትሒ ንረጋጺኣ ስለተጥፍእ፣ እቲ ገለን ፍትሒ ስኢኑ እቲ ገለን ፍትሒ ረጊጹ ሃገር ኣብ መንጎ’ዚ ክልተ ጫፋት ተማቓቒላ ፋሕ ምባላ ክተርፋ ኣይኮነን።

እታ ሃገር ዓንያ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታት ግዳይ ገይራ ጥራሕ ዘይኮነት፣ ብብዙሕ መዳያት ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ህላወኣ ብቐንዱ ካብኡ ቀጺሉ ከኣ ዳግማይ ካብ ትሕቲ መሬት ኣውጺእካ ምህናጻ ይክኣል ድዩ ኣይፋሉን ዝብሉ በዳህቲ ሕቶታት ኣብ ምቕራብ ኢያ ትርከብ ዘላ። ኣብ’ዚ እዋን ናይ ኤርትራ ጉዳይ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዘይኮነ ሰብኣዊ ቅልውላው’ዩ። ድሕነት ህዝብን ሃገርን ድማ ቀዳምነት ናይ ኩሉ ቀዳምነታት ኮይኑ ክርአ ዘድልዮ እዋናዊ ሕቶ ኢዩ።

እዚ ምናልባት ንየማነ ገብርኣብን ኢሰያስ ኣፍወርቅን ክቕበሉዎ ዘጸግሞም መደምደምታ ግን ብኸመይ ኢዩ ተበጺሑ? ሓደ ዝተደመሮ ክልተ ሰለስተ ምዃኑ ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ ዘሎ ቆልዓ ዝፈልጦ ኢዩ። በዚ መንገዲ ሓደ ከማይ ብሃምን ዘይተማህረን’ውን እንተኾነ፣ ሓንቲ ሃገር ንህዝባ ኣስተርሕዩ ዝነብረላ ቤት ክትከውን፣ መንገዲ ብልጽግና ሒዛ ንቕድሚት ክትምርሽ ዘኽእላ እንኮ ኣማራጺ ጥራሕ ከምዘለዋ ኣይጠፍኦን’ዩ። እዚ ድማ ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ምትካል ኢዩ።

ኤክሰከቲቭ ዳይረክተር ማእከል ሲቪካዊ ትምህርቲ ቻርለስ ኤን. ኲንግለይ ንቕዋማዊ ዲሞክራሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፣ ቅዋማዊ ዲሞክራሲ ብቐጥታ ንሕጊ-ኣልቦነት፣ ዘይግባእ ሓለፋን ወጽዓን ዝጻረር ምዃኑ ኣስፊሩ ኣሎ። ብመሰረት ጽሑፉ፣ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ኩነታት ህዝቢ ብድምጹ ክመርሖ ዝደለዮ ወገን ብምምራጽ ቀንድን ዝለዓለን ስልጣን ናይ መንግስቲ ይውንን ማለት ኢዩ። ብድምጺ ብልጫ ተዓዋቲ ምዃን ማለት ግን መሰል ኩሎም ንኡሳን-ጉጅለታትን ውልቀ-ሰባትን ኣይዋሓስን ማለት ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ስልጣን መንግስቲ በቲ ዝምእዘዞ፣ ብሕጊ፣ ጽሑፍን ዘይጽሑፍን ቅዋም፣ ከምኡ’ውን ብትካላውን ግብራውን ኣገባባት ዝውሰን ይኸውን። ኣብ’ዚ ሓላፍነት፣ ኣብ ዝተፈላለያ ጨናፍር ወይ ትካላት መንግስቲ ብምክፍፋል፣ ነፍሲ-ወከፍ ጨንፈር ወይ ትካል ዝተወሰኑ ዕማማት ከተሰላስል ዘኽእላ ሓላፍነት ይውሃባ ማለት ኢዩ። ሓጋጊ፣ ፈጻምን ፈራድን ኣካል ተባሂሎም ድማ ርእሶም ክኢሎም ግን ከኣ ምስ ካልኦት ጨናፍር እናተሓጋገዙ ይነጥፉን ንሓድሕዶም ይትሓላለዉን። ቅዋም ብዝሕግጎ መሰረት ምርጫታት እናተኻደ ድማ ስልጣን ብሓደ ውሱን ኣካል ካብ ምብሓት ከምዝድሕን ይግበር። በዚ መንገዲ ድማ መሰል ዜጋታት ሕሉው ኮይኑ ይኸይድ።

