Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣  ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ

እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣  ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ደብዳብ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘካየደቶ ጻዕሪ መሰርት፣ እቲ ናይ ነፍረቲ ደብዳብ፣ ብ 20 መጋቢት 2015 ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ ከምዝተፈጸመ ከተረጋግጽ ክኢላ አላ።

በቲ ደብዳብ ሓያለ ንብረት ናይቲ ዕደናዊ ትካል ክቃጸል ከምዝወዓለ ክረጋገጽ ከሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ‘ብስም ምጽራይ’ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ናብ’ቲ ብደብዳብ ዝተቓጸለ ከባቢ ንኸይቀርቡ ከልኪሉዎም ኣሎ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቢሻ ካብ ኣቑርደት ዝመላለሱ ብምዃኖም ፤ ንግሆ ንስራሕ ከይኣትው ተኸልኪሎም ምውዓሎም’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት። ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል “እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ሓደጋ ከይወርዶም ተሻቒሎም ከምዘልዉ ‘ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቲ ደብዳብ፣ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ካብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ አብ ማይ ዕዳጋ ዝብሃል ናይ ከቢድ ብረት መዓስከርን ዲፖ ነዳድን ‘ውን ብተመሰሳሊ ግዜን ሰዓትን ብዝተኻየደ ደብዳብ ከምዝተቓጸለ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የገንዝብ። ነዚ ደብዳብ’ዚ ብዝምልከት ኣሰና ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።

እቲ ወርቂ ቢሻ ዝመልኣሉ ነገር ስለዘይነበሮ ድሮ ዘይሕጉስ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ብወረወረ ምስ ሰምዖ “እቲ ዝነደደ ሓጻዊን ናይ ካናዳዊት ኩባንያ፡ እቲ ክሰራ ወርቂ ድማ ናይ ኢሳያስ እንድኣሉ” እናበለ ክዛረብ ይስማዕ ከምዘሎ ‘ውን እቲ ምንጭታት ሓቢሮም። ንቢሻ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ደቁ ብባርነት ዝምዝመዙላ፤ ሃብቲ ዝዝመተላ ቦታ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረከ ከም ሕዛእቲ ናይ ኢሳያስ ዝጥምትዋ ቦታ ‘ውን ኢያ።

እዘን ነፈርቲ ካብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ 450 ኪ.ሜ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየን ደብዳብ ክገብራ እንከለዋ፤ ዓቕሚ ምክልኻል ስርዓት ኢሳይያስ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ዘረጋግጸ ጭብጢ ኢዩ። ከምዝፍለጥ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ፓይሎታትን ክኢልታት ስርዓተ መከላኸሊ ኣየር፣ ራዳርን ሚሳይልን ዝነበሩ ሓይሊ ኣባላት ኣየር ኤርትራ ነቲ ስርዓት እናራሕርሑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቑባ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እቲ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዳኺሙዎን ኣንዒቑዎን ዝርከብ፣ ንርእሱ ‘ውን ምሉእብምሉእ ካብ ህዝቢ ትነጺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝኾነ ዝመጾ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ክውስድ ይትረፍስ፣ መግለጺ’ውን ክህብ ኣይክእልን ዘሎ። እዚ ድማ፣ እቲ ኩንታት ናህሪ ወሲኹ ለኪሙዎ ከይከይድ ፍርሒ ስለዘለዎ፣ ብምጽቃጥ ኣረሳሲዑዎ ክሓልፍ ካብ ዘለዎ ናይ ራዕዲ ኩነት ዝብገስ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
115 COMMENTS
  • Awet March 22, 2015

    Eway wurdet!

    Why are the regime supporters so quite about the news of papa Issias getting humiliated?

