Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

እተገልበጠ ሕልና

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ መብዛሕትኡ ክሽነታት (መግቢ ዚስርሓሉ ክፍሊ-ቤት) ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን: ትኪ ኣለሊያ ጢጥ እትብል መሳርሒት ኣላ። ኣብቲ ክሽነ: እቶን ወይ ጋዝ ወሊዕካ ምስ እትርስዖ: እቲ ኽፍሊ ብትኪ ይመልእ እሞ: እታ መሳርሒት ጢጥ ወይ ጭር ብምባል

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ መብዛሕትኡ ክሽነታት (መግቢ ዚስርሓሉ ክፍሊ-ቤት) ምዕራብ ኤውሮጳን ኣመሪካን: ትኪ ኣለሊያ ጢጥ እትብል መሳርሒት ኣላ። ኣብቲ ክሽነ: እቶን ወይ ጋዝ ወሊዕካ ምስ እትርስዖ: እቲ ኽፍሊ ብትኪ ይመልእ እሞ: እታ መሳርሒት ጢጥ ወይ ጭር ብምባል ንኣኻን ንኽፍሊ መጥፋእቲ ሓውን ትሕብር። ቤትካ ከይተሃሞኸ ኸሎ ኸኣ ቦምቤረ መጺኦም የድሕኑዎ።

ገለ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚቕመጣ ኣንስቲ ሃገርና: እታ መሳርሒት: መዓልታዊ ቡነን ከፍልሓ ኸለዋ ትኪ ርእያ ስለ እትውጭጭሞ ኣብቲ ኣወል ቡነን ስለ እትህውኸን: ምሕየን እየን ዚድርብያኣ። ክሽነ ብገለ ምኽንያት ሓዊ እንተ ተቓጺሉ ግን: ዘእውይ ስለ ዘየሎ: እታ ቤት ምቅጻላ ኣይተርፋን። ኣቐዲመን ኢንሹራንስ ዘይኣተዋ ኣዴታት ድማ ደኒነን ይነብዓ።

ብሓደ መገዲ: ንሕልና (conscience) በዛ መሳርሒትዚኣ ክንምስሎ ንኽእል ኢና። እቲ ጌጋ ክትገብር ከሎኻ ኣብ ውሽጥኻ ኮይኑ ግደፍ ወይ ስቕ ኣይትበል: ተዋሳእ: ዚብለካ ትሑት ድምጺ ወይ ድራኸ: ንሱ ሕልና እዩ ዚብሃል። ኣብ ኩሉ ወድሰብ ከኣ ኣሎ። ነዚ ሕልናዚ ምሒኻ ምስ እትድርብዮ ድማ ነቲ ዓገብ ዚብል ውሽጣዊ ድምጺ ብንጹር ክትሰምዖ ስለ ዘይትኽእል: ናብቲ ጭውነትን ክብረትን ስነምግባርን ዝጎደሎ ደልሃመት ከም እትኣቱ ይገብረካ።

ንምዃኑ ሕልና እንታይ እዩ: ብምንታይከ ይግለጽ?

ሕልና: ሃይማኖታውን ስነፍጥረታውን መበቆል ኣለዎ። ይኹንምበር: ኣብቶም ሃይማኖት ዘይብሎም ኣብ ጫካታት ዚነብሩ ሰባትውን ከይተረፈ: ካብ ናይቲ ምዕቡል ሕብረተሰብ ይፈለ ደኣምበር: ሕልናስ ኣሎ። ገለ ሊቃውንቲ ስነፍጥረት: ሕልና ነቲ ዓሌት ወይ ማይቤት ከይጠፍእ ወይ ከይጸንት ብማለት ኣብቲ መስርሕ ዘገምታዊ ምዕባለ ወድሰብ ዝሰረጸ ናይ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ድራኸ እዩ ይብሉ።