ሃገር ሓደ ፖለቲካዊ ኣምር ክሳብ ዝኾነ፣ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ከም ሃገር ኣላ ክትብላ ዝኸብድ ኢዩ። ነቲ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ክጻወት ዝመረጸ ዝኾነ ወገን ክምርሓሉ ዘለዎ ሓደ ፖለቲካዊ ሕጋጋት ዝሓዘ መጽሓፍ ድማ ኣሎ። ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ሓንቲ ሃገር ዝሳተፉ ብምርጫ ህዝቢ ይኹን ብሓይሊ ስልጣን ዝሓዙ ደቂ-ሰባት ክሳብ ዝኾኑ’ሞ ከኣ ደቂ ሰባት ኣብ ስራሕ እንክዋፈሩ ጉድለታት ክህሉዎም ባህርያዊ ስለዝኾነ፣ መቆጻጸሪ ኣገባባት ኣብ ዘይሃለወሉ ግዜ ግዳይ ዝኸውን፣ እቲ ሃገር ምእንትኡ ክትህሉ ዘድሊ ህዝቢ ስለዝኾነ ቅዋም ዘይብላ ሃገር ሕጋዊ ህላወ ኣለዋ ምባል ኣሸጋሪ ኢዩ።

በዚ መንጽር እንክርአ፣ ውልቀ-ምልካዊ መራሒ ናይ’ታ ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ቀንዲ ተጻባኢ ሕጋውነት ስርዓቱ ኮይኑ ኢዩ ንዓመታት ክዕንድር ጸኒሑን ዘሎን። ዕብለላን ጭፍለቓን ‘ሕጋዊ’ ንምግባር’ውን እንተኾነ ሓደ መሰረታዊ መምርሒ ክህልወካ የድሊ። እዚ ከይኮነ ምስዝተርፍ ግን እቲ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ውልቀ-ሰብ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ክቱር ንዕቀት ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ኢዩ።

እዚ ግን ሓድሽ መዓስ ኮይኑ? ሎሚ ወይ ትማሊ ዘይኮነ ንልዕሊ 40 ዓመታት ማዕረ-ማዕረ ውልቀ-ምልኩ እናጎበዘ ክመጽእ ዝጸንሐ ኣብ’ዚ እዋን ድማ ኣብ ደረጃ ዕብዳን ዝበጽሐ’ምበር!

ኢሰያስ ኣፍወርቂ ዜጋታት ግቡእ ጥራሕ ዘይኮነ መሰል’ውን ከምዘለዎም፣ ስርዓቱ ድማ ሓላፍነት ዝተሰከመ ንህዝቢ ከገልግለሉ’ምበር መሰል ዜጋታት ክህሰሉ ከምዘይኮነ፣ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ተሰቊሩዎ ኣይፈልጥን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግን ልቢ ዕብዩ፣ ካብ ሎሚ ጽባሕ፣ ካብ ዓሚ ድማ ንዓመታ ክሓይሽ’ዩ እናበለ፣ ቁጽሪ ግዳያቱ ባዕሉ ኣፍ ኣውጺኡ እናጨደረ፣ ሕቶ መሰል ሕቶ ዜጋዊ ሓላፍነት’ውን ምዃኑ ዘንጊዑ፣ ዘይጽወር ጸይሩ ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፍወርቂ “ፍሽኽታ ኣመለይ” እናበለ እንከዝይም፣ ብውሽጡ እናነብዐ ገጹ ፍሽኽታ ለኽዩ ክሓልፍ ኢዩ ተራእዩ። መሰል ግን መሰል ኢዩ። ንኹሉ ከኣ ብማዕረ ክባጽሖ ይግባእ። መሰል ንኹሉ ብማዕረ ኣብ ዘይተባጻሓሉ እዋን ግን ግንዖ ወይ ሓለፋ ዝረክብ ንኡስ-ጉጅለ ኣሎ ማለት’ዩ።