  • buruk March 22, 2015

    Habtom and Eritrawi ,what is wrong with you guys.the only way to solve Eritreans problem is via Ethopia.i know no body wants it that way but there is no other altrnative.fact talks louder than our wish so it is better to accept the reality.why do you think Tigrians want Eritrea back to Ethiopia?they are the ones who help us to liberate our country.but when we Eritreans saw the Tigrians down and under estimate them that what we got.ትምክሕቲ ንውድቀት ትቅድማ።ካብዚ ኤርትራ አትያቶ ዘላ ዓዘቅቲ ንምንታይ ዋላ ሸይጣንውን ዘይከውን ዝሕግዘና።to begin with we Eritreans cant even sit down and discuss our differences and move foreward to resolve the crises in our country.we are not civilized enough but we think we are.አብ ሙሉእ ዓለም ህዝቢ ንመሰሉ ክራባረብ ከሎ ኤርትራውያን ግን ኮፍ ኢልና ብዛዕባ ሽግርና ክንማያየጥ ኣይንክእልን ኢና። simply ሙዕበላትን ቆራጻትን አይኮንናን።it is already 50 years since Essayas is in power.no one in history of the world ruled for 50 plus years.can you see ማዕረ ክንደይ ጸገም ከምዘለና።ድልየት ጥራሕ ብዝይ ክውንነት ናይ coffee house ፖለቲካ ገዛ ዓጺካ ጸሐይ ምንዳይ እዩ።ERITREANS NEED TO BREAK THEIR FEAR AND UNITE.STOP THE STUPIDITY AND SAVE OUR PEOPLE.NO ONE WILL COME AND SAVE OUR PEOPLE.IF EACH OF US DIDNT CHANGE THE HOROR WILL COTINUE.

  • rezen March 22, 2015

    1. Big Assumption
    IF (and this a BIG IF) the story is true, Eritrea has reached a turning point with extraordinary implication. In short, one way or the other, Eritreans have forfeited their responsibility in the management of their ‘independent’ country. Reality on the ground is glaring — needing no narration.

    2. Destiny of Eritrea
    It has been said innumerable times that if Eritreans fail to come together in harmony and save their country, it is inevitable that, in modern interdependent world, external forces would shape the destiny of Eritrea — as, indeed, it has always been the history of Eritrea. That seems to be the Hallmark of Eritrea >> TRAGEDY

    3. Gallantry Against Reality
    We see in various commentaries, honest people defending the principle of self-determination, independence, liberty, freedom, gallantry,.. ad nausea. They are against external forces doing their ‘job’, completely oblivious of the fact that they have already forfeited that precious responsibility!And Eritrea is down flat on its face, not due to the old colonial rule but due to its indigenous absolute dictatorial regime. Again, no need for elaboration.

    Eritreans, in particular highly educated Eritrean scholars; graduate from Ivy League Universities in the Western World; Professors in Academic Institutions around the Globe; Authors of so many books and academic papers on varied subjects have failed to forgo their debilitating parochial matters and individual interests to save Eritrea!!! Simply put, they couldn’t be able to come together and formulate a road map for the salvation of Eritrea. This is a glaring fact that cannot be denied.

    4. Sad Conclusion
    Under the circumstances, Eritrea does not seem to have the luxury of choosing a road map. THE END

  • Mesinas March 22, 2015

    ‘ጃንዳ ህግደፍ ብወያነ ይቕጻዕ ኣሎ!’ ተባሂሉ።

    “እቲ ዘሕፍር፣ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት፣ ነዚ ኣሽንባይ ዶ ግብረመልሲ ክህብ ተተዅቡ ቂቕ ምባል ስኢኑ ዘሎ ምዉት ስርዓት “ልኡላውነት ሃገር ይሕሉ ኣለኹ! እናበለ ዝዝርግሖ ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ሰኒቖም እናጣቕዑ ይነብሩ ምህላዎም እዩ። ብተደጋጋሚ ግዜ ከምዝተረእየ ግን፣ ኤርትራ ተኸላኻሊ ዘይብላ ሃገር ኮይና ኣብ ጥራይ ጎልጎል እያ ተሪፋ ዘላ። እዚ ድማ ነቲ ኤርትራውያን ተጋደልቲ ኣብቲ መሪር ሓርነታዊ ቃልሲ ብዘርኣዩዎ ጅግንነት ጎሊሑ ዝነበረ ሓበን ኤርትራውያን ዝድውን፣ ውጽኢት ፍሽለት ስርዓት ኢሳይያስ እዩ።” ቃል ኣሰና።