ነዚ መራጎዲ ዝኸውን እቲ ኣብ እንስሳታት እንርእዮ ናይ ምርህራህ ባህርያት እዩ። ደርሆ ንደቃ ትኣሊ: ኣብ ማእከል ባርዕ ሓዊ ድማ ንነብሳ ሰዊኣ (ተቓጺላ) ንጨጨውታ ተድሕን። ላም ንውላዳ ርእሰ ተኣማንነት ንኸሕድር ትልሕሶ። ሓረምዝ ነቲ ኣብ ጕዕዞ ተሰኒፉ ምኻድ ዚስእን ውላደን ብንጎተን ገይረን ሓፍ የብላኦ። ነቲ ብኣንበሳ እተጎብጠ ጎባይ: ብጾቱ መጺኦም: የናግፉዎ ወዘተ.።

ናይ እንስሳታት ሕልና ግን ኣብ ምድንጋጽ ወይ ኣብ ምርህራህን ምሕጋዝን ጥራይ እተሓጽረ ይመስል። ኣእምሮ ሰለ ዘይብሎም: ንነገራት መዚኖም እዚ ቅኑዕ እዩ: እዚ ጌጋ እዩ: ኪብሉ ኣይክእሉን። እቲ ዘርእዩዎ ተግባራት ወይ ግብረመልሲ ብደመነፍሲ (instinct) ደኣምበር ብምሕሳብ ወይ ብስነመጎት ስለ ዘይጽሎ: ኣይጠዓሱን እዮም: ኪጠዓሱውን ኣየድልን። ንቐጻልነት ዘርኦምን ዓሌቶምን ንምውሓስ ግን: ርህራሀን ምትሕግጋዝን ጥራይ ይኣኽሎም እዩ።

ኣብቲ ናይ ምሕሳብ ሓይሊ እተዋህቦ ሰብ ግን: ሕልና ካብ ርህራሀ ሓሊፉ ናብ ሞራልን ስነምግባርን ደረጃታት ኪሓልፍ ብምኽኣሉ: ሕማቕን ጽቡቕን ኣለሊዩ መልሲ ኪህብ ክኢሉ። ኣብ ፍጥረት: ጽቡቕ ማለት እቲ ንቐጻልነት ማሕበራውን ሰብኣውን ህልውናና ዘውሕስ ኪኸውን ከሎ: ሕማቕ ግን: ንቐጻልነት ማሕበራውን ሰብኣውን ህልውናና ዚፈታተንን ካብኡ ሓሊፉ ድማ ዘፍርስን ዘዕኑን ተግባር ወይ ሓሳብ እዩ።

ከምዚ ኪኸውን ዝገበሮ ድማ: እቲ ናይ ወድሰብ ወትሩ ዚምዕብል ማሓበራዊ ናብራን ምትእስሳርን እዩ። ብመሰረቱ ግን: ሕልና ኪብሃል ከሎ: ኣብ እንስሳታት ይኹን ወይ ኣብ ሰብ: ማሕበራውን ዘርኣውን ቀጻልነት ንምውሓስ ዚለዓል ድርኺት ምዃኑ ክንርስዕ ኣይግባእን።

ግን ኩሉ ሰብ ሕደ ዓይነት ሕልና ድዩ ዘለዎ? ማለት: እቲ ንፍርድና ኣብ ሕልናና ብምምስራት ጽቡቕ ወይ ሕማቕ እንብሎ ነገራት: ኣብ ኩሉ ሰብ ሕደ ድዩ? ብሓጺሩ: ኣድማሳዊ ወይ ዩኒቨርሳላዊ ሕልና ዚብሃል ኣሎ ዲዩ?