ዝኾነ ኮይኑ ግን ህዝቢ ኤርትራ ክቃለስ ኣይጸንሐን ማለት ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ግን ልኡም’ዩ ነይሩ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ጊላነት ዝተቖርኑ ዜጋታት ካብ ዝተመደቡሉ ኣሃዱታት ‘ምኹብላሎም’ ይኹን ብሓፈሻ ኣፍራይነት ዜጋታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ክኾኖ ከምዝነበሮ ዘይምዃኑ፣ ብሰፊሑ ዜጋታት ኣብ በቲ ስርዓት ዝውደቡ ሰሚናራት ሓሳቦም ካብ ምግላጽ ምቑጣቦም፣ ዝተፈላለየ ዓይነት ‘ጽምብላት’ ኣብ ዝህሉወሉ ግዜ ዜጋታት ተገዲዶምን ተፈራሪሖምን እንተዘይኮይኑ ክጽምብሉ ፍቓደኛታት ኮይኖም ዘይምርካቦም፣ ህዝቢ ንማዕከናት ዜና’ቲ ስርዓት እዝንን ገጽን ምኽልኡ፣ ኣብ ወርሒ በሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ሃገር ምውጽኦም….ወዘተ ዋላ ብዝተሓተ ደረጃ ይኹን ቃልሲ ምዃኑ ኣይተረፎን። ምስ’ቲ ልኡም ተቓውሞ ዝብሃል በዓል ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ጁንየር ዝተጠቕሙሉ ኣገባብ ዘመሳስሎ ረቛሕቲ ድማ ኣሎ። እቲ መሰረታውን ቀንድን ካብኡ ዝፍለየሉ ረቛሒ ግን ንሕና ከም ህዝቢ ነቒሕና ብመደብ ዝገበርናዮ ተቓውሞ ወይ ቃልሲ ዘይምዃኑ ኢዩ። እዚ ድማ’ዩ ንቓልስና ከሰናኽሎ ጸኒሑ ዘሎ።

ብዘይካ’ዚ ግን እቶም ፍትሒ ናይ ምርካብ መሰሎም ተጋሂሱ ከም ጅግና ፓይሎት ደጀን ዓንደ ሕሸል (ሰባር-ካርሸሊ) ብዘይ ዝኾነ ዜጋዊ ጥራሕ ዘይኮነ እንተላይ ሰብኣዊ መሰል ንዓመታት ዝተመቚሑ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራትና’ውን ካብ ቃልሲ ኣየዕረፉን። ነፍሲ-ወከፎም ድማ በቲ ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን በቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ ገበንን ብኣማኢት  ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓለስቲ የፍርዩን ይምልምሉን ምህላዎም ክንስሕቶ ኣይግባእን።

ተባዕ፣ ክቡር፣ ለባም፣ መስተውዓልንን በሊሕን ሓውና ደጀን’ኳ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዝተፈጸመ ገበን ከይዓርዓረ፣ ናይ ምምዝዛን ዓቕሙ ብጽልኢ ዓመጽቲ ከይደብዘዘ፣ ንህዝቡን ንሃገሩን ብዘለዎ ዓምዩቕ ፍቕርን ሓልዮትን ቃል ፍቕሪ፣ ቃል ሓቅን ፍትሕን ቃል ትብዓት፣ ቆራጽነትን ሓቦን ኣስሚዑ፣ ንዓና ኤርትራውያን ምስ’ቲ ተባኢስናዮ ዝጸናሕና ኤርትራውነት ኣታዓሪቑ ናብ ልብና መሊሱ፣ ናይ ቃልሲ ወንና ኣበራቢሩዎ ኣሎ። እዚ’ውን ንገዛእ ርእሱ ኣካል ናይ’ቲ ቃልሲ’ዩ።

እቲ ልኡም ዝበልኩዎ ቃልሲ ግን ኣዝዩ ረዚን ዋጋ ኢዩ ዝሓተና ዘሎ። እቶም ኩሎም ገና ዶባት ኤርትራ ከይሰገሩ ዝተረሸኑን ተታሒዞም ዝተመቑሑን፣ ኣብ ባሕሪ፣ ሲናይ፣ ምድረበዳን ካልእ ረጊጾሞ ዘይፈልጡ በረኻታትን ጎዳጉድን ናይ’ዛ ዓለም ዝጠፈኡ ዘለዉ ገና ዘይተወልዱ ዕሸላት ዝርከቡዎም ወገናትና ከኣ ኣካል ናይ’ቲ ኣብ’ዚ ቃልሲ ንኸፍሎ ዘለና ረዚን መስዋእቲ ኢዮም። ንሕና ከም ህዝቢ ብሓይሊ ኣጽዋርን ትርነዐን ተለሊና ኣይንፈልጥን ኢና እንትርፎ ብሓቦ። ብጽልእን ብዕሽነትን ተረቚሕና ኣይንፈልጥን ኢና እንትርፎ ብሓልዮት፣ ፍቕርን ልቦናን። ብዓመጽን ጎነጽን ተለሊና ኣይንፈልጥን ኢና እንትርፎ ብምእዙዝነትን ሰላምን። ብትብዓት፣ ብቖራጽነት፣ ብንስለህዝቢ ህይወትን ካልእ ኩሉ ዓይነታት መስዋእቲ ምኽፋል ኢና ንፍለጥ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቁሩብ እዋናት ግን ገና ዘይተወልደ ዕሸል መስዋእቲ ክንከፍል ተራኢና ኣለና። ምእንታና ምእንቲ ኤርትራውያን ምእንቲ ፍትሕን መሰልን በጃ ዝሓለፈ ዘይተወልደ ዕሸል ኣሎ። እዚ ዕሸል ግን ከም ኩሎም ካልኦት ዘይተወልዱ ዕሸላት ዕጫኡ ዘልዕለሉ መዓልቲ’ኳ ከይኣኸለ፣ ብዕጫኡ ዘይኮነ ብዕጫና ኢዩ ተረቲዑ።

