Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

BREAKING NEWS: እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣ ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣  ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ። መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ

እቲ ትማሊ ንናይ ሱዳን ጋዜጣ መበገሲ ብምግባር ብኣሰናን ካልኦት መርበባት ሓበሬታን ዝተዘርግሐ፣  ደብዳብ ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መደበር ዕደና ቢሻ ጭቡጥ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ኤርትራ ብዝርከቡ እሙናት ምንጭታት ኣሰና ኣረጋጊጻቶ።

መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብወገና ነቲ ተፈጺሙ ዝተባህለ ደብዳብ ካብ ውሽጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ብዘካየደቶ ጻዕሪ መሰርት፣ እቲ ናይ ነፍረቲ ደብዳብ፣ ብ 20 መጋቢት 2015 ሰዓት 04፡30 ወጋሕታ ከምዝተፈጸመ ከተረጋግጽ ክኢላ አላ።

በቲ ደብዳብ ሓያለ ንብረት ናይቲ ዕደናዊ ትካል ክቃጸል ከምዝወዓለ ክረጋገጽ ከሎ፣ ስርዓት ህግደፍ ‘ብስም ምጽራይ’ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል ናብ’ቲ ብደብዳብ ዝተቓጸለ ከባቢ ንኸይቀርቡ ከልኪሉዎም ኣሎ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ኩባንያ ቢሻ ካብ ኣቑርደት ዝመላለሱ ብምዃኖም ፤ ንግሆ ንስራሕ ከይኣትው ተኸልኪሎም ምውዓሎም’ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት። ገለ ሰራሕተኛታት ናይቲ ትካል “እቲ መጥቃዕቲ ክቕጽል ይኽእል ኢዩ” ብዝብል ስግኣት ሓደጋ ከይወርዶም ተሻቒሎም ከምዘልዉ ‘ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

እቲ ደብዳብ፣ ኣስታት 40 ኪሎሜተር ካብ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ደቀምሓረ አብ ማይ ዕዳጋ ዝብሃል ናይ ከቢድ ብረት መዓስከርን ዲፖ ነዳድን ‘ውን ብተመሰሳሊ ግዜን ሰዓትን ብዝተኻየደ ደብዳብ ከምዝተቓጸለ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የገንዝብ። ነዚ ደብዳብ’ዚ ብዝምልከት ኣሰና ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ጻዕርታት ተካይድ ኣላ።

እቲ ወርቂ ቢሻ ዝመልኣሉ ነገር ስለዘይነበሮ ድሮ ዘይሕጉስ ዝነበረ ህዝቢ ነቲ ጉዳይ ብወረወረ ምስ ሰምዖ “እቲ ዝነደደ ሓጻዊን ናይ ካናዳዊት ኩባንያ፡ እቲ ክሰራ ወርቂ ድማ ናይ ኢሳያስ እንድኣሉ” እናበለ ክዛረብ ይስማዕ ከምዘሎ ‘ውን እቲ ምንጭታት ሓቢሮም። ንቢሻ፣ ህዝቢ ኤርትራ፣ ደቁ ብባርነት ዝምዝመዙላ፤ ሃብቲ ዝዝመተላ ቦታ ገይሩ ኢዩ ዝርእያ። ኣዘዝቲ ሰራዊት ከይተረከ ከም ሕዛእቲ ናይ ኢሳያስ ዝጥምትዋ ቦታ ‘ውን ኢያ።

እዘን ነፈርቲ ካብ ዶብ ኢትዮ-ኤርትራ 450 ኪ.ሜ ውሽጢ ኤርትራ ኣትየን ደብዳብ ክገብራ እንከለዋ፤ ዓቕሚ ምክልኻል ስርዓት ኢሳይያስ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ዘረጋግጸ ጭብጢ ኢዩ። ከምዝፍለጥ አብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ፓይሎታትን ክኢልታት ስርዓተ መከላኸሊ ኣየር፣ ራዳርን ሚሳይልን ዝነበሩ ሓይሊ ኣባላት ኣየር ኤርትራ ነቲ ስርዓት እናራሕርሑ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዑቑባ ክሓቱ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።

እቲ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣዳኺሙዎን ኣንዒቑዎን ዝርከብ፣ ንርእሱ ‘ውን ምሉእብምሉእ ካብ ህዝቢ ትነጺሉ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝኾነ ዝመጾ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ክውስድ ይትረፍስ፣ መግለጺ’ውን ክህብ ኣይክእልን ዘሎ። እዚ ድማ፣ እቲ ኩንታት ናህሪ ወሲኹ ለኪሙዎ ከይከይድ ፍርሒ ስለዘለዎ፣ ብምጽቃጥ ኣረሳሲዑዎ ክሓልፍ ካብ ዘለዎ ናይ ራዕዲ ኩነት ዝብገስ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
115 COMMENTS
  • Fisehaye March 24, 2015

    The only language Isias can understand is
    /blood, iron/If the Eritreans are redy to this thing only they willbe free.

    Fisehaye

  • amir March 24, 2015

    A thing can be happened. What ever it is….., we never give up!

  • Halafi March 24, 2015

    A Canadian financial paper is reporting:

    “A source close to Nevsun said the company is not sure what happened and isn’t ruling out any possibilities until it completes an investigation. Nevsun’s statement said the company has implemented additional safety precautions and no employees were harmed.”

    http://business.financialpost.com/2015/03/23/nevsun-resources-ltd-describes-attack-on-eritrea-mine-as-act-of-vandalism/

  • yonas March 24, 2015

    ዲክታተር ኢሰያስ, ህግደፍን ደገፍቶምን ቀዳድ ገረወኛ ኮይኖም ተሪፎም አለው።ኢሰያስ ብጀካ ንኤርትራዉያን ምቕጥቃጥን ኤርትራ ምዕናዉን ካልእ ንጎረቤት ሀገር ዝኸውን ዐቕሚ ከምዘይብሉ ተተደሲቑ ምጽቃጥ ጥራይ ኢዩ።ግብረ መልሲ ክህብ አብዘይክእለሉ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ,መምስ ተቐጥቀጡ ሐሶት ኢዩ እንዳበሉ ምውራይ ጥራይ ኢያ እታዐቕሞም።ምቕናይ እምበር ካልእ ክንሰምዕ ኢና።

  • Halafi March 24, 2015

    The Ethiopians will admit none of their military operations because of the legal implication that may arise including from the American and Canadian investors and the Nevsun corporation, however, the Ethiopians are admitting indirectly what their air-force accomplished inside Eritrea on Friday night through the broadcasts of Radio sallina at sallina dot com.

  • anti-higdef March 24, 2015

    I don’t think people in the army or whatever is left of it are ready to die in defense of Higdef.
    Once the doomsday clique is gone Eritreans will live in peace with all neighbors. If there is a neighbor that wants to humiliate them, they will defend their land, and in that they will make sure they have the international community on their side.

  • asmarino menisei March 25, 2015

    Our suffer,humiliation,torture and oppression could only be paid back with such retaliations though might have been done by the ethio-gnm’t for its own reasons it really means greater for the powerless oppressed people of eritrea……they should strengthen their attacks and the result will be good for us(eritreans) and the horn of africa as a whole. God Bless Eritreans

  • dani March 25, 2015

    መቸም ኩሉ ግዜ ክትሕስዉ ሓንቲ መዓልቲ ሓቂ ከይተዛረብኩም ሓሶትኩም ምስ በዝሐ እካ ኢዩ ራዲኹም ተዓጽዩ

1 7 8 9

POST A COMMENT