ንኣይ ከም ዝመስለኒ: ኣብ ምምንጫውን ምቕራጽን ምምስራትን ሕልና: ሃይማኖትን ባህልን ዓቢ ተራ እዮም ዚጻወቱ። ካብኡ ሓሊፉውን ኣተዓባብያ ንሕልና ይጸልዎ እዩ። ግን ዩኒቨርሳላዊ ሕልና ብዚምልከት: ሕጂውን ማሕበራውን ዘርኣውን ቀጻልነት ንምውሓስ ዚለዓል ኢቮሉሽናዊ ድርኺት ካብ ምዃን ኣይሓልፍን።

ኣብ ሃገር ቺና ብጥንቲ: ሓደ ሰብ ንሞት ምስ ዚፍረድ: ሃብታም እንተ ነይሩ: ንሓደ ወዲ ድኻ ቤተሰብ ገንዘብ ይኸፍሎሞ: እቲ ድኻ ድማ ንስድራቤቱ ኪዕንግል ብማለት: ገንዘቡ ወሲዱ ኣብ ክንድቲ ሃብታም ይመውት ነይሩ ይብሃል። ኣብቲ ሃብታምን ኣብቲ ናይቲ ድኻ ቤተሰብን ኣብቲ መንግስትን ዝነበረ ናይ ሕልና ደረጃ ክትገልጾ ኣሸጋሪ እዩ: ግን ከኣ ኩሉ ናይ ባህሊ ጉዳይ እዩ።

ወዲ ዓሰርተ ዓመት: ሰሪቑ ሰራሪቑ ገንዘብ ሒዙ ንገዛ ምስ ኣተወ: ስድራቤቱ ወድና ደጊም ዓቕሚ ኣዳም በጺሑ: ብገዛእ ርእሱ ሓዲሩ ብምባል ፌስታ ዚገብሩ ሕብረተሰብ ኣለዉ። ንሰብ ኣደንዚዞም ኮላሊቱ ሰሪቖም ዝሸጡውን ኣብ ቦቦታኦም ኣለዉ። ኣባላት ማፍያ: ሰብ ቀቲሎም ኢዮም ቤትክርስትያን ዝሳለሙ… ግልቡጥ ሕልና ኣብ ኩሉ እዩ ዘሎ። ዘይሩ ዘይሩ ግን: ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መገዲ ካብቲ ክሊ ናይቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ኢቮሉሽናዊ መግለጺ ኪወጽእ ኣይክእልን።

እስከ ኣብ ሃገርና ድማ ቍሊሕ ንበል። በቲ ሰብ ይስደድ:.. ከበሮ። ሰብ ይርሸን:…. ኩዳ። ሰብ ይጥሕል:… ስብራ። ሰብ ይእሰርን ኮላሊቱ ይውሰድን ሃገር ድማ ትበርስን: ….ዲቕ ዝበለ ጓይላን ዳንኬራን። ካብ ኩሉ ዘገርም ግን: ኣብዚ ሕልና እተቐትለሉ ናይ ዳንኬራ መድረኽዚ: እተን ህጻናት ዝወልዳ ኣዴታት ብወግዒ ምሃላወን እዩ።

ኣብ ፍጥረት: ኣደ ወላዲት ብምዃና: ናይ ሕልና ደረጃኣ ካብ ናይ ሰብኣይ ንላዕሊ ክብ ዝበለ እዩ። ኣደ ወይ ጓለንስተይቲ: ኣብ ከብዳ ሰብ ስለ እትፈጥር: ብጥንቲ: ወድሰብ ኣማልኽቱ ኣንስቶት እየን ነይረን። ኣደ: ናይ ርህራሀን ድንጋጸን ዩኒቨርሳላዊት ኣብነት ኮይና ኣብ ብዙሕ ባህልታት ክብረት ዘለዋ ፍጥርቲ እያ።

እምበኣር: ሕልና ውጽኢት ናይቲ ቀጻልነት ዘርእን ዓሌትን ንምውሓስ ዚካየድ ኢቮሉሽናዊ ድራኸ ካብ ኮነ: እታ ንሰብ ኣብ ማህጸና ን9 ኣዋርሕ ደኲና ንዓለም እተቕርብ ኣደ ደኣ ከመይ ኢላ እያ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ዩኒቨርሳላዊ ሕልናኣ ከተጥፍኦ ዝኸኣለት?

ደርሆኳ ኣብ ግዜ ባርዕ ደቃ ከይሞቱዋ ብኣኽናፋ ብምሽፋን ንርእሳ ነዲዳ ንደቃ ተድሕን እያ ይብሃል። ሰብ ደኣ ካብ ደርሆ ኣይበልጽን ዲዩ?

እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ን5 ሚልዮን ኣይሁዳውያን ኣብ ፎርኖ ንምድጓን ጠንቂ ዝነበረ ኣዶልፍ ኣይኽማን: ኣብ ቤትፍርዲ እስራኤል ቀሪቡ ፍርዱ ኪቕበል ከሎ: ዕድመ ንሂትለር ኢሉ ንምጭራሕ ሕልናኡ ኣይዓንቀፎን። ኣይኽማን: ከምዚ ኪብል ዝኸኣለ: ነቲ ሕማቕ ከም ጽቡቕ ገይሩ ካብ ዚርእይ ማሕበረሰብ ስለ ዝመጸ እዩ። ንኣኡ: ኣይሁድ ምቕታል ጽቡቕ እዩ ነይሩ። እወ: ነቲ ሕልናኡ እዩ ጠውዩዎ። ሂትለርውን እታ ዝፈትዋ ናይ ጋብያ ዑፍ ምስ ሞተቶ: ነቢዑ ይብሃል። ሕልናኡ ብምግልባጥ። ምጽናት ሓምሽተ ሚልዮን ኣይሁድ ግን ኣየንበዖን። እቲ ድራኸ ኣሎ: ግን እተገልበጠ እዩ። ጥምዙዝ ወይ እተገልበጠ ሕልና እምበኣር ከምዚ እዩ።

ኣደታት (ኩለን ኣይኮናን): ኣብ መቓብር ደቀን ጓይላ ኪተኽላ ከለዋ: ሕልናአን ተዋቒዑወን እዩ ክንብል ንኽእል። እቲ ዩኒቨርሳላዊ ሕልናኮ ምስአን ኣሎ፡ ግን ኣብ ክንዲ ናብ ደቀንን ህዝበንን ዝቐንዕ: ናብ ህግደፍ እዩ ቀኒዑ። ኣብ ኣእምሮአን: ሃገር ማለት ህግደፍ: ህዝቢ ማለት ህግደፍ: ብሩኻት ደቂ ማለት ከኣ ንህግደፍ ዚኣምኑ ማለት እዩ። ስለዚ ህግደፍ ንኸይጠፍአን ነቲ ግልቡጥ ሕልናአን የስርሓኦ ኣለዋ ማለት እዩ።

እዚ: ነቲ ኣብ ሓደ ንመስሓቒ ተባሂሉ እተዳለወ መጽሓፍ ዘንበብኩዎ ኣጋጣሚ የዘክረኒ። ሓደ ሰብኣይ ኣብ ናይ ቅብኣ-ስእሊ መርኣያ ወይ ኤግዚቢሽን ይኸይድ። ኣብኡ ቅብኣታት እናረኣየ ኸሎ፡ ሓንቲ ስእሊ ግን ዝተገልበጠት ኮይና ተሰሚዓቶ። ሽዑ ነቲ ኣጋፋሪ: እዚ ደኣ ከመይ እዩ: ኣይተረደኣንን: እተገልበጠ ይመስል…እንተ ዘይተጋግየ… ብምባል ይውከሶ። እቲ ኣጋፋሪ ግን: እቲ ስእሊ ኣይኮነን ተገልቢጡ: ንሱስ ጥዑይ ኣሎ: ንስኻ ኢኻ ተገልቢጥካ ዘሎኻ ይብሎ። እቲ በጻሓይ ገሪሙዎ: ካልእ ድማ ከይሰምዕ ካብቲ ስእሊ የልግስ።