ዕጫና ከም ሰባትን ከም ዜጋታትን ብሓደ ብናይ’ዛ ዓለም ሕግታት ንምቕያድ ዕጭ ዝሓንፈፈ፣ ቀይዲ-በተኽ ብምዃኑ ዓለም ዝኽዓበቶ፣ ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን እዚ ክብሃል ዘይክኣል ወጻኢታትን ብ1997 ዓ/ም ዝጸደቐ ቅዋም ምትግባር ተሓሲሙ፣ ፍትሒ ናይ ምርካብ፣ ሓሳብ ምግላጽ፣ ምስራሕ፣ ምእማን፣ ምንቅስቓስ፣ ምጥርናፍ…ወዘተ ሰብኣውን ዜጋውን መሰላትና ገፊፉ ንህዝብና ጅሆ ዝሓዞ ዓንዳሪ ንግዛእ ምህላውና ኢዩ። እዚ ግን ጽሕፍቶና ናብ ዋንነትና ክንመልስ ኣይንኽእልን ማለት ኣይኮነን። ነቒሕና፣ ይኣክል ኢልና ወሲንና ክንልዓል ጥራሕ ኢዩ ዘድልየና።

እንተ’ቶም ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጊላ ኮይኑ ክነብር ተፈሪዱ እናሃለወ፣ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብስቓይ እናእወዩ፣ ዝተረፉ ኣብ ፍርቂ ጉዕዞ ኣብ’ቲ ናይ ሞትን ህየትን ፈታኒ እዋን ረዳኢ ኣድህዮም መልሲ ከይረኸቡ ህይወቶም እናሓለፈት፣ ኤርትራ ኣበይ ከምትርከብ ዘይፈልጡ ጓኖት’ኳ ነቲ ኩነታት ተገንዚቦሞ እናጓሃዩ፣ ምስ’ቲ ንህዝብና ኣብ ክሳዱ ረጊጹ ንሃገርና ኣብ ጸድፊ ዘንከራርዋ ዘሎ ኢሰያስ ወጊኖም፣ ንዕሽነቱ ከም ልቦና፣ ንንዕቀቱ ከም ክብሪ፣ ንስንፍናኡ ከም መንፋዓት፣ ንፍርሑ ከምትብዓት፣ ንዕብዳኑ ከምፍልስፍና እናተርጎሙ ነብሶም ዘታልሉ ወገናትና ግን እንታይ ክንብሎም? ኣሕዋትና ኢዮም። ምስ ውጹዕ ከምዝውገን ኣዘኻኺርናዮም እንተሓለፍና ግን ናብ ልቦም ግዲ ይምለሱ!

ንሕና ኤርትራውያን ካብ’ዚ ክቡርን ጅግናን ሓውና ደጀን ዓንደ ሕሸል ምስ ኣሰና ዝገበሮ ዕላል ብዙሕ ኢና ተማሂርና። እቲ  ኣዝዩ ዓብን ወሳንን ካብ’ዚ መንእሰይ ንምሃሮ ቁም-ነገር ከኣ ፍቕሪ ኢዩ። ብኽሑን ጽልኢ ዝዓኑ’ምበር ዝህነጽ የለን። ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከም ሓደ ናይ ጸላኢ ሰብ ኣብነት ክውሰድ ይክኣል ኢዩ። ዘስዓቦ ዕንወት ከኣ ንኹልና ብዙሓት ብሉጻት ኣኽፊሉና ኣሎ። ገና ኣብኡ ከየብቅዐ’ውን እንሆ ን17 ዓመታት ዝጸደቐ ቅዋም ምትግባር ተሓሲሙ ከብቅዕ፣ ብስራት ሒዙልና ከምዝመጽአ “ቅዋም ምንዳፍ ክጅመር’ዩ” ክብል ኣብ 24 ግንቦት መርድእ ኣስሚዑና።