    ኣብዛ ልዕል ኢልኩም ዝነበብኩማ ሕጥበ ጽሑፍ ተወሳኺ ሓሳብ ኣሎኒ። ካብቲ ኣብ 2002 ዓም. ባድመ ናይ ኤርትራ ሙዃና ዝሕብር ብይን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝወጽእ ንደሓር ኣብ ኤርትራ ልኡላውነት ሃገር ዘኽብርን ዝሕሉን መንግስቲ ከም ዘየለ ንነፍሲ ወከፍ ፋህም (መስተውዓሊ) ኤርትራዊ ከም ጸሓይ ቀትሪ በሪሁሉ’ዩ! ምኽንያቱ፡ እዚ ፍጻመ’ዚ ኣብ ክንዲ ነቲ ዓለም ብዓለሙ ናትካ ሙዃኑ ዝመስከረሉ መሬት፡ ህዝብኻ ጠርኒፍካን ኣኽቢርካን ብምትርናዕ፡ ተሓፋርን ተኸባርን ብሙዃን እንተ ብልዝብ እንተ ብሓይሊ ካብ ኢድ ጸላኢ ከተምልስ ትጽዕር፡ ብኣንጻሩ ህዝብኻ ኣሕሲርካን ኣዋሪድካን ብራዕድን ዘይሕጋዊ ቀይድን እናበታተንካ፡ መን ንመንግስቲ ተቓወመ? መንከ ኣማረረ? መን ተዓንቀፈ? መን ጸደፈ ወዘተ. እናበልካ ምስ ህዝብኻ ምንኻስ ዘምጽኦ ውርደት ጉጅለ ህግደፍ’ዩ!

    በዚ ኸኣ እቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ስለ ዝደየበ፡ ብትዕቢት ሰኺሩ ስመይ ኣልዒልኩሞ ኢሉ ዝነብሕ ዝነበረ ባልዋ (ኣርሓ መፍለስ) ሎሚ ስሙ ምልዓልስ ይትረፍ ዋላ ተደሲቑውን ብጩቕ ከምዘይብል ባዕሉ “’ሱቕ ጥዑም!’ ክብል ገሊጹዎ’ዩ። እዚ ኸኣ ንህዝብን ሃገርን ኣብ ኲናት ከየእቱ ሓልዩ ዘይኮነስ ወያነ ኣቐዲሞም ከምዚ ዚስዕብ ክብሉ ስለ ዘጠንቀቑዎ ጥራይ እዩ።

    ‘ህግደፍ ብድሕሪ ሕጂ ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ኲናት እንተ ደኣ ከፊቱልና፡ ከምቲ ዝሕለፈ ካብ ዶባት ጸፊዕና ብምብራር ጥራይ ትም ኣይክንብልን ኢና! ኣንታይ ደኣ ዳግም ከምዘይምለሰና፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ጠቕላላ ህላወኡ ከጥፍኦ ኢና!’ ስለ ዝበሉ ጥራይ እዩ ደማሒ (መላኺ) ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ዳግም ምስ ኢትይጵያ ኣብ ኲናት ከየእቱዎ ጸኒሑ ዘሎ! ስለዚ፡ ዳግም ብጉልባብ ባድመ ኣሻሓት መንእሰያትና ንኮንቱ ኣብ ዶባት ዘየጥፋእና ሳላ ንጹር መጠንቀቕታ ወያነ’ዩ!
    እዚ ህይወት ኣሻሓት ኤርትራውያን ካብ ምህላቕ ዘድሓነ ንጹር መንጠንቀቕታ’ዚ ንምስማዕ ወይ ንምንባብ እንተ ደሊኹም ከኣ ንድሕሪት ናብ 2000 ዓም. ተመሊስኩም ንቃለ መሕተት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ነፍስሄር መለስ ዜናዊ ስምዑ! እዚ ሕጂ ትካላት ህግደፍ ናይ ምዕናው ስጉምቲ’ዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲዱዎ እንተ ኮይኑ ከኣ ዋላ’ኳ ኤርትራውያን ባዕልና ክንገብሮ ዝግብኣና እንተ ነበረ፡ ሰኣን ዓቕምን ብቕዓትን ስለ ዘይፈጸምናዮ ግን ነቲ የማናይ ኢድ ዝኾነና ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ብስመይን ብስም ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራን ምስጋናይ ከቕርበሉ እፈቱ።