እተን ኣብ መቓብር ደቀን ዚስዕሳዓ ዘለዋ ኣዴታት: እቲ ናይ ደቀን ሓሳረ-መከራን ስቓይን ውርደትን ሞትን ቅሩብ ከይተሰቖረን ይሓልፍዶ ትብሉ? ብሱሩዶ ቀልቢ ዘይብለን ኮይነን እየን? ግን ህግደፍ: እቲ ስእሊ ናይ ደቀን ዘይኮነስ: ንሳተን ባዕላተን ተገልቢጠን ከም ዘለዋ ምስ ኣእመነን: መታን ነቲ ምስሊ ከስተኻኽላ ግድን ኪግልበጣ ወሲነን። ተገልቢጠን ከኣየን ዚስዕስዓ ዘለዋ እምበር: ምስ ቅኑዕ ሕልናአንስ ዓድን ሰብን እናበረሰ ኸሎ ኣይምሳዕሳዓን።

ብሓቂ የሕዝና እየን። እቶም ኣቦታትውን ከምኡ። ግን ግዜ ኪመጽእ እዩ። ኩሉ ቀኒዑ ዝረኣየሉ። በቲ እዋንቲ: ሕልናአን ናብ ቦታኡ ምስ ተመልሰ: ዘይሓልፍ ጣዕሳ ኪጸቕጠንን ኪጸቕጦምን እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
10 COMMENTS
  • Ogbai Ghebremedhin July 25, 2015

    ክቡር ሓው ኣማኑኤል ሳህለ፡-ኣቐዲመ ሞት ሓውናን ዓርክናን ኣብርሃም ኣብዚ ቀረባ ግዜ ምስመዐይ ዓሚቝ ሓዘን ይስምዓኒ። ልቦናን ዋዛን ኣብርሃም ንሃገር ኣብ ዘይእዋኑ ምጕዳሉ ዓቢ ክሳራ ሃገር`ዩ። ኤርትራ ከም ኣብርሃምን ቅድሚኡ ዝሓለፉ ብሉጻት ደቃ ምስኣና ዕጫኣ ኣይጸበቐን። ካብ ኮነ፡ ዘለዓለማዊ ሰላማዊ ዕረፍቲ ይግበረሉ። እዚ እተበርክቶ ዘሎኻ ተኻታታሊ ኣርእስታት፡ ንልቢ ዘረስርስ፡ ነእምሮ ብቕኑዕ ኣተሓሳስባ ዝድርኽ ብምዃኑ፡ ምስ ግዜ ዘይኣርግ መወክሲ ስለ ዝኸውን፡ ንኡድ ከይነኣድካዮ ንኡድ`ኳ እንተ ኾነ። ፍሉይ ምስጋና ይብጻሕካ። ብፍላይ እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ኣዚያ ነደታት እትምልከት ሓያል ግን ብምዑዝ ኣጸሓሕፋ ስለ ዝቐረበት፡ ንዝዓወረ ሕልና ከይተረፈ እተበራብር ጽሕፍቲ ኢያ። ሎምስ ብዛዕባ ዕሩቕ ውልቀምልካዊ ስርዓት ዘይተባህለ ስለ ዘየለ፡ ናብታ ፍትሕን ሰላምን ዝሰፈና መጻኢት ኣተኲርና፡ መሃርን መርወይ ሕልናን ዝኾነ ጽሑፋት ምብርካት እዋኑ ካብ ሕጂ ክጅምር ከም ዝግብኦ ኣብነታዊ ትልሚ ምግባርካ እመስግነካ።

  • k.tewolde July 25, 2015

    Another great article from a gifted writer. HEGDEF’S propaganda machine is so potent over the years that it can alter the conscience of an inanimate object. Recently, i had a phone conversation with a niece that fled the brutal repression and found a safe haven in the west.After a few a exchange of the dire situation back home which she admits, this is her conclusion, ‘KAB ZEYTFELTO MELAAKSI , TFELTO SHEITAN YIHAYSH.’ I hang up the phone.