ስለ’ዚ ካብ ውልቃዊ ጽልእን ቅርሕንትን ውልቀ-መላኺን ስርዓቱን ተበጊስና ክንቃለስ እንተድኣ ሓሊንና፣ ኣብ’ቲ ኩሉ ከይበጻሕና ጽልእና ናይ ምምዝዛን ዓቕምና ዓፊኑ ብመጀመርያ ደረጃ ንዓና ኢዩ ከባኽነና። መበገሲናን ስንቅናን ፍቕሪ ህዝብናን ሃገርናን እንተኾይኑ ግን ነቲ ሻቡ ቦኽቢኹን መሽሚሹን ዘሎ ስርዓት ቀቢርና፣ መሰረታውን ነባርን ፍታሕ ከነረጋግጸሉ ዘይንኽእል ኣብነት የለን።

ኤደን ኢያሱ

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
30 COMMENTS
  • tesfankiel June 6, 2014

    excellent gual eyasu well done keep going on

  • slehaki June 6, 2014

    Some additional remarks to EDENA, the rubbish government after deliberately destroying institutions and institutional set up in Eritrea is now talking about the drafting of a constitution. It can be said good to raise such issues now but to draft and implement constitutions needs laws and bylaws such as the COMMERCIAL LAW, CIVIL, CRIMINAL, MARITIME AND THE LIKE. Theses laws have been drafted and and translated into Eritrean languages long time ago but the government has kept them pending till now. It was done by purpose as to create mess in the country.

  • Abraham Haile June 6, 2014

    Well constructed statement, well done Eden Eyasu. The rhythm looks similar to Amanuel Eyasu. Any relationship with him such as daughter, sister or not?

  • wedimeriet June 6, 2014

    A lot has been said,i think by now we should know that this brutal regime has come with the intention of destroying the culture and enrich yourself by any means.As of the gang leader he is a gifted liar and a Big Thief , never likes accountability unless to eliminate anybody who contradicts him.

  • ERITRAWIT June 6, 2014

    Well done Eden, ezey kem sefeye eu gmtele gmtele zble nsew zbelo kndegem meret yarbena alo.

  • eden eyasu June 6, 2014

    dear sisters and brothers, thank you for your encouragement and your input. slehaki, your point is well taken. thank you for bringing that up. you raise a crucial point there. as to the guy who is trying to make fun of single moms, i only say he does not know what he is talking about. single moms are unfortunate women who are forced to carry the burden of two in raising their kids. and their children usually grow up to be distinguished individuals because it is impossible for them to forget what their moms had to go through to provide for them. so you are insulting these brave women either because you are insensitive and narrow-minded or because you are a foolish man and you know you will never be a single mom. but you could be a single dad. as to your weyane rant, so what if i am a weyane? if i am not mistaken ‘weyane’ only means revolutionary. and who would not want to be a revolutionary?

    • slehaki June 6, 2014

      Dear Eden

      Thank you so much for the kind words. We will work together to bring justice and rule of the law in our beloved country.

      Cheers

  • Tesfa June 6, 2014

    This is not new for Issayas and Yemane monkey. They always lie and contradict with their previous statements, they strongly believe we the people
    of eritrea are ignorants,could not remember and associate things. But on the other side, it is unfortunately true it works always on their blind followers.

  • sina June 6, 2014

    Well done Eden

    We need to unite and go together.

    Please keep it up

  • yonas27g June 6, 2014

    BRAVA EDEN
    “KWEGHALNAYU”

  • kibrom June 6, 2014

    anafra kokah zeyfelitsy neyhadanay elom abotat megawulakin kulu kab megemeriya felitnayo kabti merahin amanuel athizkin abtihty eto komalat agame gumbih gumbih tebleo nwulkiken kedkin egrom kitlehseo tikeala ekin ente netom beritrawnetna nhiben misakum aytechemalkuna wedahankin wekaru

POST A COMMENT