    እቶም ህዝቦም ኣብ ጸላም እናነበረን ብጽምኢ ማይ እንተንከላበተን ብኩፖን እናተቐለበን ክትገልጾ ዘሕፍር ኣደራዕ እናሕለፈን ከሎ ንሳቶም ግን ኣብ ዓዲ ፍትሕን ራህዋን ከም ድላዮም እናነበሩ ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ሰኣን ቀረባት፡ ህንጻ ብወግዒ ደው ንኽብል ዝተኣወጀሉ ግዜ መሬት ካብ ህግደፍ ገዚኦም ንዘይሰፍሩዎ ቪላታት ከህንጹ ክብሉ ምስዚ ኣጽናቲ ስርዓት ዝደናገጹ ዘለዉ ውሑዳት ተበለጽቲ እዚ ስጉምቲ’ዚ ከም ዘባህርሮም ፍሉጥ’ዩ። ንመብዛሕትኡ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ግን ወያነ ይግበሮ ካልእ ብዘየገድስ ጸባ ኣስትዩዎ ኣሎ! ኩሉ ነዚ ሕሱም ጃንዳ’ዚ ንምዕናው ዝግበር ወስታ ከኣ መርሓባ ኢልና ኢና ንቕበሎ! ኣብ መወዳእታ ነታ ንህዝቢ ኣብ እዋኑ ሓበሬታ ንምስናቕ ቀልባዕባዕ ከይበለት ግቡእ ስራሓ እትዓምም ዘላ ልሳን ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ራድዮ ወጋሕታ ብልቢ አመስግን እፈቱ። የቐንየለይ።

    ኤርትራና ክሓልፈላ፡ ስርዓት ምልኪ ንእለየላ!

    ካብ ሓውኹም መሲናስ 22/03/2015

  • Semhar March 22, 2015

    Amanuel-assenna. You are sick retarded. You try to present the story as if people are happy.

    I don’t like Issayas, but come’on Ethiopia attacking Eritrea. That is sick. I wish I can go to Abbay Dam and destory it.

  • abraham Iseyas March 22, 2015

    it is not really good news. I deny that act of the ethiopian air force. It is a matter of sovereign.

  • MH March 22, 2015

    Yes, we don’t like this crazy guy, but we don’t want such action to come from Ethiopia, no, we never accept it. not from wayyane.

  • Haile mezgebe March 22, 2015

    I deny that act of the ethiopian air force. It is a matter of sovereign.

  • MH March 22, 2015

    Yes, we don’t like this crazy guy, but we don’t want such action to come from Ethiopia, no, we never accept it.

  • Mesinas March 22, 2015

    ነዚ ካብቶም ዝሓለፉ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሃገርና እቲ ዝሓሰመ ስርዓት ክድስስቕ ዝመጸ ሓይሊ ድብያብሎስ ይኹን ሳጥናኤል፣ ኢትዮጵያ ትኹን ጅቡቲ መርሓባ ኢና ንብሎ። ጥራይ ነቲ ኣብ ስቓይ ዝነብር ዘሎ ህዝብና ኣይጉዳእ’ምበር ንመላኽስ ይደስቑውዎ ደኣ፡ ብእኡ ጥራይ ስለ ዝርድኦ!

POST A COMMENT