  • NATIONALIST ERITREAN July 25, 2015

    “እቲ ኣብ ካልኣይ ውግእ ዓለም ን5 ሚልዮን ኣይሁዳውያን ኣብ ፎርኖ ንምድጓን ጠንቂ ዝነበረ ኣዶልፍ ኣይኽማን: ኣብ ቤትፍርዲ እስራኤል ቀሪቡ ፍርዱ ኪቕበል ከሎ: ዕድመ ንሂትለር ኢሉ ንምጭራሕ ሕልናኡ ኣይዓንቀፎን። ኣይኽማን: ከምዚ ኪብል ዝኸኣለ: ነቲ ሕማቕ ከም ጽቡቕ ገይሩ ካብ ዚርእይ ማሕበረሰብ ስለ ዝመጸ እዩ።”

    ብሕልፊ እታ…[ኣይኽማን: ከምዚ ኪብል ዝኸኣለ: ነቲ ሕማቕ ከም ጽቡቕ ገይሩ ካብ ዚርእይ ማሕበረሰብ ስለ ዝመጸ እዩ]..ዝበልካያ ነጥበ ሓሳብ ክምዝምዛ ይደሊ።
    እዘን ኣዴታት እዚኤን እውን ካብ ከምዚ ዓይነት ሕብረተሰብ ስለ ዝመጻ እየን።
    ከብርሃ፣ ..ሰብ ንሰብ ንክቐትሎ ካብ ፍጥረት ሰቡ ኣትሒቱ ወይ እንስሳ ወይ እከይ ክገብሮ ኣለዎ።
    ንኣብነት…..ኣምሓሩ ኣእዱግ/animals worth killing እንድዮም ፣ተጋሩ እከያት/evil worth destroying እንድዮም…
    ነቲ ምቕታል፣ ምእላይ ወይ ምጽፋዕ ጌርካ ምስ እትገልጾ ፍዅስ ስለ ዝብል/euphemism ሕልናኻ ኣይወቕሰካን።እቲ ጀብሃ ብምኽንያት ውግእ ኣብ ሜዳ ዝወደቝዋ ብጾታ ንኣሞራ ራሕሪሓ ሱዳን ክትኣቱ ከላ ኣዴታት ብናይ ጸርፊ ጓይላ ተጋዳላይ ዓማ ተለካያይ ዘይቲ ዒላም ተሪፍዎ ዒላም ናይ ኣንስቲ እናበላ ብቭጭካነን ሃደምትን እናበላ ተቐቢለን ኦም ፥፥፥፥፥(ይቕሬታ እዚ ኢንተርኔት ካፈ ይዕጾ ስለ ዘሎ ጽንሕ ኢለ ክቕጽሎ እየ።)

    continues part 2

  • Negusse July 25, 2015

    አማኒኤል ስለቲ ብተኸታታሊ ብስሉን አራሚን ሐቅን ትህቦ ዘለኻ ትምህርትኻን ማዕዳኻን ካብ ሊቢ የመስግነኻ።አቶም ” ነሱ ንሕና ; ንጽሕና ነሱ ” ዝብሉ ዘለው ናይ የእምሮ ስንኹላንን ኽሳራ ሀገርን አብ ለቦም ክሳብ ዝምለሱን ዝስቔሮምን ከይተሐለልካ ክትሰርሕ ሐደራ ይብለካ። ነቶም ተሐቢኦም እስቒጦም ዘለው ” ናይ ዕትሮ መብራህቲ” አበይ ተሪፍኹም ይብሎም። ሎሚ ዘይከተተ ብደው ከምዝሞተ’ እዩ ነገሩ።
    አቶም ነቲ ስርዓት ጫምኡ ክትልሕሱ ንግሆ ንግሆ አብ አስመራ ከለኹም አብ ሐዳስ ኤርትራ ትፅሕፉ ዝነብርኩም ሎሚ አብ ካናዳ አብ አውስትራልያ ኢድኹም ሂብኹም ትነብሩ ዘለኹም አበይ ተሐቢእኹም ።መቸስ ሕዝቢ ኤርትራስ እናብኸየ ይዕዝብኹም አሎ።
    እብ መጨረሻ ንሐውና አብርሃም መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንቤተሰብ ዳማ ጽንዓት የሀብት።

  • mehari July 26, 2015

    Amaniel sahle xhufka kenbbu zbhgun zxbeyun bzuhat seabti alewuka mo mehari xhufka ayfeleyena

  • Berhe Tensea July 26, 2015

    Excellent points…These ignorant need to go to may chelot to get rid offtheir demon called Iseyas.
    These hopless women were used over and over by the Tembein regime and I Think they will be used more till they are healed.

  • Kidane Canada July 26, 2015

    Bravo brother Mr Amanuel Sahle, I am extremely delighted to know that poor mother Eritrea still has some brilliant and highly intelligent children left like yourself dearest brother. When I read your great and always beautifully written articles you just make me forget the so many higdef zombies who really make you feel down and depressed. But you simply compensate us with your educational and shining articles and please keep it up and God bless you all the time my kibur haw and memher.

  • Welde Gebreab July 27, 2015

    Selamat. Ezen adetat, silezamenalu, sileze-emenuwen ydgf-o alewa. keberon dansn kea ywskalu. kemztegageya entezeyterediuwen kemey gerka txbit tehhdr?

  • Exodus Eritrean Flset July 27, 2015

    ኣማኒኤል ሳህለ ብመጀርታ ከምኩሉ ግዜ ተኸታታላይ ናይ ጹሑፍካ ብጣዕሚ ኢየ ቁምነገር ሓሳባት ሓዘል ናይ ጹሑፍካ ደስ ኢሉኒ ከይተሰላቸኹ ዘምብቦ። ብልቢ ከኣ ከማኻ ዓይነት ሰባት ኣብ ሃገርና ክበዝሑ ደስ ዝብለኒ ንኩሎም ቕንጥብጣባት ናይ ጹሑፍካ ብመጽሓፍ መልኽዕ እንተ ዝሕተም ደስ ምበለኒ ኣነ ንኹሉ ጹሑፋትካ ከም ሰነድ ዪሕዞ ኢየ። ንስኻ ውን እንተተሕትሞ ንወሎዶታት ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ዝመጽእ ወሎዶታት ከምብቦን ክርዶኦን ክመሃረሉ ይኽእል ኢዩ ኢለ ያኣምን እሞ ብመልክዕ መጽሓፍ ጠርኒፍካ ከምዝውለዎ እንተ ኣውጺኻዮ ጽቡቅ ሰነድ ኢዩ ኢለ ይሓስብ ምስኡ ናይ ኣብርሃም ካርቶናት ስእሊ ሓዊስካ።
    እሞ ናብ’ቲ ክብሎ ደለ ዘሎኹ ክኣቱ። ከምዝበልካዮ ዝተገልበጠ ሕልና ኣብ ኩሉ ጸፍሕታት ናይ ማሕበረሰብ ሰብኣውነት ኣዕናዊ ኢዩ። ሕልና መስኮት ናይ’ቲ ኣብ ውሽጢ ነብስና ዘሎ መንፈስ ኢዩ ኢለ ያኣምን። ኣብ ነብስና ፍቃድ ስሚዒት ሓሳባት ዝብሃሉ ክህልዉ ከለዉ ነዚኣቶም ኣብ ግቡእን ቑኑዕን መስመር ዘትሕዞም ሕልናና ኢዩ ንምንታይ ሕልናና ካብቲ ንጹህ ዝኾነ ውሽጣዊ መንፈስና ኢዩ መልእኽቲ ዝቅበል ስለዚ ኢዩ ሕልና መርሖ መስኾት ናይ መንፈስና ኢዩ ዝብሃል። ሕልና ኣብ ገለ ግዜ ይመውትን፡ ኣብ ገለ ጊዜ ተንሲኡ ከኣ ሂያው ይኸውንን ኢዩ። ሕልናና ኣብ ንቀትለሉ ግዜ ግብርና ወይ ሰብኣዊነትና ከም ፍቅሪ ትዕግስቲ ለውሃት ትሕትና እምነት ድንጋጼ ዝብሃሉ ንወዲ ሰብ ብሓባር ተሰማሚዑ ንኽነብር ዝገብሩ ረቛሒታት ይበርሱን ይጠፍኡን፡ ብኣንጻሩ ከኣ ባእሲ ተንኮል ሻራ ምፍልላይ ጽልኢ ዘይምትእምማን ጭካኔ ነብሰይ ይጥዓመኒ ምባል ንዕቀት ትዕቢት ገኒኖም ክነግሱ ይርአዩ። ብሓጺሩ እቲ ሂያው ሰብ ሞይቱስ ምውት ልሙስ ሰብ ይነግስ ናለት ኢዩ። ኣብ ከምዚ ግዜ ከምቲ ኣማኑኤል ሳህለ ዝበሎ ኣዴታት ህግደፍ ክኽሰታ ናይ ጊዲን ኢዩ። ኣብ’ዚ ሕልና ዝሞተሉ ግዜ ከም ኣዴታት ህግደፍ ጽቡቅን ሕማቅን ናይ ምልላይ ተኽእሎ ኣክህልውን ኢዩ። ስለዚ ኣብዚ ግዜ እዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ዝፈላሊ ህሞት ተከሲቱ ከምቲ ኣባጊዕ ካብ ኣጣል ዝፍለያሉ ዘመን ፍርዲ ክርስቶስ፡ እዚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግር ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ክልተ ኢዩ ከፊልዎ፡ ሕልንኦም ዝቀተሉን ዝሞተን፡ ሕልንኦም ዘይቀተሉ ሂያው ዝገበሩን። እቶም ሕልንኦም ዝቀተሉ ብፍጹም ከመዛዝን ዝኽእል ኣእምሮ የብሎምን፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት እንተ ሓቲትካዮም በቲ ከመዛዝን ዘይክእል ሙዉት ሕልንኦም ጽቡቅ ኣሎ ህዝቢ ንምዕብል ኣሎና ኣብ ህንጸት ኣሎና ህግደፍ ቁኑዕ ኣሎ ፍትሓቂ ናጽነት ዝመሎኦ ኢዩ ይብሉኻ። ዋላ እኳ ኣብ ፍትሒን ደሞክራሲያዊ ሃገርን መሰሎም ተሓሊይሎም ይንበሩ ሕልንኦም ሸይጦም ስለ ዝቀተልዎ ከመዛዝኑ ኢልካ ዘይሕሰብ ኢዩ። በቲ ሓደ ከኣ ሂያው ዝኮነ ሕልና ዘለዎ ህዝቢ ትርኢ፡ ነት ሞትን ስደትን ግፍዕን ጭኮናን ናይቲ ህዝቢ ኣዚዩ ዝስምዖምን ዓገብ ዝብሉ ዝሓዝኑ ነቲ ዝግፋዕ ዘሎ ሕዝቢ ወገን ዝኾኑዎ ከጻናንዕዎ ክረድእዎ ትሪኢ ክልተ ጫፋት ናይ ሓደ ነገር ኢዩ፡፡ ሕልንኦም ዝሸጡ ፈኾስቲ ዘይውርዙያት ስለ ዝኾኑ ከም ሓሰር ኣብ ማይ ንላዕሊ ጸምበለል ክብሉ ከለዉ፡ እቶን ሰብ ህያው ሕልና ረዘንቲ ከኣ ከም እክሊ ኣብ ታሕቲ ማይ ኮፍ ይብሉ፡ ስለዚ እቲ ሓሰር ናይታ ሃገርን እኽልን ዝፈላሊ ግዜ ህልና ኢዩ።

  • Bisrat gebremariam July 27, 2015

    Zikeberka haw amanuel xihafay kab wethader yiblix tibl tiksi lomi bsenki eza tsihiftika tsibuk gere kestmakira kiele. Kulu gize digemeni neger ezi kulu gifen mekeran ab hizbi inatefexeme inkelo yelen hasot diblus beyenay ayini beyenay ezni yireyun yisemun silezelewu iyom ele yihasib nere wey kabzi ni aemurom shefinwom zelo neger bkemey ketwziom tikel yible nere gin bal amnuel kemzi intekezilkum bhaki bzuh seb kiere eyu imo kem kedeka tiguh kun yekeniyeley